ሕቡራት መንግስታት ናይ ስደተኛታት ኮሞሽነር ን12 ናይ ኤርትራ ኮዑሶ ተጻወትቲ መሰል ናይ ስደተኛታት ብምትግባር ሙሉእ ዑቕባ ከምዝተዋህቦም ካብ ከንያ ዝተረኽበ ርጉጽ ምንጪ ሓቢሩ። ናይ ከንያ ናይ ኢሚግረሽን ሓለፍቲ ብረቡዕ ነዞም ተጻወትቲ ብወግዒ ድሕሪ ምዝርራቦም ጉዳዮም ተጻርዩ እዩ።

እዚኣቶም ኣብ ዘይተፈልጠ ድሕሪ ምጽንሖም፣ ኩሎም 12 ተሓባቢሮም ተራዳዲኦምን፣ ብቐጥታ ናብ ሕቡራት መንግስታት ናይ ስደተኛታት ኮሞሽነር ብምኻድ ኣብ ኤርትራ እንተድኣ ተመሊሶም ከጋጥሞም ዝኽእል ናይ መሰል ደቅ ሰብ ግህሰትን ኣብ ህይወቶም ድማ ኣስጋእነት፣ ብሕ. መ. ናይ ስደተኛታት መሰል ሕጊ መሰረት ብምግባር፣ ብግብሪ ኣረጋጊጾም።

ናይ ጋንታ ኤርትራ ተጻወትቲ ካብቶም ካብ 60,000 ንላዕሊ ዝኾኑ በብግዜኡ ናብ ስደት ዘምርሑ ዘለዉ ኤርትራውያን ኮይኖም ኣለዉ። ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ብሰብኣዊ መሰል ምግሃስ ቀዳሞት ዝስርዓ ሃገራት ካብ እተኸውን ነዊሕ እዋን ኮይኑ እዩ።

ቅድሚ ክልተ መዓልቲ “ኣብ ትሕቲ ናይ ሕ.መ. ናይ ስደተኛታት ኮሞሽነር ጽላል ስለዘለዉ ክእሰሩ ኣይክእሉን እዮም” ክብል ሓደ ስሙ ክዕቀበሉ ዝደለየ ናይ ሕ.መ. ሓላፊ ሓቢሩ ነይሩ።ነቲ ተረኺቡ ዜና ንምክትታል ኣብ ዝተኣከቡሉ ናይ ከንያ ጋዜጠኛታት እቶም ተጻወትቲ ንገለ ጋዜጠኛታት ብምጉጣጦም ገለ ድራማ ተፈጢሩ ነይሩ። ድሕሪኡ ግን ተጻወትቲ እቶም ጋዜጠኛታት ክኣስርዎም ዝመጹ ፖሊስ ስለዝመሰልዎም ምዃኖም ብምምልካት ይቕረታ ሓቲቶም። እዚ ስግኣት እዚ ድማ ጭብጢ ኣለዎ ክብሉ እሙናት ምንጭታት ሓቢሮም።

ብናይ መንግስቲ ኤርትራ ዝተላእኩ ወከልቲ ናይ ምጭዋይ ሓደጋ ከምዝነበረ ሎሚ ብዝረኸብናዮ ሓበሬታ ተረጋጊጹ ኣሎ። ከምቲ ዝበሃል ሰለስቲ ፍሉጣት ወከልቲ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ሱዳን ንከንያ ነዚ ንምትግባር ከምዝኣተዉን እቲ ድሌቶም ግን ምስዚ ኣብ ከንያ ተረኺቡ ዘሎ ፍሉይ ኩነታት ክሰልጥ ከምዘይከኣለ ተፈሊጡ። ኣብ ከንያ ናይ ሕሉፋት እስላማውያንን ኣንጻር ናይቲ ብሕ.መ. ዝድገፍ ናይ ሶማል መንግስቲ ክመጽእ ዝኽእል ስግኣትን ስለዘሎ መንግስቲ ከንያ ምስ ኣህጉራዊ ተብግሶ ምክልኻል ዓለም ክተሓባበርን ኣብ ውሽጡ ብናይ ብልሽውና ዝመጽእ ናብ ብገንዘብ ክሽየጥ ዝኽእል ናይ ሃገር ድሕነት ክከላኸል ይረኣ ኣሎ ይበሃል። ቪድዮ ተመልከት።

መንግስቲ ኤርትራ ካብ ሱዳንን ከንያን ሶማልን ንዝሃደሙ ኤርትራውያን ናይ ምጭዋይ ፈተነን የካይዱ ምዃኖም ኣብ መንጎ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ከም ርጉጽ ተግባር እዩ ዝውሰድ ይብሉ ምንጭታት ዜና።

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...