ኣብ ጊንዳዕ ዝርከቡ እሙናት ምንጭታት ማሕበረሰባዊት ሬድዮ ድምጺ ወጋሕታ ከምዘረጋገጹልና- ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ዊዓ ኣጋጢሙ ብዘሎ ተላባዒ ሕማም ንዝተለኸፉ ዜጋታትና ብለይቲ ናብ ሆስፒታል ጊንዳዕ ብምውሳድ ብስቱር ግቡእ ኣገልግሎት ሕክምና ከይረኸቡ ይመልሶም ኣሎ።

ናይዚ ኣውራ ምክንያት እቲ ጠላም ስርዓት ኢሳይያስ ህዝብና ነቲ ኣብ ዊዓ ኣጋጢሙ ዘሎ ከቢድ ሓደጋ ከይፈልጦ ክኽውሎን ክሽፍኖን ስለዝደለየ’ኳ እንተኾነ ህዝብና እኹል ኣፍልጦ ስለዝረኸበ እቲ ተንኮል በርዒኑ ተሪፉ’ሎ።

ኣብ ዊዓ ምስ ብርቱዕ ዋዒ ተዛሚዱ ዋሕዲ ዝስተ ማይ፡ መግብን ኣግልግሎት ሕክምናን ስለዘሎ እቲ ተላባዒ ሕማም ኣዝዩ ዘሰክፍ ሓደጋ ክኸውን ግድን ኮይኑ’ዩ ዝበለ’ቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ- ስርዓት ኢሳይያስ ነቲ ሓደጋ ንምቁጽጻር ዝገበሮ ዋላ ሓንቲ ፈተነ ኣብ ርእሲ ዘይምህላው ብለይቲ ናብ ሆስፒታል ጊንዳዕ ዝወሰዶም ዜጋታት እኹል ሕክምና ከይረኸቡ ብለይቲ ክምለሱ ብምግባር ሂወቶም ኣብ ሓደጋ የውድቆ ምህላው ኣረዲኡ።

እዚ ስርዓት ኢሳይያስ ክሓብኦ ላሕ ዝብለሉ ዘሎ ከቢድ ሓደጋ ካብ ህዝብና ክኽወል ስለዘይክኣለ ወለዲ ብሃለዋቶ ደቆም ይሻቐሉን ደቅና ክንርኢ ንደሊ ኢና ኢሎም ጸቅጢ ይገብሩን ብምህላዎም እቲ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ስግኣትን ሸቐልቀልን ወዲቁ ከምዘሎ ከኣ ተፈሊጡ’ሎ።

ኣብ መበል 20 ዙርያ ኣብ ዊዓ ዝተዓለመት ሽማ ክትገልጽ ዘይደለየት ዜጋ ነቲ ኣብ ዊዓ ዘሕልፈቶ ግዜ ዘኪራ ክትዛረብ ከላ ካብ ንቡር ወጻኢ ኣብ ዝኾነ ዋዒ ዘሕለፍክዎ ሃለዋት ከም ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘይኮነስ ከቢድ ገበን ፈጺመ ዝወረደኒ ዘይርሳዕ መቅጻዕቲ ጌረ’የ ዝቆጽሮ ክትብል ከምዝገለጸት’ውን እቲ ሓበሬታ ብተወሳኪ ኣመልኺቱ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...