AUDIO (AM Quality) NEWS for our users in Africa CLICK HERE
ድምጺ ደሊና
 ዜና 20 ለካቲት 2015  
ኣዳላውን፡ ኣቕራብን: ዘካርያስ ክብርኣብ

ክቡራት ተኸታተልቲ ድምጺ ደሊና ንድምጽኹም ድምጺ ደሊና ሓበሬታ ይኹን ርእይቶ ምስ ዝህልወኩም በዚ ዝስዕብ ቁጽሪ ስልኪ መልእኽትኹም ክትገድፉልና ከም እትኽእሉ ክንሕብረኩም ንፈቱ። ተሌፎን 001 714 598 3138


Creative Commons License
This work is licensed under a Creative Commons Attribution-NonCommercial-ShareAlike 4.0 International License.


ኣብዘን ዝሓለፋ ሓሙሽተ መዓልታት ጥራሕ 2700 ስደተኛታት ብማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ደሴት ላምፓዶዛ ከምዝበጽሑ ተገሊጹ።

እቶም ስደተኛታት ካብታ ሕጊ ኣልቦ እናኾነት እትመጽእ ዘላ ሊብያ ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ብምሕሳብ‘ዮም ብዘይሕጋዊ መንገድን ንሂወት ውሕስነት ብዘይህብ መንገድን ኣዝዩ ብዙሕ መጠን ገንዘብ ዝሓትት ጉዕዞ ዘካይዱ ዘለዉ። ሓያሎ ሶርያውያንን ሊብያውያንን ካብቶም ካብ ቀረባ እዋን ኣዝዩ ኣሰቃቒ ግፍዕታት ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ክርስትናን ምስልምናን ዝፍጽሙ ዘለዉ ብISIS ዝብል ስም ዝፍለጡ ጥሩፋት ሽበራዊ ጉጅለ ዘውርድዎ ዘለዉ ግህሰታት ክእልዩ፣ ካሎኦት ካብቶም ስደተኛታ ከኣ ካብ ኤርትራን ሶማልያን ዝኣመሰላ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝመጹ ኮይኖም፣ ኣብ ዓዶም ይኸይድ ካብ ዘሎ ግፍዕታትን ድኽነትን ነብሶም ነጻ ክገብሩ ብምሕሳብ‘ዮም ኣብ ኤውሮጳ ብሓርነት ክነብሩ ብምትስፋው ናብ ላምፓዶዛ ዝግዕዙ ዘለዉ።

ኣብዚ ሰሙን እዚ ሓያሎ ኣፍሪቃውያንን ሶርያውያንን ስደተኛታት ኣብ ጀራዲን ደሴት ላምፓዶሳ ገለ ዝብላዕ ፍሩታታት ክልምኑን ማዕጾ ካቶሊካውያን ቢተክርስትያናት እናዃሕኩሑ ገለ ንመጽለሊ ዝሕግዞም ቴንዳታት ብረዲኤት ክህብዎም ክመጻደቑን ይረኣዩ‘ለዉ። እዚ ናይ ሎም ዘመን ስደት ገና ክረምቲ ከይተወደአ ብምጅማሩ ሓያሎ ስደተኛታት ኣብ ሓደጋ ይወድቁ ኣለዉ። ዋሕዚ ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ኤውሮጳ ኸኣ ኣብ ሓጋይ ብዝተዓጻጸፈ ክዛይድ ከምዝኽእል ካብ ደይሊ ሜይል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ክቡራት ሰማዕትና ምስ ናይ ትማሊ ዜናና ኣብ ጉዳይ ኣብ ሊብያ ተጨውዮም ዘለዉ ኤርትራውያን ብዝተሓሓዝ ምስ ሓደ ካብቶም ግዳያት ዝገበርናዮ ሓጺር ቃለ ምልልስ ኣሎ ድሕሪ ዜና ተኸታተሉ።


መንግስቲ ሆላንድ ኣብ ንግዲ ደቂሰባት ኢድ ኣለዎም ኢሉ ዝጠርጠረቶም ሓያሎ ውልቀሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተወ ተሓቢሩ።

ቁጽሪ ናይቶም ብንግዲ ደቂ ሰብ ተጠርቲሮም ኣብ ሆላንድ ዝተኣስሩ ሰባት ካብ ዓመት 2013 ብ 25 ሚኣታዊት ዕብየት ከምዘርኣየ ነዘርላንድ ታይምስ ንጸብጻብ ሚንስትሪ ጸጥታን ፍትሕን እታ ሃገር ብምውካስ ኣፍሊጣ።

ሃገራዊ ፖሊስ ሆላንድ ምስ ክፋል ሰራዊትን ሲቪል ፖሊስን ብምትሕብባር 336 ሰባት ብጥርጣረ ክሕዝ እንከሎ ኣብ ዓመተ 2013 ግና ቂጽሪ ተጠርጢሮም ናይ ዝተኣስሩ ሰባት 272 ጥራሕ ምንባሩ ተገሊጹ። ኣብ 2014 ብዝተገብረ ሓያል ምክትታልን ጻዕርን ከኣ ነዞም ብርክት ዝበሉ ሰባት መብዛሕቱኡ እዋን ን ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ምስግጋር ተፋፊሮም ዝበሎም ጥርጡራት ክቕይድ ከምዝኸኣለ ኔዘርላንድ ታይምስ ወሲኻ ኣፍሊጣ።


*** ፍሉይ መደብ ***

ዓደይ‘ባ ምለሱኒ

ኣብ ኤርትራ ካብ ዘሎ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝካየድ ሃገራዊ ባርነት ከተምልጥ ኣሽሓት ዶላራት ንሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ህግደፍ ክትከፍል ኣሎካ። ዶብ ሰጊርካ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ክትዕቆብ እንተደሊኻ ነዛ ሩሕካ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ የእቲኻ ነቶም ዘሳግሩኻ ኣሽሓት ዶላራት ኣቑሒምካ ትፍትን። ኣንፈትካ ናብ እስራኤል እንተኾይኑ ናይ ሰሙናት ጉዕዞ ምድረበዳ ጥራሕ ከይኣክል ክፋል ሰውነትካ መተካኣታ ሃብታማት ከይከውን ከብድኻ ሓቂፍካ ሓፍትኻን ሰበይትኻን ኣዴኻን እንዳተደፍራ ትም ኢልካ ኣብ ልዕሊኡ ገንዘብካ ከፊልካ ትጎዓዝ። መንገድኻ ናብ ሊብያ እንተኾይኑ‘ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ኣጻምእ ተፈቲንካ ትሰግር። ናብታ ተስፋ ብዙሓት ሕልሚ ስደተኛታት ዝኾነት ኤውሮጳ ክትቀላቐል እንተኾይንካ፣ ምስ ማዕበል ማእከላይ ባሕሪ ኩናት ክትገጥም ትሕተት። ነዚ ኹሉ ሰጊርካ ናብ እስራኤል ምስ እትኣቱ ኣብ እንዳ ሳዕሪ ምሕዳር ይጽበየካ፣ ብገለ ብእስራኤላውያን ከኣ ከም መፈንፈን ተቖጺርካ ትጽረፍን ትዋረድን፣ ተገፊፍካ ኸኣ ትእሰር። ኣብ ዓዲ ጥልያን‘ውን ኣብ ቀዝሒ ኣብ ትሕቲ ቢንቶታት ከተማታት ኢጣልያ ምሕዳር ኣሎ። ኣብ ኣብያተ ክርስትያናት ከብድኻ ክትመልእ ኪትልምን‘ውን ግድን እዩ። ኣሰር ኣጻብዕትኻ እንተ ኣልዒሎሙኻ መወዳእታ ዘይብሉ ከርፋሕ ሂወት ትፍረድ። ሕጊ ጢሒዝካ ኮለል ምስ ትብል ትእሰርን ትጥረዝን።

እዚ ኹሉ ግፍዒ ብዋጋ ክብርኻን ገንዘብካን ጊዜኻን‘ዩ። ኤርትራ ትበሃል ሃገር ዓዲ ወርቂ፣ነሓስ፣ፖታሽን ሓጺንን ዓዲ ሕርሻ ወናኒት ልዕሊ 300 ደሴታትን ኣስታት ሓደ ሽሕ ኪሎሜተር ገማግም ባሕሪ ምስ ጹሩይ ማያትን ንበጻሕቲ ሃገር ዝስሕብ መሳጢ ጽባቐ ዘለዋ ሃገር ሙኻና ህልም ኣቢልካ ትርስዖ። ተስፋ ስለ ዝሰኣንካ ጥራሕ ኩሉ ተስፋኻ ንሃደ መላኺ ደርቢኻ ናብቲ ተስፋ ዘይህብ ስደት ተምርሕ። ብትሕዝቶ ሃገር ሃብታማት ኢና፣ በተሓሳስባ ግን ኣይግድን። ናበይ ኢና ከመይ ኢና ኢልና ንሕልናና ንሓትት‘ዶለና። ኣይመስለንን ኩሉስ ውልቃዊ ሽግሩ ኣብ ስደት ክፈትሕ ጥራሕ‘ዩ ጸደፍደፍ ዝብል ዘሎ። ኤርትራ ነፍቅራ ኢና ግን ብዛዕባኣ ክንሰምዕ ኣይንደልን። ባህልና ነኽብሮ ኢና ግን ኣቡኡ ክንነብር ኣይንደልን። ቢተሰብና ንፈቱ ኢና ግን ፋሕ ብትን ኢልና ንነብር ኣሎና። ዓርከ መሓዛ ባህታ እዩ ዝፈጥረልና ግን ሎሚ ኣይተዓደልናዮን። ዘጉሂ እዩ። እዚ ክጽሕፎ እንከለኹ ከም ወዲ ኣስመራ መጠን ሎሚ ዘይረኽቦ ጸሓይ ምጭውቲ ከተማይ እንዳተራእየኒ ኣብ ሕምብርቲ ኤውሮጳ ኣብ ዓዲ በረድ ብቐዝሒ እንዳተለብለብኩ እየ። ይናፍቕ ኣለኹ ኣብ ጎደና ሓርነት ሸናዕ ክብል፣ ኣብ ኣፍደገ ሲነማ ኢምፐሮ ማክያቶ ክሰቲ፣ ኣብ ሜዳ ችቸሮ ቲፎዞ ኮይነ ክጭድር፣ ኣብ ካተድራለ ክሳለምን ኣብ ዓቢ መስጊድ ክሰግድን። ግን ጊዜ ነዊሑኒ። ኣቱም ተቓለስቲ ሃየባ ተዓረቑ። ቀንዲ ታርጌትኩም ህግደፍ ግበሩ‘ሞ ፋሲካ ብሓድ ክንምሳሕ። 


Join VoD

VoD is looking for highly motivated candidates to collect, draft, edit and present relevant news items from various sources exclusively but not limited to Eritrea and the rest of the Horn of Africa. Excellent writing skills in both English and Tigrinya, proficiency in using technology, and ability to scan social media are essential. The candidate should be an active listener, able to communicate with persons of interest, and share timely information with the public.

The Main objective of Voice Of Delina is to collect and disseminate economic, social and political developments pertaining to Eritrea and Eritreans at home and in the Erespora.

We are also determined to develop the media capacity by grooming the new generation of Eritreans to articulate the aspirations of our country.

We are particularly looking for candidates who are keenly interested to play an active role in helping foster peace and democracy in Eritrea.

VOLUNTEER INTERNSHIP OPENINGS

• Media Director/Program Coordinator
o manage the team
o prepare editorials
o make editorial decisions on programs to be broadcast
o edit other program contents

• Researchers
o research topics required for programming
o assist in drafting stories

• Writers and Editors
o draft a regular feature story
o assist in news preparation

• Anchor-Reader
o read program items
o assist in news preparation

• Sound Engineer
o arrange programs, add music and repackage programs for dispatch to the studio

• Translator from English into Arabic and Tigrinya (and, on a limited basis, Amharic)
o translate copy of stories into appropriate language for broadcast
o when necessary, read stories in correct language or dialect

To participate please send email to This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
Please provide your personal CV, Skype ID, telephone number and best time to call you.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...