AUDIO (AM Quality) NEWS for our users in Africa CLICK HERE
ድምጺ ደሊና
 ፍሉይ መደብ 07 ለካቲት 2015  
ኣዳላዊን: ኣቕራቢን: :ዘካርያስ ክብርኣብ


ፍሉይ  መደብ፡ 

ትማሊ  ሎሚ ኾይኑ

ትማሊ ሎሚ ኮይኑ፣ ተነጻጺሩ ትማሊ ሒሹ። ቀደም ብጓና ሎሚ ብወዲ ዓድና፣ እቲ ምረቱ ተመሳሳሊ ግን ከኣ ኣብ ገሊኡስ እዚ ናይ ሎሚ ሕልፍ ዝበለ። ስርዓት ደርግ መንእሰያት ከተማ ገዲፎም በረኻ ከይወጹ ይከላኸል፣ ህግደፍ ብኣንጻሩ ኣጓብዝን ጎራዙን በረኻ ገዲፎም ንዓዲ ከይኣትዉ ይጽዕት። ደርግ ኣብ ማእከል ኣስመራ ኣብ ማርያም ግንቢ ናይ ፖለቲካ እሱራት የሳቒ፣ ህግደፍ ኣብ ወሰን ኣስመራ ካብ ዓዲ ኣበይቶ ሰጊሩ ኣብ ዒራዒሮን ሚዕጢርን ዝበሃሉ ከብ ከተማ ዝረሓቑ ቤት ማእሰርትታት ሃኒጹ መሰል ሰብ ይግህስ። ደርግ ይርሽን ህግደፍ‘ውን የቃብጽን የሕቅቕን። ደርግ ናይ ይሕለፍ ወረቐት ይእውጅ፣ ህግደፍ መንቀሳቐሲ ይሓትት። ደርግ ርእይቶ ንዝሃበ ወንበዴ ክብል እንከሎ ህግደፍ ካብ ስነ ሓሳቡ ዝረሓቐ ኤርትራዊ ከዳዕ፣ ወያነ እንዳበለ ይኸስስ። እቲ ናይ ቀደምስ እንደለ ምኾነ፣ ናይ ሎሚ ገደደ። ባዕዳዊ መግዛእቲ ሽሕ እንተሓመቐ ንኽትውሕጦ ኣየጸግምን‘ዩ። ካብ ኣብራኽካ ዝወጸ መላኺ ግን ክትቅበሎ ይኸብደካ። ሕማቕ ዕድል፣ ተካል ጊዜ፣ ትማሊ ሎሚ ኮይኑ።

ሎሚ ቕነ ካብ ማዕከን ዜና ምልኪ- ኤሪ ቲቪን፣ ካብ ሬድዮ ፍትሒ ድምጺ ደሊናን ካብ ክልተ ሃገራውያን ተመሳሳሊ ዛንታ ተመሓላሊፉ። ፍልልዩ ናይ ኣማኑኤል ኣብ እዋን ደርግ ናይ ሄለን ኣብ ዘመነ ህግደፍ ሙኻኑ እዩ። እቲ ግፍዕን ግህሰትን ግን ሓደ እዩ። ኣብ ሎሚ ኮይንካ ትማሊ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕማቕ ኔሩ እናበልካ ከተዋግዕ እንተኾይንካ፣ ሎሚ ከምኡ ምስ ዘይህሉ እዩ። ናብራና ክሳዕ ከምቲ ናይ ትማሊ ዝኾነ ግን መቐይሮ ክንደሊ እምበር ሕሉፍ እናበልና ህሉው ታሪኽና ከነዕልል መቐረት ዝህብ ኣይኮነን። ገለ ተዛረብቲ ነዚ ናይ ሎሚ ተረኽቦ ብዋዛ ክገልጽዎ እንከለዉ መግዛእቲ ብቛንቃ ዓድና ነስተማቕር ምህላውና ይዛረቡ። እዚ ኣበሃህላ‘ዚ ንገለ ተራ ጭርቃን ክኸውን ይኽእል‘ዩ፣ ንብዙሓት ከም ዓይነ ስዉር ኣማኑኤል ንስለ ሓቀኛ ፍትሒ ዝተቓለሱ ግን መዓንጣ ከብዶም ዝቐርጽ‘ዩ። ኣማኑኤል ኣብ ዕሸሉ ክጋደል እንከሎ በዓል ሄለን ሎሚ ቀሲነን ክነብራ እምበር ብተዛማዲ ከምቲ ናቱ ዕጫ ክገጥመን ኣይነበረን። ግን ኮይኑ፣ ከምኡ እንዳገበሩ ከምዚ ይገብሩ ኔሮም ኢሎም ትርጉም ዘይህብ ታሪኽ ንዘዳልዉ ዘለዉ ግና ህዝቢ ይዕዘቦም ኣሎ። ህግደፍ ድሕሪ ናጽነት ማእሰርቲ ማርያም ግንቢ ከመይ ከምዝነበረ ንህዝቢ ክገልጹ ብዙሕ ላዕሊን ታሕትን ክብሉ ተራእዮም፣ እቲ ዝገርም ቅንይ ኢሎም ብፍሉይ ቤትፍርዲ ጀሚሮም ካብ ማርያም ግንቢ ዝገድድ ልዕሊ 300 ቤት ማሕቡሳት ኣብ መላእ ኤርትራ ምስ ሃነጹ፣ ናቶም ኣቐሚጦም ብናይ ትማሊ ዝነበረ ግን ከኣ ሎሚ‘ውን ንርእዮ ዘለና ግፍዒ የዘንትዉልና ኣለዉ

ቀደም ጥዑም ኣይነበረን። ሎሚ‘ውን ጣዕሚ ኣይተረኽበን። ኣማኑኤል ብጸላኢ ተማሪኹ ናብ ማርያም ግንቢ ኣትዩ። ኣብ ጉዕዞ እንከሎ ብርቱዕ መውጋእቲ ስለ ዝነበሮ ኣብ መንገዲ እንከሎ ሓንቲ ኤርትራዊት ሓኪም ደንጊጻ ንጸላኣቱ ሕክምና የድልዮ ከምዘሎ የእሚናስ ሕክምና ክረክብ ኪኢሉ። ኣብ ማርያም ግንቢ እሱራት ኣሰቃቒ ግፍዒ የሕልፉ ስለ ዝነበሩ፣ በዓል ኣማኑኤል ትሕቲ ዕድመ ብምንባሮም ኢትዮጵያዊ ኮረኔል ደንጊጹ ተኻቲዕሎምስ፣ ገሊኦም ናብ ሰምበል ገሊኦም ናብ ሓዝሓዝ ፋሕ ኢሎም ኣብ ዝሓሸ ቤት ማእሰርቲ ክእሰሩ ተፈሪዶም። ስድራቤቶም ክበጽሕዎም ተገይሩ። ኣብ መወዳኣታ ድሕሪ ኣዋርሕ ነጻ ተለቒቖም ከኣ ናብ ትምህርቲ ተመሊሶም። እዚ ኣብ እዋን መግዛእቲ እንከለና ዘጋጠመ ታሪኽ‘ዩ። ኣብ ኤሪ ቲቪ ኸኣ ሰሚዕናዮ። ሰነዳት ሎሚ‘ኸ እንታይ ይብሉና?

ሄለን ጓል ሎሚ እያ። ልክዕ ከም ኣማኑኤል ናይ ትማሊ ሄለን ናይ ሎሚ ትሕቲ ዕድመ እያ። ኣብ ናጻ ኤርትራ ኸኣ ተወሊዳ። ዶብ ክትሰግሪ ፈቲንኪ ተባሂላ ብህግደፍ ተኣሲራ። ማእሰርታ ኣብቲ ብዙሓት ልዕሊ ዕድመ ተኣሲሮም ዝሳቐይሉ፣ ኣእምሮኦም ስሒቶም ዓቢዶም ዝነብሩሉን ብምሒርን መግረፍቲ ሂወቶም ዝስእንሉ ዘለዉ ዓዲ ኣበይቶ እዩ። ስድራ ቤታ ንሳ ብዝገበረቶ ከይሕተቱ፣ ናይ ባዕላ ውሳነ ሙኻኑ ከተእምን ጺዒራ፣ ትሕቲ ዕድመ ስለ ዝነበረት ኤርትራውያን መርመርታ ኣይኮነን ክድንግጹላ፣ ክትግረፍ ሙኻና እናፈራርሑ ሓቂ ክትዛረብ ኣጉባዕቢዖሙላ። ስድርኣ ክትሪኢ ተኸልኪላ። ኣብ ሰፈር ቱኻን ዝኾነ መናድቕ ዓዲ ኣበይቶ ተጸጊዓ ክትድቅስ ተፈሪዳ። ነቲ ኹሉ ኣብቲ ኣሰቃቂ ቦታ ዝፍጸም ዝነበረ ግፍዕታት ኣብ ኑኡስ ዕድሜኣ ክትሪኦ ተቐሲባ። ብኑቑጽ ወዲ ዓከር ባኒ ከብዳ መሊኣ ክትሓደር ድማ ተገይሩ። ትማሊ ሎሚ ኮይኑ፣ ተነጻጺሩ ግን ትማሊ ሒሹ።

እቲ ዘገርም ኣማኑኤል ኣብ እዋን ደርግ ድሕሪ ማእሰርቱ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣብርሃ ባህታ ክመሃር ተፈቒዱሉ፣ ሄለን ከኣ ኣብ ዘመነ ህግደፍ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርታ ተማሂራ ወተሃደር ክትከውን ንሳዋ ክትወርድ ተፈሪዳ። ኣማኑኤል ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ጓና ክነብር ስለ ዘይደለየ ብዓይነ ስዉሩ ተመሪሑ ንሜዳ ወሪዱ። እዛ ናይ ሎሚ ሄለን ከኣ ኣብ ጉዕዞኣ ከጋጥማ ዝኽእል ኩሉ ዓይነት ጸገማት በዲሃ ንሂወታ ኣብ ሓደጋ ኣውዲቓ ካብዚ ናይ ዘመንና ገዛኢ ካብ ህግደፍ ሃዲማ ኣብ ስደት ትርከብ።

ኤርትራና ብሕሰም ትማልን ሎምን ተዶቒሳ  ጓናን ወዲ ዓድን ተተበራርዮም ተጻዊቶሙላ። ህዝባ ቅድሚ ሕጂ ርእይዎን ኣስተማቒርዎን ዘይፈልጥ ሓርነት ከስተማቕር ሃረር ይብል ኣሎ። ብዙሕ ከኣ በቶም ዝኣመኖም ደቁ ምስ ተጠልመ ድሕሪ ደጊም እንታይ ክደግም ኢሉ ለውጢ ክመጽእ ኣይክእልን‘ዩ ኢሉ ተስፋ ቆሪጹ ዝነብር ኣሎ። እንተኾነ ግን ሕልሚ ፈሪሕካ ከይደቀስካ ኣይሕደርን ከምዝበሃል። ሓቀኛ ሓርነት ክነምጽእ ምብጋስ ጥራሕ‘ዩ ዘዋጽእ።


 

Join VoD

VoD is looking for highly motivated candidates to collect, draft, edit and present relevant news items from various sources exclusively but not limited to Eritrea and the rest of the Horn of Africa. Excellent writing skills in both English and Tigrinya, proficiency in using technology, and ability to scan social media are essential. The candidate should be an active listener, able to communicate with persons of interest, and share timely information with the public.

The Main objective of Voice Of Delina is to collect and disseminate economic, social and political developments pertaining to Eritrea and Eritreans at home and in the Erespora.

We are also determined to develop the media capacity by grooming the new generation of Eritreans to articulate the aspirations of our country.

We are particularly looking for candidates who are keenly interested to play an active role in helping foster peace and democracy in Eritrea.

VOLUNTEER INTERNSHIP OPENINGS

• Media Director/Program Coordinator
o manage the team
o prepare editorials
o make editorial decisions on programs to be broadcast
o edit other program contents

• Researchers
o research topics required for programming
o assist in drafting stories

• Writers and Editors
o draft a regular feature story
o assist in news preparation

• Anchor-Reader
o read program items
o assist in news preparation

• Sound Engineer
o arrange programs, add music and repackage programs for dispatch to the studio

• Translator from English into Arabic and Tigrinya (and, on a limited basis, Amharic)
o translate copy of stories into appropriate language for broadcast
o when necessary, read stories in correct language or dialect

To participate please send email to This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
Please provide your personal CV, Skype ID, telephone number and best time to call you.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...