AUDIO (AM Quality) NEWS for our users in Africa CLICK HERE
ድምጺ ደሊና
 ዜና 
ኣዳለውቲ: ኤደን ተስፋይን: ዓንዶም ግርማይን:
ኣንባቢ፡ ዘካርያስ ክብርኣብ

8 ጥሪ 2015


ኣብ ምጥርናፍ ስድራቤታት ዝሰርሕ ትካል ICRC ንኽልተ ኤርትራውያን ቆሉዑ ምስ ወላዲቶም ክጽንበሩ ገይሩ።

ሓንቲ ኤርትራዊት ኣደ ድሕሪ ሞት በዓልቤታ ንትሕቲ ዕድመ ደቃ ምስ ወላዲታ ንድሕሪት ገዲፋ ካብ ከተማ መንደፈራ ነቒላ ኣብ ሃገር ፈረንሳ ድሕሪ ምእታዋ ከም ዕጫ ሓያሎ ኤርትራውያን ብጸቕጢ ስነ ኣእምሮ እናተሳቐየት ክትነብር ድሕሪ ምጽናሓ ብሓገዝ ትካል icrc ደቃ ክትሓቁፍ ከምዝበቐዐት ተገሊጹ። እቶም ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ ቆልዑ ድሕሪ ሞት እታ እንኮ ናባይቶም ዝነበረት ዓባዮም ብተኣፋፊ ዝኾነ መንገዲ ናብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምስጋሮም‘ዮም ኣብኡ ዑቕባ ድሕሪ ምሕታቶም ብመንገዲ icrc ን unhcrን ናብ ወላዲቶም ናብ ፈረንሳ ክጽንበሩ ዝኸኣሉ። ዋሕዚ ስደት ኤርትራውያን ስደተኛታት ብኣዝዩ ኣስካሕካሒ ዝኾነ መንገድን ብኣሰካፊ ዝኾነ ቁጽርን ይቕጽል ኣብ ዘለወሉ እዋን ሓያሎ ስድራቤታት ይበታተና ከምዘለዋ ናይ ዕለታዊ ጸብጻብ ኮይኑሉ ኣብዘለወሉ እዋን ስርዓት ህግደፍ ግና ገና እቲ ጠንቂ ስደት ንኣመሪካን ካሎኦት ዝተፈላለያ መንግስታውያንን ዘይመንግስታውያን ትካላትን‘ዩ ከጸግዖ ዝፍትን ዘሎ።


ክልተ ፍሉጣት ጋዜጠኛታት ኢሳት ኣስመራ ኣትዮም

ክልተ ፍሉጣት ግዜጠኛታት ኢሳት ንኣብ መሬት ኤርትራ ዓሪዶም ንዘለዉ  ተቓወምቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ  ምዕባለታቶም  ንምስናድ ኣስመራ ኣትዮም። ኢሳት ኣብ ናይ ዕለት 8 ጥሪ 2015  ፈነውኣ ከምዝሓበረቶ ፡ እቶም ጋዜጠኛታት  ኣስማቶም ጋዜጠኛ መሳይ ሞኮነን ከምእውን ጋዜጠኛ ፋሲል የኔኣለም  ከምዝበሃሉን ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሕሉ እዋናት ድማ ኣብ ዶባት ኤርትራ ንዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ተቓወምቲ ሓይልታት ኢትዮጲያ በጺሐሞ ንዘለዉ ምዕባለታ ብዓይኖም ብምርኣይ ክምዝግቡ ምኻኖም ካብ መርበብ ሓበሬታ ኢሳት ክርዳእ ተኻኢሉ ኣሎ ። ብዘይካዚውን ትብል መርበብ ሓበሬታ ኢሳት፡ እቶም ኣስመራ ኣትዮም ዘለዉ 2 ጋዜጠኛታት ተኽእሎታት እንተጋጢሙ ብዝዓባ ኣብ መጻኢ ንዝህሉ ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ርክባት ምስ ሰበስልጣናት ኤርትራ ቃላምሕትት ከምዘካይዱ ውሲኻ እታ ብተቓወምቲ ኢትዮጵያ እትውነን ኣብ ውጻኢ ዝመደበራ ፍልጢ መርበብ ኢሳት ትገልጽ ።

እዞም 2 ጋዜጠኛታት ድሮ ኣስመራ ኣትዮም ፡ ከምድሌቶም ብነጻ ይንቀሳቐሱን ኣብዝደለይዎ ቦታታት ኤርትራ እናተዛወሩውን  እኺድዎም ዘሎ ስራሕ ይሰርሑ ከምዘለዉ ይገልጹ ። ብፍላይ ሓደ ካብቶም ጋዜጠኛታት ጋዜጠኛ መሳይ ኣብ ናይ ፌስቡክ ገጻቱ ኣብ ኣስመራ ዝተሳእሎ ስእሊ ብምግባር ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ “ ኣስመራ ጥንታዊ ውቃብኣ ዘይቅሃመ ውቅብቲ ከተማ  ፡ኢሳት ኣስመራ ኣትያ ። ሰላማዊ ቃልሲ ብሰፊሕ እናተመዝገበዩ። ንጫካ ቤቶም ብምግባር ንሕውሃት ብሓይሊ ከጥፍኡ ኣብ ምድላዋት ንዘለዉ ሕይልታት ብኣካል ክንራኸቦም ኢና። ብምባል ካብ ኣስመራ መልእኽታቱ ኣመሓላሊፉ ኣሎ። ኣብ መወድኣታ ናይቲ ዜና ድማ ፡ ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ወይ ሰሙናት ጸብጻብ ናይዞም 2 ጋዜጠኛታት ብስፊሑ ክዝርጋሕ ምዃኑ እታ መርበብ ሓበሬታ መብጽዓታታ ትኣቱ።

ካብዚ ሓሊፉ’ውን ጉዕዞ ናይዞም 2 ኢትዮጵያውያን ጋዜጠኛታት ብገለ ገለ ተቓወምቲ ኢትዮጵያውያን ከም ጅግንነት ይቖጽርዎ’ኳ እንተለዉ ፡ ኣብ ዝበዝሑ ኤርትራውያን ግን ዝተፈላለየ ስክፍታታ ፈጢሩ ይርከብ ። ከምዝፍለጥ ብድምሒት ዝፍለጡ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ድርዒ ህግደፍ ብምዃን ኣብ ውሽጢ ኣስመራ ብምእታው ንኤርትራውያን የበሰብሱ ካብ ዘለዉ ሓደዩ።


ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ምስ ህግደፍ ዝደናገጹ ከም ቶርጎምቲ ዝሰርሑ ኤርትራውያን ካብ ስርሖም ይባረሩ ኣለዉ።

ሎም ዘበን ጥራሕ ብመንገዲ ማእከላይ ባሕሪ ኣስታት ሰላሳን ሸውዓተን ሽሕ ኤርትራውያን ናብ ኤውሮጳ ከምዝሰገሩ ክግለጽ እንከሎ፣ መብዛሕትኦም ኣብ ጣልያን ብዘሎ ዘይምቹእ መነባብሮ፣ ናብ ሃገራት ጀርመን፣ ዴንማርክ፣ሽወደንን ኖርዋይን ዝኣመሰላ ሃገራት ዑቕባ ክሓቱ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ንጉዳይ ስደቶም ብዝምልከት ቃለ መሕትት ክገብሩ ስለዝግደዱ ግድን ኤርትራዊ ቋንቋ ዝዛረቡ ቶርጎምቲ ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ክሰርሑ ክግበር ጸኒሑ። እንተኾነ ግና ሓያለ ምስ ህግደፍ ዝደናገጹ ቶርጎምቲ ነቲ ዝሃብዎ ቃል ብምጥምዛዝ ጉዳዮም ከም ዘበላሽውሎምን ገለ ገለ ቶርጎምቲ‘ውን ብጋህዲ ንመንግስትኹም ኣይተኽፍእዎ እናበሉ ከምዝህድድዎምን ሓያሎ ሓደስቲ ስደተኛታት የማርርሩ ኣለዉ። ነዚ ዝተገንዘቡ ሰበስልጣናት ሓያሎ ኤውሮጳውያን ሃገራት ነቶም ሕሉፋት ሰዓብቲ ህግደፍ ዝኾኑ ተርጎምቲ ካብ ስራሕ ይኣልዩዎም ኣለዉ። እቶም ቶርጎምቲ ካብዚ ሓሊፉ ኣብቲ መዓስከር ስደተኛታት ንዝረኸብዎም ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ማሕበረኮም ምጹ ክንሕግዘኩም ኢና እናበሉ ናብ ህግደፍ ዘዳለዎ ፈንጠዝያታት እናወሰዱ ሓንጎሎም ብምሕጻብ ኣንጻር ረብሖኦም ክስለፉ ይገብርዎም ኣለዉ። እዚ ጥራሕ ከይኣክል‘ውን ንኽብሪ ታቦት ዘንጊዖም ኣብ ኦርቶዶክሳዊ ቤት ክርስትያናት ከይተረፈ ስደተኛታት ንጸሎት ኣምሲሎም እናዓደሙ ኣብ ክንዲ መጽሓፍ ቅዱስ፣ ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ኣልዒሎም፣ ነቲ ቅዱስ ቦታ ከም መሳርሒ ውደባ ይጥቀምሉ ኣለዉ።


ፍሉይ መደብ

ትንሳኤ ዘህልዋን

ብኣራራት እዮብ

ትንሳኤ ዘህልዋን
ካብ ሓዊ ናይ ደብዳብ
ካብ ባሩድ ናይ ኲናት
ካብ ፍርሒ ናይ ጨካናት

ትንሳኤ ዘሕጻናት
ካብ ማህጸን ናብ ዕልልታ
ካብ ባህጊ ናብ መመላእታ
ካብ ፍቕሪ ናብ ህላወታ

ትንሳኤ ትንሳኤ
ካብ ብስራት ናብ ምሕቛፍ
ካብ ብኽያት ናብ ምእባድ
ካብ ደገፍ ናብ ምዕባለ
ካብ ፍልጠት ናብ ምርማረ

ትንሳኤ ናይ ዝዓበየ
ትንሳኤ ናይ ዝደለየ
ትንሳኤ ናይ ዘተዓደለ


EGO - ኣንነት

ብዘካርያስ ክብርኣብ

ካብ ሓደ ዕስለ፣ ካብ ዉሑድ ብዙሕ፣ ካብ ኣነ፣ ንሕና ይዓቢ። ኣነ ኣነ ምባል ትዕቢት‘ዩ። ትዕቢት ከኣ መወዳእትኡ ውድቀት‘ዩ። ሓደ ክንዲ ኹሉ ክኸውን ኣይክእልን‘ዩ። ኩሉ ግን ካብ ሓደ ንላዕሊ ይኸውን። ንኽውህለለልካ ንላዕሊ ክትድምር ኣለካ። ንታሕቲ እንተቐኒስካ ግና ድሕሪ ኹሎም ነቲ ናይ መወዳእታ ሓደ ትረኽቦ። ኣቦታት ክምስሉ „ሓደ ከምዘየለ፣ ክልተ ክንዲ ሓደ“ ይብሉ። ብዘይምኽንያት ኣይኮነን ንኽዉንነት ክገልጹ እዮም ከምኡ ዝበሉ። 
 
ሓደ ድምጻዊ ሓንቲ ኣዝያ መስጢት ዝኾነት ደርፊ ንብዙሓት ሰማዕቲ ከቕርብ እንተኾይኑ፣ ምስ ብዙሓት ክኢላታት ክሰርሕ ግድን‘ዩ። ሓደ ብትዕቢት ዝተወጠረ ንኹሉ ባዕሉ ክዓሞ እንተፈቲኑ ግና ሰማዒስ ይትረፍ ውርደት‘ዩ ዝጽውዕ። ተሰማሚዕካን ተመላሊኣካን እትሰርሖ ስራሕ የዐውተካ። ኣነ ኣነ ዝበልካሉ ግብዝና ዝተሓወሶ ስራሕ ከኣ ሒዙካ ይጠፍእ። ዓለምና ሰፋሕ‘ያ፣ ብዙሕ ምስጢራትን ዝተሓላለኸን ነገራት ጸይራ ስለ እትኸይድ ድማ ግድል ንምፍታሕ ሓንጎል ሓደ ጥራሕ እኹል ኣይኮነን።
 
ኣብ ሃገርና ንምልዮናት ህዝቡ ዓፊኑ ኣነ ኣነ ዝብል ዘሎ ውልቀሰብ፣ መበገሲኡ ትዕቢት‘ዩ። ኩሉ ባዕለይ ምባል ሕማም‘ዩ። ክካፍል ዘይደሊ፣ ንበይኑ ክጥዕሞ ዝሓስብ ከኣ ስሱዕ`ዩ። ነቲ ንበይኑ ብ ኣነ ዝበልክዎ ዝብል ስነ ሓሳብ ነቒሉ ንሃገርና  ናብ ጸጋም ሒዝዋ ዝጠፍእ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ከ በቲ ናቱ ስነ ሓሳብ ኣነ ዝኽተሎ መንገዲ ቃልሲ ጥራሕ‘ዩ ብሉጽ ኢልካ ምድራቕ ከ የዋጽእ‘ዶ? እቲ መልሲ ኣንዳዕዲዕና ንፈልጦ ይመስለኒ፣ እንተኾነ ግና ኣብ ደምበ ተቓውሞ ክረአ ዝጸንሐን ሕጂውን ብዝለዓለ ንርእዮ ዘለናን ሕማም ኣንነት ደኣ ከመይ እዩ ክፍወስ። ኩሉ „ኣነ“ ካብ ዝብል „ንሕና“ ብእትብል መንገዲ ትሕትና እንተዝቕይራስ ክንደይ ኮን ሰናይ ምኾነ!? ገለ መርፍእ ገለ ፈትሊ፣ ገለ ጸባ ገለ ከኣ ማይ ኮይና ተወሃሂድና ክንሰርሕ እንተንኽእል‘ሲ ኣበይ ኮን ምበጻሕና?
 
ሰባት የእማን ኣይኮናን። ክንመሃር ስለንኽእል ክንቅየር ንኽእል ኢና። ኩሉ እዋን ሓደ ክንከውን ኣይግባኣን። ሰሚርናን ተጠማሚርናን ናብ ሓደ ገዚፍ ነገር ክንዓቢ ይግበኣና እዩ። ኣንነት ብዘለና ልዑል ደርጃ ትምህርቲ፣ ኣንነት ብዘለና ሞያዊ ህቡቡነት፣ ኣንነት ብዘለና ጽቡቕ ታሪኽ ነቲ ኣብ መከራ ኮይኑ ሓገዝና ዝጽበ ዘሎ ህዝብና ፋይዳ የብሉን። ኣንነትና ለካሚና እዩ። ንዓና ጥራሕ ዘይኮነ ኸኣ ንሕብረተሰብና ከይተረፈ‘ውን‘ዩ ሒዝዎ ዝጠፍእ። ንጸላኢና ግና ሞጎስ‘ዩ።
 
ሎሚ ኣብ ደምበ ተቓውሞና፣ ንውልቀሰባት ምንሻው፣ ኣብ ማሕበረሰባዊ መራኸቢ ብዙሃን ንሓቀኛ ምስልኻ ከዊልካ ዝግበር ጠቐነን ጸለመን፣ ኣብ ክንዲ ንምፍታሕ ጭቆና ህዝቢ ምቅላስ፣ ብሽም ቃልሲ ህቡብነት ከጠጥሪ ምሕላን ንቡር ኮይኑ‘ሎ። እዚ ሕማም እዚ ከይተፈወሰ ደምበ ተቓውሞና ከቶ ንቅድሚት ክሱጉም ኣይክእልን። እንቲ ምንታይ‘ሲ ቃልስና ኣብና ምስ ብጻይና እምበር ምስ ጸላኢና ኪንገብሮ ስለ ዘይዕድመና እዩ።
 
ኣንነት ባህልና ኣይኮነን። ብሃይማኖታዊ ክብርታትና‘ውን ቅቡል ኣይኮነን። እንተ ኣብቲ ሓቀኛ መዓልታዊ ዝኸይድ ዘሎ ሂወት ቃልስና ግን ከም መንደዓት ኣብ ዝባንና ተሓንጊጡና ዕለት ዕለት እናዓበይ ኣጎቢጡና‘ሎ። ቅድሚ ናብ ጸላኢና ሙግያይና ክንገብሮ ዘለና እንተሃልዩ፣ ቅድም ቀዳድም ሕማም ኣንነት ንደርብዮ። ናብ ደምበ ተቓውሞ ክንሕወስ እንከለና ኣነ ዝበልክዎ ይኹን ዘይኮነ ኣን እንታይ ከበርክት ይኽእል ክንብል ይግበኣና። ኣቲ ነብሱ ትሕት ዘብልን ክገብሮ ዝኽእል መጠኑ ዝፈልጥን ሰብ ክቡር እዩ። ወላ ውን እታ ክንገብራ እንኽእል ነገር ክንዲ ፍረ ኣድሪ ትኹን ካብቲ ብዙሕ ክገብር እናኸኣለ ግና ከይገበረ ዝቦኸረ ግና ክትዓቢ ትኽእል‘ያ። ቃልሲ ብኣንነት እንተተባዒጡ ሓርነት ክወልድ ኣይክእልን‘ዩ። ኣናተመላላእካ ብሰንሰለት ተወሃሂድካን ሰሚርካን ዝኸይድ ቃልሲ ግና ፍሪኡ ኣዝዩ ብዙሕ ይኸውን።
 
ኣብ መንጎ ውድባት ማሕበራት ምንቅስቓሳትን ተራ ውልቀ ሰባትን ዝረአ ምትፍናን ኣነ ካባኻ ይሃይሽ፣ ኣነ ካባኻ ይዓቢ፣ ኣነ ካባኻ የስምዕ፣ ኣነ ካባኻ ይዓዪ፣ እቲ ናተይ መንገዲ ጥራሕ‘ዩ ተዓዋቲ ካብ ዝብል መንፈስ ዝነቐለ‘ዩ። እዚ ንኣዝዩ ነዊሕ ዓመታት ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዝጸንሐ ሽግር፣ ምስ ኣጋጢሙና ዘሎ ኩነታት ኣፈርክቡ ሃገር ብህጹጽ ፍታሕ ክናደየሉ ይግባኣ። ኩሉ ንስለ ጽቡቕ ህዝቡ ዝሓሊ ዘበለ፣ ነቲ ናይ ውልቁ ክብርን ዝናን ክርስዖ ኣለዎ። ኣብ ቃልሲ ሰብ ክውፈ እምበር ክኸብር ኢሉ ክመጽእ የብሉን። ኣቲ ምሁር‘ውን ኣንተኾነ ኣብ ቃልሲ ፈትሊ ናይቲ መርፍእ ሓረስታይ ክኸውን ጥራሕ‘ዩ ዘለዎ።
 
ኣንነት ሓማም ካብ ኮነ፣ ንሕዝብና ተወሳኺ ሕማም ከይነላግበሉ ክንጥንቀቅ ኣሎና። ኣብ ኤርትራ ፍታሕን መድሃኒትን እዩ ዝድለ ዘሎ። ውልቀሰባት ዝንየትሉ ኣዳራሽ ካብ ምህናጽ ንተዓቀብ። እዚ ቃልሲ ቃልሲ ህዝቢ ኣዩ። ዕላሙኡ ኸኣ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ምትካልዩ። ስለዝኾነ ከኣ ውልቃዊ ኣንነታዊ ባህራያት ምስ እዋናዊ ድልየት ህዝቢ ኤርትራ ኣይከይድን‘ዩ። ኣንነትን ትምክሕትን ዓንዲ ርእሲ ስነሓሳብ ህግደፍ‘ዩ። ኣብ ደለይቲ ፍትሒ እዚ መሳልል ውድቀት ዝኾነ ባህሪ ኣንነት ክህሉ ዘለዎ ኣይኮነን። እዚ ኣሉታዊ ጠባያት ምስ ህግደፍ ክቕበር ዘለዎ፣ ኣብ መጽጻኢት ኤርትራ ክድገም ዘይብሉ መሓወር‘ዩ።
 
ኣነ ናይ በይነይ ኣይኮንኩን ኣነ መመላእታ ካሎኦት እየ። ኣነ ናይ ኣደይ ወላዲተይ ጥራሕ ውላድ ኣይኮንኩን፣ ኣነ ናይ ህዝቢ እየ። ኣነ መሪሕ ሓላፍነት ቤተሰብ ዝስከም‘የ፣ ኣነ ንውልቀይ ኣይነብርን። እዚ ዘሎ ሽግር ኣባይ ስለ ዘይወረደ ኣይምልከተንን‘ዩ ኣይብልን፣ ከመይሲ ናህና ሽግር ስለዝኾነ፣ እናበለ ዝሓስብ ፍጡር ኣብ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ክዓዝዝ ኣለዎ። ከምዚኦም ዛኣመሰሉ ጽቡቓት ባህርያት ዝወነኑ እተተጠርኒፎም‘ዮም ወጽዓን ብኽያትን ሃገርና ነበረ ዝኸውን። ኣንነትና ውድቀትና፣ ትሕትናና ዓወትና ክብረትናን እዩ‘ሞ ሃየ ካብቲ „ኣነ“ ዝብል ስነ ሞጎት ወጺኣና „ንሕና“ ብዝብል መንፈስ ንበገስ…………
 
ሓርነትና ናይግድን‘ዩ!!
 
 

Join VoD

VoD is looking for highly motivated candidates to collect, draft, edit and present relevant news items from various sources exclusively but not limited to Eritrea and the rest of the Horn of Africa. Excellent writing skills in both English and Tigrinya, proficiency in using technology, and ability to scan social media are essential. The candidate should be an active listener, able to communicate with persons of interest, and share timely information with the public.

The Main objective of Voice Of Delina is to collect and disseminate economic, social and political developments pertaining to Eritrea and Eritreans at home and in the Erespora.

We are also determined to develop the media capacity by grooming the new generation of Eritreans to articulate the aspirations of our country.

We are particularly looking for candidates who are keenly interested to play an active role in helping foster peace and democracy in Eritrea.

VOLUNTEER INTERNSHIP OPENINGS

• Media Director/Program Coordinator
o manage the team
o prepare editorials
o make editorial decisions on programs to be broadcast
o edit other program contents

• Researchers
o research topics required for programming
o assist in drafting stories

• Writers and Editors
o draft a regular feature story
o assist in news preparation

• Anchor-Reader
o read program items
o assist in news preparation

• Sound Engineer
o arrange programs, add music and repackage programs for dispatch to the studio

• Translator from English into Arabic and Tigrinya (and, on a limited basis, Amharic)
o translate copy of stories into appropriate language for broadcast
o when necessary, read stories in correct language or dialect

To participate please send email to This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
Please provide your personal CV, Skype ID, telephone number and best time to call you.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...