AUDIO (AM Quality) NEWS for our users in Africa CLICK HERE
ድምጺ ደሊና
 ዜና 
ኣዳላዊ፡ ዓንዶም ግርማይ
ኣንባቢት፡ ራሄል ሰሎሙን 

28 ታሕሳስ፣ 2014


ኩነታት መዓስከር ሸገራብ ከይብእስ ይስጋእ

ኣብ መዓስከር ሸገራብ ዝበኣሰ ናዕቢ ከይክሰት ተሰጊኡ ከምዘሎ ካብ’ቲ ከባቢ ዝተዘርገሐ ዜናታት ሓቢሩ።

ሓያሎ ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ከምዝሓበርዎ፥ ብዓሰርተታት ዝቚጸሩ ብረትን ኣስያፍን ዝዓጠቚ ራሻይዳ ናብ’ቲ መዓስከር እናመጹ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ስጒምትታት ክወስዱ ይህቅኑ ከምዘልዉ፥ ኣብ’ቲ መዓስከር ዝርከቡ ስደተኛታት ክጥረዙን ዝጽውዕ ናይ ተቛውሞ ሰልፊ የካይዱን ምህላዎም ተፈሊጡ።

ውሑዳት ኣባላት ዝሓቖፈት ወኪል UNHCR መዓስከር ሸገራብ ኣትያ ከምዘላ’ውን ይግለጽ ምህላዉ ዝሓበሩ እቶም ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ፥ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝወረደ ግፍዒ ብዝነኣሰ መልክዑ ጎዲሉ ከምዘሎን ክምዕብል ዝኽእል ስግኣታት ግና ዛጊት ክንጸር ኣጸጋሚ ኮይኑ ምህላውን ኣጠንቂቖም ኣለው።

ኣብ’ቲ ናዕቢ ዛጊት ቊጽሮም ብልክዕ ዘይተነጸረ ዓሰርተታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ተጨውዮም ከምዘለዉ ዘምለክቱ እቶም ተዓዘብቲ፥ ብፍላይ ካብ’ቲ ናዕቢ ንምህዳም ካብ ቀጽሪ’ቲ መዓስከር ዝሰልዂ ዘለዉ ስደተኛታት ቀዳሞት ግዳያት መጭወይቲ ይኾኑ ምህላዎም ኣገንዚቦም።

እዚ ብራሻይዳ ነበርቲ እቲ ከባቢ ተጀሚሩ ዝበሃል ዘሎ ንህላዌ ስደተኛታትን እቲ መዓስከርን ዝቋወም ሰልፍታት እናሓየለ እንተመጺኡ ፥ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክወርድ ዝኽእል ኣካላዊ ሃስያ ልዑል ከምዝኸውን ስፍታኦም ዝገልጹ ዘለዉ ሓያሎ ወገናት፥ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ’ዚ ጉዳይ እዚ ዝሕትል ዝበለ ኣጠማምታ የርኢ ከምዘሎ ወቒሶም።

ካብ ግርባ ነቲ ዝተኸሰት ናዕቢ ከህድኡ ኢሎም ዝመጹ ኣባላት ፖሊስ ሱዳን’ውን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተመሳሳሊ ግፍዕታት የበርዂ ከምዘለዉ፥ ብኣማኢት ዝቚጸሩ ኤርትራውያን ኣብ መካይን ጽዒኖም ናብ ግርባ ከምዝወሰድዎምን ንኩነታቶም ብዝምልከት ዝፍለጥ ነገር ውሑድ ከምዝኾነ’ዩ ዝግለጽ።

ፖሊስ ሱዳን ኣብ እዋን እቲ ናዕቢ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝኸፈትዎ ተዂሲ ሓያሎ ከምዝቖሰሉን ብ26 ታሕሳስ ሓደ ካብኦም ሂወቱ ከምዝሰኣነ ዘረድኡ ጸብጻባት፥ እቶም ካልኦት ንሕክምና ናብ ከሰላ ከምእተላእኹን ንሃለዋቶም ብዝምልከት ካብ ካብ ዝኾነ ወገን ሓበሬታ ከምዘየለን ስክፍታኦም ይገልጹ ኣለው። 

ነቲ መዓስከር ዝኣልዩ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ላዕለዋይ ወኪል ጉዳይ ስደተኛታት UNHCR በዓል ልደት ንምብዓል ንዕረፍቲ ብምኻዶም፥ ሓያሎ ኤርትራውያን ስደተኛታት እቲ መዓስከር ዝከላኸለሎም ስኢኖም ቀዳሞት ግዳያት ናይ’ቲ ናዕቢ ከምዝኾኑ ወሲኾም ዘገንዘቡ እቶም ጸብጻባት፥ ውሑዳት ኣባላት ናይ’ቲ ኣህጉራዊ ወኪል ናብ’ቲ መዓስከር ብምምላሳ ግና ነገራት ዝሃደ’ኳ ይመስል እንተሎ፥ ካብ ነበርቲ ራሻይዳ እቲ ከባቢ ዝሕይል ዘሎ ተጻብኦታት ግና ክብርኽ ይረአ ከምዘሎ ኣተሓሳሲቦም ኣለው።

 


ኣብ እዋናት በዓል ልደት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት

ካብ 21 ታሕሳስ ክሳብ 25 ታሕሳስ 2014 ልዕሊ 1200 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከምዝደሓኑ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ንሰብ መዚ ዓዲ ጥልያን ብምጥቃስ ሓቢሩ።

እቶም ኣብ ውሽጢ 4 መዓልታት ኣብ ጉዕዞ እንከለዉ ዝደሓኑ ስደተኛታት ዜጋታት  ሰሜናዊ ምብራቕ ኣፍሪቃ ከምዝኾኑ ዘመልከተ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ፥ እቶም ውጻእ መዓት ዝኾኑ ስደተኛታት ኣብ’ዚ እዋን እዚ ኣብ ውሑስ ከባቢታት ዓዲ ጥልያን ከምዝርከቡ ኣፍሊጡ።

ምስቶም ብሂወት ዝደሓኑ ስደተኛታት 4 ሬሳታት ካብ ባሕሪ ከምዝወጸ ዘመልከተ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ንመንነት እቶም ግዳያት ብዝምልከት ዝተዋህበ ወግዓዊ ሓበሬታ ከምዘየለ ኣረዲኡ።

መንግስቲ ጥልያን ምስ ካልኦት ሃገራት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘካይዶ ዘሎ ስርሒታት ምድሓን ሂወት ኣብ ውሕስነት ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት እወታዊ ተራ ይጻወት ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፥ ኣብ ጉዕዞ ከለዉ ሂወቶም ዝስእኑ ሓያሎ ስደተኛታት ከምዘለዉ’ውን እዩ ብሓያሎ ወገናት ዝንገር።

ኣህጉራዊ ውድብ ስደት (IMO) ኣብ ቀረባ እዋን ዘውጽኦ ወግዓዊ መግለጺ ከምዝሕብሮ፥ ኣብ’ዛ ሒዝናያ ዘለና ዓመት ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ኤውሮጳ ክኣትዉ  ኣብ ጉዕዞ እንከለዉ ሂወቶም ዝሰኣኑ ስደተኛታት 3,200 በጺሑ ከምዘሎ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።


Join VoD

VoD is looking for highly motivated candidates to collect, draft, edit and present relevant news items from various sources exclusively but not limited to Eritrea and the rest of the Horn of Africa. Excellent writing skills in both English and Tigrinya, proficiency in using technology, and ability to scan social media are essential. The candidate should be an active listener, able to communicate with persons of interest, and share timely information with the public.

The Main objective of Voice Of Delina is to collect and disseminate economic, social and political developments pertaining to Eritrea and Eritreans at home and in the Erespora.

We are also determined to develop the media capacity by grooming the new generation of Eritreans to articulate the aspirations of our country.

We are particularly looking for candidates who are keenly interested to play an active role in helping foster peace and democracy in Eritrea.

VOLUNTEER INTERNSHIP OPENINGS

• Media Director/Program Coordinator
o manage the team
o prepare editorials
o make editorial decisions on programs to be broadcast
o edit other program contents

• Researchers
o research topics required for programming
o assist in drafting stories

• Writers and Editors
o draft a regular feature story
o assist in news preparation

• Anchor-Reader
o read program items
o assist in news preparation

• Sound Engineer
o arrange programs, add music and repackage programs for dispatch to the studio

• Translator from English into Arabic and Tigrinya (and, on a limited basis, Amharic)
o translate copy of stories into appropriate language for broadcast
o when necessary, read stories in correct language or dialect

To participate please send email to This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
Please provide your personal CV, Skype ID, telephone number and best time to call you.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...