AUDIO (AM Quality) NEWS for our users in Africa CLICK HERE
ድምጺ ደሊና
 ዜና 
ኣዳላዊ፡ ሳምሶን ሃይለስላሴ
ኣንባቢት፡ ራሄል ሰሎሙን 

23 ታሕሳስ፣ 2014


መኣረምታ፥

ዝኸበርኩም ሰማዕትና ኣብ ናይ ትማሊ ሰኑይ 22 ታሕሳስ ዜናዊ ፈነወና ንሓበሬታ መርበብ ዓዋተ መርኩስ ብምግባር ን ጉዳይ’ቶም ኣብ ጉዕዞ ስግረ-ዶም ሂወቶም ዝሰኣኑ 13 ኤርትራውያን ቆልዑ ንእስ ዝበለ መኣረምታ ኣሎና!

እቶም ሂወቶም ስኢኖም ዘለዉ ግዳያት መን ከም ዝቐተሎም ብመርበብ ሓበሬታ ዓዋተ ዛጊት ከምዘይተረጋገጸ፥ ስርዓት ኣስመራ ኣብ ልዕሊ ‘ቶም ዶብ ሰጊሮም ናብ ስደት ዘምርሑ ዜጋታት ዘለዎ ተሪር መርገጺ ግና ጠንቂ ሞት እቶም ኤርትራውያን ዜጋታት ከይኮነ ከምዘይተርፍ ኣብ ዝብል ርድኢት ሰማዕትና ፍሕሹው ስእሊ ንኽህልዎም ንምሕጸን። 


3ይ ስሩዕ ኣኼባ “ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዴሞክራስያዊ ለውጢ”

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዴሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባደለ) ህጹጽን ዕዉት ምንባሩ ዝተነግረሉን ሳልሳይ ስሩዕ ኣኼባኡ ካብ 14 ክሳዕ 20 ታሕሳስ 2014 ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ግልል ኣብ ዝበለ ከባቢ ከምዘቃንዐ ተገሊጹ።

መሰረታዊ ዕላማ ናይ’ዚ ኣኼባ ፥ ኣብ ሞንጎ ኣባላት ባይቶ ብሓፈሻ ኣባላት መሪሕነት ከኣ ብፍላይ ንዝነበረ ድኻማት ንምጽናዕን ቀጥታውዊ መፍቲሕታት ንምንዳይን ከምዝነበረ፥ ዘንቀሎ ዕላማታት ብጽፈት ዓሚሙ ከኣ ዕዉት ጽገናታት ከምዘኳወነ፡ ነቲ ኣኼባ ዝተኻታተሉ ምንጭታት ሬድዮ ድምጺ ደሊና ኣመልኪቶም ኣለዉ።

ወከልቲ ውድባት ናይ’ቲ ባይቶ ኣብ ሓያሎ ዛዕባታትን መጻኢ መደባትን ብናይ ምርድዳእ መንፈስ ሰፊሕ ምይይጥ ከምዘካየዱ ዘመልከቱ ምንጭታትና፥ እዚ ነቲ ልኡምነት ኣጥሪዩ ዝጸንሐ ንጥፈታት “ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዴሞክራስያዊ ለውጢ” ተወሳኺ ሓይሊ ዝድርዕ ከምዝኸዉን ኣሚቶም ።

ኣብቲ ኣኼባ ልዙብ ደሞክራስያዊ ቅሩብነት ኩለን ውድባት ከምእተራእየን ፡ ኣብ ጽፍሒ ሓላፍነት ዝንበሩ ኣባላት ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት፥ መሪሕነት ባይቶ፥ ኣቦ-መንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ብወለንተኦም ስልጣኖም ከረክቡ ድሕሪ ምውሳኖም ፥ እቲ ሓላፍነታት ብሰክረታርያትን ብድምጺ ኣባላት ባይቶ ዝኾና ውድባትን ከምብሓድሽ ተመምዩ ንሓደስቲ ኣባላት ክወሃብ ከምእተገብረ፥ ኣብ ስራሕ ዝጸንሐ ዞናዊ ምሕደራታት ፈሪሱ ድማ ብዝተጸገነ መልክዕ ክካየድ ኣብ ስምምዕ ከምእተበጽሐ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ሰክረታሪያት ኣብ ምስራዕ ናይዞም ክትክኡ ዝተደልዩ ጽፍሕታት-ሓላፍነትን እዞም ጽፍሕታት ክህልዎም ዝኾነ ቅጺ-ስራሕን ዘጽንዓ 3 ግዝያውያን ሽማግለታት ድሕሪ ምቛምን መጽናዕትታቱ ብሓፈሻዊ ድምጺ ባይቶ ድሕሪ ምጽዳቚን ፥ ሓጅ ዓብደልኑር ዝኣቦመንበራ ፥ተኽላይ ኣብርሃ ዝምክትል ኣቦ-መንበራ ፥ ዑመር ዓሊ ዝዋና ጸሓፊኣ ሓድሽ “መሪሕነት ባይቶ” ክትሽመው እንከላ ፥ ሸሹድሽተ ዝኣባላተን ፈጻሚት ቤት/ጽሕፈትን ኣሳናዳኢት ሽማግለን ኣቚሙ ኣሎ።

ምንጭታት ድምጺ ሬድዮ ደሊና ነዚ ሳልሳይ ስሩዕ ኣኼባ “ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዴሞክራስያዊ ለውጢ” (ኤሃባደለ) ኣመልኪቶም ኣብ ዘመሓላለፉልና ደምዳሚ መልእኽቲ ፥ እቲ ኣኼባ ኣብ ተግባራውያን መደባት ዝዓለበ ምንባሩን ኣብ ቀጻሊ ክዓሞ ዝኽእል ስራሓት ድማ ዓቢ ከምዝኸውንን ኣተስፊዮም ኣለው።


“መንበሪ ገዛ ዓሊ ዓብዱ ተሃጊሩ?”

መንበሪ ገዛ ሚኒስተር-ዜና ነበር ዓሊ ዓብዱ ብስርዓት ኣስመራ ተሃጊሩ ንኻልእ ውልቀሰብ ተዋሂቡ ይበሃል ኣሎ”።

መንበሪ ገዛ ሚኒስተር-ዜና ነበር ዓሊ ዓብዱ ብስርዓት ኣስመራ ተሃጊሩ ንኻልእ ውልቀሰብ ከምእተዋህበ ምንጭታት ሬድዮ ድምጺ-ደሊና ነቲ ኣብ ሰፊሕ ከባቢታት ኣስመራ ዘሎ ዕላላት መርኩስ ብምግባር ኣቃሊሖም።

ስርዓት ኣስመራ ንምስትላም ናይ ዓሊ ዓብዱ ወግዓዊ ሸፈነ ከይሃቦ፥ ብስትር ዝበለ ሜላታት ንብረትን መቕርብን ናይ’ቲ ሚኒስተር ይጭቊንን ይህግርን ከምዘሎ ዘገንዘቡ ምንጭታትና ፥ እዚ እቲ ስርዓት ብሓፈሻ ፕረዚደንት ኢሳያስ ከኣ ብፍላይ ብምህዳም ናይ ዓሊ ዓብዱ ተሰሚዕዎም ከምዘሎ ዘመስክር ምዃኑ ኣተንቢሆም።

ሬድዮዂም ሬድዮ ድምጺ ደሊና ነዚ ኣብ ልዕሊ ንብረትን መቕርብን ዓሊ ዓብዱ ይውሰድ ኣሎ ዝበሃ በደላት ጽጹይን ውዱዕን ዝኾነ ሓበሬታ ኣብ ቀረባ ከተቕርበልኩም ኣብ መደብ ኣሎ።


Join VoD

VoD is looking for highly motivated candidates to collect, draft, edit and present relevant news items from various sources exclusively but not limited to Eritrea and the rest of the Horn of Africa. Excellent writing skills in both English and Tigrinya, proficiency in using technology, and ability to scan social media are essential. The candidate should be an active listener, able to communicate with persons of interest, and share timely information with the public.

The Main objective of Voice Of Delina is to collect and disseminate economic, social and political developments pertaining to Eritrea and Eritreans at home and in the Erespora.

We are also determined to develop the media capacity by grooming the new generation of Eritreans to articulate the aspirations of our country.

We are particularly looking for candidates who are keenly interested to play an active role in helping foster peace and democracy in Eritrea.

VOLUNTEER INTERNSHIP OPENINGS

• Media Director/Program Coordinator
o manage the team
o prepare editorials
o make editorial decisions on programs to be broadcast
o edit other program contents

• Researchers
o research topics required for programming
o assist in drafting stories

• Writers and Editors
o draft a regular feature story
o assist in news preparation

• Anchor-Reader
o read program items
o assist in news preparation

• Sound Engineer
o arrange programs, add music and repackage programs for dispatch to the studio

• Translator from English into Arabic and Tigrinya (and, on a limited basis, Amharic)
o translate copy of stories into appropriate language for broadcast
o when necessary, read stories in correct language or dialect

To participate please send email to This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
Please provide your personal CV, Skype ID, telephone number and best time to call you.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...