ድምጺ ደሊና ዜና 
ኣዳላዊ፡ ሳምሶን ሃይለስላሴ
ኣንባቢት፡ ራሄል ሰሎሙን 

21 ታሕሳስ፣ 2014


ኩነኔ 41 ኣባላት ታሕተዋይ ባይቶ ዓ/ብሪጣንያ ንስርዓት ኣስመራ

Eritrea: 41 British parliamentarians call for an end to forced labour in Eritrea 41 ኣባላት ናይ’ቲ ብ “ሃውስ ኦፍ ኮሞንስ” ዝጽዋዕ ታሕተዋይ ፓርላማ ዓባይ ብሪጣንያ ፥ ነቲ ብስርዓት ኣስመራ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝወርድ ዘሎ ኩሉንትናዊ ግህሰት ብሱሩ ዝዂንን ጽሑፋዊ መዝገብ ዘርጊሖም።

እቶም ኣባላት ታሕተዋይ ባይቶ ኣብ’ቲ ጽሑፋዊ ኩነኔኦም፥ ስርዓት ኣስመራ - ግዱድን ደረት ኣልቦን ወተሃደራዊ ዕስክርና፥ ናብ ባርነት ዝተቓረበ ኣገልግሎት፥ ፍርዳዊ መስርሕ ዝተሓረሞ ድጎና፥ ከምኡ’ውን ምስጢራዊ ምጽናትን ምስዋርን ዜጋታት ኣብ ዝኣመሰሉ ንጥፈታት ይዋሳእ ከምዘሎ ብምትሕስሳብ፥ እቲ ስርዓት ኣብ ዝሓጸረ እዋን ኣካይዳታቱ ክጽግን ኣትሪሮም ጸዊዖም ኣለው።

እቶም ኣባላት ፓርላማ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ’ቲ ኣስማቶምን ክታሞምን ዘንበሩሉ ጽሑፋዊ ኩነኔኦም ወሲኾም፥ ኤርትራውያን ካብ’ቲ ዝግህሶም ዘሎ ስርዓት ንምህዳም ብልዑል ቊጽርን ዘይውሑስ ጉዕዞን ናብ ጎረባብቲ ሃገራትን ሃገራት ስግር ባሕርን ይውሕዙ ከምዘለዉ፥ ወርሓዊ ሃገሮም ራሕሪሖም ናብ ስደተ ዘምርሑ ናይ ዘለዉ ኤርትራውያን ቊጽሪ 5000 ምብጻሑ ከኣ ከምዘተሓሳሰቦም ኣስሚሮምሉ።

ስርዓት ኣስመራ ፡ ብባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዝተመዘዘት ፍልይቲ ልእኽቲ ወ/ሮ ሼላ ኬታሩትን ምስኣ ክተሓጋግዝ ኣብ ወርሒ ሰነ 2014 ንጉዳይ ሰብኣዊ ግህሰት ኣብ ኤርትራ ከተጽንዕ ዘቖማ መርማሪት ኮሚሽንን ናብ ኤርትራ ኣትዮም ስራሖም ክዓሙ ከፍቅደሎም ከምዝግባእ ወሲኾም ዝጸውዑ እቶም 41 ኣባላት ፓርላማ ብሪጣንያ፥ ስርዓት ኣስመራ ነዚ ክቕበል ድሉው እንተዘይሃልዩ እቲ ኣብ ልዕሉ ህዝቡ ዝወርድ ዘሎ ግህሰት ውጹእ ሓቂ ከምዝኾነ ዘርኢ ምዃኑ ኣገንዚቦም።

እቶም ኣባላት ፓርላማ ዓባይ ብሪጣንያ ወሲኾም፥ ኣብ ኤርትራ ናይ ዕደና ንጥፈታት ዘካይዳ ዘለዋ ኩባንያታት ወጻኢ ምስ ስርዓት ኣስመራ እናተዋገና ተረባሕቲ ነጻ ጉልበት ዜጋታት ይኾና ኣለዋ ኣብ ዝብል ዛዕባ ጽጹይ መጽናዕትታት ክካየድን ፥ እቲ ዝበሃል ዘሎ ሓቅነት እንተሃልዩዎ ድማ ግቡእ ፍርዳዊ መስርሕ ክትግበረሉ ከምዝኾነ ፥ እዚ ክሳብ ዝኸውን ግና እተን ኩባንያታት ኣብ ልዕሊ ኣድማሳዊ ዓንድታት ሰብኣውነት ኣኽብሮት ከርኣያ ግቡእ ከምዝኾነን ስርዓት ኣስመራ ኣብ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ንኽሰርሕ ክደፍኣን ሓላፍነተን ምዃኑን ኣዘኻኺሮም።

እዚ ጽሑፋዊ ኩነኔን መጸዋዕታን 41 ኣባላት ፓርላማ ዓባይ ብሪጣንያ ነቲ ብማሕበረ ሰብ ዓለምን ኣህጉራውያንን ዞባውያንን ተሓለቕቲ ሰብኣውነትን ኣብ ልዕሊ ስርዓት ኣስመራ ዝግበር ዘሎ ጸቕጢ ተወሳኺ ሰኸም ክጽዕን ከምዝኽእል ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ኣሚቶም ኣለው።


ሓድሽ ውሳኔ ባ/ጸጥታ ኣብ ጉዳይ ንግዲ ደቂ-ሰብን ሽበራን

ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምግታእ ንግዲ ደቂ-ሰብን ካልኦት ስግረ-ዶባውያን ዘይሕጋውያን ንጥፈታትን ዝሰመረ ሓድሽ ውሳኔ ብ 20 ታሕሳስ 2014 ከምዘመሓላለፈ ተገሊጹ።

እዚ ሓድሽ ዉሳኔ፥ ኣባል ሃገራት እቲ ባይቶ ኣብ ምቅላስ ሽበራውን ዘይሕጋዊ ስግረ-ዶባዊን ንጥፈታት ብሓባር ክሰርሓ ባይታ ዘንጽፍ ኮይኑ፥ ብቐንዱ ኣብ ምሕደራ ዶባዊ ጸጥታ ብዝለዓለ ተበግሶን ተግባራዊ ጽምዶን ክሰርሓ ዝቕስብ ከምዝኾነ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ብፍላይ ኣብ’ቲ ካብ ማውሪታንያ ክሳብ ኤርትራ ዝዝርጋሕ ሳሕላዊ ከባቢታት ብዘሎ ድዂም ዶባዊ ቊጽጽርን ትሕተ-ቅርጹን - ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰብን ንብረትን ብልዑል ዓቐን ይምዝገብ ከምዘሎ፥ ካብ’ዚ ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ዝኽዕበት ዘሎ ልዑል መጠን ገንዘብ ከኣ ኣብ ተመሳሳሊ ሽበራዊ ንጥፈታትን ይውዕልን ማላዊ ምንጪ ሽበራውያን ጉጅለታት ይኸውንን ምህላዉ ዘመልከተ ቀዋሚ ተዓዛቢ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኣብ ባይቶ ጸጥታ ኣቶ ተተ ኣንቶንዮ፥ እቲ ባይቶ ኣሕሊፍዎ ዘሎ ሓድስ ውሳኔ ነባሪ ፍታሕ ክርከቦ ከምዝኽእል ኣሚቱ ኣሎ።

እቲ ኣፍሪቃዊ በዓል ስልጣን ኣብ’ቲ ንባይቶ ጸጥታ ዘስምዖ መልእኽቲ፥ ንግዲ ደቂ-ሰብን ዘይሕጋዊ ስግረዶባዊ ንጥፈታትን ምስ ምሕያል ግብረ-ሽበራውያን ጉጅለታት ቀጥታዊ ዝምድና ኣማዕቢሉ ከምዘሎ፥ ብፍላይ ካብ ንግዲ ደቂሰባትን ጭውያን ዝእከብ ዘሎ መጠን ገንዘብ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሽበራውያን ጉጅለታት ዝግበር ገንዘባዊ ተጽዕኖታት ክብድሆ ይረአ ከምዘሎ ኣተሓሳሲቡ።

ምክትል ዋና ጸሓፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣቶ ጀፈሪ ፈልትማን ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዘስምዖ መደረ’ውን፥ መንግስታት! - ስርዓተ ሕግን ድልዱል ጽላታዊ ምሕደራን ከየተግበራን ንኸተግብራ ኣህጉራዊ ድፍኢት ከይተገብረለንን፥ ሽበራዊ ንጥፈታት ተግባራዊ ፍታሕ ክርከበሉ ከምዘይኮነ ብምጥቃስ፥ ባይቶ ጸጥታ ኣብ’ዚ ጉዳይ እዚ ፈሊምዎ ዘሎ ተበግሶ እወታዊ ፋይዳ ክርከቦ ከምዝኽእል ትጽቢቱ ሂቡ ኣሎ።

እዚ ባይቶ ጸጥታ ብ 20 ታሕሳስ ኣሕሊፍዎ ዘሎ ውሳኔ ኣብ ልዕሊ’ቶም ከም ስርዓት ኣስመራ ዝኣመሰሉ ዘይስሩዕ መንግስተኣውነትን ስርዓተ ምሕደራን ዝኽተሉ መንግስታት ልዑል ጸቕጢ ከየቐመጠ ከምዘይተርፍ እመታ ሓያሎ ፖለቲካውያን ተንተንቲ ኮይኑ ኣሎ።

ስርዓት ኣስመራ ኣብ ንግዲ ደቂ-ሰብ ዝተራቐቐ መርበብ ኣማዕቢሉ ልዑል መጠን ገንዘብ ብምኽዕባት ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዝርከቡ ዕጡቓት ጉጅለታት እናመወለን እናዓለመን ኣብ’ቲ ዞባ ጸጥታዊ ዘይምርግጋእ ንኽሰፍን ጠንቂ ኮይኖም ካብ ዘለዉ ስርዓታት ብቐዳምነት ይጥቀስ ምህላዉ ይፍለጥ።


ሬድዮ ድምጺ ደሊና

ሓተታ ሰንበት 21 ታሕሳስ 2014

“ፍልልያትና ከም ብልጫታትና ካብ ምውሳድ ኣይነዕርፍ!”

ኣብ ሓንቲ ሃገር ተጠሚሩ ልዑላዊ መንነት ዝወነነ ህዝቢ ፥ ኣመጻጽኣኡ ፡ ባህሉ፡ ልምድታቱ ፥ ሃይማኖታዊ ተኸታልነቱን ውልቃዊ ሕልሙን ሓደ ክኸውን ኣይክእልን። እዚ ፍልልያት እዚ ኣብ ውልቀ ዋንነት ናይ’ቶም ህዝብን ሃገርን ኣቚሞም ዘለዉ ሕብረተሰባት ኣሉታዊ ተራ ክጻወት ዝኽእል ከኣ፡ ክፋላት ሕብረተሰብ ናይ’ታ ሃገር በቶም ዘየራኽብዎም ንኡሳን ፍልልያት ክሰማምዑን ኣብ ሓደ ሓባራዊ ሃገራዊ ርድኢት ክዓልቡን ምስ ዘይክእሉ’ዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ንኑኡሳን ፍልልያቱ ኣብ ዘይክማህ ሓባራዊ ርድኢት እናምከኸ ድሕሪ ነዊሕ ቃልሲ ከም ሃገርን ህዝብን ደዉ ዝበለ ዘይንደል ህዝቢ’ዩ። ንሃይማኖታውን ማሕበረ-ባህላውን ፍልልያቱ ናብ ኣርባሒ ባእታ ቀዪሩ ኣብ ልዑላዊ መድረኽ ዝበጽሐ ኣብነታዊ ህዝቢ ፥ ባህለይ ካብ ባህልኻ፡ ልምደይ ካብ ልምድኻ፡ ዝኣምኖ ካብ’ቲ እትኣምኖ ይበልጽ ከይተባህለ ንነዊሕ ዓመታት ብምክብባርን ምምልላእን ዘገም እናበለ ዝስውድ ዘሎ ህዝቢ ከኣ’ዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ብዝመርሖ ዘሎ ስርዓት ውሑዳን ዝወርዶ ዘሎ በደል መቸም ዘርዚርካ ክትዓሞ ንውሕ ዝበለ ግዜን ጸዓትን እዩ ክሓትት። ሓደ ካብ’ቲ እዚ ናይ ውሑዳን ስርዓት ነዚ ንዱቕን ብሱል-ቆመና ሕብረተሰብን ከማዕብል በቒዑ ዝርከብ ህዝብና ህዝቢ ኤርትራ ንምድቓቕ ብቀጻሊ ዝስረሓሉ ዘሎ ታሪኻዊ በደል እምበኣር፥ ነቲ ንኡሳን ፍልልያት ዘይፈቅድ ሓባራዊ ርድኢት ኤርትራውነት ዝብልሉ ሜላታት ማእከል ዕላማኻ ጌርካ ምስራሕ እዩ።

ክሳብ እንዳታት ዝወርድ ፍልልያት እናፈብረኽካ ፡ ህዝቢ ከምዘይተኣማመንን ከምዝጋማማዕን ምግባር፡ ስርዓት ኣስመራ ስርሐይ ኢሉ ዝሃልከሉ ዘሎ ከይሲ መርሓ ምዃኑ፡ ንዝኾነ ኤርትራዊ ዝቐረበ ሓቂ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ስርዓት እዚ መንበረ-ስልጣኑ ከይምንዘዖ ካብ ዝገብሮም ዘለዉ ሜላታት ከኣ’ዩ። ንኡሳን ፍልልያቱ ዝሰዓረ ህዝቢ ክገዝኦን ክጸቕጦን ዝኽእል ሓይሊ ከምዘየለ ካብ ፈለማ ዝተሰወጦ ስርዓት ኣስመራ ከኣ፡ ነዚ - ከም ዝዓበየ ስግኣቱ ወሲዱ፡ ህዝቢ ክበታትንን ክቡር ናይ ምርድዳእ ባህሉ ክዘራርግን ካብ ድቃስ ተሓዪቡ ይርከብ።

ህዝብና ህዝቢ ኤርትራ ንናይ ክፋእ ሓሳብ’ቲ ዝገዝኦ ዘሎ ስርዓት ጎሪሑሉ እኳ እንተሎ፥ ገለ ውሑዳን ዜጋታትና’ስ ግዳያት ናይ’ዚ ድዂም ሃቐነ ከይኮኑ ኣይተረፉን። እቲ ሓይልን ሓባራዊ ርድኢትን ኣብ’ቲ ዝበዝሐ ክፋል ሕብረተሰብና ሱሩ ዛጊት ስለዘይድከመ ግና ሃገራዊ ስክፍታና ንእስ ዝበለ እዩ። ዓንደ ነገሩ ግና ህዝብና ነቲ “ፍልልያትና ብልጫታትና’ዮም!” ዝብል ኣዐዋቲ ርድኢቱ ብቐጻሊ እናደርዐ፡ ‘ብሶላ- ጥምረቱ’ ካብ ኢዱን ሓሳቡን ምስ ዘይፈሊ፡ ግዳይ ዓመጽትን ተበለጽትን ካብ ምዃን ክገላገል ምዃኑ ርዱእ ይኸውን።


Join VoD

VoD is looking for highly motivated candidates to collect, draft, edit and present relevant news items from various sources exclusively but not limited to Eritrea and the rest of the Horn of Africa. Excellent writing skills in both English and Tigrinya, proficiency in using technology, and ability to scan social media are essential. The candidate should be an active listener, able to communicate with persons of interest, and share timely information with the public.

The Main objective of Voice Of Delina is to collect and disseminate economic, social and political developments pertaining to Eritrea and Eritreans at home and in the Erespora.

We are also determined to develop the media capacity by grooming the new generation of Eritreans to articulate the aspirations of our country.

We are particularly looking for candidates who are keenly interested to play an active role in helping foster peace and democracy in Eritrea.

VOLUNTEER INTERNSHIP OPENINGS

• Media Director/Program Coordinator
o manage the team
o prepare editorials
o make editorial decisions on programs to be broadcast
o edit other program contents

• Researchers
o research topics required for programming
o assist in drafting stories

• Writers and Editors
o draft a regular feature story
o assist in news preparation

• Anchor-Reader
o read program items
o assist in news preparation

• Sound Engineer
o arrange programs, add music and repackage programs for dispatch to the studio

• Translator from English into Arabic and Tigrinya (and, on a limited basis, Amharic)
o translate copy of stories into appropriate language for broadcast
o when necessary, read stories in correct language or dialect

To participate please send email to This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
Please provide your personal CV, Skype ID, telephone number and best time to call you.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...