ድምጺ ደሊና ዜና 
ኣዳላዊ፡ ሳምሶን ሃይለስላሴ
ኣንበብቲ፡ ራሄል ሰሎሙንን ኣስመረት መድሃኔን 

18 ታሕሳስ፣ 2014


ሓይሊ ባሕሪ ጥልያን 430 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ብሂወት ኣድሒኑ

ሓይሊ ባሕሪ ጥልያን ብ 16 ታሕሳስ 2014፡ ማእከላይ ባሕሪ ሰጊራ ኣብ ገማግማዊ ማያት ሲሲሊ ካብ ዝበጽሐት ንእሽተይ ጃልባ ኣስታት 430 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ብሂወት ከምዘድሓኑ ካብ’ቲ ከባቢ ዝተፈነወ ዜና ኣረዲኡ።

ካብ’ቶም ዝደሓኑ ስደተኛታት፡ ሓንቲ ኤርትራዊት ነፍ-ሰጾር ኣብ’ታ ዝደሓኑላ መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ጥልያን ወዲ ከምእተገላገለት ዘመልከቱ ጸብጻባት፥ እዚ ኤርትራውያን ክሳብ ክንደይ ካብ’ቲ ዝገዝኦም ዘሎ ስርዓት ከምልጡ ይደልዩ ምህላዎም ዘመስክር ከምዝኾነ ኣተሓሳሲቦም።

ጥዕናዊ ኲነታት እታ ኣደን ዕሸላን ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዝርከቡ ክኢላታት ጥዕና ናይ’ታ ሂወት’ቶም ስደተኛታት ዘድሓነት መርከብ ገሊጾም ኣለው።

ካብዞ’ም ብሂወት ድሒኖም ዘለዉ ስደተኛታት መብዛሕትኦም ኤርትራውያንን ዜጋታት ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃን ከምዝኾኑ ዘፍለጡ ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ፥ ብፍላይ ዋሕዚ ደቂ ኣንስትዮ ስደተኛታት ልዕሊ ካልእ እዋን ዛይዱ ከምዘሉ ኣስሚሮምሉ። መንግስቲ ጥልያን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘካይዶ ዝነበረ ብ “ባሕርና” “Mare Nostrum” ዝጽዋዕ ስርሒት ምድሓን ሂወት ስደተኛታት፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ 2014 ደዉ ከምዘበሎ እኳ ገሊጹ እንተነበረ ፥ ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ኣፋፌት ሞት ዝጸንሑ ስደተኛታት ዘርእዮ ምድንጋጻት ዛጊት ከምዘየብቀዐ ፥ እዚ ናይ 16 ታሕሳስ 2014 ምድሓን 430 ስደተኛታት ከኣ ናይ’ዚ ቀጥታዊ መርኣያ ከምዝኾነ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣብ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመተ 2014 ብስርሒት ምድሓን ሂወት መንግስቲ ጥልያን ልዕሊ 160 ሽሕ ስደተኛታት ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ናብ’ታ ሃገር ክኣትዉ ከምዝኸኣሉ፥ ኣዚ ስርሒት እዚ ብተጽዕኖ ኤውሮጳዊ ሕብረት ደው ክብልን ነቲ ናይ መንግስቲ ጣልያን ስርሒት ከኣ ብንኡስ ኣሃዱ ስርሒት ናይ’ቲ ሕብረት ክትካእን ከምእተገብረ ዝተፈላለዩ ወገናት የዘኻኽሩ።

ኣብዛ እንዛዝማ ዘሎና ዓመተ 2014፡ ብማእከላይ ባሕሪ ኣቢሎም ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ናይ ዝኣተዉ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ቊጽሪ ልዕሊ 350 ሽሕ በጺሑ ከምዘሎ፡ ካብዚኦም እቶም 37 ሽሕ ድማ ኤርትራውያን ከምዝኾኑ’ዩ ወግዓዊ ጸብጻብ ላዕለዋይ ወኪል ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዘረድእ።


ኣብ ዲንማርኽ ዘለዉ ስደተኛታትን ካልኦት ተደናገጽትን ዝርኸብዎ ስላማዊ ስልፊ ንዓርቢ 19 ታሕሳስ 2014 ኣብ ከተማ ኮፐንሃገን ዲንማርኽ ክኻየድ እዩ

ኣብ ዲንማርኽ ዝርከቡ ስደተኛታት መንእስያት ነቲ መንግስቲ ዲንማርኽ ኣብ ልዕሊ ዑቕባ ሓተቲ ስደተኛታት ኤርትራዊያን ኣውጽኢዎ ዘሎ ሕግታት ወይ ዓንቐጻት፥ ሓተቲ ዑቕባ ስደተኛታት ካብ ሃገሮም ክውጾን ፥ ሃገሮም ጠንጢኖም ክመጹን፥ ኣብ ዓዶም ዝኾነ ይኹን ሽግር ከምዘየልቦን፥ ሓቕነት ዘይለበሰን ንምልካዊ ስርዓትን ኢሳይያስ ሒዝዎ ንዘሎ ኣመራርሓን ጭኹናን ልኽዕነት ዝለበሰን ኣብ ኤርትራ ዝኾነ ይኹን ሽግር ንመንእስያትን ህዝብን ከምዘየልቦን በዚ ከኣ ሓተቲ ዑቕባ ዝኾነ ይኹን ደገፍን ዑቕባን ክዋሃቦም ከምዘይብሉን ልዕሊ 179 ዝሓዘ ዓንቐጻት ኣውጺኦም ኣለዎ። እተን ኣብ ዲንማርኽ ዝርከባ ልዕሊ ሽሞንተ ዝኾና መዕቖቢ ስደተኛታት (ካምብታት) ዘለዉ ስደተኛታት እንተላይ ካልኦት ኣብቲ ካምፓ ዝርከቡ ተደናገጽትን ዝርኸብዎ ስላማዊ ስልፊ ንዓርቢ 19 ነሓስ 2014 ኣብ ውሽጢ ከተማ ዲንማርኽ ክኻየድ እዩ ፡ ነዚ ዝኻየድ ስለማዊ ስልፊ መብርሂ ንምርኻብ ንኣባላትን ኮሚተን ኣወሃሃድትን ናይ’ዚ ስለማዊ ስልፊ መንእስይት ካሓሳይ ገብርሂወት፥ ፍናን ያቖብ፥ ግርማይ ተስፋይ፥ ዘማርያም መብራህቱን መብርሂ ክህቦናን ብ ቴሌፎን ረኺብና ኣዘራሪብናዮም ኣሎና


መንገዲ ኣየር ኤርትራ ኣብ ክሊ-ኣየር ኤውሮጳዊ ሕብረት በረራ ይኽላእ ዩ

ትሑት ትሕተ-ቅርጺ ዝውንን መንገዲ ኣየር ስርዓት ኣስመራ፡ ኣብ’ቲ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዓመታዊ ዘውጽኦ ንናይ ድሕነት ትሕተ-ቅርጺ ዝተፈላለያ መንገዲ ኣየር ብምግምጋም ኣብ ግዝኣተ ክሊ-ኣየሩ ክይበራ ዝኽልክል ዝርዝር - ከምቲ ልሙድ ተጸንቢሩ ከምዘሎ መርበብ ሓበሬታ “ካፕኤሪ” ኣመልኪቱ። መርበብ “ካፕኤሪ” ኣብ ሓበሬታኡ፥ ኤውሮጳዊ ሕብረት ነተን ብትሑት ጽላታዊ ድኽመት ዝመሓደራን እኲል ድሕነታዊ ትሕተ ቅርጺ ዘየዋድዳን መነገዲ-ኣየራት ኣብ ክሊ ኣየሩ ከይበራ ዝኽልክል ዓመታዊ ዝርዝር ኣስማት ከቕርብ ከምዝርአ፥ መንገዲ ኣየር ስርዓት ኣስመራ ከኣ ኣብ’ዚ ዓመታዊ ዝርዝር ብቐጻሊ ክጥቀስ ምጽንሑ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዝርዝርሩ ንኤርትራ ሓዊስካ ኣብ 21 ሃገራት ዝርከቡ ኣስታት 310 መንገዲ ኣየራት ኣጊዱ ከምዘሎ ወሲኹ ዘመልከተ መርበብ ሓበሬታ “ካፕኤሪ”፥ እቲ ሕብረት ኣብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዝርዝሩ ኣጊድወን ዝነበረ ከም ሰሜን ሱዳን፡ ሞዛምቢክ፡ ዛምቢያን ፊሊፒንስ ዝኣመሰላ ሃገራት ተዛማዲ ጽገናን ምሕደራ ኣቬሽንን የተግብራ ብምህላወን ካብ’ቲ ናይ እገዳ ዝርዝር ኣብ ቀረባ እዋን ክወጻ ልዑል ተስፋ ከምዘሎ ንመግለጺ ኮሚሽነር ሞጋዓዝያ ናይ’ቲ ሕብረት ብምጥቃስ ኣረዲኡ።

መንገዲ ኣየር ኤርትራ ስማዊ መለክዕን ምሕደራ ኣቬሽንን ጥራይ ወኒኑ ብዘይ ዝኾነ ውሁድ በረራታት ይነጥፍ ከምዘሎን ኣብ ኣህጉርና እቲ ዝደኸመ መነገዲ ኣየር ኮይኑ ምህላውን’ዩ ብሓያሎ ወገናት ዝግለጽ።


ኣብ ባይታ ዘየለ መደረ ኣምባሳዶር ስርዓት ኣስመራ ኣብ ጁባ

ኣምባሳደር ስርዓት ኣስመራ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣቶ የውሃንስ ተኽለሚካኤል ኣብ’ቲ ኣብ ከተማ ጁባ ንሰዓብቲ’ቲ ስርዓት ዝገበሮ ሰሚናር ፡ “ክቡራት ልምድታት ህ/ግ/ደ/ፍ ልዕሊ ካልእ እዋን ዝለዓለ ኢድ ሒዞም ንዘቤታውን ግዳማውን ሽርሕታት ይስዕሩ ኣለው!” ክብል ዘስምዖ መደረ ካብ ባጫ ፈሊኻ ክረአ ከምዘይክእል ፡ ነቲ ሰሚናር ብቐረባ ዝተኸታተልዎ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ኣመልኪቶም።

እቶም ዜጋታት ኣብ ሓበሬታኦም፡ እቲ ኣምባሳዶር ዝሃቦ ቃል ንምስሉይ ቆመና ናይ’ቲ ዝለኣኾ ስርዓት ኣስመራ ዘመስክር ምዃኑ ብምግላጽ፥ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘሎ ህዝቢ ነዚ ቀጻሊ ጸወታታት ጎሪሑሉ ከምዘሎ ኣተሓሳሲቦም።

ኣምባሳደር የውሃንስ ተኽለሚካኤል ፡ “ህዝቢ ኤርትራ ምስ’ቲ ብወርቃውያን ክብርታት ዘማእዝኖ ዘሎ መንግስቱ ኮይኑ ንዝተፈላለዩ ሽርሕታት ብምብካን ኣብ ዘተኣማምን መድረኽ ምዕባለ ከምዝርከብ’ዩ ኣብ’ቲ ዝገበሮ ሰሚናር ጠቒሱ።

ህዝቢ ኤርትራ መሰረታዊ ጠለባት ሂወት እኳ ተሓሪምዎ ፍቐዶ ስደት ዛሕ እናበለ፥ ክቡር ልምድታት - ብሩህ መጻኢ እናበልካ በቲ ስርዓት ዝደጋገም ወስታታት ግዜኡ ዝሓለፎ ከምዝኾነ ዘምልከቱ እቶም ደለይቲ ለውጢ፥ ቀጻሊ ሓሶታትን ዝንቡዓት መብጸዓታትን ስርዓት ኣስመራ ድሕሪ ደጊም ክሰርሑ ከምዘይኮኑ ኣገንዚቦም።


 

Join VoD

VoD is looking for highly motivated candidates to collect, draft, edit and present relevant news items from various sources exclusively but not limited to Eritrea and the rest of the Horn of Africa. Excellent writing skills in both English and Tigrinya, proficiency in using technology, and ability to scan social media are essential. The candidate should be an active listener, able to communicate with persons of interest, and share timely information with the public.

The Main objective of Voice Of Delina is to collect and disseminate economic, social and political developments pertaining to Eritrea and Eritreans at home and in the Erespora.

We are also determined to develop the media capacity by grooming the new generation of Eritreans to articulate the aspirations of our country.

We are particularly looking for candidates who are keenly interested to play an active role in helping foster peace and democracy in Eritrea.

VOLUNTEER INTERNSHIP OPENINGS

• Media Director/Program Coordinator
o manage the team
o prepare editorials
o make editorial decisions on programs to be broadcast
o edit other program contents

• Researchers
o research topics required for programming
o assist in drafting stories

• Writers and Editors
o draft a regular feature story
o assist in news preparation

• Anchor-Reader
o read program items
o assist in news preparation

• Sound Engineer
o arrange programs, add music and repackage programs for dispatch to the studio

• Translator from English into Arabic and Tigrinya (and, on a limited basis, Amharic)
o translate copy of stories into appropriate language for broadcast
o when necessary, read stories in correct language or dialect

To participate please send email to This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
Please provide your personal CV, Skype ID, telephone number and best time to call you.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...