{autoremote linkfromdisplay="false" shuffle="false" autostart="true" height="50" displayheight="50" width="288" displaywidth="288"plthumbs="false"}http://blip.tv/file/get/Asmarino-medreKImimYkelShgeyHabiNbel321.mp3{/autoremote}

መድረኽ ዒምም ይእከል፡ ” ሽገይ ሃቡኒ ” ንበል !
(ቀዳማይ ክፋል)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ኤርትራውያን፡ -

ኣብ ዘዘለኹሞ ሃገራትን ከተማታትን፡ ራህዋን ቅሳነትን፡ ፍቕርን ሰላምን ንዓኹም ይኹን፡፡

ኣብዚ እዋን ' ዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ትርጉም ህይወት ተቐይርዎ፡ ብምዕሩግ ስም ናጽነት ኣብ ዝተጸባበቐ ባርነት፡ ብመዳርግቲ ኣልቦ ሕሰምን ግፍዕን ተኸቢቡ ይነብር ኣሎ፡፡

ስድራናን ኣዝማድናን፤ ቤተሰብናን መተዓብይትናን፤ እንታይ ዓይነት ናብራ የሕልፉ ከምዘለዉ፡ ይትረፍ ንሕና ኣሕዋቶም፡ ጓኖትኳ ዝፈልጡዎን ብቃላት ክትገልጾ ዘጸግምን ኢዩ፡፡ክግለጽ ዝከኣል ነይሩ እንተዝኸውን እውን፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ወሪዱ ዘሎ መከራ፡ ካብቲ ምብዝሑ - እቲ ምኽፍኡ፣ካብቲ ምሕማሙ - እቲ ምድግጋሙ ዝገደደ፡ ጸብጺብካ ዘይውዳእ ስለዝኾነ፡ በየን ጀሚርና፡በየን ክንዛዝሞ ? ነየናይ ጠቒስናኸ፡ነየናይ ክንገድፍ ?

ሃለዋት ህዝብና ክትዛረበሉ ዘስካሕክሕ ኢዩ። ‘’ እዚ ኩሉ መስዋእቲ፤እዚ ኩሉ ገድሊ፤እዚ ኩሉ ድኻም፤እዚ ኩሉ እዝግዮ፤ እዚ ኩሉ ባህግን ሃረርታንሲ እዚ ኮይኑ ትርፉ ? እዋይ ኣነ፡ ኣሕሕሕ !” ዘብል ስለዝኾነ እውን፡ንቁስልኻ ምትኹታዂ ን ሕማምካ ምቕስቃስ፡ እንታይ ዋጋ ኣለዎ ? ብርግጽ ጸገም ህዝብናን ሃገርናን ምትንታኑ ን ልቢ ዘቑስል፡ ምጽብጻቡ እውን መዓንጣ ዝኹምትር፡ንጸላኢኻ እውን ዘይትምነዮ ኣመና ሕማቕ ኢዩ። ኣብ ርእሲ’ዚ ብዛዕባ መጻኢ ኣብ እትዛረበሉ ግዜ፡ ህዝብና ዘሕልፎ ዘሎ መከራ በብሓደ ምጽብጻብ፡ ብክልተ ምኽንያታት፡ ተመራጺ ኣይከውንን፡፡

ቅድም ቀዳድም ንተግባራት ስርዓት ህግደፍ ብቐጥታ ነ ንስድራና ብምውካስ ክንግምግሞ ዝከኣል ኢዩ። ብተወሳኺ ፡ ብመሰረት ካብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ጀሚሩ በብኩርንዑ ዝቐርብ ዘሎ ኣዝዩ ብዙሕ ጭቡጥ ጸብጻባትን ሓበሬታትን ፡ ኣብ ዓዲ ህግደፍ ዘይተነግረ ' ምበር ዘይተግብረ ግፍዒ ከምዘየልቦ ንኹልና በሪሁልና ስለዘሎ፡ነቲ ፍሉጥ ንምብራህ ግዜ ተኸታተልቲ ንኸይነባኽን ብሓፈሻዊ ኣገባብ ተናኺፍና ክንሓልፎ ንመርጽ፡፡

ነስተብህሉሉ እሞ ኣሕዋት ን ኣሓትን!

(1) በዓል ትንፋስ ወዲ ሰብ፡ ከም ሳንዱቕ፡ ከም ዕንጨይቲ፡ ከም ወረቐት፡ ኣብ ሓዊ መግሃር ኣጻምእ ሰምሃርን፡ ባርካን፡ ደንካልያን፡ ኣብ ኮንተይነር ይዕጾ ከምዘሎ እንተሰሚዕና፤

(2) ብኤርትራውያን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ክፍጸም ብ ዘይትጽበዮ ጨካን ኣገባብ፡ ዓይነት ማእሰርትን መቕጻዕትን ከም ቅያር ክዳን እናቐያየሩ ሰብ ኣብ ዘሳቕዩሉ ኣብያተ ማእሰርቲ፡ ኣሽሓት መንእሰያት ኤርትራ ይሳቐዩ ከም ዘለዉ እንተፈሊጥና፤

(3) ኣብ ብሎኮ ኣስመራ፡ ማለት ኣብ ዓዲኣበይቶ መንእሰያት ተረሺኖም ኣብ ጋህሲ ከምዝተቐብሩ እንተሰሚዕና፤

(4) ኣብ ዊዓ ልዕሊ ሚእቲ መንእሰያት፡ ከም እምኒ ታዕሊም፡ ድሎ ብድሎ ተዘልዚሎም እንተሰሚዕና፤

(5) መዋእሎም ዝተጋደሉ ሓርበኛታት፡ ጋዜጠኛታት፡ ርእይቶ ዝሃቡ ወይ ሕቶ ዝሓተቱ ኤርትራውያን፡ኮታ ብሓፈሻ፡ሰባት ከምነብሲወከፍና እናተጨወዩ ፡ ሰብ ኣብ ዘይፈልጦ ጎዳጉዲ፡ ይሃልቁ ከም ዘለዉ እንተፈሊጥና፤

(6) ኣብ ማይ ሓባር፡ ስንኩላን ብጥይት ከምዝተረሸኑ እንተፈሊጥና፤

(7) ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ከም ጠበቕ፡ ኣብ ፈቐዶ ከውሒ ከምዝተረሸኑ እንተሰሚዕና፤

(8) ሓንቲ ቅርሺ ዘይብሎም ድኻታት ወለዲ፡ “ ኣገልግሎት ዝነበሩ ደቅኹም ኣበይ ኣለዉ ? ደቅኹም ካብ ሳዋ ወይ ካብ ወተሃደራዊ መዓስከራት ጠፊኦም ፡ ኣምጽኡዎም፡ እንተዘይኮነ መቕጻዕቲ ሓ ሓምሳ ሽሕ ክፈሉ ከምዝተባህሉ እንተፈሊጥና፤ ኣብ ኤርትራና ሓድሽ ተገፋዒ ' ምበር፡ ሓድሽ ዓይነት ግፍዒ ከም ዘየልቦ ንምግንዛብ ዘጸግም የብልናን፡፡ እወ ርግጽ፡ ቁሩብ እንተመርሚርናን እንተኣስተወዒልናን፡ ኣብ ዓዲ ህግደፍ፡ ሓድሽ መዋቲ ' ምበር፡ ሓድሽ ሞት ከም ዘየልቦስ፡ ብዘይጸገም ክንርዳእ ንኽእል ኢና፡፡

ስለዝኾነ፡ ኣብ ዝርዝር ግፍዕታትን ዓመጻትን ስርዓት ህግደፍ ኣብ ክንዲ ምእታው፣ እቶም ግፍዕታት ህግደፍ ዘይተነጸረልና ወይ ንህግደፍ ከም ብጹእ እንርኢ ሰባት፡ቴሌፎን ብምድዋል ይኹን ብኻልእ ኣገባባት፡ ንስድራና ብዛዕባ ኩነታቶምን ኩነታት ሃገርናን ክንውከስ እናዘኻኸርና፣ ን እንታይነት ስርዓት ህግደፍ ዘብርሁ ነጥብታት ከም ኣብነት ብምቕራብ፡ ናብቲ ፍታሕ ዝበልናዮ ክንሰግር፡፡

ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን፡

ዓማጺ፡ ኩሉ ግዜ፡ ጨካን ኢዩ፡፡ ግፍዒ ድማ፡ ኩሉ ግዜ፡ መሪር ኢዩ፡፡ ሓወይ ዝበልካዮ፡ መድሓንየይ ዝበልካዮ ዝኣመንካዮ ሰብ፡ ገፋዒኻ ኮይኑ ክርከብ እንከሎ ግን፡ እቲ ግፍዒ ዝያዳ የቐንዙ፡፡ እቲ ዓማጺ ድማ ዝያዳ ይጽላእ፡፡

እቲ ዓማጺ፡ ህይወት 70 ሽሕ ብሉጻት ደቅኻ ከፊልካ ናብ ስልጣን ዘደየብካዮ ምስ ዝኸውን እሞ፡ ‘’ ዘዕበኹዎ ከልቢ ነኸሰኒ፡ ጣዕሳ ገደደኒ ’’ ከም ዝብሃል፡ ምስቲ ግፍዒ፡ ጣዕሳ ተደሪቡ፡ ከም ሕዱር ሕማም፡ኣካልካ የሳጽየካ፡መንፈስካ ድማ የናውጸካ ፡፡ ከምዚ ዓይነት ግፍዒ፡ ይትረፍ ብስጋን ብመንፈስን ኣብ ልዕሌኻ ክወርድ፡ ብወረ፡ ‘’ ኣብ መንዶበሉዎ ከምዚ ተፈጺሙ ’’ እንተበሉኻ ' ውን፡የስካሕክሓካ፡ የነድረካ፡፡

እቲ ኣመና ዘሕዝን ንሕና ኤርትራውያን፡ እዚ ዝተባህለ ግፍዒ ብግብሪ ዝወረደና ህዝቢ ምዃንና ኢዩ፡፡ ብ ሕዋትና፡ በቶም ዕልል ዝበልናሎም ተጋደልቲ፡ ምትንፋስ ክሳብ ንስእን ክሳድና ተረጊጽና ንነብር ዘለና ህዝቢ ኢና፡፡ ንናጽነት፡ ክቡር ዋጋ ዝኸፈልና ከም ምዃንና መጠን ድማ፡ ቃንዛናን ግፍዕናን፡ ብመጠን ነቲ ግፍዒ ዝኸፈልናሉ ዋጋ ክንመዝኖ ናይ ግድን ኢዩ፡፡

ነዚ ናብ ባርነት ዝተቐየረ ናጽነት ንምምጻእ፡ ኣቶ ኢሳያስን መሰልቱን ክረግጹና ዝኸፈልናዮ ዋጋ ድማ፡ ብመንጽር ብዝሕናን ምረት ተጋድሎናን ምስ ዝምዘን፡ ኣብ ታሪኽ ኣፍሪቃ መዘና ዘይብሉ፡ ክቡር ኢዩ፡፡ ‘’ ሰብዓ ሽሕ፡ ሰማንያ ሽሕ ሰማእታት ከፊልና ’’ ምባል፡ካብ ምሒር ምድግጋሙ ንዝኸፈልናዮ ዋጋ፡ ተራ ቁጽሪ ከምስሎ ተኽእሎ ስለዘለዎ ግን፡ እስከ ነቲ ዝኸፈልናዮ ዋጋ፡ በቲ ኣብ 1991 ዝተሰምዓና ሓጎስ ክንዕቅኖ ንፈትን፡፡

ትርግታ ልቢ ኩልና ብምቅላሕ፡ የማነ ባርያ፡ ‘’ እንታይ ምዃና ዓለም ሎሚ ፈሊጠዮ፤ትርጉሙ ናይ ምንባር ኣስተማቒረዮ ! ንራህዋ ቅሳነት ንእፎይታ፤ናጽነት የብላን መሰታ ! ’’ ዝበለሉ እዋን ንዝክሮ ’ ዶ፧

ሙሉጌታ በይን - ወዲ ዛግር ከ፡ ካብ ሓቂ ተበጊሱ፡ ‘’ ዕልል ኢላ ኣስመራ፡ መርሃዊ ረኺባ ’’ ምባሉኸ ንርስዖ ዲና፧

የማነ ስለምንታይ ‘’እንታይ ምዃና ዓለም ሎሚ ፈሊጠዮ ’’ ከም ዝበለ እንተዝሕተት፡ እንታይ ኮን ምመለሰ፧ንኹሉ ስዉር ኣይኮነን፡፡ ወዲ ዛግር ብህይወቱ ኣሎ፡፡ ‘’ ስለምንታይ ኢያ ኣስመራ ዕልል ዝበለት ? ’’ ተባሂሉ እንተዝሕተት እውን፡ ካብ ናይ የማነ ዝፍለ መግለጽን መልስን ዝህብ ኣይመስለናን፡፡ እቲ ምንታይ፡ ሕልሚ የማነ ኮነ ባህጊ ወዲ ዛግር፡ ባህጊ ኩልና ኤርትራውያን ኢዩ ነ ይ ሩ፡፡

ባህግና ፡ ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ግን እንታይ ኢዩ ነይሩ ? ንህዝቢ ኤርትራ፡ ብረት ዘሰከሞ ጉዳይ እንታይ ኢዩ ? ምትኳስ ደስ ኢሉዎ ? ሞት ናፊቑ ? ንሃይለስላሴ ወይ ንመንግስቱ ጸሊኡ ? ንኢሳያስ ናፊቑ ? ኣይኮነን፡፡ ንህዝቢ ኤርትራ ብረት ዘሰከሞ፡ ባህጊ ፍትሒ፡ ባህጊ ሰላም፡ ባህጊ ቅሳነት ኢዩ ነ ይ ሩ፡፡ እታ ባህጊ፡ ዘይትቕየር፡ ዘይትልወጥ ሓንቲ ንሳ ስለዝኾነት ድማ፡ ጨቋኒ ስርዓት ደርግ፡ ብምዑታት ተጋደልቲ ተሳዒሩ ምስ ሃደመ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብቶም ን ዓመጽቲ ስዒሮም ዝኣተዉ ደቁ ዝተጸበያ ነገር፡ ንሳ፡ እታ ሓንቲ ባህጊ ቀደሙ ኢያ ነ ይ ራ፡፡

ብዙሓት ካብዞም ብህይወት ዘሎና ኤርትራውያን ብናእሽቱና፡ ኣቦታትና ለይትን ቀትርን ክደጋግሙዎ፣ ኣዴታትና ብወገነን፡ ንግሆን ምሸትን ክጽልያሉ፣ ንሕና ባዕልና ድማ፡ ባህግና ናፊቕና፡ ‘’ ሽገይ ሃቡኒ፡ ኣይተታልሉኒ ! ’’ ኢልና እንክንደርፍ፡ ንዝክሮ ኢና፡፡

ህዝቢ ኤርትራ ሽዑ ዝተመነያ፡ ዝተጋደለላ፡ ደቁ ዝኸፈለላ፡ ጌና ክሳብ ሎሚ ዝምነያ ዘሎ ክብርቲ ህያብ ድማ፡ ንሳ እታ ዝደረፍናላ፡ ንሳ እታ ስድራና ዝጸለዩላ፡ ንሳ እታ ሃልሃልታኣ ዘምውቕ፡ ጸዳላ ጸልማት ዝቕንጥጥ፡ ንኩሉ ተደላድል፡ ንኩሉ ተመዓራሪ፡ ንኩሉ ብማዕረ እተብርህ፡ ኳዕ ኢላ ዝተወልዐት ሽግ ሓርነት ኢያ፡፡

ምእንቲ እዛ ክብርቲ ሓርነት፡ ገሌና ተጋዲልና ደምና ኣፍሲስና፤ ገሌና ደኺምና ወይ ተመንዩና ከይበልና ዕድመናን ጉልበትናን ጥሪትናን ገንዘብናን ወፊና፡፡ ምእንቲ እታ ኩላትና ዝተመነናያ፡ኩላትና ተገፊዕና፡፡ ኩላትና እውን እንተወሓደ ሓደ ካብ ዓጽመ ስጋና ሞባእ ወፊና፡፡

ሓርነት ማለት ግን እንታይ ድዩ ?

ሓርነት ማለት ደኣ ከም ትርጉም፡ ዓመጽን ግፍዕን ዘይብሉ፡ ፍትሒ ዝነግሰሉ፡ ርትዒ ተሳፍሓሉ ሃዋህው ማለት ኢዩ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ 1991 ብደም ሰማእታትን ብተጋድሎ ህሉዋትን ናጽነት ሃገርና ምስ ተረኽበ፡ እዚ ግበሩለይ ወይ እቲ ሃቡኒ ኣይበለን፡፡ ክብል ' ውን ኣይኽእልን ። ምኽንያቱ፡ ጻዕረኛን ሓኾተን ህዝቢ ብምዃኑ፡ ካብ ሰብ ዝጽበዮ ነገር ኣይነበረን፡፡ ትጽቢት ህዝቢ ኤርትራስ ፡ ኣብታ ደቁ ዝኸፈለላ ሃገር፡ በቲ ዝልለየሉ ሓኾትኮቱን ወሓለ ኢዱን ከተሸቑረረ ሰሪሑ ምእንቲ ክምዕብል፡ “ኣቶኻ ወጻእካ ዘይብል ፍትሓዊ ምምሕዳር” ክትከለሉ ኢዩ ዝነበረ። ግዳ ኣይኮነሉን፡፡ ጸሎቱ ኣይሰመረን፡፡ ባህጉ ኣይቀንዐን፡፡ ኣንጻር ዝተጸበዮ ድማ ረኺቡ፡፡ትምኒቱ መኺኑ፡፡ ወዮም “ ይከኣሎ ” ኢሉ ዝጸውዖም ደቁ “ዕንኪላሎ” ኮይኖም ተሪፎም፡፡ ወያ ጻዕዳ ርግቢት ፈውሳ ብዋዛ ዘይርከብ ጻዕዳ ተመን ኮይና፡፡ መራሕ መንግስቲ ኤርትራ፡ ገና ኣብ መንበረ ስልጣን ኮፍ ምስበለ ኣትሒዙ ብዘውጽኦ ኣዋጃትን፡ ብዝቐጸሎ መእሰሪ ዘይብሉ ፋሕቶ ተግባራቱን፡ እንዶ ህይወትን ኣምር መነባብሮን ዘይብሉ፡ ግምጥልሽ ዝሓስብ፡ ሰሲጊንጢሩ ዝብርሆ በዓል ጸቢብ ርእሲ ምዃኑ ብዘየማትእን ብተደጋጋምን ኣረጋጊጹ ኢዩ፡፡

ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን፡

ንኹሉ እቲ ዘይብሱል ኣዋጃት ጉጅለ ኢሰያስ ምዝርዛሩ ፋይዳ ስለዘይህልዎ፡ ከምመወከሲ ኪኾነና ንገለ ክንጠቅስ።

መደብ ክረምታዊ ማእቶት፡

መደብ ክረምታዊ ማእቶት ዝበሃል፡ ኣብ 1991 ተወጢኑ፡ ካብ 1992 ኣትሒዙ ብዘይ ምቁራጽ ዝቐጸለ፡ ፕረሲደንት ኢሳያስ ባዕሉ ዘተግበሮ መደብ ኢዩ፡፡

እዚ መደብ እዚ ከም ዝእዝዞ፡ ዓመተ ትምህርቲ ምስ ተወድአ፡ ኩሉ ልዕሊ ሻዱሻይ ክፍሊ ዝበጽሐ ተመሃራይ፡ ወዲሓረስታይ ይኹን ወዲቀጥቃጣይ ብዘየገድስ፣ ስድርኡ ሓገዝ ዘድልዮም ኣዲኡ ሓጋዚ ዘይብላ ወዲ ስዉእ ድዩ ወዲ ህሉው ብዘይፈሊ፣ ትምህርቲ ምስ ተዓጽወ፡ ኣብ ከባቢ ከተማታት ኤርትራ ቀላሚጦስ ክተክል፣ ኣብ ኣጻድፍ ግዋን ሽንድዋን ጎቦታት ክፍሕር ግዱድ ኢዩ፡፡ እቲ ተመሃራይ፡ ጎቦ ክፍሕር እንተዘይከይዱ፡ ኣብ ዝቕጽል ዓመተ ትምህርቲ ክምሃር ኣይፍቀደሉን፡፡ ቃል ብቃሉ ድማ፡ ተተግቢሩ፡፡

እንታይ ፋይዳኸ፡ ተረኺቡዎ ?

ባዶ ! ዋላ ሓንቲ !

ካብዚ ከባቢ 30 ሚልዮን ንዓመት እናፈሰሶ፡ ዓመት መጸ በስገዳድ ዝተኻየደ መደብ ክረምታዊ ማእቶት፣ ኣመሓዳሪ ሰራየ ዝነበረ ኣቶ ኣድሓኖም ገረማርያም፡ ብዘይ ኣዋጅ፡ ብዘይ ኣስገዳድ፡ ብትሑት ባጀት፡ ኣብ ሓጺር እዋን ዘሰላሰሎ፡ ኣብ የማን ጸጋም ጽርግያ መረብ - ድባርዋ ኣግራብ ተኺሉ ዘጠጥዐ ወፍሪ፡ ሚእቲ ዕጽፊ ዕዉት ከም ዝነበረ፡ ዝረኣየት ዓይኒ ትምስክሮ፡ ሓላፍ መንገዲ ድማ ይነግሮ፡፡ ዕውት ስለዝነበረ ድማ ኣመሓደርቲ ኩለን ኣውራጃታት ኣሰሩ ስዒቦም፡፡

ወፍሪ ይብሉኹም፡ እዚ ኢዩ፡፡

ናይ ኣይተ ኢሳያስ ግን፡ ንበይኑ ኢዩ፡፡ ሕስብ እንተበልካዮ፡ መመሊሱ ዝድንጽወካ፡ ከ ተመኽ ንየሉ ዘይከኣል፡ መስደመም ኢዩ፡፡

ከብዲ ሓረስታይ ጥሜት እናባሕጎጎ፡ ንቖልዑ ካብ ማሕረስን መጓሰን መንዚዕካ፡ “ ጎቦታትና ሓመድ ከይብሕጉጎ፡ ንዝመጽእ ወለዶ ምእንቲ ክንዕቅቦ፡ ኩዒትናዮ ! ” ዝብል፡ጌርና መበሊ ጸብጻባት ንምቕራብ እንተዘይኮይኑ፡ መደብ ክረምታዊ ማእቶት ምንም ፋይዳ ኣይተረኽቦን፡፡ ኣመና ከቢድ ማህሰይቲ ግን ኣኸቲሉ፡፡ ብሰንኪ ' ዚ መደብ እዝን ፡ ጸኒሑ ዝሰዓቦ ኣዋጅ ሳዋን፣ ሓረስቶት ኤርትራ፡ብሓለንጊ ጥሜት ይልብለቡን ፡ ኣብ ሩባ ድኽነት ድከቶም ይሰትዩን ኣለዉ፡፡

እዚ ብጎደሎ ቀልቦም ዝወጸ፡ህዝቢ ብዘይ ዒሚምን ተቓውሞን ዝተቐበሎ ሃሳዪ ኣዋጃት፡ ልዕሊ እቲ ዘስዓቦ ኣሻዅ ድኽነት፡

ኣብ ኤርትራ ዘተኣታተዎ ሕማቕ ባህሊ፡ ይገድድ፡፡

ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን፡ -

ብቐሊሉ ንኽንርደኦ፡ኣብ 1991 ዝነበረ ኣቃውማ ሕብረተስብ ኤርትራ ንተዓዘብ፡፡

ኣስታት 85 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ኤርትራ፡ማለት ልዕሊ ክልተን ፈረቓን ሚልዮን ህዝቢ፡ ብሕርሻን ብመጓሰን ይነባበር ነዪሩ።

ከባቢ ሽዱሽተ ካብ ሚእቲ፡ማለት ልዕሊ ክልተ ሚእቲ ሽሕ ህዝቢ ዘጠቓልል ክፋል፡ ኣብቲ መላእ ስድራ ዘሳትፍ ፡ ከም መደበርን ሹቕን ናይ ኣስመራ ዝመሳሰል፡ ኣብ ኩለን ከተማታት ኤርትራ ድማ ዝርከብ ኢደ ጥበባዊ ስርሓትን፡ ናእሽቱ ናይ ጨው በርበረ ድኳናትን፡ ናይ ባንኮ ወይ ናይ ማርሻቤዲ ሸቐጣትን ተዋፊሩ ድራር እለቱ ዝምእርር ኢዩ፡፡

ሰለስተ ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ማለት ከባቢ ተስዓ ሽሕ፡ ኣባል ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ፡ ስንኩልን፡ ሓውሲ ስንኩልን፡ በዓል ምሉእ ኣካላትን ተጋዳላይ ነበር ኪኸውን እንከሎ፤

ክልተ ካብ ሚእቲ፡ እቶቶም ካብተን ዉሑዳት ፋብሪካታትን፡ ቤት ዕዮታት ሓጺንን ዕንጨይትን ዝጽበዩ፡ ስድራቤታት ሸቓሎ ኢዮም፡፡

እቶም ሰለስተ ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ኤርትራ ፡ ኣብ ምዕብል ዝበለ ንግዲ፣ ኣብ ኣገልግሎት ትምህርቲ፣ ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና፡ ኣብ ካልኦት ምምሕዳራዊን ሞያዊን ኣብያተ ጽሕፈት መንግስትን፡ ሃማኖታዊ ትካላትን ዝተዋፈሩ ስድራ ቤታት ኢዮም፡፡

ዝተረፉ ሓደ ሚእታዊት ድማ፡ ደቆም ናብ ገለ ካብዚ ኣቐዲምና ዝጠቕስናዮ መዳያት ዝተዋፈሩ፡ ብዕድመ ዝደፍኡ’ሞ ብመሰል ጡሮታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቕለቡ ኢዮም፡፡

ኣቃውማ ተመሃሮ ኤርትራ ምስ እንዕዘብ ድማ፡ ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ፡፡

ከባቢ 85 ሚእታዊት ካብ ተመሃሮ ኤርትራ፡ ካብ ግዜ ቁልዕነቶም ኣትሒዞም፡ ኣብ መዓልታዊ መነባብሮ ስድራቤታቶም ብንጥፈት ዝሳተፉ ፡ ደቂ ሓረስቶት፡ ደቂ ሸቃሎ፡ ደቂ ኢደጥበባውያንን ፡ ደቂ ሰብ ናእሽቱ ኣብያተ ሸቕጥን ኢዮም፡፡ ስለዚ ድማ እቶም ንናይ ክረምቲ ግዚኦም ኣብ ጸወታን ዕረፍትን ዘሕልፉዎ ተመሃሮ፡ እንተበዝሑ ካብ 15 ክሳብ 20 ሚእታዊት ናይ ተመሃሮ ኤርትራ ጥራይ ኢዮም፡፡

ክረምታዊ ማእቶት ግድን ኪካየድ ኣለዎ ካብተባህለ፤ ኣብ ከምዚ ዝበለ ሕብረተሰብ፡ ናብ መደብ ክረምታዊ ማእቶት ክዋፈር ዝነበሮ መን ኢዩ ፧

ደቂ ሓረስታይ፡ ምስ ወለዶም ብምትሕግጋዝ ቀለብ ዓመቶም ክእክቡ’ዶ ምተገብአ፡ ወይሲ ኣብ ፈቐዶ ከተማታትን ሓውሲ ከተማታትን፡ኣብ ፈቐዶ ጎቦታትን ኣኻውሕን፡ ካብ ጽባሕ ምትካሉ ቁሊሕ ዝብሎ ብዘይምርካቡ ሓሪሩ ዝተርፍ ፈልሲታት ክተኽሉ ፧

ዓበይቲ ኣሕዋቶም ኣቐዲሞም ናብ ገድልን ናብ ስደትን ዝኸዱ ደቂ ዝሸምገሉ ሓረስቶት ከይተረፉ፡ ክረምቲ ምድሪ ናብ ግዱድ ማእቶት ከምዝወፍሩ ካብተገብረ፡ እቲ ቀለብ ዓመቶም ዝረኽቡሉ ግራውቶም ፡ መን ይሕረሶ ፧ መን እኽሊ ይዝረኣዮ፧ መን ይጽሃዮ፧ መን ይዕጸዶ፧መን የኺዶ፧ መን ይኣክቦ፧ ፍረታትን ኣሕምልትን መን ይትከሎ፧መን’ከ ይከናኸኖ፧ንጥሪቶም’ከ መን ይጓስየን፧ ስለዚ ድማ ቀለብ ዓመቶም ካበይ ይርከቡ፧ ክዳውንቶምን ናውቲ ትምህርቶምን’ከ መን ይኽኣሎም፧

እዛ መሬት ለጋስ እኳ እንተኾነት፡ ከይዓየኻያ ግን ሽሻያ ኣይትህበካን ኢያ። ግራውቲ ኣብ ወቕቱ ክሕረስን ክዝራእን፡ እኽሊ ምስኣብቆለ ድማ ምክንኻንን፡ኣዕዋፍ ከይበልዐኦ ፤መፍለስ ከይምንክሎ፤ቅንፍዝ ከይትሽምጥጦ፤ህበይ ከይተምክኖ፤ ምሕላውን የድልዮ፡፡ እዚ እናተፈልጠ ግን በጽሕታት ናብ ሳዋ፤ ልዕሊ ሻዱሻይ ክፍሊ ዝበጽሑ ኩሎም ተመሃሮ ድማ ከካብ ዓድታቶምን ሕርሻታቶምን ርሑቕ ናብ ዘሎ ከባቢታት እናተወስዱ ኣብ ግዱድ ዕዮ ከምዝዋፈሩ ተገይሩ።

ስለዚ፡ነቲ ኣብ ግዜ ቃልሲ ኣብ ርእሲ ሓሳረ መከራ መግዛእቲ ደርግ፡ብተጋደልቲ ዝተላእኮ ክፍጽም፤ዕርድታት ኪኹዕት፤ ኣጽዋር ክስከም፤ብሕሱም ከልበትበት ኣብራኹን ጭዋዳታቱን ደሪቑ ምእዛዝ ዝኣበዮ፡መላግቦታት መሓውሩ እውን ብኽቱር ጻዕሪ ዝላሕለሐ ኣቦ መን የብርዮ፧ ነታ ብዝቐደመን ብዝደሓረን መስዋእቲ ደቃ ብጓሂ ዝተረመሰት፡ኣዒንታ ዝቖርቆረ፤ሓይላ ዝደኸመ ኣደ’ከ፡መን ዕንጨይቲ ይውፈረላ፧መን’ከ ማይ ይውረደላ፧

ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን፡

ሓደ በዓል ምሉእ ኣእምሮ ሰብ፡ብፍላይ ንግዜ ቁልዕነቱ ምስሰገረ፡ንነገራት ባዕሉ መዚኑ ኣብ መደምደምታ ክበጽሕ ብቕዓትን ብዝኾነይኹን ክግሃስ ዘይግበኦ መሰልን ኣለዎ። ንሕና ኤርትራውያን እውን ከም ሰብና ሰባት ከምምዃንና መጠን፡እዚ ዝተጠቕሰ ብቕዓትን መሰልን ኣሎና።ብፍላይ ከኣ እዞም ኣብዘን መሰል ወዲሰብ ዘኽብራ ምዕቡላት ሃገራት እንነብር ሰባት፡ ዘለናሉ ከባብን ሃዋህዉን ዘይጸልወና ብደውና ዝሞትና እንተዘይኮይንና፡ ኣብ ዓዲ ሕግን ርትዕን፡ዘፈራርሕ በዓል ሳንጃን ጠበንጃን ወይ ዝድህል በዓል ሓይልን በትርን ስለዘየልቦ፡ ረጊእና ብ ናጻ ክንሓስብ፡ ክንመራመር፡ ንኹሉ መሚና ድማ፡ ኣብ ናይ ገዛእርእስና መደምደምታ ክንበጽሕ፡ ብመሰልናን ብብቐዓትናን ክንጥቀም ምሉእ ዕድል ኣሎና።

ስለዚ፡ ከምቲ “ፈሊጡ ዝደቀሰ ሓራምዝ ነይንቕንቕዎ” ዝበሃል፡ ንሓቂ ክንሕሰማ እንተዘይደሊና፡ ንኣቃውማ ሕብረተሰብናን፡ ናብራ ሓረስታይ ህዝብና ንዝጠልቦ ግድነታትን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ካብ 1992 ጀሚሩ ዘተግበሮ መደብ ክረምታዊ ማእቶት፡ ናይ ጥዑያት ድዩ ነ ይ ሩ ናይ ዓዋናት፡ ብቀሊሉ ክንርዳኦ ዘጽገመና ኣይኮነን፡፡

ንሕሰብ እሞ ኣሕዋትን ኣሓትን !

ናይቶም ኣብስደት ተወሊዶም ዝዓበዩ ደቅናስ ደሓን ይጽንሓልና፡፡ ናታቶም ዘዛርብ ኣይኮነን፡፡ እቶም ምስ ለበምና ዝተሰደድና ግን፡ መብዛሕትና ደቂ ሓረስቶትን ሸቃሎን ኢና፡፡ ዝተረፍና እውን ናብራ ሓረስታይ ዘይንፈልጦ ኣይኮንናን፡፡ ኣቦ ይሓርስን ይምሕስን፡ ኣደ ትጉልጉልን ትጽህይን፡ ቈልዓ ድማ ነተን ተሸይጠን ይኹና ተሓሊበን ንኽዳንን ጨውበርበረን ዝኸውን ገንዘብ ዘምጽኣ ጤለ በጊዕ ን ካልኦት ጥሪትን ይሕሉ፡፡ በጽሒ ንኣቦ ፡ጎርዞ ድማ ንኣደ፡ኣብ ኩሉ መዳያዊ ዕዮታት ይሕግዙ። ነዞም ንህላወ ገዛእርእሶምን ቤተሰቦምን ኣብዘውሕስ ስድራቤታዊ ዕዮታት ዝዋፈሩ ደቂሓረስቶትን ጓሶትን “ኩሉ ዋኒንኩም ገዲፍኩም ጎቦታት እንተዘይፈሓርኩም” ኢሉ ዝእዝዝ ሰብ፡ኣእምሮኡ ዝተመዛበሎ ጎደሎ፤ ህይወት ዘይፈልጥ ዳንደ፤ ብዘይካ ናይገዛእርእሱ ናይ ካልእ ዘይዓጦ ጊንጢ፤ ወይ ድማ ርኹስመንፈስ ዝሓደሮ ዉቑዕ ጥራይ ኢዩ።

ክንዲዝኾነ፡ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ነዚ መስደመም ዕማም እዚ ኣተግቢርዎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ከም ሓደ ዓቢ ፍልስፍናዊ ተግባር ዝፈጸመ ተጃሂርሉን ብማዕከናት ዜና እውን ጥሩምባ ነፊሕሉን። ፈላስፋ ሳሕል፡ ከምቲ ንሱ ዝዓበዮ ወይ ደቁ ዝዓብይዎ ዘለዉ ክረምቲክረምቲ ኩዕሶ ክቕብቅቡ፤ከምቶም ደቂ ዉሑዳት ሰብ ሞያ ኣና_ዳዋ ወይ ሳልባቲ ክጻወቱ፤ ከም ደቂመኮነናት ካብ ቀጽሪ ናብ ስታንሳ እትው_ውጽእ ክብሉ ዝኸርሙ ግዲ መሲልዎ፡ ደቂሓረስቶት ኤርትራ ግራውቶምን ጥሪቶምን ራሕሪሖም ንሱ ኣብ ዝወጠኖ መደብ ንኽሳተፉ ኣዊጁ፡ ኣገዲዱ ኣተግቢርዎ፡ ንዓመታት እውን ቀጺልዎ።

“ስለምንታይ ኢዩ ግን ከምኡ ገይሩ፧” ብቐሊሉ ዝምለስ ሕቶ ኣይኮነን። ምኽንያቱ፡እዚ ውሳኔ ' ዚ ብኹሉ ጥዑይ ሰብ ክሓስቦ ዝኽእል መምዘኒታት፡ ማለት ብቁጠባዊ ረብሓ፡ ብምምሕያሽ ናብራ፡ ብዕቤት ሃገር፡ ብስነፍልጠት ፡ ብሕሳብ ይኹን ካልእ ክዕቅን ዝኽእል ኣይኮነን፡፡ ኣብ መወዳእትኡ ግን እቲ ነዚ ዕዉር ውሳኔ ዝሓንጸጸ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ናይ ግድን፡ ዋሕዲ ቀልቢ ወይ ክፍኣት ልቢ ከምዘለዎ ዘረጋግጽ ጭቡጥ ኣብነት ከም ዝኾነ፡ ዘጠራጥር ኣይመስለናን፡፡ ስለዝኾነ ኣቶ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፡ መራሒ ናይዚ ህይወት ብሉጻት ደቁ ዝኸፈለ ህዝቢ ኪኸውን ከምዘይግባእ ኣትሪርና ንኣምን።

ብኣውርኡ ነቲ ኩላትና ኣረጋጊጽና እንፈልጦ፡ ጉዳይ ግፍዕን ዓመጽን፤ እናሓደረ ዝጋደድ ዘሎ ማእሰርትን ሞትን፡ስደትን ምክልባትን ብምግንዛብ፤ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ዝውሰድ መርገጺ “ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ክመርሕ ኣይግባእን” ብዝብል ልምሉም መደምደምታ ዝውዳእ ኣይኮነን።ምኽንያቱ፡ንደቂሰብ ኣደዳ ሞትን ስቓይን ዝገበረ ብተግባራቱ ክሕተት ግቡእ ኢዩ። ክንዲዝኾነ፡ኣቶ ኢሰያስን መጋበርያታቱን ብኣረሜናዊ ተግባራቶም ናብ ሕጊ ክቐርቡ ከምዝግባእ ንኣምን።

ስጊንጢር ውጥን ኣቶ ኢሳያስ ብመደብ ክረምታዊ ማእቶት ጀሚሩ እ ምበር፡ ብእኡስ ኣይተዛዘመን፡፡ “ ካብ ግናይ ፍርዶም፡ ግናይ ልምዶም ” ስለዝኾነ፡ ናብቲ ዝኸፍአ ተግባራቶም ኣብ ልዕሊ ንጹሓት ኤርትራውያን ዝፈጸመዎ ፡ ሞትን መቕዘፍትን ማእሰርትን ከይሰገርና፤ ነቲ “ ፖሊሲታት መንግስትና” እናተባህለ ዝተዋጠየሉ እሞ ከከይጀመረ ዝበርዓነ፡ ቀለሙ ከከይነቐጸ ዕብዳን ምዃኑ ዝተረጋገጸ ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ውሳኔታቶም ጥራይ እኳ ምስእነተኩር፡ህግደፋውያን፡ካብዚ ከም ኣብነት ዝገለጽናዮ ግናይ ፍርዶም፡ እቲ ሓደ ድሕሪ ሓደ ዝሰዓበ ግናይ ኣመሎም ከም ዝገድድ ብቐሊሉ ከነረጋግጽ ንኽእል፡፡

ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ እውን ፡ ከማና ከምቶም ንዓመታት ሃውቲትና ዝነበርና እሞ፡ ሕጂ ኩሉ ጉዳያት ምስ በርሃልና ንመሰልን ንሓርነትን ነድምጽ ዘለና ደቁ፡ ዋላ እኳ ኣብቲ ፈለማ ተገሪሁ እንተነበረ፤ ኣማስይኡስ፡ እንታይነት መንግስቲ ብህይወት ሰብ ስለዝምዘን፡ እንታይነት ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ህይወቱ ብዝወረደ ሕሰም ግርም ገይሩ መዚንዎ ኢዩ።

እንታይነት መራሕ መንግስቲ፡ ብትዕቢቱ፤ብደዐኡን ነዕቀቱን፡ ብክብሪ ሃለኽቲ ነገራት፡ብክራይ ገዛ፡ብሪጋባኒ፡ብሪጋ ላምባን ዝኣመሰለን ስለዘዕቀን፡ኣቶ ኢሰያስ ኣፈወርቅን እቶም ጫምኡ እናለሓሱ “ኣያኒ ኢሰያስ ከምዝበሎ” እናበሉ፡ንቓላቱ ካብ ኣፉ መመንጢሎም ዝደግሙ፡ንትፋእ ዕቡዳት ከም ማና ሰማያት ዘኮማስዑ ዉሑዳት መደናገርትን፡ሕማም ሃገር ምዃኖም ቀደም ተገንዚብዎ ኢዩ።ስለዝኾነ “ንኣድጊ እንታይ ሕማሙ መንደፍ፡ ንህዝቢ እንታይ ሕማሙ ህግደፍ” ኢሉ ይምስል ኣሎ።

ደጊምሲ ህዝቢ ኤርትራ

ነቶም ንሓሶት፡ብኢድ ራዲዮ ጋዜጣን ተለቪዥንን ኣመንጊጎም ብምኹላስ፡ ኣብ ልቡ ከስፍርዋን ኣብ ኣንጉዑ ከስርጽዋን ብምሕላን፡ለይትን ቀትርን ሓኾት ዝብሉ ለቕለቕትን ሓምያንን ኣለልይዎም ኢዩ።

ነቶም ብጉልባብ ውሕስነት ሃገር፡ብሓይሊ ብረት ንመንእሰያት ኤርትራ ኣደዳ ስቓይ ማእሰርቲ ሞትን ስደትን ዝገብርዎ ዘለዉ ዉሑዳት መጋበርያታት እከይ ኣጽኒዕዎም ኢዩ።

ህግደፋውያን፤ስለምንታይ ዩኒቨርሲቲ ከምዝዓጸዉ፡ስለምንታይ ጳጳስ ከምዘጸለሙን ከምዝሓየሩን፡ስለምንታይ ሸኽ ከምዝኣሰሩ ፡ስለምንታይ ከም ቀሺ ዶክቶር ፍጹም ዝኣመሰሉ ሕሩያት ከምዝሓየሩ፡ ከምጸሓይ ቀትሪ ቀደ…..ድ ኢሉ በሪሁ ኢዩ።

እቶም ስርዓት ኢሰያስ “ሃገር ንወያነ ኣሕሊፎም ክህብዋ ሓሲቦም ነይሮም” ኢሉ ከጸልሞም ዝፈተነ ኣባላት ማእካላይ ባይቶ ስለምንታይ ከምዝተኣሰሩን፡ኣቶ ኢሰያስ ካሕዳይን ጠላም ብጾቱን ምዃኑን፡ሚእቲ ካብ ሚእቲ ፈሊጥዎ ኢዩ።

ብሓፈሻኡ እምበኣር፡ህዝቢ ኤርትራ ብመንጽር ህይወቱ፡ህይወትደቁ፡ባህሉ፡ሃይማኖቱ፡ቅሳነቱ፡ሰላሙ፡ንብረቱ፡ጥሪቱ፡ክብረቱ፡ ንስርዓት ህግደፍ መዚኑ፡ልክዕ ከም ኢሰፓ “ፎእ” ኢልዎ ኢዩ። እቲ ንህዝቢ ጨኒቕዎ ዘሎ እምበኣር፡ ነዚ ከም ሕማም መንሽሮ ዘሳቕዮ ዘሎ ህግደፍ ብኸመይ ከምዝፍውሶ ኢዩ።

ኣብዚ መዳይ ኢዩ እምበኣር፡ ግደ ናይዞም ኣብ ወጻኢ ሃገራት እንነብር ኤርትራውያን ክዓዝዝ ዝግብኦ። ህዝብና ዝሓልፎ ዘሎ ሓሳረ_መከራ ዘካሕክሕ ምዃኑ ካብተገንዘብና፡ ወግሐጸብሐ ሕሰሙ ካብ ምጽብጻብ ሰጊርና፡ነዚ ፍንፉን ስርዓት መንከኒኖታት ካብ ዝባኑ ንክድርብዮ ንህዝብና ክንሕግዞ፡ እዚ ታሪኻዊ እዋን ይጽወዓና ኣሎ።

ነዚ ስም ተጋዳላይ ለቢሱ ናብ ስልጣን ዝደየበ በዓል ክልተ መልሓስ መንደላይ፡ ነዚ ካብ ጓኖት ዝኸፍአ ጨቋኒ ስርዓት ጎሓላሉ፡ “ፈሊጥናካ ኢና ዝሓለፈ ይእከልካ” ክንብሎ፡ ንኻልኦት እውን ትምህርቲ ኪኸውን ብዝኽእል ኣገባብ ተሓግሒጉ ከምዝእለይ ኣብምግባር እጃምና ኣበርኪትና ትንሳኤ ሃገርና ብምብሳር፡ ንብዓት ኣዴታትና ክንሕስስ፡ ዝጸምለወ ገጽ ህዝብና ከነወዝም፡ ዝተደወነ ስም ሃገርና ክንኩልዕ፡ ንኹሉ ስቓይ ህዝቡ ዘሕምሞ ኤርትራዊ መጸዋዕታና ነመሓላልፍ ኣሎና።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን፡

መልእኽትና ንውሕ ዝበለ ብምዃኑ ኣብ ክፋላት መቓቒልና ከነቕርቦ ዝሓሸ ኮይኑ ረኺብናዮ።ቀዳማይ ክፋል ኣብዚ ተዛዚሙ ኣሎ።ኣብ ዝቕጽል ካልኣይ ክፋል ንእንድህስሶ ጉዳያት ክትከታተሉ ድማ ኣቐዲምና ንዕድመኩም።

ቅድሚ ምፍልላይና ግን፡ መልእኽትናን መግለጺናን፡ ስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ንምሕጻር፡” ፍ ታሕ ንምምጻእ ይሕግዝ ኢዩ ! ” ብዝብል ቅዱስ ሕልና ነቕርቦ ስለዘለና፤

“ ዝበለጸ መገዲ በዚ ኣሎ !”

“ ዝቀለለ ከምዚ ኣሎ !”

“ እዚ ኣጒዲልኩሙሉ !”

“ እዚ መልኡሉ !”

“ እዚ ተጋጊኹም !”

“ እዚ ኣርሙዎ”ዝብል ርእይቶ ኣሕዋትን ኣሓትን ብምሉእ ቅሩብነት፡ ብኽፉት ልቦና፡ ብደስታ ከም እንቕበሎ እናሓበርና፡

ርእይቶታትኩም ክትልእኩልና ነተባብዕ።

Tesfa Delina Foundation, Inc
Cerritos, California
This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...