መንእሰይ ልኡል ዘውደ ሞጎስ  ካብ ኣባኡ ኣቶ ዘውደ ሞጎስ ኣመናይ ካብ ኣዲኡ ወ/ሮ ብርጭቆ ስብሓት ብዕለት 21 ወርሒ ሸሞንተ 1969ኣብ ኣስመራ ገጀረት ተወሊዱ ። ኣብ 1975 በቲ ኣብ ሃገርና ዝነበረ ኩነታት ምስ ወለዱን ኣሕዋቱን ናብ ዓዶም እንበራዓንዲ ኣውራጃ ኣከለጉዛይ ከዱ። ይኹን እምበር ኩናታት መግዛእቲ እንዳኸፍአ ስለዝመጸ እታ ስድራ'ውን ግዳይ ኣደራዕ መግዛእቲ ስለዝኾነትን ልኡልን ኩሎም ስድርኡን ኣብ ትሕቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ዝነበረ መደበር ተሃድሶ (ዕቑባ ኤርትራዊያን )ኣምርሑ። ኣብ'ቲ መደበር ክሳብ  መወዳእታ 1981 ድሕሪ ምጽናሕ ቀጺሎም  ናብ ሃገር ሱዳን ንሰደት ኣምርሑ። እንተኾነ ስደት በዚ ኣየብቅዔን ። ብነሓሰ 1983 ድማ ናብ ሃገር ኣመሪካ መጹ። መንእሰይ ልኡል ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ድሕሪ ምወድኡ ብዙሕ ጥዕና ኣይረኸበን። ኣብ ስርሓት ጽገና ኣካላት መካይን ማለት (ኣውቶ ባዲ) ስራሕ ጀሚሩ ሂወቱ ክመርሕ ጀመረ።

መንእሰይ ልኡል ትሑትን ምቕሉልን ምስ ኩሉ ተሳንዩ ዝኸይድ ምስጉንን ኣብነታዊ መንእሰይ እዩ ነይሩ። ብዝነበሮ ናይ ስነ ጥበብ፡ ብፍላይ ናይ ሙዚቃ ዝንባለን ክእለትን ንማሕበረሰብ ኤርትራውያን ኣብ ምዝንጋዕ፡ ባህሊ ኣብ ምዕቃብን ልዑል ተራ ኔይርዎ ። ብዝወረዶ ናይ ሓጺር ግዜ ሕማም ኣብ ትሕቲ ሕክምና ክእለ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ሸዊት ዕድሚኡ ብሰንበት 14 ለካቲት 2010 ኣብ ሳንታ ሮዛ ብሞት ተፈልዩ። ልኡል በዓል ሓዳርን ኣቦ 6 ቆልዑን እዩ ነይሩ።

ስነ ስርዓት ቀብሪ፡
ቐዳም 20 ለካቲት 2010 ኮይኑ ፍትሓት ሰዓት 10፡00 ተጀሚሩ ሓመድ ኣዳም ዝለብሰሉ ድማ ሰዓት 12፡00 ክኸውን እዩ።

ፍትሓት ዝካየደሉ ቤተክርስትያን
90 Mountain View AVE, Santa Rosa, CA 95407

ሓመድ ዝለብሰሉ ቦታ
Santa Rosa Memorial Park
1900 Franklin Ave, Santa Rosa, CA. 95404

ኣቃብሩና ይብሉ
በዓልቲ ቤቱ ው/ሮ ጽሃይነሽ ኪዳነን
ስድራ ቤት ንፍስሔር ዘውደ ሞጎስ ኣመናይ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...