ERITREAN SNEET ASSOCIATION

ማሕበር ስኒት ኤርትራውያን ሳንድየጎ

جمعية سنيت الإريترية

ውጽኢት ምይይጥ ደለይቲ ፍትሒ ሳንድየጎን፣ ኣምባሳደር ዓንደብርሃንን

ኣቐዲምና ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ምስ ደለይቲ ፍትሒ ሳንድየጎ ንምርኻብ ዝወሰዶ ተበግሶ ኣዚና ነመስግን። ማሕበር ስኒት ኤርትራውያን ሳንድየጎ ንብድሕሪ ሕጂውን ንኹሎም ውድባትን ሲቪካውን ፖለቲካውን ጽላላትን፣ ህዝባዊ ባይቶታትን፣ ብዘይ ኣፈላላይ እናተቐበለ ክዛተ ድሉው ምዃኑ ንኹሉ ደላይ ፍትሒ ይሕብር። ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝካየድ ቃልሲ ሓድሽ ኣቀራርባን፣ መንፈስን፣ ከም ዘድልዮ ዝተረድአ ማሕበርና፣ ክንዕወት ክንተኣማመን እውን ከምዘድየና ንፈልጥ። ክንተኣማመን ከኣ ብተግብር ብሓደ ምስራሕን ምስምማዕን ከምዘድየና ንቕበል። ኣብ ቋንቋ ትግርኛ ንሰማምዕ ከምቲ ናይ እንግሊዝኛ “ለት’ስ ኣግሪ” (Let’s agree) ማለት ኣይኮነን። እንታይደኣ “ኣነ ዝረቦ ዘለኹ ስምዓዮ፡ ንስኻ ትዛረቦ ዘለኻ ከኣ ክሰምዓካ” ማለት እዩ። መድረኽ መታን እንታይ ከም ዝብሉ ዘለዉ ክንሰምዖም፡ ኣምብሳደር ዓንደብርሃን ወልደግዮርጊስ ንሳንደየጎ መጺአ ምስ ደለይቲ ፍትሒ ክራኸብ ተሓባበሩኒ ዝብል ጠለብ ምስ መጸና፣ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ጉዳይ ንምስልሳል ዘዋደድናያ ትካል “ማሕበር ስኒት ኤርትራውያን” ነዚ ምይይጥ’ዚ ከተሳልጥ ተሰማማዕና። ዝብለና ክንሰምዖ እሞ ንሱ ከኣ ክሰምዓና መታን ኩልና ብሓባር ክንዕወት!!

ንሕና ደለይቲ ፍትሒ ሳንደየዮ ብዉሑዱ ክኽበረልና እንደልዮ ቃልሲ፣ ካብ ቅዋም ንኸይትግበር ዝተግብረ ናይ ዶብ ኵናት 1998 ክሳብ ሕጂ ንመሰል ህዝብና ደው ኢልና፣ ንዝእሰር ዝነበረን ዘሎን ሓረስታይን፣ ተመሃራይን፣ ሰርሕተኛን፣ ኣዴታትን መንእሰያትን፣ጋዜጠኛታትን፣ መራሕቲ ሃይማኖትን፤ ተመራመርትን፣ ሚንስትራት ናይቲ ስርዓት እውን ከይተረፉ ከም ኣባላት ህግደፍ “ሕራይ ገበሮም’” ከይበልና ዓገብ ኢልና ዘእወና ዜጋታት ኢና! ሕጂውን እንተኾነ፣ ዝኾነ ዝተወደበስ ይትረፍ ዘይተወደበ ኣንጻር እዚ እከይ ዝኾነ ስርዓት ክንተሓባበር ወትሩ ድሉዋት ኢና። ማሕበር ስኒት ኤርትራውያን ሳድየጎ ብዝተፈላለየ መልክዕ ውደባታት፣ ንዕስራ ዓመት ዘዋህለሎ ተመክሮታት ኣሎዎ። ብዙሕ ናይ ኣቀላልሳ ሜላታት መስርሕ ስለ ዝሓለፍና ከኣ እቲ ጌጋታት ከይድገም “መድረኽ” ወይ ካልእ ውደባታት ስምዑና ብማለት ዝመስለና ሓሳባት ንክቡር ሓውና ዓንደብርሃን ኣካፊልናዮ ኣሎና። ንሕና ብሓፈሽኡ ከኣ ደምበ ተቓውሞ ብፍላይ ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ዝገበሮ ጌጋታት ክድገም የብሉን እዩ እቲ መልእኽትና!

ኣብ ካስል ድዩ ኣዋሳ፡ ወይስ ናይሮቢ፣ ጉዳይ ሲቪካውን ፖለቲካውን ቃልስታት ተሓናፊጹ፣ ተሓናኺሩ፣ተደራሪቡ፣ ተጎራሪሑ፣ ተፈራሪሑ፣ ተተናዂሉ፣ ተመሳቒሉ፡ ተሰናኺሉ ኣብዚ ሕጂ ዘለናዮ ኩነታት ዘብጸሐ ምኽንያታት ነጺርና ብምፍላጥ፣ መፈላለይኡን መላገቢኡን መፈስላት (ጆይንትስ) ኣለሊና ክንውድኖ ኣዚና ተማሕጺና ኣለና። ኣብ ዝሓለፈ ግዘያት፣ ፖለቲካዊ ውድባት ዝለዓለ ተራ ስለ ዝነበረን ኣብ ልዕሊ ሲቪካዊ ውድባትን፣ ውልቀሰባትን ዘካየድኦ ወገዛን፣ ነጸላን፣ ከሰሳን፣ ኣበሳን ቁጽሪ የብሉን። ሕጂ ከኣ ሲቪካዊ ማሕበራት ፋይናንሳውን፡ ዓቕማውን እጃመን ጎልቢቱ  ኣብ ዘለወሉ ግዜ፣ ካብ ወድባት ዘዘድለየን እናሓረያን፣ እናሰቐላን፣ እናኣውረዳን፣ እናወደባን፣ ኣብ ዝብገሳሉ ዘለዋ ግዜ፣ ተራ ፖለቲካዊ ውድባት እናተሓተ፣ እናተዋሕጠ፣ እናጎበጠ፣ እናተዓብጠን፣ እንተኸይዱ ኣብ ዘይስረሐን ኣእትዩ ዘይድለ ክብደተ-ጾር ወሲኹ፣ ከግድዐንን፣ ክመንሀንን፣ ክገምየንን፣ ክቖጽየንን ስለዝኽእል ብኣጋጢምወን ዘሎ ዕድል ከይተዓሸዋ ሃገራውን ዲሞክራስያውን ረብሓታት ኣቐዲመን ክሰርሓ ተላቢና`ሎና። ብርእይቶና ፖለቲካዊ ውድባት ብንጹር መትከላትን፣ ዕማምን ኣብ ሃገርና ዝኣምናሉ ፖለቲካዊ መርሖ ንምትግባር ዝወዳደራ ሓይልታት እየን። ብመንጽሩ ከኣ ሲቪካዊ ማሕበራት መሰል ህዝብታትና ከይገሃስ ዝከላኸላን፡ ዘስተምህራን ዝጣበቓን ሓይልታት እየን። ኣብ ዘይንቡር ኩነታት ስለዘለና ግን፣ ዕማማት ናይ ክልቲኦም ትካላት ዝመሰቓቐለሉ መድረኽ ኣብ ወጻኢ ኤርትራ ስለ ዘጋጠመ ኣብቲ ዝመሰቓቐለሉ መላግቦ ብጥንቃቐ ክንኣስሮ መድረኽ ይጠልበናዩ። ነዚ ዝኸውን ንብሎ መፍትሒ ድማ እነሆ፡

1.     ብዙሓት ናይ ሓባር መትከላት ዘለወን ውድባት ዝተወሃሃዳን ዝተቐራረባን ኣለዋ። ገናውን ሓደ ፖለቲካዊ መርሖ ዘለወን ክሰምራ ኣብ መስርሕ ዘለዋ ውድባትውን ኣለዋ፡፡ ምፍንጫል መሰረታዊ ናይ ዕላማን መትከልን ፍልልይ ምስዘይህልዎ  ብመጽናዕቲ  ዝዅንን ናይ ሓባር ኣካል ክዋደድ ኣለዎ።

2.    ፖለቲካዊ ውድብ እንተኾይኑ ጽላሉ ምስ ፖለቲካዊ ውድባት እምበር፣ ምስ ስቪካዊ ማሕበራት ከቶ ከምዘይኮነ ምእማንን ኩሉ ዝግበር ጎስጓስ ኣንጻርቲ ስርዓት ግን ምስ ፖለቲካዊ ውድባት ብሓብር ዘጽልሎም ትካል ክህሉ ምእማን።

3.    ንመድረኻዊ ረብሓታት ኢልካ ናይ ፖለቲካዊ ውድብ `ካባኻ` ደርቢኻ ሓድሽ ፖለቲካዊ ካባ ለቢስካ፣ ብደረጃ ውልቀሰብየ ኣብዚ ዘለኹ ምባል ንናይ ፖለቲካ ሰባትስ ሕደግ ንተራ ዜጋታትውን ዘደናግር ስራሕ ኣይኮነን።

4.    ኩለን ሲቪካውን ናይ ሰብኣዊ መሰል ውድባትን፣ ዝሰምራ ሰሚረን ዘይሰምራ ከኣ ፍሉይ ዕማማተን ሒዘን ተወዲበን ናታተን ጥራይ ኮንፈረንስ ብምግባር ምስ ፖለቲካዊ ውድባት ሓንሳብን ንሓዋሩን ዝዛመድሉ ፎርሙላ ኣዳልየን  ብሓባር ተወዲቦም ጸረ ህግደፍ ዝቃለሰሉ ፕላትፎርም ከውጽኡ ምግባር።

5.    ክልቲኣቶም ሓይልታት ብድሕሪ ነናቶም ኮንፈረንሳት ወይ መጋባኣያታት ምግባር፣ ካብ ፖለቲካውን ሲቪካውን ማሕበራት ዝቖመ ቅርጻ ንመላእ ተቓውሞ ሓይልታት ኣንጻር ህግደፍ ሓደ ባይቶኣዊ ጽላል ኣቝሙ ዝመርሕ ትካል ብምእዋጅ ብዘይውዓል ሕደር ናይ ውሽጥን ደገን ህዝብና ደገፍ ከም ዝረክብ ምግባር።

6.    ብዘይካዚ ትካልዚ ክልቲኣቶም ክፍልታት ዝሰማማዕሉ ብሕርያ ኣብ ቃልሲ ሰውራ፡ ብፖለቲካዊ ወይ ካልእ ሲቪካዊ ኣገልግሎት እንተላይ ምሁራት መራሕቲ ሃይማኖት ዝርከብዎ ናይ ስራሕ መምርሒ ኣውጺእካ ናይ ኣማኻሪ ቦርድ ምቛም። እዚ ቦርድዚ ብወገን ክልቲኡ ሸነኻት ዝሰማምዑሉ እምበር ሓደ ሸነኽ ጥራይ ዝመረጾ ክኸውን የብሉን።

7.    ኣብ ጥቅምቲ 20, 2017 ክልቲኡ ሸነኽ ኣዲስ ኣበባን ፍራንክፈርትን ዝግበር መጋብኣያታት ተቓወምቲ ሓይልታት፣ ንቕድሚት ዝጠመተን፣ ዝቋዶን፣ ዝወራረስን፣ (ኣዳፕትብል) ውሳኔታት ሒዙ ክወጽእ ኣጥቢቕና ንምሕጸን። ኣብ ክልቲኡ ሸነኻት ዝካፈሉ ዘለዉ ፖለቲካዊ ውድባት ከኣ ጥንቁቕ ዝኾነ ምውኽኻስ ምስ መራሕቲ ውድባቶም ከም ዘድልዮም ንርኢ። ንምንታይ ኣብዚ ጉዕዞዚ ዝርከብ ሓርፋፍ ንካልእ 2 ዓመታት ኩርኳሕ ክኾነና ስለዝኽእል!!!

 

ምስ ሰናይ ትምኒት!

ዓወት ንውጹዕ ህዝብና!

ዓወት ን20 ጥቅምቲ ኮንፈረንሳት ኣዲስን ፍራንክፈርትን!

 

ማሕበር ስኒት ኤርትራውያን ሳንድየጎ 

ጥቅምቲ 12, 2012

 

 

 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...