መግለጺ ሐዘን በዚ ሕማቅ ተረክቦ

ህልቂት ባሕሪ ሚዲትራንያን

 
በይ -ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ በዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ዘስካሕክሕ ህልቂት ዜጋታትና ዘተሰምዓ  መሪር ሐዘን  እናገለጸ ንግዳያት መንግስተ ሰማያት ንቤተሰብ ግዳያትብፍላይ ንመቅርብን መላእ ህዝቢ ኤርትራን ድማ ጽንዓት ይሃብ ይብል። እዚ ከምዚ ዓይነት ሞትን ወረሞትን ካብ ኤርትራዊ ዜጋ ከይተፈለየ ዓመታት እካ ኣቁጺሩ እንተሃለወ እዚናይ ሎሚ ጃምላዊ ህልቂት ግን ንህልቂት ላምፔዱሳ ዘዛካክረና ኾይኑ ብዓይነቱ ዝዓበየን’ዩ።
 
እዚ መወዳእታ ዘይብሉ ሞትን ህልቂትን’ዚ  ብሰንክቲ ብደም ህዝብና ዝገበለ ስርዓት ዝወርድ ዘሎ መከራ እንተደይ ትደፋኒ መን መጽደፍኒ መንእሰያትና ነታ   ተወሊዶምላ’በር ዘይሐንቀቁላን ዝየስተማቀርዋን ሃገሮም ንድሕሪት ገዲፎም ብሐደገኛ ጉዕዞ ክስደዱን ኣብ ኣብዚ ሓደገኛ ጉዕዞ’ዚ ድማ ኣደዳ  ባሕርን ሳሃራ በደዊንን ይኮኑ ኣለዉ።
 
እዚ ናይ ሎሚ ተረክቦ ሐዘን እንባኣር ደርብ ሐዘን’ዩ። ምክንያቱ ድማ እቶም ኣእላፋት ጀጋኑ ምእንቲ ኣብ ንፈተዋ ሀገርና ብሰላምን ቅሳነት ክነብርበጃ ዝሐለፉ መዓልቲ ዝክሮም 20 ሰነ ኣብ ምዝካር እንቃራረበሉ ዘሎና ሕድሮም ተጠሊሙ  ከምዚ ዓይነት ኣብ ግዜ ባዕዳዊ ገዛኢ እኻ ዘይተራእየን ምዝንታዉ ዘጸግም ህልቂት ኣዴታት ጸጉረን ከይተፈትሔ ብደርሙ የዒንተን ከይጸፈፈ ምስ ንብዓቱ ቁሩብ ሐይሊ ዘረከባ ድማ ካብቲ ሕሱም ምሐደራ ንምህዳም መረብተን ዓጺየን ህጻናተን ሒዘን ክስደዳን ምስ ህጻናተንን  መንእሰያት ደቅንን  የሕዋተንን  ኣብ ባሕሪ ክጥሕሉን ንቡር ሞት ሲኢኖም ትረፍ ሐርገጽን ዓሳን ከም እንስሳ ተዘቂቆም ካብ ባሕሪ ክወጹ ንዓና ኤርትራውያን ይትረፍሲ ንማንም ሕልና ዘለዎ ፍጡር ወዲ ኣዳምውን ዘሰንብድ’ዩ።  ወለዲ ንቡር መርድእ ወሉዳቶም ሲኢኖም ዓሰርተ ሞት ኾይንዎም ሃህ ኢልካ ዘይትበክዮ ሞት ሕጹይ ኣብታ ብጽምዋን ሕሰም መበባብሮን ዝተዋሕጠት ጎጀኦም ንበይኖም ሐዘኖምን ሐሳረ መከረኦምን ይርእዩ ኣለዉ።
 
እዚ ሕድሪ ጀጋኑና ጠሊሙ ንሃገርናን ህዝብናን ኣጽኒቱ ሞቱ ዘይተርፎ ተተርኢሱና ክጠፍእ ትዓቲቁ ዘሎ ግፍዔኛ ስርዓት ሐላይ ህዝቡን ሃገሩን ክመስል ኣብ ቅድሚ ዓለም እካ እንትጭ በርበረ  በትሪ ሐቅስ ትቀጥን’በር ኣይትስበርያ ማስጣ እዞም ንጹሃት ዜጋታት ድማ ሓቀኛ ገጸ  ባህሪ ናቱ ይቃላዕ ኣሎ። 
 
በዚ ኣጋጣሚ ድማ እቲ ብመርማርት ኮምሽን ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ዝወጸ ጸብጻብ ካሕሳ ናይ’ዞም ብክንቱ ዝጠፍኡ ዘለዉ ዜጋታትናን ውጹዕ ህዝብናን እዩ’ሞ ደገፍና ንገልጽ። እቶም ነዚ ህልቂት እዚ እናራኣዩ ንሕና ንሱ ንሱ ንሕና ኢሎም ንሰለማዊ ሰልፊ ናይ ስርዓት ህግደፍ ንምድጋፍ ዝህቅኑ ዘለዉ ኤርትራውያን ድማ ዋላኻ ተምጽእዋ ለውጢ እንትዘይ ሃለወ ንሕልናክምን ንሕልና ህዝብኩምን ክትዕገሱ ንምሕጸን።
 
በዚ ኣጋጣሚ በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ  ንግዳይትን ንመዓልቲ 20 ሰነን  ንዕለት 18/6/ 2016 ኣብ ኦክላንድ ናይ ሽምዓ ዝክሪ ክንገብር መዲብና ሰለ ዘሎና ኩሉ በዚ ሐደጋዚ ዝግደስ ክሳቶፎ ንሕብር።
 
ክብርን ዝክርን ንኩሎም ሰማእታትና !!
ህዝባዊትን ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ብደም ሰማእታታ ክትጥጥዕ’ያ !!

በይ -ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ

14/6/2016
 

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...