ኣባላት “ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ” ሰሜን ኣሜሪካ ነዚ ብሓደ ሸነኽ ጥራይ ተጸዊዑ ዘሎ ጉባኤ ኣይክንሳተፎን ኢና !!!!

ንኣስታት ሽዱሽተ ዓመታት ብጽኑዕ ፖለቲካዊ እምነትን፣ መንፈስን፣ ዉዕዉዕ ሃገራዊ ስምዒትን፣ ብዙሕ ጻዕሪ ዘካየድናሉ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባደለ)፣ ካብ በብግዜኡ ከጋጥሞ ዝጸንሐ ቅልውላዋት ንምውጻእ ኣባላት ባይቶ ሰሜን ኣሜሪካ ብወገና ዝተፈላለየ ተበግሶታትን፣ ጻዕርታትን ብምክያድ ከነሐይሎን ከነደልድሎን ዘካየድናዮ ጻዕርታት፣ ኣቦመንበር ባይቶ፣ መትከላውን፣ ሕጋውን ኣሰራርሓ ብዝጠሓሰ ኣገባብ፣ ኣባላት መሪሕነት ባይቶ ዘይተጸምበርዎ ኢደወነናዊ ስጉምቲ ብምውሳድ፣ ምስ ንባይቶ ኣብዚ ቅልውላው እዚ ዝሸመሞ ኣቦመንበር ኣሰናዳዊት ሽማግለ ብምትሕባብርን፣ ምስ ኣብዝሓ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን (ኤደኪ/ኪዳን) ብምምኽኻርን፣ ንግንቦት 26, 2016፣ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ክግበር ምዃኑ ንህዝቢ ኣወጁ’ሎ።

ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መስከረም 10, 2015 ካብ 18 ኣባላት ኣባላት ባይቶ ሰሜን ኣሜሪካ፣ 13 ኣባላት ዝተሰማምዕሉ ውሳኔ፣ ንሃገራዊ ባይቶ መዋጽኦ ዝበልናዮ ርእይቶ-ሕጂ ህጹጽ ኣኼባ ባይቶ እምበር፣ ሃገራዊ ጉባኤ መፍትሒ ከምዘይኮነ ዝገልጽ ጽሑፍ (*ጥብቆ ተመልከት) ልኣኽና። ንመልእኽትና፣ ዝኾነ ይኹን መልሲ ከይተዋህቦ ድማ፣ ኣብዝሓ ቁጽሪ ኣኪብና ኣለና፣ ክንውስን ከኣ ንኽእል ኢና ብማለት፣ ዝርዝር ኣብዝሓ ዝበሃል ኣስማት ከይተላእከ፣ ኣብ መንጎ ውራይ ናይሮቢ ዝያዳ ዓዚዝዎም ዝጸንሐ፣  ኣቦመንበር ባይቶን፣ ኣቦ መንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለን ዝሃንደስዎ ጉባኤ ንምግባር ይሸባሸቡ ኣለው።

እዚ ኣብ ቦትኡ እናሃለወ ከሎ ከኣ፣ ኣብ ዞባና ምስጢራዊት ዘይንፈልጣ ጉጅለ ብግዱሳት ኤርትራውያን እናተሰምየት ንልዕሊ ሰልስተ ዓመት ዘይሕጋዊ ኣነባብራ ዝጸንሓ ሽማግለ፣ ዕላዊት ተሓጋጋዚት ኣሰናዳዊት ሽማግለ ኮይና ተመዚዛ ብመጋቢት 25, 2016 ጋዜጣዊ መግለጺ ብምውጻእ “ብኤርትራውያን ዝተመወለ” ዝብል ጭርሖ ኣልዒላ ካብ ህዝቢ (ኤርትራውያን ሰሜን ኣሜሪካ) ገንዘብ ከተዋጽእ ወፍሪ ጀሚራ ከምዘላ ርኢና። እዚ ዘንበቡ ብዙሓት ኤርትራውያን እናደወሉ ኩነታት ክሓቱና፣ ንሕና ከኣ ኩነታት ከነብርህን ካብ እንረባረብ፣ ሓደ መግለጺ ኣውጺእና ነቲ ነገር ንምዕጻው መሪጽና’ሎና።

ህዝቢ ኤርትራ ካብ ባይቶታት ኣብ ውሽጢ ኤርትራን፡ ኣብ ደገን ዝቖሙ ትካላት ኣብ መስርሕ ኣይተማህረን ክንብል ኣይንኽእልን። ካብ’ዞም ዘቖምናዮም ባይቶታት ይርባሕ ኣሎ’ዶ? ሕጋዊ ሱታፌኦም/ተርኦምከ ይድለ’ዶ እንተበልና ግን ታሪኽ ንኸይድገም መምሃሪ ክኾኑና ዝኽእሉ ኣብነታት ኣይሰኣኑን ይኾኑ እምበር ራህዋ ዘምጽእሉ ትካላት ኮይኖም ኣይተረኽቡን።  ካብ’ዚ ተማሂርና እውን ብዊንታን፣ ድፍኢትን ኪዳናዊ ሓይልታት ዘይኮነስ ብዝተሓተ መደብዕዮ ዝምራሕ ሓጺር ናይ ስምምዕ ሃገራዊ ቻርተር ዝውንን፣ ዝሰፍሐ ሓይልታት ናይ ህዝብና ዝጥርንፍ፣ ምዕቡል ትካል ክቐውም ንርኢ። ብወገና ኣብዚ ህዝብና ዘለዎ ጽንኩር ኩነታት፡ ንሕናባ ንሳቶም፣ እናበልና ነዐርዮ ዘይብልና ክንዋጠጥ፣ ሞራል ህዝብና ዘዳኽም ጌርና ስለ ዝረኣናዮ ብሕጽር ዝበለ መግለጺ፡ እዚ ንፈጻሚት ሽማግልኡን፣ ኣብዝሓ ተሳተፍቲ ጉባኤን፣ ሲቪክ ማሕበራትን፣ ወከልቲ ህዝብን፣ 7 ፖለቲካዊ ውድባትን ዘዋሰነ ሰሚናር መጋቢት 5 , 2016ን፣ ከምኡውን ክግበር ዝበሃል ዘሎ፣ ምናልባት’ውን ኪዳን ፊን ከምዘበሎም፣ ዝቕይርዎን፣ ናይ ግንቦት 26, 2016 ሃገራዊ ጉባኤን፣ ንዓና ዘዋሰነን፣ በሓትን፣ ዘይመትከላውን፣ ዘይሕጋውን ጉባኤ ስለ ዝኾነ ክንሳተፎ ከምዘይኮንና ንህዝቢ ብዕሊ ነፍልጥ።

ዓወት ንደሞክራሲያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ

ዝኽርን ክብርን ንስዉኣት

ኣባላት ኤሃባደለ ሰሜን ኣመሪካ

መጋቢት 29, 2016

ክታም ኣባላት ባይቶ-ኤሃባደለ-ሰሜን ኣሜሪካ

1.      ካሕሳይ ጉፍላ

2.    ተኽላይ ኣብርሃ

3.    ሃይለማርያም ተስፋይ

4.    ክፍለዝጊ ገብረመድህን

5.    መንግስትኣብ ተስፋ

6.    ኢሳቕ የሕደጎ

7.    ልዑል ዘውደ

8.    መሓመድኑር ደጎል

9.    ገብረህይወት ተወልደብርሃን


*ጥብቆ መወከሲ ሰነድ

መስከረም 10, 2015 ካብ ሰሜን ኣመሪካ ንኣቦ መንበርን ኣባላት ባይቶን ዝተላእከ ሰነድ ኣብ ታሕቲ ኣንብብ

 

 

ኤሃባደለ-ሰኣ-መርገጽና ኣብ ህልዊ ኩነታት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ

 

ኣብ መጨረሽታ 2011 ዝተመስረተ ኩሉ ደላይ ለውጢ ዝበሃጎን ንምዕዋቱ ኩሉ ዝተገብረሉን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ብሰንክቲ ኣብ ውሽጡ ክካየድ ዝጸንሐ ናይ መን ዓብለለ ህንጡይ ኣካይዳ ኣብዚ ሕጂ በጺሕዎ ዘሎ ደውታ ኣትዩ ከምዘሎ ዕግበትና እዩ። ሕጂውን እንተኾነ እቲ ግርጭት ኣብ መንጎ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን፣ ኣሰናዳኢት ሽማግለን፣ ተባሂሉ እኳ ይገለጽ እምበር እቲ ቀንዲ ግርጭት እቲ ባይቶ ካብ መጀምርትኡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዕንክሊል ከእትዎ ዝጸንሐ ኩነታት ዘይተቐየረ ምዃኑ ኢና ንግንዘብ። ብዛዕባዚ ኣብ ዝርዝር ምእታው እውን ንሕጂ ጠቓሚ ኮይኑ ኣይስምዓናን። ይኹን እምበር እቲ ግርጭት ኣብ መንጎ ኣሰናዳኢት ሽማግለን፣ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን ተባሂሉ ጥራሕ ከይሕጸር ስለ ዝመረጽና ኢና። ስለዝኾነ ድማ ሕጂውን ሓንሳብን ንመጨረሽታን ግዜ ይሓይሽ ዝበልናዮ ኩሉ ጌርና ነቲ ኩልና ዝበሃግናዮ ባይቶ ንክድሕን ካብ ዘለና ድሌት እነሆ እዚ ዝስዕብ ሓሳባት ነቕርብ።

  1. ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ኤሃባደለ ኣብ 2013 መጨረሽታ ክተኣናገድ ዝግበኦ እነሆ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት እውን ክጋባእ ኣይከኣለን። ስለዚ ንኹላትና ኣባላት ባይቶ ከነዐውቶ እንደሊ ፖለቲካዊ ዕላማታት ገና ህያው ስለ ዝኾነ ደኣ እምበር ብሕጋዊ ሸነኻቱ ካብቲ ሕገ-ህንጻና ዘፍቅዶ ስለ ዝወጻእና ሕጋውነት መሰረት ጌርጋ ኣብ ክመጽእ ዝኽእል ፍታሕ ኣይንርእን።

  2. ነቲ ኩላትና ዘጽደቕናዮን ብኡ ንኽንምእዘዝ ዝተሰማማዕናሉን ሕጊ፣ እቲ ንኹላትና ዝጠምረና ፖለቲካዊ እምነትና ስለ ዝኾነ ሕጂውን ባይቶ ይኹን ከም ባይቶ ዝኣመሰለ ምጥራናፋት ኩሉ ግዜ ክቕጽሉ፡ ክሕደሱ ወይ ተፈንጢሖም ከም ብሓድሽ ክስርሑ ዝኽእሉ ምዃኖም እውን እምነትና እዩ።

  3. ባይቶ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ምውጣጥ ኣትዩ ኣብ መንጎ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን፣ ኣብ መንጎ ኣሰናዳእቲ ሽመግለን ጥራሕ ኣተኲርና ግዚያዊ ፍታሕ እንተረኸብና እውን እቲ ብድሕሪኡ ዘሎ ቀንዲ ሽግር ስለ ዘይፍታሕ ቁሩብ ጽንሕ ኢልና ኣብ ካልእ ሕብሩ ቀይሩ ዝመጽእ ግርጭት ክንኣቱ ምዃንና ዘጠራጥር ኣይኮነን። ስለዚ ኣብቲ ብሓንሳብ ክንከይድ ንኽእልዶ ወይስ ኣይንኽእልን ዝብል መሰረታዊ ፍታሕ ኣድሂብና ክንሰርሕ ኣለና ንብል።

  4. ነዚ ዝተባህለ መሰረታዊ ጸገምና መሰረታዊ ፍታሕ ክንረኽበሉ እንተኾይኑ ተብተብ እናበልካ ጉባኤ ምግባር ኣይኮነን ዘዋጽእ ንብል። ጉባኤ ኣቐዲምካ ዝዘራእካዮ እትሓፍሰሉ ዓውዲ ጥራሕ እዩ። ክሳብ ሕጂ ግን ኣግላሊ ዝኾነ ተርእዮታት ኢዩ ነጊሱ ጸኒሑ። ከምዚ ኢልና ኣብ ጉባኤ እንተኣቲና ድማ ኣብ እዉጅ ምፍንጫል እምበር ድሕሪ ሕጂ እቲ ሓደ ሸነኽ በቲ ናይቲ ካልእ ሸነኽ ጸቕጢ ርዒሙ ክኸደሉ ዝኽእል ኩነታት የለን።

  5. ስለ ዝኾነ ድማ ባይቶ ህይወት ዘሪኡ ኣብ ጎደና ደሞክራስያዊ ለውጢ ኣስተዋጽኦ መታን ክገብር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን ኣሰናዳኢት ሽማግለን መሪሕነት ባይቶን ኣብ ዝተሰማምዑሉ ጊዜ ባይቶ ተኣኪቡ፣ ብሓደ ክንቅጽል ንኽእል ምዃንና ድሕሪ ምትእምማን፣ ናይ ኩሎም ተሻረኽቲ መሰላት ብዘይግህስ መንገድን፣ ኣብ ባይቶ ንዘይተጠርነፉ ፖለቲካውን ህዝባውን ሓይልታት ዘተኣናግድ ምዃኑ ዘረጋግጽን፣ ምእንቲ ሓባራዊ ዕላማ ተሳኒና ንኸደሉ ኩነታት ክፍጠር ቅድመ ተደላይነት ምዃኑ ንርኢ።

ካብዚ ወጻኢ፣ እዚ ዝኸይድ ዘሎ ናይ መንሰዓረ ህልኽን ናይ ኤለክትሮኒክ ኲናት ሓድሕድን፣ ብተዘዋዋሪ ናይ ህግደፍ ዕምሪ ዘናውሕ፣ ንዓና ከኣ ኣብታ ውዒላ ሓዲራ እትትከል ደሞክራሲያዊት ኤርትራ ሽግርና ብቐሊሉ ንኸይፍታሕ ዝገብር ኣካይዳ ጥራሕ እዩ ኢልና ንኣምን። ጸገም ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ሕጂውን እንተኾነ ካብ ዘዝለመድናዮ ጸቢብ ዓንኬላት ወጺእና ክንሓስብ እንተጀሚርና ጥራይ እዩ ክፍታሕ ዝኽእል ኢልና ንኣምን።

 

ዓወት ንደሞክራሲያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ

ዝኽርን ክብርን ንስዉኣትና

ኣባላት ኤሃባደለ ሰሜን ኣመሪካ

መስከረም 10, 2015


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...