መጭወይቲ ሓርበኛ ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም፡
መቐጸልታ ዝሓለፈን መርኣያን ገባቲ ባህርያት ስርዓት ህግደፍ እዩ።

ጸረ ህዝብን ጸረ ዲሞክራስን ገባቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ሜዳ እንከሎ ዝተሰበሎ ናይ ምብሓት ሕማም፡ ኣብ ጽባሕ ሓርነት’ውን ‘’ናይ ውድባት ሓሸውየ ብፍጹም ኣይፍቀድን እዩ፤ ብስም ውድባት ምጥቛስ ከም ወንጀል እዩ ዝቑጸር’’ ብዝብል ኣዋጅ ኣሐዲሱ፡ ፖሎቲካዊ ስልጣን ሃገር ብዘይተወዳዳሪ ንምግባት ንብዙሕነታውን ሕብረ-ፖሎቲካውን ክውንነት ሃገርና ብምጽራር፡ ንፖሎቲካ ውድባት ብሓፈሻ፡ ንላዕለዎት መራሕትን ካድራትን ድማ ብፍላይ፡ ንምጭዋይን ንምቕጻልን ስርሐይ ኢሉ ከምዝተታሓሓዞ ኩሉ ዝፈልጦ እዩ። ከም ውጽኢት ናይ’ዚ፡ ካብ ጽባሕ ሓርነት ጀሚሩ፡ ኣብ ሃገርና ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምምዝጋብ ዝቃለሱ፡ ኣብ ሱዳን ይኹን ኢትዮጵያ ዝነብሩ መራሕትን ካድራትን ዝተፈላለያ ተቓወምቲ  ውድባት፡ ብሰለልትን ናይ ቅንጸላ ጉጅለታትን ህግደፍ እናተሃደኑ፡ ዝተሰውኡን ዝተጨወዩን  ምህላዎም ዝርሳዕ ኣይኮነን።

ከም ኣብነት፡- ኣብ ጽባሕ ነጻነት ኤርትራ፡ ካብ ሃገረ ሱዳን(ከሰላ) ሓርበኛታት ተጋደልትን መራሕትን ተኽለብርሃን ገብረጻድቕን(ወዲ ባሻይን) ባህልብን ኣባላት መሪሕነት ተሓኤ ሰ-ባይቶ፡ ከምኡ’ውን ብለካቲት 1997 ተጋዳላይ ገብረብርሃን ዘርአ፡ ኣቦ-መንበር ደምሓኤ ካብ ኢትዮጵያ ከተማ ሑሞራ ተጨውዮም ኣበይ ከምዝነጠቡ ኣይተፈለጡን ዘለዉ። ተጋዳላይ ዘርካርያስ ንጉሰ ምክትል ኣቦ-መንበርን ሓላፊ ዜናን ፕሮፖጋንዳን ደምሓኤ ድማ፡ ብቅንጸላ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ ደሴ፡ ብ31 ነሓሰ 1996 ከም ዝተሰወአ ዝፍለጥ እዩ። ብተመሳሳሊ ብርክት ዝበሉ ካድራት ፖሎቲካዊ ውድባትን፡ ንጹሃት ሰላማውያን ዜጋታት ኤርትራውያን ግዳይ ቅንጸላን መጭወይትን ቶታሊታርያዊ ስርዓት ህግደፍ ከምዝኾኑ፡ ንሓንቲ ካልኢት’ውን እንዝንግዖ ኣይኮነን። ብ4 ለካቲት 2012 ካብ ሃገራ ናብ ስደት ክትሰግር እንከላ፡ ብሸውዓተ ጠያይቲ ኣሃዱታት ቅንጸላ ህግደፍ ዝተበሳሰዐት ራሄል በራኺ ድማ ናይ ቀረባ ተዘክሮና እዩ።

ቶታሊታርያዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ብሓደ ሸነኽ፡ ንህልውና ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ፡ ብጻልጣ ሓሶት እናከሓደ፡ በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ፡ ናይ ጽባሕ ሓደጋ ክኾኑኒ ይኽእሉ እዮም ዝብሎም ፖሎቲካዊ ውድባትን መራሕተንን ንምጭዋይን ንምቕንጻልን፡ ሰለም ከየበለ ክዋፈረሉ ዝጸንሐን ክሳብ ዕለተ-ሞቱ ድማ፡ ፈጺሙ ዘይሓዊ መግለጺ መንነቱ እዩ። ቶታሊታርያዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ዓሚቕ ፖሎቲካዊ ቅልውላው ጥሒሉ ዘሎ ጸረ ህዝቢ ፖሎቲካዊ ስልጣኑ ንምቕናይ፡ ናብ ሃገረ ሱዳን፡ ሰፊሕ ናይ ስለላን ቅንጸላን ጉጀለታት ኣዋፊሩ ላዕልን ታሕትን ኣብ ዝብለሉ ዘሎ እዋን፡ ሓርበኛ ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም፡ ኣባል ማ/ባይቶ ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ(ሰደህኤ) ብ14 ለካቲት 2012 ዓ.ም. ካብ ሱዳን(ከተማ ከሰላ) ተጨውዩ ደሃዩ ከምዝጠፍአ ተፈሊጡ ኣሎ።

ዕድመ ንእስነቱ ሙሉእ፡  ንሃገራዊ ነጻነት ዝተበጀወ፡ ብዘይ ዕረፍቲ ድማ፡ ኣብ ሃገርና ሰላምን ዲሞክራስን ንምስፋን ክቃለስ ዝጸንሐ ሓርበኛ ተጋዳላይን መራሕን መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም፡ ብዘይ ሓሰቦ ሃለዋቱ ምጥፍኡ ዝተሰማዓና መሪር ጓሂ እናገለጽና፡ እዚ መጭወይቲ’ዚ ካብ ቶታሊታርያዊ ስርዓት ህግደፍ ወጻኢ ካልእ ተሓታቲ ከምዘይብሉ ዘሎና እምነት ነረጋግጽ። ጻማ ስዉኣትናን በብእዋኑ ተጨውዮም ኣብ ጋህስታትን ኮንተይነራትን ተዳጕኖም ዝበልዩ ዘለዉ ሓርበኛታት፡- መራሕቲ፣ ካድራትን ኣባላትን ፖሎቲካዊ ውድባትና፡ ቶታሊታርያዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብምውጋድ ኣብ ሃገርና ሕብረ-ሰልፋዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ብምትካል ዝድበስ ብምዃኑ፡ መርበብ ስለላን ቅንጸላን ህግደፍ ብዝተወሃሃደ ዓቕምና እናመከትና፡ ዲሞክራስያዊ ቃልስና ንምዕዋት፡ ብጽንዓትን ብተወፋይነትን ክንቕጽሎ ንጽውዕ።

ዝኽርን ክብርና ንጀጋኑ ስዉኣትና!!

ፈጻሚ ኣካል ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር(ኤደግ)
24 ለካቲት 2012 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...