ብዕለት 11-02-2012 ኣብ ፍራንክፈርት ኣኼባ ጨንፈር ኤህም ጀርመን ብዉዕውዕ ክትዕን ምርድዳእን ተፈጺሙ። እቲ ካብ ሰዓት 13፡00 ክሳብ ሰዓት 18፡00 ንኣስታት 5 ሰዓታት ዝተኻየደ ኣኼባ ኣብ ህሉው ኩነታት ውድብን ጨንፈርን ብመሰረት ዝሰረዖ ኣጀንዳ ሰፊሕ ክትዓት ድሕሪ ምክያድ ኣብ ርጡብ መደምደምታ በጺሑ።

ብምቕጻል ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ንምስዓር ሓድነትን ምትሕብባር ምሕያልን ደንበ ተቓውሞ ይጽናሓለይ ዘይብሃሎ እዋናዊ ጠለብ ሙዃኑ ኣስሚሩሉ።

እቲ ዝጥለብ ዘሎ ሓድነትን ስምረትን ብኹሉ ወገን ዕቱብ ጻዕርን ተወፋይነትን ዝሓትት ኮይኑ ብግሉጽን ኩሎም መራሕትን መሰረታትን ብናይ ሓባር ምርድዳእን ክፉት ናይ ኣርኣእያ ሓድነትን ዝኸድዎን ሓባራዊ ርድኢትን ዝዓሰሎ ክኸውን ከምዝግባእን ከምዘለዎን  ብሰፊሑ ተረዳዲእሉ።

ብሸነኽ ውድብናን ጨንፈርናን ሓድነት ንምምጻእ ኩሉ ጊዜ ምስ ተጻዕረ ኢዩ። እቲ ክሳብ ሕጂ ዝተኻየደ ጻዕርታትን በጺሕዎ ዘሎ ምዕባሌን ተራ ጨንፈርና ድሙቕ ምንባሩ ብምግላጽ ዝበዝሑ ናይ ዝተኻየደ ጻዕርን ዘተን ኣባላት ናይ`ዚ ጨንፈር ምንባሮም  ዘካትዕ ኣይነበረን።  እቲ ክሳብ ሕጂ ዝተጻዕረሉ ኣብ ቦትኡ እንዳሃለወ ነቲ ተሪፉ ዘሎ ዕማማት ኣብ`ቲ ዝድለ ሽቶኡ ንምብጻሕ ውድባውን ቅዋማውን ፕሮግራማውን መሰረት ብምግባር ነቲ ተታሒዙ ዝነበረ ጉዳይ ሓድነት ኣብቲ ናይ መጨረስታ ሽቶኡ ኣብ ክንዲ ምብጻሕ ቅዋም ውድብ ብምጥሓስን ነቶም ተዛትዮም ኣብ ዝልዓለ ጠርዙ ዘብጽሑ ተዛተይትን መሰረታትን ከየፍለጥካ ብጎቦን ጓል መንገድን ከድካ ነቲ ጽቡቕ ኣንፈት ሒዙ ዝነበረ ፡ ውልቀ ዝናኻ ንምሩጓድ ክትጥቀመሉ ምፍታን ግን ካብ ግልጻውን ቅዋማውን ኣገባብ ስለ ዘውጽእ መጀመርያ እቲ ዝተቐላቐለ ውሽጣዊ ውድባዊ ጸገም  ክትፈትሕ ከምዝግባእ ብድሙቕ ተዘትይሉ።

ውሽጥኻ ጸሪኻን ኣብ ቅዋምን መትከልን ተሞርኩስካ እትገብሮ ጉዕዞ ስምረት ዝያዳ ከምዘድምዕን፡ ንርእስኻ ሓድነትካ ከየደደልካ ምስ ካልኦት  ክትሓብር ምፍታን ክልተ ዘይሰማምዑ ተገራጨውቲ ስለ ዝኾኑ  ውሽጣዊ ሽግራትና ቅድም ንፍታሕ ማለት ኣንጻር ሓድነት ከምዘየስምዕ ግልጺ ሙዃኑ  ኩሉ ኣኼበይና ተሰማሚዕሉ።

ኣኼባ ጨንፈር ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንህሉው ኩነታት ቃልስናን ሃገርናን ብዕምቆት ድሕሪ ምርኣይ፡ እቲ ኣብ መወዳእታ  ዓመተ 2011 ኣብ ኣዋሳ  ዝተጋበኤ ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ሙሉእ ደገፉ እናገለጸ፡ ጉዕዞ ቃልስና ናብ ዝለዓለ ጥርዙ መታን ክድይብ ናብ ውሽጢ ክልሑኽን ኩሉ ሕርኽርኽ ዝብል ስም ዒታትን ንረብሓ ህዝብናን ሃገርናን ስለዘይጠቅም ንታሪኽ ሓዲግና፡ ሃየ ነዚ ህዝብና ዘሳቒ ሕማም መንደዓት ኮይኑ ዘሎ ስርዓት ኣብ ምዕናው ቀዳምነት ብምሃብ ንሃገራዊ ባይቶና ክንህቦ ዝግባእ ደገፍን ሃገራዊ ዛዕባታት ከልዕልን ናይ ኩላትና ግደን ሓላፍነትን ብምዃኑ፡ ሕጂ‘ውን ብዝተወደበን ዝቐልጠፈን ዝላ ንቕድሚት።


ግዝኣተ ሕጊ ይንገስ!
ዝኽሪ ንሰማእታትና

ኤ.ህ.ም ጨንፈር ጀርመን።
24/02/2012

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...