ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ሰሜን ኣሜሪካ ድሕር’ቲ ካብ 21-30 ሕዳር 2011 ዝተኻየደ ሃገራዊ ጉባኤ ካብ ዝውዳእ ኣትሒዞም ንህዝቢ መግለጺታት ክንህብ እኳ እንተጸናሕና፡ ንሸውሃትን ህንጢትን ህዝብና ኣዕጋቢ ይኸውን ከምዘይነበረ ግን ብህዝብን ፈተውቲ መራኸቢ            ሓበሬታታን ተገንዚብናዮ’ሎና። እዚ ድማ ስራሓትና ብስሉጥን ህዝባውን ብዝኾነ ቅርጻ ንምስራዕ ፈጻሚት ሽማግለን፡ ባይቶን ዞባን ጽዑቕ መጽናዕትታትን ምውኽኻሳትን ክግብር ስለ ዝጸንሐ ኢዩ።

እዚ ክግበር እንከሎ ግን “እቲ ህዝቢ’ውን እንታይ ይግበር ከምዘሎ ክትሕብሩ ኔርኩም” ዝብል ስክፍታታትኩም ከኣ ቅኑዕ ምዃኑን ንዝመጽእ ግዜ ድማ እዋናዊ ዝኾነ ሓበሬታ ብምሃብ ክንእርሞ ምዃናን ከነፍልጠኩም ንደሊ። ኣብዚ ሎሚ ሰንበት 5, የካቲት 2012 ብኣባላት ፈጻሚት ሽማግለ  ኣቶ ተወልደ ሃብተሚካኤልን ኣቶ ካሕሳይ ጉፍላን ዝተማእከለ ኣኼባ’ዚ፡ ባይቶ ሰሜን ኣሜሪካ ብደሞክራስያዊ መንገዲ መሪሕነቱ መሪሕነቱ በዚ ዝስዕብ ዝርዝር ኣቝሙ ከምዘሎ ክንሕብር ንፈቱ።

1.    ዶር. ኣፈወርቂ ጳውሎስ    ኣቦ መንበር
2.    ፈውዝያ ሓሰን        ም/ኣቦ መንበር
3.    ሃይለማርያም ተስፋይ        ዋና ጸሓፊ
4.    መሓመድ ኑር ደጎል        ዋና ጸሓፊ
5.    ክፍለዝጊ ገብረመድህን    ሓላፊ ምምሕዳራውን ፋይናንሳውን ጉዳያት
6.    ኣማንኤል ሕድራት        ሓላፊ ወጻኢ ጉዳያት
7.    ወልደየሱስ ዓንደማርያም     ሓላፊ ጉዳያት ሜድያን ሓበሬታን
8.    ተኽላይ ኣብርሃ        ሓላፊ ህዝባውን ማሕበራውን ጉዳያት
9.    ኣበባ ኣብርሃ        ሓላፊት ጉዳያት ደቀንስትዮ
10.    ተስፋጋብር ኣጽብሃ        ሓላፊ ጉዳያት መንእሰያት


እቶም ኣብ ታሕቲ ኣስማቶም ተዘርዚሮም ዘለዉ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ሰሜን ኣሜሪካ፡

11. ጀሚል ኣማን           15. ሰሚራ ሳልሕ          19. ገብረህይወት ተወልደብርሃን

12. ወልዱ ገብራይ          16. ህይወት ዮሃንስ        20.  ሱለይማን ዑንቱራ

13. ተስፋጋብር ኣብርሃ      17. መሓመድ ሳልሕ መጃውራይ

14. ኢሳቕ የሕደጎ            18. መንግስ ምሕረታብኣብ  21.  ህይወት ገብረሚካኤል

ከኣ ኣብተን ኣብ ላዕሊ ተጠቒሰን ዘለዋ ቤት ጽሕፈታት ሽማግለታት ተዘርጊሖም ክሰርሑ ምዃኖምን፡  ካብ’ዚ ንድሕሪት ከኣ ኩለን ቤት  ጽሕፈታታትን ሽማግለታተንን ብሓባር ንመላእ ሰሜን ኣሜሪካ ብምውፋር ኣኣብ ዓዱ ናይ ባይቶ ሽማግለታት ኣቝሞም ናብ ውሽጢ ዘሎ ተቓላሳይ ህዝብና ወኒ ብዘለዓዕል መንገዲ ክሰርሑ ምዃኖም ንህዝቢ ንሕብር።

ዓወትን ራህዋን ንውጹዕ ህዝብና!!

ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ባይቶ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...