ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ጨካንን ፈታው ውግእን ምስጢረኛን አመራርሐ ብቕዓት ዝጎደሎን ብልሽውና ዘጥቆዖን: ወዘተ  ተባሂሉ አብዓለም ይንቀፍ¬:: ስለዝኾነ ድማ አብልዕሊ እቲ መንግስቲ ጸቕጥን ወቐሳን ክቕጽል እዩ ዝድፋአሉ:: ግን ንበይኑ'ዚ እኹል አይከውንን:: ማለት መራሕቲ ተቓወምቲ ሐይልታት'ውን ብወገኖም ብርኽ ዝበለ ናይ አመራርሓ ብቕዓት ግሉጹነት ስጡምነትን ጻዕረኛነትን ተጻዋርነትን ከምኡው'ን ህዝባዊ ረብሐ ልዕሊ ውድባውን ውልቃዊ ረብሐን ምግባር ወዘተ ብተግባር ከርእዩ ይግባእ:: ቅድሚ ናብ ካልእ ጉዳያት ምእታዉ መጀማርታ ብዛዕባ'ዚ አብላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ እንታይ ርኢቶ ከምዘለዎ ጋዜጠኛ ምክኤል አብርሃ ንኤዲኪ አቦ መንበር ሕቶ አቕሪቡሉ -

አቶ ተወልደ ገብረስላሰ:  ሓው ምክኤል: ብቐዳምነት ብዛዕባ ሃገራዊ ጉዳያትና ኣመልኪትካ ምሳኻ ቃለ መሓትት ክገብር ንዝገበርካለይ ዕድመ ከመስግነካ እፈቱ። ብምቕጻል ኣብተን ዘቕረብካለይ ርኢይቶታትን ሕቶታትን ብሕጽር ዝበለ ከምዚ ዝስዕብ ክምልስ።

ብመጀመርታ ብዛዕባ ባህሪ ስርዓት ህግደፍ ከምቲ ዝበልካዮ ኮይኑ ብዛዕባ መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ እውን ብልዑል ናይ ኣመራርሓ መዐቀኒታት ናይ ግሉጽነት ጥምረትን ፡ልዑል ተወፋይነት፡ ተጻዋርነትን ናይ ህዝቢ ድሌት ልዕሊ ናይ ስነ ሓሳብን ውልቃዊ ረብሓታትን ንምቕዳም ቅሩባት ክኾኑ ይህልዎም ኣብዚ ሓሳባትካ እንታይ እዩ? ዝበልካዮ ብሕጽር ዝበለ መልሰይ ከምዚ ዝስዕብ ይኸውን፡-

 ከም ኣምርን እምነትን ክኸውን ዘለዎ ደሞክራስያዊ ናይ ኣሰራርሓ መርሆን እቲ ዝበልካዮ ትኽክል እዩ ባህሪ ናይ ኣመራርሓ ከምኡ እዩ ክኸውን ዝህልዎ። ኣብ  ጭቡጥ  ወድዓዊ ኩነታት ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ድማ እዞም ዝጠቐስካዮም ረቋሕታት ተግባራውነቶም ከመይ እዮም ዝግለጹ ብሓፈሻዊ ኣገባብ ጥቕልል ብዝበለ መልሲ ዝሓትት ኮይኑ እዩ ዝስማዓኒ፡-

መጀመርታ ኣመራርሓ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ይኹን ናይ ካልእ ሃገር ካብቲ ናይቲ ህዝቢ ቃልሲ ካብቲ ጭቡጥ ወድዓዊ ኩነታት ናይቲ ዝካየድ ተጋድሎ /ሰውራ/ ደረጃ በጺሕዎ ዘሎ ምዕባሌን ድሕረ ባይታን ንዕኡ ዝጻወር በዓል ቤታዊ ክውንነት ኣብኡ ዝፍጠሩ ወይ ዝመጹ እዮም። ብርግጽ ኣመራርሓታት ከም ውልቀ ሰባት ኣብ ምምራሕ ብውልቀን ብሓባርን ናቶም ኣገዳሲ ተራ ዘለዎም ይኹኑ ደኣ እምበር እቲ ወሳኒ እቲ ኣብ ቃልሲ ልዑል ተራ ዝጻወት እቲ ሓፋሽ እዩ።

ናይ ብዙሓት መሪሕነታት ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ይኹን እቲ ሎሚ ስርዓት ህግደፍ ጭው ዝበለ ጸረ ህዝብን ጸረ ደሞክራስን ምልካዊ ጨፍጫፊ ስርዓት ኮይኑ ድሕረ ባይታ ተመኩሮ ታሪኽ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ምስ እንርኢ መስርሕ ጸረ-ባዕዳዊ ሓርበኛዊ ቃልሲ ሓያል ጽንዓትን ተወፋይነትን ጅግንነታዊ መስዋእትን ዝሓተተን ዝተኸፍሎን ህዝባዊ ድሞክራስያዊ ሰውራ ይኹን ደኣ እምበር ኣብ ውሽጣዊ ባህሪ ንውሽጣዊ ሓድነትን ደሞክራስያዊ ናይ ኣሰራርሓ መርሆን ንዕኡ ተገዛኢ ኮይኑ ናይ ምጽዋርን ምክእኣልን ከከም ዓቕምኻን ክእለትካን ተሓጋጊዝካ ናይ ሓባር ጸላኢ ንምውጋድ ብሓባር ብውህደት ምቅላስ ብተግባር ዝተረጋገጸ ኣይነበረን። በኣንጻሩ እቲ ናይ ምንጽጻግን ዘይሃናጺ ውድድራትን ሜዳ ኤርትራ መን በሓተ ናይ ስልጣን ቁሩቁሳትን ቅንጸላታትን ኲናት ሓድሕድን ሓደ መርኣያ ናይቲ ሕቶ ሓድነትን ሕቶ ፖለቲካዊ ደሞክራስን ኣብ ገድሊ ኤርትራ ብልዕልና  ዘይተረጋገጸሉን ወድዕነት ምንባሩ ዘመላኽት ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ ድሕረ ባይታ ተጋድሎና እዚ ምኻኑ ብቐዳምነት ምቕማጥ የድሊ እብል። እቲ ናይ ሎሚ ስርዓት ህግደፍ ኣብ መስርሕ ጸረ-ባዕዳዊ ተጋድሎ ጸረ-መግዛእቲ ጅግንነታዊ ሓርበኛዊ ተጋድሎ ዘካየደ ሓርበኛዊ ሃገራዊ ውድብ ይኹን ደኣ እምበር ንውሽጣዊ ኣሰራርሓን ባህልን እቲ ውድብ ክንርኢ እንከለና ግና ደሞክራስያዊ ውድብ ኣይነበረን። ብትምክሕቲ ዝተላዕጠጠ ጃንዳ ዝመርሖ ጸረ_ደሞክራስን ጸረ-ሓድነትን እዩ ነይሩ።

ድሕሪ ምርግጋጽ ናጽነት ኤርትራ ከኣ እቲ ኣብ መስርሕ ጸረ-ባዕዳዊ ተጋድሎ ዝነበሮ ሓርበኛዊ ተርኡ ተጸንቂቑ ናብ ጸረ_ህዝብን ጸረ-ደሞክራስን እስትራተጂካዊ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ እዩ ተሰጋጊሩ። ስለዚ እዚ ንዓና ከም ውድብ ደግሓኤ ሓድሽ ኣይነበረን። ካብዚ ወጻኢ ካልእ ክኸውን እውን ትጽቢት ኣይነበረናን። ኣቐዲሙ ገምጋምና ኣብ ልዕሊ እዚ ውድብ ከምኡ ስለዘይነበረ። ብሓሳብ ጥራይ ዘይኮነስ ብተግባር ከም ውድብ እውን ምስ እዚ ሓይሊ እዚ ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ መስርሕ ጸረ-ባዕዳዊ ተጋድሎ ተ.ሓ.ኤ.ማ.መ ሳግም ተቐራሪቡን ተወሃሂዱን /ተላፊኑ/ ጸረ-ባዕዳዊ መግዛእቲ ሓቢርና ክንቃለስ ካብ ዝጸዓረ ሓደ ውድብና ይኹን ደኣ እምበር ብሰንኪ እዚ ባህሪኡ እዚ ክሰምር ዘይከኣለ ተመኩሮ እውን ካብ ዝተመኮርናዮ ሓደ ኣብነት እዩ።

እዚ ባይታ ሰውራ ኤርትራ  እዚ እቲ ኣብ ቃልሲ ዝቐጸለ ደንበ ተቓውሞ ይኹን ድሒሩ ኣብ መስርሕ እናተወልደን  እናዓበየን ዝመጸ ዓቕምታት ቃልሲ ህዝብና ዝኾነ ደንበ ተቓውሞ  ኣብ ልዕሊ ዝተሓተ ናይ ዝሓለፈ ተመኩሮ ኣሰራት በቢግዜኡ ድረጃ ብደረጃ ሓቢርካ ተጸዋዊርካ ኣብ ክሊ ሓደ ስሙር ሃገራዊ ግንባር  ናይ ምስራሕ ባህሪ ምምሕያሻት ዝተራእየሉ ወድዕነትይኹን ደኣ እምበር እቲ ናይ ምንጽጻግን ዘይሃናጺ ውድድራትን ምጽልላማትን ብወግዓዊ ይኹን ዘይወግዓዊ መንገድታት መሊኡ ዝተወገደ ኣይኮነን። ከም ኣተሓሳስባን ተግባርን እውን ንሕቶ ሓድነትን ሕቶ ፖለቲካዊ ደሞክራስን ዓንቀፍቲ ዝኾኑ ናይ ትምክሕትን ጽበትን ኣብ ድሕረት ዝተሸኽለ ኣሰራርሓታትን ጌና ህያው ዘሎ ኮይኑ ንምእላዩ ምፍታን ቀጻሊ ዘይሕለል ደሞክራስያዊ ተጋድሎ ዝሓትት ጸገም ምዃኑ ብልክዕ ምቕማጥ ዘድሊ እመስለኒ። እናሽዕ ኣብ ሕቶ መሪሕነት ዝኽሰቱ ዘይሃነጽቲ ውድድራትን ምንጽጻጋትን ብእኡ መጠን ዝረኣዩ ምፍንጫላትን ጌና መሊኡ ካብቲ ጸቢብ ውልቃውን ውድባውን ሕሳባት ዘይተናገፈ ምዃኑ ማእከልካ ህዝብን ሃገርን ገይርካ ቀዳምነት ኣብ ምስራዕን ሕቶ ሕብረ ሰልፋዊ ደሞክራስያ ሓበራዊ ተጋድሎ - ከም ተመኩሮ መሊኡ ዘይተረጋገጸን ዘይተመለሰን ምህላዉ ዘመላኽት ሓደ ኣብነት እዩ።

ስለዚ እቶም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስካዮም ባህርያት ናይ ክኾኑ ዘለዎም ኣሰራርሓታት ዝበልካዮም ብተዛማዲ ኣዘራርባ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ደሞክራስያዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ዝተወሰነ ራሕቂ ዝኸደ ይኹን ደኣ እምበር ምሉእ ብምሉእ እቶም ዘቐመጥካዮም ረቋሕታት ተማሊኦም ዝሰርሓሎም እዩ ንምባል ኣጸጋሚ እዩ።

እዚ ብበዓል ቤታዊ ኩነታትና እንርእየሉ ሓደ መረዳእታ ኮይኑ ብወድዕነቱ ደረጃ ምዕባለ ናይቲ ዘለናዮ ሕብረተሰብ እውን ኣብ ዘይማዕበለት ሃገር ከም ዘሎ መጠን እቲ ናይ ባዕዳውያን ይኹን ናይ ደቂ ዓዲ መግዛእቲ ናይ ድሕረት ኣተሓሳስባታትን ነጸብራቕትኡ ኣብቲ ሕብረተሰብ ከም ባህልን ኣተሓሳስባን ዘለዉ ኮይኖም መሊእካ ንምውጋዶም ንውሕ ዝበለ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ዝሓትት ከም ምኻኑ መጠን እቲ ደረጃ ምዕባሌ ኣብ ግምት ምእታውን ብተዛማዲ ምጥማቶም እውን ነቲ ገምጋሚ ሚዛናዊ ክገብሮ ዝኽእል ይመስለኒ።

ሕቶ:  ብዙሓት ኣካል እቲ ስርዓት ዝነበሩ ኤርትራውያን ነቲ ስርዓት ራሕሪሖም ናብ ስደት ይውሕዙ ኣለዉ ግን ከኣ ኣብቲ ደንበ ተቓውሞ ይስለፉ የለዉን ስለዚ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ንኽስለፉ እንታይ ክግበር ኣለዎ? 

መልሲ:  መጀመርታ: እቲ ከምኡ ክኾኑ ዝገብሮም ጠንቅታት ምፍላጥን ብእኡ መጠን ነቲ ጠንቂ ንምፍዋስ ምጽዓርን ዘድሊ ይመስለኒ። እዞም ዝበልካዮም ክፍልታት ሕብረተሰብና እዚኣቶም ብሰንኪ እቲ ኣብ ሃገርና ዝገዝእ ዘሎ ጸረ-ህዝቢ ጨፍጫፊ ምልካዊ ስርዓት ፖለቲካዊ ፡ቁጠባውን ማሕበራውን ህይወቶም ኣብ ሕሰመ-መከራ ወዲቑ ካብዚ ዝተናግዐ ኣተሃላልዋ እዚ ከምልጡን ቀሲኖም ብሰላም ዝነብርሉን መጻኢ ዕድሎም ባዕሎም ዝመርሕሉን ዝዋስእሉን ዕድል ክረኽቡ ክብሉ ከቢድ ናይ ሞትን ህይወትን ሓደጋታት ጥሒሶም ዝመጹ ዘለዉ ውጹዓት ዜጋታት እዮም። ስለዚ እቲ ዝመጽሉ ድሕረ ባይታ ጨና ደሞክራሲ ዘይብሉ እቲ ስርዓት ብምልክነቱ ብሓይሊ ዝዕስክርን ከም ጊላ ዘስርሕን ዝተፈልየ ርኢይቶ እንተኣማዕቢልካ ከኣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝዳጉን ዝጭፍጭፍን ጩራ ናይ ሓርነት ከስተማቕሩ ዘይከኣሉ መጻኢ ኦድሎም ተሰይሩን ጸልሚቱን ተስፋ ቆሪጾም ሃገር ክቦ ደርብዮምላ እዮም ዝመጹ ዘለዉ። ስለዚ ብዙሓት ናብቲ ደንበ ተቓውሞ ክስለፉ ዘይገበሮም ምኽንያት ሓደ እዚ እዩ።

ካልኣይ: እቲ ስርዓት ኣብ ዞባና ዘለዉ ሃገራትን መንግስታትን ኣብ ዝወለዖም ዘይፍትሓዊ ኲናትን ሳዕቤናቶምን እናጠበሶም እንከሎ ንሱ ፍትሓዊ ኲናት ከም ዘካየደን ከም ዝተወርረን ገይሩ ብተደጋጋሚ ብመናፍሓት ዝሰበኾምን ብእኡ መጠን ንደንበ ተቓውሞ ከጸልም ብግልጽን ብውሽጥውሽጥን ጠቐነታት ናቱ ሳዕቤናት እውን ኣቕሊልካ ዝረአ ኣይኮነን።

ሳልሳይ: ከም ባህሪ እቲ ናይ ሕብረ ሰልፋዊ ደሞክራስያዊ ተመኩሮ ናይ ቃልሲ ዕድላት ዝፈቅድ ኩነታት ኣብ ዘይጸንሓሉ ኩነታት ብዙሓት ውድባትን ሰልፍታትን ናይ ደንበ ተቃውሞ ምህላው ስክፍታታት ዝፈጠሮም ጥራሕ ዘይኮነስ ናይዚ ሓይልታት እዚ ምንጽጻግ፡ ዘይሃናጺ ውድድራት፡ ምፍልላያትን ምንእኣሳትን እቶም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስክዎም ድሑራት ኣተሓሳስባታትን ናይ ገዛእ ነብሶም ኣሉታዊ ኣሰራት ዝገደፉ ብምዃኖም ምስቲ ኩሉ ብኣተሓሳስባ ተገፊዖም ዝመጹሉ እዚ እውን ከምቲ ዝድለ ብብዝሒ ከይስለፉ ካብ ዝገበር ረቋሒ ሓደ እዩ።        
 

ራብዓይ: እቲ ስርዓት ከም ጨካን ኣረመናዊ ጨፍጫፊ መጠን ብዘይንሕስያ ዝወሰዶም ስጉምትታት እቲ ሃገር ራሕሪሖም ምስ ከዱ እውን ንግዝየኡ ዝፈጠሮም ስግኣታት እውን ናይ ገዛእ ርእሱ ጽልዋ ዘለዎ ምዃኑ።
ሐሙሻይ: ደንበ ተቓውሞ እውን ኣብ ርእስቲ ሕቶ ሓድነትን ሕቶ ፖለቲካዊ ደሞክራስን መሊኡ ኣብ ምፍታሕ ጌና ብዙሕ ዝተርፍዎ ኣብ ርእሲ ምህላዉ ጽዑቕ ናይ ፕሮፓጋንዳን ዜናን ኣብ ምክያድ ጌና ሓያል ዘይምህላዉ።

ሻዱሻይ: መላእ ደንበ ተቓውሞ ብሓደ ኣንፈት ኩሉ ዓቕምታት ሕብረተሰብና ንእዋናዊ ሕቶታት ህዝብና ናይ ሰላምን ደሞክራስን ኣብ ምፍታሕ ብሓደ ኣንፈት ብሓደ ጥሙር ኣሰራርሓን ምምካት ጌና ሓያል ዘይምህላዉ።

ሻውዓይ: ዋላ እኳ ብዝተወሰነ ደረጃ ነቲ ኩሉ መሰናኽላት ሰጊሮም ዝስለፉ ውሑዳት ጽኑዓትን ውፍያትን መንእሰያት እንተሃለዉ ኣብ ዝተረጋገአ ኩነታት ኣብ ዝሰጋገሩሉ ወቕቲ ነቲ ዝመጹሉ ናይ ሕሰመ መከራ ህይወት ዝተሳጥሕዎ ህይወት ህዝብና ንምቕያር ናይ ገዛእ ርእሶም ተበግሶ ኣብ ምውሳድ ዘለዎም ድኹም ጎኒ እውን ኣብ ጸብጻብ ዘእቱ እዩ። ነዚ ኣተሓሳስባ እዚ ንምቕያር ደንበ ተቃውሞ ነቲ ጭቡጥ ወድዓዊ ኩነታቶም ኣብ ግምት ብምእታው ንምልዕዓሎም ኩሎም ኣገባባት ተበላሓትነትን ጥበብን ብምጥቃም ጽዑቕን ዘየቋርጽን ሓያል ናይ ፕሮፓጋንዳ ጎስጓስን ናይ ውደባ ስረሓትን ምስልሳል ከካይድ የድልዮ። ካልኣይ ግዝያዊ ናይ ስደት ማሕበራውን ቁጠባውን ጸገማቶም ኣብ ምቅላል ፖለቲካዊ ሓሳቡ ይኹን ማሕበረሰብ ዓለም ልዑል ቆላሕታ ክገብር እኹል ምድግጋፍ ክገብር ጻዕርታት ምክያድ የድሊ። ሳልሳይ እቶም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ጸገማት ደንበ ተቓውሞ ውሽጣዊ ጸገማቶም ኣብ ,ፍታሕን ሓቢሮም ብሓደ ኣንፈትን ኣሰራርሓን ነቲ እዋናዊ ሕቶ ናይ ሰላምን ደሞክራስን ንምፍታሕ ክረባረቡ ክበቕዑ ልዑል ጻዕሪ ክገብር የድል። 

ሕቶ:  ነቲ ምልካዊ ስርዓት ንምፍራስን ንምልዋጥን ኤርትራውያን ጽኑዕ ሕብረት አለዎም:: ይኹን'ምበር  ነዚ ዕላማዚ አብ ግብሪ ንምውዓል እንታይ ዓይነት ብልሃትን ስልትን የድሊ እናተባህለ ብዙሕ ፍልልያት አሎ:: ገለ ብርታዊ ቃልሲ ዝብሉ: ገለ ድማ ናይ ወጻኢ ጎንጺ ይትሐወሶ ኢሎም ዝአምኑ: ብዙሐት ድማ ሰላማዊ አገባብ ቃልሲ ጥራሕ ዝብሉ አለዉ:: አየናይ መንገዲ እዩ ቅኑዕን: እሞ ድማ ብዘቕልጠፈ ጊዜ ለውጢ ከምጽእ ይኽእል ኢልካ እትአምነሉ
 

መልሲ:  ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ኣብ እዋናዊ ሕቶታት ህዝብና ሕቶ ሰላምን ደሞክራስን ኣብ ምፍታሕ ጸረ-ስርዓት ህግደፍ ሓቢሮም ከይቃለሱ ዝዕንቅፍ ዓብን መሰረታውን ጉዳይ ዘሎ ኣይመስለንን ብካልእ ኣዘራርባ እዚ ኣብ ክሊ ዝተሓተ መደብ ዕዮ ዝስራሕ እዋናዊ ሃገራዊ ዕማም እዚ ተፈላልዮም ክቃለሱሉ ዝግበር ምንም ምኽንያት የሎን። ኣብ መንጎ እቲ ሰላማዊ ኣገባብ ቃልስን ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝሓወሰ ዝበለ ሸነኽ እንተኾነ እውን እዚ ኣፈላላይ እዚ ኣብ ክሊ ዝተሓተ መደብ ዕዮ ተሰሪዑ ኩሉ ኣገብብ ቃልሲ ብዝብል ዝጥመርን ደኣ እምበር ሓቢርካ ንምቅላስን እዋናዊ ሕቶታት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምፍታሕን ዝዓግት ኣይኮነን። እቲ ኣብ መንጎ ዝተወሰኑ ሓይልታት ኤርትራ መሰረታዊ ዝኾነ ኣብ ክሊ ዝለዓለ መደብ ዕዮታት/maximum program/ ዝህሉ ኣፈላላያት ኣለዉ እዮም። እዚኦም ግን ንናይ እዋንና መደባት ሓቢርካ ንከይትሰርሕ ዝዓግቱ ኮይኖም ሕጂ ኣብ ቅድሚ እዞም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስካዮም ሕቶታት ናይ ሰላምን ደሞክራስን ኣብ ክሊ ስሙር ሃገራዊ ግንባር ተጠርኒፎም ዝኸዱ ዕላማታት ንዕኦም ዓጊቶም ዝሕዙ ወይ ዝዕንቅፉ ክኾኑ ኣይግባእን። ሓሓሊፎም ኣብ ዝኽሰትሉ እውን ብዝተኻእለ መጠን ብልዙብ ደሞክራስያዊ ዘተታት ካልኣዊ ቦታ ክሕዙ ዘለዎም እዮም። ስለዚ እቲ ሽግር እዋናዊ ሕቶታት ናይ ህዝብና ኣብ ምፍታሕን ስርዓት ህግደፍ ኣብ ምውጋድን ሕብረ ሰልፋዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ኣብ ምትካል ህዝቢ መጻኢ ዕድሉ ዝውስን ሕቶ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝፍታሓሉ ጥጡሕ ባይታ ኣብ ምስግጋር ሓቢርካ ንኽትቃለስ ዝዕንቅፍ መሰረታዊ ናይ ስትራተጂ ፍልልይ የሎን። እቲ ቀንዲ ሽግር እዚ ዘይኮነስ ኣብ ሕሉፍ ተመኩሮ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝገጥመና ዝነበረ ዕንቅፋት ካልኣዊ ግርጭት ካልኣዊ ቦታ ኣትሒዝካ ኣብ እዋናዊ ሕቶታት ሃገራዊ ቀዳምነት ክሕዝ ኣብ ዝግባእ ሃገራዊ ዕማም ሓቢርካ ዘይምቅላስን ዘይምብቃዕን እዩ እቲ ጸገም። እዚ ዘመላኽቶ እንተደኣሃልዩ ሕቶ ሓድነትን ሕቶ ፖለቲካዊ ደሞክራስን መሊእካ ኣብ ምፍታሕን ኣብ ተግባር ክረጋገጽ ኣብ ምግባሩን ጌና ዘይሕለል ዕቱብ ቃልሲ ይሓተና ምህላዉ እዩ። ብወሳንነት ዛዕባታት ከኣ ብውልቃውን ጉጅላውን ጸቢብ ውድባዊ ረብሓታት ቅድሚ ሓበራዊ ሃገራዊ  ረብሓታት ምስራዕን ናይዚ ግዙእ ኮይንካ ናይ ምኻድን እዩ እቲ ጸገም።

ስለዚ ብዛዕባ እቶም ሰላማዊ ኣገባብ ቃልሲ ዝመረጹ ውድባት ይኹኑ ዕጥቃዊ ቃልሲ እውን ምስኡ ደሪቦም ከካይዱ ናይ ዝደልዩ ውድባት ዝሕዝዎ ምርጫታት ኣፈላላይ እዚ ብዙሕ ጸገም ገይርካ ዝውሰድ ኣይኮነን። እንተ እቲ ብዛዕባ ናይ ወጻኢ ምትእትታው እንተላይ ብዕጥቂ ዝሓወሰ ክህሉ ዝሰብኩ ኣለዉ ዝበልካዮም ብዝምልከት ዝኾነ ዓይነት ምትእትታው ዕጥቃዊ ይተሓወስ ኣይተሓወስ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሃገርና ክህሉ ፍትሓዊ ኣይኮነን። ከምኡ ዝብሉ ኣካላት ምስ ዝህልዉ ምናልባት ምስቲ ዘሎ ናይ ህዝብና ስቓይን ምንዋሕ ናይቲ ቃልስን ካብ ስምዒትን ኣቋራጭ መንገዲ  ምድላይ ደኣ`እዩ ዝኸውን እንበር ከምኡ ምስ ዝገጥም ኣሉታዊ ሳዕቤናቱ ብጣዕሚ ከቢድን ሓደገኛን እዩ። እቲ ቃልሲ ይንዋሕ ይሕጸር ብዘየገድስ እቲ ቅኑዕ መሰንኡ ተኸቲሉ እዩ ብህዝቢ ኤርትራ ኣብ መዕርፎኡ ክበጽሕ ዘለዎ።

ዝኾነ ፈታዊ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ሓይሊ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ፍትሓዊ ሕቶኡ ክፈትሕ ክደጋገፍ ደኣ እዩ ትኽክለኛ ዝኸውን እምበር ኣብ ክንዲ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ንጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ ክውስን ክተኣታቶ ቅኑዕን ፍትሓውን ኣይኮውንን። እንተ እቲ ብዛዕባ ኣብዚ ግዜ እዚ እንታይ እዩ እቲ ዝሓሸ ስሉጥን ኣድማዕን ዝኾነ ኣገባብ ቃልሲ ቀልጢፉ ሓራ ኤርትራ ከረጋግጽ ዝኽእል ብርኢይቶኻ ዝበልካዮ ብዝምልከት ብርኢይቶይ እቲ ጭቡጥ ወድዓዊ ኩነታት ሃገርና ኣብ ትሕቲ ጨፍጫፊ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ምስ እንርኢ ኩሉ እቲ ኣሎ ዝበሃል ቅንጸላታት መጭወይቲ ፡ማእሰርትን ግብረ ሽበራዊ ስረሓትን ኣብ ዝካየደሉ ወቕቲ_ዓመጽ ዝሓወሰ ቃልሲ ንምክያድ ከኣ እቲ ህሞት ብሱል ኣብ ዝኾነሉ እዋን ትሕተ ባይታዊ ሰላማዊ ኣገባብ ቃልሲ ከም ሓደ ጥበብ ኣገባብ ቃልሲ ኣብዚ ዘለናዮ መድረኽ ኣገባብ ቃልሲ  እዚ ንበይኑ  እኹል ተወሲዱ ንዕኡ ከም እንኮ ኣመራጺ ጥራሕ ገይርካ ምውሳድ ቅልጡፍን ኣድማዕን ውጽኢት ኣብ ምምጻእ መሊኡ ዘኽእለና ኣይኮነን ዝብል እምነት እዩ ዘለኒ። ዋላ እኳ ዝኾነ ፖለቲካዊ ሓይሊ ነዚ እምነት ዝሓዘ ከም ሓደ ጥበብ ናይ ቃልሲ ኣብ ጭቡጥ ኩነታትና ከም ሓደ ክፋል ቃልሲ ትኽክል ብምዃኑ ቅቡል ጌርካ ሓቢርካ ክትቃለስ ዝግበር እንተኾነ እቲ ወድዓዊ ኩነታት ሃገርና በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ምዕባሌ ግን እንከላይ ዓመጽ ከይሓወስካ ንበይኑ ዝካየድ ኣይኮነን። ኣብ ክሊ እቲ ሰላማዊ ትሕተ ባይታዊ ቃልሲ ዝተጸንዐን ጥንቁቕን ምሩጽ ዝኾነ ዓመጻዊ ፍጻሜታት እውን ዘካተተ ክኸውን እንከሎ እዚ ነቲ ቀንዲ ዝካየድ ናይ ውደባት ፕሮፓጋንዳን ውደባን ስራሓት ዘጎልብትን እቲ ሓፋሽ ከከምኣተሃላልውኡ ተኣማሚኑ ክቃለስ እዩ ዘተባብዖ። ስለ ዝኾነ እቲ ጥበብ ቃልሲ ኩሉ ኣገባብ ቃልሲ ዘጠቓለለ ምሩጽ ዝኾነ ዓመጻዊ ቃልሲ ዝሓወሰ ቀስብቐስ እቲ መስርሕ ተጋድሎ ናብ ዝለዓለ ህዝባዊ ናዕብን ምልዕዓላትን ዘምርሕ ምስ ዝኸውን እዩ ናይዚ መድረኽ እዚ ጥበባዊ ቃልሲ ብመንጽር እንኽተሎ እስትራተጂ ብኣድማዕነትን ተበላሓትነትን ዕዉት ዝኸውን ዝብል እምነት እዩ ዘለኒ።
 

ሕቶ:  ብአቦመንበርነት እትመርሖ ናይ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ምስ ጎረቤት ሀገራት ኮነ ምስ ናይ አፍሪቃ ሕብረትን ምስ አምሪካን እንታይ ዝመስል ርክባት አለዎ?ኢትዮጵያኸ ንናይኤርትራ ስደተኛታት እትህቦ ዘላ ሓገዝ እኹልዶ ትብሎ?
 

መልሲ:  ኤ.ዲ.ኪ ዝምድናታቱ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ከከምቲ ወድዓዊ ኩነታት ናይቲ ሃገራት ምስ ስርዓት ህግደፍ ብዘለዎም ቅርበት ወይ ራሕቂ /ምሕርፋፍ/ ርክባት ዝውሰን እዩ። ደረጀ ዝምድናታት መልክዓቶም ዝፈላለ ይኹን ደኣ እምበር እቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘሎ ዝምድና ዝሓሸን ስጡምን ኮይኑ ክኸይድ ዝጸንሐን ዘሎን እዩ። ምስ ሕ/መ/ኣሜሪካ ቀጻሊ ርኽክባትን ዝምድናታትን ጸኒሑን ይቕጽል ኣሎን። ምስ ውድብ ሕብረት ኣፍሪቃ ከምቲ ዝድለ እኳ እንተዘይኮነ እቲ ርኽክባት ብዝተወሰነ ደረጃ ጸኒሑ እዩ። ኢትዮጵያ ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ምቕባል ቀጻሊ ጸኒሑን ኣሎን። ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ማዓስከራት ከፊታ ስደተኛታት ኣብ ምቕባልን ኣብ ምትእንጋድን ብሰላም ክነብሩን ክሕገዙን ኣብ ምግባር ናብ ሳልሳይ ሃገር ክሰጋገሩ ኣብ ምስራሕን ጥራሕ ዝተሓጽረ ዘይኮነስ ክሳብ ኣብ ዝተፈላለየ ዩኒቨርስታትን ናይ ትምህርቲ ዕድል ንዝተሓረሞም ኤርትራውያን እናተቐበለት ኣብ ምምሃር ዝኣመሰለ ስራሓት ተሰላስል ኣላ። እዚ ቀጻሊ ክኸውን እውን ጻዕርታታ ክትቅጽሎ ምዃና ተስፋ ተነቢሩሉ ዝሰርሕሉ ዘለዉ እዮም።

ሕቶ:   ኣብ መጨረሻ ከተቕርቦ እትደልዮ ነጥቢ እንተሎ

መልሲ:  ኣብ መጨረሻ ክብሎ ዝደሊ እንተሎ በዚ ኣጋጣሚ እዚ ነቲ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ጸላኢ ተጨቊኑ ዝነብር ዘሎ ንሓይልታት ምክልኻልን መንሰይ ኤርትራን ብዝምልከት እዩ። እዚ ሓደ ካብቲ ክፋል ሕብረተሰብና ግዳይ ሕሰመ መከራ ህግደፍ ኮይኑ ዘሎ ማሕበራዊ መሰረት ህዝብና እዩ። ስለ ዝኾነ ከኣ ንረብሕኡን ረብሓ ህዝቡን ኣካል ከምቲ ኣብ መስርሕ ጸረ_ባዕዳዊ ተጋድሎ ብጅግንነትን ሓርበኝነትን ዝተቓለሰ ሕጂ እውን እቲ ሕድሪ ስውኣት ናይ ሓርነታዊ ተጋድሎ ቅዱስ ዕላማታት ህያው ንዘይኮነ ህያው ንኽገብር ኣብነት ናይቶም ኣብ ስሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ምስ ጭቁን ህዝቦም ወጊኖም ዝተቓለሱን ተበግሶ ዝወሰዱን ንሶም እውን ኣብ ፍትሓዊ ጎኒ ቃልሲ ህዝቦም ጠጠው ኢሎም ታሪኻዊ ተርኦም ክጻወቱ እጽውዕ።     
             
(An updated English version of the interview will be presented soon)

 


                     


 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...