ብሓልዮት ማሕበረሰብ ዮተቦሪን  ህግደፍን ዝፍኖ ረድዮ  አብ ናይ ቀዳም ዕለት 2 April 2011 መደቡ ሓደ ፓነል አቕሪቡ ኔሩ::   አብቲ  ፓነል ዝዝረብ  ዝነበረ  ካብ ሓደ ኣእምሮ ዘለዎ ኤሪትራዊ ዘይትጽበዮ:   ንኽትሰምዖ ዘዘግንን እዩ ኔሩ::   እቶም አብቲ ፓነል ዝተኻፈሉ ሰብአዊ ሕልንኦም ዝሸጡን ኤሪትራዊ ክብረት ንኸራኽሱ ድሕር ዘይብሉ ውርደተኛታት  ንባዕላቶም ተዋሪዶም ንህዝቢ ዮቶቦሪ  ዘዋርዱ ዝዛረብዎ ዘይፈልጡ  ዱኹማት ፍጥረት እዮም,::


 ስየ አብረሃስ ፈታዊ ወይ ሓላይ  ህዝቢ ኤሪትራ ተቆጺሩስ ኣቲ  ምስ ድምጺ ኣመሪካ ዝገበሮ ቃለ ምልልስ አብቲ ናታትኹም ራድዮ " አቶ ስየ አብረሃ ከምዝበልዎ " እንዳበልኩም  አቃሚምኹም  ቅዳሕ ናይቲ  ስየ አብረሃ  ዝበሎ ግዕዘ  ንሰማዕትኹም  ምቕራብኹም ንህዝቢ ኤሪትራ ዓቢ ውርደት እዩ:: 

ቕድሚ ናይ ስየ አብርሃ መልእኽቲ አብ ራድዮ ምምሕልላፍኹም ሰየ አብረሃ መን እዩ ኢልኩም ክትሓቱን ንባዕልኹም ተዋሪድኹም ንህዝቢ ኤሪትራ ቅድሚ ምውራድኹም ስየ መን ሙኻኑ ከተጻርዩ ምተገባእኩም ኔሩ:: ንመለስ ዜናዊ ስለዝጸረፎ ጥራሕ  ከም ፍትሓውን ደላይ ጽቡቕን ቆጺርኹም  ናይ ስየ አብረሃ መልእኽቲ ምትሕልላፍኹም አቕረብቲ ናይቲ ረድዮን ተኻፈልቲ ናይቲ ፓነል ስጋዕ ክንደይ ትሑታት ሙኻንኹም ጥራሕ እዩ ዘነጽር::

ስየ አብረሃ ሓደ ካብቶም ቀንዲ ጸላእቲ ህዝቢ ኤሪትራ  ምንባሩን  ኣብቲ  ካብ 1998 - ስጋዕ 2000  ዓ.ም. ዝተኻየደ  መሪር ኹናት ኣብ ምብራር  ኤሪትራውያን  ካብ ኢትዮጵያ  ሓደ ካብቶም ቀንዲ ተዋሳእቲ ምንባሩ ዘይምዝካርኩም ዘገርም እዩ::  ኣብቲ ናይ መጨረሽታ መሪር   ኹናት (ስልሳይ ወራር ) እውን እንተኾነ  ኹናት ብሰላም  ንኸይዓርፍ አስመራ ከይአተና  ኹናት ደው አይነብልን ካብ ዝብሉ ዝነበሩ መራሕቲ ወያኔ ሓደ ምንባሩን ኹናት አብ ዝመርሓሉ ዝነበረ እዋን ንሬሳታት መንእሰያት (ሰራዊት) ኤሪትራ በቲ ጨናዊ በድኒ ኣእጋሩ እንዳረገጸ ሸውሓቱ ዘርዊ ዝነበረ አረሜን ወተሃደር ሎሚ ንመለስ ብምቅዋሙ አቶ እንዳበልኩም አብ  ረድዮኹም ምስ ክብረት ምዝርጋሕኩም ጥልመት ነቶም በጃ ሃገር ዝሓለፉ  ሙኻኑ ክበርሃልኩም ይግባእ::

አብ ግዜ ሳልሳይ ወራር ዕላማታት ስየ አብረሃ   ንኤሪትራ ተቆጻጺርካ  ንህዝቢ ንምንብርኻኽን ከተማታት ኤሪትራ  ኣዕኒኻ ነቲ ብኽንደይ መስዋእትን መቁሰልትን ዝተረጋገጸ ናጽነት ኤሪትራ ንምጉዕጻጽ እዩ ኔሩ::  እዚ ግን ብሳላ  ከቢድ መስዋእትን ሰፊሕ ተሳትፎ ህዝቢ ኤሪትራን በዓል ስየ አብረሃ  እቲ ዝተመነይዎ አብ ሕልሚ ጥራሕ ክርእይዎ አገዲድዎም እዩ::

 ምናልባት ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ዝተባህለን ዝተገብረን  ክርሳዕ ይከአል ይኸውን::  ግና ስየ አብረሃ አብቲ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ዝገበሮ  ቃለ ምልልስ    ነቲ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመተ ዝበሎ ብድዔ  ዳግማይ ብምሕዳስ  እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤሪትራ ብፍላይ ድማ አብ ልዕሊ ህዝባዊ ግንባር ዝነበሮን ዘለዎን ጽልኢ ከይሓፈረ  "ንሻዕብያ ፈቴዮም አይድፈልጥን ሕጅውን አይፈትዎምን " ዝበሎን ምስኡ   ኣተሓሕዝ አቢሉ እውን እቲ ተወሊዑ ዝነበረ ኹናት  አስመራ ከይኣተና  ክዓርፍ አይነበሮን ንዝበሎ  አብ ረድዮ ናይ ህግደፋውያን ከም ጽቡቕ ቃል ተቆጺሩ  ምስ አኽብሮትን ኣቶ እንዳተባህለ ምቕራብኩም ታሪኽኩም ዘይምፍላጥን ናይ ሕልና ድኹማት ሙኻንኩም ጥራሕ እዩ ዘርኢ ::

ንስኻትኩም እንታይ ትብሉ እንታይ ትሓስቡ : ዕላማኹም እንታይ ሙኻኑ ኩሉ ስለዝፈልጦ ብመደባትኩም ዝሕጎስ አይህሉን::  ፍተዉ ጽልኡ  መሬት ክወግሕ ሙኻኑ አይትዘንግዑ:: 

ዝምድና  ህዝብታት ኤሪትራን ትግራይን አብ ንቡር ከምዝምለስ ጥርጥር የብልናን::  ህዝቢ ኤሪትራ ግና ንእንበዓል ስየ አብረሃ : ህዝቢ ትግራይ ንእንበዓል ኢሰያስ አፍወርቂ ይቅረ ክብሎም  ዘይሕሰብ እዩ::

በዚ ንስኻትኩም  ሕጂ ትገብሮ  ዘለኹም ጽዩቕ ተግባራት ኹሉ ሽግር ህዝቢ ኤሪትራ አብ ንቡር ምስተመልሰ ንስኻትኩም  ንመዋእልኹም አብ ቅድሚ ህዝቢ ኤሪትራ አብ ቅድሚ ህዝቢ ሽወደን አብ ቅድሚ ደቅኹም  ክትሓፍሩ ሙኻንኹም አትይረስዑ::


ሰላምን ፍቅርን ንህዝብታት ኤሪትራን ኢትዮጵያን


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...