ዝኽበርኩም ኣሰናዳእቲ ሃገራዊ ዋዕላ፡ ኣባላት ኪዳን፡ ኣባላት ውድባት፡ ኣባላት ሲቢካዊ ማሕበራትን ዑድማትን ዝዓዘዘ ሰላምታና ነቕርበልኩም። ከምኡውን ዕውት ዋዕላ ክኾውን ንምነ።  ንሕና ኣባላት ቦርድ ማሕበር መንእሰያት ንለውጢ ለበዋ ክነመሓላልፍ ከለና ካባኩም ፈሊጥና ወይውን ተመኩሮ ደሊብና ዘይኮናስ ካብ ልብና ንኣምነሉን ክንሰርሓሉን ዝጸናሕና ክነካፍለኩም ሰለዝደለና ኢና። 

ዋዕላ ክግበር እዩ ካብ ዝተባህለሉ ወርሒ ለካቲት ኣትሒዝና ዓቕምና ስጋብ ዘፍቅዶ ክንከታተሎ ጸኒሕናን ኣለናን።  ምስኩሉ ሕጽረታቱ ዕውት ክኸውን ንትስፈው።  መልእኽትና ሓንቲን ንጽርትን ክነሳ ግን ኣብ ብዙሓት ደንበ ተቓውሞ ዘለዋ ውድባት ህቡብነት ዘለዋ ኣይኮነትን። ማሕበርና ካብቲ ሓደ ዝሰርሓሉን ዝጣበቐሉ መዳይ ቅዋማዊ ዝኾነ መንግስቲ ክትከል ኣለዎ ዝብል እዩ።  እቲ ቅዋማ ካብ ኣበጋግሱኡ ኣትሒዙ ስጋብ ኣተገባብሩኡውን ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ዝሓቁፍ ክኽውን ከምዘለዋ እምንቶና እዩ።  ኣብዚ እዋን ዘላትና ቅዋም ነዚ ኣብግምት ዘእተወት ከምዘይነበረት  እንተወሓደ ድማ ነተን ዝነበራ ውድባትን ሲቢክ ሶሳይቲን ዝሓቆፈት ከምዘይነበረት ንፈልጥ።      

እንተኮነ ግን እታ ብ1997 ዝጸደቐት ቅዋምውን እቶም መበገስታዉን ደስ ሰለዘይበለቶም ከምቲ መኤከቢ ዶሮና እያ ኮይና ዘላ። ብገለ  ኣባላት ተቓውሞ ደንበውን እዛ ቅዋም ካብኡ ብዘይንእስ ተቐባልነት ሲኢና ትርከብ አላ። ንዝሓለፈ ክልተ ዓመት ብዑቱብ ከነጽንዖ ድሕሪ ምጽናሕና፡ እቲ ናይ 1997 ቅዋም ዓለምለካዊ መለክዕታት ዘማልኤ ኮይኑ ነቲ ኣብ ኤርትራና ዘሎ ዝበዝሔ ጸገማት ክትፈትሕ እትክእል ከምኡውን ቡዙሕ ህዝቢ ዘሳተፈት ቕዋም እያ። ከምኡውን ብዙሓት ደለይቲ ፈትሒ ከምዘይተሳተፍኩምዎ ኣጸቢቅና ንፈልጥ ኢና። ከምዘይትሳተፉ ዝተገብረ ተግባር ድማ ኣብቲ እዋን እቲ ኩኹነን ዝነበሮ ተበግሶ እኾ  እንተነበረ የግዳስ ኣይተተግብረን በዚ ድማ ኣዚና ንሓዝን።  የግዳስ ካብ ን 1997 ተመሊስና ክንዛረብ ጸገምን ሽግርን ህዝብና ደረት ሓሊፉ ስለ ዘሎ ንቅድሚት እንተረኣና ዝሓሸ እዩ በሃልቲ ኢና። 

እሞ ገሌኩም ንዘይተሳተፍኩምዋ ተቐበልዋ ክንብል ጽቡቕ ኣይስማዓናን የግዳስ ኣብዚ እዋን ከም እንኮ ኣማራጺ ጌርና ንርእያ።  ከምኡ ዘበለና ድማ ሕጂ ኣበይ ኮይና ኢና እም ቅዋም ክንነድፍ ወይ ንመን ኢና ኸ ክነሳትፍን ክንገድፍን?  እታ ቅዋም ጎደሎታት ውይውን ዝዕረ ከም ዘለዋ ንሕና ጥራይ ዘይኮናስ ዶክተር በረከት ሃብተስላሰ ውን  ከይተረፈ ይሰማመዓላ እዩ።  የግዳስ ህዝብና መኾርመይ ይደሊ ስለ ዘሎ እዛ ቅዋም ድማ ከም መሳርሒ ኮይና ከተገልግለናን ንህዝብና ከም መላዓዓሊ መሳርሒ ካይና ከተላዓዕሎ ክንሰማምዓላ ምሕጽንታና ነቕርብ።  ኩሉ ቅዋም መጀመርያ ክጸድቅ ከሎ ፍጽም ኮይኑ ከምዘይጅመር ኩሉና እንፈልጦ ስለዝኮነ ነዛ  ኣብ 1997 ዝጸደቐት ቅዋም እንተወሓደ ከም መሰጋገሪት ወይ ግዚያዊት ቅዋም ኩልና ተቐቢልናያ ንሕዝብና መሰሉ ክሓትት ከነላዓዕሎ ንላቦ።  እዚ ክንብል ኮለናውን ሙሉእ ብመሉእ ተቀቢልኩም ኣብስራሕ ኣውዕልዋ ማለትና ከምዘይኮነ ንሕብር።  ነዛ ናይ 1997 ቅዋም ከም መሰጋገሪ ምቕባላ ነዞም ኣብ ደምበ ተቓውሞ እንርከብ እንተወሓደ ሓደ ስጉምቲ ንቅድሚት ብሓባር ከም እትወስደና ኣይንጠራጠርን።    

እሞ እዚ ዋዕላ ብዙሕ ሕጽረታት እኮ እንተሃለዎ ብፍርያቱ እዩ ክምዘን። ስለዚ ኣብዚ ዋዕላ ዝውሰን ውሳነታት ንኩሉ ዝሓቁፍን ኣብግምት ዘእትውን ክኸውን ዘለዋ።   እዚ ድማ ነቶም  ተሳተፍቲ ዋዕላ፡ ክሳተፉ ዘይከኣሎ፡ ካብ ምስታፍ ዕቃቤታት ዘርኣዩ፡ ከምኡውን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነብር ሕዝብና ብዝበዝሔ ክሰማመዓሉ ዝክእል ውሳነታት ክሕልፍ ንላቦ።  
       
ዘልኣለማዊ ዝክሪ ንስውኣትና
ኣባላት ቦርድ መንእሰያት ንለውጢ  


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...