እቲ ን24 ዓመታት ንደምበ ተቓውሞ ብፍላይ፡ ኣብ ስደት ዘሎ ህዝብና ከኣ ብሓፈሻ፡ ናይ ዘተ መኣዲ ከፊቱ ኣብ ዓመት ሓደ ጊዜ ጉዳይ ሽግራቱን ፍታሕን ንምንዳይ፡ በብዓመቱ ዘብዕሎ ዝጸንሐ ፈስቲቫል ኤርትራ፡ እንሆ እዚ ዓመት‘ዚ እውን ካብ ዕለት 29.07.2010 ክሳብ ዕለት 01.08.2010 ንመበል 25 ዓመቱ ናይ እዮበልዩ ፈስቲቫል ከካይድ ወሲኑ ኣሎ። እዚ ናይ‘ዚ ዓመት‘ዚ ፈስቲቫል ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ብኪእላታትን ሞያውያንን ኤርትራውያን ክወሃብ ዝጸንሐ ኣስተምህሮታትን፡ ኩሉ‘ቲ ንፍታሕ ጸገማትና፡ ንጥርናፈ ዓቕምታትናን ዝተገብረ ኣስተዋጽእታት ዝዝክረሉ ኣጋጣሚ ክኸውን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነዚ እዋናዊ ፖለቲካዊ ተበግሶታት ~ ሃገራዊ ዋዕላ ~ ማእከል ዝገበረ ፈስቲቫል ንኽኸውን ሽማግለ ምስንዳእ ፈስቲቫል ኤርትራ ከም መደብ ሒዛቶ ኣላ። ስለ‘ዚ ኩሉ‘ቲ ግዱስ Iርትራዊ ነዚ ዝተባህለ ዕለት ጊዜን ከጠዓዕምን ንተሳፍነቱን ብዓቢ ክብሪ ንዕድም።

 

Together We Can Poster 25th Anniversary

ዕለት: 29.07.2010 ክሳብ ዕለት 01.08.2010

ቦታ: Venue of the Eritrean Festival - Messehallen Fuldaaue - Demaschkestr.55   34121 Kassel Germany

መደብ:

  • ዕላማ  ፈስቲቫል ካስል ኣብ ሃገር ስደት ዝነብር ሕዝቢ ኤርትራ ካብ ርሑቕን ቀረባን ተኣኪቡ ብጉዳይ ሕዝቡን ሃገርን ክዝትን ሓሳብ ንሓሳብ  ክለዋወጥን ምግባር፤ ዝተፈላለዩ ኪእላታት ሰብ  ሞያን ምሁራትን ብምዕዳም  ሕዝቢ ኣፍልጦ ዝቐስመሉ መድረኽ ንምኽፋት።
  • ብዓብዩ ድማ ኣብዚ እዋን እዚ ሕዝቢ ኤርትራ ፍትሕን ስርዓትን ስእኑ ዘሕልፎ ዘሎ መሪር ናብራ ብከመይ ይፈታሕ ዝብል ዛዕባ ኣልዕሉ ናይ ሓባር ዕግበት ንኽውንን ምግባርን እዩ።
  • መድብ ባህላዊ ሙዚቃ

ብድሓን ምጹ !!! Willkommen !!! Welome!!! 

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ - ዞባ ኤውሮጳ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...