ንኡስ ኮሚተ ኣስናዳዊ ህዝቢ ንዋዕላ ስዊደን

ብንኡስ ኮሚተ ስዊደን

ሕዝቢ ኤርትራ፡ ድሕሪ ዝጸንሐን ዘሎን ፖለቲካዊ ምትህልላኻትን ሓጐጽጐጽን፡ ንመጀመርያ ግዜ ብመገዲ ዋዕላ ንድሞክራስያዊ ለውጢ ኤርትራውያን ይእከቡ ኣለዉ። ተኣኪቦም ድማ ብዛዕባ ሕሉፍን ህልውን ተመክሮኦም ብምዝታይ፣ ብፍላይ ብሰንኪ ኣረመናዊ ስርዓት፡ ኣብ ሕዝብን ሃገርን በጺሕዎ ዘሎ ከቢድ ናይ ምብትታንን ብርሰትን መንገዲ ተረዲኡ፡ ዘድሕነሉ ኩነታት ዘናዲ ፖሊቲካዊያን፣ በርገሳዊ፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ግዱሳት ወልቀስባት፣ ምሁራትን ሙያውያንን  ኮታ ንኩሉ ወገናት ሕዝብና ከሳትፍ ዘኽእል ቀዳማይ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንምክያድ ክግበር ዝጸንሐ ምድላዋት ንኩልና ብሩህ ኢዩ፡፡

በዚ መሰረት ድማ ንሕና ኣብ ሽወደን እንቕመጥ ኤርትራውያን ክንገብሮ ዝጸናሕና ምድላዋት ንምስታፍ  ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ  ለውጢ ንምዝዛም ብዕለት 3 ሓምለ 2010 ናይ ሕዝቢ ኣኼባ ኣካዪድና፡፡

ኣብቲ ዝተገብረ ኣኼባ፣ ብመሰረት ንኡስ ኮሚተ ንሃገራዊ ዋዕላ፡ ዘቕረበቶ ጻብጻብ ድሕሪ ምስማዕ፡ ተሳተፍቲ ኣኼባ ወኪሎም ናብ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ ንዝሳተፉ ዜጋታት፡ ብርእይቶ እታ ኮሚተ ንዝቐረበ ሓሳብ ብምድጋፍ ብናይ ሓባር ስምምዕ ነዞም ዝስዕቡ ሰለስተ ሕጹያት መሪጹ።

1. ኣቶ ሳሊሕ ሓዮቲ
2. ኣቶ ኸሊፋ ዖስማን
3. ኣቶ ገብረህይወት ወልደሚካእል

በዚ ኣጋጣሚ እታ ካብ ወርሒ ግንቦት 22 ፣2010፣ ብደረጃ ስዊደን ቆይማ ዝጸንሐት ንኡስ ኮሚተ ስራሓ ከምዝወደኤት እዉን በዚ ኣጋጣሚ ተፍልጥ።

ስቶክሆልም 10 ሓምለ 2010

አዋሃሃዲ ስራሕ
ፍስሓ ናይር


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...