ኣገዳሲ ህዝባዊ ኣኼባ፡ ብጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ፡ ኣብ ቤይ-ኤርያ ከተማ ኦክላንድ ካሊፎርኒያ (Oakland California)


ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዓወት እምበር ካልእ ዘይሕፈሶ፡ ወሳኒ እምነ-መሰረት ደሞክራሲያዊት ኤርትራ እዩ፡ ካብ ዝብል እምነትን ዕግበትን ተበጊስና ኣብ ኦክላንድን ከባቢኣን እንነብር ግዱሳት ኤርትራውያን ነዚ ህዝባዊ ኣኼባ ንዕድም። 

ኲልኹም ብህዝብን ሃገር ኤርትራ እትግደሱ፡ ኣብ ቤይ-ኤርያ እትነብሩ መፍቀርቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ንኽትካፈልዎ ንዕድመኩም። ህዝባዊ ኣኼባና ብመሰረት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ሰፊሕ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣቅሪባቶ ዘላ መምርሒታት ማለት ኣብዘን ዝስዕባ ነጥብታት ዘተኮረ እዩ፡፡ 

ሀ/ ሕቶ ሃገራዊ ሓድነት ኣብዚ እዋን እዝን ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ.ን ብዝምልከት
ለ/ ጉዳይ መስርሕ ደሞክራስያዊ ለውጢ ብዝምልከት
ሐ/ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝህሉ መስርሕ መሰጋግሪ መድረኽ ብዝምልከት

ሓሳባትኩም ብጽሑፍ ወይ ብቃል፣ ብዉልቀ/ብሓባር፣ ከተቅርቡ ከም እትክእሉ ክንሕብር ደስ ይብለና። ብተወሳኺ ብዛዕባ ግደን ተሳትፎን ህዝብን፣ ኣገባብ ምክፋል ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ፣ መብርሂን ሓበሬታን ክውሃብ እዩ።
 
ዝግበረሉ ቦታ፡          Shattuck Ave&55 Oakland CA 94609
ዕለት፡                      ንቀዳም ሰነ (June) 5, 2010
ግዜ፡               ካብ ሰዓት 2፡00 PM ስጋዕ 6:00 PM እዩ።
 
ብድሓን ምጽኡ!

ናይ ኣኼባ ቦታ ንዘይትፈልጥዎ በዛ ቴሌፍን እዚኣ ተወከሱ (415) 724-5718።


ካብ ብህዝብን ሃገር ኤርትራ እንግደስ ኣብ ቤይ-ኤርያ እንነብር መፍቀርቲ ህዝባዊ ሓርነት፣ ፍትሒ፣ ማሕበረ-ሰብኣዊ ማዕርነትን ዝዀንና ኤርትራውያን።
 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...