Eritreisk Feleskaps forening i Norge                                            
ምንቅስቓስ ሕብረት ኤርትራውያን ኣብ ኖርወይ
Eritrean unity movement in Norway                                      
 
ሰላማዊ ሰልፊ ብሲቪካውያን ማሕበራትን 
ተቓወምቲ ውድባትን ኣብ ኦስሎ ኖርወይ
 
ንሰሉስ ዕለት 25 ግንቦት ብሲቪካውያን ማሕበራትን ተቓወምቲ ውድባትን ኣብ ኦስሎ ሰላማዊ ሰልፊ ክግበር ስለ ዝኾነ፡ ኩሉ ኤርትራዊ፡ ኣብ`ዚ ሰላማዊ ሰልፊ`ዚ ንኽሳተፍ ንዕድም፡፡
 
ዝኸበርኩምን/ክንን፡ ብህዝብኹምን ሃገርኩምን ትግደሱ፡ ነባራትን ሓደስቲ ሓተቲ ዑቕባን፡ ኤርትራውያን ኣብ ኖርወይ!! ደጊም ምጽማም ይኣኽለና፡፡ ሎሚ ንስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ምጽማም፡ ስቓይ ህዝብና ኣናዊሑ፡ ጽባሕ ንጉሆ ተጣዕስና ክንመልሶ ዘይንኽእል ሳዕቤን ከየኸተለልና ኸሎ፡ ነቲ ንስደትን ውርደትን ከም ንሳጣሕ ዝገበረ፡ ንወላዲ ውሉዱ ዘስኣነ፡ ጨካን ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ሓቢርና ንምክተሉን ውጊድ ንብለሉን፡ አዋን ኣኺሉ`ዩ፡፡
 
እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዝግበረሉ ዕለት፡ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ንሰሉስ 25 ግንቦት ኮይኑ፡ ዝጅመረሉ ስዓት ድማ፡ ልክዕ ስዓት ሰለስተ ድሕሪ ቀትሪ (15:00) እዩ፡፡
 
ሰልፈኛ ዝራኸበሉን ዝብገሰሉን ቦታ፡ ኦስሎ “ሰንትራል-ስተሽን” ኣብቲ ኣብ ጎድኒ “ትራፊካንተን” ዘሎ ሓወልቲ ናይ ነብሪ ኮይኑ፡ እቲ ሰልፊ ካብኡ ነቒሉ ክሳብ “ስቱር-ቲንግ” ፓርላማ ናይ ኖርወይ ክምርሽ እዩ፡፡

 
እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ስዓት ሓሙሽተን ፈረቓን ድሕሪ ምዝዛሙ፡ በዓል ናጽነት ንምዝካር፡ ሕጽር ዝበለ መደብ ወጺኡ ስለ ዘሎ፡ ሰልፈኛ ብሓባር ናብ “ግሮንላንድ-ላይረት 37” ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ ብሓባር ክጓዓዝ ምዃኑ ክንሕብር ንፈቱ፡፡ ዝያዳ ሓበሬታ ድማ ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ክወሃብ እዩ፡፡
 
ብሰላም የራኽበና እንዳበልና፡ ኣብቲ ተጠቒሱ ዘሎ ንራኸበሉን ንብገሰሉን ቦታ፡ ስዓትኩም ኣኽቢርኩም ክትመጹ ንላቦ፡፡                      
 
ሲቪካዊ ማሕበራትን ተቓወምቲ ውድባትን
 
ኦስሎ ኖርወይ፡፡
 
ብድሓን ምጹ፡
 
 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...