24 ግንቦት 1991 ዓ.ም.
መዓልቲ ነጻነትን ካልኣይ ባርነትን
 
ቁጸሪ፣ ቁጸር፣ ኣንተበልካስ፣ ንዓሰርተ ትሽዓተ ዓመት እህህ። ድኽነትን ድንቑርናን ሞትን በዚሑ፣ ኡሱራት ናይ ፖሎቲካን ሕልናን፣ ንስደት ዘምርሑ መንእሰይን፣ መቑጸሪ ተሳኢንዎም። ህዝብና፣ ካብ ጭቆና ኣምሓራ መስተርሆ፣ ክረክብ፣ መርዓውን መርዓትን ዝሰዋእናላ ሃገር፣ ብጠላማት ኣሕዋትና ተጎቢጥና፣ ብፋሺሽታዊ ጭቆናኦም እናተደሰቕና ዓሰርተ ትሽዓተ ዓመት ንቆጽር ኣሎና። ዋና ጸሓፊ ህግደፍ፣ ሓንሽን ካእል ዶባትናን ብሰላማዊ ኣገባብ ክሕተት ዝግባኦ፣ ኲናት ጻሕቲሩ፣ 20ሺሕ ዝኣኽሉ ሂወትን 80ሺሕ ኣካለ ስንኩላትን፣ መንእሰይ ኣጥፊኡ፣ ንሃገር ብደምን  ብድኽነትን ብሓሶትን ኣጨቅዩ፣ ካብ ህዝባን ዓለምን ጨዉዩ፣ ከይሓፈረ ከይሓነኸ መዓልቲ ነጻነት መጽኤ ከጉርዕ፣ ዘለፋን ፈኸራን፣ ክንሰሚዕ፣ ዓሰርተ ትሽዓተ ዓመት ኮይኑ። ሓደ ጓሳ እኳ ሓንቲ ጤል እንተጥፍኤ ጾሙ ክሓደር ዝፍረዶ፣ ነዚ ወንጄለኛ ኸኣ ከይሓፈሩ “ንስኻ ንበረልና” ክብሉ” መዓልቲ ነጻነት መጽኤት ኣብ ልዕሊ ሱዉኣትና ተሓንበለ ክብሉ፣ 19 ዓመት ቆጺርና።
 
ጀጋኑና ኣካለ ስንኩላትን፣ ስድራ ሱዉኣትን፣ ሕድሪ ሱዉኣት ኣይንረግጽን ኢሎም ኣብ ፋሺሽታዊ ቤት ማእሰርቲ ዝሳቐዩ ዘለዉን፣ ብሓለንጊ ጭቆና ኣብ ከብዲ ዓዲ ዝልብለብ ዘሎ ህዝብናን ዘራይ ዘይብሎም ብኲናትን፣ ብጥሜትን፣ ብፍርሕን፣  ብድንቁርናን፣ ከም ጀንጀቡልን ቡንን ክውቀሩ፣ ዓሰርተ ትሽዓተ ዓመት ቆጺርና።
 
ከርሲ ኣደ ጉራምራ፣ ከም ዝበሃል፣ ኤርትራና በዚ ጀጋኑ ወሊዳ በዚ ድማ ጠላማት። ኣብ ስደት ንነብር ኸኣ ‘ገዛ ኣሎኒ” “ስድራይ ጥራይ ኢዮም ዘገድሱኒ” “ዓዲ ካብ ምኻድ ከይዕንቕፉኒ” ካብ ዝብል በለጽ ተበጊስና፣ ነዚ ፋሺሽቲ ክንድግፍ ዓሰርተ ትሽዓተ ዓመት ንቆጽር ኣሎና። ናይ ሎሚ ዘመን ኸኣ ምስኦም ምውላድና ዘሕፍር፣ ኣብ ጎደናታት ደሞክራስያውያን ሃገራት፣ ከም መጽዓንኛ  “ንሱ ንሕና ንሕና ንሱ” ዝብል ናይ ፋሺሽቲ ጭርሖ፣ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ዝባኖም ሓዚሎም ምርኣይና ንኣና’ውን ድፍረቶም “የገርመና” ኣሎ። እዛ መሬት ብቓልስና ጥራይ ዘይኮነ ንርእሳ ኢላ’ውን ክትወግሕ ኢያ፣ ንዓሰርተ ትሽዓተ ዓመት ብበለጽ ምጽማም  እታ “ሕልና” ኣበይ ኣላ?
 
ዓሰርተ ትሽዓተ ዓመት፣ ተቓውሞ ክንብል ቆጺርና። ምረትን ጭቆናን ህዝብና ክንጽሕፍ፣ ውድባት ክንሃንጽ ክንፍንጥሕ እንተኾነ ካብ ኮፍ ዝበልናሉ ከይተንሳእና ዓሰርተ ትሽዓተ ዓመት ንቆጽር ኣሎና። ሕጂ ግን ኣብ ደንበ ተቓውሞ ጽቡቕ ንፋስ ይነፍስ ኣሎ። ሃገራዊ ዋዕላ። እዚ ማዕጾ እዚ ንህዝብና ካብ ዝዕጸዎ 70 ዓመት ኢዩ። ሕጂ ማዕጾ ይኽፈት ኣሎ፣ ናብ ካንሸሎ ክንቕይሮ ተኻፋልነት ህዝብና የድሊ ኣሎ። ዕድሜ ቓልስን ክንደይ ውድባት ኣለዋ ኢልካ ምቁጻር ኣብ ዲሞክራሲ ጎዳኢ ኣይኮነን፣ እቲ ዝጎድእ ኣብ ሓደ ቦታ ኮፍ ምባልን ንፍልልያትካ ኣብ ትሕቲ ጽላል ሃገርን ህዝብን ገርካ ዝየምጽባብን ኢዩ። ስለ እዚ ዋዕላ ካብ ሓደ መድረኽ ናብ ካልእ መድረኽ ከሰጋግረና፣ ንርእይቶታትና ከወሃህድ፣ ዓቢይ ተስፋ ተነቢርሉ ስለ ዘሎ ነዚ ማዕጾ ኣይንዕጸዎ።  
 
ዮሃና ንናጽነትና፣ ሱዉኣትና ንዘክሮም ብኸመይ ኣገባብ ዝጠፍኣና ዘሎ፣ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዝነብሩ፣ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ስደት ንነብር መዓልታዊ ዝሓቱና ሕቶ ኢዩ። ምስ ወግሔ መልስና እንታይ ክኸውን ኢዩ?
 
ማሕበር ኤርትራውያን ንሰላምን ደሞክራስን ኣብ ስዊስ ንህዝብና፣ ኣብ’ዚ መዓልቲ ነጻነት መልእኽቲ ክነመሓላልፈሉ ንደሊ ኣብ ጎደናታት ወሪድካ ናይ ዓቕልጽበትን ፈንጠርጠርን ኣብ ግዜ ምውጻእ ትንፋስ  ክረኤ ባህርይዊ ስለ ዝኾነ ከም ቐደምካ ስጠም ግጠም፣ ዕርፊ ኣጽኒዕ፣ ደቕኻ ይሰምሩን ይምክቱን ኣለዉ፣ ህ.ግ.ደ.ፍ. ካብ ገጽ ዓለም ተደምሲሱ’ዩ፣ ኣብ ናይ መጠረሽታ መድረኽ ናይ ምኽንባልን  በጺሑ ስለ ዝርከብ ፣ መዓልቲ ናጽነትካ፣ ፍትሕን፣ ማዕርነትን፣ ሰላምን፣ ዲሞክራስን፣ ትወልድ ብርግጽ ርሕቕቲ ኣይኮነትን ክንብል ንፈቱ። ሱዉኣትና ብቅኑዕ መትከል ይዘከሩ።
 
ቐጽሪ ሰላምን ደሞክራስን ይዓንብብ፣
ርሑስ በዓል ነጻነት ንኹልና። 15 ግንቦት 2010

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...