ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ግንቦት ካብ 21 ኪሳዕ 23 ኣብ ዘሎ ዕለታት ከም ኤርትራውያን ኣብ ሓድሕድና ኣብ ጎረባብትናን ከባቢናን ብዛዕባ ዘሎ ህሉው ኩነታት ሰላም ዘትዩን መርሚሩን ናይ ሰላም ቻርተር ብምንዳፍ፣መርሓ ስራሕ ኣርቂቑ ዘጽድቕ ዋዕላ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ኪካየድ ተመዲቡ ኣሎ።

እዚ ልዕሊ ሰብዓ ልኡኻት ሰላም ዝሳተፉዎ ዋዕላ እዚ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ኣብ ለንደን ዝተጋብአ ቀዳማይ ኣኼባ ብዕምቆት ተዘትዩሉ ንዝተነድፈ ቻርተር ዳግም ብምኽላስ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዛዕባታት ንዝልዓል ኣርእስታት ተኻቲዑን ዘትዩን ከስርሕ ይኽእል ኢዩ ኢሉ ንዝኣመነሉ ቻርተር ከጽድቖን መወከሲ ንጥፈታቱ ኪገብሮን ትጽቢት ይግበረሉ ኣሎ።

እዚ ናይ ሰላም ዋዕላ እዚ ንኹሉ እቲ ኣብ ሃገርናን ህዝብናን ኣጋጢሙ ዘሎ ጸገማት ቅልጡፍ ፍታሕን መልስን ዝህብ ዋዕላ ኣይኮነን። ግን ናብቲ ፍታሕ ዘብጽሕን ብግቡእ እንተተኾስኲሱ ከኣ ነባሪ ሰላማዊ ባህሊ ዘማዕብል ፈልሲ ሰላም ኢዩ ኪተክል። እዚ ማለት ከኣ ኣብ መንጎና ከም ኤርትራውያን ምስ ጎረባብትናን ዞባናን ንዝህልወና ዝኾነ ይኹን ዓይነት ዘይምርድዳእን ፍልልይን ብዘተን ልዝብን እንተዘይኮይኑ ብጎንጽን ኵናትን ከምዘይፍታሕ ኣሚንና ኪንሰርሓሉን ጸገማትና ብዘተን ልዝብን ብምፍታሕ ብሰላምን ምክብባርን እንነብረሉ ኩነታት ንምፍጣር ኢዩ።

ብሓጺሩ እቲ ጠንቂ ዕንወትን ጥፍኣትን፣ ድሕረትን ህልቂትን ዝኾነ ጎንጽን ኩናትን ኣሊና መንፈስ ሰላም ብምስራጽ ብሓድሕዳዊ ኣኽብሮትን ምርድዳእን ጽሮትን ናብ ሰላማዊ ሃዋሁውን ህይወትን ምስጓም ኢዩ ራኢኡ።

ንሰላም ኣብ ጁባ ነፍሲ ወከፍና ክህሉ ከም ዝኽእል ቑሙጥ ገንዘብ ገይርና ኪንምስላ ንኽእል ኢና። ሰላም እንተልዩ ኣብ ገዛእ ዓድኻን ሃገርካን ኣብ ጎሮቤትካን ከባቢኻን ሰሪሕካ ኪትነብር ዘሰክፍ ስለዘይህሉ። ካብኡ ንላዕሊ ግን ሰላምን ቅሳነትን ብገንዘብን ሃብትን ዘይሽመት ብሽመትን ስልጣንን ዘይረጋገጽ ክቡር ህያብ ዘራእቱን ኮስኮስቱን ልዕሊ ኩሉ ነገራዊ ጸጋ ኢዩ። ህዝብና ነዛ ምንጪ ናይ ኩሉ ዓይነት ምዕባለ ዝኾነት ሰላም ኣዚዩ ክቡር ዋጋ ከፊሉ ኣረጋጊጹዋ ከብቅዕ ርእዩ ስለዝሰኣና ኪናፍቓን ኪሃርፋን፣ ኪምነያን ኪደልያን ባህሪያዊ ኢዩ።

እዛ ልዕሊ ኩሉ ነገራዊ ጸጋ እንርእያን እንናፍቓን ሰላም - ሰላም ኣብ ዘለዎ ከባቢ፣ ሰላም ኣብ ዘለዎ ህዝቢ፣ ሰላም ኣብ ዘለዎ መሬትን ዓዲን ጥራሕ ስለትርከብ ንነብስናን ህዝብናን ጎረባብትናን ከባቢናን ወነንንቲ ሰላምን ቅሳነትን ንምግባሮም ኢዩ እቲ ራኢ።

ምኽንያቱ ሰላም እንተሎ ርግኣት ኣሎ። ርግኣት እንተልዩ ከኣ ሕብረተሰብ ሰሪሑን ጽዒሩን ከፍሪ፣ ሓረስታይ ኪሓርስ፣ ነጋዳይ ኪነግድ፣ ተማሃራይ ኪመሃር፣ መንእሰይ ኪምርዖን ኪድርዖን፣ብሓፈሽኡ ናብቲ ዝብህጎን ዝሕልኖን ብሩህ መጻኢ ኪስጉም ኪግስግስ ይእኽል። ሰላም ማለት ጥዋፍ ጸላም ኮይና ልቢ አህዛብ ብተስፋን ባህታን መሊኣ ናብ ዓወት እትመርሕ ጩራ ኢያ። ሰላም ንባዕላ መልሲ ናይ ኩሉ ስግንጢር ኩነታት ዓለምና ኢያ። ፈውሲ ናይዚ ጨኒቝናን ሓርቢቱናን ዘሎ ኩነታት ሃገርና እውን ንሳ ባዕላ ኢያ። ነዛ መልስን ፈውስን ኩነታትና ዝኾነት ሰላም ግን እንተዘይሰሪሕናላን እንተዘይደኺምናላን ስቕ ኢላ ባዕላ ኣይክትመጽኣናን ኢያ። ሰላም ናብ ዝሰርሑን ዝደኸሙን ናብ ዝናብዩዋን ዘውሕሱዋን እምበር ናብ ማንም ዝሓልማን ዝምነያን ኣይትኸይድን ኢያ። ስለዝኾነ ሰላም ብዘይ ጻዕርን ስራሕን ባዕላ ስለዘይትመጽእ ኩሉ ኪዕንቅፋ ዝኽእል ዘበለ ኩርካሕን እሾኽን ኪንጸርገላን ከነጣጥሓላን ይግባእ።

ህዝብና ንልዕሊ ፍርቂ ዘበን ኣብ ኩናትን ህውከትን ጸኒሑ፣ ገድሊ 30 ዓመታት ዛዚሙ እፎይ ከይበለ ኣብ ሻብዓይ ዓመቱ ኵናት ደጊሱዎ ኪሳዕ ሕጂ ከኣ ወረ ውግእ እናኺሰምዕ ሸቐልቀል እናበለ ኣብ ሰንፈላል ይነብር ኣሎ።

ስለዝኾነ ዝኾነ ይኹን ኣካል ናይዚ ህዝቢ እየ ዝብል ወገን ልዕሊ ዝኾነ ካልእ በዚ ሽግርዚ ኪሓስብን ኪሻቐልን ግድን ኢዩ። ፍታሕን መዋጽኦን ኪሓስብ ከኣ ንቡር ኢዩ። እቲ መገድን ኣካይዳን ከኣ ይፈላለ ይኸውን እምበር ኩሉ ሃገራዊ ብዛዕባ ሰላምን ምርግጋእን ህዝቡን ሃገሩን ኪሓልምን ኪሕልንን ከይደቀሰ ዝሓድር ይመስለነð።። እቲ ናይ መወዳእታ ዕላማን ድሌትን እቲ ራኢን ትምነðትን ዘይፈላለን ሓደን ካብ ኮነ በቲ ዘርብሕን ዘድምዕን መገዲ ናብቲ ዝበሃግ ሽቶ ኪንስጉም ውህደትን ምትሕግጋዝን ናይ ኩሉ ደላይ ሰላም ከደሊ ኢዩ።

ሕመረት ናይዚ ዋዕላ ግንቦት ነቲ ንልዕሊ ፍርቂ ዘበን ህዝብና ዝረኣዮ ዘስካሕክሕ ገጻት ናይ ኩናት ብዝኾነ ይኹን መልክዑ ዳግም ንኸይክሰት ንምክልኻልን በሰላን ሓድጊ ኩናትን ንምፍዋስን ንምሕዋይን ኢዩ። ህዝብና ዘጋጠሞ ሞትን መውጋእትን፣ ዕንወትን ጥፍኣትን፣ እትረፍ ኪድገም ንፋሱ ኪሻብብ እንከሎ እውን እንተኾነ እምቢ ንኵናት እምቢ ንጎነጽ፣ዝብል ደርማስ ድምጽን ሓይልን ፈጢሩ ከበርዕኖን ኪኣልዮን ኢዩ ራኢኡ። ብፍትሒ ዝተኸበት ሰላም፣ ብፍትሒ ዝማሞቐት ሰላም፣ ኣብ ፍትሕን ርትዕን እትምርኮስ ሰላም ንምስፋን ዝሰርሕ፣ ሓያል ምንቅስቓስ ንምፍጣር ኢዩ ዕላማ ናይዚ ዋዕላ።

ዛዕባ ናይዚ ጽሑፍ ብሕጽር ዝበለ መግለጺ እምበኣር እቲ ኣብ ግንቦት ዝጋባእ ዘሎ ናይ ሰላም ዋዕላ ውሕጅ ከይመጽአ መገዲ ውሕጅ ከም ምጽራግን፣ ኣቐዲሙ ብውሕጅ ዝዓነወን ዝበረሰን ዘበለ ንምጽጋንን ንምሕዳስን ኢዩ። ነቲ ሰብኣውን ንዋታውን ጸጋ ሃገር ዝለከመን ዘብረሰን መንፈስ ኩናት ብመንፈሰ ሰላም ምትክኡን ምምልክዑን።

በዚ መገዲዚ ኣብ ሓድሕድናን ሕብረተሰብናን ናይ ምጽውዋርን ምርድዳእን መንፈስ ብምስራጽ ናብ ባህሊ ምቕያሩን ምምዕባሉን ኢዩ እቲ ተበግሶ። ጉዳያት ኣmበ ክንዲ ብሓይልንን ትምክሕትን ብዘተን ልዝብን ከምዝፈትሑ ምግባርን ነቲ ባህሊ እቲ ምምዕባልን ኢዩ እቲ ንቕሎ። እዚ ባህሊዚ ከኣ ኣብ ውሽጥና ጀሚሩን ዓምቢቡን በብቑሩብ ኪሳዕ ጎረባብትናን ዞባናን ከነስርጾን ይግባእ። ምክንያቱ ኣብዛ ኣለም እዚኣ ካብ ጎረባብትኻን ከባቢኻን ተነጺልካ ኪንበር ስለዘይከኣል።

ሓደ ሰናይ ተበግሶ ብሓደ ውልቀ ሰብ ወይ ብውሑዳት ጉጀለ ኪነቅል ይኽእል ኢዩ። እቲ ሓሳብን መንፈስን ቅዱስን ሃናጽን ኬይኑ እንተተረኺቡ ከኣ ይዓብን ይስስንን። ባዕሉ እቲ ሓሳብ ኢዩ ሰባት ዝዕድም። ልክዕ ከምቲ ጽሩይ ዕምበባ ኣናህብ ዝስሕብ፣ ቅዱስ ሓሳብን ተበገሶን ከኣ ደለይቲ ሰናይ ኪዕድም ባህሪያዊ ኢዩ። ስለዝኾነ ቅድሚ ሰባት ሓሳባት ክንርኢ፣ ኣብ ክንዲ በዓል መን ኢዮም ዝሳተፉዎን ዝዋስኡሉን እንብል እንታይ እዩ ዕላምኦምን ተበግሶኦምን ኪንብል ይግባእ።

ንኣብነት ቓልሲ ህዝቢ ኤíርትራ ብስዉእ ተጋዳላይ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ከምዝጀመረ ኢና ንፈልጥ። እዚ ማለት ከኣ ሓደ ውልቀ ሰብ ኢዩ ነቲ ሽግ ወሊዑዋ ማለት ኢዩ። እቲ ዕላማ ናጽነት ግን ኣብ ልቢ ኩሉ ደላይ ናጽነት ህዝቢ ኤርትራ ስለዝነበረ አእላፍ ደቂ ህዝቢ ሲዒቦሞን ቀጺሎሞን። ኣብ መጨረሽታ ከኣ ድሕሪ ነዊሕን መሪርን ቓልሲ እቲ ዕላማ ተበጺሑ። እቲ ሕልሚ ጋህዲ ኮይኑ። እቲ ጉዕዞ ከኣ ተዛዚሙ።

ኣጋጣሚ ኮይኑ ነቲ ጉዕዞ እቲ ዝዛዘመ ወገን ግን ነቲ ካልኣይ ጉዕዞ በቲ ኪኾኖ ዝግበኦ መንገዲ ኪመርሖ ኣይከኣለን። ኣብ ክንዲ ዝጥርፍ ኪፍንጥሕ ኣብ ክንዲ ዝኣኻኽብ ኪብትን ኣብ ክንዲ ዘሳትፍ ኪብሕት ስለዝመረጸ ስእልናን ምስልናን ኣብ ዓለም ከምዝድወን ገይሩዎ። ነዚ ምስልን ስእልን ኪንምልስን ኪንፍውስን ሓላፍነትና ስለዝኾነ ከኣ ኢና ፈልሲ ሰላም ኣብ ምትካል ብሓባር ኪንሰርሕ ንጽውዕን ንዕድምን ዘሎና።

ኪሳዕ ሕጂ ነዚ ወሪዱና ዘሎ ጸገምን ኣደራዕን ኪፈትሕን ኪፍውስን ዝኽእል እዚ ዓይነት መድሃነðት እዚ'ዩ ተባሂሉ ዝተዳለወ ፈውሲ የሎን። እቲ ፈውሲ ብሓባር ኢና ክንደልዮን ሃሰስ ክንብሎን። ግን ብርግጽ ግዜን ጸዓትን ደኣ ይሓትት እምበር ባህሊ ሰላም ካብ ምኹስካስን ዘርኢ ሰላም ካብ ምዝራእን ዝዓቢ ፈውሲ ኣይክህሉን ኢዩ። ነዚ እንብህጎን እንደልዮን ዘለና ናይ ሰላም ጉዕዞ ከኣ ድሌትን መንፈስን ህዝብና ሒዝና ኢና ክንከዶ። ህዝብና ኣብ ቅዱስን ሰናይን ዕላማን ተበግሶን ከምዝዓስልን ስለእንኣምን ምስ ኩሎም ደለይቲ ሰላም መሻርኽትና ሓቢርና መንፈስን ንያትን ህዝብና ዓጢቕና ፈልሲ እቲ ህዝብና ዝናፍቖን ዝብህጎን ሰላም ንምትካል ኪንሰርሕ ኢና። ህዝቢ ባዕሉ ከኣ ነቲ ዝተተኽለ ፈልሲ ሰላም ኮስኪሱን ኣጥሊሉን ናብ ዕምበባን ፍረን ከምዘብጽሖ እምንቶና ጽኑዕ ኢዩ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...