ቀጻሊ መግለጺ - ሚያዝያ 18 2010

ናይ ኤርትራ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን፡ ብመሰረቱ ሓድሽ ማሕበር ኣይኮነን። ቅድሚ ሸውዓተ ዓመት ብግዱሳት ሃገራውያን ኣብ ሃገር ፈረንሳ ተመስሪቱ ኣብ ምንቅስቃስ ስራሕ ዝጸንሐ’ዩ።

እምነትና፡ ብኲናት ይኹን ብተፈጥሮ ንዝሰንከሉ ወገንና ክንሕግዝ ኤርትራዊ ሓላፍነትና’ዩ። ንዝተወሰኑ ኣካላት ጥራሕ ዝምልከት ስለዘይኮነ። እወ፡ ምጥዋር ኣካለ-ጽጉማን (ናይ ሓርነት ውጉኣትና) ኣብ ከሰላ፡ ኣብ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ፡ ወይ ድማ ኣብ ውሑዳት ጉዱሳት ሰባት ተወሲኑ ጸኒሑ’ዩ። ነዚ ሃገራዊ ሓላፍነት’ዚ ተሰኪሞም ንነዊሕ ዓመታት ክንቀሳቐሱን ግብኦም ከወፍዩን ንዝጸንሑን ኩሎም ምስጋና ይግበኦም።

ብዝኾነ መዕቀንን መረዳእታን፡ ጉዳይ ኣካለ-ጽጉማን ኤርትራ ፖለቲካዊ ዘይኮነስ ግብረ-ሰናያውን ሞራላውን’ዩ። ስለዝኾነ፡ ናይ ኤርትራ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ጨንፈር ሰሜን ኣሜሪካ፡ ጉዳይ ምሕጋዝ ኣካለ-ጽጉማትና፡ ሃገራውን ሞራላውን ሓላፍነት ናይ ኩሉ ዜጋ እዩ ካብ ዝብል እምነት’ዩ ዝንቀሳቐስን ዝሰርሕን ዘሎ።

ንምስረታ ‘ዚ ማሕበር’ዚ ዝምልከት፡ ዳርጋ ሰለስተ ርብዒ ተሳላሲሉ ኣሎ ክብሃል ይክኣል።

  • ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ከም ዘይመኽሰባዊ ማሕበር ኮይኑ ብሕጊ ቆይሙ።
  •  ውሽጣዊ ሕጊታቱን ኣርጊኡ። 
  •  ናይ ታክስ ኤግዘምፕት ፍቓድ ክረክብ ኩሉ መሰናድኦታት ወዲኡ።
  • መስራቲ ጉባኤ ኣብ ሺጋጎ፡ ኣብ ሓምለ 3-4 2010 ከካይድ ወሲኑ ኣብ ምድላዋት ይርከብ።   

እንተኾነ፡ ምስንዳእ ይኹን ምትግባር መሰራቲ ጉባኤ፡ ናይ መወዳእታ ሽቶ ኣይኮነን። ኣብ ጉባኤ ይኹን፡ ድሕሪ ምፍጻም ግባኤ፡-

  1. ጽኑዕ ውደባን ጽፉፍ ናይ ተግባረ-ስራሕ መደባትን፡
  2. ሓያል ዓቕሚ ሰብን ገንዘብን፡
  3. ተሓታትነትን ግሉጽነት ዘዘውትር ኣማራርሓ፡…. ክህልውዎ፡ ግድን የድልዩ።

ውጉኣት ሓርነትና፡ ወትሩ፡ “ኣብ ተዘክሮኹም’ዶ ኣሎና? ንሕና፡ ምእንቲ ህዝብና ዝሰንከልና ሰነድ ታሪኽ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ’ና!! እሞ ድኣ ከመይ ንርሳዕ? ሕድሪ ናይ ትማሊ፡ ግብሪ ሎሚ!!!” ዝብሉ ልቢ ዝትንክፉ ጸዋዒት ንሕልናና ብቀጻሊ ከበራብሩ ስለዝኾኑ። ንምዕዋቱ…? እወ፡ ይካኣል’ዩ።
ስለዚ፡ ንኣከለ-ጽጉማትና ንምርዳእ፡ ቀጻልን ዘላቕን ፍታሕ ዘረጋግጽ፡ ኣብ ምስራታ ጉባኤ ሓምለ 3-4 2010 ብኣካል ምስታፍን፡ ብሞያ ንምስናይን፡ በብዘለናዮ ክንዕጥቕ እነሆ ጸዋዒት ይቐርብ።

ኣሳናዳዊት ሽማግለ
ምስረታ ኤርትራዊ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን
ጨንፈር ሰሜን ኣሜሪካ
 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...