EYGM BLUEዓለም-ለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ኣእዳው ደለይቲ ለውጢ ሰሚረን፡ ንህዝብና ናብቲ ህዝብና ሃንቀው ዝብሎ ሰላምን፡ ራህዋን፡ ግዝኣተ-ሕግን ንክበጽሕ’ዩ ዝጽዕር ዘሎ። እዚ ከኣ ንሓደ ንኽልተ ዝግደፍ ኣይኮነን። ንኹሉ ብማዕረ ዝብጽሖ ቅዱስ ተግባር ኢዩ። ነዚ ንምትግባር ከኣ ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቕስ መእሰያት ኤርትራ ካብቲ ዝርአ ዘሎ ጨናፍር መቓልሕ ቃልሲ ናጻ ኮይኑ፡ ቀላሲ ተራ ንምጽዋት መኣዲ ዘተ ሰሪዕ’ዩ ዝንቀሳቐስ ዘሎ። ካብዚ መሰረተ ሓሳብ ብምንቃል ከምኡ’ውን ሃገርና ዘላቶ ክፉእ ኩነታት ብምስትውዓልን ኣዩ ከኣ፡ ንሕና ብደውና ከለና፡ እሞ ከኣ እናሰማዕና እናረኣና! ህዝብና ኣሕሊፍና ንበላዒ ሰብ ኣይንህብን! ንዳሕራይ ወለዶ ሕማቕ ዛንታ ኣይንገድፍን! ዝብል ሓቦ ዝሰነቑ መንእሰያት ሒዙ እዩ ንዓወት ተበጊዙ ዘሎ። ዕላምኡ ከኣ ንህዝብና ካብዚ ዕብዳኑ ወሰን ዝሰኣነን ሃገር ዘጸልምትን ዘሎ ስርዓት ብኸመይ ነናግፎ? ካብዚ ሃገር ናብ ህልም ዝበለ ጥፍኣትን መዕለቢኡ ዘይፍለጥ ጸላም ሒዙዋ ዝዕንድር ዘሎ፡ የልምዕ ኣለኹ እናብለ ህዝቢ ዘታልልን ስርዓት ብኸመይ ህይወት ህዝብና ነድሕን? ናብ መገዲ ሰላምን፡ ራህዋን ልምዓትን ብኸመይ ክንመርሖ ንኽእል? ንዝብሉ ሕቶታት መልሲ ንምርካብ ሓቢርና ንዛተ። ንዑ ፈውሲ ንድለ። እዚ ገባር ክፉእ ከይቀደመና ከሎ ንቐድሞ፡ ንህዝብና ነድሕኖ እናበለ መጸዋዕትኡ ናብ ዝሰምዑ መንእሰያት  ዘመሓላልፍ ዘሎ ምንቅስቓ እዩ። 

ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ህዝብና ገጢሙዎ ዘሎ ጭንቂ ዘየላቡ ምዃኑ ብምግንዛብ’ዩ ጸዋዒቱ ዘመሓላልፍ ዘሎ። ጽባሕ ካብ ምንባዕ ከኣ ሎሚ ናይ ርሑቕን ቀረባን ጸገማት ኣለሊኻ ፈውሲ ምርካብ እቲ እንኮ ኣማራጺ ምዃኑ ብምርዳእ ኣውያት ህዝቢ ናብ ኩሉ ዝሰምዕ ዘመሓላልፍ ዘሎ። ዕንወት ሃገር፡ ምብራስ ህዝቢ፡ ምፍላስ መንእሰይ፡ ተጣዒስካ ዝምለስ ስለዘይኮነ እዩ። ርግጽ እዚ መብዛሕትና ኣብ ማዕዶ ኮንና ብናይ ህዝብና መዓትን መከራን ተሳቒና ኢና። ድቃስ ስኢና ኢና። ሓሚምና ኢና። ግን ኣብ ዘዘለናዮ ኮንና ምጥዓስን ምብካይን ዋጋ ከምዘይብሉ ከኣ ንፈሊጥ ኢና። ስለዚ ሎሚ ተቐራሪብና፡ ተረዳዲእና፡ ዝሓይሽ መኺርና፡ ኣደራዕ ንክንበል ንዛተ። ነቲ ንድሕሪ ሕጂ’ውን ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝጸፍዮ ዘሎ ማእለያ ዘይብሉ እከይ ነለልዮ። ኣለሊና ነምክነሉ ብልሓት ንድለ። እዚ ናይ ወለድና ሓቦ ተዓቲቕና ኢና ንከማና ዝኣመሰሉ ብህዝቦም ዝሓሙ መንእስያት ጸዋዕታና ነመሓላልፍ። ኩሉ ጸዋዕታና ዝሰምዐ፡ ንኣና ክመስል፡ ምሳና ክዕጠቕ፡ ምስ ህዝቡ ደው ክብል ከኣ ሙሉእ ተስፋን እምነትን ሒዝና ኢና ተላዒልና ዘለና። ስለዚ ሃየ በሉ መንእሰይ ኤርትራ! ንዑ ሓቢርና ኣብቲ ብዙሓት ክኢላታት ዝሳተፉዎ ዘተ ንውዓል። 

ዓለም-ለኻዊ ምስንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ኣትላንታ ጆርጂያ ብ16 ጥርን ብ17 ጥርን ዝካየድ ዘተ ድምቀት ዝህብ ብወናማት ኤርትራውያን ክቐርብ ምዃኑ ክነበስረኩም ከለና ሓጎስ ይስመዓና።
ብድሓን ምጹ

ኣዋሃሃዲ ጉባኤ ዓለም-ለኻዊ መንእሰያት ኤርትራ
ኣትላንታ ጆርጂያ 

 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...