ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ደቂ ሃገር፡ ብቀዳምነት ልባዊ ሰላምታና ይብጻሕኩም።

ቀጺልና ደጊም፡ ንልሙድ መደብና መሰረት ብምግባር፡ እንሆ ንቀዳም ዕለት 21.11.2009 ዓ.ም.ፈ.፡ ንክቡር ሓው ዓብደልራሕማን ሰይድ፡ ጋሻ ናይ (Eritrean room for strong and united opposition) ኮይኑ ከምሲ፣ እሞ ብዛዕባ እቲ፡ ካብ ዕለት 09–10. Nov. 2009፡ ብሓንቲ ብ(European External Policy Adviser EEPA) እትፍለጥ፡ ዘይመንግስታዊ ድርጅት፡ ተዳልዩ ኣብ ብሩስል ዝተገብረ ጉባኤን (Brussells conference) ውጽኢቱን፡ ከም ዋና ዛዕባ ኣልዒሉ፡ ምስ ህዝቢ ክዛተ ዓዲምናዮ አሎና። እዚ (Chat-Room) ዝኽፈተሉ ግዜ፡ ብናይ ብርሊን (Berlin) አቖጻጽራ፡ ሳዓት 20፡00 እዩ፡፡ መደረ ጋሻና ዝጅመረሉ እዋን ካአ፡ ሳዓት 21፡00 ክኸውን እንከሎ፡ ዘተ ምስ ጋሻና ዘብቃዓሉ እዋን ካአ፡ ከባቢ ሳዓት 01፡00 ክኸውን እዩ። ድሕሪ’ዚ ካአ ጋሻና ግዜ ሃሊይዎ፡ ፍቃደኛ እንተ ኾይኑ፡ አብ ለበዋ፤ ርእይቶ፤ ነቐፈታ፤ …ወዘተ… ክንአቱ ኢና።

ክቡራትን ክቡራንን፡ አሕዋትን አሓትን ደቂ ሃገር፡ መዛተይ ኣርእስትና ቅድሚ ብዝርዝር ምጽሓፍና፡ ሓቤረታና ምልኡንት ክህልዎ፡ ሕጽር ዝበለ መግለጺ እንታውነት ጋሻና፡ ክንህብ አንበብቲ ሓቤሬታና ክትጻወሩና ብትሕትና ንምሕጸን፡፡ ክቡር ሓው ዓብደልራሕማን ሰይድ ብሙይኡ፡ ኣብ „Social-Cince“ ብናይ „International Relation“ ብደረጃ ዲግሪ፣ ኣብ ናይ „Comperativ Federalism“ ብደረጃ ማስተር ዲግሪ፣ ትምህርቱ ዘጣናቐቐ፡ ሓደ ካብቶም ኣለዉና/ኣለዋና ተብሂሎም ዝጽውዑ፣ ሃብቲ ሃገር ዝኾነ፡ ወዲ ሃገር እዩ። ብቀጻሊ እውን „Conflict and Resolution on Federalism“ ኣብ ዝብል ዛዕባ መጽናዕቲ የካይድ ኣሎ። ሓው ዓብደልራሕማን ሰይድ ከም ናይ ሕልንኡን ሞራሉን ግዙእ፣ ከምኡ’ውን፡ ረብሓ ብዙሓት፡ ቅድሚ ውልቃዊ ረብሕኡ ዘቐድም፣ መጠን፡ ህዝብና መሰረታዊ ሰብአዊ መሰሉ አብ ትሕቲ ግዝአት ሕጊ ክረጋገጽን ክኸብርን፣ ስርዓት ውልቀ-መላኪ ኣልጊሱ፡ ብስርዓት ዲሞክራሲ ክትካእ፣ ምእንቲ፡ ግዜኡን ዓቕሙን ከይበቐቐ፣ ዘይሕለል ቃልሲ ከካይድ ዝጸንሔን ዘካይድ ዘሎን፡ ተባዕ ወዲ ሃገር እዩ። ንኣብነት ካብ ኪዳን (EDA) ዝተመስረተሉ እዋን 1999 ዓ.ም.ፈ ጀሚሩ ክሳብ 2005 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ዝተፈላለያ ኮሚተ ናይ ኪዳን (EDA) ኮይኑ ንተቃውሞ ደንበ የገልገል ነይሩ።

ብፍላይ’ወን ኣብቲ፡ ኣብ ፍራንክፎርት ከተማ ጀርመን ዝተገበረ፡ ኩሎም መሪሕነት ውድባት/ሰልፍታት ተረኺቦሙሉ ዝነበሩ፡ ናይ ኪዳን (EDA) Symposiyom ከም ኣቦ መንበር ኣኼባ ኮይኑ ንኣኼባ ዝኣለየን፡ ኣብ ምዕዋቱ’ውን፡ ከምቶም ካልኦት ብጾቱ፡ ዓቢ ተራ ዝተጻወተ ኤርትራዊ እዩ። ካብ 2002 – 2004 ካኣ፡ ነቲ ንሱ ዝዓግበሉ ፈደራላዊ ዕላማ ንምዕዋት፡ ኣባል ውድብ „ፈደራሊያ“ ኮይኑ፡ መጀመርያ ከም ኣፈኛ ውድብ፣ ድሕሩ ካኣ፡ ካብ 2004 ንንዮው፡ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ፡ ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ዜናን ሓበረታን፡ ኮይኑ ኣንጻር ውልቀ-መላኺ ሃገርና ይቃለስ ነይሩ። ኣብ 2008 ኣብ ወርሒ 7 ብ-ሕብረት ኤሮጳ „EU“ ዝተዳለወ „Hearing“ ተኻፊሉ ነይሩ። ኣብ ምምስራት ስድሪ (CiDRi) ናይ Lobbing ስራሕት ድሕሪ ምክያድ፡ ቀጺሉ ናይ „Policy and Recerch“ ቤት-ጽሕፈት ሓላፊ ኮይኑ፡ ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ውልቀ-መላኪ ከገልገል ጸኒሑ። ዛጊት’ውን ነዛ፡ ብ-„Taske-Force“ እትፍለጥ፡ ኣብቲ ካብ ዕለት 09 –10. Nov. 2009.፡ ብሓንቲ ብ(EEPA) እትፍለጥ፡ ዘይመንግስታዊ ድርጅት፡ ተዳልዩ ኣብ ብሩስል ዝተገብረ ጉባኤ፡ ዝተኻፈለት ናይ ገለ ኤርትራውያን ምትእኽኻብ፡ ኣፈኛ ኮይኑ፡ ሕሰምን ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ህዝብና፡ ዓለም ንኽርእዮን ክሰምዑን፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዋዕላ ዝተኻፈለ ወዲ ሃገር እዩ። ሓው ዓብደልራሕማን ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ፡ ናይ ብሩስል ጉባኤ፡ መሰረት ብምግባር፡ ንዕለት 21. 11. 2009፡ ምስ ህዝቢ ክዛተየሎም ተዳሊይሎም ዘሎ ንጥብታት፡ ኣብ ሰለስተ አርእስቲ ዝተኸፍሉ እዮም። ንሳቶም ካኣ፤

  1. እዛ „taske-force“ ወይ ካኣ „Lobbying group“ ማዓስ ተመስሪታ፡ ዕላማኣ’ኸ እንታይ እዩ?
  2.  እዛ „taske force“ ክሳብ ሕጂ ዘተግበረቶም ንጥፈታት ከመይ ይመስል?
  3.  መግለጺ ብዛዕቢ ኣብቲ፡ ካብ ዕለት 09 – 10. Nov. 2009 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ብሩስል ዝተኻየደ ጉባኤ፡ ብጉዳይ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ፡ ዝተዘርበ ከምኡ’ውን ውጽኢቱ።

እዮም ዝመስሉ። ስለዚ፡ ክቡራትን ክቡራንን፡ አሕዋትን አሓትን ደቂ ሃገር፡ ከምዚ ዝአመሰለ፡ ብጣዕሚ እዋናውን ኣገዳሲ ዝኾነ፤ ንኽውንነት ኣግባብ ኣቃላልሳ ተቓውሞ ደንበ ዘንጻባርቕ፤ ዛዕባታት፡ ዘተ ምስ ክቡር ሓው ዓብደልራሕማን ሰይድ ከይሓልፈኩም/ክን፡ ተኻፈልቲ፡ ናይዚ ምሸት ፖለቲካዊ ዘተ እዚ፡ ኮይንኩም/ክን ምሳና ክተምስዩ/ያ፡ ብኽብሪ ንዕድም፡፡

ብዳሓን ምጽኡ/አ …!!!

ካብ ኤርትራውያን፡ አባላት ናይ ዝተፈላለያ ውድባት/ሰልፍታት፤ በርገሳዊ ማሕበራት፤ ብውልቀ ተቓወምቲ፤ አብ መራኸቢ ብዙሓን፡ ፓልቶክ (Paltalk)፡ ብዛዕባ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን፣ ከምኡ’ውን ብአግባብ አቃላልሳናን አቓውማናን፡ እንማያየጥን እንዛተን ደቂ ሃገር፡፡ This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...