c-4 plastic ተፈንጃሪ ኣብ ክሻ

 
መፈንጀሪ ገመድ RDX 
 
መዐሸጊ ሰሊፕ ዘለዎም ተፈንጀርቲ 
 
ኣብ ኤርትራ ዝፈረየ መድሃኒትን ሳላእንግሊዝን
 
2004 ኤርትራ ካብ ሮማንያ ዝሸመተታ መንጣሊት ብረት 
 
ተለቃቢ 8.4 መ.፡

ካብ ሮማንያ ዝተሸመተ ኣጽዋር ዘርኢ ኣርማ ኤርትራ ዘለዎ ምስክር ወረቐት፡፡፤
 
 
ተለቃቢ 8.4 ረ
 
ቅዳሕ ኢድሪሰ መሓመድ ዑመር ዝገበሮ ርክብ ተሌፎን፡፡ 
 
 
ተለቃቢ 8.5.:

ፍሉይ መጽናዕቲ፡ ስለያ ኤርትራ ምስ ዕጡቓት ጕጅለታት ሶማልያን ካልኦትን ዘለዋ ርክባት

1. ካብ 2003 ጀሚሮም ዕጡቓት ጕጅለታት ሶማልያ ኣብ ምሕጋዝን ምርኻብን ተዋፊሮም  ካብ ዝነበሩ ሰብ መዚ ኤርትራ ሓደ ኣባል ወተሃደራዊ ስለያ ኮሎኔል ተወልደ ሃብተ ነጋሽ ኢዩ፡፡ ካልኦት ኣስማት እዚ ሰብ ኣማኑኤል ኪዳነ፡ ኮሎኔል ሙሳ፡ ኮሎኔል ሓጎስ ኮይኑ ኣብ ትሕቲ ኣላይነት ጀነራል ጠዓመ “ወዲ መቐለ” ኢዩ ዝሰርሕ፡፡ ብዙሓት ኣባላት ዕጡቓት ጕጅለታት ሶማልያ ዝነበሩ (እንተላይ ኣልሸባብ፡ ሒዝቡል ኢስላም፡ እስላማዊ ግንባር ሶማል ከምኡውን ሕብረት ኣብያተ ፍርዲ እስላም)፡ OLF: ONLF: ሓለፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝነበሩን ከምኡውን ብመሰረት ካብ ህሉው ስለያ ኤርትራ ብዝተረኽበ ሓበሬታ ንጥፈታትን ምስልን ኮሎኔል ነጋሽ ንተቘጻጻሪት ጕጅለ ክግለጽ ተኻኢሉ ኢዩ፡፡  
2. ብመሰረት እዞም ምንጭታት ነጋሽ ብኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኬንያ ኣቢሉ ምስ ዝተፈላለዩ ኣብ ኬንያ ዝቕመጡን ኣብኡ ንበረራ ዘዕርፉን ዕጡቓት ጕጅለታት ሶማልያን ኢትዮጵያን ብዘይምቁራጽ እናተራኸበ ቀዋሚ ዝምድና  ከማዕብል ክኢሉ ኢዩ፡፡ ገለ ካብቶም ንሱ ነዞም ኣባላት ሂብዎም ዝበሃሉ ኣገልገሎታት ንመጥቃስ፤ ምዕዳል ፓስፖርት፡ ፋናንሳዊ ሓገዝ፡ ታዕሊምን ቀረብ ሎጂስቲክን ኢዮም፡፡ ብዘይካ’ዚ ኣብ ኤርትራ ወተሃደራዊ ታዕሊም ዝወስዱ ዕጡቓት ጕጅለታት ሶማልያን ኢትዮጵያን ዝኣሊ ነጋሽ ምኻኑ ብዙሓት ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ካብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ክልለ ክኢሉ ኢዩ፡፡ 
 
[1]ብመሰረት 10 ሕዳር 2010 ምስ ኣዘዝቲ ONLF ነበር ካብ ዝተገብረ ቃለመጠይቕ፡ 12 ሕዳር 2010 ምስ ኣዘዝቲ OLF ነበር ብዝተገብረ ቃለመጠይቕ፡  ወተሃደራዊ በዓልመዚ ሒዝቡል ኢስላም ነበር ብ 7 ሚያዝያ 2011 ኣብ ዝሃቦ ቃለመጠይቕ ፡ መስከረም 2010 ከምኡውን ሚያዝያ 2011 ዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ምንጭታት ዝሃብዎ ቃለመጠይቕ ዝርዝራዊ ሓበሬታ መንነት ኮሎኔል ነጋሽ ከራጉድ ከኢሉ ኢዩ፡፡ 
 
3. ተቘጻጻሪት ጕጅለ ብዛዕባ ነጋሽ ዝረኸበቶ ናይ መጀመርታ ናይ ዓይኒ ምስክር ሓበሬታ ኣብ 2002 ሓደ ካብ OLF ዝተረኽበ ምንጪ ጕጅለኡ ካብ ነጋሽ መቐመሪ ተፈንጃሪ ምርካባ ምስ ገለጸ ኢዩ፡፡  ኣብ 2003 ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ONLF ንተቘጻጻሪት ጕጅለ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ንነጋሽ ኣብ ኤምባሲ ኤርትራ (ናይሮቢ) ከም ዝረኸቦ፡ ኣብ ጣውላኡ ከኣ ብዙሕ ናይ ሶማላውያን ዝመስሉ ሰባት ኤርትራዊ ፓስፖርት ከም ዝረኣየ ይዛረብ፡፡ እዚ ናይ ዓይኒ ምስክር ንባዕሉ ኤርትራዊ ፓስፖርት ተዋሂቡ ኢዩ፡፡  ብዘይካ’ዚ ኣብ 2004 ኣጽዋርን ተጋደልቲን  ONLF ካብ ኤርትራ ናብ ደሑሶማሪብ (ሶማልያ) ብኣየር ንኽግዕዙ ኣብ ናይሮቢ ኮይኑ ብተሌፎን ዘሳልጠ ነጋሽ ምንባሩ ይገልጹ ፡፡     

4. ኣብ 2006 ሕብረት ኣብያተ ፍርዲ እስላም ኣብ ሞቓዲሾ ስልጣን ምስ ሓዘ ነጋሽከም ኣወሃሃዲ ደገፍ ዕጡቓት ጕጅለታት ሕብረት ኣብያተ ፍርዲ እስላም (ICU)ንኣሸባሪ ክንፉን (ኣልሸባብ) ፡ ከምኡውን ONLF ን OLFን ኮይኑ ብርክት ንዝበለ ግዜ ኣብ ሞቓዲሾ ጸኒሑ ኢዩ፡፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣኼባታት ዝተሳተፈ    ሶማላዊ ተርጓሚ ንተቘጻጻሪት ጕጅለ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ነጋሽን ብጾቱን ኣብ እንዳ መዋሊ ICU ዝኾነ ኣቡበከር ዑመር ኣዳኒ ዝተባህለ ይቕመጡ ምንባሮም፡ ነጋሽ ምስ ወተሃደራውያን ሰብ መዚ ኣልሸባብ፡ ICUን እንተላይ ዩሱፍ ኢንዳሓዲን ኣደን ሓሺ ኣይሮውን ቀጻሊ ኣኼባ ይገብር ምንባሩን ይገልጽ፡፡ 

5. ሓደ ናይ ONLF ናይ ዓይኒ ምስክር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣብ 2006 ነጋሽ ብዛዕባ ነተጕቲ ስልጠን ሂቡ ኢዩ፡፡  ሓደ ናይ OLF ናይ ዓይኒ ምስክር ብወገኑ ኣብዚ ዝተጠቕሰ ግዜ ነጋሽ ንኣባላት OLF ኣጠቓቕማ TNT ከምኡውን C4 ዝተባህሉ ነተጕቲ ይምህር ምንባሩ ይገልጽ፡፡  ካብ 2007-2009 ኣብ ኤርትራ ወተሃደራዊ ታዕሊም ዝወሰደ ኣባል ኣልሸባብ ነበር  ሶመላዊ ንተቘጻጻሪት ጕጅለ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ፡ ኣልሸባብ ስልጠና ነፍሰ ቕትለታዊ መጥቃዕቲን ኣብ መኪና ዝጽወር ተሰናዓይ ነታጕ(VBIEDs) ኣብ መዓስከር ታዕሊም ኪሎማ ይወስዱ ምንባሮም፡ ተዓለምቲ ከኣ ብቐጻሊ ነጋሽ እናበሉ ይውከስዎ ምንባሮምን ይገልጽ፡፡ 
 
6. ሓደ ላዕለዋይ በዓል መዚ ICU ብመሰረት ዝሃቦ ሓበሬታ ፡ ኣብ ፈለማ 2007 ኢትዮጵያ ኣብ ሶማል ምትእትታው ድሕሪ ምግባራ፡ ነጋሽ ምስ 7 ካልኦት ኤርትራውያን ኮይኑ ናብ ኬንያ ሃዲሙ፡፡ ድሕሪ ምህዳሙ ክሳብ ገለ ካብ ጕጅለኡ ዝተሓዙ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሓጋዲራ ጸንሐ፡፡ ድሕሪ’ዚ ኣብ ኬንያ ኮይኑ ንጥፈቱ ዝቐጸለ ኢዩ ዝመስል፡፡ 2008 ኣብ ምሽምጋል ኣምሳያዊ ክፍሊት (ransom) ናይታ ብኬንያ ኣቢላ ናብ ደቡብ ሱዳን ክተምርሕ ሶማላውያን ቀርሰንቲ ዝጠለፍዋ MV Fania ዝተባህለት ወተሃደራዊ ናውቲ ዝተጻዕነት መርከብ ዩክሬይን ኢዱ ከእቱ ብምፍታኑ ካብ ኬንያ ተጠሪዙ፡፡ ድሕሪ ጥርዚያኡ (2008) ናብ ኡጋንዳ ብምግዓዝ ስርሒታቱ ኣብኡ ኮይኑ ምክያድ ቀጸለ፡፡  
 
ቃለመጠይቕ (12 ሚያዝያ 2010) 
ቃለመጠይቕ (10 ሕዳር 2010)
ምስ ሓላፊ ሎጂስቲክስ ONLF ነበርን ብጻዩን ዝተገብረ ቃለመጠይቕ ሕዳር 2010.
ምስ ተርጉሚ ONLF ነበርን ካልኦት ላዕለዎት ሰብ መዚ ONLFን ብሕዳር 2010 ዝተገብረ ቃለመጠይቕ፡፡ ሚያዝያ 2011 ዩሱፍ ኢንዳሓዲ ነዚ ኣብ ሞቓዲሾ ኣረጋጊጽዎ ኢዩ፡፡ እዞም ምስክርነታት ነቲ ተቘጻጻሪት ጕጅለ ኣብ ሕዳር 2006 ኤርትራ 2000 ተዋጋእቲ ናብ ሶማልያ ልኢኻ ዝብል ዘቕረበቶ ጸብጻብ (S/2006/913, ሕጡበ ጽሑፍ 37) ዝድግፍ ኮይኑ ኣይተረኽበን፡፡   
በዓልመዚ ONLF(ሕዳር 2010)፡፡
 
ቃለመጠይቕ (11 ሕዳር 2010) 

እዚ ሶማላዊ ምልምል ኣብ ጅቡቲ ብኣኽረርቲ ምስልምና ከም እተመልመለ፡ ናብ ኤርትራ ከም እተላእከን ኣብ ኪሎማ ዝተባህለ ቦታ ካብቶም ኣብኡ ዝርከቡ ጉጅለ  ONFን ONLFን ፍልይ ኢሎም ምስ ጕጅለ ኣልሸባብ  ወተሃደራዊ ታዕሊም ከም ዝወሰዱን ይገልጽ፡፡ ድሕሪኡ ኣብ 2009 ናብ ጁቡቲ ተላኢኹ፡ ናብ ኢትዮጵያ ክኣቱ ከኣ ብ ሶማላውያን መራሕቱ ተነጊርዎ፡፡     

አኸበርቲጸጥታ ኬንያ መጋቢት 2011 ከም ዘረጋገጽዎ ኮሎኔል ነጋሽ ኣብ 2008 ከምኡውን ኣብ 2009 ተጠሪዙ ኢዩ፡፡ተቘጻጻሪት ጕጅለ ኮሎኔል ነጋሽ ምስ ፋይና ዘለዎ ርክብ ብናጻ ኣካል ከተረጋግጽ እኳ እንተዘይከኣለት፡ ምሰቲ ጥርዝያ ዝተኣሳሰሩ ሰነዳት ግን ክትርኢ ክኢላ ኢያ፡፡ ኣብ ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ናይሮቢ ዝሰርሕ ዝነበረ ሓደ ብዓል መዚ ብ 28 መስከረም 2010 ኣብ ዝሃቦ ቃለመጠይቕ፡ ከምኡውን ብዛዕባ ወሽጣዊ ሚስጥር ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ናይሮቢ ኣፍልጦ ዘለዎም ምንጭታት ጥቅምቲ 2010 ኣብ ዝገበርዎ ቃለመጠይቕ ነጋሽ ናብ ኡጋንዳ ከም ዝጸሎቘ የረጋግጹ፡፡      

7. ኣብ 2009 ነጋሽ ናብ ኬንያ ተመልሰ፡፡ እንተኾነ ሕጂውን ኣብ ኬንያን ሶማልያን ምስ ዝርከብ ዋህዮ ዕጡቓት ጕጅለታት ሶማልያ ርክብ ከም ዘለዎ ስለ እተፈልጠ ተጠረዘ፡፡  ብመሰረት ሰብ መዚ ኣኽበርቲ ሕጊ ኬንያ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ነጋሽ ምስ መሓመድ ማንታይ ዝተባህለ ኤርትራዊ ዲፕሎማሰኛ (ሚያዝያ 2011 ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሱዳን ኮይኑ ዝተመዘዘ) ከምኡውን ሰራሕተኛ’ቲ ኤምባሲ ብምዃን ብመሬት ኬንያ ኣቢሎም ናብ ኡጋንዳ በእኡ ኣቢሎም ከኣ 2009 ናብ ሶማልያ ብምእታው ምስ ኣባላት ኣልሸባብን ካልኦት ዕጡቓት ጕጅለታትን ከም እተራኸበ ይገልጹ፡፡ 21 መስከረም 2009 ካብ ሞቓሲሾ ተሰናቢቱ ዶብ ዶብለይ ሊቦይ ብምቊራጽ ናብ ኬንያ ተሳገረ፡፡ ድሕሪኡ 26 መስከረም 2009 ኬንያ ጥሒሱ ዶብ ኬላ ቡሲያ (ዶብ ኡጋንዳ) ምስ በጽሐ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ሰብ መዚ ኬንያ ኣተወ፡፡ መሊሱ ከም ዝጥረዝ ከኣ ተገብረ፡፡   እዚ ፍጻሜ ብርግጽ ክዉን ምዃኑ ሓደ በዓል መዚ ኤርትራ ኣረጋጊጽዎ ኢዩ፡፡ እንተኾነ ንንተቘጻጻሪት ጕጅለ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ተልእኾ ነጋሽን ብጾቱን ሳልሰይቲ ሃገር ብምውካል ዲፕሎማስያዊን ሰብኣዊን ዕላማ ዝነበሮን ብምሉእ ኣፍልጦ TFG ዝተገብረ ምዃኑን ይገልጽ፡፡  
 
8. ናይ ቀረባ መሳርሕቲ ነጋሽ ከምኡውን ኤርትራዊ ሃገራዊን ስለያዊን ሃብቲ ዝኾነ ሃኒባል ካሕሳይ መንግስቱ ኣብ ኬንያ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሉ ሰነ 2009 ናብ ኤርትራ ተጠሪዙ፡፡ ብመሰረት ሓደ ናይ ዓይኒ ምስክር ሃኒባል ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክኣቱ እንከሎ ሰብ መዚ ኬንያ ካብ ገዝኡ ብርክት ዝበለ ናይ ኤርትራን ናይ ካልኦት ሃገራትን ፓስፖርትታት ረኺቦም ኢም፡፡   ብመሰረት ወኪላት ኣኽበርቲ ሕጊ ከምኡውን ምስ ሃኒባል ቅርበት ዘለዎም ኬንያውያንን ኤርትራውንን ምንጭታት ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ሃኒባል ኣብቲ ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ኬንያ ዘካይዶ ኣኽሳቢ ሰባት በዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ናይ ምትሕልላፍ ቢዝነስ (Human trafficking) ይዋሳእ ኔሩ ኢዩ፡፡  

9. ካብ ሰነ 2009 ክሳብ ፈለማ 2011 ሃኒባል ካብን ናብን ኤርትራን ኡጋንዳን ተመላሊሱ ኢዩ፡፡ ኣብ’ዚ ጉዕዞኡ ብውሑዱ ክልተ ሳዕ ብደቡብ ሱዳን ኣቢሉ ኢዩ ናብ ኡጋንዳ ኣትዩ፡፡   ንተቘጻጻሪት ጕጅለ ንሰብ መዚ ኡጋንዳ ብዝሃበቶም ውሱን ሓበሬታ ተሓጊዞም ፈለማ 2011 ኣብ ካምፓላ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣውዒሎሞ፡፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ እንክኣቱ ብርክት ዝበለ ሲም ካርድታት ሒዙ ተረኺቡ፡፡ ሓንቲ ካብዘን ሲም ካርድታት ዝሓዘቶ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ምድላው ፓስፖርት፡ ምትሕልላፍ 8 ሽሕ ዶላር ኣመሪካ፡ ከምኡውን ኣብ ኖትቡኩ ቁጽሪ ቴሌፎን ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ደቡብ ሱዳን ተረኺብዎ ኢዩ፡፡ ሃኒባል ምስ ንተቘጻጻሪት ጕጅለ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ ምስ ነጋሽ ጥቡቕ ርክብ ከም ዘለዎ፡ ክልቲኦም ኣብ ናይሮቢ ዝርከብ መቋመሪ ኣዘውቲሮም ከም ዝመላለሱን ነጋሽ ብዙሕ ገንዘብ ከም ዘጥፍእን ሓቢሩ ኢዩ፡፡ ኣብ ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ናይሮቢ ምስ ነጋሽ ምስርሑ ይኽሕድ፡ ነጋሽ ካብ ኬንያ ዝተጠረዘ (ብመሰረት ኣብ 2008 ዝተቐበሎ ሓበሬታ) ምስ ኣልሸባብ ርክብ ስለ ዝነበሮ ምዃኑ ግና የረጋግጽ፡፡ ሃኒባል ምስ ናይ ወጻኢ ፓስፖርት ምምራኹ ኣሉ ይብል፡፡ እንተኾነ ክልተ ብጾቱ ነቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዘእተውዎ ሰብመዚ ኬንያ ብ 15 ሽሕ ሺልን ኬንያ ጉቦ ክህብዎም ከም ዝፈተኑ ግና ይእመን፡፡
 
መስከረም 2011 ምስ ብዓልመዚ ኤምባሲ ኤርትራ ነበር፡ ከምኡውን  ጥቅምቲ 2010 ብዛዕባ ወሽጣዊ ሚስጥር ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ናይሮቢ ኣፍልጦ ምስ ዘለዎም ኣርባዕተ ምንጭታት ዝተገብረ ቃለመጠይቕ፡፡ ኣብ ለካቲት 2011 ኣብ ኤምባሲ መሳርሕቲ ነጋሽ ምስ ዝነበረ ሰብ ዝተገብረ ቃለመጠይቕ 

ምንጪታት ስለያ ኬንያ (መጋቢት 2011)

ምስ ላዕለዋይ በዓል መዚ ኤርትራ ዝተገብረ ቃለመጠይቕ (ጥቅምቲ 2010)

ጥቅምቲ 2010 ኣብ ናይሮቢ ዝተገብረ ቃለመጠይቕ፡፡

ለካቲት ኣኽበርቲ ጸጥታ ካብ ዝሃቡና ሰነዳዊ ዝርዝራት ፡ መስከረም 2010 ከምኡውን ጥቅምቲ 2010 ምስ ኬንያውን ምንጭታት ዝተገብረ ቃለመጠይቕ፡ ለካቲት 2011 ምስ ሃኒባል ዝፈልጦ ኤርትራዊ ምንጪ ዝተገብረ ቃለመጠይቕ፡፡   

ካብ ቅዳሕ ፓስፖርት ሃኒባልን ንሰብመዚ ኡጋንዳ ካብ ዝሃቦ ቃል ዝተወስደ
ሃኒባል ኣብ ቀይዲ ዝኣተወሉ ምኽንያት ንኬንያዊት ውሽማኡ በዓል ቤታ ዝነበረ ሰብ ሕጊ ትራፊክ ጥሒስካ ብዝብል ናይ ሓሶት ክሲን ምስምስን ኢዩ ኢሉ ኣጥቢቑ ይከራኸር፡፡  

10. ሓደ ኤርትራዊ በዓል መዚ ንተቘጻጻሪት ጕጅለ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባቲ ሃኒባል ዝሰርሖ ዘይሕጋዊ ምትሕልላፍ ሰባት ኣፍልጦ ከም ዘለዎ እንተኾነ ንመንግስቲ ኤርትራ ከም ዘይሰርሕን ናብ ኤርትራ እንተተመሊሱ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣቱን  ይገልጽ፡፡  ንተቘጻጻሪት ጕጅለ እዚ ሓበሬታ ተኣማኒ ኮይኑ ኣይረኸበቶን፡ ምኽንያቱ ሃኒባል ባዕሉ ዝበዝሕ ኣዋርሕ 2011 ኣብ ኤርትራ ከም ዘሕለፎ ኢዩ ዝገልጽ፡፡

11. ብመሰረት ምስ ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ኬንያ ቅርበት ዘለዎም ምንጭታት ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ነጋሽ ምስ ዕጡቓት ጕጅለታት ሶማልያ ዘለዎ ርክብ ንምቕጻል ኣብ 2011 ናብ ኤርትራ፡ ኡጋንዳን ደቡብ ሱዳንን ተመላሊሱ ኢዩ፡፡ ሓደ ካብ ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ኬንያ ናይ ገንዘብ ክፍሊት ዝቕበል ሰብ ንተቘጻጻሪት ጕጅለ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ነጋሽ ኣብ 2010 ኣብ ኬንያ ምንባሩ መወዳእታ መስከረም ወይ ፈለማ ወርሒ ጥቅምቲ ኣቢሉ ከኣ ናብ ሃረጌሳ (ሶማሊላንድ) ምጉዓዙ ይገልጽ፡፡  ናይ ቀደም ብጻዩ ንነጋሽ ዝነበረ ሰብ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ነጋሽ ድሕሪ ሓያሎ ቅንያት ኣብታ ኣልሸባብ ዝቘጻጸራ ደብለይ ሊቦይ ዝተባህለት ኣብ ዶብ ኬንያን ሶማልያን እትርከብ ዓዲ ከም ዝተራእየ ይገልጽ፡፡

12. በዘይካ’ዚ ነጋሽ ኣብቲ ክሳብ 2010 ደጀን ዕጡቓት ሶማላውያንን ONLF ን ዝነበረ ወተሃደራዊ መዓስከራት ፕሮግራማት ታዕሊም ኣብ ምሃብ እውን ተዋፊሩ ኢዩ፡፡  ኣብ ተለቃቢ 8.3 ተገሊጹ ዘሎ ፍሹል ስርሒት ኣላንሳይድ (መስከረም 2010) ዝተሳተፉ ምሩኻት ኣባላት ONLF ከም ዘረጋግጽዎ፡ ንሳቶም ኣብ መዓስከራት ኪሎማ፡ ራስ ዱሜራን ዒንን እንክንቀሳቐሱ ነጋሽ ኣብ ታዕሊም ይሳተፍ ምንባሩ ይገልጹ፡፡

13. ህላዌ ኤርትራ ኣብ ኡጋንዳን ደቡብ ሱዳንን፡ ኣብቲ ዞባ ዘለዉ ዕጡቓት ተቓወምቲ ጕጅለታት እንተላይ ኣልሸባብ ንምሕጋዝ ዝተዘርግሐ ሰፊሕ ስለያዊ መርበብ ምዃኑ ተቘጻጻሪት ጕጅለ ትኣምን፡፡ ብዘይካ ነጋሽ ብውሑዱ ካልኦት ናብ ኡጋንዳ ዝተላእኩ አርባዕተ ዋህዮታት ሰበስልጣን ስለያ ኤርትራ ብተቘጻጻሪት ጕጅለ ተለልዮም ኣለዉ፡፡ እዞም ዋህዮታት ብሱዳን ኣቢሎም ናብ ኡጋንዳ ዝኣተዉ ኮይኖም፡ ብኮሎኔል ዮናስ ኢዮም ዝምርሑ ይበሃል፡፡ ኮሎኔል ዮናስ ጸብጻቡ ናብ ጀነራል ተኽለ ክፍላይ “ማንጁስ” ከምኡውን ኣብ ግዳማዊ ስርሒታት መሳርሕቱ ምስ ዝኾነ ኮሎኔል ፍጹም ይሳቕ “ለኒን” ኢዩ ዘቕርብ፡፡  

14. ነጋሽን ዮናስን ቀጻሊ ዝቕበሎም ቆንስል ጀነራል ኤርትራ ኣብ ጁባ ኣለም ነጋሽ ኢዩ፡፡ ኣለም ነጋሽ በዓል መዚ ስለያ ብርጌድ 72 (ኣሃዱ ወተሃደራዊ ስለያ ህግሓኤ ) ኢዩ ኔሩ፡፡ ናብ ጁባ ቅድሚ ምምዳቡ ከኣ ኣብ ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ካርቱም ኢዩ ተመዲቡ ኔሩ፡፡ ቅድሚኡ ከኣ ኣብ ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ናይሮቢ ኮይኑ ዝምድና ኤርትራን ሶማልያን የካይድ ኤሩ፡፡  

15. ኣብ መወዳእታ 2010 ሓደ ኤርትራዊ ወተሃደራዊ ምንጪ ንጉጅለና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሓደ ስለያዊ በዓል መዚ ኤርትራ ኣብ ምብራቕ ኡጋንዳ እትርከብ ከተማ ምባሌ ምብጻሕ ከም ዝገበረ ምስ ዕጡቓት ተቓወምቲ ጕጅለታት ሶማልያ ከም ዝተራኸበን ብቐጥታ ናብ ኮሎኔል ፍጹም ጸብጻብ ምግባሩን ይገልጽ፡፡  ዋላ’ኳ ዝኾነ ተወሳኺ ዝርዝር እቲ ኣኼባ እንተዘይብልና፡ ምባሌ ብርክት ዝበሉ ሶማላውያን ህዝቢ ዝርከቡላ ዓዲ ምዃናን ገለ ካብቲ ኣብ ሓምለ 2010 ኣብ ካምፓላ ናይ ቦምብ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ዝወዓለ ኣጽዋር ኣብ’ዛ ዓዲ ተኸዚኑ ምንባሩን ክትሕብር ትፈቱ፡፡  

ምስ ላዕለዋይ በዓል መዚ ኤርትራ ዝተገብረ ቃለመጠይቕ (ሚያዝያ 2011) 

ቃለመጠይቕ (ጥቅምቲ 2010)

ቃለመጠይቕ (ሕዳር 2010)

ምስ ልዕሊ 90 ዝኾኑ እሱራት ONLFን ሶማላውያንን ሰብ መዚ ONLF ነበርን ካብ 9-11 ሕዳር 2010 ዝተገብረ ቃለመጠይቕ 
    
ፍጹም ከም ምክትል ግዳማዊ ስርሒታት ኮይኑ ከም ዝዓዪ ይእመን ኢዩ፡፡

ኣብ ሱዳን ዘገልግል ዝነበረ በዓል ስልጣን ኤርትራ ነበር (መስከረም 2010)

16. ኮሎኔል ተወልደ ሃብተ ነጋሽ ምስ ዕጡቓት ተቓወምቲ ጕጅለታት እዚ ዞባ፡ ብፍላይ ኣብ ሶማልያ ዘለዎ ሬኮርድ ምትእትታው፡ ከምኡውን ኣብቲ ብ ጠዓመ ዝተመርሐ ግዳማዊ ስርሒት ኤርትራ ዝነበሮ ወሳኒ ተራ መሰረት ብምግባር ህላዌ ነጋሽ ኣብ ኡጋንዳ፡ ኬንያ፡ ደቡብ ሱዳንን ሶማልያን ኣብቲ ዞባ ጠንቂ ዝርገትን ዘይምርግጋእን ምዃኑ፡ ዞባውያን መንግስታት ከኣ ነቒሐን ክከታተልኦ ተቘጻጻሪት ጕጅለ ለበዋኣ ተቕርብ፡፡ 
 

ተለቃቢ  8.5 ሀ ካብ ኢንባሲ ኤርትራ ዝተረኸበ ናይ ክፍሊት ሰነድ 
 
ኢንባሲ ሃገረ ኤርትራ ንዑጋስ ዓብዲ ዳሂር፡ መሓመድ ዋሊ ሸኽ ኣሕመድ ኑርን ዓብራሕማን ኣሕመድ ሻኪር ናይ ዝሃቦበ ክፍሊት ሰነድ መርኣዪ   
 
12 ታሕሳስ ካብ ሓደ ንጡፍ ኣባል ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ብ ቴሌፎንን ኢ-ሜይልን ዝተረኽበ ሓበሬታ፡፡
 
 
ተለቃቢ 9

(Annex 9)

ምሽማት ኣጽዋርን ግዳማዊ ሓገዝን

ተለቃቢ 9.1፡

ኣብ መንጐ ኤርትራን እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራንን ዝተገብረ ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝ ኣመልኪቱ ክሳብ ሕጂ ናይ ዝተገብረ ዳህሳስ ጽማቑ

1. ብመሰረት ተቘጻጻሪት ጒጅለና ካብ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት እንተላይ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ዝረኸበቶ ሓበሬታ ቅድሚ ምሕላፍ እማመ ባይቶ ጸጥታ 1907(2009) ኣብ መንጎ ኤርትራን እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራንን ስለያዊን ወተሃደራዊን ምትሕግጋዝ ተጌሩ ኢዩ፡፡ ጒጅለና ኣብ መንጐ ኢራንን ኤርትራን ዘሎ ርክብ ምዕዛብን ምስናድን እኳ እንተቐጸለት እዚ ዝምድና ንእማመ ባይቶ ጸጥታ 1907(2009) ከም ዝግህስ ዝሕብር ዝኾነ ህጣም ኣይረኸበትን፡፡

2. ዲፕሎማስያዊ ርክብ ኤርትራን ኢራንን ኣብ 2002 ዲፕሎማሰኛታት ኢራን ካርቱም ናብ ዝርከብ ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ምብጻሕ ምስ ፈጸሙን ዲፕሎማስያዊ ርክብ ክሃንጹ ምስ ሓተቱን ኢዩ ጀሚሩ፡፡

3. ኣብ ኤርትራ ዲፕሎማሰኛ ኣብ ካርቱም ዝነበረ ውልቀሰብ ድሕሪ 2007 ዝምድና ኤርትራን ኢራንን ከም ዝደልደለ፡ ኢራን ኣምሳያቲ እትህባ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ንኤርትራ ከም ሰትራቴጂካዊት መዕረፊትን መተሓላለፊትን ክትጥቀመላ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንኣሕመዲን ነጃድ ዕድመ ከም ዘቕረበሉ ይገልጽ፡    

4. ተቘጻጻሪት ጒጅለ ካብ 2005 ክሳብ 2009 ኣብ ኤርትራ ምስ ዝተቐመጠ ናይ ዓይኒ ምስክር ውን ቃለመጠይቕ ጌራ ኔራ፡፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2009 ምስ 30 ዝኾኑ ኢራናውያን ኣብ ወደብ ዓሰብ ከም ዝተራኸበን ከም ዘዕለለን ይዛረብ፡፡ እዚ ናይ ዓይኒ ምስክር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ እዞም ኢራናውያን ኣብ “መንግስታዊ” ተልእኾ ዝተዋፈሩ ምዃኖም ከም ዝሓበርዎ፡ ኣብ ወደብ ዓሰብ ካብ ዘዕረፈት መርከብ ወተሃደራዊ ንዋት ከራግፉ ምርኣዩን ወሲኹ ይሕብር፡፡   

5. እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢራንን ዲፕሎማስያዊ ርክብ ዘወሃሃደ ኢራናዊ በዓል መዚ ኣብ ሱዳን ዓምር ኣልሙሳዊ ተባሂሉ ከም ዝፍለጥን ኣቐዲሙ ከም ልኡኽ ባህላዊ ጉዳያት ኤምባሲ ኢራን ኣብ ካርቱም ኮይኑ ከም ዘገልገለን ይፍለጥ፡፡  ኣብ ካርቱም ዝርከቡ ናይ ወጻኢ ዲፕሎማሰኛታት ከም ዝሕብርዎ እዚ ሰብ ኣብ ጤህራን ከም ዝቕመጥን ኣዘውቲሩ ናብ ኤርትራን ሱዳንን ከም ዝመላለስን ይፍለጥ፡፡  

6. ኣብ ኣስመራ ዝርከቡ ዲፕሎማስያዊ ምንጭታት ዓረብ፡ ኣፍሪቃን ኣውሮጳን ከም ዝሓበርዎ፡ ኣብ ዓመተ 2010 ዲፐሎማሰኛታትን ሰብ መዚን ኢራን ናብ ኣስመራ ምብጻሕ ፈጺሞም ኢዮም፡፡   ሓደ ሱዳናዊ በዓልስልጣን ኣብ 2010 ልኡኽ ኢራን ብየመን ኣቢሉ ናብ ኤርትራ እናኣተወ ብኣካል ከም ዝረኸቦ፡ ካልእ ጉጅለ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ክቕበል ከኣ ከም ዝተሓተተ ይገልጽ፡፡  እዚ ዓምር ሙሳዊ ዝተባህለ ኢራናዊ በዓል መዚ ኣብ 2010 ኣብ ኣስመራ ምብጻሕ ከም ዝገበረን ኣብታ ዓመት ናብ ምጽዋዕ ምብጻሕ ዝፈጸመ ልኡኽ መምርሑን ይፍለጥ፡፡  
 
ኣብ ካርቱም ምስ ዝመደብሮም ክልተ ዲፐሎማሰኛታት ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ዝተገብረ ቃለመጠይቓት

ኣብ ሞቓዲሾ ዝተገብረ ቃለመጠይቕ (8 ሚያዝያ 2012)

ምስ ኣብ ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ካርቱም ዲፕሎማሰኛ ዝነበረ ሰብ ዝተገብረ ቃለመጠይቕ (30/8/2010)፡ ከምኡውን ካልእ ኤርትራዊ ምንጪ  

http://www.sudanvisiondaily.com/modules.php? name=News&file=article&sid=41108 እታ እንኮ ክፍትቲ ዌብሳይት ዲፕሎማት ዓምር ኣልሙሳዊ ኮይና በዓል መዚ ባህላዊ ጉዳያት መንግስቲ ኢራን ምንባሩ ትገልጽ፡፡ 
ኣብ ኣስመራ ዝርከቡ ዲፕሎማሰኛታት (መስከረም 2010፡ ጥሪ 2011)

ኣብ መስከረም 2010 ዝተገብረ ቃለመጠይቕ

መስከረም 2010 ከምኡውን ጥሪ 2011 ኣብ ኣስመራ ምስ ዝርከቡ ዲፕሎማሰኛታት ዝተገብረ ቃለመጠይቕ፡፡ ኣብ ምጽዋዕ ዘርከብ ምስ መንግስቲ ርክባት ዘለዎ ምንጪ (ሕዳር 2010)


ተለቃቢ 9.2፡ ቅዳሕ ሰነድ ዋንነት MV Nizar M

እዚ ሰነድ ብሚኒሰትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ጆርጂያ ናብ ተቘጻጻሪት ጒጅለ ዝተላእከ ኢዩ፡፡ እዚ ሰነድ ምንባቡ ዘሸግር ብምዃኑ መንግስቲ ፓናማ ተወሳኺ ሓበሬታ ክህበና ሓቲትና ኔርና፡ መልሲ ግና ኣይረኸብናን፡፡ ይኹንምበር ካብ TransArms USA ዝተረኽበን ኣብ  ሕቡራት ሃገራት ዝተዓቀበን ሰነዳት ስም እተን ኣብ ኮርፖረሽን ማሪታይም ታላ ዝርከቡ ዳይረክተራት ኣረጋጊጹ ኢዩ፡፡ እዚኣቶም ዋና መርከብ MV Nizar M ሱብሒ መሓመድ ኩሳ፡ ኹልድ ካልድ ዩዝባሺ ከምኡውን ኢብራሂም ሙስጣፋ ኣቡ ሓሳኒን ኢዮም፡፡ 
 
 
 
ተለቃቢ 9.3  ኮፊ ሆለዲነግሰ ኤጀንሲ ዝሃቦ መግለጺ
 
ኣብ ሞቓዲሾ ዝመደብሩ ኮፊ ሆልዲንግስ ዝተባህለ ኩባንያ ብመርከብ MV Hyang Ro Bong ተጻዒኑ ዝመጸ ስሚንቶን ሩዝን ተቐቢሉ፡፡ ድሕሪኡ እታ መርከብ ናብታ ኣልሸባብ ዝቆጻጸራ ወደብ ኪስማዮ ኣምሪሓ፡፡
ጽገና ነፈርቲ ኲናት

ተለቃቢ 10.1

ሱኾይ Su-27 ነፋሪት ኲናት ኤርትራ ኣብ መደበር ጽገና ነፈርቲ ዩክሬን “ኣቪያሬሞንትኒ ዛቮድ ቪቪኦ 713”. (መዓልቱ ኣይፍለጥን)፡፡     

Su-27 “ፍላንከር” ባንዴራ ኤርትራ፡ ወተሃደራዊ ሕብሪን “608”ዝብል ቁጽሪን ዘለዋ
 
በዓል ሓደ መንበር ነፋሪት ኲናት፡፡ 
 
Su-27UB “ፍላንከር” “609”ዝብል ቁጽሪን ዘለዋ በዓል ክልተ መንበር መንበር ናይ ታዕሊም ነፋሪት ኲናት፡፡ 
 
Su-27 SK “608” ዝብል ምልክት ምስ Su-27UB “ፍላንከር” “609”ዝብል ቁጽሪ ሰማያዊ ወተሃደራዊ ሕብሪን 73 ዝብል ምልክት ሓይሊ ኣየር ዩክሬይን ዘለዋ በዓል ክልተ መንበር መንበር ነፋሪት ኲናት ኤርትራ፡፡ 
 
 
Su-27 SK “608” ዝብል ምልክት ዘለዋ ምስ ናይ ወጻኢ መሃንድሳት፡፡ 
 
ተለቃቢ 10.2

ባንዴራ ኤርትራን E3-AAS ከምኡውን “EMIC” ዝብል ማዓርግ ዘለዋ Pilatus Porter PC-6 ኤርትራ፡፡


ኣብ ኣልተንሬይን (ስዊትዘርላንድ) ዝተላዕለ ስእሊ-10 ሰነ 2010
 
 
ኣብ ኣልተንሬይን (ስዊትዘርላንድ)ዝተላዕለ ስእሊ-15 ሰነ 2010
 
ተለቃቢ 11.1.፡

ኤርትራውያን ሰብ ቢዝነስ ኣብ ኬንያ ንኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኬንያ ዝገበርዎ ፋይናንሳዊ ወፈያ ዘርኢ ቁንጽል ሰነድ፡፡

ኤርትራውያን ሰብ ቢዝነስ ኣብ ኬንያ ንኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኬንያ ዝገበርዎ ፋይናንሳዊ ወፈያ ዝሕብር ተቘጻጻሪት ጒጅለ ዝረኸበቶ ቁንጽል ሰነድ፡፡ መታን ተኣማንነት እዚ ሰነድ ክጎልሕ ቅዳሕ ፓስፖርት ኣምባሳደር ሃገረ ኤርትራ ኣብ ኬንያ ሳልሕ ዑመር ዓብዱ ምስዚ ሰነድ ከምዝካተት ተጌሩሎ፡፡ እቲ መበቆላዊ ሰነድ ብሙሉኡ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ተሰኒዱሎ፡፡ 
 
 
ተለቃቢ 12
 
(Annex 12)

ኣብ መንጎ ተቘጻጻሪት ጒጅለን መንግስቲ ኤርትራን ዝተገብረ ምልእኣኻት 

 
 
 
 
  
 

 

 

 

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...