መልኣከ ሞት ኢሳያስ ኣፈወርቂ

ዓመጽትኺ ነጊስና
ፍትሒ ተሳኢኑ ሰላም ተሳኢ ሕዘኑ ሰማእታትና ሕዘኑ ሰማእታትና

ብዛዕባ ኣብያተ ማእሰርቲ ኤርትራ ኣብ መብዛሕትኤን ወብሳይታት በብመልክዑ ተነጊሩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ብዛዕባ እቲ ዝኸፈኤ ዒራዒሮን ኣብኡ ሓለዋ ብዝነበረ ብሰፊሕ እንታይነት ናይቲ ቦታ ተገሊጹ። ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት፣ ኣብ ከተማታት ኤርትራ፣ ገዛውቲ ናብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝተቐየረን ኣብኡ ብምስጢር ዝእሰሩን ኣብ ውሽጢ ጎዳጉዲ (basement) ከይተረፉ እናኾዓቱ ዝሰርሕዎ ከምዘሎ ይንገር እዩ። እዚ ኣነ ክዛረበሉ ተቐሪበ ዘለኹ ኣብያተ ማእሰርቲ ቅድሚ ሎሚ ዘይተነገረሉ እዩ።

እዛ “ምድራዊት ሲኦል” ጥራይ ክትበሃል ትኽእል ቦታ፣ ካብ መሰረቱ ንመንበሪ ገዛ ተባሂላ ዝተነድቀት ኮይና፣ ካብተን ኣለዋ ዝበሃላ ገዳይም ስረሓት ጥልያን ኮይና፣ ከምዚ ኣብ ስእሊ ዝረኤ ኣብ ፊት ንያላ ሆቴል ኢያ ትርከብ። እዛ ክልተ ደርቢ ዝርከባ ህንጻ፣ ኣብ ቀዳማይ ደርቢ ሰለስተ ከፍሊ ሓንቲ ሽንቲ ቤት ኣለዋ። እተን ክልተ ክፍሊ ከም ቤት ጽሕፈት ይጥቀሙለን። እታ ሓንቲ ክፍሊ ድማ፣ ከም መኻዚኖ ኮይና፣ ምጡን ዝኾነ ኣጽዋር፣ በብዓይነቱ ሽጉጥ፣ መሽን ጋንን፣ ኮቦርታታት፣ ሽምዓታት፣ ወዘተ ዝኣመሰሉ ነገራት ይቕመጣ።

ኣብ ካልኣይ ደርቢ ድማ ክልተ ክፍሊ፤ ሓደ ባኞ ዝርከባ ኮይኑ፣ ዓቐን ግፍሒ ክፍልታት ሰለስተ ሜትሮን ፈረቓን ብሰለስተ ሜትሮ ኣቢሉ ዝኸውን፤ ኣብታ ንሰሜን ገጻ ትጥምት ክፍሊ #1፤

  • ፓይሎት ጵጥሮስ በዛብህ
  • ክልተ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር
  • ሓደ ተጋዳላይ ጀብሃ ዝነበርዋ ክትከውን ከላ፤

እታ ክፍሊ #2 ድማ ሸውዓተ ናይ "ጀሃድ"' እዮም ዝበሃሉ ይነብርዋ።

ብዝኾነ ኣብዛ ህንጻ ዝቕየድ ብህይወቱ ዘይወጽእ እዩ። ኣብዛ ሲኦል'ዚኣ ንሓደ ሰብ ዝፍቀዶ መደቀሲ፣ ኣርበዓ (40 centimeter) ሰንቲ መተር (ክልተ ማቶኔላ) ክኸውን እንከሎ፣ ሓንሳብ ብሕቆኻ ምስደቀስካ ንየማነ ጸጋም ምባል የለን። ዘረባ’ውን ኣይፍቀድን። ብሕቖ ጸኒሕካ ብከብዲ ክትግምጠል እንተደሊኻ፣ ኢድካ ሓፍ ተብል። ዋርዲያ ተገምጠል ምስበለካ ትግምጠል።

ኣብ ዕስራን ኣርባዕተን ሰዓት ሓንሳብ ንሽንቲ፣ ብኽልተ ዋርዲያ ተደጊፍካ ትውሰድ። ስለምንታይ? ኣእጋርካ ጸይረን ከብጸሓኻ ስለዘይክእላ። ብማህረምቲ ከብዲ እግርን ነብስን ስለዝምስክራ። መግቢ ንጉሆ ሰዓት ዓሰርተ፣ ኩባያ ሻሂ ምስ ሓንቲ ባኒ፣ ኣጋ ምሸት ሰዓት ኣርባዕተ ድማ፣ ክልተ ባኒ ምስ ሓንቲ ስቃጥላ ዓደስ ንድራር ይወሃበካ።

እቶም ዋርዲያ ከም ካልእ ኣብያተ ማእሰርቲ ሰብ ካላሽን ምስ ዩኒፎርሞም ኣይኮኑን። ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ዝርከቡ ውሑዳት ንሽሙ ሃገራዊ ድሕነት ይበሃል እምበር ሓለዋ ኢሰያስ ይኾኑ።

እዞም ቅዩዳት እዚኦም ህደሙ ኢልካዮም'ውን ክሃድሙ ብቕዓት ይኹን ዘይብሎም እዮም። ምኽንያቱ ንዓመታት ብዘይ ዘረባ፣ ብዘይ ጸሓይ፣ ብዘይ ምንቅስቓስ፣ ብዘይ ዝረብሕ መግቢ -  ኣብ ኣርባዓ ሰንቲመትር ንጎድኒ ብኽልተ መትሮ ንቁመት ጥራይ ዝኾነ ቤት ማእሰርቲ -  ተሓጺሮም - ብዘይ ፍቓድ ዋርድያ ክግምጠሉ እንተተረኺቦም - ብስላዕ ኣብራኾም እንዳተቐርሰሙ ኣብ ሞንጎ ሞትን ሂወትን ሓዲግ ዝርከቡ ፍጡራት እዮም።

ብዛዕባ ኩነታት ጥዕነኦም ትከታተል ኣብ ሓለዋ ሰውራ ዝነበረት ብሽም “ዘውዲ” ትፍለጥ ነርስ-መሰል፣ ኣብ ክልተ ሰሙን ሓንሳብ እንዳመጸት ስቅያቶም ንኽናዋሕ ኣካላዊ ምክንኻን ትገብረሎም። ኣጋጣሚ ኮይኑ “ቅዩድ ሞይቱ” ክበሃል ከሎ ኢሳያስ ኣዝዩ ይሓዝን። መሕዘኒኡ ድማ ነዊሕ ከይተሳቐየ ስለ ዝሞተ።

እዚ ኣቃውማ ናይታ ኣብያተ ማእሰርቲ ጥቃ ንያላ ክኸውን እንከሎ ኣብዛ ሲኦል'ዚኣ ዘጋጠመ ዓቢ ፍጻመ ከዕልለኩም።

እዘን ክልተ ክፍሊ እታ ሓንቲ ብእንዳ ጀሃድ ክትጽዋዕ እንከላ፣ እታ ሓንቲ ድማ ብእንዳ በዚኖ (በዛብህ) ትጽዋዕ። ኣብዛ እንዳ በዚኖ ዝነበረ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህ.ግ.) ኣብ እንዳ 72 ምስ ወዲ ሰለሙን ዝነበረን፣ ድሕሪ ማእሰርቲ ጂ15 እንታይ? ስለምንታይ? ክብል ጀመረ። ቅሬትኡ ብዓውታ ንኢሰያስ ከብጽሕሉ ዝኽእሉ ሰባት እናመረጸ፣ ንኢሳያስ ብጽልኢ ክሓሚን ክዝንጥልን ስረሔይ ኢሉ ተተሓሓዞ።

ከም ምንዮቱ ድማ፣ ካብ ብዙሓት ሓደ መበጻጽሒ ናብ ኢሰያስ ወዲ ሊቀ ዘረባታት፣ ናይዚ ጅግና ሓርበኛ ዘረባ ናብ ኢሳያስ ኣብጺሕዋ። ኣብ መጋቢት 2003 ሓደ ምሸት ኣኼባ ጸዊዖም ከምዘምሲ ጌሮም፣ ኣብ ኣጋ ወጋሕታ ብ ”ወዲ ተዛረ”ን “ባሽይ”ን ዝፍለጡ ውልቀሰባት ናብዛ ፊት ንያላ ሆተል እትርከብ ኣብያተ ማእሰርቲ ሲኦል ኣእትዮሞ።
 
ድሕሪ እዚ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ዘሎ ኩነት፣ ዓመትን ፈረቓን ኣቢሉ ይኸውን ሓደ ብስራሕ ንደቀምሓረ ተመዲቡ ዝነበረ መንእሰይ (ናይ ብርዒ) ሽሙ መርሃዊ ተቐይሩ ንኣስመራ ይመጽእ፡፡ ካብ መዓልታት ሓንቲ፣ ናይ ኣርባዕተ ሰዓት መደብ ስራሕ (ሽፍቱ shift) ክገብር ናብዛ ኣብያተ ማእሰርቲ ሲኦል ይመጽእ። ኣብኡ ሒደት ደቓይቕ ምስገበረ፣ ሃንደበት ካብታ ኮፍ ኢሉላ ዝጸንሔ ብድድ ኢሉ፣ ናይ (ብርዒ ሽም) ኣርዓዶም ዲኻ'ታ ክብል ንሓደ እሱር ይሓቶ። እቲ ዝተሓተተ እሱር፣ እወ ኣነየ ክብል ተሓኒቑ ዘሎ ክጥዕም ዕ..ዕ..ዕ..ዕ.. ጥራይ ይብል። ተዛረብ እንዶ'ታ ኣጆኻ ኣነየ መርሃዊ እንታይ ተረኸበ? ከመይ ኢልካ መጺእካ? መን ኣምጺኡካ? ክንደይ ጌርካ ኣብዚ? መልሲ ንዘይረኽበሉ መዓት ሕቶ ኣዝነበሉ።

ናብ ታሪኽ ምልስ ኢልና ናይዞም ክልተ ኣበይ ከምዝነበሩ ንርአ። ኣብ 1992፣ እቶም ሓፋሽ ዉዱባት ኮይኖም ዘገልግሉ ዝነበሩ ብዙሓት መናእሰያት ናብ ድሕንነት ሃገር ይመልመሉ ምስተባህለ፣ ኣርዓዶም ንወዲ ሱዉእ መርሃዊ፣ ከም ውላዱ እንዳሓንቀቔ እንዳሓብሓበ ኣብ ዝብጻሕ ዘብጸሖ እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ መርሃዊ ንኣርዓዶም ዓይኑ ብማህረምቲ ኣይኩፉት ኣይዕጹው ኮይኑ፣ ሓዲግ ሞት- ሂወት ኮይኑ ክጸንሖ፣ እሞ ኸኣ፣ ካልኣይ ጊዜ ብሂወት ካብታ ዘይትወጸላ ኣብያተ ማእስርቲ ሲኦል ገዛ ከምዘይወጽእ ስለዝፈልጥ፣ ከም ጽሉል እምኒ ኣየደርቢ እምበር ከም ጩኑቕስ ብኢዱ ከዛርቦ ደኣ ጀመረ።

ብዝኾነ፣ ኣብ ናቱ ሽፍት ክትከውን እንከላ መዓር እንዳመገበ፣ ቪታሚን እንዳውሓጠ፣ ከምኡ ውጽኣት ከምዝሓመመ ኣምሲሉ ኣብ ፍርቂ ፍርቂ ሰዓት ንሽንቲ ቤት እንዳወሰደ፣ ኣካላቱ ከምዘንቀሳቕስ እንዳገበረ ኣብ ኩነታት ኣርዓዶም ብዙሕ ለውጢ ክርኤ ጀመረ። እዚ ንባዕሉ ጎናዊ ጸገም ስለ ዝነበሮ ግን፣ እቲ ምጥንቃቓት ኣዝዪ ከቢድ እዩ ዝኸውን። ከም በዓል “ባሻይ” ዝኣመሰሉ ፉጡራት፣ ብጀካ ኢሳያስ “ፉጡራት ዓለም ብሓንቲ ደቒቕ ይጥፋእ” ኢልካዮም ካልኣይ ጊዜ ከይሓሰቡ ይጥፋእ ዝብሉ ስለዝኾኑ፣ ከም ተረኛ ምሳኻ ኣምስዮም ኩሉ ምንቅስቓሳትካ ስለዝከታተሉ፣ ኣብ ኣርዓዶም ዝርኤ ብቐጥታ ምስ መርሃዊ ከምዝተሓሓዝዎ ዝዝንጋዕ ኣይነበረን፡፡

ብዝኾነ ነቲ መርሃዊ ዘገራግቦ ዝነበረ ውጥን ንኸተግብሮ ዘድሊ ምቅርራባት ገይሩ ግንከ ልዕሊ ኩሉ፣ ኣካላዊ ብቕዓት ኣርዓዶም እዩ ወሳኒ ነይሩ። እዚ ግን ከምቲ ዝድለ እኳ እንተዘይነበረ ንጊዚኡ ኣኻሊ ነይሩ። ብድሕሪ'ዚ ንመንገዲ ዝኸውን ከም በዓል ጥሕኒ፣ ሹከር፣ ንሁጹጽ ረዲኤት ዝኸውን መድሃኒት፣ ቪታሚናት ኣዳልዩ፣ ነታ ናይ ዜሮ ሰዓት ብሃንቀውታ ክጽበ ጀመረ።

ይቕጽል....

ድሕረ ጹሑፍ

ዕስራ ሰነ መጸት ብደርፍን ዋጣን ዝሓዝንሎም ሰማእታትና
      እሰይ እሰይ ኤርትራ
      ኣንበልቢልኪ ባንዴራ
      ተሳዒሩ ደመኛና
      ዋናታትኪ ነጊስና
      ፍትሒ ተረኺቡ  
      ሰላም ተረኺቡ
      ቅሰኑ ሰማእታትና
      ቅሰኑ ሰማእታትና

 

እወ ንሳቶም፣ ብዘይ ገለ ሕፍረትን ስክፍታን ቅሰኑ ሰማእታትና ክብሉ ዓንገረር ክብሉ ክቕንዪ'ዮም።

ደለይቲ ፍትሒ ብወገና ድማ ከም “ሞት ሑጹይ ዓው ኢልና ዘይንበኽየሉ” ከምዚ ኢልና ንቑዝም

       እዋይ እዋይ ኤርትራ
       ንማለቱ ባንዴራ
       ተሳዒሩ ደመኛና
       ዓመጽትኺ ነጊስና
       ፍትሒ ተሳኢኑ
       ሰላም ተሳኢኑ
       ሕዘኑ ሰማእታትና
       ሕዘኑ ሰማእታትና

እወ ሕዘኑ፣ ሰማእታትና፣ ሕዘኑ ሰማእታትና፣ ሕዘኑ ሰማእታት።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...