ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፈይ ብፍላይ ብዛዕባ ኣድላይነት ትምህርትን ብወገን ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝካየድ ዘሎን ፍልልዩን፤ ብፍላይ ድማ ዲክተተር ኢሳያስ ከይተሓለሎ፣ ኤርትራ ዘይተማህሩ መንእሰያት ንኸተፍሪ ዝከኣሎ ጻዕሪ ከካይድ ከሎ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ድማ ብኣንጻሩ ትምህርቲ ኣብ ሙሉእ ኢትዮጵያ ከመይ የስፋሕፍሕ ምህላዉ ብመጠኑ ገሊጸ ነይረ። 

ካብዚ ናይ ትምህርቲ ጉዳይ ከይወጻኣኩ ከሎኹ፤ እስኪ ንመለስን ንኢስያስን ነወዳድሮም። ኢሳያስ ኣብ ቀዳማይ ዓመት ወዲቑ ተሰጉጒ። ሽዑ ዝገብሮ ምስጠፍኦ ንሜዳ ከይዱ። እቲ ብሓወቡኡ ተመልሚሉ ዝበሃል ውዲት ንተረኽቲ ይገድፎ። መለስ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ጀነራል ዊንገት ተማሂሩ። ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ጄነራል ዊንገት፣ ኣብ ሙሉእ ኢትዮጵያ ላህመት ዝኾኑ ተመሃሮ እዩ መሪጹ ዝወስድ ነይሩ። መለስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዪኒቨርስቲ ድሕሪ ምእታዉ፣ ናብ ገድሊ ክኸይድ ከሎ ናይ ሕክምና ዶክተር ትምህርቱ ባዕሉ ኣቋሪጹ እዩ ኸይዱ። ድሕሪ ነጻነት ድማ 80 ሚልዮን ሕዝቢ እንዳኣማሓደረ ብትርፊ ግዚኡ ናይ ባችለርን ክልተ ማስተርስ ዲግሪ ኣምጺኡ። ሓደ ካብ ዓዲ እንግሊዝ እቲ ሓደ ካብ ሆላንድ።

ኢሳያስ ብትርፊ ሰዓቱ ጥራይ ዘይኮነስ ዋላ ብግዜ ስራሕ ኣብ ፈቐዶ ባራትን ናይት ክላብን ምስ ደቁ ዝኣኽላ ኣዋልድ ክስዕስዕን ክሰክርን ይሓድር። ቃሕ ክብሎ ኸኣ ብጠራሙዝ ክፋጋእ የምሲ። እቶም ንመለስ ክትጸርፉ ትውዕሉ ዓፋፋት ደገፍቲ ኢሳያስ ሕጂኸ ቁሩብ’ዶ በሪሁልኩም? እስኪ ኣንስቶም ከኣ ነወዳድረን። ኢሳያስ ንሽሙ ምርዕው እዩ ንስምዕ። እታ ሰበይቱ ግን ኣብ ኣደባባይ ወጺኣ ስለዘይትፈልጥ፣ ብወገነይ እንተብህይወታ እንተብስእላ እውን ኣብ ተለቭሽን ምስኡ ኮፍ ኢላ - ጠጠው ኢላ ኣይረኣኹዋን። ምስክነይቲ ሓብትና እንታይ ክትገብር ኢልኩማ፤ ከም ካልእ ሕዝቢ ኤርትራ ሓመድ ድፋጫኣ ትስሕን ትህሉ።

ናይ ኢትዮጵያ ቀዳመይቲ ወይዘሮ ኣዜብ ተጋዳሊት እያ ነይራ። ድሕሪ 1991 ከም ተራ ሰብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዪኒቨርስቲ ተመዝጊባ። ተማሂራ ዲግሪ ጺዒና። ኣባል ናይ ኢትዮጵያ ፓርላማ ኮይና ድሕሪ ምምራጻ ናይ ሃገራ ሓጋጊት ኮይና ተገልግል። ስለ ብልሓን መንፈዓታን ናይ ኣፍሪቃ ቀዳሞት ወይዘራዝር ኣደ መንበር ክትከውን መሪጸንኣ። ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት ዝተፈላለየ ኣርእስቲ እናልዓለት ዘረባ ትህብን ኣብ ስራሕ ትሳተፍን ጥራይ ዘይኮነስ፣ ንመንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ ንፍዕቲ ኣብነት ኮይናተን ኣላ። እዚ ካብቲ ብውግዒ ዝረአ እዩ። 

እሞ ድኣ ኣንቱም ሃሱሳት ደገፍቲ ኢስያስ! እዚ ብዛዕባ ወይዘሮ ኣዜብ ዝገለጽኩዎ ሓንቲ ካብ ሓቂ ዝረሓቐት ኣላ ድያ? የላን። እስኪ ኣነ ዘይፈልጦ ብዛዕባ በዓልቲ ቤቱ ንጎይታኹም ግለጹለይ። ከም በዓልቲ ቤት መራሒኹም ንመንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን እንታይ ማዕዳን እንታይ ምኽርን እንታይ ሓልዮትን ኣርእያተን ትፈልጥ? ኣብዚ ዘለኹዎ ዓዲ ሚሸል ኦባማ ዝተባህለት በብግዜኡ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ እናበጽሐት ናብ ሕዝቢ ኣኼባ እንዳቀረበት ብዙሕ ኣስተምህሮ ትህብ ንርኢ።

ብዙሓት ኣንበብቲ ስለምንታይ ንመለስን ኢስያስን እንዳኣነጻጸርኩ ይጽሕፍ ከምዝለኹ ምናልባት ግር ከይበለኩም አይተርፍን። እቲ ምኽንያት ክነግርኩም ብኣብነት ጌረ ክግለጾ። ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ዝመሃሩ ተማሃሮ፣ ሓደ ዓይነት ክእለት የብሎምን ጥራይ ዘይኮነ ገሊኦም ዕውራት ገሊኦም ጸማማት ገሊኦም ድንጉያት ዝኾኑ ኣለዉ። ስለዚ ንዕውራት ብረይል ጌርካ ተምህሮም። ነቶም ጸማማት ድማ ናይ ምልክት ቋንቋ ጌርካ ትነግሮም። ነቶም ድንጉያት ድማ ቀስ እናበልካ ከተርድኦም ትፍትን። ስለዝኾነ ድማ ኣነ ነዞም ብፍላይ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ዕሱባት ኢስያስ ከምቶም ዕውራትን ጸማማትን ድንጉያትን ዝኾኑ ተማሃሮ ጌረ እየ ዝቖጽሮም። ነቲ ከም ፈጣሪኦም ዝቖጽርዎ ኢሳያስን ነቲ ከም ሰይጣን ዝጸልእዎ መለስን ኣንዳ ኣነጻጸርኩ እንተኣቕሪበሎም፣ ፍተዉ ኣይፍተዉ እቲ ፍልልይ እናፈለጥዎ ክኸዱ እዮም ብማለት እየ። እምበር ነዞም ፈታውን ጸላእን ሕዝቢ ኤርትራ ብትኽኽል ትርድኡ ድኣ እዚ ምንጽጻር ንዓኻትኩም መዓስ ይምልከት ኮይኑ። ካባይ ንላዕሊ’ውን ትፈልጥዎ ኢኹም።

ኣብ ካልእይ መዓልተይ ካብቲ ዪኒቨርስቲ ምስተመልስኩ፣ ወዲ ዓርከይ መጺኡ ምስ ኣቡኡ ምሳሕ ክንበልዕ ናብ ብወገን ኣቃቂ ገጹ ዝነበረ ገዝኦም ብመኪና ወሰደኒ። ሓድሽ ቀለበት ዝብልዎ ጽርግያ ምስ ኣርኣየኒ ኣብ ኤውሮጳ ወይ ኣሜሪካ ዘሎኹ ኮይኑ ተሰመዓኒ። ብልበይ ወይ ጉድ ኣዲስ ኣበባ ከምዚ ዓይነት መንገዲ ተሰሪሑልኪ እናበለኩ ኣድነቕኩ። ድሕሪ ሓጺር ግዜ ገዝኦም በጽሒና ምሳሕ ምስ በላዕና፣ እቲ ዓርከይ ናብ ሳልሳይ ደርቢ ንኺድሞ ቤት ጽሕፈተይ ከርእየካ። ኣብኡ ከለኻ ድማ ንደብረዘይት ገጽካ ትርኢ በለኒ። ተተሓዚና ደየብና። ቤት ጽሕፈቱን እቲ ዝውንኖ ኣብ ጎኑ ዝርከብ ፋብሪካ ኣርኣየኒ።  ቀጺሉ፣ ኣዲስ ኣበባ ክንደይ ዝኣክል ዓብያ ከምዘላ ኣብቲ ርሻን ኮይነ ንኣቃቂን ደብረ ዘይትን ኣማዕደኹ። ብዙሕ ተገረምኩ። ካብቲ ገዝኡ ሓደ ፍርቂ ኪሎ ሜትር ርሕቀት ተር ኢለን ዝተሰርሓ 3 ደርቢ ዘለወን ሓደ ዓይነት ሕብሪ ዝተለኽያ ገዛውቲ ረኣኹ። እዚ ርሻናት ክንደይ ይበዝሕ እዩ? ናይ መን’ዩ ኢለ ሓተተኩዎ። ንሱ ድማ ብዝሐን 475 እየን፤ ሓንቲ ርሻን ኣብ ውሽጣ 20 ኣፓርትመንት ኣለውኣ፤ ዳርጋ 10,000 ቤተ ሰብ ዘቐምጥ እዩ፤ ዝሰርሕ ዘሎ ድማ መንግስቲ እዩ በለኒ። መንግስቲ ካብዚ ዝበዝሕ ብወገን ምብራቕን ምዕራብን ብወገን ሰሜንን ገሊኡ ተሰሪሑ ተወዲኡ ገሊኡ ድማ ኣብ ምስራሕ ይርከብ ምስበለኒ ተመሊሰ ኣብ ምድናቕ ኣተኹ። ክሳብ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝወጽእ ኣብ ውሽጢ ርእሰ ኸተማ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ብዝሒ ዓይነትን ኣባይቲ ስራሕ ብቃላት ንምግላጹ ኣዝዩ ኣጸጊሙኒ። ሓደ መዓልቲ ንዓኣቶም የማስለና ኢልካ ምሕላፉ ጥራይ እዩ።

ሃገራዊ ምርጫ ኣብ ኢትዮጵያ።

ድሕሪ 2 መዓልታት ኣብ ኢትዮጵያ ንራብዓይ ግዜ ሃገራዊ ምርጫ ክካየድ እዩ። ሓደ ካብቲ ንኣዲስ ኣበባ ዘኸደኒ ምኽንያት፣ ኣብታ ሃገር ናይ ምረጹና ፖለቲካ ጎስጓስ (election campaign) ከመይ ከምዝካየድ ንምዕዛብ ነይሩ። ሳላ ናይ 24 ሰዓት ናይ ኢትዮጵያ ተለቭዥንን ረድዮ ኣገልግሎትን፣ ብፍላይ ብዝሒ ብሕቲ ጋዜጣታት ነቲ ጎስጓስ ብኸመይ ይኸይድ ከም ዘሎ ንምርድኡ ብዙሕ ኣየሸግርን እዩ ነይሩ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ 10 መዓልቲ ድሕሪ ምጽንሐይ ናይ ኢትዮጵያ ተለቭዥን ኣገልግሎት ብዛዕባ ዝካየድ ዘሎ ፖለቲካ ጎስጓስ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ብተለቭዥን ናይተን 6 ዓበይቲ ፖለቲካ ሰልፍታት ክትዕ ክቐርብ ስለዝኾነ እናተዓዘብካ ርእይቶኻ ክትህብ ንደሊ ኣሎና በሉ። ኣነ ንሕቶኦም ብጸጋ ተቐበልኩዎ።  ድሕሪ ክልተ መዓልቲ፣ ሓደ ጋዜጠኛን ናይ ተለቭዥን ጉጅለን ናብ ግዮን ሆቴል መጹ። እቲ ዝካየድ ዝነበረ ክትዓት እናተዓዘብኩ ድማ ርእይቶይ ሃብኩዎም። እቲ ክትዕ ምስተወድአ ሕቶታት ኣቕረቡለይ።

ካብቲ ዘቕረብዎ ሕቶታት ናይ መወዳእታ ከምዚ ዝስዕብ ነበረት። “ፕረሲደንት ኢሳያስ እንዲህ ዓይነት ምርጫ ማካሄድ ምንም ጥቅም እንደሌለው የሚገልጸውና ይህንን ኣነጋገር ወይም ኣስተሳሰብ እንዴት ያዩታል?” ትብል ነበረት። ኣነ ካዕ ኢለ እናሰሓቕኩ፣ ብመጀመርታ ኢሳያስ ፕረሲደንት ዝብል ሹመት ባዕሉ ንነብሱ ዝሃበ ድኣምበር ሕዝቢ ኤርትራ ድምጹ ሂቡ ፕረሲደንት ኢኻ ኣይበሎን። ስለዚ ኣይተ ጥራይ ኢልካ ኢኻ ክትብሎ ትኽእል በልኩዎ። ቀጺለ ኢሳያስ ዘይዛረቦን ጤል ዘይትጣጥሞን ስለዘየለ ዳርጋ ሕጅስ ብዘይካቶም ተሪፎም ዘለዉ ቁሩባት ደናቁር ደገፍቱ ኤርትራዊ ጥራይ ዘይኮነስ ዓለም ብዓለማ’ውን ክሳብ ክንደይ ደንቆሮ ምዃኑ ፈሊጣቶ ኣላ። ከም ናይ ኣይተ ኢሳያስ ኣዘራርባን ኣተሓሳስባን ሕዝባዊ ምርጫ ምክያድ እንተድኣ ጌጋ ኾይኑ ሕዝቢ ኣሜሪካ ን220 ዓመታት ከካይድዎ ዝጸንሑ ሕዝባዊ ምርጫ ጌጋ እዩ ማለቱ እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ ነዞም ኩሎም ደሞክራስያን ሃገራት ሕዝቢ ደነቋቁር እዩ ዝብሎም ዘሎ። ብሓጺሩ ነቶም ካብ ኣንሰሳ ዘገዳም ዝሓሸ ኣተሓሳስባ ዘይብሎም ደገፍቱ ንኸእምኖም ኢሉ ዝዛረቦ እዩ። ወረ ዝሓለፉ ሰሙን ድማ እቲ ዓርኩ ዑመር በሽር ኣብ ሱዳን ምርጫ ኣካይዱ እዩ። ስለዚ ካልእ ይተረፍ ኢሳያስ፣ በቲ ጭው ዝበለ ዲክተተር በሽር እውን ተናዒቑ ማለት እዩ። ኢሳያስ ዝገበረ እንተገበረ ናቱ ተንኮል ንናይ ሕዝቢ ኢትዮጵያ ምርጫ ጠጠው ኣይከብሎን እዩ። ድሕሪ’ቲ ምርጫ ከምዚ’ባ ኣይተገብረን፣ ከምቲ’ባ ጉድለት ነይርዎ እናበለ ጥራይ እዩ ግዜኡ ከሕልፎ። ኣቱም እንስሳታት ደገፍቱ ድማ መዓንጣኹም ድኣ ሕርር ትበል እምበር ኣብ ኢትዮጵያ ከምቲ ትምነይዎ ናይ 2005 ብተቓወምቲ ኢና በሃልቲ ዝተገብረ ዕግርግር ኣይክህሉን እዩ። እስኻትኩምን እቲ ናይ ማፍያ ሓለቓኹምን ድኣ ኢኹም ካብ ጌጋኹም ዘይትመሃሩ እምበር፣ ናይ ኢትዮጵያ ሕዝቢ ዕድመ ንመለስ ዜናዊ፣ ከምኡ ዓይነት ጌጋታት ንኸይፍጸም ክገብሩ እዮም።

[ተወልደ ሃብተሚኪኤል ንኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝኸደሉ ግዜ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዪኒቨርስቲ መማህርቱን ዓርኩን ንዝኾነ ስብሓት ነጋ ተራኺቡ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ኣርእስታት ድሕሪ ምምይያጦም ዝተላዕልዎ ስእሊ እዩ እዚ ቐሪቡ ዘሎ። ትሕዝቶ ዘተኦም ኣብ ቀጻሊ ጽሑፋት ክቐርብ እዩ።]

ካልእ ዝተዓዘብኩዎ፣ ስየ ኣብርሃን ገብሩ ኣስራትን 'ዓረና' እትበሃል ሰልፊ ተኺሎም ምስ ካልኦት 9 ሰልፍታት ልፍንቲ ፈጢሮም ንኢ.ህ.እ.ደ.ግ. ንምስዓር ላዕልን ታሕትን እናበሉ ፖለቲካ ጎስጓሶም ከካይዱ ምርኣይ እዩ ነይሩ። በዓል መለስ ነቶም ካብ ፓርቲኦም ዝተፈንጨሉ ከይተረፈ፣ መሰሎም ሓልዮምሎም፣ ሕጊ ዘፍቅዶ ኩሉ ክገብሩ ዕድል ክህልብዎም ከለዉ፣ ኣብ ኤርትራ ግን ብሰንኪ እዚ በጋሚንዶ መራሒኹም እቶም ኮፍ ኢልና ስራሕና ንገምግሞ ዝበሉ መራሕቲ ኣብ ዒራዒሮ ተኣሲሮም በብሓደ ይሞቱ ኣለዉ። 

ኣቱም እንስሳ ዘገዳም ደገፍቲ ኢሳያስ፤ ብዛዕባ’ቶም ኣብዚ ኣሜሪካ ኮይኖም መስሓቕ ሕዝቢ ዝገብሩኹም ዘለዉ መራሕትኹም፣ ኣብ ካልእ ጽሑፈት ኣንዊሐ ክገልጾ እየ። ንሕጂ ግን እታ ኣብ ናይ ኣስመራ ሰግረቶ

እናኣተወት ንርእሳን መንእሰያት ኣዋልድ ኤርትራን ከተባልዕን ከተመራስሕን ትውዕልን ትሓድርን ዘላ ኣፈኛኹም ሶፍያ ተስፋማርያም ብዛዕባ መለስ ዚናዊ ብዝጸሓፈቶ ክጠቕሰልኩም (ትግርኛ ብጽሑፍስ ይትረፍ ብቃላት’ውን ኣጻርያ ኣይትፈልጥን እያ) ብእንግሊዝኛ ዝጸሓፈቶ።

“I have stated all along that Meles Zenawi was a street smart, genocidal, flip flopping, erratic, bigot and racist and that his regime´s ethnic based policies will eventually destroy Ethiopia, socially, economically and politically. His racist bigotry and ethnocentricity is a matter of public record and well known to the peoples of the Horn region.”

ብሓጺሩ እንታይ እያ ትብል ዘላ መለስ ዜናዊ ዘይሓፍር ነውራም፣ ብተደጋጋሚ ገበነኛ፣ ዕዋላ ወዲ ሹቕ፣ ናይ ሕዝቢ ምርጫ ኣዳናጊሩ ዝወስድ፣ ሓሳባቱን ተግባሩን ከምዛ ስእሊ ግልብጥ ግልብጥ ዝብል ዘይርጉእን ህጹእን ዓሌታዊ ወ.ዘ.ተ. እያ ትብል ዘላ። እዚ ኩሉ ጸርፊ ኣብ ልዕሊ መለስ እንተተገሊጹስ ነቲ ቀንዲ ናይ ዓዋሉ ዕዋላ ናይ በጋሚንዶታት በጋሚንዶ ሓላፊ፣ ብሓሶትን ቅጥፈትን ምድንጋርን ጨካንን ዝኾነ ጎይታእ ድኣ ከመይ ጌርና ክንገልጾ ማለት እዩ?

በዚ ኮነ በቲ ብዛዕባ ደሞክራሲ ኣብ ኢትዮጵያ ተኣታትዩስ ተተይ እናበለ እግሪ ይተክልን ይድልድልን ከምዘሎ ብዓይነይ ከይደ ርእየዮ መጺአ እየ። ብግንቦት 23 ኢትዮጵያ ንራብዓይ ግዜ ሃገራዊ ምርጫ ኣካይዶም - ብዛዕባ ውጺኢት ክዛረቡ ከለዉ - ምናልባት እታ ሽዑ መዓልቲ ማለት ግንቦት 24 ቀንዲ በጋሚንዶ ንሕዝቢ ኣስመራ ኣብ ንግስቲ ሳባ ስታድዩም (ባዕሉ ሽም ዝቐየረሉ) ኣኪቡ “እንቋዕ ናብ መበል 19 ዓመት ንግስነትካ ኣብጸሓካ” በሉኒ ክብል እዩ። ሕዝቢ ኤርትራ ከኣ በዚ ግፍዐኛ ስርዓት ዝበጽሖ መበል 19 ዓመቱ ዕድል እናዘከረ ተኪዙ ክውዕል እዩ።   


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...