ኣለምሰገድ ተስፋይ ኣብ ኣሜሪካ ምብጻሕ ይገብር ኣሎ ክብል ብዕለት 14 ወርሒ ኣርባዕተ 2010 ዜና መርበብ ሪፓብሊካን ሄራልድ ካብ ፐንሲልቫንያ ሓቢሩ። ኣብ ወጻኢ ከም ጸሓፋይን ተጋዳላይን ጥራሕ ዝፍለጥ ኣለምሰገድ ተስፋይ ኣብ 1970ታት ሓደ ካብቶም ግዳይ ናይ “የሚን” ምንቅስቓስ ተባሂሎም ኣብ ሓለዋ ሰውራ ዝተኣሰሩ እዩ። ካብኡ ካብ ዝወጽእ ኣትሒዙ፣ ከም ዝበዝሑ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር፣ ብመስመር ኢሳያስ ኣፈወርቂ እናተጓዕዘ ዝመጸ እዩ። ድሕሪ ነጻነት ናብ ወጻኢ ከይዱ ናይ ታሪኽ ምርምር ክገብርን ክጽሕፍን ተፈቕደሉ። ከም ውጽኢት ናይዚ ምርምር እታ ፍልጥቲ “ኣይንፈላለ” ትብል መጽሓፍ ብ2001 ብናይ ህ.ግ.ደ.ፍ. ቤት ማሕተም ሕድሪ ንከሕተም በቕዐ። እዚኣ ሕሉፍ ታሪኽ 1941-1950 ክትገልጽ እንከላ፣ ተኸቲላታ ዝወጸት “ፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ፤ ካብ ማተንሶን ናብ ተድላ 1951-1955” ትብል። ኣለምሰገድ ብትግርኛን ብእንግሊዝን ካልኦት መጻሕፍቲ እውን ጸሒፉ እዩ። እዚ ሕጂ ንኣለምሰገድ ዓዲሙ ዘሎ ቻርለስ ካንታሉፖ ናይ ፐንሲልቫንያ ዩኒቨርስቲ ብጉዳይ ስነ ጽሑፍ ኤርትራ ዝነጥፍ ኮይኑ ምስ ኤርትራውያን ብምትሕብባር መጻሕፍቲ ዘሕተመ ምሁር እዩ።

ታሪኽ ሕይወት ኣለምሰገድ ተስፋይ ካብ ዝውለድ ክሳብ ዝጋደልን ድሕሪኡን፣ ምስ ጀን ፕላስቶው ዝተባህለት ዝገበሮ ቃለ መሕትት ብኸፊሉ ኣብዚ ኣንብቡ። ድሕሪ ነጻነት ኣብ መሬት ኮሚሽን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብኲናት ናይ ዝተሃስያ ማሕበረሰባት ዝስመ ዘይመንግስታትዊ ትካል መርማሪ ኾይኑ ኣገልጊሉን ከም ኣብነት፣ ብትሕዝቶ መሬት ዝረኸቦ ተመኲሮ ንናይ ሊዮነል ክሊፍ መጽሓፍ ርእይቶ ሂቡ። ብኲናት ናይ ዝተሃስያ ማሕበረሰባት፣ ኣብ ስዊስ ዝመደበሩ ኣህጉራዊ ዘይመንግስታዊ ትካል (ኤንጂኦ) ኮይኑ፣ እቲ ፕሮጀከት ብ1997 ተወዲኡን ብዙሕ ምስጋና ረኺቡን። ኣለምሰገድ ኣብ ናይ መሬት ኮሚሽን ንሓደ ዓመት ዝኸውን ምስ ሰርሐ ናብ ባህሊ ተመሊሱ ይበሃል። ብድሕሪ’ዚ ኣብ መጻሕፍቲ ምሕታምን  ኣብ ባህሊ ምርኢታት ህ.ግ.ደ.ፍ. ጥራሕ ዘድሃበ ይመሰል።

ኣብ ዝሓለፈ ኲናት ዶብ ምስ ኢትዮጵያ እውን ናብ ኣሜሪካ መጺኡ መደረታት ኣካይዱ ኔሩ። ኣብቲ እዋን፣ ናብ ወጻኢ ከይዱ ሓገዝ ናይ ኤርትራውያን ኣብ ስደት ዘይሓተተ የልቦን ክብሃል እንከሎ፣ ንኣለምሰገድ ተስፋይ፣ ንዘምሕረት ዮውሃንስ፣ የማነ ገብረኣብን የጠቓልል። ብዛዕባ ጠንቂ ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ መርበብ ድሃይ ዝወጸ ኣብዚ ተመልከቱ።

ስለዚ ኤርትራ ሓደን እንኮን መራሒ ጥራሕ ክህልዋ እንከሎ ሓደን እንኮን ፍሉጥን ጸሓፋይ’ውን ኣለዋ ዝብል እዩ ዘሰምዕ እዚ ጉዳይ። ምስተን ኤርትራ እትሰጒወን ኤንጂኦ ዝሰርሕ ሓደን እንኮን ሰብ ኣለዋ። እዛ ብጥንቲ ከይተረፈ ክንደይ ጽሑፋትን መማህራንን ኪኢላታትን ዘጥረየት ኤርትራ፣ ሎሚ ኣብ ውሽጢ ሃገር ተጠመትቲ ዝኾኑ ጸሓፍቲ ብ”ምርቓ” ኢሳያስ ጥራሕ እምበር ብዝኾነ ዓይነት ክጥጥዑ ኣይፍቀድን። ስታሊናዊ ስርዓት ንጸሓፍቲ “ዳካ”ን ደሞዝን እናሃበ ብሰንሱር ከንብሮም እንከሎ እቶም ነዚ ክጻውሩ ዘይከኣሉ ግን ኣብ ሳይበርያ ሓቒቖም እዮም። ስርዓት ኢሳያስ ግን ነዚ እውን ኣይገብርን እዩ። ከም “ገጸ በረከት” ናይ ምንባር “ጸጋ” ጥራሕ እዩ ዝዕድል።

ካልእ ትዕዝብቲ፣ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝወጹ ግዳያት ኩሎም ሓደ ኣይኮኑን። ገለ ገለ ኣብ ናይ ጨቋኒኦም ዓንኬል ብምእታው፣ ብኣስገዳድ ወይ ብካልእ ጸቕጢ (blackmail) ከገልግሉን ሓበሬታ ንክህቡን ዝምልመሉ ኣለዉ። እዚኣቶም ከም ኣክሊሉ ዝተባህለ ጋዜጠኛ ነበር ኣብ ኤርትራ፣ ብየማነ በየነ “ጠሊፋ” ናይ ክፍሊ ስለያ ህ.ግ.ደ.ፍ. ተመልሚሉ ናብ ኢትዮጵያ ዝተላእከን፤ መረዳእታ ጭብጢ ተረኺብዎ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተወን ይርከብዎም። ድሕሪ ምህዳሙ ዝገበሮ መፈለምታ ቃለ መሕትት ብኸመይ ኮሎነል የማነ ጠሊፋ መጺኡ ከምዝኣሰሮ ኣብ (ቅድሚ ቪሩስ መጥቃዕቲ) ናይ ኣዝማሪኖ መዝገብ ይርከብ። መሓውር ኢስያስ ብዕዋልነቱን ስድነቱን ፍሉጥን ሰራምን ስነ ምግባር ዘይብሉን እዩ። ብመን ይፈልጥ ንመን እናተባህለ፣ ን19 ዓመታት ስለዝተኻየደ፣ ግዜ ንምግዛእ ዘይገብሮ ነገር ከምዘየለ ጥራሕ ምርዳእ እኻሊ እዩ።

ዝኾነ ኤርትራዊ ብግዜ ፋሽስታዊ ስርዓት ኢሳያስ ነጻ ኮይኑ ክጽሕፍን ሓሳባቱ ክገልጽን ከምዘይክእል ቅቡል እዩ። ብድሕሪ እገዳ ግን፣ ጠመተ ተዓዘብቲ ናብቶም እቲ ስርዓት ከም ድላዮም ክንቀሳቐሱን ክመላለሱን ዘፍቅደሎም ባእታታትን እንታውነቶምን ከድህብ ይግደድ ኣሎ። ገለ ካብቶም ንወጻኢ ክንቀሳቐሱ ይእመኑ እዮም ዝበሃሉ፤ ምስ ስፖርተኛታት ናብ በይጂንግ ዝተጓዓዘን፣ ኣብ ትሕቲ ጴጥሮስ ሰሎሙን ኣባል 72 ዝነበረ በየነ ርእሶምን (ሕጂ ኣብ ሚኒስትሪ መሬት-ማይን ኣከባብን ዋና ዳይረክተር ክፍሊ መሬት ኣብ ስእሊ)፣ ሓላፊ ሃገራዊ ባንክ ዝነበረን ደስኪሉ ዝበሃልን ኣብዚ እዋን እዚ ከም “ግዳይ ኢሳያስ” ዝንገረሉ ተኪኤ በየነን ይርከብዎም።

ስርዓት ኢሳያስ ነዚ ብዓለም ዝተወሰነሉ እገዳ ንምልዓል ዝያዳ ኣተኲሮኡ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ስእነት ከይረክብ እኳ እንተኾነ፣ ዝጥቀመሎም ስልትታት ግን ኣብ “ሃገራውነት” ዝተመርኲሰ እዩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ርእሰ ኸተማ ኣሜሪካ፣ ዋሺንግተን ዲሲ፣ ብኣምበሳደር ግርማይ ገብረማርያም ዝተኻየደ ኣኼባ ከመይ ከምዝነበረ ሕተቱ። ኣምባሳደር ኣብዚ ኣኼባ ዝገበሮ ዘረባ፣ ኣብ ድያስፖራ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ንምትካልን ተሓታትነትን ንምምጻእ ዝካየድ ዘሎ ሕዝባዊ ምንቅስቓስ ኣስጊእዎም ከምዘሎ ኣብ ዋሺንግተን ዝርከቡ ተኸታተልቲ ይነግሩ።

ብዕለት ነሓሰ 24፣ 2009 ኣብ መርበብ ኣሰና ዝወጸ “ኢሳያስ እቲ ዕሉል ገበነኛ” ዘኣርእስቱ ጽሑፍ ካብ “ጸረ ምልኪ” ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ተንቲኑ እዩ። ኣብ መደምደምታ ድማ ከምዚ ይብል፤ “ድሕሪ ናይ ዕስራ ግንቦት ናዕቢ ድማ ነቲ ዝነበረ ሃጓፋት ብምምላእ ኣንጻሩ ዝኾነ ምንቅስቓስ መታን ከይለዓል ንኹሉ ትካላት መንግስቲ ብዝምችኦ መንገዲ ብናይ ኬይጂቢ ዓይነት ኣወዳድባ ከም ዝቐውምዩ ገይሩዎ። ናይ ጸጥታ ሚኒስተር የሎን ይብሃል ግን እቲ ትካል ብስዉር ይሰርሕ። ሰብዓን ክልተን ምስ ፈረሰ ኣባላቱ ናብ ብዙሓት ሚኒስትሪታትን ትካላት መንግስትን ፋሕ ኢሎም ንዑኡ ተኣዘዝቲ ኮይኖም። ኢሰያስ ከም ባህሪ ወልቀመላኺ፣ ስታሊናዊ፣ ጥሩፍ ኣተሓሳስባ ስለ ዘለዎ ብመሰረቱ ደሞክራሲ ዝብል ኣምር፣ ይትረፍ ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ክሰምዖ’ውን ኣይደልን’ዩ። ምስ ብዙሓት ጋዜጠኛታት ድማ፣ “እንታይ ማለትዩ ደሞክራሲ?” ብምባል ብብድዐን ንዕቀትን ዓው ኢሉ ተዛሪቡሉ’ዩ።”

ብዛዕባ “የሚን” ዝያዳ ሓቤረታ ኣብ መርበብታት ይርከብ ኢዩ። ብፍላይ መዝገብ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ብናይ “የሚን” ጉዳይ ዝተቐትሉ ተጋደልቲ፤ ዶክተር ኢዮብ ገብረልኡል (ናይ ሕብረት ሶቭየት ምሁር)፣ መሓሪ ግርማጽዮን (ምስ ሃይለ መንቆርዮስ ዝተሰለፈ ናይ ሕብረት ሶቭየት ምሁር)፣ ገብረሚኪኤል መሓርዝጊ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዪኒቨርስቲ፣ ሕብረት ተስፋጋብር፣ ኪዳነ “ኣቤቶ”፣ ፍስሃየ “ጀርመን”፡ ሃይለ “ጀብሃ”፡ ኣርኣያ ሰመረ፣ ኣማኑኢል “ፍላንሳ” ይርከብዎም ይብል።

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...