ሓደ ካብቶም መራሕቲ ከም ኣብነት ክጠቅስ። ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ካብ ኢሰያስ ኩሉ ድልየቱ ዝረኽበሉ ክድምና ኢዩ መሪጹ። ንነዊሕ ጠሚቱን ዘርብሖ ሰብ መን ሙዃኑ ንምግምጋም ግዜ ኣይወሰደሉን። ሓንሳብ እታ ናይ ረብሓ ጋቢ ምስ ተኸድና ኣየውረዳን። ከም ስብሓት ኤፍሬም ኣብ ፈተና ኣይወደቐን። ስብሓት ከም ሰላይ ኣብ ቀዳመይቲ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኮነ ኣብ እታ ቁጽሪ 3 ከም ሰላይ ኣገልጊሉ። ዘይፈለጥዎ ኢስያስ ካብ 1966 ጀሚሩ ናይ ብሕቲ ትካል ክተክል መሪጹ። ኣብ ጀብሃ ዝብሕታ ቦታ ኣይረኸበን። ብመጀመርያ ዝርገሐ ዘለውን 4 ክፍልታት ኮይነንኦ። ብመጀመርያ ሓንቲ ጋንታ መጣልዒት ተደልዩ። እታ ሰልፊ ናጽነት። ንጥምረት ድማ ዝመበገሲኡ ካብተን 4 ሓንቲ ነጺሉ ክኸስብ መዲቡ። እታ ቁጽሪ 4። ንሳ መዛምድ ክትኮኖ ቋንቋ ከጽንዕ ኣለዎ። እወ ኣጽኒዑ ድማ። ብመጀመርያ ነታ ቁጽሪ 4 ክውሕጣ እታ ምስኡ ዝተነጸለት ናይ 5ይ ክፍሊ ደው ክትብል ይግባእ። ብግዝይኡ ንገለ ምሁራት ይጥቀመሎም። ግን ጽልኢን ምጥርጣር ከሕድሩን ክብህሩሩን መዲቡ። ነት ብመንግስት ኢትዮጵያ ክትፈላልየን ዝመሃዘታ ፈልያ ኣስልም ክትቀትል ዝጀመረቶ መፈላልይ ሜላ ብስዉር ከም ትርብሖ ኣስተብሂሉሉ። መጀመርያ ዘረሓሕቖም ቦታ ትፈላሊ። ደሓር ዓራቒ ኮንካ ትቐርብ። ክልተ ባላ ትኸል፣ እቲ ሓደ እንተ ወደቀት በቲ ካልኣይቲ ተንጠልተል ትብል ሜላ። ክሳብ መፋርቕ 73 ኩላ Eታ መደብ ከይዳ። በቲ ሓደ ኣልኣሚን ተደራቢ ናይ ዓሊ ሰይድ ተወዲቦም። በቲ ካልእ ድማ ከም ሓዲሽ ስብሓት ኤፍሬም። ክሳብ ሎሚ የእዳዎም ብደም ጨቂዩ ይፈርሑ ይብህሩሩን ኣለዉ። ፍቂሪ ክሳብ ቀብሪ፣ ይብሉኹም እዚኣ እያ።
 
ትካል ዝበላ ትዓብን ትዕንብብን ጀሚራ። ስለዚ ፎርምላ ኣውጺኡ ክተኽላ ድማ ናይ ሓንቲ ሃገር ቅዲ ከም ኣብነት መሪጹ። ኣሰራርሓ ሶቭየታዊ ስታሊንን። መበቆል መሪሕነት ካብ ውሽጢ ሃገር ክሳብ ቁጠባዊ ዓቕሙ ክብ ዝብል ብውሑዱ ክልተ ፍሉያትን ፍልይ ዝበሉን ክኾኑ ኣለዎም። ድዝወሩ መሪሕነት። እዛ ትካል ኣብ ምምርሓ ዘድልይዎ ኣካየድቲ ከመይ ዝበሉ ክኾኑ ኣለዎም ብሓንሳብ ዘማዕበሎ ሕንጻጽ ሒዙ ኣይተበገሰን። ግን ኣብ ውሽጢ እታ ትትከል ዘላ ትካል፣ ድኽመት ዘለዎም፣ ብድኽመቶም ድማ ስለ ዝረዓዱ ሓንሳብ ምስ ተጸግዕዎ ዘይጠልምዎ ክኾኑ ኣለዎም። እወ ኣልኣሚንን ስብሓትን። ክልተ ክፋላት ናይ ሓንቲ ባልዶንጋ። ኣብ ሃገራዊ ቅርጺ ምቕራጽ ኣብነት ዝኾኖ ኣመራርሓ ከም ስታሊን ዝመሳሰል መንገዲ እዩ ቀይሱ። እቲ ፍልልይ ከም ዓይነት ዝፍለየሉ መAቀኒ እውን ኣለዎ። ቀንዲ ፍልልይ ናይ ክልቲኦም ስታሊን ክመርሓ ዝደሊ ሃገር ዓባይን ሰፋሕን ክትከውን ከላ፣ ብስልጣኔ ምስ ኤውሮጳ ምትእስሳር ዘለዋ፣ ናይ መሬት ጸጋታት ድማ ናብ ምብራቕ እንዳ ኣስፋሕፍሐት ንኣሲያ ገጻ ከተስፍሕ ዝወሰነት ነይራ። ሩሲያ ብነጋውስ ትምራሕ ናይ ዛር ዲናስቲ (ስርወ-ስርዓት)

ዝነበራ ሃገርውን።
ናይ ኢሳያስ ድማ ኣፍሪቃዊት ሃገር ግን ካብ ናይ ዘርኢ ሱር ምስ ዓረባዊ ክፍለ ዓለም መቦቀል ዘለዋ ኤርትራ እያ። እንተ ንምስፍሕፋሕ ብናተይ ጸብጻብ ናብ እትዮጵያ እንተ ተኻኢሉ እውን ንሱዳን ዝሓለነ ዓንዳሪ ሕማም ኢዩ ነይርዎ። እዝን ክንድዝን ተደራራቢ ሕማም ንምርዋይ መበቆል ቀይሕ ባሕርን ንደቡብን ምዕራብን ዝጠመተ ሕውስዋስ መሪሕነት ከቕውም መሪጹ። ስለዚ እቶም መሪሕነታት ካብቲ ዘስፍሕፋሓሉን ኣገዲዱ ምስ ናቱ ግዝኣት ዝዋፈሩ ልኡኻት ዝኾኑ ግን ብሕታውን ውልቃውን ዝንባሌታት ዘለዎም ስሱዓት ከጥሪ ኢዩ ሓንጺጹ። ከም ናይ ንግድን ሸቐጥን ትካላት ዝይኮነ ወፍሩ ኣብ ፖለቲካዊ መበገሲ ዘለዎ ምስፍሕፋሕ ዘለዋ ትካል ኢዩ ከቐምጥ። ብግዳም ሲቪላዊ ምምሕዳር ከም ዘለዋ ሽፋን ይገብር፣ ብውሽጢ ግን ወተሃደራዊ ትሕተ ቅርጺ ዘለዋ ፖለቲካዊት ኣሃዱ ክትከውን ኣለዋ። ኣብ ኩሉ ዓይነት ምሕደራዊ ቅርጺ ዓለምና ትኽተሎ ኣሰራርሓን ቅርጽን ትካሉ ኣይትቕበልን። መንግስታዊ ቅርጺ፣ ናይ ሚኒስተራት፣ ምክፍፋል፣ ክፍለ-ምምሕዳራት፣ ኣውራጃ፣ ወረዳ፣ ዓዲ ዝበሃል ምስ ታሪኽን ኣመጻጽኣን ዘይምቕባል መደብ። በቲ ካልእ መዳይ ድማ ብሄር፣ እንዳ፣ ስድራ-ቤት ይነጽግ። እታ ናብ ኩሉ መሳገሪት ኤርትራ ስለ ዝኾነት፣ ከም መደብ ኣብ ናቱ ላቡራቶሪ ብስነ ፖለቲካዊ ስነ-ቀመማት ዝተማህዘት ክትከውን ኣለዋ። ከም ኣብነት ናይ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ እየ ሰምየ። እሱ እውን እቲ ከም ከሚካላዊ ስነ-ቀመም ክስራሕ ዝመደበ ለባም ንጥረ-ቀመም ስለ ዝኾነ። ወሃ ዘበለ ብኹሉ መለክዒ ድማ ሓሊፉ ረብሕኡ ዝሓለወ ብኢሳያስ ዳግመ ትውልዱ ዘበሰረ ፍጢሩ እንተ በልክዎ ዝከሓድ ኣይኮነን። ካልኦት መሪሕነታት ግን ኣብ ምምካኾም ዲዩ፣ ኣብ ምውሃዶም ገለ ህዋሳዊ ጎዲልዎም ወይ ድማ ናቱ ስነ-ባህሪ ዘየስተውዓለሎም ከይኑ ክስርሑ ከለዉ ኣሸጊሮሞ ሰናኒዑ ዝሰርሖም እውን ኣለዉ።
 
ገለ ተጋደልቲ ብፍላይ ኣብ ናይ ምሁራት ጉጅለ ኣብ ጉዕዝኡ ዘሸግር ውፕን ዝገመትዎ ውጥን ከም ዘተኣታተወ ዘስተብሃሉ ነይሮም። ድሕሪ ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ ናይ ተጋድሎ ሓርነት
ኤርትራ፣ ውግእ ሓድሕድ ተባሪዑ። እቲ ቀንዲ መበገሲ ሜዳ ኤርትራ ክልተ ውድባት ኣይጸውርን እዩ ዝብል ሕንጻጽ ተ.ሓ.ኤ. ኢዩ ዝብል ፖለቲካዊ ትምህርቲ ስለ ዝተራብሐ፣ ኣብ ገጋደልቲ ዓቢ
ስክፍታ ምፍጣሩ ነይሩ። ነፍስ-ወከብ ክልተ ዓውደ-ግንባራት ዘለዎ ውግኣት ከካይዳ ጀመራ። ሕራይ ምስ ናይ ኢትዮጳያ ሰራዊት ምጥምጣም ቅቡል ክኸውን ከሎ፣ ናይ ሓድሕድ ኩናት ግን
ዘይምኽንይን ዘይጠፍእ ቁስልን በሰላን ኣብታ ሃገር ከም ዝገድፍ ተራእይዎም። ብፍላይ እቲ ጀብሃ ክትሓቅቕ ኢያ ዝብል መርገጺ ህዝባዊ ሓይልታት ብጣዕሚ ዘስግን ናይ ውግእ ዓዳምን ገይሮም ዝጠመትዎ ነይሮም። ነዚ ናይ ተጋደልቲ ርእይቶ ዘስገኦ ኢሳያስ ገለ ነገር ክበላሓት ነይርዎ። ተ.ሓ.ኤ. ወካሊት መሳፍንትን ብርጅዋን ስለ ዝኾነት ብውሽጣ ኢያ ትሓቅቕ ዝብል ተወሳኺ መግለጺታት ኣንበረ። ይኹን እንበር መሰረታውያን ተጋደልቲ ናይ ክልቲኤን ውድባት ነዚ ጉዳይ ብኸመይ ይመዝንዎ ዝብል ውሽጣዊ ክትዕ ቦቐለ። ክልቴና ኣሕዋት ኢና፣ ጉዳይና ከነመዓራሪ ብኸመይ ዘይንዛራረብ ዝብል ርእይቶ ክዝረበሉ ጀሚሩ። ከምቲ ዝኾነ ይኹን ሓዲሽ ሓሳብን ኣወንታዊ ርእይቶ ክቦቅል ከሎ፣ ሃንደበት ብገለ መዳይ ናይ ውግእ ግጥም ይብገስ። ምስ እቲ ኩሉ እውን ተጻዋሪ ባህሪ ተጋደልቲ ንውሽጣዊ ሽግራት ንምፍታሕ ዝሓለነ ንጡፍ ተራ ካብ ምጽዋት ዓዲ ኣይወዓለን። ብናይ ኢሳያስ መናፍሕ ግን እቲ ናይ በትሪ ምውጥዋጥ ናብ ተሓኤ ዝቐንዐ ኢዩ ነይሩ። ጽሕፋት እታ ውድብ እውን ዝምስክሮ ሓቂ ኢዩ። ክልተ ውድባት ጥራይ ዘይኮነስ፣ ዝፈላልየና እንታይ ነይሩን ኣሎን፣ ዝፍተሓሉ ድማ ብክልቲኤን ውድባት ጥራይ ዘይኮነስ፣ እቲ ዝምልከቶ መላእ ህዝቢ ተርኡ ከይጻወት መን ኣጊድዎ ኣሎ ዝብል ሕቶ ኢዩ ተነጣጢፉ። ናይ ክልቲኤን ውድባት ክፍሊ ህዝቢ ነናቶም ውድባት ይውድቡ ብምንባሮም እቲ ሻራነት መልክዕ እንዳ ሓዘ ምምጽኡ ብጣዕሚ ናብ ዘስግእ መድረክ ከም ዝድይብ እውን ክበርህ ከኣለ። ባዕሉ እቲ ውድብ ንዋህዮታትና ,,ዋህዮ ንየው በላ፣ ምፍልላይ ዝኣመላ“ ተባሂሉ ከም ዝድረፍ ክገልጽ ጀመረ። ምፍንጫል ህዝቢ ቅቡል ከም ዘይኮነ ርዱእ ኢዩ። ክልተ ውድብ ኣይኮነን ዝጽላእ፣ እንታይ ደኣ ክልተ ወተሃደራዊ ሰራዊት። ንዝኾነ ናእሽቱ ግርጭታት ናብ ኩናት ገጹ ከድህብ ምጅማሩ፣ ዘየደቅስ ሕማም ኢዩ ነይሩ።
 
ድሕሪ ናይ ወከ-ዛግር ኩናት ሓድሕድ እቲ ውሽጣዊ ጉዳይ ህዝባዊ ሓይልታት ገንፈለ። ርክብ ምስ መሰረታውያን ክጅመር ኣለዎ ዝብል ምንቅስቓስ ተግደልቲ ተጀመረ። ምስ ናይ ተሓኤ ተጋደልቲ ብቐጥታ ርክብ ተኻየደ። ኣብ ነገርና ሓደ ተጋዳላይ ህዝባዊ ሓይልታት ምስ ናይ ተሓኤ ክዛረብን ክመያየጥን እንድሕሪ ተራእዩ ተሳሒቡ ኣብ ሓለዋ ሰውራ ኢዩ ዝዓልብ። ብድሕሪ ምእሳሩ ጃሱስ  ኢዩ ነይሩ ዝብል መበገሲኡ ዘይተፈልጠ ዜና ይዝርጋሕ። ነዚ ኹሉ ፈንጺጎም መሰረታውያን ተጋደልቲ ርክቦም ኣስፊሖም ንመሪሕነት ህዝባዊ ሓይልታት ፈንጺጎም ሓንቲ ሽማግለ ኣብ ሰምየናዊ ባሕሪ ኣቖሙ። እታ ሽማግለ ምስ መሰረታውያን ተጋደልቲ ናይ ርክብ መደብ ኣውጸአት። ኣብ ዓዲ ቢደል ርክብ ናይ ክልቲኤን ውድባት ምስ ካብ ህዝቢ ዝወጸአ ሽማግለታት ተቖጽረ። ኣብታ ዕለት እቲኣ ህዝባዊ ሓይልታት ውግእ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ካርነሽም ጀመረት። ነቶም ሽዱሽተ ሽማግለ ተጋደልቲ በቲ ህጹጽ ኩነታት ኣብቲ ርክብ ከይከዱ ተኣገዱን ተኸልከሉን። ብለይቲ ገለ ካብ ህዝባዊ ሽማግለታት ናብ መሪሕነት መጺኦም፣ ንምንታይ ነቶም ሽማግለታት ምስ ኣሕዋቶም ከይራኸቡ ከም ተኸልከሎ ዝብል ሕቶ ኣንበሩ።

መልሲ መሪሕነት “ሎሚ ንመግዛእቲ ኣምሓራ ዓኾኻይ ኢልና ነውጽኣሉ ኢዩ፣ እንበር ናይ ምምይያጥ ግዜ ኣብ መጻኢ ክቕልቀል ይከኣል” ኢሎም መለስዎም። ሽዱሽተ ኣባላት ሽማግለ ህዝባዊ ሓይልታት ኣብቲ ውግእ ዘይምስታፎም ብመጠኑ የጉድልዎ እንበር፣ ንሃገራዊ ሓድነት ጽቡቕ መንጸፍ መንጸፉ ነይሮም። እዚ እውን ሓደ ዓቢ ዓወት ኢዩ ነይሩ። እወ፤ ህዝባዊ ሓይልታት ኣብቲ ናይ ውግእ ግጥም ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝነኣድ ዓወት ኣመዝጊባ፣ ግን እቲ ዝዓበየ ዓወት ናይ ሓድነት ምንጻም ምኾነ። ንግዝኣት ደርጊ እውን ዓቢ ራዕዲ ምፈጠረሉ። ህዝቢ ነቲ ፍልልያት መታን ከይደፍኣሉ እቲ ናይ ህዝባዊ ሓይልታት መታለሊ ፕሮፓጋንዳ ዝተጠቕመሉ፣ ህዝባዊ ሓይልታት ኢያ ንመግዛእቲ ኣምሓራ ዘቢጣ ተድመዓሉ ዝብል መናፍሕ ተፈነወ። ጥምርቲ ሃገርን ጥሙር ሰራዊትን ኢዩ ህዝቢ ዘድሕን እንበር ኣብ ክልተ ተጎዚኻ ዝካየድ እሞ ኣብ ርእሲኡ ክልተኻ እንዳ ተገጫጨብካ ተምጽኦ ዓወት ናብ ሰፊህን ዝርገሐን ዘለዎ ህዝባዊ ፍልልያት ከም ዘእትወካ ብሩህ ክኸውን ነይርዎ። ብድሕሪ ካልኣይ ሃገርዊ ጉባኤ ተሓኤ ስምረትን ምትሕንፋጽ ተጋደልትን ከም ሕንጻጽ ጸደቐ። ኢሰያስ መደቡ ከም ዝዕንቅፍ ስለ ዝፈለጠ ድማ ,,የለን ብመስመሪ ጉባኤ፣ ወይ ብደረጃ ስሙር ግንባር“ ዝብል ካልእ ሜላ ፈጠረ።

ንተጋደልቲ ህዝባዊ ሓይልታት ድማ ተሓኤ ንስኹም ኣይትፈልጥዋን ኢኹም፣ ንሕና ገዳይም ተጋደልቲ ስለ ንፈልጣ ግን ብደረጃ መሪሕነት ነቲ ስምረት ብግቡእ ከነውሕሶ ኢና ክብል መደረ። ነቶም ምስ ተሓኤ ዝተራኸቡ ድማ ግዜ መጢጡ ኣሰሮም። ገለ ተረፍ እውን ኣብ ጀርመን ካብቶ ሽማግለታት ኣለዉ። ንምንታይ ኣይጽሕፉን ግን ዘገርም ጉዳይ ኢዩ። ካብቲ ንሳቶም ዘህለፍዎ ሽግር ዝዓቢ ጸባባ የለን። ናቶም ምብጋስ ዝተጸልዉ ብዙሓት ተጋደልቲ ነይሮም። ኣብቲ ውድብ ብግሉጽ ክትካታዕን ርእይቶኻ ክትህብን ዘፍቀድ ይኹን እንበር፣ ካልእ ውሽጣዊ ሕማም ኢዩ ነይሩ። ዳግመ መንካዕ እንዳ ተባህለ ብዙሓት ተጋደልቲ ኢዮም ተኣሲሮም። ካብቶም ኣዝዮም በላሕትን ንስምረት ሃቂኖም ነቲ ውድብ ብውሽጢ ክሓቕንዎ ዝጀመሩ ከም በበዓል ዶክቶር ኢዮብ ገብረልኡልን ብጻይ ጎይትኦም በርሀን ንምጥቃስ ግቡእን ሓላፍነታውን ኢዩ። ርክባቶም ምስ ተጋደልቲ ተሓኤ ድማ ደረት ኣይነበሮን። ክልቲኦም ድማ ብሞት ተቐጺዖም። ተጋደልቲ ሽግራት ክመጽእ ከሎ፣ ካብ ኣቃውማ ቅርጺ ክልወጥ ይግበር። ካብቲ እኩይ ተግባራት፣ ሓይልታት ዝነበራኣ ናብ በጦሎኒ ክሳገራ ተባሂሉ ሓዲሽ በቲንካ ምትሕንፋጽ ይመጽእ። ናይ ሓደሽቲ ዋሕዚ ስለ ኮነ ኢልካ ዝተኻየደ ኣብቲ ምትሕንፋጽ ነቶም ምኩራት ትብትኖም። እቶም ሓደሽቲ ድማ ሓንቲ ዝዓይነታ ዓማ ትብል መዝሙር ኢዮም ዝዝምሩ። ናይ ጓይላ መውጽኢት ደርፎም ኢያ። እቲ ነባርን ምኩርን ተጋዳላይ ብውሽጠ ውሽጢ ኣድሓርሓሪ፣ ንኡስ ብርጅዋ እንዳ ተባህለ ይጽየፍ። ይንጸል ካብ ኩሉ ከም ዝግለል ይግበር። ኣብ ውግእ ድማ እቲ ቀዲሙ ዝስዋእ ንሱ ኢዩ። እንተዘይተሰወአ ከም ተራ ተጋዳላይ ስለ ዝምደብ ምስቶም ንቕሓቶም ክብ ዘይበለ እሞ ብርክት ዝበሉ ተጋደልቲ ርእይትኡ ከይገልጽ ካብ ተኻታታል ሜላ ጀሚርካ ብዝይ ርድኦም ዝተዓስቡ ኣብ መስርዕ ክልተ ወይ ሰለስት ሰሚዖም ንመራሒ ዘቀባብሉ ሰለይቲ ኣብ ምሰርዕ ምንባሮም ዘሕምምን ነብስኻ ዘጽልእን ተዘክሮ ኢዩ። ተነጺልካ ከም እንስሳ ዘግዳም ትሕቲ ጽላል ትድቅስ። ትርኢዎዶ ኣለኹም ሕማም ኢዩ ዘነጽሎ ዘሎ ተባሂልካ ኣብ ነቐፌታ በቶም ዝይትፈልጦም ግን ተሓጺቦም ዝተወደቡ ሓደሽቲ ተወሰኸታት ኣብዚኣ እባ ከምዚ ኣላታ እንዳ ተባህለ ሓመድካ ትስሕን። ብሓቂ ህዝባዊ ሓይልታት ኮነ ህዝባዊ ግንባር ውሽጣውሽጢ ከንደይ ንጹሃት ሃገራውያን ኣኽሲራትና ኢያ።
 
ሕጂ እውን ደቅና ብኸምዚ ተሓጺቦም ናይ ርኳን ግዕጋዕ ኣባህሪርዎም ኣብ ዘይውዱቕ ይወድቁ ኣለዉ።
 
 
“ካብ ህዝባዊ ሓይልታት ህዝባዊ ግንባር ህግደፍ
ሕማምዶ ጥዕና ህዝቢ ኤርትራ።
መድሃኒት ክንረክብ ሕማምና ንድሕሪት ተመሊስና “
ገጽ 5 – 7
 


 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...