ሜጀር ጀነራል ብርሃነ ገረዝግሄር
ሜ ጀር  ጀነራል ብርሃነ ገረዝግሄር ይበሃል። ኣብ ድርኮ መራጉዝ ብ4 መስከረም 1949 ተወሊዱ። ካብ ቀዳማይ ክሳብ ራብዓይ ክፍሊ ኣብ ቤ/ት ድርኮ ተማሂሩ። ብድሕሪኡ ሓደ ዓመት ኣብ ማእከላይ ደረጃ ቤ/ት ሳንጆርጆ ድሕሪ ምምሃሩ፡ ናብ ቤ/ት ቤት ገርግሽ ሰጊሩ ካብ ሻዱሻይ ክሳብ ሻሙናይ ክፍሊ፡ ቀጺሉ ከኣ ኣብ ቤ/ት ልኡል መኮነን ክሳብ 11 ክፍሊ ተማሂሩ። ኣብ መወዳእታ፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምኻድ ዩኒቨርስቲ ብምእታው፡ ስነ-ቅመማ(chemistry) ከጽንዕ  ጀሚሩ።
ካልኣይ ዓመት ከይወድአ ግን፡ በቲ ሽዑ ዝነበረ ክቱር ሃገራዊ ስምዒት ተደሪኹ፡ ናብ ሜዳ ኤርትራ ኣብ መጋቢት 1972 ዓ.ም ወጺኡ። ሜ/ ጀ ብርሃነ ኣብ ሰራዊት ዝሰርሓሉ ጽፍሕታት ኩሉ ንምዝርዛዝሩ'ኳ እንተኣሸገሮ፡ እቲ ንሱ ዝዝክሮ ግን፡ ኣብ  መ ጀመሪያ 1973 ከም ኮሚሳር ጋንታ፡ ቀጺሉ ከም ኮሚሳር ሓይሊ ባሕሪ፡ ብድሕሪኡ ከም ኮሚሳር ቦጦሎኒ ኮይኑ ሰሪሑ። ሜ/ ጀ ብርሃነ ኣብ'ቲ ኣብ 1977 ዝተገብረ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ህ.ግ፡ ኣባል ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት'ቲ ውድብ ኮይኑ ተመሪጹ። ካብ 1977-87 ከኣ፡ ኣባል ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ኮይኑ ክሰርሕ ጸኒሑ።
ብድሕሪኡ ክሳብ ናጽነት ኣብ ዘሎ ግዜ ድማ፡ ከም ኣባል ማእከላይ ሽማግለ፡ ኣማሓዳሪ ዞባ ምዕራብን ተሓጋጋዚ ጠቕላሊ ስታፍን ኮይኑ ብምግልጋል፡ ዓርቢ 24 ግንቦት 1991 ምስ'ቲ ነቲ ውግእ ዘወሃህድ ዝነበረ ላዕለዋይ እዚ ንኣስመራ ኣትዩ። ሜ/ ጀ ብርሃነ ኣብ መ ጀመርያ ናጽነት ከም ጸሓፊ ክፍሊ ኢንዳስትሪ፡ ብምቕጻል ከም ኣመሓዳሪ ኣውራጃ ሓማሴን ድሕሪ ምስርሑ፡ ናብ ምክልኻል ብምምላስ ብደረጃ ናይ ሜ/ ጀ ማዕርግ ከም ኣዛዚ ሓይሊ ምድሪ ኤርትራ ብምዃን ኣገልጊሉ። ካብ 1998 ንደሓር ድማ፡ ከም ኣዛዚ ሃገራዊ ዕቑር ሰራዊት ኮይኑ ክሰርሕ ጸኒሑ። ሜ/ ጀ ብርሃነ ማዕርጉ ተቐንጢጡ ካብ'ቲ ዝነበሮ መዝነት ከምዝተኣልየ ብሰፊሑ ክዕለል ጸኒሑ'ዩ። ጋዜጣ መቓልሕ፡ ሓቅነት ናይ'ዚ ወረ ንምርግጋጽን፡ ብምኽንያት ዓስራይ ዓመት በዓል ናጽነት ኤርትራ ንህሉው ኩነታት ሃገርናን ካልእን ኣመልኪታ ምስ ሜ/ ጀ ብርሃነ ገረዝግሄር ሰፊሕ ቃለ መጠይቕ ኣካይዳ ኣላ። ጋዜጣ መቓልሕ፡ ንሜ/ ጀ ብርሃነ ነዚ ቃለ መጠይቕ ክገብር ግዚኡ ሰዊኡ ፍቓደኛ ብምዃኑ ብስማን ብስም ኣንበብታን እናመስገነት፡ ናብ'ቲ ዝተገብረ ቃለመጠይቕ ተሕልፈኩም፡-   
መቓልሕ፡- ብመጀመሪያ  ንዝሃብካና ዕድል ካብ ልቢ እናመስገንና፡ ብኸመይ ናብ ገድሊ ከምዝተሰለፍካን፡ ናብኡ ክትከይድ እንታይ ዓይነት ስምዒት ከምዝደፋፍኣካን'ዶ መዕለልካና?
 
ሜ/ ጀ ብርሃነ፡- ኣቐዲመ ብሕታዊት ጋዜጣ መቓልሕ ንዘርኣየቶ ተገዳስነት እናመስገንኩ፡ ኣብ ሃገርና ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምህናጽ እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ የመጉስ። ቀጺለ ናብ ሕቶኻ ክኣቱ፡ ኣብ 60'ታት እቲ ዝነበረ መግዛእታዊ ናይ ፖለቲካ ሃዋህው፡ ምፍራስ ፈደረሽንን ምጉባጥ ኤርትራ ብስርዓት ሃ/ስላሴን፡ ከም ኩሎም ናይ'ቲ ሽዑ እዋን ተማሃሮ፡ ገለ ናይ ምግዳል ስምዒት ክሓድረኒ ክኢሉ። ብድሕሪኡ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ሓያል ዝኾነ ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ ስለ ዝነበረ፡ ንሕና ኤርትራውያን'ውን ብዛዕባ ሃገርና ዝያዳ ክንግደስ ገይሩና'ዩ። ኣብ'ቲ እዋን'ቲ ድሮ ብረታዊ ቃልሲ  ጀሚሩስ፡ ምዕባለታት የርኢ ስለ ዝነበረ፡ ንሕና'ውን ብዛዕባ ሜዳ ምውጻእ ክንመያየጥን ክንሓስብን  ጀሚርና። ኣብ'ቲ እዋን'ቲ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ(ህ.ሓ.ሓ.ኤ) ዝበሃል ብበዓል ዑስማን ሳልሕ ሳበ ዝምራሕ ቅኑዕ ምንቅስቓስ ካብ  ጀብሃ ተነጺሉ ምስ ሰማዕና፡ በቃ ብዘይምስምስ ክንስለፍ ወሲንና። ሰባት ናብ'ቲ ቦታ ዝወስዱ ደሊና፡ ሓደ ርስቶም ዝበሃል ስውእ ብጻይ ረኺብና። ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ናይ መጋቢት 1972 ካብ ኣዲስ ኣበባ ተበጊስና ኣብ 4ይ መዓልቲ፡ ናብ ሰሜናዊ ባሕሪ ርእሲ ዓዲ ዝበሃል መሬት እምባ ደርሆ ኣቲና። ናብ'ቲ ሽዑ እዋን 2ይ ወገን ተባሂሉ ዝፍለጥ ዝነበረ ክፋል ህ.ሓ.ሓ.ኤ ድማ፡ ተጸንቢርና። 
 
መቓልሕ፡-መ ጀመሪያ ክትስለፍ እንከሎኻ፡ ምስ'ቲ ቅድሚ ምስላፍካ ዝነበረካ ትጽቢት ድዩ'ዶ ዋላስ...?
 
ሜ. ጀ ብርሃነ፡- ክንወጽእ ክንሓስብ እንከሎና፡ ኣቐዲምና ንብዙሕ ኣዋርሕ ስነ-ኣእምሮኣውን ኣካላውን ምቅርራባት ንገብር ነይርና። ኣብ'ቲ እዋን'ቲ፡ ካብ ኣራት ኪሎ ዩኒቨርስቲ እናተበገስና፡
እንጠጦ ዝበሃል ጎቦታት ኣዲስ ኣበባ እናኸድና፡ ኣካላዊ ምንቅስቓሳት ንገብር ነይርና ኢና። እዚ ምስ ወጻና ከጋጥመና ዝኽእል ድኻምን ኣካላዊ ተጻዋርነትን ንምልምማድ'ዩ ነይሩ። ስለ'ዚ፡ ኩሉ ተዳሊናሉ ኢና ወጺእና። ስለ ዝኾነ ድማ፡ ኣብ ታዕሊም ኣብ ዝነበርናሉ እዋን፡ ብዙሕ ዘጋጠመና ጸገም ኣይነበረን። ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ከኣ፡ ኣብ'ቲ ዝኸድናሉ ቦታ ብዙሕ ጥሜትን ጽምእን ኣይነበረን።
 
መቓልሕ፡- ገለ ገለ ባእታታት፡ “ኲናት ሓድሕድ ብሰላማዊ መንገዲ ክእለ ይኽእል ነይሩ'ዩ።ዎ ይብሉ'ዮም። ነዚ ከመይ ትርእዮ?
 
ሜ/ ጀ ብርሃነ፡- እዚ ብኹሉ  መልክዓቱ ክርአ እንከሎ ውሳኔ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ'ዩ። መሪሕነት ተ.ሓ.ኤ ሃገራዊ ዕላማ ይንበሮ'ምበር፡ ኣብ ኣሰራርሕኡ/ኣከያይድኡ ንጹር ዘይኮነ መስመር
ሒዙ ይኸይድ ስለዝነበረ፡ ነዚ መስመር'ዚ ተቓዊሙ፡ ህ.ሓ.ሓ.ኤ ከምዝተፈልየ ኩሉ ዝፈልጦ'ዩ። እዚ ኲናት'ዚ ካብ'ቲ፡ “ኣብ ሜዳ ኤርትራ ልዕሊ ሓደ ውድብ ክህሉ የብሉን።ዎ ዝብል ጭርሖ ተ.ሓ.ኤ'ዩ ዝብገስ። ኣብ'ቲ እዋን'ቲ ንሕና፡ “እቲ ዝነበረ ፍልልይ ካልኣዊ'ዩ። ፍልልያት ብዘተን ብዲሞክራስያዊ ኣገባብን ክፍታሕ ይኽእል'ዩዎ ዝብል መርገጺ'ዩ ነይሩና። እንተኾነ፡ ተ.ሓ.ኤ፡ ኣብ ልዕሌና እውጅ ኲናት ስለዝኸፈቱ፡ ንሕና'ውን ክንከላኸል ተገዲድና። ብኸም'ዚ እቲ ኲናት ተ ጀሚሩ። ሕጂ፡ “ሰለማዊ ፍታሕ ክርከብ ይኽእል ድዩ?ዎ ዝብል ሕቶ፡ ኣነ ብወገነይ ካልእ ክመጽእ ዝኽእል ፍታሕ ኣይነበረን'የ ዝብል። 
 
መቓልሕ፡- ኣብ ሜዳ እቲ ኣዝዩ ኣንታዊ ጎድኒ ህ.ግ ትብሎ እንታይ'ዩ? ኣሉታዊ'ኸ? 
 
ሜ/ ጀ ብርሃነ፡- እቲ ኣዎንታዊ ጎኒ ህ.ግ፡ ከም'ቲ ኩሉ ተጋዳላይ ህ.ግ ዝፈልጦን ዝሰርሓሉን፡ ህዝቢ ኤርትራን ዓለምን ጸላኢ'ውን ከይተረፈ ዘድንቖ ኣሰራርሓታት፡ ሓድነት፡ ምትእምማን፡ ብጻይነት፡ ተወፋይነት፡ ፍቕርን ሓልዮትን'ዩ ነይሩ። እዚ ብግብሪ ዝተሰርሐ ከኣ'ዩ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ዋላ ነቲ ፈላማ ውድብ ዝኾነ ተ.ሓ.ኤ ገዲፉ፡ ናብ ህ..ግ ዝተጸንበረን ናጽነቱ ብመንገዱ ዘረጋገጸን። እንተኾነ፡ ዋላ ኣብ'ዚ እውን፡ ኩሉ ነገር ጽቡቕ'ዩ ነይሩ፡ ዝኾነ ይኹን ጌጋታት ኣይነበረናን ክንብል ኣይንኽልን ኢና። ግን፡ ብምንጽጻር ኣሉታውን ኣዎንታውን መዳያት፡ ሰብ ነናቱ ሚእታዊት ክህቦ ይኽእል'ዩ። ብወገነይ እቲ ኣዎዎንታዊ ኣዝዩ ዓቢ ነይሩ።
 
መቓልሕ፡- እሞ እቲ ኣዎንታዊ ጎድኒ ህ.ግ ሕጂ ህግደፍ ዓቂብዎ'ሎ'ዶ ትብል? 
 
ሜ/ ጀ ብርሃነ፡- ኣነ ነዚ ብኣሉታ'የ ዝምልሶ። እቲ ሕጂ ዘሎ ዕግበት፡ ምስ'ቲ ናይ ቀደም ክነጻጸር እንከሎ ብኣንጻሩ'ዩ። እዚ ዝበዝሕ ህዝቢ ዝዛረበሉን፡ ኡይ ዝብለሉን ዘሎ ሓቂ'ዩ። ዋላ'ኳ ኣነ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ህ.ግ.ደ.ፍ ይኹን፡ ከም ሰብ ግን፡ ብዙሕ ዘይዓቀብናዮ ስርሓት ከምዘሎ ይርኣየኒ'ዩ። ብፍላይ ንትካላዊ ኣሰራርሓ፡ ንሓድነትና፡ ንመሪሕነትን ንኣረኣእያ ህዝብና ኣብ ልዕሊ'ቲ ግንባርን ዝምልከት፡ ህዝቢ ብዙሕ ዘይዓገበሎም ሕቶታት ከምዘለው'የ ዝፈልጥ። 
 
መቓልሕ፡- እዚ ካብ ምንታይ ይመስለካ? ሰብኣዊ ዓቕሚ ናይ'ቲ ግንባር ስለዝደኸመ ድ'ዩ ዋላስ ካልእ'ዩ? 
 
ሜ/ ጀ ብርሃነ፡- ኣነ ብዝመስለኒ፡ ልዕሊ'ቲ ኣብ ሜዳ ዝነበረ ኣሰራርሓ ክንከይድ'ኳ እንተነበረና፡ ሕጂ ግን ከም'ቲ ናይ ሜዳ ዝተጓዓዝናዮ'ውን ክንስጉም ኣይከኣልናን። እቲ ምኽንያት ድማ፡ ሕግን ትካላዊ ኣሰራርሓን ተኸቲልና ክንጓዓዝ ስለዘይጸናሕና እዩ። ሕጋዊ፡ ትካላውን ባ ጀታውን ብዝኾነ መንገዲ ዓመታዊ ገምጋም እናገበርና፡ እሂን ምሂን እናተበሃሃልና ንጉዓዝ ዘይምህላውና'ዩ እቲ ጸገም። 
 
መቓልሕ፡- ወያነ ክወሩና እዮም ኢልካ ሓሲብካ ትፈልጥ'ዶ? 
 
ሜ/ ጀ ብርሃነ፡- ኣነ ወያነ ከም ውልቀ ሰባት ይኹን ከም ስርዓት ብዓቕመይ ይፈልጦም'የ እየ ዝብል። ዝምድናና ከመይ ኢሉ'ዩ  ጀሚሩን ማዕቢሉን? ከመይ ኢሉ ናብ'ዚ በጺሑን? ዝብሉ ሕቶታት፡ ብዝምልከቶም ኣካላት ዝተዘርበሉ ሓቂ ድማ ስለዝኾነ፡ ዝተፈልየ ርእይቶ የብለይን። ምስ ወያነ ዝነበረና ዝምድናታት፡ ኣብ 1978፡ 79፡ 80'ታት ብፍላይ እናሓርፈፈ'ዩ መጺኡ። ኣብ 1985 ከኣ፡ ብወግዒ ምስ ወያነ ዝምድና በቲኽና ኢና። ኣጋጣሚ ኮይኑ ምስ ወያነ ዝምድና ኣብ ዝበተኽናሉ እዋን፡ ምስ ብጻይ ስብሓት ኤፍረም ኣብ ካርቱም ከይድና ዝምድናና ብወግዒ በቲኽና። ከምኡ ዘግበረና ምኽንያት ድማ፡ ወያነ፡ “ህ.ግ ኣግላሲ ዝኾነ ውድብ'ዩ፡ ህ.ግ ናጽነት ከምጽእ ዘይክእል ናይ ብርጅዋ ውድብ'ዩዎ ዝብል ጸለመታት ኣንጻርና የካይድ ስለ ዝነበረ'ዩ። ብድሕሪኡ ንናደው ምስ ደምሰስና፡ ንዓናን ነቲ ዝሰራሕናዮ ዓወትን ዘመጉስ፡ ብሬድዮ ፈነውኦም ክዝምሩ  ጀሚሮም፡ ብሓባር ክንሰርሕ ድማ፡ ጻውዒት ኣቕሪቦም። ኣብ'ቲ ኣብ 1989 ዝተገብረ መጥቃዕቲ ሽረ እንዳ ስላሴ ድማ፡ ክንተሓባባሮም ሓቲቶምና። ኣብ'ቲ እዋን'ቲ፡ ነቲ ዕቱብ ተሳትፎ ሓይሊ ህ.ግ ወኪለ ከይደ። ኣብ'ቲ ስራሕ ብምስታፍ፡ ዳርጋ ብሙሉኡ ትግራይ ብምሕራር መዳርግቲ ዘይብሉ ተራ ተጻዊትና ኢና። ኣብ'ዚ  እዋን'ዚ፡ “ወያነ ኣንጻርና ይሰርሑ ነይሮም እንድ'ዮም? ከመይ ኢልና ምስኦም ክንተሓባበር ጸኒሕና?ዎ ዝብል ዘረባታት ይስማዕ'ዩ። እንተኾነ፡ ንሕና ዕላማና ምስ ዝኾነ ጸላኢ ደርግ ብምትሕብባር፡ ነቲ ዝዓበየ ናይ ሓባር ጸላኢና ንምድምሳስ ከምዝነበረ ክፍለጥ ኣለዎ። እዚ ኣብ'ቲ እዋን ቅኑዕ ውሳኔ'ዩ ነይሩ። ብድሕሪኡ፡ ወያነ ንሕቶ ረፈረንደም ኤርትራ ምድጋፉ፡ ኣብ ዝምድናና ቀሊል ተራ ኣይነበሮን። ቀጺሉ ኣብ ዶባት ክልቲአን ሃገራት ዝረአ ዝነበረ ናይ ንግድን ካልኦት ሕቶታትን ነይሩ'ዩ። ኣብ መወዳእታ 96 ከምኡ'ውን መ ጀመሪያ 97 ግን፡ ግሁድ ዝኾነ ምግሃስ ውዕላትን ዶባትን ይረአ ነይሩ'ዩ። እንተኾነ፡ “ክወሩና ይኽእሉ'ዮምዎ ዝብል ግምት ነይሩካ'ዶ ንዝብል፡ ኣነ ገለ ገለ ጎንጽታት ከልዕሉ ይኽእሉ'ዮም ዝብል ግምት ነይሩኒ ይኸውን፡ እቲ ግጭት ናብ'ዚ ደረጃ'ዚ ይድይብ'ዩ ዝብል ግምት ነይሩኒ ክብል ግን፡ ቁሩብ የጸግመኒ'ዩ። ነገርና ይደልዩና ምንባሮም፡ እቲ ኩነታት ናብ ውግእ ከምርሕ ከምዝኽእል ግን፡ እቲ ምልክታት ይርኣየኒ ነይሩ'ዩ።
 
መቓልሕ፡- ካልኣይን ሳልሳይን ወራር ወያነ፡ ብሓያል መኸተ ሓይልታት ምክልኻልን ህዝብን ኤርትራ እንተፈሸለ'ኳ፡ ብሓደ ሓደ ናይ ወጻኢ ማዕከናት ዜና ግን፡ ኤርትራውያን ተሳዒሮም'ዮም ዝብል ጸብጻባት ነይሩ'ዩ። ነዚ እንታይ መልሲ ትህበሉ? 
 
ሜ/ ጀ ብርሃነ፡- ቅድሚ ነቲ ሕቶ ምምላሰሰይ ኣቐዲመ ብዛዕባ ኲናትን(war) ውግእን( battle)፡ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ፍልልያትን ኣሕጽር ኣቢለ ክገልጽ እደሊ። ምኽንያቱ፡ ወትሃደራዊ ዓወትን ስዕረትን ምስ ኲናትን ውግእን ተዛሚዱ ስለ ዝኸይድ። ውትህድርና(Military) ስነ-ፍልጠት(Science) እዩ። ስነ-ፍልጠት ስለዝኾነ ድማ፡ ዝኾነ ሰብ ከም ዝመስሎ ወይ ከም ድላዩ ክትርጉሞ ወይ ክገልጾ ኣይክእልን እዩ። ምኽንያቱ፡ ናቱ ሕግታት፡ ጭቡጥ ግብራዊ ታሪኻዊ ይኹን ክልሰ-ሓሳባዊ መግለጺታት ስለዘለዎ። 
 
ብወገነይ ቅድሚ ስዒርና ወይ ተሳዒርና ምባል፡ ዓወትን ስዕረትን ምስ ናይ ቀንዲ ዕላማ ወያነን ናትና ዕላማን፡ ብመንጽር ንዕኡ ንምትግባር ዝተወስዱ ስልታዊ ስጉምትታትን ተኣሳሲሩ ክግለጽ ኣለዎ። ኣብ ግንቦት 1998፡ እቲ ውግእ ምስ ተ ጀመረ፡ ወያነ “ሻዕብያ ነመሓድሮ ዝነበርና መሬት ብሓይሊ ሒዞም ልኡላውነትና ደፊሮም ስለዘሎዉ፡ ብዘይ ቅድመ-ኩነት ካብ መሬትና እንተዘይወጺኦም መሬትና ብሓይሊ ክንመልሶ ኢና።ዎ ኢሎም። ብመንገዲ ባይቶኦም ኣብ ልዕሌና ኲናት(ኀሽቶ) ኣዊጆም። ብኣንጻሩ ንሕና፡ “እዚ ጉዳይ'ዚ ጉዳይ ዶብ እዩ። ሕቶ ዶብ ስለ ዝኾነ ድማ፡ ብመሰረት ዝወረስናዮ መግዛእቲ ውዕላት ዶብ ክሕንጸጽን ብሰላም ክፍታሕን።ዎ ዝብል መርገጺ ሒዝና ንኣዋጅ ኲናት ቸዊምና። 
 
ኣብ ለካቲት 1999፡ ወያነ ካልኣይ ወራር  ጀሚሮም፡ ነቲ፡ “መሬትና እዩ፡ ነመሓድሮ ነይርና ኢና።ዎ ዝብልዎ ከባቢ ባድመ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንውሽጢ ኤርትራ ብምእታው ገለ ገለ ቦታታት ክሕዙ ክኢሎም። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ መደቦም ክሳብ ኣስመራ ምእታው ምንባሩ ክበርህ ክኢሉ። ካብ'ዚ ክበርህ ከምዝኸኣለ እምበኣር፡- 
 
1. ናይ ወያነ ናይ መወዳእታ ዕላማ ነቲ ተታሒዙና ዝብልዎ ዝነበሩ መሬት ምምላስ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንህ.ግ ደምሲስካ ወይ ኣዳኸïምካ፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ወያነ ጽግዕተኛ ዝኾነ ስርዓት ምትካል እዩ ነይሩ። 
 
2. ብመንጽር ናይ'ዚ፡ እንተድኣ ናይ ወያነ ናይ መወዳእታ ዕላማ ንህ.ግ ምድምሳስ ወይ ምድኻም ኮይኑ፡ ንሕና'ውን ከም ሃገርን ህዝብን ክንህሉ እንተኾይንና ስርዓት ወያነ ክድምሰስ ወይ ክበታተን ኣለዎ። ስለ'ዚ፡ ናይ መወዳእታ ዕላማና ንወያነ ከም ስርዓት ምድምሳስ ወይ ምብትታን ኽውን ባህርያዊ እዩ። እዚ እቲ ፖለቲካዊ መዳይ ኮይኑ፡ እዚ ፖለቲካዊ ውሳነታት'ዚ ብሰላም እንተዘይመጺኡ፡ እቲ ካልእ ኣማራጺ ብሓይሊ ብጎነጽ ምፍታሕ እዩ። እዚ ድማ፡ ኲናት ይበሃል። ኲናት እምበኣር መቐጸልታ ፖለቲካ ኮይኑ፡ ንናይ መወዳእታ ዕላማኻ ብሓይሊ ብረት ምትግባር እዩ። ሓደ ካብ'ቲ ነዚ ዕላማ'ዚ ትጥቀመሉ ኣገባብ ድማ፡ ወትሃደራዊ ስርሒታት፡ ውግኣት(battles) እዩ። ዕላማ ናይ'ዚ ውግኣት'ዚ ከኣ፡ ንጸላኢ ደምሲስካ፡ በታቲንካ ወይ ደፊእካ እትደልዮ ቦታታት በብንእሽቶ ወይ ሰፊሕ መሬት ኣብ ሓደ እዋን ምሓዝ እዩ። እዚ ምስ ሚዛን ሓይሊ(ዓቕሚ ሰብ፡ ኣጽዋር... ሞራል ወዘተ) ወይ እውን ምስ ብልሓት(ስልቲ) ውግእ ዝተኣሳሰር እዩ። እቲ ውግኣት ከም'ዚ ኢሉ ክውሕድ ወይ ክበዝሕ ይኽእል። ነብሲ ወከፍ ውግእ(battle) ድማ፡ ናቱ ዓወትን ስዕረትን ኣለዎ። 
 
ኣብ ግንቦት 2000 ወያነ ሳልሳይ ወራር  ጀሚሮም፡ ውሽጢ ኤርትራ ብምእታው ዝበዝሕ ክፋል ዞባ ጋሽ ባርካ እንተላይ ባረንቱ፡ ዓቢ ክፋል ዞባ ደቡብ እንተላይ ሰንዓፈ ክሕዙ ክኢሎም። ኣብ'ዚ ዝተጠቕሰ ቦታታት ዝነበረ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ዝኸውን ህዝቢ ሃንደበት ንብረቱን ገዝኡን ገዲፉ ብምዝንባሉ ከኣ፡ ሕማቕ ኣጋጢሙና። ምስ ወያነ ሰለስተ ወራራት ኣካይድና። ኣብ'ቲ ቀዳማይ ወራር ንሓይሊ ወያነ ደፊእና መሬትና ክንሕዝ ክኢልና። ኣብ'ቲ ካልኣይን ሳልሳይን ወራራት ወያነ ሰፊሕ መሬት ኤርትራ ክሕዙ ክኢሎም። 
 
ውግእ( battle) ንጸላኢኻ ደምሲስካ ወይ በታቲንካ ወይ ደፊእካ ነቲ ይብጽሓኒ ትብሎ መሬት ብሓይሊ ምሓዝ ካብ ኮነ፡ ብ ጀካ ብዓወት ወይ ስዕረት ካልእ ወትሃደራዊ መግለጺ የብሉን። ምናልባት እቲ ዘሰሓሕብ ቦታታት ክልቲኡ ወገናት ክደፍእ እንተዘይክኢሉ ብጃላነት(stalemate) ክግለጽ ይከኣል እዩ። ካብ'ዚ ወጻኢ ወትሃደራዊ መግለጺ እንተልዩ ድማ፡ ክሰምዕን ክመሃርን ድሉው እየ። እዚ ነቲ ዝተኻየደ ውግኣት ጥራይ ዝምልከት እዩ። 
 
ኣብ'ቲ ኲናት(war) መጺእና ምስ እንርኢ፡ ወያነ ናይ መወዳእታ ዕላምኦም ኣብ ኤርትራ ካልእ ስርዓት ንምምጻእ ስለዝነበረ ኣይተዓወቱን። እቲ ክቕጽል ዝኽእል ዝነበረ ውግኣት ድማ፡ ብስምምዕ ሰላም ኣብ'ዚ ዘለዎ ኩነታት በጺሑ ይርከብ። ውግእ ቀጺሉ ነይሩ እንተዝኸውን፡ እንታይ ለውጢ ክመጽእ ከምዝኽእል ድማ፡ ክፈልጦ ዝኽእል የልቦን። ኣብ መወዳእታ ግን፡ እቲ ፍትሓዊ ኲናት ክዕወት ምዃኑ ርዱእ እዩ። ከም'ቲ ኣቐዲመ ዝበልክዎ ኣብ ውግእ ክትደፍእን ክትድፋእን ዝነበረን ዘሎን እዩ።  ኣብ'ቲ መወዳእታ ግን፡ እቲ ፍትሓዊ ኲናት'ዩ ዝዕወት ዝብል ጭርሖ ኣብ ሕጂ በጺሑ ክቕየር ኣይክእልን እዩ። እዚ ኣብ ዝሓለፈ ናይ 30 ዓመት ተሞክሮታትና ዝተራእየ እዩ። ወያነ ድማ፡ ብሓይሊ፡ ብዓቕሚ ብብቕዓት እዮም ሰፊሕ መሬትና ሒዞም ዝብል እምነት የብለይን። እዚ ዝኾነ ሰብ፡ ህዝቢ ይኹን ሰራዊት ዝዛረበሉ ሓቂ እዩ። ሓቀኛ፡ ቅኑዕን ደቂቕን ገምጋም ግን፡ ክግበር ኣለዎ። 
 
መቓልሕ፡- ኣብ ሳልሳይ ወራር፡ “ብዙሕ ናይ ኣጽዋር ዋሕዲ፡ ናይ ሰብኣዊ ኣወዳድባ ሃጓፍ፡ ናይ ኣዘዝቲ ሰራዊት ሸለልትነትን ነይሩና።ዎ ይበሃል'ዩ። ንስኻ ብዛዕባ'ዚ እንታይ ምበልካ?
 
ሜ/ ጀ ብርሃነ፡- ብወገነይ ወያነ ሰፊሕ መሬትና ክሕዝ ዝኸኣለ፡ ብሰንኪ ኣጽዋር፡ ብሰንኪ ሰብኣዊ ዓቕምን፡ ብሰንኪ ኣዘዝቲ ሰራዊትን'ዩ ኣጋጢሙና፡ ዝብል ርእይቶ የብለይን። 
 
መቓልሕ፡- ወያነ ኣብ እዋን 3ይ ወራር ክሳብ ኣስመራ ንምብጻሕ'ዩ ነይሩ ዕላምኦም። ቀንዲ ምስጢር ፍሽለቶም እንታይ'ዩ ትብል?
 
ሜ/ ጀ ብርሃነ፡- እዚ  ፍሉጥ'ዩ። ናይ ወያነ ዕላማ ኣስመራ ምእታው ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣስመራ ኣቲኻ ስርዓት ምቕያር'ዩ። እዚ ዳሕራይ ባዕሎም ዝተዛረቡሉ ሓቂ'ዩ። እንተኾነ፡ ዋላ'ኳ ሰፊሕ መሬት ኤርትራ ክቖጻጸሩ እንተኸኣሉ፡ ሳላ ጅግና ሰራዊትናን ህዝብናን፡ ነቲ ናይ መወዳእታ ዕላምኦም ከተግብሩ ኣይከኣሉን። እዚ፡ ውጽኢት ናይ'ቲ ህዝብን ሰራዊትን ዘርኣዮ ፍሉይ ተወፋይነት'ዩ። 
 
መቓልሕ፡- መኸተ ዋርሳይ ኣብ'ዚ ናይ ወያነ ኩነታት ከመይ ትግምግሞ?
 
ሜ/ ጀ ብርሃነ፡- ዋርሳይ ካብ ክውንነት ናይ ኤርትራ፡ ካብ ቤተሰቡ፡ ካብ ዓበይቲ የሕዋቱን (ተጋደልቲ)፡ ካብ ሕ/ሰብን ዝወረሶ ሃገራዊ ስምዒት ስለዘለዎ፡ ካብ'ቲ ካልእ ክፋል ሕብረተሰብ ዝፈልዮ ምንም ነገር የልቦን። ኩሉ'ቲ ጅግንነት፡ ኒሕን ሓቦን ካብ ኣያታቱ ወሪስዎ'ዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ከኣ፡ ዋላ'ኳ እቲ ኲናት ሃንደበት ዝመጸና እንተኾነ፡ ብዘይካ'ቲ ኣብ'ቲ መ ጀመርያ ዝተራእየ ውሑዳት ጸገማት፡ ካልእ ሓቂ ብሓቂ ወራሲ ሕድሪ ምዃኑ ብግብሪ ኣረጋጊጹ'ዩ። 
 
መቓልሕ፡- ኣብ መ ጀመሪያ ናጽነት ሓላፊ ክፍሊ  ኢንዳስትሪ፡ ቀጺልካ ከኣ ኣመሓዳሪ ኣውራጃ ሓማሴን፡ ካብኡ ግን፡ ናብ ወትሃደራዊ መዳይ ብምኻድ ናይ ሜ ጀር  ጀነራል ማዕርግ ረኸïብካ። እዚ ምቅይያር ስለምንታይ'ዩ? እንታይ'ከ ተሰሚዑካ?
 
ሜ/ ጀ ብርሃነ፡- ንዓይ ከም'ዚ ዝበልካዮ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ኣብ ሓጺር ግዜ ብቐጻሊ ምቅይያር ጽቡቕ'ኳ እንተዘይኮነ፡ ኣብ ስምዒተይ ብኣሉታ ዝጸለወኒ ኣይነበረን። ብፍላይ ኣብ'ቲ ናብ ውትህድርና ዝተመለስኩሉ፡ ኣብ ሰራዊት ናይ ምጥያስ ናይ ዘይርጉእ ኩነታት ኣብ ሰራዊት ስለዘነበረ፡ ኣነ ድማ፡ እዚ ኩነታት'ዚ ንምቕያር ድሌትን ተገዳስነትን ስለ ዝነበረኒ፡ ንቦታ ኣዛዚ ሓይሊ ምድሪ ኮይንካ ምስራሕ፡ ብኣዝዩ ጽቡቕ ዝኾነ መንፈስ'የ ተቐቢለዮ። 
 
መቓልሕ፡- ኣብ ግዜ 3ይ ወራር መዝነትካ እንታይ'ዩ ነይሩ? ነየናይ ግንባር ኢኻ'ኸ ትእዝዝ ነይርካ?
 
ሜ/ ጀ ብርሃነ፡- ኣብ'ቲ ግዜ'ቲ ፍሉይ ዝነበረኒ ሓላፍነት ኣይነበረን። ኣነ ጠጠው ኢለ'የ ነይረ። እቲ ውግእ ምስተ ጀመረ ግን፡ ስርሐይ ቀጺለ። ምስ ሚኒስትሪ ምክልኻልን ካልኦት ብጾተይን ድማ፡ እቲ ወራር ጠጠው ክሳብ ዝብል ኣብ ላዕለዋይ እዚ ኮይነ ሰሪሐ። 
 
መቓልሕ፡- ኣብ ስራሕ ከም ዘየሎኻ፡ ካብ ሓላፍነትካ ከምዝወረድካን መዓርግካ ከይተረፈ ከም ዝተቐንጠጥካ ይስማዕ እዩ። እዚ ማዕረ ክንደይ ሓቅነት ኣለዎ? ሓቂ እንተኾይኑ'ኸ እቲ ምኽንያት እንታይ እዩ? 
 
ሜ/ ጀ ብርሃነ፡- እዚ ጉዳይ'ዚ ኣነ'ውን ካብ'ቲ ዝሓተሉን ገና መልሲ  ዘይረኸብኩሉን ሕቶ እዩ።  ውልቃዊ ጉዳየይ ኣልዒለ ክዛረብ ኣይምፈተኹን። ዋላ'ኳ ክዛረብ መሰለይን ግቡአይን እንተኾነ። እንተኾነ፡ እቲ ጉዳይ ብወግዒ ዘይምግላጹ፡ ኣብ ልዕለይ ይኹን ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ካልኦት ዝድስክሉ ዝነበሩን ዘለውን ብጾተይ ዘመሓላልፎ ኣሉታዊ መልእኽቲ ስለዘለዎ፡ እቲ ምኽንያት ብሓቂ ንህዝቢ ክግለጽ ስለዝደለኹ እዩ። ንሱ ድማ፡ ምስ ኣብ ህ.ግ ዝጸንሐ ክቱር እምነትን ዘይምግላጹን፡ “ገለ ነገር እንተዘይርከቦም'ዶ ምደስከሉ? ...ወዘተዎ ዝብል ምጥርጣራት ኣብ ልዕሊ እቶም ዝደስከሉ ስለዘሕድር እዩ። ብፍላይ ካብ'ዚ ተበጊሰ ድማ፡ እቲ ኣነ ዝፈልጦ ሓቂ ከብርህ ክፍትን እየ። 
 
ብዕለት 11 ጥሪ 2001፡ ካብ ሓላፍነተይ ከምዝወረድኩን መዓርገይ ከም ዝተሓደግኩን ብሚኒስተር ምክልኻል፡ ብቓል ተሓቢሩኒ። ብወገነይ ብዕለት 12 ጥሪ 2001 ብሚ/ር ምክልኻል ዝተሓበረኒ፡ ካብ ሓላፍነተይ ምውራድን መዓርገይ ምሕዳግን ምኽንያት፡ ኣነ ጥራይ ዘይኮነ ከም ኣባል ናይ ክልቲኡ ባይቶታት፡ ኣባላት ባይቶ ክፈልጥዎን ህዝቢ እውን ክፈልጦ ስለ ዝግባእ፡ ብወግዒ ብጽሑፍ ክወሃበኒ ትሓትት ደብዳቤ ናብ ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ልኢኸ። ኣብ ርእሲኡ 30 ዓመታት ዝቸለስኩሉ ዕላማ ንሃገረይን ንህዝበይን ስለዝኾነ፡ ሕጂ'ውን ንዕላማ ቃልሰይ ክቕጽሎ ምዃነይ ጠቒሰ። ምኽንያቱ ተዋሂቡኒ ዘሎ ሓላፍነት ይኹን መዓርግ ን20 ዓመታት ኣብ ሳሕል ከርተት ናይ ዝበልክዎ ጻማ እምበር ብፍቶት ወይ ብህያብ ዝተተኹበለይ ስለዘይኮነ፡ ፍረ ቃልሰይ፡ ነባሪ ታሪኸይን መንነተይን ድማ ማንም ሰብ ዝሓኮ ኣይኮነን። ብዛዕባ ዘጉደልኩዎ ነገር እንተሎ ድማ(ዝኾነ ሕርኽርኽ ዝብል ዘይብለይ እኳ እንተኾንኩ) ብሕጊ ክሕተትን ሕጋዊ ስጉምቲ ብነጻ ፍርዳዊ ኣካል ክውሰደለይን ሓንጎፋይ ኢለ ዝቕበሎ ምዃነይን ከፍልጥ እደሊ። ምኽንያቱ ዝኾነ ሰብ ልዕሊ ሕጊ ስለዘይኮነን ብሕጊ ክሕተት ስለዘለዎን። 
 
እንተኾነ ብዕለት 20 ጥሪ 2001 ጸሓፊት ፕረዚደንት ብቃል፡ ብተሌፎን ደብዳቤይ ፕረዚደንት ክቕበሎ ፍቓደኛ ከምዘይኮነን፡ ንሚ/ር ምክልኻል ክህቦ ከምዘሎንን ሓቢራ ደብዳቤይ መሊሳትለይ። ብዕለት 06 ለካቲት 2001 ንሚ/ር ምክልኻል ብመሰረት ሓበሬትኡ ንፕረዚደንት ዝጸሓፍኩሉ ደብዳቤን፡ ዝተዋህበኒ ናይ ቃል መልስን ዝሕብር 2 ሕቶታት ክምልሰለይ ብደብዳቤ ሓቲተ። ንሱ ድማ፡-
1. ስለምንታይ ካብ ሓላፍነተይ ከምዝወረድኩን መዓርገይ ከምዝተሓደግኩን ብወግዒ ብጽሑፍ ክወሃበኒ። 
2. መንግስቲ ዘየድልዮ እንተኾይነ፡ ናይ ስንብታ ወረቐት ክወሃበኒ ዝብል እዩ። ክሳብ ሕጂ 4 ወርሒ ሓሊፉ ዝተዋህበኒ መልሲ የለን። ብወገነይ ሕርኽርኽ ዝብለኒ ነገር ከምዘየለ፡ ስለዚ፡ እቲ ምኽንያት ብንጹር ክፍለጥ ደጊመ ዝሓተሉ ዘሎኹ ጉዳይ'ዩ። 
 
መቓልሕ፡- ኣብ ሳልሳይ ወራር፡ ወያነ ዝሰሎኹሉ ቦታታት ዕቑር ሰራዊት ዝቖጻጸርዎ'ዩ ነይሩ ይበሃል'ዩ። በዚ ድማ፡ ገለ ገለ ሰባት ነቲ ናትካ ምስጓግ ምስኡ የተኣሳስርዎ'ዮም። ንስኻ'ኸ እንታይ ርእይቶ ኣሎካ? 
 
ሜ/ ጀ ብርሃነ፡- ወያነ ዝሰሎኹሉ ቦታታት፡ ኣብ ትሕቲ እዚ ናይ ዕቑር ሰራዊት ኣይነበረን። እቲ ቦታታት፡ መሬት ዛይደ ኮሎም፡ ከባቢ ትኹል፡ ደቦናን ማይ ጤልን ዝበሃል ከባቢታት እዩ። እዚ ድማ፡ ኣብ ትሕቲ እዚ ናይ ዕቑር ሰራዊት ዘይምንባሩ በዚ ኣጋጣሚ ከረጋግጸልካ እፈቱ። ፍሉይ ኣነ ዝቖጻጸሮ ግንባር ኣይነበረን። ብናተይ ናይ ኣመራርሓ ድኽመት ዝፈረሰ ግንባር የለን፡ ብናተይ ናይ ኣማራርሓ ድኽመት ኣብ ሃገር ዝወረደ ስግኣት ከምዘየለ እፈልጥ።
 
መቓልሕ፡- ንስኻ ደስኪለ ኢኻ ትብል ዘሎኻ። ፕረዚደንት ግን፡ ምስ ጋዜጣ ናጽነትን መጽሄት ሕውየትን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠየቕ፡ ምድስካል ዝበሃል ነገር ከምዘየሎን፡ ፍጹም ከምዘይቅበሎን'ዩ  ገሊጹ። ብወገንካ ነዚ ከመይ ትርእዮ? 
 
ሜ/ ጀ ብርሃነ፡- እዚ ከም ቃል ኣብ ሜዳ፡ ኣብ ውሽጢ ህ.ግ ኣይፍለጥን'ዩ ነይሩ። ድሕሪ ናጽነት ካብ 1993 ንደሓር ዝተዋህበ መግለጺ'ዩ። ትርጉሙ ኣብ ህዝቢ ድማ፡ ከም ካብ ስራሕ መንግስቲ ደው ምባልን፡ ደሞዝካ ኮፍ ኢልካ ምብላዕን እዩ። ኣብ'ዚ ዝሓለፈ ሸውዓተ-ሸሞንተ ዓመታት፡ ንዓመት፡ ንኽልተ ዓመት፡ ንሓሙሽተ ዓመትን ልዕሊኡን ደው ዝበሉ ተጋደልቲ ኣለው። ህዝቢ ነዚኦም ደስኪሎም ኢሉ እዩ ዝጽውዖም። ካልእ ዝተዋህበ ስነ-ቃል(ሩቅቶብቕቦተባተቐኅ) የልቦን። ስለ'ዚ፡ ምድስካል ዝበሃል የለን ዝበሃል ኣይመስለንን። ምኽንያቱ፡ ንዓመታት ዝተጋደሉ ተጋደልቲ፡ ንዓመታት ደው ስለዝበሉ ዝተዋህበ መግለጺ ስለዝኾነ፡ ክትሓብኦ ኣይትኽእልን ኢኻ። ካብ ስራሕ መንግስቲ ደው ኢሉ ኣሎ ማለት'ዩ። 
መቓልሕ፡- ካብ ስልጣን ከም ዝተኣለኻን ማዕረግካ ከም ዝተሓደግካን ነጊርካና። ደሞዝካ'ኸ ትኽፈል ኣሎኻ ዲኻ?
ሜ/ ጀ ብርሃነ፡- ደሞዝ ብሙሉኡ ይወሃበኒ'ዩ። ኣነ ግን፡ ከይሰራሕኩ ይወሃበኒ ስለዘሎ፡ ሕርኽርኽ እብለኒ። ምኽንያቱ፡ እዚ ኣነ ይኹን ካልኦት ንበልዖ ዘሎና ገንዘብ ናይ ህዝቢ'ዩ። ከይሰራሕካ ደሞዝ ክትወስድ ንዓኻ'ውን ኣይወሓጠልካን እዩ። ስለ'ዚ መንግስቲ፡ “ብቕዓት የብልካን፡ በዝን በትን ምኽንያት ንመንግስቲ ኣይተድልን ኢኻ።ዎ ዝብል እንተኾይኑ፡ ብወግዒ ብጽሑፍ መፋነዊ ተዋሂቡ ክፋኖ ኣለኒ። 
 
መቓልሕ፡- ኣብ'ዚ እዋን'ዚ ብርክት ዝበሉ ሓለፍቲ፡ ካብ ስራሕ ደው ምስ በሉ መግለጽታት ይህቡ ኣለው። ገለ ገለ ሰባት ግን፡ “ንምንታይ ቀደም ኣብ ልዕሊ ካልኦት ተመሳሳሊ ተግባር እናተፈጸመ ትም ኢሎም ይርእዩ ነይሮም፡ ሕጂ ግን፡ ኣብ ነብሶም ምስ መጸቶም'ዮም ዝዛረቡ ዘለው።ዎ ይብሉ እዮም። ነዚ እንታይ መልሲ ትህበሉ? 
 
ሜ/ ጀ ብርሃነ፡- ሓቂ'ዩ ኣብ ባይቶ ከም'ዚ ዝኣመሰለ ኣብ መንጎና ዝነበረ ዘሳሓሕብ ጉዳይ ይዝረብ ኣይነበረን። ሕጂ ግን፡ ብዝተፈላለየ መንገዲ ይዝረብ ኣሎ። እዚ ሓደ ምዕባለ'ዩ። እንተኾነ፡ “ቅድሚ ሕጂ ስለ ዘይተዘርበ፡ ንምንታይ ሕጂ ይዝረብ ኣሎ?ዎ ምባል ቅኑዕ ኮይኑ ኣይስመዓንን። ቅድሚ ሕጂ ጌጋታት ነይሩ'ዩ።  ስለ'ዚ፡ ብኡኡ ክቕጽል ኣለዎ ምባል ግጉይ'ዩ። እቲ ዘይዕግበት ኣብ ውሽጢñ ኣሰራርሓና፡ ካብ 1994/95-98 ዝ ጀመረ ግዜ፡ ብዙሕ ስምዒትን ዘረባን ነይሩ'ዩ። ኣብ 1998 ግን፡ ናይ ወያነ ኩነታት ስለዝመጸ፡ ንኩሉ ነገራት ኣደስኪልዎ ጸኒሑ። ድሕሪ ምንስሓብ ካብ ባድመን ድሕሪ 3ይ ወራርን፡ ከም'ቲ ዝሓሰብናዮ ስለ ዘይከደ፡ እቲ ጉዳይ ብዝተፈላለየ ኣጠማምታ ክንርእዮ ስለዝ ጀመርና፡ ኣብ 8ይ ኣኼባ ባይቶ ህግደፍ ገለ ገለ ነገር በጭቕ ክብል  ጀሚሩ'ዩ። እንታይ ኮይንና ኢና ንባድመ ክንሓድጋ ክኢልና? ኣብ ኣሰራርሓና እንታይ ለውጢ ስለዘሎ'ዩ ወያነ ቦታታት ክሕዝ ክኢሉ? ኣሰራርሓና ብደቒቕ ይገምገም...ወዘተ ዝብል ርእይቶታት ብግልጺ ክውሕዝ  ጀሚሩ። እንተኾነ፡ እቲ ናይ ገለ ገለ ሰባት ዘይዕግበት፡ ቅድሚኡ ዝ ጀመረን በብቕሩብ ፈኸም ክብል ዝጸንሐን እዩ። 
 
መቓልሕ፡- ምስ ምእዋጅ ሕግታት ሰልፊ፡ ኣብ ሃገርና ሰልፍታት ቀልጢፈን ክምስረታ ትድግፍ ዲኻ? ትድግፍ እንተኾንካ ስለምንታይ? ኣይግዝይኡን እዩ። ህዝብና ኣይነቕሐን ዝበሃል ኣዘራርባ ስለዘሎ መዓስ እዩ ግዜኡ? 
 
ሜ/ ጀ ብርሃነ፡- ቅድሚ ናብ'ቲ ሕቶ ምእታወይ፡ ኣቐዲመ ኣሕጽር ኣቢለ ብዛዕባ'ዚ መብርሂ ክህብ እፈቱ። ሕብረ ሰልፋዊ ስርዓት እንታይ ማለት እዩ? ስለምንታይ እዩ ህ.ግ.ሓ.ኤ ኣብ ካልኣይን ሓድነታውን ጉባኤኡ፡ ኣብ መጻኢ ኤርትራ ብዙሕነት ሰልፍታት ኣገዳስን ጠቓምን ምዃኑ ወሲኑን ንህዝቢ ገሊጹን? ኣገዳስን ጠቓምን እንተዘይከውን፡ ስለምንታይ እዩ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ብክኢላታት ዝተነድፈን፡ ብተሳትፍኡ ዘጽደjን፡ ብዙሕነት ሰልፍታት ዝሕመረቱ ፖለቲካዊ ህይወት ክህሉ ዘፍቅድ ቅዋም ብ1997 ዘጽደቐ? ስለምንታይ እዩ'ኸ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ኣብ መበል 13 ኣኼባኡ፡ ሕግታት ሰልፊ እትነድፍ ኮሚተ ዘjመን፡ ኣብ ታሕሳስ 2001 ሃገራዊ ምርጫ ክካየድ ዝወሰነን? ስለምንታይ እዩ'ኸ ኣብ ህዝቢ ወሪዱ ህዝቢ ክካትዓሉ ዝተወሰነ? ንልምምድ ወይ ግዜ ንመሕለፊ ኣይመስለንን። ጠቓምን፡ ኣገዳስን መሰልን ስለዝኾነ እዩ። 
 
ሕጂ ኣብ ትግባረ ምስ  በጽሐ ዝኾነ ይኹን መመኽነይታ ክወሃበሉን ክዕገትን ኣይግባእን'ዩ። ናይ ህዝቢ ኤርትራ መሰል ስለዝኾነ። ኣነ ከም ኣባል ማእከላይ ባይቶ ህግደፍን ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራን፡ ብመሰረት ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ውሳነታት እድግፎን ንትግባርኡ ክሰርሕን እየ። ሰልፍታት ክመጽእ ድዩ? እንተ መጺኡ'ኸ መዓስ ክመጽእ ይኽእል... ወዘተ ዝብሉ ሕቶታት፡ እቲ ኩነታት ዝምልሶ እዩ። ኣብ'ዚ ዓመት'ዚ ክመጽእ ዝኽእል እንተኾይኑ ይምጻእ። ድሕሪ ዓመት እንተመጺኡ ጽቡቕ፡ እንተ ዘይመጺኡ ጽቡቕ። ሓላፍነትና ከም ህግደፍ፡ ብሕግን ቅዋምን ተቐይድና፡ ምዘëእ ሃዋህው ምፍጣርን፡ ህዝቢ ኣብ ፖለቲካ ህይወት ሃገሩ ክሳተፍ ምእንቲ፡ ኣገዳስነቱን ጥቕሙን ብቅኑዕን ክፉትን ክትዕ ከም ዝፈልጥን ከምዝመሃርን ምግባር ኽውን ኣለዎ። ብድሕሪኡ ምርጫ ናይ ህዝቢ ይኸውን።
 
“ሕጂ ኩነታት ስለዘየፍቅድ ሰልፍታት ክመጻ ኣይክእላን እየን። ህዝብና ደረጃ ንቕሓቱ ትሑት ስለ ዝኾነ፡ ሕጂ ሰልፍታት ክjማ ኣይክእላን እየን።ዎ ምባል፡-
 
1. ህዝቢ ኤርትራ ብድሌቱ ብንቕሓቱን ብኹሉ ዓቕሙን ቸሊሱ፡ ድሕሪ 30 ዓመት ናጽነቱ ዝጨበጠ ህዝቢ'ዩ። ድሕሪ ናጽነት'ውን እንተኾነ፡ ምስ ኩሉ ዝነበሮ ቅሬታታትን ዕቃበታትን ኣብ ኣሰራርሓና፡ ወራር ወያነ ምስ መጸ ብሓደ ድምጺ ተላዒሉ ልኡላውነቱ ዳግም ዘረጋገጸ ህዝቢ እዩ። ሕጂ ኣብ ምቐüም ሰልፍታት ምስ በጽሐ፡ “ኣይነቕሐን፡ ኩነታት ኣየፍቅድን'ዩ...ዎ ምባል፡ ካብ ንህዝቢ ኣትሒትካ ምርኣይ፡ ካብ ጸርፊ ሓሊፉ ካልእ ትርጉም ክወሃቦ ኣይክእልን እዩ። 
2. ወይ ድማ፡ ናይ ህግደፍ ተቐባልነት ብህዝቢ፡ ኣብ ዓቢ ምልክት ሕቶ ስለዘሎ፡ ካብ ስግኣት ዝተላዕለ ክመስል ይኽእል። እዚ እንተኾይኑ ድማ፡ እቲ ፍታሕ ህግደፍ ብኣሰራርሕኡን ኣካይድኡን ህዝቢ ከምዝቕበሎ ምግባር ጥራይ እዩ። 
ሕብረ-ሰልፋዊ ስርዓት ማለት'ኳ፡ ሓደ ሃገር(ህዝቢ) ኣብ ክንዲ ብሓደ ሰልፊ ወይ ውድብ ዝjመ ስርዓት(መንግስቲ) ጥራይ ዝመሓደር፡ እቲ ነቲ ስርዓት ዘቕውም ውድብ፡ ሓደ ምስ ዝኽውን'ሞ፡ ሓደ ኮይኑ ከኣ፡ ሃንቀውታን ድሌትን ህዝቢ ዘየማልእ ምስ ዝኸውን፡ ካልእ ኣማራጺ ውድብ ክምስረትን፡ ብኣሰራርሕኡን ኣካይድኡን ህዝቢ እንተደጊፍዎ ድማ፡ ከም መወዳድርቲ ብሕግን ብመሰረት ቅዋምን ንሃገራዊ ረብሓን ሓድነትን ዝሰርሕ፡ ብክልተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዝjመ ስርዓት ማለት'ዩ።
ብዙሕነት ሰልፍታት ኣብ ዓለም፡ ብፍላይ ኣብ'ተን ዝማዕበላ ሃገራት ሰሪሑን ይሰርሕን ኣሎ። ኣብ ኤርትራ ምስ በጽሐ፡ ዘይሰርሓሉ ምኽንያት እንታይ ኣሎ? እቲ ዝድለን ዝሕተትን ብሕግን ስርዓትን፡ ብቅዋምን ሕግታት ሰልፍን ተቐይድካ ምስራሕ እዩ። እዚ ድማ፡ ንኽጅምር ጥጡሕ ባይታ ምንጻፍ፡ ብመሰረት ተነጺፉ ዘሎ ሕጊ ሰልፊ፡ ከም ዝሰርሕ ምግባር'ምበር፡ ከይ ጀመረ ከሎ ንኸይጅምር፡ ንኸይመጽእ ዘምስል፡ ኣብ ህዝቢ ስክፍታታት ዘሕድር መግለጺታት ክወሃብ ኣይግባእን። ዝኾነ ነገር ከይ ጀመረን ከይተበገሰን ክትፈርዶ፡ መደምደምታ ክግበሮ ቅኑዕ ኣይኮነን። ኣይግዜኡን እዩ፡ መወዳእታ የብሉን። መልሲ'ውን ኣይኮነን። ብስም ዝናን ታሪኽን ህ.ግ.ሓ.ኤ ምንባር ኣይከኣልን እዩ። 
 
መቓልሕ፡- ብዛዕባ ትካላዊ ኣሰራርሓ፡ ኣብ ግንባር ይኹን ኣብ መንግስቲ ብዙሕ እዩ ዝዝረብ? ንስኻ'ኸ ከመይ ትርእዮ?
 
ሜ/ ጀ ብርሃነ፡- መሰጋገሪ  ቅዋም ናይ ግንባርን መንግስትን ኣሎና። ኣብ tርተር ናይ ህግደፍን፡ ኣብ መሰጋገሪ ቅዋም መንግስቲ ኤርትራን፡ ንቅርጽን ኣቃውማን ዝምልከት ዓንቀጻት ብንጹር ሰፊሩ ኣሎ። ስልጣንን ሓላፍነትን ክልቲኡ ባይቶታት፡ ስልጣንን ሓላፍነትን ካቢነ ሚኒስተራት... ወዘተ እንታይ ምዃኑ ኣብቲ ቅዋም ተነጺሩ ኣሎ። ግን፡ ሰሪሑ ክበሃል ኣይክእልን እዩ። ትካላት ውሽጣዊ ናጽነተን ሓልየን፡ ባ ጀትን ተሓታትነትን  ምቁጽጻር እናተገብረለን፡ ብቑዓት ሓለፍቲ ተመዲቦምለን፡ ብሕጊ ዘይሰርሓ እንተኾይነን ትካላዊ ኣሰራርሓ ኣሎ ክበሃል ኣይክእልን እዩ። ስለምንታይ ከምኡ ኮይኑ፡ ካልእ ሕቶ ኮይኑ፡ ሓቅነቱ ወይ እቲ ምኽንያት፡ ንህዝቢ ክግለጽ ኣለዎ። ህዝቢ ብዛዕባ'ዚ ክፈልጥ መሰሉ እዩ። ክሓተሉ ድማ፡ ግቡኡ እዩ። ኣብ ህግሓኤ ብውድብ ደረጃ፡ ብጽብብ ዝበለ መልክዑ ይኹን እምበር፡ ሓያላት ትካላትን ሓያል ትካላዊ ኣሰራርሓን ነይሩና እዩ። ብኣወዳድብኡ፡ ብሕጋዊ ኣሰራርሕኡ፡ ብግሉጽነቱን ምቁጽጻሩን፡ ብኣረኣእይኡን ነብሰ-ምትእምማን ዝመልኦ ኣካይድኡን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ብግብሪ ኣእሚኑ፡ ኣብ ጎኑ ኣሰሊፉ፡ ነጻ ኤርትራ ክውን ምግባሩ፡ ህያው ምስክር እዩ። ንዓለምን ንጸላእትን ከይተረፈ ዘገረመ ትካላዊ ኣሰራርሓ ከኣ'ዩ ነይሩ። 
 
መቓልሕ፡- ኣብ'ዘን ዝሓለፋ 6-7 ዓመታት ብዛዕባ ጉቦን ምጥፍፋእን ብዙሕ ተዘሪቡን ተጻሒፉን'ዩ። ፕረዚደንት ኢሳያስ'ውን ምስ ጋዜጣ ናጽነት ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ እቲ ዝዓበየ ኲናት ናይ'ዛ ሃገር ብልሽውና ምዃኑ ሓቢሩ ነይሩ። ኣብ ግንባርን(ህግደፍ) መንግስትን ጉቦን ምጥፍፋእን ከመይ ትርእዮ? ኣሎ ኢልካ'ዶ ትኣምን? 
 
ሜ/ ጀ ብርሃነ፡- መ ጀመርያ  ጉቦ፡ ብልሽውና(corruption) እንታይ ማለት እዩ። ብዙሕ መልክዓት ናይ ጉቦ ኣሎ። ኣነ ብወገነይ ብውሑዱ ክልተ መልክዓት ናይ ጉቦ ክገልጽ እኽእል። 
1. ሓደ ሰብ ወይ ጉጅለ ናይ ሰባት፡ ብውልቂ ወይ ብጉጅለ፡ ንውልቃዊ ወይ ጉጅለኣዊ ረብሓታት ክብል(ክብሉ)፡ ንኻልእ ሰብ ወይ ሰባት ገንዘብ፡ ብገንዘብ መልክዕ ፡ ህያብ ምሃብ ወይ ምቕባል ኽውን ይኽእል። 
2. እቲ ካልኣይ መልክዕ ጉቦ(ብልሽውና)፡ ናይ ሞራል ጉቦ ይበሃል። እዚ ድማ፡ ሓደ ሰብ ሰባት ንኽፈትውዎ ወይ ክስዕብዎ፡ ካብ ሕጊ ወጻኢ ብዝኾነ ኣገባብ፡ ንኻልኦት ሰባት ዝኾነ ዓይነት ሓለፋታት(privileges)፡ ዋላ ብዘይኮነ መንገዲ ምውዳስ ከይተረፈ ጉቦ እዩ። ናይ ፍናን ጉቦ ድማ፡ ይበሃል። እዚ ን20 ዓመት ኣብ ሳሕል ዝተማሃርኩዎ ስነ-ምግባር ስለዝኾነ ኣይርስዖን እየ። ኣብ'ቲ ሕቶኻ ክምለስ፡ 
1. ኣብ'ታ ቀዳመይቲ ጉቦ የልቦን ክብል ኣይደፍርን እየ። ምኽንያቱ፡ ሓበሬታ ክሓጽረኒ ስለዝኽእል። ንዓመታት ዝተዘርበሉ ጉዳይ ስለዝኾነ ግን፡ እቲ ቅኑዕ ኣገባብ ዝብሎ፡ እቲ ፍጻመ ምስ ኣጋጠመ ኣብ እዋኑ(ሓቂ እንተኾይኑ)፡ መን ጉቦ ሂቡ፡ መን'ከ ጉቦ ተቐቢሉ፡ ኣብ ህዝቢ ምግላጽ፡ ህዝቢ ከም ዝፈልጦን ከምዝመሃረሉን ምግባር እዩ። ካብ'ዚ ሓሊፉ፡ ብዛዕባ ጉቦ ምዝራብ ጥራይ፡ ኣብ ጥርጥር ዘእቱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ጉቦ እምበኣር የልቦን ዘብል'ውን ኽውን ይኽእል።
 
2. ኣብ'ቲ ካልኣይ መልክዕ፡ ጉቦ ወይ ናይ ፍናን ጉቦ ክኣቱ። ኣሎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብጭቡጥ ኣሎ። እዚ ድማ፡ ብሕግን ብትካላዊ ኣሰራርሓን ተቐይድካ ካብ ዘይምስራሕ፡ ብባ ጀትን ብተሓታትነትን ካብ ዘይምስራሕ...ወዘተ ዝመጽእ እዩ። እዚ ከኣ፡ ናይ ዝሓለፉ ዓመታት ኣሰራርሓና፡ ደቂቕ ገምጋም ብምግባር ጥራይ ክዝረበሉ፡ ክፍለጥን ክግለጽን ዝከኣል እዩ። በዚ ኮይኑ በቲ፡ ኤርትራ ሃገርና ካብ ጉቦን ብልሽውናን ናጻ ክትከውን ንኽተሎ ዘሎና ፖሊሲ፡ ቅኑዕን ኣብ ቦትኡ ዘሎን እዩ። ነዚ ዝሕግዝ ግን፡ ጉቦ ኣብ ዝርከበሉን ዝርኣየሉን፡ ከይወዓለ ከይሓደረ ብሕጊ ብጭብጢ ከምዝተሓዝን፡ ሕጋዊ ስጉምቲ ከምዝውሰደሉን፡ ስጉምቲ ምስ ተወስደሉ ድማ፡ ብኡ ንብኡ ኣብ ጋዜጣ ይኹን ተለቪዥን ከምዝግለጽን፡ ወይ ብዝጥዕም መንገዲ ህዝቢ ከምዝፈልጦን ክግበር ኣለዎ። ከም'ዚ ምስ ዘይግበር ግን፡ ከም'ቲ ኣቐዲመ ዝበልክዎ፡ ህዝቢ ክጠራጠርን፡ ንኸይተኣማመን ዝግበር ዘሎ ኣሰራርሓ'ምበር፡ ጉቦ እምበኣር የለን ከብል ዝኽእልን እዩ። ወይ እውን እዚ ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ ጉቦ ዝዝረብ ዘሎ፡ ካልእ ፖለቲካዊ ዕላማ ኣለዎ ከስምዕ ይኽእል።
 
መቓልሕ፡- ንኣድላይነት፡ ዕማም፡ ብቕዓትን ሕጋውነትን ፍሉይ ቤት ፍርዲ ከመይ ትግምግሞ? 
 
ሜ/ ጀ ብርሃነ፡- ኣብ መ ጀመሪያ 1996 ጉቦ ሳዕሪሩ ዝብል ግኑን ኣዘራርባታት ስለዝነበረ፡ ኣነ'ውን ኣብ ምክልኻል ስለዝነበርኩ፡ ንፍሉይ እዋን ነቲ ዝተባህለ ዕላማ ንምውቃዕ(ጉቦን ምጥፍፋእን ንምቁጽጻር) ተባሂሉ ዝjመ ምንባሩ እፈልጥ። ብድሕሪኡ ግን፡ ንነዊሕ እዋን፡ ብፍላይ ክሳብ ሕጂ ምቕጻሉ ዘይግባእ'ዩ። ኣነ ከኣ፡ ነቲ ኣብኡ ዘሎ ዓቕምን ኣሰራርሓን ስለዝፈልጦ ሕጂ ክህሉ ኣይግብኦን'ዩ። ብርእይቶይ፡ እዚ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ዝበሃል ክፈርስን፡ ብመሰረት ቅዋምና ከኣ፡ ሓደ ብቑዕ ዝኾነ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክቐውም     ኣለዎ እብል።
 
መቓልሕ፡- ተሳትፎ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳይ ሃገሩ ከመይ ትርእዮ? ህዝቢ ብዛዕባ ሃገሩን መንግስቱን ብኸመይ ይግምገም? ዕግበቱ ክሳብ ክንደይ እዩ ኢልካ ትኣምን? 
 
ሜ/ ጀ ብርሃነ፡- ብዛዕባ ተሳትፎ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሃገሩን መንግስቱን፡ ህዝቢ ባዕሉ ክምልሶ ዝግባእ'ኳ እንተኾነ፡ ከም ኣባል ክልቲኡ ባይቶታት፡ ንህዝቢ ወኪለ ዝፈልጦ ክዛረብ እኽእል እየ። ኣብ'ዚ ብንጹር ክፍለጥ ዘለዎ፡ ህዝቢ ብዛዕባ ሃገሩን ህዝቢ ብዛዕባ መንግስቱን ክበሃል ከሎ፡ ክልተ ዝተፈላለየ ሕቶታት ምዃኖም ክፍለጥ ይግባእ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ብዛዕባ ኣብ ሃገሩ ዘለዎ ፍቕሪ፡ ወንን ሓልዮትን፡ ኣብ ናይ 30 ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ ብመስዋእቱ ኣረጋጊጽዎ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ውግእ ኣንጻር ወያነ ብግብሪ፡ ብመስዋእቲ፡ ብሓድነቱን ዳግም ኣረጋጊጽዎ። ስለ'ዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሃገሩ ዘለዎ ኣረኣእያን ተሳትፎን፡ ብግብሪ ብሓድነቱ፡ ብመስዋእቱ ስለዘረጋገጸ፡ ሓድነትን ተሳትፎን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ፡ ኣብ ሕቶ ምልክት ዝኣቱን፡ ምስ ካልእ ዕላማታትን ክደባለቕ የብሉን። ዝተመለሰ ሕቶ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ውድቡ፡ ግንባሩን መንግስቱን ግን፡ ዝተፈላለየ ኣረኣእያታት ክህልዎ ይኽእል እዩ። እዚ ምስ ኣካይዳን ኣሰራርሓን ናይ'ቲ ግንባር ወይ መንግስቲ ተኣሳሲሩ ዝኸይድ እዩ። ኣብ 60'ታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ከም እንኮን ፈላምን ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኩሉ ህዝቢ ወይ ዝበዝሕ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ደጊፍዎ ስዒብዎ። ኣብ 70'ታት ህ.ግ.ሓ.ኤ ከም ውድብ ምስ መጸ፡ ህዝቢ ውሽጣዊ ኣሰራርሓ ተ.ሓ.ኤ ስለዘየዕገቦ፡ ንህ.ግ.ሓ.ኤ ከም ቅኑዕን ሃገራውን ውድብ፡ ብመትከሉን ብውሽጣዊ ኣሰራርሕኡን ዝበዝሕ ህዝቢ ስዒብዎ፡ ናጽነት ድማ ኣምጺኡ። ሕጂ'ኸ ህግደፍ ብኣካይድኡን ተግባራቱን ክንደይ ካብ ህዝቢ ኤርትራ የዕግብ ኣሎ? ህዝቢ ህግደፍ ብኣሰራርሕኡን ብውሽጣዊ ሓድነቱን ኣየዕግበናን እዩ እንተበለ'ኸ እንታይ እዩ ሓጥያቱ? ኣሰራርሓና ዲና ክንእርምን ከነመሓይሾን ዘሎና፡ ወይስ ህዝቢ ኣይትዛረብ ኢልና ብሓይሊ፡ ብጸቕጢ ክስዕበና ኢና ክንሓስብ ዘሎና? ስለምንታይ እዩ ህዝቢ ብዛዕባ ሓድነት ግንባር ወይ መንግስቲ ዝጠራጠር ዘሎ። ሓደ ካብ'ቲ ቀንዲ ጠንቂ ናይ'ዚ፡ ኣብ መሪሕነት ፍልልያት ስለዘሎ እዩ ኮይኑ ዝረኣየኒ። ህዝቢ ኤርትራ ንህግሓኤ ኣሚኑ ክስዕቦ እንከሎ፡ ኣብ መሪሕነቱን ኣመራርሕኡን እምነት ስለዝነበሮ እዩ። መሪሕነት ህግሓኤ ኣብ ውሽጡ ፍልልያት ኣይነበሮን። እንተነይርዎ ድማ፡ ኣዝዮም ንኣሽቱን ካብ ውሽጡ ብዝኾነ ተኣምር ዘይወጹን እዮም ነይሮም። ድሕሪ ናጽነት ግን፡ እቲ ምኽንያት ንጎኒ ኣጽኒሕና፡ ፍልልያት ኣብ ውሽጢ መሪሕነት፡ ኣብ ጎደናታት፡ ኣብ ህዝቢ ተዘርጊሑ፡ ህዝቢ ነዚ ፍልልያት'ዚ እናረኣየ፡ ብዝመሰሎን ብዝርድኦን ክገልጾን ክትንትኖን  ጀሚሩ። ምኽንያቱ፡ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ኣቃውምኡን እምነቱን ዘይከይድ ኣሰራርሓ፡ ምስ እምነቱን ባህሉን ዘይከይድ ስነ ምግባር፡ ዝኣምኖምን ይውክሉኒ እዮም ዝብሎምን፡ ኣብ'ቲ ምውሳን መንግስታዊ ኣካላት እንተዘይሪኡ ክጠራጠርን ዕቃበታት ክርእን ግድን እመስለኒ። ብዘይካ'ዚ ህዝቢ፡ ንሃገር ዝምልከቱ ዝተፈላለየ ሕቶታት ዝዛረበሎምን ዘዕዘምዝመሎም የለውን ክበሃል ኣይክኣልን እዩ። ሓደ ካብኦም ሕቶ ቋንቋ እዩ። ኣብ ህ.ግ.ሓ.ኤ ይኹን፡ ሕጂ ኣብ መንግስቲ ኤርትራ ዝስርሓሉ ዘሎ ፖሊሲ፡ “ኩለን ብሄራት ኤርትራ፡ ብቋንቋ ኣዲአን ክመሃራ ኣለወን።ዎ ዝብል እዩ። ፖሊሲ ግን፡ ክቕየር፡ ክመሓየሽ ይኽእል እዩ። ደረቕ፡ ዘይቅየር ፖሊሲ የለን። ሕጂ ሕቶ ቋንቋ ተላዒሉ ይዝረበሉን፡ ኣብ ጋዜጣታት ይጸሓፍን ኣሎ። ሓንሳብ ከም ፖሊሲ ስለ ዝሓዝናዮ፡ ብኡኡ ክንደርቕ ድዩ ዘሎና? 
 
“ኣነ ትግርኛ ተዛራቢ እየ። ብቋንቋ ኣደይ ይኹን ብዝጥዕመኒ ቋንቋ ክመሃር ኣሎኒ።ዎ ኢለ ክማጎት መሰል ኣሎኒ። ንኻልኦት ብሄራት፡ “ናይ ግድን ብቋንቋ ኣዴኽን ኢኽን ትመሃራ።ዎ ክብለን ግን፡ ክሳብ ክንደይ ዓቕምን መሰልን ኣሎኒ፡ ምልክት ሕቶ እዩ። ቋንቋ ኣካል ባህሊ እዩ። ቋንቋ ይኹን ባህሊ ምስ እምነትን ካልእ ረቐüሒታትን ተኣሳሲሩ ዝኸይድ እዩ። ስለዝኾነ ድማ፡ ነቲ ዝምልከቶ ክፋል ሕብረተሰብና ንኽዝትን ንኽውስንን ዕድል እንተተዋህበ ጽቡቕ እመስለኒ። “ደቅና ብቋንቋ ዓረብ ኢና ነምህር።ዎ እንተበሉ እንታይ ጉድኣት የምጽኣልና? 
ካልእ ምስ ተሳትፎ ህዝብና ኣብ ፖለቲካ፡ ብዙሕ ይዝረብን ይስማዕን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ንሃብቲ፡ ጸጋ(ብኹሉ መልክዓቱ) ሃገሩ፡ ፍረ ጻማ ናይ ቃልሱን መስዋእቱን ብማዕረ'ዶ የስተማቕሮ ኣሎ? ብናትና ናይ ህግደፍ ኣካይዳ፡ ግብራዊ ኣሰራርሓ፡ ብዛዕባ ፍትሕን ማዕርነትን፡ ሕጉስን ቅሱንን ድ'ዩ ዘሎ ህዝቢ? ረጊኡ ብዘይ ስክፍታን ምጥርጣርን ድ'ዩ ዝነብር ዘሎ? ...ዝብሉን ዝተፈላለዩ ጉዳያትን ህዝቢ ብነጻ ክዛረበሎምን ክዝትየሎምን፡ ክፉትን ጥጡሕን ባይቶ ሃዋህው ክንፈጥረሎም ይግባእ።  
 
መቓልሕ፡- ብምኽንያት 10ይ ዓመት ናጽነትና፡ ብመንገዲ ጋዜጣ መቓልሕ ከተመሓላልፎ እትደሊ መልእኽቲ እንተሎ? 
 
ሜ/ ጀ ብርሃነ፡- እዚ በዓል'ዚ ድርብ በዓል'ዩ። ድርብነቱ ድማ፡ ዓሰርተ ዓመታት ናጽነት እንዝክረለን ኣብ'ቲ ወያነ ዝኸፈተልና ወራር መኪትና፡ ልኡላውነትና ዘረጋገጽናላን ስለዝኾነት፡ ኣብ ግዜ ሰላም ነብዕሎ ምህላውና'ዩ። ስለ'ዚ፡ ንህዝብን ጅግና ሰራዊትን ኤርትራ ዮሃና እናበልኩ፡ ነታ ትምነያ፡ ምዕብልቲ፡ ሰላማዊት፡ ዲሞክራስያዊትን ቅዋማዊትን ሃገር ንምምስራት የብቅዓካ እብል።
 
የቐንየልና ሜ/ ጀ ብርሃነ
 

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...