ውልቃውነትን “ሓባራውነት” collectivism

(ካብዚ ዝቐጸለ)

እቲ ቀንዲ ክምርመር ዘለዎ ዲክተተርነት ከም ብሓደ ታሪኻዊ ሓደጋ ዝመጸን ብገለ ገለ ገበነኛታትን ዓዋሉን ዝካየድ ኢዩ ዝብል እምነት ኢዩ።

ኩሉ ሰብ ደሞክራስያዊ እዩ ኢልና ንነብስና ከነዕሹ የብልናን። እረ ዝበዝሑስ ኣብ መንግስቲ ምስታፍ ንኻልኦት ክገድፉዎ እዮም ዝመርጹ። ንዲክተተርነት ክንፈርሖ የብልናን፣ እንታይ ድኣ ብኽፋኣት ሰባይ ከይካየድ ዝብል ኣተሓሳስባ ኣሎ። እዚ ግን ነቲ ቀንዲ ሕመረት ናይ ዲክተተርነት (ቶታልሪኣኒዝም) ይርስዕ። ማለት ዲክተተራዊ ስርዓት ኣብ መስርሕ ቁጠባዊ ማሕበራዊን ካልእን መደባት ክሰርዕ እንከሎ፣ ምእንቲ ክዕወት ስነ ምግባር ከልግስ ከምዝግደድ ኢዩ። ስለዚ ከኣ እዩ ኣብ ዲክተተርነት እቶም ብዘይ ዓጋቲ ዝሰርሑን፣ ናይ ስነ ምግባርን ስነ ስርዓትን ልጓም ዘይብሎም ሰባት፣ ዝያዳ ኣብዚ ከምዚ ዓይነት ስርዓት ዝዕወቱ። ነዚ ክርዳእ ዘይክእል ሰብ ነቲ ኣብ መንጎ ዲክተተርነትን ነጻ ሕብረተ ሰብን ዘሎ ዓቢ ጋግ ብጉዳይ ስነ ምግባር ማለት ኣብ ናይ “ሓባር” (collectivism) ውልቃዊ ምዕራባዊ ስልጣነን ኣይተረድኦን ማለት ኢዩ።

ብዛዕባ ሰነ ምግባራዊ መሰረት ናይ ሓባርነት ብዙሕ ክትዕ ተኻይዱ ኢዩ። ኣብዚ ግን እቲ ናይ ስነ ምግባር መሰረት ዘይኮነስ እቲ ውጺኢት እዩ ዝግደሰና ዘሎ። እቲ ሕቶ እንታይ ዓይነት ስነ ምግባር ኢዩ ካብ ሓደ ናይ ሓባራዊ ሕብረተሰብ (ኩልና ንሕና ዝብል ማለት ኢዩ)ን እንታይ ዓይነት ኣገባባት እዮምከ ዘምሓደርዎ ዝብል ኢዩ። ኣብዚ ነቲ ኣብ መንጎ ስነ ምግባርን ትካላትን ምናልባት እቲ ውጺኢት ካብቲ መበገሲኡ ፍልይ ዝበለ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ማለት ካብ ሓደ ልዑልን ትስፍውን ድሌት ናብ ሓባራዊ ኣተሓሳስባ ከምርሕ ይኽእል። ስለዚ ናብ ሓደ ዝለዓለ ጠባይ ክመርሕን ኢዩ ምባል ንቡር ይመስል። ኣብዚ እቲ ዝመርሕ ስነ ምግባራዊ ኣተሓስስባ፣ ኣብ ውሽጢ ናይ ሓባራዊ ሕብረተሰብ፣ ማለት ቶታሊተርያን ስርዓት ንውልቀሰባት ከዕውቶም ዝገበር ናይቲ ቶታሊተርያን እቲ ዝሓዞ ውድባዊ ቅርጺ እዩ መበገሲኡ። ናብዚ ክንመጽእ ምእንቲ ደሞክራሲያዊ ትካላት ቅድሚ ምዕናውን ነቲ ቶታሊተርያን ስርዓት ምምጽኡ ዝነበረ ኩነት ንመልከት።

ኣብዚ እቲ ኣውራ ዝድለ ዝነበረ ቅልጡፍን ወሳኒ ዝኾነ መንግስቲ እዩ። ነቲ ድንጉይን ሕልኽልኽን ዝኾነ መስርሕ ደሞክራሲ ዝደንጎዮ ኮይኑ ኣብዚ ምእንቲ ተግባር ዝግበር ሽቶ ይዕብልል። ኣብዚ ግዜ እዚ እቲ “ክገብር ይኽእል ኢዩ” ዝበሃል ኣካል ወይ ሰልፊ እዩ ንህዝቢ ዝያዳ ዝስሕቦ። ኣብ ማእከል ኣውሮጳ ዝነበራ ማሕበረነታውያን ሰልፍታት፣ ነቲ ዝበዝሐ ቁጽሪ ዘለወን ጉጅለታት ዘይኮነስ፣ ነተን ብውዳበ ዝሓየላን እቶም ኣባላተን ድማ ፍጹም ምእዙዛትን ዲስፕሊን ዘሎም ኮይኖም፣ ነቲ ናቶም ስርዓት ድማ ብሓይሊ ኣብ ምትግባር ድሕር ኣብ ዘይብሉ እዮም ተመርኲሶም ተዓዊቶም።

ነዚ ሓደ ዓይነት ኣተሓስባ ዘለዎም ሓያልን ብቁጽሪ እውን ብርክት ዝበለ ጉጅለ ንምምስራት ኣብቲ ሕብረተሰብ ካብቶም ዝበለጹ ዘይኮነስ ካብቶም ዝኸፍኡ ባእታታት ኢዩ ዝቡከር። ስለምንታይ ንዝብል ሰለስት ምኽንያታት ኣለዉ።

  1. ዝያዳ ትምህርትን ምዕባለ ፍልጠትን ናይ ውልቀሰባት እንተሎ፣ እቲ ኣረኣእዮኦምን ኣመለኻኽቶኦምን እውን ስለዝፈላለ ብዛዕባ ኣሰራርዓ ክብርታት ኣብ ሓደ ስምምዕ ክበጽሑ ኣይክእሉን እዮም። ስለዚ ዝለዓለ ዓይነት ናይ ሓደ ዓይነት ተምሳል ምዃን እንተድኣ ደሊና ናብቲ ዝተሓተ ስነ ምግባርን ዝተሓተ ትምህርትን ዘለዎን ኣብ እቲ ዝነኣሰ ናይ ሰብ ስምዒት ዝድርኩኽ ደረጃ ክንወርድ ኣለና። እዚ ማለት ዝበዝሕ ሰብ ትሑት ስነ ምግባር ኣለዎ ማለት ኣይኮነን። እንታይ ድኣ እቶም ዝበዝሑ ሓደ ዓይነት ኣተሓሳስባ ዘለዎምን ዘሰማምዖምን ጉጅለ እቶም ዝተሓተ ስነ ምግባር ዘለዎም እዮም። ብዛዕባ ህይወት ዘለዎም ኣተሓስስባ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ብሓይሊ ከትግብሩ ዝኽእሉ እቶም ፍልልይን ምዕብል ዝበለ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ኣይኮኑን። እንታይ ድኣ እቶም ብ”ሓፋሽ” ዝፍለጡ (በቲ ዝተሓተ ትርጉሙ) እቶም ንባዕሎም ክሓስቡ ዘይክእሉን ነጻ ዘይኮኑን እዮም። ምኽንያቱ እዚኣቶም ነቲ ኣተሓሳስባ በቲ ንዲክተተርነት ዝደንፍዕ ሓይሊ ብድሕሪት ኮይኖም ሚዛን ስለዝህብዎ ኢዩ። እቲ ዲክተተር ኣብዞም “ቅልል” ዝበለ ስሚዒታውያን እንተድኣ ክምርኲስ ኮይኑ ግን እቲ ቁጽሮም ስለዘይኣክል፣ ንኻልኦት ኣብቲ ናቶም ጉጅለ ከእቱ ይግደድ። 
  2. እቲ ካልኣይ ናይ ምልላይ ኣሉታዊ መትከል ኣብዚ ይመጽእ። እቲ ዲክተተር ናይቶም ድኹማትን ብቐሊሉ ዝታለሉን ናይ ባዕሎም ደው ዘብል መርገጺ ዘይብሎም ደገፍ ክረክብ ኢዩ። ስለዚ እዚኣቶም ጌና ዘይተወቕረ ክብረታቶም ዘይደልደለን ስሚዒታቶም ነድሮምን ብቐለሉ ዝላዓልን እዮም ነቲ ናይ ቶራሊረኒያዝም ሰልፊ ዝመልእዎ። 
  3. ሓደ ኪኢላ ደማምጎግ (demagogue) ኣብ ፍርሕን ኣድልዎን ትጽቢታዊ ስሚዒታት ብምትኳር ስልጣን ዝሕዝ ሰብ፣ (ኣብነት፤ ቅድም ኣውራጃውነትን ደቂ ኣስመራን፣ ድሓር ኣሜሪካን “ወያነ”ን) ነዚኦም ብሓደ ብምጥማር እታ ሳልሰይቲ ምኽንያት ትመጽእ። እዚኣ እታ ብዓይኒ ግዳያት ክትረአ እንከላ ዝያዳ ኣሉታዊት ኣብ ናይ ተኸተልቲ ምምራጽ እያ። ደቂ ሰባት ብፍጥረቶም ኣብ ሓደ ናይ ኣሉታ (ቅርሕንቲ ኣብ ልዕሊ ጸላኢ፣ ቅንኢ ኣብ ልዕሊ ሃብታማት) ስምምዕ ክበጽሑ ይቐሎም ይመስል ካብ ኣብ ናይ ኣዎንታዊ ስራሕ ምስራሕ። “ንሕና”ን “ንሶም”ን ነዚኣቶም ብሓደ ይቖርኖም። እዚኣቶም ድማ ፍጹም እምነት እዮም ዝሕተተኡን ዝህቡን። ስለዚ “ጸላኢ” ኣብ ናይ ጀርመን “ኣይሁዳዊ” ይኹን ኣብ ሩስያ “ኩላክ” ኣድለዪ ቅድመ ኲነት ንሓደ ዲክተተር ዘድልዮ ይመስል።

ኣብዚ ናይ ሓባር ዝበሃል ስርዓት ዲክተተርነት እዩ እምበኣር እቲ ውልቀ ሰብ ረጽሚ ክጥቀምን ክገፍዕን ዝረኣየሉ በቲ ጉጅለ ስለዝተኸበን መንነቱ ምስቲ ጉጅለ ሓደ ስለዝገበረ ኢዩ። ከምቲ ሪይንሆልት ኒቡህር ዝብሎ ስልጡናት ሰባት እቲ ዝኸፍአ ባህርያት ናብ ጉጅለኦም ስለዘመሓላለፉ ንባዕሎም ዝያዳ ስነ ምግባራውያን ኢሎም ይሓስብዋ። ኣብ ክንዲ ጉጅለ ምስራሕ ነቲ ናይ ውልቀ ሰብ ስነ ምግባር ምብጣስ የቕልሎ።  

ኣብ ሓባራዊ ዲክተተርነት ኩነት እቲ “ማሕበረሰብ” ዘይኮነ ብኣንጻሩ እቲ ውልቀ ሰብ እዩ ዝያዳ ኣተኲሮ ዝረክብ። ህርኩት ኣገልጋሊ ክኸውን ምእንቲ ብቐጻሊ ክሰርሕ ይጥለብን ተመኲሮ ከምዝድልብ ይግበር። ንኣብነት ኣብ ጀርመን ምስቲ ኩሉ ኣዎንታዊ ጠባያቶም፤ ሓደ “ኣብነት ጀርመናዊ” ዝጎድሎ ዝነበረ ሕጽረት ናይ ውልቀሰባዊ ተጻዋርነትን ናይ ካልኦት ሰባትን ርእይቶ ምኽባርን እዩ ዝበሃል። እዚ ማለት ነጻነት ናይ ሓሳብን ስነ ስርዓትን ጠባይን ካባኻ ንላዕሊ ሓይሊ ንዘለዎ ድማ ንርእይቶኻ ከይፈራሕካ ክትከላኸለሉን ንድኹም ክትጣበቐን ናይ ምኽኣል ጉዳይ እውን ኣለዎ። ኣብዚ ንኡሳን ዝመስሉ ግን ኣብ ነጻ ሕብረትሰብ ኣብ መንጎ ደቅሰብ
ንዝግበር ምርድዳእ ዘቀላጥፉን ዘቕልሉን፤ ለዋህነት፣ ሰሕቕ፣ ትሕትና፣ ውልቃውነት ምኽባርን እቲ ካልእ ሰብ ጽቡቕ ድሌት ኣለዎ ኢልካ ምሕሳብን ዝኣመሰሉ ጠባያት ጎዲሎም ይረኣዩ። እዚኦም ናይ ውልቀሰባት ጥራሕ ዘይኮኑ ናይ ሕብረተሰብ ባህርያት ድማ ኢዮም።

እቶም ኣገልገልቲ ዝኾኑ ሓፋሽ ዜጋታት ንዲክተተርነት ከገልግሉ እንከለዉ ንዝለዓለ ክብሪ ኢና ንገብሮ ኢሎም ስለዝኣምኑ - ንሕና እኳ እንተኣስከሕከሕና - እቶም ቀንዲ ተሓተትስ እቶም ነዚ ፖሊሲ ዝመርሑ እዮም። ነዚ ዝገብር ሰብ ንኽፉእ ጥራሕ ዘይኮነ ዝኾነ ዓይነት ሞራላዊ ሕጊ ክሰብር ኣለዎ። ብተወሳኺ ኩሉነትንኦም ኣብ ትሕቲ መንነትን እንታውነት ዲክተተር ዝተሰቑረ ክኸውን ኣለዎ። ካብዚ ንላዕሊ ድማ ፈጺሞም መትከል ዘይብሎምን ዝኾነ ነገር ንኽገብሩ ቅሩባት ክኾኑ ኣለዎም። ናይ ባዕሎክ ክብርን ድሌትን ባህግን የብሎምን። እቲ ዲክተተር ዝደልዮ ክኾልፍ ዝኽእል ናይ እዚ እዩ ልክዕ እዚ እዩ ጌጋ ዝብል ኣተሓሳስባ ክህልዎም የብሉን።

ስለዚ ካኣ እዩ እቶም ስነ ምግባራዊ ኣተሓሳስባን እምነትን ዘለዎም አውሮጳውያን ክስሕብ ዘይክእል እቲ ቶታትሊተራዊ ኣግባብ። እቶም ተሪፎም ዘለዉ ናይ ስልጣን ህርፋንን፣ እንተኣዚዝካ ትረኽቦ ታሕጓስን ኣብ ሓደ ኣዝዩ ሓያል ጎድኒ ዝርከብ መሳርሒ ኣባል ናይ ምዃን ተረኽቦ ጥራሕ ኢዩ።

ኣብዚ ጉዳይ እዚ እቶም ዘይግደሶምን ብሞራላዊ ሰንሰለት ዘይትሓዙን ፍሉይ ዕድል ይረኽቡ። ያኢ ንልዕል ዝበለ ሃገራውን ኣህጉራውን ስነ ሓሳባውን ፍልስፍና ዝዓሰሎ ተባሂሉ ብኽፍኣትን ገበንን ዝካየድ ንጥፈታት ብውሑሉል ኣገባብ ክካየድ ኣለዎ። ነዚ ክፉእ ዝኾነ ተግባራት ኣብቲ ሃገር ዝርከብ ስነ ምግባራዊ እምነት ዕንቅፋት ስለዝኾኖ፣ እቶም ነዚ ሰጊሮም ነውራምን ገበናውን ክፉእን ነገር ክገብሩ ዝዕጠቑ ናብ ናይ ስልጣን ቦታ መኾደጪን ሓፍ መበልን ይኾኖም ማለት ኢዩ።

ኣብ ዲክተተራዊ ስርዓታት ብጭካነን ምፍርራሕን፣ ብስለያን ምድንጋርን ዝርከቡ ቦታታት መሊኦም እዮም። ኣብ ገስታፖን ናይ ምጽናት መደበራት ይኹን ናይ ናዚዝም ፖሮፓጋንዳ ኣብያተ ጽሕፈት ብዛዕባ ናይ ደቂ ሰብ ስሚዒትን ሰብኣዊ ኩነታትን ዝምልከቶ ጉዳይ ኣይኮነን። ግንከ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰሉ ቦታታት እዩ እቲ ናይ ዲክተተር ስርዓት ዝወስደካ። ኣብ መደምደምታ ድማ ሓደ ካብቲ ስነ ምግባራዊ ትሕዝቶ ቶታሊተርያኒዝም ማለት ዝምድናኡን ሳዕቤናቱን ኣብ ልዕሊ ክብረት ዝበሃል ናይቲ ሕብረተሰብ ዘሕድሮ ጽልዋ ብዛዕባ እቲ ሓቂ ዝባሃል ኣምር እዩ ዝስዕብ። እዚ ግን ንባዕሉ ዝኸኣለ ምዕራፍ ኣለዎ። (ይቕጽል….)

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...