United Nations Observer Mission to Verify the Referendum in Eritrea (UNOVER) 01 April 1993

በ’ንስትን በ’ቕሽሽትን!

   ተኣምራት ረፈረንደም!

  እንግሊዛውያን ሎምዝመን፡ መሪጾም መሪጾም’ሲ ዘይተጸበይዎ መንገዲ ግዲ ረጊጾም፡ ንረፈረንደም ተኣማሚኖም ዝረገጽዋ ደንጎላ ከምዝተገልበጠቶም፡ ነዛ ዓለም ዕዳጋ ብውጽኢቱ ጥራይ ዘይኮነስ ብትርጉም ናይ ምርጫ ከይተረፈ ክሳብ ትጠራጠር ሕውዝውዝ ከብልዋ ቀንዮማ’ለዉ። ንሓዋሩ ኣምላኽ ብረቨርስ ማ’ጨሎቱ ይንጸገሎም ደኣ’ምበር፡ ደድሕሪ’ታ ረፈረንደም ዘጋጠመቶም ተኣምራት ደንጽይዎም፡ ኣይሰሙን ኣይሳልስቲ ብረክዚት ኣምሲሉ ከመይ ዝበለ ድዩ ተቐልቂሉ ክሳብ ምባል ክጠራጠሩ ድሕር ኣይበሉን። አረ ገለገሊኦምስ መራሕትና ኣብ ምድቃስና’ዮም ኣዘንጊዖሙና’ሞ፡ በጃኹም’ባ ካልኣይቲ ረፈረንደም ሰኽትቱልና ክብሉ ፈቲኖም ኔሮም።

   ይኹን ደኣ’ምበር ካብ’ቲ ዓቢ ገዛ እንዳ መዓለ’ቦኦም ዝወሃቦም ዘሎ መልሲ፡ ኣይትረስዑ’ባ! ዓውድኻ ከም ዘርእኻ’ኮ’ዩ ምህርቲ ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ዝብል መዘኻኸሪ’ዩ። ከምኡ’ውን ነቶም ዜጋታት ምስ ጎረባብቶም ጸወታን ዘቐራን ክሳብ ዝጽግሞም ናብ ሕፍረት ዘዘምብል መድረኽ እንከጋጥሞም፡ ንቐየስትን መራሕትን ናይ ብረክዚት ግን ውርደትን ንዕቀትን ’ዩ ዘንጸላልዎም ዘሎ። ዝኾነ ኾይኑ ረፈረንደም ብረክዚት ንእንግሊዝ ካብ’ቲ ሕብረት ኣውጺኡ ከርሕቓ ዝምነዮ ዘሎ ርሕቀት ብኪሎ ሜትር ድዩ ብማይል ክዕቀን ንእዋን ዝግደፍ ኮይኑ፡ እቲ ሕብረት ብዓቢኡ ንብረክዚት ከሽክዕ ናበይ ገጹ ከምዝጥወ ንእዋን ዘሻቕል ዓቢ ዕማም’ዩ ኮይኑ ዘሎ።

   ካልእ ንምባል ዘይኮነ’ሲ እሂን ምሂን ናይ ሓሳባት፡ ምቅብባል ናይ ርእሰማል፡ ምጉዕዓዝ ናይ ምህርቲ ከምኡ’ውን ምንቅስቓስ ደቂሰባት፡ ብዶብ እንተዘይተጠሪሮም፡ ኮስኮስቲ ምዕባለ’ዮም፡ ክበሃለሎም፡ ነዊሕ’ኳ እንተጸንሐ፡ እንድዕሉ ሎሚ’ቕነ ኣብ ዓዲ’ንግሊዝ፡ ብረክዚት ትበሃል ሽግ ብኽርቢት ረፈረንደም ምስተወልዐት፡ እንግሊዛውያን ካብ ሕብረት አውሮጳ ክወጽኡ ኣድሚጾም ተባሂሉ’ሲ፡ ኣብ አውሮጳ ዝተኸስተ ናይ ለውጢ ኣንፈት፡ ንባህሊ ንሃብቲ ከምኡ’ውን ንዝምድና ናይ ህዝብታት፡ ዝገላብጥ ማዕበል ዘናውጽ’ዩ ዝመስል ይበሃለሉ’ሎ። አረ ገለገለ ተዓዘብትስ ሚዛናዊ መጠን ናይ ሳዕቤኑ፡ ምስ ሳዕቤናት ምፍራስ መንደቕ በርሊን ዝስራዕ’ዩ ክሳብ ምባል ዝግምትዎ ውሑዳት ኣይኮኑን። ስለዝኾነ ድማ ይመልሶ ደኣ’ምበር ዛጊት’ሲ ብዘይንሕስያ’ዩ ከም ዓሶ-ጊንዳዕ ንዓድን ዓውድን ገብገብ ከብል ቀንዩ ዘሎ።  ምናልባት ክሳብ ሕጂ ብዝተንጸባረቐ መልክዕ ትሕዝትኡ ክምዘን እንተተፈቲኑ፡

ብቑጠዐ ዝበኾዐ ናይ ምርጫ ስነዐ!

ምናልባት ብስሰዐ ዝተዘግሐ

ለውጢ እንተ’ባርዐ

ተሓቚኑ ስለዘይጸዐ

ብቐሊሉ ከምዘይወጽኦ ልግዐ፡ ኣረጋጊጹ

ንሰብኣይ ምስ ሰበይቲ፡ ኣርሂጹ’ርሂጹ፡

ዝገማምዐ ምስ ገማምዐ’ሞ

ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ጸሓይ ምስ በረቐ

ምስጢሩ ተኸሺሑ ዝባኑ እንተተቐልዐ

ናይ ዓወቱ ክሳራ

ንቐየስቱ ጉንዲ እዝኖም እናጸፍዐ

ርእሲ ርእሶም እናኾርኮዐ፡ ምስ ቀጽዐ

ታሪኻዊ መስርሕ ናይ ምዕባለ’ሲ ምስ ናይ ሃይማኖት ምስጢራውነት ዝስራዕ፡ ንለውጢ ዘይርዕም ባህርያት፡ ከምዘይብሉ ዝምስክር’ዩ ዝመስል። ሓቂ ንምዝራብ ግን ህዝቢ ብናብርኡ እንተዘይዓጊቡ’ሞ ብእዋኑ እንተዘይቀሲኑ ብሃንደበት ክስዕብ ዝኽእል ናይ ለውጢ መስርሕ፡ ከም ጋሻ ውሕዥ ኣብ ቅድሚኡ ዝጸንሖ ጠራኒፉ ዝጸራርግ ሓይሊ ክህልዎ ይኽእል’ዩ። እሞ እዚ ናትና ነገር ምስ ብረክዚት ብንጽጽር እንክረአ፡ ኣጋ ጽባሕ ናይ ረፈረንደም ተጋሂዱስ፡ ኣብ’ዛ ውልዶ ኤርትራ ዝቕጽል ዘሎ ቀጻሊ ስደት ክሳብ መኣስ ኮን’ኸውን ባህልን ህዝብን ከብርስ ንዓለም ዘገርም? ዝምድና ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያንከ ብእመት ድዩ ብመጽዓን ዝዕቀን ንምባል’ዩ ጻዕረይ።

  ካብኡ ብምንቃል ድማ፡ ኣብ ዓዱን ዓውዱን ከይኣክል፡ ንኤርትራውነት ኣብ ጉዕዞ ስደቱ ዘጋጥሞ ዘሎ ውርደት፡ ልዕሊ ኹሉ ቤት ትምህርቲ ዘይምልከተካ ክትፈልጥ ኣይትፈትን ናይ’ንዳ ዝናን ባህታን ዘስነቖ ፍርሓትን ስግኣትን ብዛዕባ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሕማም ጎድኑ ኮይኑ፡ በቲ ካልኣይ ሸነኽ ድማ፡ ምስ’ቲ ባድመ ናይ መን’ያ ዝዓይነቱ ሕንቅልሕንቅሊተይ ተኣሳሲሩ ኣብ ኢትዮጵያ ዝማዕበለ ፖለቲካዊ ኣመለኻኽታ (ብዛዕባ ኤርትራውነት) ምዩቕ ስለዘብሎ’ዩ፡ ናይ ጥፍኣቱ ነበልባል ባዕሉ ዘንበድብድ ክሳብ ዝመስል፡ ካብ ዓዱን ዓውዱን ምእንቲ ኽርሕቕ ኣብ ውቅያኖሳትን ምድረበዳን ዝሃልቕ፡ መዋድቖ ጎድኑ ትኸውን ኣጎዛ ዘንጽፈላ ዕውዶ-ዕውዶ ክምድምድ ዝሃልኽ ዘሎ’ሞ፡ ፖለቲካ ናይ ባድመ ሓዲሽ ተኣምራት ይደሊ’ሎ  እንተበልኩ ዘጋነንኩ ኣይመስለንን።

ናይ ዓወት ህርፋን!   እቲ ኣዝዩ ዝገርም፡ ኣብ እዋን ዘውድን ደርግን ዝበሃግ ንዝነበረ ኣተኣላልያ ዝምድና ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ስዒሩ ኣብ ክልቲኡ ስግር ሩባ መረብ ዝጎብለለ ብትግርኛ ዝልለ ፖለቲካዊ  ኣነነት፡  ተዓዊተ ንምባል ዘለዎ ህርፋን፡ ወጮስ እንተገልበጥካዮ ወጮ ዝብል ምስላ ዘዘኻኽር’ዩ ዝመስል’ምበር፡ ምስ እዋን ብምትዕጽጻፍ ክኹስኮስ ዝኽእል ናይ ምንብባር መዓልተይ-መዓልትኻ ዝስወጦ ኣይመስልን’ዩ።

    ነዚ ክስተት’ዚ ንምድማቕ ክሳብ ዝመስል ድማ እቲ ቀዳማይ ኣብ ልዕሊ ደርጊ ተዓዊተሉ ብዝብሎ ናይ ትማሊ ውዕሎኡ  ክጀሃር፡ ብባድመ ከምዝጸመመ’ሞ፡ ኣብ ናይ ህልኽ ኲናት ተሳዒሩ፡ ብሞያ ስለዝሞተ፡ ናይ ዓወቱ ክሳራ ዝፈጠሮ ጋሻ ውሕዥ ከምዝለከሞ ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ ናይ ህሉው ኩነታት ነጸብራቕ’ዩ።

  ይኹን ደኣ’ምበር እዚ ከም’ዚ ዝበለ መሰረታዊ ናይ ሓሳባት ውድቀት ንእዋን ዘርብሕ መስትያት ከውርስ ትጽቢት ዝግበረሉ’ኳ እንተኾነ፡ ኩሉ ንምርኣይ ምቕናይ ጥራይ ከምዝበሃል፡ እዛ እዋን ዘይተምጽኦ’ብላን፡ ወያ ተመሳሳሊት ናይ ዓወት ህርፋን፡ ኣብ’ቲ ዝለመደቶ ናይ ህልኽ ጎደና ተኸስ ክትብል እንከላ፡ ብዝፈረሰ ሕጓ ኣትዩ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ ሰራውሩ ዝዝርግሕ ዘሎ ኣቐራርጻ ናይ መጻኢ ዕድል ድምር ውጽኢቱ ኣብ’ቲ በዓል ስኞር ባርባ ዝጠረርዎ ክልቲኡ ሸነኽ ሩባ መረብ ንዝነብር ህዝቢ ድቃስ ዝህብ ኣይመስልን’ዩ። ስለ’ዚ ናይ ባድመ ነገር ብቐሊሉ’ይኮነን ኣብ ታሪኽ ክዝከር።

ሳዕቤናት ውዕል ውጫለን ጽውጽዋይ ባድመን ንንጽጽር።

  ዓጸይ ምንሊክ ኣብ ውጫለ ምሒሎም መረብ ምላሽ ንጥልያን ጠሪሮሞ ዝብል ኣናብባ ታሪኽ፡ ኣብ መንጎ ሊቃውንቲ ፖለቲካ ናይ ሸዋን መሳፍንቲ ትግራይ-ትግሪኚን ዘሕደሮ ህልኽ ቀሊል ከምዘይነበረ ዘውድን ደርግን ጥራይ ዘይኮኑ፡ ገድልን ምግዳልን’ውን ብማዕረ’ዮም ዝምስክርዎ።

 ሕጂ ድማ ባድመ ናይ መን’ያ ዝጉልባቡ ህልኽ ኣነዶ ንሽኻ ንመልኽ ናይ ደቂ ሓውቦታት፡ ደቀ’ኮ’ሞ፡ ደቂ ገዛውቲ፡ መማህርቲ፡ መተዓብይቲ፡ ንዕስራ ዓመታት ክልተ ጎደል ብዘይንሕስያ ዘብረሶ ሂወትን ሃብትን ከይኣኽሎ፡ ሰኣን ቁሩብ እሂን ምሂን ናይ መዛኑ፡ ኣብ ዓሰብን ባጽዕን፡ ናይ ሓይሊ ባሕሪ፡ ሓይሊ ኣየር ይኹን ሓይሊ ምድሪ ብዘየገድስ፡ ወተሃደራዊ መደበር ና’የዕራብ ተሰሪሑ ይበሃላ’ሎ። እዚ ድማ፡ ይኽደነና ደኣ’ምበር ምስ ሳዕቤናት ውዕል ውጫለ ዝዳረግ ናይ ነውጺ ማዕበል ዝድጉል ምስጢር ዘለዎ’ዩ ዝመስል እንተበልኩ ብዙሕ ዝደፈርኩ ኣይመስለንን።

    ብኻልእ ኣበሃህላ፡ መንእሰያታን ሽማግለታትን ካብ እንዳኦም ቦርቊቛ እንዳጎሓፈት፡ ብባህልን ብደሞግራፍን ክዳን ዝባና ትግፈፍ ኣብ ዘላ ኤርትራ፡ ብበትሪ ሙሴ ማያትን ቀላያትን ከምዝሰንጠቐ፡ ብለይቲ ዘይኮነስ ብቐትሪ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ፡ ሰራውሩ ዝዝርግሕ ዘሎ ኣረኣእያ ምንቅስቓስ ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ፡ ብውግእ ሓድሕድ ናይ የመን ክምኽነየሉ እኹል ከምዘይኮነ ንምግንዛብ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ነታንያሁ (ናይ እስራኤል) ቀይሕ ባሕሪ ተሳጊሮም፡ ንስኻትኩም’ሲ ከመይ ዝበልኩም ኢኹም ደቀይ? ካብ ንእስነትኩም ዘዕበየትኩም  ከመ’ዓልካ ናየ’ቦታትኩም ከቢዳትኩም፡ ካብ ጠረር ናብ ጠረር ተነፋፊሕኩም ክትጠማመቱ ጸሓይ ዓሪባትኩም’ሲ እነሆ ዓዲ ክትውዕሉ ቀሪብኩም። በሉ ከይተነሳሕኩም ቅድሚ ምሕላፍኩም ባዕለይ ወረ ክህበኩም ክሳብ ዝብሉ ዘጸቢ ኣይመስለንን።

   እዚ ክስተት’ዚ ከመ’ተሓሕዛኡ ክቕጽል እንተኾይኑ’ሞ ምናልባት እቲ ኻልኣይ’ውን ብጉልባብ ባድመ ናይ መን’ያ ዝተኣጉደ ናይ ዓወት ህርፋን ተገዲዑ፡ መን ብዘይካ መን ምንባር ስኢኑ ንሓላሉ ከም ዝዕዘር፡ እዋን ክሳብ ተነጽሮ ህልኽና ቀጻሊ’ዩ ብምባል፡ ኣብ ህልኹ ክዳረቕ እንተመሪጹ፡ ታሪኽ ዝቐረበሉ መስትያት ምርኣይ ብምዝንግዑ ብመዝገብ ክዝከር’ዩ ክሳብ ምባል ዘድፍር’ዩ። 

   እንተዘይኮነ ግን፡ ካብ ምብራዕ ኲናት ናይ ባድመ ኣትሒዙ ክሳብ’ዛ ሰዓት’ዚኣ፡ ኣብ ከባቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ክምዕብል ዝረአ ዘሎ፡ ወተሃደራዊ አኮኖምያዊ ከምኡ’ውን ፖለቲካዊ ለውጥታት ብምፍቃድ ሓደ በለለይ እንተተባሂሉ፡ ካብኡ ብምቕጻል እዚ ካብ ጀኦግራፍን ደሞግራፍን ሓሊፉ ክሳብ ንባህልን ሃይማኖትን ዘማህምን ስደትን ብርሰትን ኤርትራውነት ክልተ ምባል እንተተቐጺሉ፡ ብዘይ ቃልዓለም ወዮ፡ ንዂናት ናይ ባድመ ኣብ ምብርዑ ዝተዋህቦ ዶብ ሰኣን ምጥራር ዝብል ትሕዝቶ ሕጂ ምስ ጠለባት ናይ እዋን ምእንቲ ክስራዕ ዘድፍሮ መርትዖ ኪኾኖ ኣይክእልን’ዩ’ሞ፡ ኣተኣላልያ ሕቶ ናይ ባድመ ሓዲሽ ተኣምራት ይድሊ’ሎ  ንምባል’ዩ ፈተነይ።

   ዝኾነ ኾይኑ ብሰንክ’ዚ ብሰብኡት ብፍላይ ድማ ብተጋደልቲ ዝተዓብለለ ናይ ዓወት ህርፋን ወይ ድማ ህልኽ ኣነዶ ንስኻ ንመልኽ ኣብ መንጎ ሊቃውንቲ ፖለቲካ ናይ ትግርኛ ንኽልተ ዓሰርተ ዓመታት ክልተ ጎደል ዶብና ክሳብ ዝጥረር ብዝብል ሸፈጥ ኣብ ዓድን ዓውድን ተሓዚሉ ዘሎ ናይ ታሪኽ መንድዓት፡ ነቶም ተሃላለኽቲ ሰብኡት ኣብ እርጋኖም መሸንቆቛ ናይ ስረኦም ይበጣጥሶ ስለዘሎ’ሲ፡ ኣንቱም ሰባት በ’ቕሽሽትን በ’ንስትን ዝቕየስ ኣማራጺ እንተዝፍተንከ፡ ህዝብታት ዘቀራርብ ገለ ለውጢዶ ኣይምበረቐን ክብል’የ ዝፍትን ዘለኹ’ሞ፡ ኣቕሽሽትን ኣንስትን ኣብ ርእሺ’ቲ ልሙድ ስራሕኩም ክድርቦ ዝፍትን ዘለኹ ዕዮገዛ እንተ’ብዚሐዮ.... ወለ’ዝጊ ንድኻምኩም ይርኣዮ!   

   ንኽትፈልጡለይ ግን ናብ ብርክኹም ክምርኮስ ዝፍትን ኣማራጺ ዘንቀልኩ፡ መብዛሕትኹም ብናይ ቂምታ ፖለቲካ ዘይትድረኹ፡  ቀልጢፍኩም ድማ ንምሕረት እትምብርከኹ መሲልኩም ስለትረኣዩኒ’የ ክሳብ ክንድ’ዚ ዝደፈርኩ።  ሓቂ ንምዝራብ ድማ ንስኻትኩም ዘይትፈልጥዎ ዛዕባ ኣይኮነን ዘዛርበኒ ዘሎ። ብግልጺ ንጸዓዱን ጸለምትን፡ ሰብ ርሑቕን ቀረባን ክሳብ ዘደንጹ፡ ኤርትራውነት፡ ምስ’ንዳ ዝናን ባህታን’ሲ ኣይወግሕን’ዩ፡ ካብ ዝብል ሕራነ ነቒሉ፡ ንቐላጽም ዓሳ ነባሪ ናይ ውቅያኖስን፡ ንሕንዚ መንደላይ ተመን ናይ ምድረበዳን ከይኣክል’ሲ፡ ንመጥባሕቲ ልብን ኩላሊትን ናይ በደዊን ከምኡ’ውን ምቕንጣብ ክሳድ ናይ ዓይሲስ፡ ኣሽኪዕካ ብምሕላፍ፡ ኣብ አውሮጳ ብምዕላብ ክርከብ ዝኽእል መስተርሆት ብምምዕዳው ዝቕጽሎ ዘሎ ጉዕዞን ዘስዕቦ ዘሎ ህልቂትን ኣዝዩ ዘሕዝንን ዘፍርሕን’ዩ ዝብል ናይ ኩላትና ትዕዝብቲ ንምድጋም’የ።

   ማለት’ሲ ካብ’ዛ ቅድሚ ሰሙናት ብሩራዊ እዮበል ናይ ናጽነታ ዘጸምበለት ኤርትራና ንግሆ ንግሆ ኣእላፍ ዜጋታት ይጠፍኡ ከምዘለዉ ኩልና ንሰማምዓሉ ተርእዮ’ኳ እንተኾነ፡  ናይ’ዚ ተርእዮ’ዚ ኣዝዩ ዘደንጹ ፍሉይ መልክዑ፡ ሬሳ ዝቐብሮ ስኢኑ ኣብ ምድረበዳ ዝጎሓፈሉ ወይ ድማ ኣብ ባሕሪ ብማይ ዘቕቢቡ ዝበጣጠሰሉ ኩነታት ከም ዘጋጥም ብረድዮን ተለቭዥንን፡ ብኣውያትን ብሓዘንን  እናተመስከረ እንከሎ እቲ ጉዕዞ ብተደጋጋሚ ምቕጻሉ’ዩ።  እሞ እዚ ኹሉ ኣደራዕ ኣብ’ዛ ሓራምዝ’ኳ ንሬሳ ናይ ዝሞተ ብጻዮም  ኣቑጽልትን ቅርጫፍ ናይ ኦምን ሰሊዖም ከይሸፈኑ ሓዲጎሞ ኣይከዱን’ዮም ዝበሃለላ ዓለም ዕዳጋ፡ እንታ’ዩ ዝምኽነየሉ? 

   ንሱ ከም ዝወሓደ ድማ ካብ ሱዳን ናብ ሊብያ ኣብ ዝግበር ናይ ምድረ በዳ ጉዕዞ፡ ካብ’ቶም ሰልዲ ተኺፊሎም ዘሰጋግሩ ሰባት ገለገሊኦም፡ ኣብ ማእከል ምድረበዳ መኪና ደው ኣቢሎም፡ ቃሕ ዝበለቶም ጓለ’ንስተይቲ መሪጾም፡ መኸወሊ ዝኸውን ቆጥቋጥ’ኳ ኣብ ዘይቦቕለሉ ሰጣሕ ጎልጎል፡ እሞ ድማ ኣብ ቅድሚ ናይ ስደት ብጾታ ይጋሰሱ’ዮም፡ ዝብል ወረ እናተደጋገመ እቲ ጉዕዞ ምቕጻሉ’ዩ።   ስለዝኾነ ድማ፡ ነዚ ኸም’ዚ ዝመስል ግፍዕታት ክስንጥቕ ዝፍትን፡ ብእልፊ ኣእላፍ ዝፍቀድ ቀጻሊ ስደትን ብርሰትን ናይ ሰብኣዊ ዓቕሚ፡ ንሓዋሩ ርጥብ ዝበለ መልሲ ክሳብ ዝርከበሉ፡ ኣብ’ቲ ፈለማ ዝዓለቡሉ ናይ ስደተኛታት መጽለሊ መምስበጽሑ፡ ብትምህርቲ፡ ብሕክምና፡ ብስራሕ፡ ከምኡ’ውን ናብራ ንምጥጣሕ ዝሕግዞም ሓበሬታን ኣቐባብላን ናይ ምስሳን ጻዕሪ ዕዙዝ ኣድህቦ በ’ንስትን በ’ቕሽሽትን እንተዝጅመረሉ’ሲ፡ ነዚ ናይ ጥፍኣት ማዕበል’ዚ ዘህድእ ሃናጺ ለውጢ ኣይምበረቐንዶ፡ ትብል ሕቶ ኣቐዲመ፡ “ክመጽእ ይኽእል’ዩ” ዝብል መልሲ ከስዕበላ’ሞ ርኢቶይ ክውስኸላ። ከመይ’ሲ ገዚፍ ክፋል ናይ ኤርትራዊ ኣነነት ንመንግስትን ንለገስትን ስራሕ ቁጾሩኒ ካብ ምባል ኣብ ናይ ብሕቱ ትካል ንምሽቃል ምስ ጥሜትን ድኻምን ምርብራብ ዝፈቱ’ዩ ዝመስል እንተበልኩ ብዙሕ ካብ ሓቂ ዝረሓቕኩ ኣይመስለንን።

ሰብ ጽቡቕ ፍቓድ። (volunteers)

    ኩሉ ሰብ ከምዝሰማምዓሉ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ትግራይ ኣብ መዓቑቦ ስደተኛታት ናይ ኤርትራውያን ምስ ገበርቲ ሰናይ ተወሃሂዱ ብህዝብን ብመንግስቲ ኢትዮጵያን ዝካየድ ዘሎ ዘይተሓለለ ናይ ምሕጋዝ ጻዕሪ ኣቕሊልካ ዝግመት ኣይኮነን። ይኹን ደኣ’ምበር፡ ነዚ ጻዕር’ዚ በ’ንስትን በ’ቕሽሽትን ዝወሃሃድ ናይ ዜጋታት መመላእታ እንተዝውሰኾ፡ እዚ ካብ ኢትዮጵያ ብሱዳን ናብ ሊብያ ክሳብ ኢጣልያ ዝግበር ዘሎ ቀጻሊ ናይ ህልቂት ጉዕዞ ከም’ዚ ክሳብ ሕጂ ዝቕጽሎ ዘሎ ናህሪ እናነሃረ ዓድን ዓውድን ኣይምበጽበጸን ኔሩ።  ምኽንያቱ ካብ ኤርትራ ሃዲሞም ነንዝመጽኡ ሰባት፡ ተቐቢሎም ዘማኽሩን ዘረጋግኡን ሰብ ጽቡቕ ፍቓድ (volunteers) ካብ ተመሃሮ ክሳብ ሰራሕተኛታት  ምስ መደባት ናይ ውድባት ዘይቋረን፡ ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ ኣስፊሎም ክዕጠቐሉ እንተ’ንቂሎም’ሲ ኣብ ቅድሚ ጽቡቕ ፍቓዶም ደው ክብል ዝኽእል ናይ ምጥርጣርን ዘይምትእምማንን ሓጹር የለን እንተበልኩ ሕጂ’ውን ካብ ሓቂ ዝረሓቕኩ ኣይመስለንን። ስለ’ዚ ናብ ብርኪ ኣቕሽሽትን ኣንስትን ክሙርኮስ ዝመረጽኩሉ ምኽንያት፡  እዞም ዓድን ዓውድን ዘመሓድሩ ዘለዉ ሰብኡትን ናይ ፖለቲካ ሊቃውንትን ብናይ ዓወቶም ክሳራ ይኽሰፉ ስለዘለዉ’ሲ፡ ብንጽጽር ኣቕሽሽትን ኣንስትን ብቒምታ ስለዘይትግድዑ፡ በጃኻትኩም’ባ መንገዲ መስተርሆት ናብ ምጽራግ ኣነቓንቑና ንዑ ንምባል’የ ምሳለይ ዝሕንጥጥ ዘለኹ።

ጻዕዳ ጣፍ ለወስቲ!  

 ብፍላይ ነ’ንስቲ ጻዕዳ ጣፍ ለወስቲ!  እዛ እዋን እዋንክን’ያ እንተበልኩወን ዝዛቕረን ዘለኹ ምእንቲ ከይመስለን ኣብነት ከውሕሰለን፡

ሀ) ኣብ ኣመሪካ እነሆ ወ’ዘሮ ሂላሪ ንፈራሪ ናይ ትራምፕ ኣርባዕተ ጎማኣ ከንፍሳላ፡ ዝተቖነናሉ መስፈ ስሒለን ንሰብኡት የስግዳ’ለዋ።

 ሁ) ኣብ’ታ ካብ አውሮጳ ዝዓበየት፡ ዝሓየለትን ዝሃብተመትን ሃገረ-ጀርመን ንዓመታት ስልጣን ብሒተን ዘለዋ እምበይተይ ኣንጀላ ድማ፡ ኣቤት ክውሕልላ! ካልእስ ይትረፍ ባልገ! ኢሳያስ ሊንጎ ቭላድሚር ፑቲን ምስ ምዕራባውያን ሃገራት እሂን ምሂን ዝበሃለላ ተለፎን’ኳ ኣብ ኢደን’ያ ዘላ።   

ሂ) ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ድማ ንቐዳማይ ሚንሲተር ደቪድ ካምሮን ምሰ’ርዓደ ውጽኢት ረፈረንደም ብረክዚት፡ ወ’ዘሮ ተረዛ መይ ብድድ ኢለን፡ ጋለ’ቦኣ ጓልዶ ብረክዚት ማለትኮ ብረክዚት’ዩ፡ መንግስትናን ህዝብናን ዝሰምረሉ፡ ተስፋ ዘለዎ ኣረኣእያ መጻኢ ዕድል’ዩ ዘድልየና ዘሎ’ሞ ኣጆኹም ኣለኹልኩም ባዕለይ እናበላ በትሪ መንግስቲ ጨቢጠን ኣለዋ።

ሃ) ከምኡ’ውን በ’ንስቲ ካብ ዝምራሓ ብሓይልን ብአኮኖምን ትሕት ዝበላ ሃገራት ኣብነት ንምሕዋስ፡ ጸሃይ ኢንግወን - ፕረሲደንት ደቡብ ኮረያ። ሚሸል ባቸለት -  ፕረሲደንት ቺለ። ኢለን ጆንሶን - ፕረሲደንት ላይበርያ።  ኣሚና ጉሪብ-ፋኪም - ፕረሲደንት ማውሪሸስ። ባድያ ባንዳሪ - ፕረሲደንት ነፓል። ኒኮላ ስትሩጎን - ቀዳመይቲ ሚኒስተር ስኮትላንድ።  ሸኪ ሓሲና ዋጀድ - ቀዳመይቲ ሚኒስተር ባንግላደሽ ..... ምዝካር ፍናን ክህብ ይኽእል ይኸውን’ዩ።

   ዝኾነ ኾይኑ ካብ ሰብ ንላዕሊ ንስኻትክን ከምእትፈልጥኦ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ቅድም-ቅድም ኣብ እዋን ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ብዝብል ናየ’መራርሓ ፍሽለት፡ ምስ ናጽነት ድማ፡ ናይ’ዚ ዞባ ጎብለል ንምፍላይ ብዝብል ናይ ዓወት ህንጡይነት፡ ብጥይት ዝተቐትሉ ሰብኡት ምጽብጻብ እንተተፈቲኑ ውጽኢቱ ንሓንጎል ዝፍንጅር ክመስል ይኽእል’ዩ። እዚ ማለት ግን ብጥይት ዝተቐትሉ ሰብኡት ይበዝሑ ንምባል’ምበር፡ ብሰንኪ ውድቀት ቅዲ’መራርሓ እንዳ ዝናን ባህታን ኣንስቲ ብጥይት ኣይተቐትላን ማለተይ ኣይኮነኩን።

  ዝሓለፈ ከይኣክል ድማ ሰብኡት ሕጂ’ውን መንገዲ ገዝኦም ከምዝጠፍኦም፡ ካብ እንዳኦም ክርሕቁ፡ ኣብ ጉዕዞ ናይ ስደት መላገጺ በደዊን’ዮም ዝኾኑ ዘለዉ’ሞ፡ ሃየ’ባ ገለ መንገዲ ለውጥን ዕርቅን ኣምታልና በጃኽን፡ ክሳብ መዓስ ኢኽን ለውጢ ካብ ሰብኡትን ተጋደልትን ትምህለላ፡ ክብል እንክፍትን፡ ጠፊኡክን ኣሎ ንምባል ዘይኮነ’ሲ፡ ንእዋን ምእንቲ ከርብሕ ምድጋሙ ዝኣክል፡ ንስኻትክን ቅናትክን ሸጥ ኣቢልክን እንተተበጊስክን፡  እናፈለጡ ዝደንቆሩ ሊቃውንቲ ፖለቲካ ዝዘርእዎ እሾኽ መርገም ምልቃም ኣይክጽግመክንን’ዩ። ብኡነት’የ ዝብለክን ከምኣ እንተገበርክን’ሲ እዛ ናይ ስደት ብርሰት ቀልጢፋ ትሃድኣሉ መፍትሕ፡ ክትውዕል’ያ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽርክን ንምባል’ዩ ጻዕረይ።

ኣቕሽሽቲ።

   ከምኡ’ውን ኣብ ክልቲኡ ስግር ሩባ መረብ ዝነብሩ ኣቕሽሽቲ፡ ምሰ’ቕሽሽቲ ዝዋስኡሉ ልዑል ትዕድልቲ’ሎ። እዚ ትዕድልቲ’ዚ ባድመ ናይ መን’ያ ዝብል ናይ ዓወት ህርፋን ዘይጥርሮ፡ በ’ንጻሩ’ኳ ደኣ ከም’ቲ ንሕና ንዝበደሉና ይቕረ ንብሎ፡ በጃኻ ወ’ለዝጊ፡ ንበደልና ኣይተስተባህሎ፡ ዘማዕርጎ፡ ልዑል ትዕድልቲ ከምዘሎ ኣመንትን ዘይኣመንትን ዝፈልጡዎ፡ ብቐሊሉ ህዝብታት ንምቅርራብ ከገልግል ዝኽእል ዓቢ ጸጋ’ዩ።

    ዝርሳዕ መኣስ ኮይኑ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ሃይማኖት ጳጳስ ዝነበሩ፡ ክቡር ኣቡነ ጳውሎስ፡ ወለ’ዝጊ ኣብ ዙፋኑ ብየማኑ የስፍሮም፡ ንመራሕቲ ሃይማኖት ኣኸቲሎም ናበ’ስመራ ምስ መጽኡ’ሞ፡ ንህሉው ኩነታት ኣልዒሎም እንከስተምህሩ፡ ናይ ልቦም ንምዝራብ መግለጺ ዝኸውን ቃላት ሓጺሩዎም፡ ኣብ መንጎ ቅዳሴኦም ከምዝነብዑ ምዝካር ማለት ምግናን መኣስ ኮይኑ። ይኹን ደኣ’ምበር እዚ ዓቢ ጸጋ’ዚ ስለምንታይ ክሳብ ሕጂ ድጉል ትዕድልቲ ኮይኑ ይቕጽል ከምዘሎ ንእዋን ዝግደፍ ጥልቂ ምስጢር ኮይኑ፡ ንሓውሩ ኣብ መስርሕ ምኹስኳስ ማሕበራዊ ምትሕቑቛፍ፡ ንተራ ናይ ኣቕሽሽቲ ኣብ ግምት ዘእቱ ገዚፍ ትዕዝብቲ ዝገድፍ’ዩ።

    ምናልባት ክሳብ ሕጂ ብሸነኽ ኤርትራ ደሚቑ ዝረአ ናይ ኣቕሽሽቲ ምንቅስቓስ እንተ’ልዩ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናይ ዓለም፡ ብፍላይ ብስራሕን ብመሰልን ዝተጣየሰ እኩብ ህዝቢ ኣብ ዝርከበለን ናይ ስደት ቦታታት፡ እግሪ እግሪ ህዝቦም ኣርኪቦም ክምህሩን ንዝለዓለ ኣገልግሎት ታቦቶም ክተኽሉን ብድምቀት ይረኣዩ ከምዘለዉ ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ ንኡድ ተበግሶ ኢዩ።

  ንኣይ ከም ዝመስለኒ፡ ማዕረ ማዕረ ምስ’ዚ ንኡድ ተበግሶ’ዚ፡ ኣብ’ቲ መዓቑቦ ስደተኛታት ተመሳሳሊ ምንቅስቓስ ክዕምብብ እንተተጻዒሩ፡ መድሓኒት፡ ናውቲ ትምህርቲ፡ ክዳውንቲ ከምኡ’ውን ዝብላዕ ዝስተ ንጽጉማት ምዕዳል ጥራይ ዘይኮነ፡ ልዕሊ’ቲ ጠራኒፉ ንውሕዥ ሩባ መረብ ዘቐብሎ በዓል እዋን ስኢኑ ዘሎ ናይ ቂምታ ፖለቲካ ዘሊሉ ከርሕዎ ዝኽእል ናይ ሰላም ማዕጾ ኣዝዩ ገፊሕ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ነዚ ንምፍጻም ከኣ ደገ ሰላም እንዳ ወ’ለ’ዝጊ ምስዓም’ምበር፡ ማዓጹ ቤተ መንግስቲ ናይ ኦጋድጉን ኣልጀሪስን ምኹሕኳሕ ዘድሊ ኣይመስለንን።

     ምስኡ ኣላግብ ኣቢልካ ክትዝከር ዘለዋ ብድምቀት ትደጋገም ናይ ትምህርቲ ሃይማኖት ዕላል ኣላ። ማለት’ሲ ሓፋሽ ንቕሑ! ንፋስ ኣመሪካን አውሮጳን ሰልዲ’ዩ ዝፈቱ’ሞ ተጠንቀቑ። ከመይ’ሲ ወለ’ዝጊ ንፈታው-ሰልዲ ናብ ዳሱ ስለዘየእቱ’ሲ ሰልዲ ኣይትፍተዉ፡ ትብል ምህሮ ኣተኣሳሲሮም፡ ንሰብ ኪለው ከም ነብሰይ እፈቱ’ውን ይብል’ዩ ትምህርቲ ወለ’ዝጊ’ሞ ኣብ መደበር ስደተኛታት ክንድ’ዚ ዝኣክል ቆልዓ ሰበይቲ ንምንባይ እልፊ ኣእላፍ ሰላዲ የድሊ’ሎ ክሳብ ምባል ምተመጣጠሩ ኔሮም። ብኡ’ቢሎም ድማ እዚ ካብ ኢትዮጵያ ንሱዳን፡ ካብ ሱዳን ንሊብያ፡ ካብ ሊብያ ናብ ኢጣልያ፡ ካብ ኢጣልያ ናብ’ታ ስደተኛ ዝምነያ ናይ ጽባሕ ሃገር ንምስግጋር ንደላሎን ንጨዋዮን??? ዝሕወል ዘሎ፡ ብእልፊ ኣእላፋት ዝቑጸር ዶላር ኣብ ጁባ ዋናታቱን ኣብ ቁምነገርን ብምውዓል ንባጤራ ናቕፋ ካብ’ቲ ተዓቢጡሉ ዘሎ ሰናዱቕ ናይ ባንክታት ወጺኡ ኣብ ሹቕ ምእንቲ ክዕንድር ኣጆኻ ምበሎ ኔሩ!!   

     ግደ ሓቂ ግን ኣብ’ዛ እዋን’ዚኣ ኣብ ኤርትራ’ሲ ንኢትዮጵያ ዘስግእ ኤርትራዊ  ናይ ተጻብኦ ዓቕሚ ኣሎዶ የለን ዝመስል ምጥርጣር እንተ’ልዩ’ሞ፡ ስደትን ብርሰትን ናይ ኤርትራዊ ንእስነት መለበሚ ክኾኖ ዘይበቅዕ እንተኾይኑ፡ እቶም በ’ማኢት ዝቑጸሩ፡ በብሓደ ዘይኮነስ፡ ብመስርዕ ብጋንታ ብሓይሊ ብበጦሎኒ ምናልባት’ውን ብኽፍለ ሰራዊት ተወዲቦም፡ ናይ ምቅዋም መደቦም ሰሪዞም፡ ቀትሪ ምድሪ ካብ ኤርትራ ነቒሎም’ዮም ሩባ መረብ ሰጊሮም፡ ዝተባህለሎም ናይ ደምሒት ሰራዊት፡ ብኣፎም ጥራይ ዘይኮነስ ብእግሮም እንታይ ከምዝምስክሩ ምግማት ርሑቕ መኣስ ኮይኑ። ከም ርኢቶይ ኣብ’ዛ እዋን’ዚኣ ንድሕነት ዓድን ዓውድን ክልቲኡ ሸነኽ ሩባ መረብ ዘሻቕል ብርታዐን ዓቕምን ናይ ሻዕብያ ዘይኮነስ ንድኽመትን ውድቀትን ፍልስፍና ናይ’ንዳ ዝናን ባህታን ተጎልቢቡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ ሰራውሩ ዘሳፍሕ ዘሎ ናይ ደቂ ስግር-ባሕሪ ተወርዋሪ ሓይሊ’ዩ። ብዘይ ሽፍንፍን እዚ ሓይሊ’ዚ ጽባሕ ንግሆ ካብ ስደት ንዝምለስ ዜጋ መጽለሊ ዝኸውን ህድሞ ዝሃንጽ ተቖርቋሪ’ዩ ተባሂሉ ዝምኽነየሉ መኣስ ኮይኑ። ስለዝኾነ ድማ ቀቢዑ ንዝበለየ ቅዲ’መራርሓ ክሳብ ዝፍንጣሕ ጎየይቲ ኣእጋር ካብ ምስፋሕ ምስ ደቂ እዋን ምብልሓት ክእምት ይኽእል’ዩ መንገዲ ፍታሕ!!

  ድምር ውጽኢት ናይ’ዚ ህሉው ኩነታት ምርኩስ ብምግባር እምበኣርከስ፡ ካብ ሻዕብያ ጥራይ ዘይኮነስ ካብ ህሉው ኩነታት ናይ ኤርትራ ሃዲሙ፡ ናብ ስደት ፋሕ ብትን ንዝብል ዘሎ ልቢ ንምህዳእ፡ ኣብ’ቲ መዓቑቦ ስደተኛታት፡ መኪና ምዝዋር፡ ዕንጨይቲ ምፍላጽ፡ ሓጻውን ምጥዋይ፡ ዚንጎ ምስቃል፡ መንደቕ ምንዳቕ፡ አለክትሪክ ምዝርጋሕ፡ ምግቢ ምድላው፡ ሕጻናትን ኣረጋውያንን ምክንኻን፡ ዝመስል ጥበባ-ጥበብ.... ዘስንቑ መጻሕፍትን ትምህርትን እንተ ዝቕበሎ፡ መብዛሕትኡ ስደተኛ ንዕዮምስክር ናይ ቤት ትምህርቲ ዘይምልከተካ ክትፈልጥ ኣይትፈትን ንውሕዥ ሩባ መረብ ምሃብ መኣስ ምጸገሞ ኔሩ፡ ምባል፡ ከምኡ ዝበለ ናይ ማርሻል ፕላን ዝመስል መደብ ኣበይ ክርከብ ወደይ ክሳብ ምባል ዘብጽሕ ኣይመስለንን።

    ርሑቕ መኣስ ኮይኑ። ቅድሚ ድርሰት ጽውጽዋይ ናይ ባድመ፡ ንመልክዕ ናጽነት ናይ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያውነት ንምቅርራብ፡ ኲናት ጠጠው ኣቢልና ሰላም ከምዝሰፍን ጌርና፡ ህዝብታት ኣቀራሪብና’ምበር እንታይ ክፉእዶ ፈጺማና ኢና፡ ንመጻኢ እንተተመሲሉልና ድማ ጽባሕ ንግሆ ክንበጽሖ ኣርሒቕና ንጥምቶ ራእይ ኣለና ዝብል ዝነበረ ወርቃዊ መንጸፍ ናይ ሓሳባት፡ ናይ ሰባት’ምበር ናይ መላእኽታት መኣስ ኔሩ። እኳ ደኣ ክሳብ ሕጂ’ውን ስለዘይነቐጸ ቀለሙ፡ ካብ ሸቃላይ ክሳብ ተጋዳላይ ናይ እልፊ ኣእላፍ ልብታት ቀይሩ ከምዝነበረ ብምዝኽኻር፡ ጽቡቕ ፍቓድ እንተተሓዊሱዎ ብሕጂ’ውን ሰላም ምዕባለን ክኹስኩስ ዝኽእል እኹል ትሩፍ ዕቑር ዓቕሚ’ሎ፡ ምባል ብቐትሩ ምስ ምሕላም ዝስራዕ ኣይመስለንን።

  ከምኡ’ውን ኣብ ምሉእ ዓለም ኣብ ስደቱ ኣሳፊሑ ካብ ዝርከብ ኤርትራዊ ዝተሓወለ ገንዘብ ምስተሓወለ፡ ወያ ብዕንጨይትን ብባኮን ዝተሰንዐት መርከብ፡ መዓልትን ሰዓትን ናይ በረራ ኣኽቢራ ካብ ሊብያ ናብ ኢጣልያ ብሰላም እንተኣተወት ተመስገን፡ ጽዕነታ ናብ ባሕሪ እንተ’ራገፈት ግን ናብ ጀነቫ ዘብዘብ፡ ንእዋን ክጥብር ኣይክእልን’ዩ ምባል፡ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይመስለንን። ብንጽጽር ግን ካብ ናብ ጀነቫ ዘብዘብ ናብ ሽመልባ ከተፍ፡ ንዓድን ዓውድን ዘርብሕ መስርሕ ለውጥን ዕርቅን ከንጽፍ ይኽእል’ዩ ንምባል’ዩ ጻዕረይ። .... ጌጋ’ኽለኣለይ።  እንተዘይኮነ ግን ትማሊ ትማሊ ፕረሲደንት ኢሳያስን መዃንንቱን ምስ መላእኽቲ ክጽብጽብ ድሕር ዘይብል ዝነበረ ዕዮምስክር ናይ ቤትትምህርቲ ዘይምልከታካ ክትፈልጥ ኣይትፈትን፡ ሕጂ ኣብ ስደት እግሪእግሪ ህዝቢ ሰስዒቡ፡ ፕረሲደንት ኢሳያስን መዃንንቱን ካብ ቀደሞም ኣጋንንቲ’ዮም ኔሮም ብትብል ሓዳስ መፈክሩ ኣደናጊሩ፡ ነ’ተሓሳስባና ከም ኣመሉ ተቖጻጺሩ ከምክኖ እንተቐጺሉ፡ ሕማም ደሓር ናይ ምግዳል ኣራሲኑ’ራሲኑ ልሕስ ከየብለና ዘየስግእ መኣስ ኮይኑ። ዝኾነ ኾይኑ ሓዲሽ ተኣምራት ምእንቲ ክበርቀልና ኣቕሽሽትን ኣንስትን በጃኻትኩም’ባ ምስ ኣምላኽ እሂን ምሂን ሸምግሉና!

ራህዋን ሰላምን ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን።

ዳንኤል ተ. ተኽለጊዮርጊስ (This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.)

07/172016


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...