ንርብዒ ዘመን ዝጸልመተ፡

ትንሳኤ ሓርነትን ፍትሕን ዝነገሳ  ኤርትራ

ህያው ምግባር  ሓላፍነት  ህሉው ወለዶ`ዩ!!!

ዑቕባይ ገብረመድህን (ከምብሪጅ፡ ማሳቹሰትስ፡ ሰ.ኣ.)

ግንቦት 28 2016

*********

``ሓርነት ንዝለዓለ ፖለቲካዊ ዕላማ መጋበርያ ኣይኮነን፣

እቲ ዝለዓለ ፖለቲካዊ ዕላማ`ዩ።`` (ሎርድ ኣክቶን)

***

ብዘይ ሓርነትን ፍትሕን ትርጉም ዘለዎ ህይወት ኪህሉ፣ 

ብዘይ  ዘተ ዓሚቝ ምርዳእ ኪምዕብል፣

ሓድነት ኪድልድል፣ ነባሪ ራህዋን ሰላምን ኪስስን ዘይከኣል`ዩ።

*********

``ኩሉ ምስጢር ይበላሾ`ዩ፣ ዋላ`ቲ ናይ ፍትሒ ምሕደራ፤ ዝኾነ ንኽትዕን ንሓፈሻዊ ቅሉዕነትን ከመይ ገይሩ ከም ዝስከሞ ዘየርኢ ድሕነት የብሉን።`` ሎርድ ኣክቶን- (Everything secret degenerates, even the administration of justice; nothing is safe that   does not show how it can bear discussion and publicity. Lord Acton quotes)

2ይ ክፋል፡-

ሀ) ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ንናጽነት ዝተፈጸመ ፋሺስታዊ ኣዕናዊ ተግባር ውልቀመላኺ ኢሳይያስን ምእዙዛት ጃንዳኡን፡-

ህግሓኤ! ሓደ ስም  ክልተ ተቓራኒ ባህሪያት ዝሓዘለ ግምባር፡-

ህ.ግ.ሓ..ኤ.  ነቲ  ልዕሊ ህይወቱ ንህዝቡ ዘፍቀረ፡ ንናጽነት ህዝቡ ህይወቱ ዘወፈየ ንጹህን ተባዕን ተጋዳላይን ብሓደ ጐድኒ ነቲ ልዕሊ ህዝቢ ነፍሱ ዘፍቀረ፡ ብስሰዐ ስልጣን ሕልናኡ ዝቐበረ፡ ጨካን፡ ውልቀመላኺ ኢሳያስን ምእዙዛት ኣገልገልቱን ኣዕናዊ ተግባራቱን በቲ ካልኣይ ጐድኒከም ማይን  ዘይትን  ዘይወሃሃድ - ክልተ ባህሪያት ሓቚፉ ዝኸይድ  ግምባር`ዩ ዝነበረ። ብሃገራዊ ደሞክራሲያዊ ሰውራ ዝልለ ግምባር ይንበር እምበር፡ ኣብ ኢድ ፋሺስታዊ ውልቀመላኽን ምእዙዛት ጃንዳኡን ደሞክራዊያውያን ሃገራውያን ዝሓቐቑሉ፡ ደሞክራሲ ፍጹም ዝተቐብረትሉ ግምባር ምንባሩ ታሪኽ ኣነጺሩ ዝምስክሮ ሓቂ ኢዩ።

ሰውራ ኤርትራ ኪዕወት ዝኸኣለ እምበኣር፡ ከምቲ ብየውሃት ኣመንቲ ዝበሃል - ሳላ ቅኑዕ መሪሕነት ዘይኮነ፡ ጭብጢ መርትዖታት ርትዓዊ ገምጋም ዘረጋግጾ፡ ሓፋሽ ተጋዳላይ ብጥይት ውልቀመላኺ ኣብ ዝባኑ፡ ብጥይት መግዛእታዊ ሰራዊት ኣብ ግምባሩ እናተወቕዐ፡ ኣንጻር ኩሉ ዕንቅፋታት በዲሁ ስለ ዝተቓለሰ`ዩ ኢዩ ኔሩ።  ህ.ግ. ብሓደ ወገን በቲ ህይወቱ ንመስዋእቲ ዘወፈየ፡ ብተስፋ ናይ ናጻ ደሞክራሲያዊት ኤርትራ ሰውራ ዝተኻየደሉ ግምባር ክኸውን ከሎ፡ ኣንጻሩ ኸኣ፡ በቲ ውልቀምልካዊ ጃንዳ ትንፋስ ደሞክራሲ ተዓቢሱ ዝተቐብረሉ፡ መሰረት ውልቀምልካዊ ስርዓት ዝተነጸፈሉ፡ ሕድሪ ስዉኣትን ባህጊ ህዝብን ካብ እግሪ ተኽሉ ዝተጠልመሉ፡ ኣብ ክንዲ ብረት መሳርሒ ፍትሓዊ  ፖለቲካ፡ ፖለቲካ  መሳርሒ  ጨቛኒ ብረት ዝኾነሉ ግምባር ምንባሩ ኩሉ ፍጻሜታት ምልካዊ ሓይልን  ሳዕቤናቱን  ጭብጢ  ጸሊም ታሪኽ ኤርትራ ምንባሩ የረጋግጽ። ነዚ ሓቀይና ታሪኽ`ዚ ስግር የዋህነት ብርትዒ ምርኣዩ ኣብ ዓወት ናይ ተገቲሩ ዘሎ ቃልሲ ንፍትሕን ኣብ መጻኢ ዕድል ሃገርን ወሳኒ ተራ ኣሎዎ።  

 ከምቲ ``ቆርበት ተባላሺያ፣ ኣብ ምንታያ? ኣብ ምስታጣሓ፤ ኣይፋልን ኣብ ምጥባሓ`` ዝተባህለ፡ ናጽነት ኤርትራ ዝተጠልመትሉ፡ ካብቲ ኣብ 1991 ሕድሪ ስዉኣት ሓዚላ ዓዲ ኣቲያ ንህዝቢ ድሕሪ ከቢድ ክቡር መስዋእቲ እነሄኹ መጺአልኩም ዝበለትሉ ግዜ ኣይኮነን ዝጀመረ። እቲ ጥልመት ንመግዛእቲ ሓግሒግካ ንሞውጻእ ቃልሲ ኣብ ዝተወፍረሉ፡ ብሰሪ ኣብ እግሪ ተኽላ ብርእሰ ማህረምቲ ዝጀመረ ምድማይ፡ ዘይሓወየ ስምብራት ቍስሊ ሒዛ ስለ ዝኣተወት`ዩ።

 እቶም ኣብ እግሪ ተኽሊ ገድሊ በትሪ ስልጣን ዝሓዙ መራሕቲ ተሓኤ ካብ መዓሙቕ ቀቢላዊ ኣተሓሳስባ ሓራ ስለ ዘይነበሩ፡ ቀዳማይ ዝወሰዱዎ መጥቃዕቲ ኣንጻር መግዛእቲ ዘይኮነ፡ ኣንጻር`ቶም -ብ ሓራካ - ዝፍለጡ ዝነበሩ ንቑሓትን ንጹሃትን ሃገራውያን ብምሕቃቕ፡ ንጥዑይ ፈልሲ ቃልሲ ናይ ምቕምሳል ብዝፈጸሙዎ  ገበን`ዩ  እቲ ናይ ጥልመት ማህሰይቲ ጀሚሩ።  እቲ ብጕድለት ንቕሓት መስፍናዊ መሪሕነት ተሓኤ ኣብ ልዕሊ ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝጀመረ ርእሰ ማህሰይቲ ኸኣ፡ በቲ ጸሊም ዕላማ ሒዙ ንሜዳ ኤርትራ ዝኣተወ፡  ትኽ እንተ በለ ከም ማዕጺድ፡ ጸሊም ልቡ ብሽፋን ምስሉይ ጻዕዳ ስኒ ዝተኸወለ፡ ፍጥረተ ከይሲ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ኣብጺሑዎ። ኣብ መንጽር`ዚ መርዛም በትሪ ስልጣን ውልቀምልኪ፡ እቲ ንዓለም ዘደንጸወ ምስጢር ዓወት ሰውራ ኤርትራ ብግቡእ ንምስናድ ናይ መጻሕፍቲ ቅጺታት ዝሓትት ሃገራዊ ዕማም ከም ምዃኑ መጠን፡ ኣብዚ ብዝተኻእለ መጠን ሓቀይና ስእሊ ናይ መስዋእትን ዓወትን፡ ናይ ምልኪን ጥልመትን ንምቕራብ ካብ ባሕሪ ብማንካ ጥራይ`ዩ ኪቐርብ ዝከኣል።     

ኣብዚ ኪበርህ ዝግብኦ፡ እቲ መጀመርያ -ኣዕናዊ ምንቅስቓስ - ኢሉ ዝሰየሞ ተግባር ነቶም ንጹሃት ጀጋኑ ተጋተልቲ ዘይኮነ፡ ብልክዕ ናቱን ንዕኡ ዝምልከትን ምንባሩ ኢዩ። ስእነት ርእሰ-ምትእማን ዘጥቅዖ፡ ድኽነት ትብዓቱ ብጭካነ ዝሸፈነ፡ ልቡ ብጽልኢ ዝቐርሓነ፡ ውልቀምልካዊ ስልጣን ንተግባረ ዕንወት ሃገር ዝተመነየ፡ መልኣከሰብ ዝለበሰ ከይሲ ፍጥረት ምንባሩ ብኣግኡ ኪልለ ኣይተኻእለን። ስለ ዝኾነ ኸኣ፡-

  • መንካዕ - ዝብል ኣጸላሚ ስም ዝተዋህቦም -``ኣብዚ ውድብ ምልኪ ይቕልቀል ኣሎ`` ኢሎም ኣብ መትከሎም ዝረገጹ ደሞክራሲያውያን ጀጋኑ የሕቂቑ፤
  • ቀጺሉ - የሚን - ዝብል ኣጸላሚ ስም ዝተዋህቦም -ንሕና ምስ ተጋድሎ ሓርነት ብሓባር ኣንጻር መግዛእቲ ንቃለስ ንዝበሉ ደሞክራሲያውያን ጀጋኑ ኣጥፊኡ፤
  • ኣሰሮም ንዝተኸተለ፡  ምሕሳብን ሓሳብካ ምግላጽን ባህሪያዊ መሰሉ ምዃኑ ብግብሪ ንዘርኣየን ከምኡ ከም ዝሓስብ ዝተጠርጠረን ብሰላዪት ምስጢራዊት ሰልፊ ብቓጽያን ብግህዶን ኣብታ -ብሓለዋ ሰውራ - ትፍለጥ ሓለዋ ምልካዊ ስልጣን ዝሓቐቑን፡ ወይ ርእሰ ምትእምማኖም ኣጥፊኦም ፍጹም ምእዙዛት ንምልኪ ኮይኖም ዝተረፉ -እዚ ጸሊም ታሪኽ -ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ የጕልሕ።
  • -ምብራዕ  ኲናት ሓድሕድ ኣብ መንጽር ገዚፍ ባዕዳዊ ሰራዊት፡- ንመግዛእታዊ ሓይሊ ትንፋስ ዝሃበ፡ ናይ ብሉጻት ኣሕዋትን ኣሓትን ዝተዓጻጸፈ መስዋእቲ ጠንቂ ዝኾነ ኲናት ሓድሕድ ኣባሪዑ ንዓወት ቃልሲ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ዘናወሐ፡ ክሳብ ሕጂ ናይ ዝወረደ ማህሰይቱ ግቡእ ታሪኻዊ ጸብጻብ ዘይተገብረሉ ጸሊም  ነጥቢ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ኣብ ርእሲ`ቲ ገና ገምጋም ዘይተገብረሉ ናይ ክልተ ኣሕዋትን ኣሓትን ጥፍኣት፣ ልዕሊ 40 ሽሕ ዝኾኑ ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ. ካብ መሬቶም ከም ዝወጹ ጌሩ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ኮይኖም ኣብ ናይ ቃልሶም ተዓዘብቲ ምውዳቖም፡ ኣብ ብረታውን ፖለቲካውን ዓወት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብምድንጓይን ብምትዕጽጻፍ መስዋእትን ዘስዓቦ መግለጺ የብሉን።
  • ቅድሚ ምዝላቕ ሰራዊት ሓርነት ኣብ ኣፍደገ ኣስመራ ዓሪዱ፡ ህዝቢ ኤርትራ ናጽነት ሃንቀው እናበለ ጸባ ኣርኢዩ ዘሕደገሉ ምኽንያት፡ ምእንቲ ውልቀምልካዊ ስልጣኑ ንግምባር ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ከም ቀዳማይ  ጸላኢ ርእዩ ካብ ሜዳ ከውጽእ ብብሕቱ ስለ ዝወሰነ`ምበር፡ ኣብ 1978 ንጸላኢ ብሓባር ደምሲሶም ናጽነት ኪእውጁ ምሉእ ተኽእሎ ምንባሩ ህዝብን ሰራዊትን ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ ኔሩ። ኣብ እዋን ምዝላቕን፡ ብፍላይ ኣብቲ ቐጻሊ ብ5ይ-6ይ ወራራት ኣብ ዝፍለጥ ጥምጥም ምስ መግዛእታዊ ሓይሊ ዝተኸፍለ ማእለያ ዘይነበሮ ህይወት ንፋሺስታዊ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣይንታዩን ኢዩ።
  • ምስጢራዊት ሰልፊ ህግሓኤ-  እቲ - ወዱን ጓሉን - ነታ መተካእታ ዘይብላ ክብርቲ ህይወቱ ምእንቲ ናጽነትን ሓርነትን ህዝቡ ሞባእ ኪኸፍል ተወፊዩ፡ ኣብ ጥሙይ ከብዱን ዕሩቕ ዝባኑንን፡ ንጐረርኡ ተጥልል ሕፍቲ ማይ ንብጻዩ ዘቐድም፡ ሓያል ራኢ ተስፋ ንህዝቡ ተዓጢቑ ብጽንዓት ተቓሊሱ  ንናጽነት ክውን ዝገበረ ላህመት ውላድ ኤርትራ ዘይፈልጣ ዝነበረ፡ ንውልቀምልኪ ኢሳይይስ ንምሕላው ንደሞክራሲያውያን ዜጋታት ንምቕንጻል ዝተሳሕለት ሴፍ መሳርሒ ፋሺስታዊ ውልቀመላኽን ብማእከላይ ሽማግለ ዝፍለጡ ምእዙዛት ጃንዳኡን ኢያ ዝነብረት። እታ ምስጢራዊት ሰልፊ እቲኣ፡ ብኢድ ተግበርታ ደሞክራሲ ኣብ ምቕባርን ብሩህ መጻኢ ናጽነት ኣብ ምጽልማትን፡  ነቲ ዝሰዓበ ናይ ርብዒ ዘመን ባርነትን ኣብ ምትእታው ዝተጻወተቶ ኣዕናውነት ኣዚዩ ሰፊሕን ወሳንን ብምዃኑ፡ ርእሱ ዝኸለ ታሪኽ ዕድል ሰውራ ኤርትራ ኢዩ ክብሃል ይግብኦ። ስለ ዝኾነ ኸኣ፡ ብውሑዱ እቶም ተቐበልቲ ኣደራዕ ስሕለታ ዝነበሩ ብህይወቶም ዘለዉ ጃጋኑ ተቓለስቲ፡ ጸሊም ታሪኻ ክድገም ዘይግብኦ ኣካል ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ`ሞ፡  ተመክሮኦም ንመጻኢ ወለዶ ኣብ ምርዳእ ክብርን ምዕቃብ ሓርነትን ፍትሕን፡ ደሞክራስን ማዕርነትን መምሃሪ ኪኾኖም ብዕትበት ኪጽሕፉዎ ብስም ሕድሮም ዝተጠልመ ስዉኣት አማሕጽኖም።

ይቕጽል . . .   


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...