ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዘመናት ዝተፈላለዩ ባዕዳውያን ገዛእቲ ብሰንሰለት ሓደ ነቲ ሓደ ስዒቦም፡ከምዝገዝ’ኡ ፍሉጥ’ዩ።ብፍላይ መግዛእቲ ቱርኪ፣መግዛእቲ ጥልያን፣መግዛእቲ እንግሊዝ ኮነ መግዛእቲ ስርዓታት ኢትዮጵያ ኣዚዮም ፍሉጣትን ልሉያትን እዮም።ነዞም ገዛእቲ ስርዓታት ንምቡንቛስን ነቲ ዝተከልዎ መንደዓት ንምእላይን መድረኽ ዝጠልቦ መኸተን እምቢታን ከምዝተር’ኣየ ዝተፈላለዩ መረዳእታት ይሕብሩ እዮም።

ነፍሲወኸፎም መግዛእታትን ገዛእቲ ስርዓታት ነናይ ባዕሎም ኣሰርን ታሪኽን ሓዲጎም ሓሊፎም እዮም።”መግዛእቲ ቱርኺ’ዩ!” ዝብል ዘረባ ወትሩ፡ሓደ ንሓደ መሪርን ንሕስያ ዘይብሉ ኣተሓሕዛን ገይሩ ንዝሕዘካ ሰብ ወይ ትካል፡ ኣብ ሕብረተሰብ ተዛረብቲ ትግርኛ ብፍላይ ዚውቱር ኣበባህላ እዩ።በዚ ኸኣ መግዛእቲ ቱርኺ እምብዛ መሪር ከም ሓሞት ሓርማዝ ምንባሩ የዘካኽረካ’ዩ።

መግዛእቲ ጣልያን ዓሌታዊ ኣፈላላይ ዝሕምረቱ፡ጎደና ስጋብ ምፍላይን ማህደረ ትምህርቲ ስጋብ 4ይ ክፍሊ ጥራይ ምፍቓድን ወዘተን ብምግባር ዝልለ ናጽነትን ሑርያን ዘይህብ መግዛእቲ ኮይኑ ሓሊፉ እዩ።መግዛእቲ ጥልያን ሓያል ድርዕቶን ጸዋግ እዋን ምንባሩ ብብዙሓት ይዝንቶ’ዩ።ናይ እንግሊዝ መግዛእቲ ምስናይ ገለ ገለ እወንታዊ ሸነኻቱ ከም እኒ ናጻ ፕረስ ምትእትታውን ፖለቲካዊ ዉድባት ምፍቓድን ዝርከቦም፡ፈላሊካ ግዛእ ዝዕላመቱ ግናይ መግዛእቲ ምንባሩ ተመዝጊቡ ሰፊሩ ኣሎ።እንግሊዝ ከም ሓደ ጸይቕን ኣብ ሞንጎ ሕዝብታት ኣፈላላላይ ንምፍጣር ከይደቀሰ ዝሓድር ተባሂሉ፡ብርቱዕ ከርሀ ዝሓደሮ መግዛእታዊ ሓይሊ ተባሂሉ ይግለጽ’ዩ።

ኣብ ግዜ ፈደረሽን ኮነ ኣብ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ብስርዓት ኃይለስላሴን ደርግን ጭካነን ኣረሜናዊ ተግባራትን ዝመለለይ’ኡ ሕድግለነ ዘይብሉ ሃዋሁን ግዜን ምንባሩ ዝግለጽን ዝፍለጥን ምንባሩ ኣብዝሓ ዝዝኽሮ ኩነት’ዩ።ነቲ ገለ ገለ ጽቡቕን ጽቡቕ ዝመስልን ግና ኩነታትን ሃዋሁን እቲ ወቕቲ ፈቒድዎ ዝተገብረ ተባሂሉ ዝግለጽ ዝነበረ ሸነካት ብካልእ ኩርናዕ ዝጥመትን ዝትንተንን ባህሪያት ዝሓዘ ከምዝነበረ ይእመነሉ’ዩ።

በዚ’ዩ ከኣ ከቢድ መስዋእትን ጽንዓትን ተከፊልዎ፡እቲ ኣብ መሬታዊ ናጽነት ዘኽተመ 30 ዓመት ዝወስድ ብረታዊ ቃልሲ ክካየድ ዝደረኸ ቕያ ጅግንነትን ታሪካዊ ፍጻሜታትን ስርዓት ደርጊ ኣሊዩ መዕለቢ ክረኽብ ዝከ’ኣለ።

ኣብዚ ሕጅ እዋን ምስ ዘሎ ሓፈሻዊ ኩነታትን ሃዋሁ ምሕደራን ተራእዩ፣ ካብቲ ዝሓለፈ መግዛእታት ብ100 ዕጽፊ ብመንጽር ምንጽጻርን ብሚዛን ዓይኒ ብዙሓት ዝረ’ኣይን ዝጥመትን ዘሎ መግዛእቲ “ትግርኛ ተዛራቢ ደርጊ!” ስጋብ ምባል ተበጺሑ ዘሎ መዳርግቲ ኣልቦ ስርዓት ጭቆናን ዓፈናን ህግደፍ’ዩ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት፡ኣብ መዋእሉ ርእይዎን ሰሚዒዎን ዘይፈልጥ መግዛእቲ ገጢምዎ ኣሎ።እዚ ልዕሊ መግዛእቲ ቱርኪ ዝኮነ መግዛእቲ፡ብዓይነቱን ብምረቱን፡ ከም እሾኽ ኣስሔት ኣዚዩ ኣሻኽ፣ክንዮ ሓሞት ሓርማዝ እምብዛ ዝመረረ።ፍጹም ንጸላ’ኢካ ዘይትምነዮ ሓሳረ-መኸራ መግዛእቲ ህግደፍ ደም እናሻዕ እናንብዖ ይነብር ምህላው ዑፍ ትምስኽሮ ሓቂ እዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ፡ደርጊ ከም መነጸር ጭካነን ኣረሜናዊ ተግባራትን ዝረ’ኣየሉ ዝነበረ ግዜ ኣብቒዑ ኣሎ።እቲ ምንታይ፡ኣብዚ ግዜ ዘሎ ገዛኢ ጉጅለ ብኹሉ መልኽዓቱን ባህሪ’ኡን እኩብ ድምር ኹሎም ጨቖንቲ፡ራሰይቲ፡ቐተልትን ቐዘፍትን ርእሲ ኩሉ ሕድግለነ ዘይብሉ ኣረሜናዊ ስርዓት ሙዃኑ ብቓልን ብግብርን ኣረጋጊጹ ምህላዉ ኹሉ ዝምስኽሮ ኮይኑ ኣሎ።

ኣብ ኤርትራ፡ናጽነት ኤርትራ ካብ ዝገሃድ ንነጀው፡ዝተ’ኣወጀ “ወፍሪ ባርነት” ዝኮነ ኣገልግሎትን ኽተትን ብዙሕ ክስተታት ተፈጢሮም እዮም።ሓደ ካብቶም እልቢ ዘይብሎም ኽስተታት፡ንዘይ’ኣመንካሉ ወፍሪ ባርነት ምክናብ’ዩ።ነዚ ንምርግጋጽ ኸኣ ምኩብላልን ስግረ-ዶብ ምግባርን ልሙድ ተርእዮ ኮይኑ ከምዘሎ ማንም ዘይኽሕዶ ተግባራት’ዩ።

ኣብ መስርሕ ወትሃደራዊ ጉዕዞ እናሃለካ ምህዳም ዳርጋ ሕምብርተ-ትርኢት ካብ ዝከውን 20 ዓመት ኣቑጺሩ ኣሎ።ብፍላይ ከኣ ድሕሪ ኩነታት ኤርትሮ-ኢትዮጵያ ዝውቱር ፍጻሜ ከም ዝኮነ ዝሰሓት ጉዳይ ኣይኮነን።እዚ ካብ ተራ መካይን፣ ካብ ዓበይቲ መካይንን በጣሓትን ዝግበር ህድማ እናዓመረ ካብ ዝከይድ ልዕሊ 10 ዓመት ገይሩ ከምዘሎ ብዙሓት ይሰማምዕሉ እዮም።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ኮነ ገጠራት ሓሓሊፉ ካብ መካይን ሃዲምካ ምምላጥ፡ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ይስስን ምህላዉ ርዱእ ነገር’ዩ።ኣብ ከተማ ኣስመራ ኸኣ ፍሉይ ተርእዮ ኮይኑ ምህላዉ ፍሉጥ ነገር እዩ።ኣብ ከባቢ እስታዲየም-ሰባር ጎማ፡ባር ትብለጽን ከባቢ ኣባሻውን ከኣ ፍሉያት ቦታታት መህደሚ ኮይነን ጸኒሐንን ኣለዋን።

እዘን ዝተጠቅሳ ቦታታት ንከምዚ ተግባራት ክፍጸም፡ ፍሉይ ዝገብረን ምኽንያታት ከም ዘለወን ዝገልጹ መንእሰያት ብዙሓት እዮም።እዚ ብዕለት 3 ሚያዝያ 2016 ዝተገብረ መስርሕ ምህዳም ተኮነ ኣብዘን ቦታታት ከምዝተፈጸመ ናይ ዓይኒ ምስኽራት ይገልጹ እዮም።

እቲ ፍጻሜ ኣብ መጥወይ ቦታ ከባቢ ሰባር ጎማ ከምዝጀመረ ዝሕብሩ ተዓዘብቲ፣ኣብ ባር ትብለጽ ቀጺሉ፣ኣብ ከብቢ ማይ ኣባሻውል ሃዲሙ ከምልጥ ብመኪና ተገጭዩ ግዳይ ሓደጋ ዝኮነ መንእሰይ፡ነቲ ናህሪ መስርሕ ህድማን ዕግርግርን ነዳዲ ከምዝወሰኸሉ ይሕበር’ዩ።

እቲ ክስተት ሓደጋን ግዳይ ሞትን ዝኮነ ቦታ ወትሩ ዕሙር ዕዳጋን ማእከል መተሓላልፊ ጎደና ተኮነ’ዃ ዕለተ-ሰንበት ብምንባሩ ህዝቢ ከምድላዩ ከይተሓባበር ናይ ባዕሉ ግደ ከምዝተጻወተ መዘራረቢ ዛዕባ ነበርቲ ከተማ ኣስመራ ኮይኑ ቐኒዩ’ዩ ኣሎ።

እቲ ሃንደበታዊ ኣረሜናዊ ፍጻሜ ንብዙሓት ዘሰንበደን እዚ ስርዓት ማዕረ ክንደይ ርህራሄን ምሕረትን ዘይብሉ ሙዃኑ  ደጊሙ ደጋጊሙ ዘመስኸረ፡ ኮይኑ ከምዘሎ እምንቶ ኣብ ዉሽጥን ኣብ ደገን ዘሎ ህዝቢ’ዩ።

ሚኒስተር ዜና፡ የማነ ገበርመስቀል፡

ሚኒስተር ዜና ኮይኑ ዝዓይይ ዘሎ፡ ኣቶ የማነ ገበርመስቀል፡ኣብ ቲዊተር ዝገለጾ ንዝርዝር ሓቅን ኩነታት እቲ ኣረሜናዊ ተግባር ዘይገልጽ፡ካብ ትምሕትም ገለ ምምዝባዕ ንምፍጣር ዝዓለመ ምዃኑ፡ ኣብ ኣስመራ ክዕለል ዝወዓለ ጉዳይ’ዩ።ድሕሪ ሓጺር መደናገሪ ሓበሬታ ኣቶ የማነ ምሃቡ፡ሎሚ ሓካይምን ሰራሕተኛታት ሆስፒታልን ሓውሲ ሮፍታ ረኪቦም ከምዝወዓሉ ቕርበት ዘለዎም ተዓዘብቲ ይዛረቡ ኣለዉ።

ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ቑጽጽር ዝቐነዩ ሓካይምን ሰራሕተኛታትን ዳርጋ ሰሙን ሙሉእ ኣብ ስግ’ኣትን ክትትልን ከምዝቀነዩ፣ንማንም ሓበሬታ ከይልሑኹ ትእዛዝ ወሪድዎም ብምህላዉ፣ምስ ቤተሰቦም ከይተረፈ ርኽባት፡ ካብ ምግባር ተዓቂቦም ምንባሮም፡ኣብ ክፍሊ ሕክምና ዝሰርሑ ኣባላት ገሊጾም ኣለዉ።

ካብቶም ዝሃደሙ ዝተትሓዙ ከምዘለዉ፣ነቶም ዝተረፉ ሃዲሞም ዘለዉ ንምትሓዝ ኣባላት ጸጥታ ተዋፊሮም ከም ዘለው ክፍለጥ ተካኢሉ ኣሎ።

ኣቶ የማነ ገብረመስቐል፡ክልተ ሰባት በቲ ዘጋጠመ ኩነታት ከምዝሞቱን 11 ሰባት ኸኣ ግዳይ መቁሰልቲ ከምዝኮኑ ተሓበረ፡እዚ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ከምዘይገልጾ ገለ ናይ ዓይኒ መሰካኽርን ሓካይምን ብትሪ ነጺጎሞ ኣለዉ።

ኣባላት ጸጥታ፡ ገለ ገለ ስሙያት ሰባት ከም ስነ ጥበባውያን ተሓበርቲ ‘ቲ ስርዓት፡ነቲ ዘጋጠመ ኩነታት ኣና’ኣኢሶም ክዛረቡን ዝተጋነነ ሓበሬታን ይጋዋሕ ምህላዉ ክዛረቡን ክሰብኩን ይረኣዩ ብምህላዎም፡ምስ ዘረባ ኣቶ የማነ ተዛሚዱ ክረ’ኣይ ከሎ፡ሓደ ዝተውሃሃደ ወፍሪ ምዝንባዕን ምንእኣስን ብዕቱብ ይስራሓሉ ምህላዉ፡ ኣብ ትዕዝብቲ ወዲቆም ከምዘለዉ ህዝቢ ዝዕዘቦ ዘሎ ጉዳይ’ዩ።

ኣብዚ ትማሊ ሰንበት ዘጋጠመ ንማንም ዘሰንበደን ዘቆጠዐን ኢሰብ’ኣዊ ተግባራት፡ትእዛዝ ላዕለዎት ሓለፍትን ሕላገት ባህሪ ስርዓት ህግደፍን ከም ምዃኑ መጠን ዝኮነ ሰብ ዝስሕቶ ኣይኮነን።ካብ ዝነ’ኣሰ ስጋብ ዝዓበየ ኣዚዩ ሓዚኑ፡ይሕርን ብምህላዉ፡ ከተማ ኣስመራ ኣብ ከቢድ ስውር ሓለዋ ተጸሚዳ ምህላዋ ክፍለጥ ተካ’ኢሉ ኣሎ።

ኣዴታት ኤርትራ ከኣ፡ “ከም ሓራስ ኣድጊ” ንደቀን ብዘለወን ፍቕርን ናፍቖትን መዓንጠዐን ሕርር ኩምትር ኢሉ ከምዘሎ ጉሁድ’ዩ።እዚ ከኣ ደግሲ ከም ቑጤዐ ነብሪ ደጊስወን፡ነዚ ፍጹም ሕድግለነ ኣልቦ ስርዓት፡ንመርድእ እቶም ተቐቲሎም ስጋብ ሕጂ ስሩዕ መርድእ ዘይተገብረሎም ግዳያት ኢ-ፍትሓዊ ኣረሜናዊ ተግባራት፡ መዓንጠዐን ሸጥ ኣቢለን ይጽበያ ከምዘለዋ፣እዚ ዘየደቕስ ጭካነ ዝተመልኦ ልሙድ ተርእዮ ሕነ ክፍደዮ ባህገንን ድሌተንን ከም ዝገብራ ንቡር ዕማም ኣደ’ዩ ኮይኑወን ዘሎ።

ኣብዚ ዝሓለፈ 25 ዓመት፡ኣብ ኤርትራ ብህግደፍ ዘይተፈጸመ በደል፡ግፍዒ፡ሓሳረ-መኸራን ስቕያትን የለን።እዚ ጭው ዝበለ ባርነት መንደዓት ኮይኑ ይቕጽል ብምህላዉ፡ “ዓስቢ ርብዒ ዘመን፡መርዚ መግዛእቲ ተመን” እምብዛ ብምምራሩ፡ሕራነን ቑጠዐን ልዕሊ ንቡር ኮይኑ ብምህላዉ፡ኹሉ ደላይ ለውጢ ስምረትን ሓድነትን ኣውሒሱ፡ብሙሉእ ሓይሉ ንገስጋስ ሓርነታዊ ቓልሲ፡ ከም ኣዋፍራ ንህቢ ክወፍር ግዜ ይጠልቦ ምህላዉ፡ደወል ጻውዒት ይውድል ኣሎ።

ትእዛዝ ቶኺስካ ቕተል ስጋብ ዘሎ ሓደጋን ሞትን፡ንብዓትን ብኽያትን፡እህህታን ሓሳረ-መኸራን ምስ ህግደፍ ተሳኒዩ ከምዝከይድ ዘይኽወል ሓቂ’ዩ።ንህግደፍን ንሱ ዝተከሎ ኣተሓሳስባን ሓጊሕጋ ንምእላይ፣ይውዓል፡ይሕደር ዘይበሃሎ ሰፍ ዘይብል ህዝባን ሃገራውን ዕዳ ኣብ ዝባን ኩሉ ግዳይ’ዩ።

ስለዚ፡ኩሉና ኢደይ ኢድካ ጽባሕ እንከይበልና ሕጂ ንበል!!


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...