“ዕስራ ምኢታዊት /20%/ ናይ ብሻ ሰራሕተኛታት ደቂ ኣንስትዮ እየን፡ ነቲ ኣብ ሃገርና ሓድሽ ዝኾነ ናይ ዕደና ስርሓት ብከምዚ ዓይነት ብዝሒ ደቂ ኣንስትዮ ምስታፈን ዘኹርዕ እዩ።"

ክቡራት ኣንበብቲ መርበብ ሓበሬታ ኣስመሪኖ፡እዛ ኣብ ላዕሊ ኣብ ድርብ-ጥቕሲ ኣትያ ዘላ ጽሕፍቲ ሎሚ ዕለት 7/3/2016 ኣብ ማሕበራዊ መርበብ ሓበሬታ ምስ ኣንበብክዋ ብዙሕ ሓሳባት ከውርድ ከደይብ ተቐሲበ’የ።ብሓቒ 20% ካብ ሰራሕተኛታት ዕደና ምብጽሐን ዘኩርዕ ኩርናዕ ክህልዎ ይከ’ኣል እዩ።እዚ ከኣ ብሞያን ትምሕርትን ዝሰልጠና ደቂ ኣንስቲዮ፡ሰሪሐን ኣልሚዐን መሰለን፡ኽብረን ወ ዓስበን ዝረኽባሉ ባይታን ኩነታት ክከውን ከሎ፡ ኣመና የኩርዕ እዩ።ኣብ ዕደና ብዙሕ ተመኽሮ ኣብ ዘይብላ ሃገር ክንድዚ ቁጽሪ ዘለወን ደቂ ኣንስቲዮ ኣብ ዉሽጢ 25 ዓመት ክሰርሓ ምኽኣለን ዘነይት ንያታዊ-ተግባር ኢልካ ትሕበነሉ ኣጋጣሚ ንቡር ይከውን እዩ።

 ደቂ-ኣንስቲዮ 20% ካብ ሰራሕተኛታት ወርቒ ቢሻ፡ሱታፌ ስለዘለወን ጥራሕ ዘኩርዕ ዕዮ ገይርካ ምውሳዱ ግና ናይ ጥዕና ነገር ኣይመስል እዩ።ኣብ ቢሻ ከም ወትሃደራት ኮይነን፡ከም ሰበን ኣብ ጉዱድ በዓቲ ዕስኽርና ኮይነን ዝዓየኦ ዕማም፡ ንቁጽሪ ሱታፌ ሪኢካ ዘኩርዕ እዩ ምባል ኣብ ትዕዝብቲ እዩ ዘውድቐካ።

እዘን ደቂ ኣንስቲዮ ሓለፋ ንዋታውን ፊናሳውን ረብሓ ረኪበን ተዝሰርሓ ከማን መሰለን ተሓሊዩን ከቢሩን ተዘይሃሊዩ ፋይዳ ኣልቦ እዩ።ቁጽሪ ናብ ባዕሉ ግደን ተራ ኣለዎ እዩ ኣብ ቦት’ኡ።እንተኮነ ቁጽሪ ሱታፌ ምባራኹ ጥራሕ፡ ኣብዚ ጉዳይ ፋይዳ ትረኽበሉ ዘኹርዕ መቐይሮ ኣይኮነን።እዘን ደቂ ኣንስቲዮ እንታይ እየ ዝሰርሓ፧ ከመይ ይሰርሓ፧ ኣብ ምንታይ ኹነታት ኮይነን ይሰርሓ፧ መሰለን ሕሉው ድዩ፧ ንተመሳሳሊ ስራሕ፡ማዕረ ክፍሊት ዓስበን ይረክባ’ዶ፧ ግቡእ ዕረፍቲ ይረኽባ’ዶ፧ ኣብ ግቡእ ዕድሚ’ኤን ይዘምዳን ይወልዳን ኣለዋ’ዶ፧ ወይ ኸኣ ኣብ ቁጽሪ ሱታፌ ዝተትሓዘ መደብ-ዕዮ ኮነ ንጹር መምሪሒ ምድናፋዕ ነይሩሞ፡ነዚ ብቐመርን ሰሌዳ ግዜን ዝተበጽሐ፡ ፍትሓውን ደሞክራስያውን ኣስራርሓ ኣብ ዝነገሰሉ ኩነታትን ባይታን ተፈጺሙ፡እቲ ቑጽሪ ተዝዓዝዝ ኣመና ትንየተሉን ተኹርዓሉን ፍጻሜ ምኾነ ነይሩ።

እዚ ናይ ምኳኑ ግና ኣዚዩ ኣጠራጣርን ንክትቕበሎ ሚሒር ዝከብድ ተርእዮ እዩ።መንግስቲ፡ ኣብ እዋን ምጉንጻፍ ናጽነት፡ ሱታፌ ደቂንስትዮ ኣብ መዳይ ፖለቲካዊ፡ቑጠባዊ፡ማሕበራዊ ከደርዖን ክዕዝዞን ሓሊኑ ፖሊሲ ከምዝሓንጸጸ እናሻዕ ኣብ መራኸቢ ብዙሓት ይመጻብዕ ምንባሩ ተዘኽሮ ትማሊ እዩ።ሓደ ኣብነት፡ኣብ ላዕለዋይ ባይቶን ታሕተዋይን ማለት ሃገራዊ ባይቶን ባይቶታት ዞባታት ወዘተ 30% ሕዙእ ቦታ ንደቂ ኣንስቲዮ ከምዝኮነ ብትሪ መትከልና ተባሂሉ ‘ጨለ ጽዋ’ ይጽወ ነይሩ እዩ።

ካብዚ ክንደይ ኣብ ባይታ ተፈጺሙ ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ።ሃገራዊ ባይቶ ጨሪሱ ካብ ዝፈርስን ካብ ዕዮ ምሉእ ብሙሉእ ዓዲ ዉዒል ካብ ዝከውን እንሆ ልዕሊ 15 ዓመት ኮይኑ እሎ።ሰለዚ እቲ መምርሒ ፈሺሉ ኣሎ ማለት እዩ በዚ ዓይኒ ተሪእናዮ ከማን።እዚ ኣብ ሕዛእቲ ኣድሁቡ እዩ።እምበር እተን ኣብ ስልጣን ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ በዓል መን እየን፧ ክንደይ እየን ቑጽረን፧ ተካእቲ እብዚ 25 ዓመታት ከፍርያን ክፍረይን ተሰሪሑሉ’ዶ፧እዚ ጉሁድ ጸወታ ዓበደን እዩ።

ቁጽሪ ደቂንስትዮ ምዕዛዝ ጥራሕ ማዕርነትን መሰልን ደቂ ኣንስትዮ የውሕስ’ዩ ወ የረጋግጽ’ዩ ግና ኣይስምዕን’ዩ።ኣብቲ ሕብረተስብ ግና ናይ ባዕሉ ዝኮነ እወንታዊ ተራ ኣለዎ እዩ።እቲ መንግስቲ ደሞክራስያዊ፡ ፍትሓውን ብልዕልና ሕጊ ዝግዛእ ተኮይኑ፡ቁጽሪ ሱታፌ ልዑል ተራን ግደን ከምዝህልዎ ኣየካትዕን እዩ።

ኣብቲ ኣብ ማሕበራዊ መርበብ ሓበሬታ ካብ ዝተለጠፉ ርእይቶታት ሓንቲ፡ “ናይ ደቂ ኣንስትዮ ድርብ ጭቆና፡ካብ ተናውሐ መሪር ቃልስና ክቕጽል እዩ።" ዝብል ትረኽብ እሞ፡ ትማሊ ኣብ ግዜ ደርጊ፡ ብተስፋ’ኣለም ትድረፍ ዝነበረት “ድርብ ጭቖና”  ትብል ደርፊ ተዘካኽረካ ጥቕሲ እያ።ብርግጽ ኸኣ፡ ድርብ ጭቆና ተጻዒኑ፡ ኣብ ዝባን ደቂ-ኣንስቲዮ ሳዕሪ ቦቒሉ ምህላዉ ምስኽር ዘየድሊዮ፡ዑፍ ከይተረፈ ትምስኽሮ ዝተኾለዐ ሓቂ እዩ።

ትማሊ ሰንበት ድምጺ ሓፋሽ፡ብምኽኒያት 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ኣድሂቦም፡ ደርፊ ቦብ ማርለይ “No Woman, no cry” ከድርፉ ሰሚዐ፡ቦብ ማርለይ ከም ስነ-ጥበባዊ ጓል ኣንስተይቲ ክትነብዕ ኮነ ክትበኽይ ከምዘይብላ ናብ ሕዝቢ ዓለም ስርሑ ኣወፊዩ ሓሊፉ እዩ።

ከም ትካል መንግስቲ ከም ማዕኸን ዜና መጠን፡ፖሊሲታት መንግስቲ ተፈቲሹ፡ መሰልን ማዕርነትን ደቂ-ኣንስቲዮ ኣብ ከመይ ኩነታት ከምዘሎ፡ ናብ እዝኒ ሰማዕቲ ቐሪቡ እታ ደርፊ ተዝጋብዝዋ ኽንደይ ምሰ’ምሓረ ነይሩ ኮይኑ እስመዓኒ፣ደርፊ ጥራሕ ምድራፉ ግና ምስ ዕማም እቲ ትካል ዝተሰከሞ ዓንዲ መትከል ዝሳነ ኣይኮነን።ከም ደርፊ ምርጫ ተሓሲቦሞ ናይ ባዕሉ ዝኮነ ግደ መልእኽጢ ክህልዎ ኣይሰ’ኣንን እዩ።

ደርፊ ምድራፉ ኣይጽላእን እዩ፣እቲ ምንታይ ደርፊ’ውን ብባዕሉ መልእኽቲ ስለዘለዎ፣ክህልዎ’ውን ንቡር እዩ።8 መጋቢት ዓመት መጸ ዓመት፡ንደቂ ኣንስትዮ መበራትዒ ሽልማት፡ ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ እገለን እገለን ተዋሂቡወን።እዚ ደርፊ ናይ ታንኪ ንወጽዓ ደቂ ኣንስትዮ ትገልጽ እያ ኢልካ ንዘመነ መንግስቲ ደርግን ኅይለሥላሴ ከም መረጺን ገይርካ ምውሳዱ፡ እሞ ከኣ ርብዒ-ዘመን ብውሕዱ ካብ ዝወድቑ ዝገበሩ መንግስታት ከም መነጻጸሪ ምጥቓሙ ኣዚዩ ዝሕፍርን ዝሕንኽን እዩ።ርብዒ-ዘመን ዕድመ ሓደ ወለዶ’ዩ፣ ምስ ተቃሊስካ ዝሰዓርካዮ ስርዓት ክትወዳደርን ክትነጻጸርን ምሕሳብ ንባዕሉ ዕብደት እዩ።

ምንጽጻርን ምውድዳርን ምስ ዘለካዮ ግዜ፡ ህሉው ሃዋሁን ጎረባብትካን ኮነ ምሳካ ተመሳሳሊ ታሪኽን ኩነታትን ዘሎ ክከውን ኣለዎ እምበር ምስ ሞይቱ ዝተቐበረ ስርዓት ወግሐ-ጸብሐ ምምውድዳሩ ናይ ጥዕና ምልኽት እይኮነን።

ደቂ-ኣንስትዮ ኣሕዋትና፡ ካብ ጥንቲ ንመሰለን ንኽብረን ተቓሊሰን እየን።ንፍትሕን ደሞክራንስ ምስ ኣሕዋተን ደቂ ተባዕትዮ ኮይነን ካብ ዘመነ ኦሪት ኣትሒዘን ሻምል’ኣን ኣልዒለን ፡ ሓቦን ንሒን ሰኒቀን ኣስኒቀን ኮነ ሕይወተን ከይተረፈ ከይነሓፋ ወፍየን እየን።

ኣብ ሰውራ ኤርትራ፡መስዋእቲ ዋጋ ንሓርነት እዩ እናበላ ደቂ-ኣንስቲዮ ኤርትራ ሰፍ ዘይብል ኣበርኽቶ ገይረን፣ታሪኽ ፈጺሙ ዘይርስዖ ጅግንነት ከምዝፈጸማ ማህደራት ታሪኽ ብዘየሻሙ ይገልጽዎ እዮም።

ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ፡ ሕላገታ ከም ዋዕሮ-ኣንበሳ ሓብሓቢት፡ኣላይት ስድራቤታን ሕብረተሰባን ኮሪዓ ዘኹረዓት እያ።ከም ነድሪ ቁጡዕ ነብሪ፡ኣብ መሪር ብረታዊ ቓልሲ ኣብ ዝለል በሪራ፡ኣብ ዝኹባዕ ነጢቃ ሓርቆታ ብዋጋ ሕይወታ ከፊላ እያ።ከም ኣባጓብየ፡ “መጀመርታ ንናጽነት ሃገራይ!” ቢላ ንሓንጎጽ-ጎጽ ዝመል’ኦ ጉዕዞ ተጋድሎ፡ጉዳይ ጭቆና ናይ ኣሕዋተይ ኣብ ግዜ ሰላም ክፍታሕ እዩ እናበለት ተጸሚማቶ ሓሊፋ እያ።ከም ኢራብ፡ልዕሊ ንቡር ኣብ ጸድፍን ህሮርማ ፀሓይን ዳህሪ ሾልቂን ጎያ፡ከምቲ ኢራብ ነዕይንቲ ማያት ትብህጎ፡ንሳ’ውን ንናጽነት ልዕሊ ፈልፋሊ ዓይኒ ማያት ጎያትሉ፡ደቢላትሉ፡ብድሆ ኢላትሉ እያ።

እዚ ኣብ ታሪኽ ረዚን ኽብሪ ዘጎናጸፈ፡ዕጹብ ድንቒ ፍጻሜ እዩ።ታሪኽ ግና ኣብ ሓደ ምዕራፍ ደው ዝብል ወይ መፈጸምታ ስለዘይብሉ፣ሓደ ምዕራፍ ሓሊፍካ ካልእ ምዕራፍ ክህልዎ ዝነበረን ዘሎን እዩ።በዚ’ዩ ኸኣ፡ ነቲ ዘይተወደ’ኣ ጉዕዞ ቓልሲ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ፡ ሎሚ’ውን ከም ትማሊ ነቲ ዘይተውሓሰ መሰለን ንምውሓስ ተሪረን ከም እምኒ-ዓረ ንሪመን ዝረማረማ ዘለዋ።

ገለ ገለ የዋሃት፡መሰልን ማዕርነትን ደቂ ኣንስትዮ፡ በቲ ዝተገብረ ቓልሲ ንናጽነት ተዛዚሙ እዩ ዝብል እምንቶን ርድ’ኢት ሒዞም ክትዕዘብ ዳርጋ ልሙድ ነገር ይከውን ኣሎ።መሰል ሰብ ብሓፈሻ ኣብ ዘይብሉ ባይታን ኩነታትን ኸኣ፡ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ንበይኑ ክረጋግጽ ይኽእል ድዩ፧

ጋዜጠኛ ኣማኑኤል ሳህለ፡ብዛዕባ መሰል ደቂ-ኣንስቲዮ ከተዕልሎ ወይ ክትሓቶ ከለካ ብዙሕ ሳዕ ፡ “መሰል ሰብ፡ መሰል ወዲ ኣዳም ኣብ ሓደ ሃገር ተተኸቢሩ፡መሰል ደቂ ኣንስትዮ ይኽበር ኣሎ ማለት እዩ።” ኢሉ ክዛረብ ትሰምዖ ኢካ።ንሱ ይብል፣ “ሓደ መንግስቲ ፍትሓዊ፡ደሞክራሲያዊ፡ንልዕልና ሕጊ ዝግዛእን ኣብ ቕርዑይ ምርጫ ዝ’ኣምን ተኮይኑ፡እቲ መሰልን ማዕርነትን ዜጋታት ይረጋገጽ እዩ፣ተዘይኮይኑ ንበይኑ ነጺልካ ምር’ኣዩን ምጉልሑን ብ’ኣንጻሩ ኣፈላላይ ኣብ ምፍጣር ናይ ባዕሉ እጃም ይሕልዎ እዩ።” ይብል።

“ሕብረተሰብ ኤርትራ፡ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዝነበሮ ኣረኣእያ ብትምህትን ንቕሓት ሕልናን እናተለወጠ ይከይድ ኣሎ።እቲ መንግስቲ ግና ከም ዝመሸ’ኦ ‘ዝማእመኦ’ ክገብሮ ከሎ፡እቲ ገለ ኣካል ሕብረተሰብ ሃጓፍ ይረኽብ፣እሞ እቶም ተበልጽቲ ነዚ ይጥቐምሉ እዮም ካብ ተመኽሮ ከም ዝረኣናዮ።” ኢሉ ትዕዝብቱ የካፍለካ እዩ።

ንግደ ሓቂ፡ ኣብ ቕርዑይን ስልጡንን ሕብረተስብን መንግስትንን መሰል ወዲ ሰብ ዝተውሓስን ዝተረጋገጸን ክከውን ትጽበዮ ነገር እዩ።በዚ ከኣ፡ጓልን ወድን፡ ጎይታን እምብይተን፡ዘመድ ሃፍታምን በዓል ስልጣን፡ድኻን በትኽን ኢሉ፡ ኣብ ዘይፈላለይ ሕብረተሰብ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ይወሓስ ዘብል ኩነታት ዝፍጠር ኮይኑ ኣይርከብ እዩ።እቲ ምንታይ-ሲ ዓንዲ ማእከል መሰልን ማዕርነትን ስለ ዝጋናጸፍ’ዩ።

እሞ ደኣ፡እቲ መንቐሊ ዛዕባና ኣብ ጉዳይ 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ዘድሃበ ጽሑፍ፡ነቲ ኣብ ማሕበራዊ መርበብ ሓበሬታ፡ ኣብ ቢሻ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ከም ኣዚዩ ምዕባለ ዘር’ኣየ ዝገልጽ ሓሳብ ዘበገሶ ቑንጩብ ላህመታዊ ርድ’ኢት ተኮልኪሉ ዝደረዐ እዩ።

ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ፋብሪካታት፣ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ኣብያተ ፍርዲ፣ኣብ ዉትህድርና፣ኮነ ኣብ ላዕለዋይ ስልጣን መንግስትን ካል’ኦት ወሰንቲ ኮረሻታት ስልጣን ቁጽረን ልዕሊ ደቂ ተባዕትዮ ኮይኑ እንተኮነ ዝህልው’ኦ ሃለዋት ከምዚ እንርእዮን እንዕዘቦን ዘለና ተኮይኑ ቑጽሪ ጥራሕ ምቑጻር ኣብዚ እቶ ዝበሃል ዓወት ኣይኮነን።ንፍትሕን ደሞክራን ኮነ ንመሰልን ማዕርነትን ይገልጽ እዩ ዘብል’ውን ፍጹም ኣይኮነን።

ከም ትዕዝብቲ፡ ኣብ ኣብዝሓ ብዝተፈላለዩ ጸሓፍትን ሃየስትን ኮነ ገጠምቲ ደቂ ኣንስትዮ ብፍላይ ኣዴታት ዑሉላት ደገፍቲ መንግስቲ ወይ ከኣ መራሒ ተገይረንን ይቑጸራ እየን።እዚ ቑኑዕ ኮይኑ ኣይረ’ኣየንን እዩ።ብጋህድን ብስቱርን ዝቃወማ ኣለዋ።ኢደን እግረን ኣኪበን ኮፍ ዝብላ ኣለዋ ፈጺመን ኣብ ምድጋፍ መንግስቲ ዘይርከባ።ግርም ኣስተምህሮ ንደቀን ዝምህራ ኣለዋ።ብቕኔ፡ብግጥሚ፡ብ’ኣሽሙርን ወዘተን ግቡኣን ዝገብራ ክንደይ ዝኮና ኣለዋ።ኩለን መሳርሕቲ እየን ናብ ዝብል ግጉይ ርድ’ኢት ኣይንብጻሕ ንምባል እዩ።

ኽንደይ ደቂ ኣንስትዮ፡ሓቂ ብምዝራበን ደሃየን ዝጠፍ’ኣ የለዋን ድየን፧ኽንደይ ብምቕዋመን ኣብ ፈቐዶ ዝተቐየዳ የለዋን ድየን፧ንደቀን ክጥንቐቑን ካብዚ ዓይነት ባርነት፡እግሮም ናብ ዝመርሖም ክከዱ ዝገበራ የለዋን ድየን፧ዝመጸ ይምጻእ ኢለን ግዳይ ዝኮና የለዋን ድየን፧

መንግስቲ ከምቲ ነቲ ተምሃራይ ሕጊ ዝነብረ፡ ኣብ 1996 ንመራሒ ሃገረ ኤርትራ ኢሳይያስ ወጣሪ ሕቶ ብምሕታቱ፡ግዳይ መቕተሊ ከምዝኮነ ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ።

እታ ሓውሲ ሕምምቲ-ኣእምሮ ትመስል፡ ኣብ ጎደናትት ትልምን ዝነበረት ጓን ኣንስተይቲ ሪሻን ተኮነ፡ “እዚ መንግስቲ 7 ዓመት እዩ ብሰላም ዝገዝእ፣7 ዓመት እዩ ከይተናወጸ ዝነበር።” ኢላ ትዛረብ ምንባራ ማንም ተቐማጢ ከተማ ኣስመራ ዝዝኽሮ እዩ።እንተኮነ ንሳ’ውን ሕምምቲ ኢሎም ኣይናሓፍዋን፡ ግዳይ ዕጫ ሞት በጺሕዋ እዩ።

በላዒ ኩናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስ መጸ ኣብ 7 ዓመቱ፡ኣብዝሓ ዓበይትን ኣዴታትን ርሻን እኮ ኣብ 1991፡ኣብ 1992፡ ኮነ ፍርቒ 1993 ከምዚ ኢላ ነይራ ተባሂሉ ይዝረበላ ምንባሩ ኣይትዝኽሩን ዲኩም፧ ኣስማተን ምግላጽ ንድሕነተን ኣብ ሽግር ዘውድቕ ከይከውን እምበር ኣለዋ እንዶ ብዙሓት ዋላ ሎሚ’ውን ዝምኽታ ወ ዝዛረባ ብድፍረት ተጻይ እቲ መንግስቲ።

እዚ ገለ ቕጽበታዊ ኣብነት እዩ እምበር ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኩሉ ገጠራትን ከተማታት ዝዛረባ፡ ዝቓወማን ኣብያ ዘርእያ እምብዛ ነይረን እየን ብ’ኣግባቡ መጽናዕቲ ተተገይሩ ነዚ ዘረጋግጽ ከምዝከውን ርእሰ-ርጉጽ እዩ።

ስለዚ፡ብገለ ገለ ኣዴታት ንኩለን ኢደን ኣይንስበረለን ወ ዉዕለተን ኣይረሳዓዮ ኢና ክብል እፈቱ።ደቂ-ኣንስትዮ ኣሽንባይ’ዶ ሕጂ ኣብ ደሓን ዝበሃል ብርኺ ንቕሓት ኮይነን እቲ ቐደም፡ቐደም’ውን ሻምላ ጽንዓት ተሓንጊጠን ከቢድ መስዋእቲ ኣብ ጎኒ ኣሕዋተን ከምዝኸፈላ ድርሳናት ታሪኽ ምውካስ እኹል እዩ።ንፍትሒ ይውዓል ይሕደር ኢደን ከም ዝዝርግሓ ኣየጠራጥርን እዩ።

ሪም ደቂ-ኣንስትዮ፡ከም እጃም ንስሪ፡ወትሩ ኣኽናፉ ዝሕደስ፡በዕይንቱ ካብ ኣዚዩ ርሑቕ ቦታ ዘቋምት፡ኣርሒቑ ንላዕላይ ሰማይ ዝበርር፡ዘይሕለልን ከቶ ዘይጸዓድን እዩ።ነዚ ክንሕብሕቦን ክንምዝምዞን ግና ግንዛበን ኣስተብህሎን ብልቢ የድልየና እዩ።

ይቕጽል…

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...