ስነ ጥበበኛ ፀጋይ በራኺ ኣብ ታሪክ ዘመናዊ ሙዚቃ ትግርኛ ናይ ባዕሉ ኣሰር ዝሓደገ ወይ ዘዕረፈ ህቡብ ስነ-ጥበባዊ ወከፍ ምዃኑ ብዙሓት ዝስማምዕሉ እዩ፡፡

ዘመናዊ ሙዚቃ ኣብ ምድረ-ሓበሻ /ኢትዮጵያን ኤርትራን/ ብምንታይ ተፀልዩ ዝብል በብዓይነቱ ሓሳባትን ክትዓትን ከምዘለዉ ዝፍለጥ እዩ፡፡ ገሊኦም ምስ ምትእትታው ጥልያን እዩ ዝብል ክኾኑ ከለው ገሊኦም ‘ውን ምስ ምምፃእ ኣርመናውያን እዩ ዝብሉ ኣለዉ፡፡

ብካልእ ሸነኽ ‘ውን ሙዚቃ ሱዳን እዩ ፀሊዎ ዝብሉ ክኾኑ ከለው፣ እቶም ገሊኦም’ውን እቲ ካብ ሬድዮ ጣብያ ቃኘው ዝፍነው ዝነበረ ደርፍታት ኢንግሊሽ ዓብይ ፅልዋ ከምዘሕደረ ዝምጉቱ ኣለዉ፡፡ እዚ ኸኣ ብፍላይ ንደርፍታት ትግርኛ ዓብይ ጽዕንቶ ከምዝገበረ ዝገልፁ እልቢ የብሎምን፡፡

ብዛዕባ ዘመናዊ ሙዚቃ ኣብ ምድረ-ሓበሻ ኣባል ጉጅለ ባህሊ ሮሃ ባንድ ዝነበረ ሙዚቀኛ ሰላም ስዩም ወ/ማርያም ፣ነቲ ኣብ 1987 መመረቒ ፅሑፉ ዝነበረ ናብ መፅሓፍ መልክዕ ንምልዋጡ ኣብ መጠነ-ሰፊሕ መፅናዕትን ምርምርን ተፀሚዱ ስለዘሎ ንሙሉእ መልሱ ኣብ ቀረባ እዋን ንረኽበሉ ንኸውን ኢና ዝብል ተስፋ ኣሎ፡፡

ናብ ጉዳይ ፀጋይ በራኺ ክንምለስ ከለና፣ኣብ ዘመናዊ ሙዚቃ ልዑል እጃሙ ከምዘበርከተ ካብ ማንም ዝስወር ኣይኮነን በዚ ኸኣ ብዙሓት ዝማዕምዕሉ ሓቂ እዩ፡፡

እዚ ኽበሃል ከሎ ግን ከምቲ ፀጋይ በራኺ ህቡብ ሙዚቀኛን ኩለመድያዊ ስነ ጥበባዊ ክነሱ ካብዚ ዓለም ቅድሚ 26 ዓመት ብሞት ካብ ዝፍለ ኣብ ማዕከናት ዜና ክንድቲ ዝድለይ ዘዕግብ ሸፈነ ረኺቡ እዩ ዘብል ፍፁም ኣይኮነን፡፡

ቅድሚ ሒደት ዓመታት፣ኣብ መሰኮት ቴሌቪዥን ኤርትራ ሓፂር ‘ዶኩመንተሪ’ ቀሪቡ ነይሩ እዩ፡፡ እዚ መደብ እዚ ክሳብ ክረምቲ 2015፣ኣብ መርበብ ሓበሬታ ‘YouTube’ ተለጢፉ ምንባሩ ኣድነቕቱን ተዓዘብቱን ይገልፁ እዮም፡፡

ፀጋይ በራኺ ኣብ 1989 ቅድሚ ፈተነ ዕልዋ-መንግስቲ ፣ኣብ 16 ግንቦት 1989 ዝተኻየደ ሓደ ሰሙን ይገብር ኣብ ሬድዮ ኢትዮጵያ ቃለ ምልልስ ኣካይዱ ምንባሩ ዝተፈላለዩ ሰብ ሞያ ሙዚቃን ፈለጥቱን ይዝክሩ እዮም፡፡

ፀጋይ መሳርሒ ሙዚቃ ከም እኒ ክራር ፡ ሊድ ጊታር ፡ ቤዝ ጊታር ፡ ኦርጋንን ቦክስ ጊታርን ዝፃወት ከምዝነበረ ይፍለጥ እዩ፡፡ ኣብ ምውሃድ ሙዚቃ ኾነ ግጥምን ዜማን ኣብ ምድራስ ገዚፍ ተራ ነይርዎ እዩ፡፡ ብተወሳኺ ‘ውን ኣብ ስነ ስእሊ ፅቡቕ ዕሊ ከም ዝነበሮ ናይ ቀረባ ቤተሰቡ ምስክርነቶም ይህቡ፡፡

ፀጋይ ኩለመዳያዊ ስነ ጥበበኛ ክብሉ ብዙሓት ተዓዘብቲ ዝገልፅዎ ክኾኑ ከለዉ ከምቲ ዝድለ ኣተኩሮ ዘይረኸበ ከም ምዃኑ መጠን ፡ ኣብዚ ሓድሽ ወለዶ  ብዙሕ ክፍለጥ ከም ዘይከኣለ ይእመን እዩ፡፡ ቅድሚ 4 ዓመት ምስ ድምፃዊ ኣብራር ዑስማን ኮነ ምስ ስነ-ጥበባዊ መምህር ተወልደ ረዳ ኣብ ዝተገብረ ግላዊ ዕላላት ንፀጋይ በራኺ ዝሰርሖም ስራሓውቲ ከም ዘይፈልጥዎም ኣውኪዖም እዮም፡፡

ኣብ መወዳእታ 2015 ከኣ፣ ብዛዕባ ፀጋይ በራኺ ኣብ ዝግበር ዝነበረ መስርሕ ምእካብ ሓበሬታ ግለ ሕይወቱ ፤ ከም እኒ ኣቶ ዳዊት ይፍሩ (ኣባል ሩሃ ባንድን ፕሬዚደንት ማሕበር ሙዚቀኛታት ኢትዮጰያ ) ፣ ስነ-ጥበባዊ ስዩም ኣለምሰገድ (ማስተር) ካልኦት ልዕሊ 30 ስነ ጥበበኛታት ብሉዕል አድናቆት ክዝክርዎ ከለዉ፣ ብኣንፃሩ ከም እኒ ድምፃዊ ፀሓየ ዮሓንስ ፣ ስነ-ጥበበኛ ኑዋይ ደበበ ንፀጋይ በራኺ ከምዘይፈልጥዎ ወይ ከምዘይዝክርዎ ገሊፆም እዮም።

ምፍላጥ ብዙሕ’ዩ ዓይነቱ ። ተፈላጥነት’ውን ብዙሕ እዩ ትርጉሙ። ትግርኛ ሙዚቃ ኣይኮነን ትግርኛ ቋንቋ ንባዕሉ ናይ ዑፍ ቋንቋ ተባሂሉ መጠነ ገዚፍ ወፍሪ ፅዕንቶ ዝግበረሉ ወቅቲ ምስ ምንባሩ ኣተሓሒዝካ ገለ ሳዕቤን ክህልዎ ንቡር እዩ። ብተወሳኺ’ውን ስሞም ክጎልሕ ዝግበር ዝነበረ ስነ ጥበባውያን በዓል መን ምኳኖም ናይ ትማሊ ተዘክሮ እዩ።

ፀጋይ፦ ኣብ ኣዲስ አበባ ካብ 1981 ዓ/ም ክሳብ 1989 ዓ/ም ኮይኑ ሙዚቃ ይፃወት ፣ ኣብ ዓንኬል ፅላት ስነ-ጥበብ ይነጥፍ ምንባሩ ማህደር ታሪኹ ዝምስክሮ እዩ። ኣብ መወዳእታ ሰማንያታት ምስ ኪሮስ ኣለማዮህ ኮነ ምስ ሮሃ ባንድ ብምዃን ንከተማ ኣሰመራን ካልኦት ከተማታትን ሙዚቃዊ ምርኢት ኣርእዩ ምንባሩ ብዙሓት ትዝታታቶም ይገልፁ እዮም። ብዘይካ’ዚ ተክለ ተስፋዝጊ ኣብ 1987 ዓ/ም ክረምቲ ካብዛ ዓለም ብሞት ካብ ዝፍለይ ንደሓር ኣብ እስትድዮ እንዳ ተክለ ተስፋዝጊ ብምዃን ንስነ-ጥበባዊ ኪሮስ ኣለማዮ ፣ ተኸስተ ሰለሞን ፣ሓጎስ ገ/ሕይወት ፣ሶፍያ ኣፅብሃን ካልኦትን ኣብ ካሴቶም (ኣልበሞም) ብጊታር ክዕጅቦም ተመራፂ ሙዚቀኛ ምንባሩ ዳርጋ ኹሎም ስነ-ጥበባውያን ናይቲ እዋን ኣብ ዝትፈላለየ እዋናትን መድረኻትን ምስክርነቶም ሂቦሙሉ እዮም።

ካልኦት’ውን ምስ ወናም ሙዚቀኛን ድምፃውን ፀጋይ በራኺ ንክሰርሑ መደብ ከምዝንበሮም ሓቢሮም እዮም። ንኣብነት - ድምፃዊ ጌታቸው ስሑል ሓደ እዩ።

ሃንድበታዊ ሞቱ ንቡዙሓት ኣፍቀርቲ ሙዚቃ ሚሒር ኣሰንቢዱ እዩ’። ንሙዚቃ ትግርኛ’ውን ዓቢ ሃሰያ ከምዘንበረሉ ብዙሓት ሰብ ሞያ ሙዙቃ ይዛረቡ እዮም።

ፀጋይ በራኺ ተክለ ድምፁ ኣብ ንኡስ ዕድሚኡ እኳ ተተቖፀየ፣ ልዕሊ 35 ደርፍታት ኣፍሪዩ እዩ። ኣብ ግጥምን ዜማን ዝነበሮ ናይ ድርሰት ዕሊ ክእለት ዘመስከረ ህያው ስራሕቱ እዩ። ነፍስሄር ፀጋይ በራኺ ብዙሓት ንጊታር የዛርባ ምንባሩ ኣፎም መሊኦም ይዛረቡ እዮም። ነዚ ዝምስክሩ ብርክት ዝበሉ እኳ እንተኾኑ ንሕጂ ንገለ ክገልፅ። ድምፃዊ ኣብርሃም ባይረ ፣ ሶፍያ ኣፅብሃ ፣ ስዩም ኣለምሰገድ  ኮነ ስነ-ጥበባዊ ዳኒኤል ኣማን ይርከብዎም።

ፀጋይ ፦ ኣብ ግዜ ደርጊ  ካሴት ምሕታም ደው ኢልዎ ኣብዝነበረ እዋን ካብቶም ብቀዳምነት ካሴት ዝዘርግሑ ሓደ እዩ። ክብል ስነ ጥበባዊ ታረቀ ተስፋሂወት ተዘክሮኡ ይገልፅ።

ክቡራት ኣንበብቲ ኣብዛ ቀዳመይቲ ክፋል ፅሕፍቲ ፣ ድምፃዊ ኣክሊሉ ፎቶ (ተፎኖ) ኣብ ጉዳይ ፀጋይ በራኺ ኣድሂቡ ዝበሎ ፅሒፈ ክፍለየኩም።

“ንፀጋይ ኣብ ሕወተይ ሪኤዮ ኣይፈልጥን እየ ። ብሓባር ተፃዊትና ኣይንፈልጥን ኢና ሙዚቃ እንተኾነ ንደርፍታቱ ንኹሎም ይፈትዎም እየ። እንተላይ ቴክኒክ ድምፁ’ውን ይፈትዎ እየ። ፀጋይ ዓቢ ስነ-ጥበባዊ እዩ”

እሞ ክቡራት ኣንበብቲ ንስኹም’ውን ተዘክሮታትኹምን ምስክርነትኩም ኣብ ጉዳይ ፀጋይ በራኺ ክትህቡና ብተስፋ ይጽበ።   


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...