ኩነታት ቅድሚ እዚ ናይ ዕርቅን ምስምማዕን ክስተት እንታይ ነበረ?

ወተሃደራዊ ናይ ኪዳን ሓይልታት ኣንጻር ምስ ናዚ ጀርመንን ሃጸያዊት ጃፓንን ዝተሻረኸ ናይ ሙሶሊኒ መንግስቲ መቐጸልታ መጥቃዕቲ ካልኣይ ኩናት ዓለም ኣብ ኣውሮጳ ከይተደረተ ጥልያን ኣብ ዘዘለዉሉ ክጥቅዑ ተመደበ። እንግሊዝ ካብታ ሽዑ እትገዝኣ ዝነበረት ሱዳን ንኤርትራ ከም መእተዊ መግዛእቲ ጥልያን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብምጥቃም ኣብ መሬት ኤርትራ ተዋግአ። ኣብዚ ዝተኻየደ ውግኣት ምስ ሃይለ ስላሰ ድሮ ዝምድና መስሪቱ ዝነበረ እንግሊዝ ነቶም ነበርቲ ኤርትራ ጻዊዒት ገበረሎም። እዚ ድማ ከምዚ ዝስዕበ ነበረ “ካብ ጥልያን ወይ ናብ ኢትዮጵያዊ ሓይሊ ሃይለሰላሰ ወይ ናብ እንግሊዝ እተዉ” ዝብል ኮይኑ ነዚ መልእኽቲ ዝሓዘ ወረቓቕቲ ብኣየር በተነ። ኣብዚ ብጂ. እል. ስትየር ዝበሃል እንግሊዛዊ ዝተመርሐ ጻዊዒት ነቶም ቀንዲ ሕመረት ሓይሊ ጥልያን ዝነበሩ፣ ናይ ነዊሕ ዓመታት ኣብ ዕስክርና ትሪቦሊን ኢትዮጵያ ዝኾኑ ዓሳክር ኤርትራውያን ዘድሃበ ነበረ። እዚ ካብ ወረቓቕቲ ምድርባይ ሓሊፉ ካልእ እካ እንተዘይገበረ፣ ኣብቶም ትሕቲ መግዛእቲ ጥልያን ብፍላይ ግሁድ ዓሌትነት ዘተግበሩ ፋሽስታውያን ዝዓስከሩ ኤርትራውያን ግን ስማዒ እዝኒ ረኸበ።

ስለዚ ካብ ሕዳር 1940 ክሳብ የካቲት 1941 ብኣማኢት ዝቑጸሩ ዓሳክር ንናይ ጥልያን ሰራዊት ገደፍዎ። ኣብዚ ብናይ ልዑላዊ ሓይሊ ኣየር እንግሊዝ ናብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተዘርገሐ ኣስታት ዕስራ ዓይነት ዝኾነ “ባንደራችን” ዝስሙ ወረቓቕቲ ክልተ ጥራሕ ንኤርትራ ዝምልከት ነበረ። እቲ ሓደ ናይ ሃጸይ ሃይለ ስላሴ ማሕተም ዘለዎ ኾይኑ “ንንጉስካን ናይ ገዛእ ርእስኻ ባንዴራ ተቓለስ” ክብል ከሎ እቲ ካልኣይ ድማ እቲ መጀመርታ ካብ መንግስቲ ኃይለ ሥላሴ ዝወጸ ኣዋጅ ኮይኑ ነቶም ኩሎም ናይ ኤርትራ ብሔራት ዝድሃበን ምስ ኢትዮጵያውያን ኣሕዋቶም ኮይኖም ክቃለሱ ይጽውዕ። ከምኡ እውን “ካብ መሳርሒ ናይ ጥልያን ካብ ምኻን ኣንጻር ኣደኦም ኢትዮጵያ ንኸይዋግኡ” ዝብል ነበረ (1)። ቃል ብቓል ናይዚ ኣዋጅ ብእንግሊዝ ኣብ ታሕቲ ይርከብ።

ድሕሪ ስዕረት ጥልያን ኤርትራ ኣብ ወተሃደራዊ መግዛእቲ እንግሊዝ 1941-1952

ምቓም ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ኤርትራ (Mahber Fikri Hager Ertra)

ሓይልታት ኪዳን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብመሪሕነት እንግሊዝ ውግእ ኣንጻር ጥልያን ብሚያዝያ 1941 ኣብ ኤርትራ ተፈጸመ። እንግሊዝ ድማ ብሓደ ጸቢብ ናይ ሰብ ቁጽርን ትሑት ፊናንስያዊ ትሕዝቶን ንኤርትራ ከመሓድራ ጀመረ። ብግንቦት 1941 ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ምሁራትን ፍሉጣትን ኤርትራውያን ናይ መጻኢ ዕድል ሃገር መዓልቱ በጺሑ ምህላዉ ተገንዚቦም ናይ ማሕበራዊ ጉዳይ መተኣኻኸቢ ዝኸውን “ማሕበር ፍቅሪ ሃገር ኤርትራ” (Association of Love of Country) (Mahber Frikre Hager Ertra, MFHE) መስረቱ። እዚ ማሕበር እዚ ካብ ከበሳን መታሕትን ኣስመራን ቀይሕ ባሕርን ዝውክሉ ሰባት ነበርዋ። ዕላማ ናይዚ ማሕበር ሕጅን ብዘይ ቅድመ ኩነት ምስ ኢትዮጵያ ምሕባር ዝብል ነበረ። ኣብዚ ናይ 1941 ፍጻሜ ድማ ኣባላት ማሕበር ፍቕሪ ሃገር መራሕቶም፤ ንፊተውራሪ ገብረመስቀል ወልዱ ፕረሲደንት፣ ንሸይኽ ዓብደል ቃድር ከቢረ ምክትል ፕረሲደንት፣ ንፊተውራሪ ሓረጎት ኣባይ ድማ ዋና ጸሓፊ መረጹ።

 ፊተውራሪ ገብረመስቀል ወልዱ። ናይ ሽይኽ ዓብደልቃዲር ከቢረ ስእሊን ናይ ፊተውራሪ ሓረጎት ኣባይ። 

 

ኣብዚ ናይ ግንቦት 5 1941 ዝተኻየደ ኩነት፤ ኢትዮጵያ ሽዑ ሽዑ ካብ ጥልያን ሓራ ወጺኣን ሃይለ ስላሰ ድማ ካብ ስደት ብሓገዝ እንግሊዝ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተወሉ ዕለት እዩ ኔሩ። ስለዚ ድማ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ምምስራት ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ናይ ኢትዮጵያ ኢድ ኣታውነት ከምዘይነበረ እዩ ዘርኢ።

እቶም ነዚ ማሕበር ክመርሕዎ ዝተመርጹ ካብ ልሙድ ሹማምንትን መራሕትን ፍልይ ዝበሉ ነበሩ። ሓደስትን ካብ ሓደ ዓይነት ደርቢ ማለት ካብቲ ልሙድ መሪሕነት ዘይኮኑ ብግዜ ጥልያን ዝተማህሩን ኣብ ንግድን ኣብያተ ትምህርትን ኣብያተ ጽሕፈታትን ተመክሮ ዝነበሮም ኤርትራውያን ስለዝኾኑ። ኣብቲ ኣባልነት እውን ነዚ ዘንጸባርቕ ነበረ።

ፊተውራሪ ገብረመስቀል ወልዱ ኣብ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያንን ከረንን ኣብ ሱዳንን ሮማን ዝተማህሩ ነበሩ። ብግዜ ጥልያን ኣብ ኮሚሳሪዮ ተቖጺሮም ጸኒሖም እንግሊዝ ምስኣተወ እውን ኣብ ተመሳሳሊ ቦታ ይሰርሑ ነበሩ። ብዙሕ ቃንቃታት ዝፈልጡን ኣብ ጋዜጣታት ብግዕዝ እናጠቐሱ ትግርኛ ጹሕፋት የውጽኡ ነበሩ። ድሕሪ እቲ ማ.ፍ.ሃ. ናብ ሕብረት ምልዋጣ ካብ ውሽጢ ማሕበር እታ ሓንቲ ንእሽቶ ታሪኽ ናይ ማሕበር ኣንድነት ዝጸሓፉ ንሶም ጥራይ እዮም። 

In October 1948, the former president of UP, Gebremeskel Weldu wrote a short history of the UP where he dealt with the precise date for the formation of the UP and the unconditional union with Ethiopia as its objective. See Ethiopia, no. 79 (31.10.1948). From The Federal Experience, by Tekeste Negash.

ከምኡ እውን ምክትል ፕረሲደንት ማሕበር ፍቕሪ ሃገር፣ ሸይኽ ዓብደል ቃድር ከቢረ ኣብ ፈርድናንዶ ማርቲኒ ቤት ትምህርቲ ዝተማህረን ክሳብ 7 ቃንቃታት ዝኽእልን ኣብ ናይ ኢጣልያ ቆንስል ቤት ጽሕፈት ኣብ የመን ዝሰርሕ ዝነበረ። ብኣዝዩ ልዑል ክእለት ቃንቓታትን ካልእን ክሳብ ኣብ ናይ የመን ዲፕሎማሲያዊ ክቢ ፍሉጥ ነበር። ሕሉፍ ሓሊፉ ኣብ መንጎ ስዑድያን የመንን ብዛዕባ ናይ ዶብ ጉዳይ ዘይምስምማዕ ተዋሳኣይ ነበረ። ኣብዚ ጉዳይ እዚ ምስ ልዑል ድሓር ንጉስ ፊይሳል ቢን ዓብዱዓዚዝ ተራኸበን ተመሓዘየን። ንጉስ ንከቢረ “እቲ መሰዊዕን” ማለት ወዲ ምጽዋዕ ኢሉ ይጽውዖ ኔሩ። ታሪኽ ህይወቶም።

ካብ እዚኣቶም መራሕቲ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ብትውልድን ልምድን ኣብ መሪሕነት ዝውለዱ ዝነበሩ ፊተውራሪ ሓረጎት ኣባይ ነበሩ።

ታሪኽ ናይዚ ማሕበር እዚ ኣብ ፈደራላዊ ተመክሮ ዝብል ናይ ተኸስተ ነጋሽ መጽሓፉ ምውካስ የድሊ። ከምኡ እውን ታሪኽ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ኣብ ሰሙናዊ ዜና ኤርትራ ቁ. 227 (9.1.47)ን ጋዜጣ ኢትዮጵያ ቁ.103 (17.4.49)ን ረአ።

 

ካብ 1941 ክሳብ 1946 ማለት ምእታው ወተሃደራዊ ምምሕዳር እንግሊዝ ኣብ ኤርትራ ኣባልነትን ተፈላጥነትን ናይዚ ማሕበር እናበዝሐ ክኽይድ እንከሎ እቲ ርእይቶ ናይ ኣባላት ግን ኣብ ክልተ ተኸፍለ። እዚ ማለት ግን ከምቲ ናይ ሽዑ ጽሑፋት ጋዜጣ ሓንቲ ኤርትራ ዘርእዮ ብግልጺ ዝካየድ ክትዓትን ስነ ስርዓት ዘለዎ ናይ እንካን ሃባን መልስታት ዝሰነቐ ፍልልያት ነበረ። እቲ ሓደ ክፋል ሓደ ዓይነት “ዝምድና” ምስ ኢትዮጵያ ዝብል ብፊተ. ገብረመስቀል ወልዱ ክምራሕ እንከሎ እቲ ካልኣይ ድማ “ምፍላይ” ካብ ኤርትራ ዝብል ብኣቶ ዓብደልቃድ ከቢረ ዝምራሕ ነበረ።

እቲ ብሓደ ኤርትራዊ ተባሂሉ ብእንግሊዝ ኣብ ጋዜጣ ንኤርትራ ናብ ክልተ ምፍላይ መደብ ከም ኣማራጺ ዘቕርብ ጽሑፍ ምስወጸ፣ እቲ ፍልልያት ወግዓዊን ኣብ ክትዕን ወረደ። ፊተውራሪ ገብረመስቀል ወልዱ ንናይ መታሕት ምፍላይ ኣዝዮም ብምቅዋም ተሪር ጽሑፍ ከውጽእ እንከለዉ ግን ከም ምርጫ ምስ ኢትዮጵያ ከም ሓደ ሃገር ምሕባር ከምዝመርጹ ኣፍለጡ። ደግያት ኣብርሃ ተሰማ ብግደኦም ንሓደነት ኤርትራ ከምዘለዎ ኮይኑ ግን ምስ ኢትዮጵያ ምሕባር ሓደ ካብ ኣዝዩ ኣሉታውን ንሕሉፍ ታሪኽ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ኣብ ግምት ዘይእቱ ምኻኑን ብቃንቃን ባህልን ካልእን ድማ መኮንንናት ሓለፍቲ ኣምሓራ ብላዕሊ ከምዝኾኑን እንተወሓደ ወደባት ዘለዋ ኤርትራ ምስ ትግራይ ብሓባር ናይ ምንባር ተኽእሎ ከምዘሎ ኣመቱ። እቲ ናይ ትግራይ ትግርኚ ኣምር ኣብዚ መጸአ።

በዚ ኢሉ በቲ እቲ ፍልልያት ስለዝተጎሃሃረ መሪሕነት ኣባላት ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ከም ሓደ ንኤርትራ ዝሓሊ ማሕበር ኮይኑ ንክኸይድ እዩ እቲ ናይ 12 ነጥቢ ስምምዕ ዝተበጽሐ።

ኣብዚ መፈለምታ ታሪኽ ናይዚ ማሕበር ብዙሕ ዝነግር ዝርዝር ሓበረታ የልቦን።

እቲ ብ1940ታት ዝሕብር ታሪኽ ኣብ ጽሑፋትን ጋዜጣታት ናይቲ እዋን ከምዝገልጾ፣ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ብዘይ ናይ ኢትዮጵያ ኢድ ኣታውነት ንነዊሕ ከይዱ ነበረ። ማለት ክሳብ 1946 ናይ ዋዕላ ጉዳይ ክሳብ ዝለዓልን እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ብኩሉ መዳይ ስምምዕ ኣብ ምብጻሕን ዘምርሕ ፋና ክሳብ ዝረአ ማለት እዩ። ኢትዮጵያ ንባዕላ ኣብቲ እዋን ካብ ናይ ጥልያን ምውጻእን ንሃጸይ ሃይለ ስላሴ ካብ ስደት ኣብ ሱዳንን ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ስልጣን ናይ ምምላስ ጉዳይ ዓዚዝዋ ስለዝነበረ እውን እዩ።

ናይዚ ፍልልያት እዚ ኣብ ጥርዚ ክበጽሕን ናብ ሓደ ዓይነታዊ ለውጢ ክሰግር ዝደረኾ ኩነታት መጸ። (Jordan Gebremedhin)

1)        ብመጋቢት 1946 ኢትዮጵያ ንኮሎነል ነጋ ሃይለ ስላሴ (ሰብኣይ ጋሎም ንጃንሆይ ድኣምበር ወዶም ኣይኮነን) ከም ለይዞን ኦፊሰር ኣብ ኤርትራ ሸመቶ። እዚ መንእሰይ ኣስታት 20ን ገለን ይኸውን ኔሩ ዕድሚኡ ምስ ሓደ ጸሓፋይ ኣብ ኣስመራ ቤት ጽሕፈት ከፈተ።

2)      ብነሓሰ 1946 ኣብ መንጎ ጽንዓደገለን ቶርዓን ናይ መሬትን ማይን ጉዳይ ኣብ ረጽሚ ኣትዩ 11 ቶርዓ ክሞቱ እንከለዉ፡ 40 ቆሲሎም። ካብቶም ክርስትያን ድማ 3 ሞይቶም። ኢትዮጵያ ነዚ ከም ናይ ሃይማኖት ጉዳይ ኮይኑ ከምዝረአ ክትገብር ፈቲና።

3)      ብ28 ነሓሰ 1946 ኣብ ኣባ ሻውል ሓደ ኤርትራዊ “ክርስትያን” መንእሰይ ንሓደ ካብቶም ናይ መንግስቲ እንግሊዝ ካብ ሱዳን ዝመጹ ወተሃደራት ኣብ ናይ ካርታ ጸወታ ተባኢሶም፣ ሓደ ወተሃደር ሱዳን ሞይቱ። ናይዚ ሕነ ሕነ 70 ዝኾኑ ወተሃደራት ሱዳን ንኣስመራ ብምእታው ኣብ ቅድሚኦም ዝጸንሐ ኤርትራዊ ብፍላይ ኣብቲ ናይ “ክርስትያን” ዝቕመጡሉ ቦታ ሰብ ምቕታል ጀመሩ። እቲ ጉዳይ ምስሃድአ ኣስታት 46 ዝኾኑ ሞይቶም፣ ገለ 70 ዝኾኑ ድማ ቆሲሎም። ኣብዚ ናይ ኢትዮጵያ ወኪል ኮለ. ነጋ ነዚ ከም ናይ ክርስትያንን ኣስላምን ረጽሚ ጌሩ ከርእዮ ፈቲኑ። ግንክ ኣይሰለጦን። ኣብዚ ታሪኻዊ ናይ 3 መዓልቲ ሓዘን ኣብ መላእ ኤርትራ ተጌሩ። ጋዜጣ ሰሙናዊ ዜና ኤርትራ ድማ ብናይ ክልቲኡ ሃይማኖታት ናይ ሓዘን መግለጺ ኣውጽአ። ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያምን ኣቶ ኢብራሂም ሱልጣን ዝመርሕዎ ጉጅለ ብሓደ ተኣኪቦም፤ ብሓባር መግቢ ናይ ክልቲኦም ከይበሉ በሊዖም። በዚ ድማ እቲ ርእይቶ ናይ ሃይማኖታዊ ግርጭት ከምዘይኮነ ኣብሪሆምን ብድሕሪኡ ድማ እቲ “ኣይንፈላለ”ን ዝብል መልእኽቲ ሕዝቢ ኤርትራ ናብ ዜጋታቱ ካብ መታሕት ይኹን ካብ ከበሳ ተመሓላሊፉ።

4)      ስምምዕ ፓሪስ ድሕሪ ስዕረት ናይ ኣክሲስ ሓይልታት። ኣብዚ ታሪኻዊ ስምምዕ፣ ናይ ኪዳን ሓይልታትን ናይተን ዝተሳዕራ ሃገራት ዝነበራ ግዝኣታት እንታይ ይኹና ዝብል ሕቶ ንምምላስ ዝተገብረ ስምምዕ ኢዩ። ኣብዚ ኣብ ትሕቲ ናይ ጥልያን ግዝኣት ዝነበሩ ኣህዛብ ብዛዕባ ናይ መጻኢ ዕድሎም ምርጫ ክውሃቦም ምኻኑ ተነገረ። ድሕሪ እዚ ድማ እዩ ወተሃደራዊ ምምሕዳር እንግሊዝ ኣብ ኤርትራ ምቓም ሰልፍታት ዘፍቀደ። ስለዚ ነዚ ብምጥቃም እታ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ኤርትራ ቅድም ብዘይ ወግዒ ድሕሪ እዚ ግን ብወግዒ ስራሓ ቀጺላ። እቲ ዝፍቀድ ናይ ሰልፊ መሰል ብምጥቃም ድማ ንድሕነት ሃገርን ንፍልልያት ብሰላም ምፍታሕን ክትጽዕር ምእንቲ ናብ ሓደ ሃገራዊ ዋዕላ ምክያድ ከም ሓሳብ ኣምጸአቶ።

5)      ኣብ መስከረም 1946 ዝተኻየደ ናይ ረጽሚ ኣንጻር ናይቶም “ምፍላይ” ካብ ኢትዮጵያ ዝብሉ ዝነበሩ ዜጋታት እናነሃረ ስለዝኸደ እቲ ወጥሪ እናዓበየ ከይከይድ ምእንቲ ኣብ ናይ ሰላምን ዘተን ብምክያድ እቲ ጉዳይ ዝሃድኣሉ ኩነት ንምፍጣር። 

ሓደ ናይ መንግስቲ እንግሊዝ ኣብቲ እዋን እቲ ዝገብሮ ዝነበረ ናይ ገዛእ ግዝኣቱ ኣብ ትሕቲ ሓደ ናይ “ሓባር ሃብቲ” (Commonwealth of Nations) ብምባል ንግዝኣት ኣውስትራልያ፣ ካናዳን፣ ደቡብ ኣፍሪቃን መጻኢ ኣብ ምትግባር ስለዝነበረ፤ እዞም ተኣከብቲ ናይ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ድማ ነዚ ዓይነት ሓሳብ ብ”የዋህነት” ሪእዮሞ ይብል ጆርዳን ገብረመድህን። ምኽንያቱ እዞኦም ናይ ጸዓዱ ግዝኣታት ድኣ እምበር ናይ ጸሊም ኣፍሪቃ ግዝኣታት ዝምልከት መፍትሒ ኣይነበረን። እንግሊዝ ኣብቲ እዋን እቲ ካብ ጋና ጋምብያን ዝኣመሰላ ሃገራት ጌና ኣይወጸአትን እያ ኔራ።

ንካናዳን ንኣውስትራልያን ንደቡብ ኣፍሪቃን ዝተገብረ “ርእሰ ምምሕዳር” ኮይኑ ኣብ ኣህጉራዊ ጉዳያት ድማ ኣብ ትሕቲ ጽላል እንግሊዝ ከምዝኾና እዩ ተጌሩ። እዚኦም ኤርትራውያን ኣቦታት ነዚ ከም ኣብነት ብምውሳዶም፣ እቶም ኤርትራውያን ክሳብ ክንደይ ርእሰ ተኣማንነትን ንገዛእ ርእሶም ከም ነጻ ሰባት ሓሲቦም ምንባሮም የርኢ። ግንከ እቲ ኣብ ካልእ ሃገራት ማለት እዘን ዝተጠቕሳ ካናዳን ኣውስትራልያን ድቡብ ኣፍሪቃን ናይ ጸዓዱ ስርዓታት ከምዝነበራ ፈጺሞም ዘስተብሃሉሉ ኣይመስልን።

ብተውሳኺ እቲ ቀንዲ ነዘን ሃገራት ምስ እንግሊዝ ተሰማሚዐን ስመን ኣብ ክንዲ ግዝኣታት ማለት ካብ ኮሎኒ ናብ ዶሚኒዮን - ርእሰ ምሓደራ - ክካትዐን ክዕወታን ዝገበረን ሓደ ናይ ገዛእ ርእሰን ቁጠባውን ፖለቲካውን ሓይሊ ክህልወን እንከሎ ካልኣይ ድማ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ኣዝየን ርሑቓት ስለዝነበራ እዩ። እንግሊዝ ኣብቲ እዋን እቲ ከምቲ ናይ 1776 ነጻነት ናይ ኣሜሪካ ዝመስል ጌራ ጽልውኣ ከተርሕቕ ኣይደለየንት። ስለዚ እዚ ንግዝኣታት እንግሊዝ ሓደ መፍትሒ ኮይኑ ማለት እዩ።

ብተውሳኺ እንግሊዝ ኣብቲ እዋን እቲ፣ ማለት እታ ዝዓበየት ናይ ኮሎኒ ሓይሊ ከምዚ ዓይነት ናይ ምሕድራ ስልጣን፣ ንኤርትራውያን ማለት “ጸለምትን ድሑራትን” ተባሂሎም ዝእመነሎም ተገዛእቲ ሕዝቢ ንክትህብ ፈጺማ ኣይትሓስቦን ኔራ። እቶም ነዚ ስርዓታ ኣብ ግብሪ ዘተግብሩ ኦፊሰራት እንግሊዝ ድማ ነዚ ኣብ ተመክሮኦም ምስ ሕዝቢ ኤርትራ ዝገልጽ ድሕሪ እቲ ጉዳይ ኣብ ጽሑፍ ኣቐሚጦም።  ማለት እቲ ንሶም ዝሓስብዎ ካልእ እቶም ኤርትራውያን ድማ ንነጻነት ናይ ሓሳባትን ሃገር ኣብ ምትካልን ዝርእይዎ ካልእ ኮይኑ ናይዞም ክልቲኦም ምፍጣጥን ናይ ኢትዮጵያ ህላወን ኣብ ባይታ ንኽዋስኡ ዝገብር ክስተት ኣብ ባይታ ወረደ።

ምድላው ዋዕላ ቤት ጊዮርጊስ።

12 ነጥቢ ዝሓዘ ስምምዕ ከምተበጽሐ

ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ኤርትራ ነዚ ካብ ናቶም ኣዝዩ ዝረሓቐ ታሪኻዊ ተርእዮ እዚ ዘስተብሃሉሉ ኣይመሰልን። ኣብቲ እዋን እቲ ዝካየድ ዝነበረ ክትዓት መሰረት ብምግባር ኣቶ ወልደኣብን ፊተውራሪ ገብረመስቀልን ነተን ክልተ ዝምባለታት ዘካትዕን ዝዓርቕን ናይ መፈለምታ መካትዒ ዝኸውን 12 ነጥቢ ዝሓዘ ስምምዕ ጸሓፉ። ኣብዚ እቲ ስምምዕ፣ ኢትዮጵያ ንርእሰ ምምሕዳር ኤርትራ ብወግዒ ክትፈልጥ፤ ምስኡ ዝመጽእ ደሞክራሲያዊ መሰላት ማለት ከም ናይ ጽሑፍን ርእይቶም ናይ ምሃብ መሰል፤ ናይ መራኽቢ ብዙሓንን ናይ ቃንቃን ናይ ሃይማኖትን ከምኡ እውን ሰልፍታት ናይ ምቓም መስላት ክትሑሉ ዝብል ነበረ።

እቲ  ናይ መወዳእታ ጽሑፍ ናይ ምቕራብ ዕድል ነቶም ናይ “ምፍላይ” ወይ ነጻ ኤርትራ ዝብሉ እዩ ተዋሂቡ። ምኽንያቱ ዋዕላ ቤት ጊዮርጊስ ንምትግባር ዝተጻውትዎ ተራ ማለት ብፍላይ ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም ኣብ ግምት ብምእታው ብስምምዕ ዝተዋህበ ንጥፈት ነበረ። ከምዚ ኢሉ እንከሎ ፊተ. ገብረመስቀል ወልዱ ድማ ወግዓዊ ወኪልን ኣቦ መንበር ናይቲ ዋዕላ ኮኑ።

ስለዚ ነቲ ውዱእ 12 ነጥብታት ዝሓዘ ስምምዕ ፊተ. ገብረመስቀል ወልዱ ንወተሃደራዊ ግዝኣት እንግሊዝ ቅዳሕ ሃብዎ። ብተወሳኺ ነዚ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ዝያዳ ኣባላት ዘለውዎ ኣኼባ ኣብ ቤት ጊዮርጊስ ክካይድ ምእንቲ ወግዓዊ ፍቓድ ረኸቡ። ነዚ መሰረት ብምግባር ድማ ብሕዳር 16 ክሳብ 23፡ 1946 እቲ ዋዕላ ኣብ ቤት ጊዮግሪስ ክካየድ ምኻኑ ተፈልጠ።

ርእይቶ መንግስቲ እንግሊዝ ኣብዚ ሓድሽ ናይ ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ምዕባለ።

መንግስቲ እንግሊዝ በቲ ቀንዲ ኣማሓዳሪኡ ሎንግሪግ ዘርኣዮ መልሰ ግብሪ ናይዚ ጉዳይ ነዚ ሃገራውን ኣፍሪቃውን ስሚዒት ናብ ኢትዮጵያ ስለዘበለ ቀስ ብቐስ ክዓብን ካብ ማሕበር ኣብ ኣስመራ ጥራሕ ናብ ገጠራት ክኸይድን ክሰፍሕን ስለዝኽእል ብኣጋኡ መፍትሒ ምድላይ ኣበለ። ስለዚ እቲ ቀንዲ ኩናት ኣንጻር ሙሶሊኒ ኣብ ኣውሮጳ ከይተወድአ እንከሎ መግዝእታዊ ዶብ ዳግመ ምሕንጻጽ ክግበረሉ ዝብል ርእይቶታት ክቐርብ ጀመረ። 1ይ፡ እቲ ትግርኛ ዝዛረብ ኣካል ምስ ኢትዮጵያ ክሕወስ ፤ 2ይ ናይ ዓባይ ሶማል ምሕንጻጽ። ብ1943 ግን ወተሃደራዊ ኣማሓዳሪ ሎንግሪግ ብዝያዳ እታ ሃገር ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኣንግሎ ኢጅፕት ሱዳን ክትምቀል ዝብል ርእይቶ ናብ ኣሕሉቑ ክጽሕፍ ጀመረ። እዞም ነዚ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ዝመስረቱ ፍሉጣት ደቂ ኤርትራ ልዑል ሃገራዊ ስሚዒት ከምዝነበሮምን፣ ምስ ናይ እንግሊዝ ኣገዛዝኣ ዘይምሕጋሶምን፣ ከምኡ እውን ኣብ ሃይለ ስላሰ ዝገብረሎም ዝነበረ  ናይ ርእሰ ምምሕያሽ መብጽዓታት ኣዝዩ ይጸልዎም ከምዝነበረ ሎንግሪግ ዝተረድኦ ይመስል። እንግሊዛውያን እዚ ናይ ኣንጻር ጸዓዱን ኣንጻር ወጻእተኛታትን ስሚዒት ዝሓቆፈ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ኣዝዩ ኣስገኦም። ድሕሪ ወግዓዊ ስዕረት ጥልያን ብ1945 ድማ እዚ ናይ ኤርትራ ኩነት ቀንዲ ጉዳይ ኮነ።

 

ቁጠባ ኤርትራ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ወተሃደራዊ ምምሕዳር እንግሊዝ።

ቁጠባ ኤርትራ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ወተሃደራዊ ምምሕዳር እንግሊዝ ካብቲ ዝነበሮ ኣዝዩ ርኡይ ምልውዋጥ ተገበረሉ። ክሳብ ኣቲ ኩናት ብ1945 ዝውዳእ፣ ኣመሪካን እንግሊዝን፣ ናይ ጥልያን ናይ ሰብን ንዋትን ሓይሊ ንናይ ኪዳን ሓይልታት ጥቕሚ ኣውዓላ። እዚ ናይ ኩናት ቁጠባ ክሳብ ምድምዳም ካልኣይ ኩናት ዓለም ኣዝዩ ኣደንፊዕዎ። ብድሕሪ እዚ ግን እቲ ቁጠባ ኣንቆልቆለን ነቲ ነባር ናይታ ግዝኣት ድማ ኣዝዩ ጎድኦ። እተን ናይ ኣጽዋር ፋብሪካታት ተዓጽዋ። ጠላይን ዳርጋ ዝበዝሑ ንዓዶም ተመልሱ። እቶም ብ1936 -1945 ብጠላይንን ካልኦትን ተመስሪተን ዝነበራ ፋብሪካታት ካብ ኣውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ብዝመጸ ውድድር ክዓጽዋ ተገደዳ። እተን ድሓር ዝተራእያ ፋብሪካታት ካብዚኣተን ተረፍ እየን እምበር ብዙሓት እየን ኔረን። (ኣብነት ባራቶሎ፤ ደናዳይ፣ ቺፖሊኒን ቢኒን፤ ወዘተ…)

ኣብዚ ኩነት እዚ ስራሕ ኣልቦነት ኣብቶም ኤርትራውያን ተራእየ። እንግሊዝ ብበጀት ክኸይድ ስለዝበለት ኣብ ኣብያተ ጽሕፈታት እውን ደረት ብምግባርን ብኤኮኖሚ ብምስራሕን እቲ ሰፊሑ ዝነበረ ናይ ጥልያን ኣብ ኣብያተ ጽሕፈታት ስለዝተደረታ፣ ካብ ስራሕ ምውጻእ እውን በዝሐ። ሕጽረት ገንዘብን ናህሪ ናይ መነባብሮን ስራሕ ኣልቦነትን ብናይ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ምፍቃድ ሓደ መውጽኢ ኣፉ ረኸበ። ኤርትራውያን ንመጀመርታ እዋን ብዛዕባ ሽግራቶምን ጉዳይቶምን ዝዛረቡሉ መድረኽ ተኸፍተ። እቲ ተራ ኤርትራዊ ድማ ኣብ መንጎ ናይ እንግሊዝን ጥልያንን መግዛእቲ ከዋዳድርን ርእይቶኡ ክህብ ተራእየ። እታ ኣዝያ ፍልጥቲ ብሂል ብ1960ታት  ማለት “ብግዜ ጥልያን ትበልዕ ግን ኣይተዛረብን። ብግዜ እንግሊዝ ኣይትበልዕን ግን ትዛረብ” ትብል ኣብዚ እዋን እዚ እያ ተባሂላ። ዲሒራ ድማ እታ ሳልሰይቲ “ብግዜ ኢትዮጵያ ኣይትበልዕን ኣይትዛረብን ድማ” ትብል መጸት።

ህልው ኩነታት ኤርትራ ኣብ ባይታ 1941-1945ን መግዛእቲ ጥልያን ዝገደፎ ኣሰር።

እዚ ኩሉ እናተባህለ እንከሎ ክርሳዕ ዘይብሉ ግን መንግስቲ እንግሊዝ ንኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ናይ “ምሃብን” “ምኽላእን” መሰል ኣብ ትሕቲ ኣህጉራዊ ሕጊ ኣይነበሮን። ስለዚ እዩ እቲ ጉዳይ ናብ ሕቡራት ሃገራት ዘምረሐ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ክረአ ዘለዎ ነገር፣ እቲ ናይ ማሕበር ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ዝብል ስሚዒት ዝምልከት እዩ። ኣብቲ እዋን እቲ ፊናንሲያዊ ኩነት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ እንግሊዝ እዩ ኔሩ። ምኽንያቱ እንግሊዝ እዩ ንጥልያን ሲዒሩ ንኃይለ ስላሴ ካብ ሱዳን ሒዝዎም ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተወ። እቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክሳብ ዝድልድልን ኣሰራርሕኡ ከም መንግስቲ ክሳብ ዝትከል ድማ ኣብኡ ጸንሐ። ስለዚ ኣብ ከባቢ 1945 ቀጻልን፣ ኢትዮጵያ ንባዕላ ናይ ገዛእ ርእሳ ሽግራት ኔሩዋ እዩ። ስለዚ ናይቲ ናይ ማሕበር ኣንድነት ምምዕባልን ዘኸተለ ጉዳያትን ንበይና ሓላፍነት ኣለዋ ክብሃል የጸግም። ምኽንያቱ እቶም ኤርትራውያን ብዝሰምዕዎን ብዝተረድኦምን ጥራሕ ዘይኮነ፣ በቲ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብቲ እዋን ዝካየድ ዝነበረ ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ምንቅስቓሳት ዝተጸልዉ ከምዝነበሩ እውን ክርሳዕ የብሉን። ስለዚ እቶም ተዋሳእቲ ኤርትራውያን፣ እንግሊዝ፣ ስርዓት ኢትዮጵያ ብዲፕሎማሲን ሕቡራት ሃገራት ነበሩ።

ጉዳይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን።

ብተወሳኺ ጥልያን ንኤርትራ ክግዝኣ ምስጀመረ ነቶም ኦርቶዶክስ ከኸትልኾም ማለት ናብ ካቶሊካውያን ክልውጦም ዝገበሮ ፈተነ ብብዝሑ ኣይተዓወተን። ስለዚ ድማ እዩ ኣብ ኤርትራ ክትልኽና ኣብ ውሱን ከባቢ ዝተረፈ። ነዚ ዝገበሩዎ ምኽንያት ድማ ካብቲ ናይ ምስ ኢትዮጵያ ዝዛመድን ከም ሓደ ኣካል ዝውሰድን ዝነበረ ኤርትራዊ ኦርቶዶክሳዊ ስርዓት ምእንቲ ንምክፍፋልን ምስ ኢትዮጵያ ዝብል ስሚዕት ንምድስካልን ነበረ። እዚ ናብ ካቶሊክ ናይ ምልዋጥ ፈተነ ምስላጥ ምስኣበዮም ምእንቲ ንክልቲኡ ክፈላልዩ፣ ኣብቲ ዝገዝኡሉ ዝነበረ እዋን ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ኣብ ትሕቲ መንፈሳዊ ስልጣን ናይ ምስሪ ኦርቶዶክስ ከምዝኸውን ገበሩ። ንኢትዮጵያ ኣብ ዝሓዙሉ እዋን 1935 ግን እቲ ብ1930 ምስ ምስሪ ዝገበርዎ ገዲፎም፣ ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ጥራሕ ዘይኮነት እታ ኤርትራ እውን ንባዕላ ምስ ኢትዮጵያ ሃጸያዊ ምምሕዳር ጸንበርዋ። ማለት ምብራቓዊ ኣፍሪቃዊ ግዝኣት እዚ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ እንደገና ምርኻብ ኣብ ናይ ግዜ ፈደረሽን ዓቢ ተራ ክጻውተን ኣንጻር ናይ ባዕዲ ማለት ጥልያንን እንግሊዝን ምቅላስ ኣብ ዝብል ዕላማ ንኸተርር ዝገበረ ክስተት እዩ። እዚ ኩነት እዚ ኣብ ተራ ናይ ኣቡነ ማርቆስ ኣብ ፖለቲካ ዓቢ ግደ ክጻውት እዩ።

(ኣብዚ ናይ ጥልያን ማፕ ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሶማልን ይኣቱ።)

ናብ መግዛእቲ ጥልያን ክንምለስ፣ ካብ 1936 ክሳብ 1941፣ ኤርትራ ሓንቲ ኣውራጃ ናይ እጣልያዊ ምብራቓዊ ኣፍሪቃዊ ሃጸይን ዋና ከተማኡ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ገበረት። ጥልያን ልዕልና ናይ ኢትዮጵያ ቤተ ክርስትያን ኣብ ልዕሊ ኩለን ኣብ ትሕቲ እዚ ምብራቓዊ ኣፍሪቃዊ ግዝኣት ዝርከባ ኩለን ኣብያተ ክርስትያናት ኣመኑሉን ኣተግበሩዎን። በዚ ጥልያን ንኢትዮጵያ ሓደ ዓቢይ ኣገልግሎት ገበሩላ። ምኽንያቱ ኢትዮጵያዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ትሕቲ ናይ ምስሪ ቤተ ክርስትያን ዝነበረትሉ ናይ 1600 ሚእቲ ዓመት ታሪኽ ተበጠሰን፣ ቤት ክርስትያን ኢትዮጵያ ድማ ብኸምዚ ነጻ ኮነት። ኣቡነ ማርቆስ ድማ ናይ ትግራይን ኤርትራን ኣቡን ኮይኖም ተሾሙን ብጥልያን ተዓጂቦም ድማ ናብ ኣስመራ ኣተዉ።

ቪድዮ ናይዚ ጉዕዞ ኣብዚ ይኣቱ። .

ስለዚ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክሳዊ ቤተ ክርስትያን ሓደ ኣካል ናይቲ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ዝነበረን ዝጸንሐን ስለዝኾነ ኣብቲ ናይ ምሕባር ምስ ኢትዮጵያ ዝብል ጉዳይ መኻርን መዓድን ኣየድለዮን። ንኣብነት ትራቫስኪስ ናይ ኤርትራ ኣማሓዳሪ ዝነበረ ዘይተረድኦ ጉዳይ እንተሎ፣ ከመይ ኢሎም እዮም እቶም ትማሊ “ንጥልያን ተገዚኦም ዝነበሩ እሙናት” ሕጂ ናብ ኢትዮጵያን ነጻ ናይ ምኻን ድሌት ዘርእዩን ንስርዓት ስላም እንግሊዝ ዝነጽጉን ዝብል እዩ። እንደገና ክዝከር ዘለዎ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ዝተመስረተሉ ዕለትን ግዜን እንተተዓዚብና ልክዕ ሃይለ ስላሴ ካብ ስደት ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተውሉ ግንቦት 1941 እዩ ኔሩ። ክሳብ እዚ እዋን እዚ ሃይለ ስላሴ ጌና ኣብ ስደት እዩ ዝነበረ። ኣብ በረኻታት ኢትዮጵያ ምስ ዝነበሩ “ኣርበኛታት” ርክብ ብምግባር ክሳብ ዝተመለሰላ ብግንቦት 1941 ብሓገዝ ወተሃደራት እንግሊዝን ብ”ዓወት” ሓይልታት ኪዳን ናብ ዋና ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝኣቱ ኣብ ጉዳዩ እዩ ኣድሂቡ ኔሩ። ዋና ኢድ ኣታውነት ኣብ ዋዕላን ብድሕርዝን ኣብ ግዜ ፈደረሽንን ግን ኣዝዩ ዓዚዙን መደባት ወጽአሉን። ኣብዚ ጽሑፍ እዚ ግን ንጉዳይ ዋዕላ ዝምልከት ጥራሕ እዩ ክንገር ዝፍተን ዘሎ። 

ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ኤርትራ እምበኣር ኣብዚ እዋን እዚ ክምስረተን ንኣስታት 5 ዓመት ክነብር እንከሎ ብጽልዋ ጻዊዕት እንግሊዝን ትጽቢት ናይ መጻኢ ዕድል ኤርትራውያን ኣብ ምውሳን ዝተመስረትን ነዚ ንምትግባር ድማ እቶም ሓደ ዓይነት ኣተሓሳስባ ዘለዎም ፍሉጣት ሰባት ተኣኪቦም ዝመስረትዎ ውድብ እዩ ኔሩ። ኣካይድኡን ናይ መጻኢ ኣጠማምትኡን ግን ናብ ሓደ ኣፍሪቃውን ነጻን ብዙሕነትን ምርድዳእን ዝኣመን ማሕበር ኔሩ።

ስለዚ ድማ መግዛእቲ እንግሊዝ ነቶም ክንፍለን ኣብ ትሕቲ ግዝኣት እንግሊዝ ን10 ዓመት ንዝብሉ ብወግዒን ብስቱርን ክድግፎም ተራእየ። ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ግን ኣይተፈትወን ምኽንያቱ ዕላማኡ ካብ ናይ ባዕዲ እሞ ናይ ጸዓዱ ስርዓት (anti colonial and pro Africanism) ወጺእካ ምስ ከማኻ ዝኣመሰሉ ኣፍሪቃውያን ምሕባር ዝብል ስለዝበነበረ። እዚ ታሪኻዊ ድሌት ዝኾነ ተርእዮ ድሓር ስለዝተጠልመን ገጹ ስለዝቐየረን ነዚ ኣብቲ መፈለምታኡ ዝነበረ ድሌትን ስሚዒትን ከምዚ ዝተዘርዘረ ክኸውን ከምዝኽእል እኹል ሓበረታ ኣሎ።

ናይ ኤርትራ ዘይምቕሳንን ሃገራዊ ምንቅስቓሳትን ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ እንግሊዝ። 

ናይ ግዝኣት እንግሊዝ ጥርጣረ ኣብ ልዕሊ እዚ ማሕበር እዚ ከምኡ ኢሉ እንከሎ ሓደ ፍሉይ ተርእዮ መጸ። ናይ ኤርትራ ፖሊስ ናይ ሰላማዊ ኣገባብ ቃልሲ መሰሎም ብምጥቃም ብየካቲት 1944 ኣድማ ኣከየዱ። ኣብዚ ድማ ነቶም ብመግዛእቲ እንግሊዝ ካብ ስራሖም ዘይወጹ ጠላይን ፖሊስ ክለግሱ፣ ናይ ጥልያን ሕግታት ክልወጥ፣ ከምኡ እውን ጠላይን ፈረዶ ክለግሱ ዝብል ጠለባት ኣቕረቡ። በዚ ዝሰምበዱ እንግሊዝ ኣብ ናይ ፖሊስ ሓይሊ ዝነበሩ ሃገራውያን ኢሎም ዝገመትዎም ኤርትራውያን ካብ ስራሕ ኣባረርዎም። (ቅዳሕ ደብዳበታት ናይ መፋነዊ ኣብ ገጽ 40 ናይ ኣብርሃም ጴጥሮስ መጽሓፍ “ዓደየ ዓዲ ጀጋኑ፤ በዓል መን እዮም ሕድሪ ስዉኣት ዝጠለሙ” ትብል ተመልከት)።

ኣብዚ ምብራርን ምንጻግን ስጉምቲ እንግሊዝ እቲ ሃገራዊ ሓይሊ እዩ ዝተጎድአ። ከም መልሰ ግብሪ ናይቲ ቁጠባዊ ኩነት ዘኸተሎ ሽግር ኤርትራውያን ንኩሎም ወጻእተኛታት ብጥርጣረ ክርእይዎም ጀመሩ። ብ1946 ነቲ ቁጠባ ቢሕቶምዎ ዝበሃሉ ወጻእተኛታት ማለት ኣንጻር ጥልያንን ዓረብን ሰላማዊ ሰልፊታት ተኻየደ። እቶም ክርስትያን ኤርትራውያን ካብ ስራሕ ይወጽኡን ናይ መነባብሮ ሽግር የጋጥሞም ስለዝነበረ፣ ነቶም ኣብ ምምሓዳር ስርዓት ዝነበሩ ጥልያን ከተኩሩሎምን ኣንጻሮም ክስልፉን ደረኾም። ከምኡ እውን እቲ ቁጠባ ብዓረባውያን ነጋዶን ብኤርትራውያን ጀበርትን ተባሕቱ ዝብል እምንቶ ስለዝነበረ (እዚ ንባዕሉ ካልእ ዛንታ እዩ) ቅርሕንታት ፈኸመ ክብል ተራእየ። ኣብቲ እዋን እቶም ናይ ገጠር ሓረስቶት እትዋቶም ጌና ከይተረኸበ ማለት እኽሊ ከይኣተወ፣ ብስእነት ዝኣክል ነቶም ጀበርትን ኣዕራብ ነጋዶን ይሸጥሎም ስለዝነበሩ እቲ ስሚዕት ዝፈጠሮ መልሰ ግብሪ ድማ ሰላማዊ ሰልፊ ምክያድን ብዛዕባኡ ምዝራብን ተራእየ። ስለዚ እቲ ኩነት ምሕባር ዝጠልብ ዘይኮነስ እንታይ ድኣ ኤርትራዊ ምምሕዳር ኣብ ግዝኣትን ኣብ ቀጠባን ክህሉ እዩ ዝነበረ።

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ብዝርዝር ዝተገልጸ፣ ኣብ ሓምለ 1946 ናይ ሱዳን ሰራዊት ኣብ ልዕሊ ተሰለፍቲ ተኹሲ ከፊቱ ኣርባዕተ ሰባት ሞቱ። ድሕሪ ሓደ ወርሒ ድማ ሓደ ሱዳናዊ ኣብ ጸወታ ጠላዕ ይኹን ኣብ ገለ ኩነት ብኤርትራውያን ተቐትለ። ናይቲ ቅድሚ ሽዑ ዝተገብረ ሕነ ምፍዳይ ክኸውን ይኽእል ግንከ ነቲ ጽልኣት ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ኣብልሖ። ምኽንያቱ ነዚ ዝሰምዑ ወተሃደራት ሱዳን ኣብ ከተማ ብምውጻእ ነቲ ኤርትራውያን ዝርከቡዎ ናይ ሓበሻ ገዛውቲ ኮሊሎም ተኹሲ ብምኽፋት ገለ 40 ዝኾኑ ክቕትሉ እንክለዉ ኣስታት 60 ድማ ቆሰሉ። እዚ ኣውራ በዚ ዝተጎድአ ኤርትራዊ ክርስትያን ድማ ነቲ ሃገራዊ ስሚዕት ኣጎሃሃሮ። እቶም እንግሊዝ እዚ ኹሉ እናኾነ እንከሎ ዳርጋ ሱቕ ኢሎም ርእዮም ዝብል ርእይቶ ስለዝገነነ ብሰንኪ ኣተሓሕዛ ናይ ወተሃደራቶም እዚ ጉዳይ ክኸውን ስለዝኸኣለ እቲ ናይ ዓይኒ ምስክር ዝነበረ ኤርትራዊ ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን ነቲ ስርዓቶም እናነጽጎ ኸደ።

ኣብ መታሕት ዝነበረ ናይ ትግረ ምንቅስቓስ ነቶም ሹማምንትን ልምዳውያን መራሕቲ ስለዘስግኦም ናብቶም ከምኣታቶም ሹማምንቲ ከበሳ ክሰማምዑ ጀመሩ። እቲ ናይ ሕብረት ዝብል ኣካል ድማ ነዚ ተጠቒሙ ብድሕሪት እናተወደበ ናብ ፈደረሽንን ምሕባር ምስ ኢትዮጵያን ንከምርሕ መንገዲ ከፈተ። እዚ ንርእሱ ዝኸኣለ ታሪኽን ኣብ ብዙሕ መጻሕፍትን ናይ ጋዜጣን ኢንተርነት ጽሑፋት ዝወጸ እዩ።

ኣተሓሳስባ መግዛእታዊ ሓይሊ እንግሊዝ (Colonial mentality regarding the natives in Eritrea) ከመይ ጸሊይዎም።

እቶም እንግሊዝ ኣብቲ እዋን እቲ ሃጸያውያንን ዳርጋ ንመላእ ዓለም ተቖጻጽሮም ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ስለዝኾነ ጸረ ባዕዳዊ ግዝኣት ዝብል ኣምር ክቕበልዎ ኣይክኣሉን፤ ብፍላይ ካብ ኣፍሪቃውያን እሞ ኤርትራውያን። ኣብዚ ክዝከር ዘለዎ እቲ ድሓር ኣብ ናይ ኣፍሪቃ ታሪኽ ዝሰርሐ ናይ ጸረ መግዛእትን ቃልስን ሳዕቤናቱን ጌና እዩ ኔሩ። ጸዓዱ እንግሊዛውያን ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ትሕቲኦም ዘሎ ሓደ ጸሊም “ዘይማዕበለ” ሕዝቢ እዮም ዝርእዩ ዝነበሩ። ኣብቲ ፖለቲካዊ ጸወታ እንግሊዝ ዝድግፎዎም ኣካላት ይሃልዉ እምበር ኤርትራውያን ምኻኖም ኣይተርፍን (እቶም ንፍለ ዝብሉ እውን)። ከምኡ እውን ከም ዋና ዘይኮነ ግን እታ ዓባይን ሃገራዊትን ዝነበረት ጎረቤት ኢትዮጵያ እትጸልዎ ሃገራዊ ስሚዕትን ኣድህቦን ንእንግሊዝ ከምዘስትብህሉሉ ጌሩዎም እዩ።

ወግዒ ምግባር ናይቲ ዋዕላ ዘስዓቦ መልሰ ግብሪ።

ክሳብ እዚ መደብ ብወግዒ ዝፍለጥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይኹን እቶም ቀንዲ ምስ ኢትዮጵያ ብዘይ ቅድመ ኩነት ክንሓብር ኣለና ዝብሉ ኤርትራውያን እውን ከይፈለጡ ጸኒሖም። እንተኾነ ግን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዋዕላ ከምዝግበር ምስፈለጠት እቲ ንጉዳዩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበረ ወኪል ኮሎነል ነጋ ሃይለስላሴ (ሰብኣይ ጋሎም ንጃንሆይ) ብህጹጽ ኣብ ኣስመራ ደበኽ በለ። ምስኡ ሓደ ፍሉጥ ካብቶም ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝመደበሩ ማሕበር ሕብረት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ኣዲስ ኣበባ (SUEE (Society for Union of Eritrea and Ethiopia in Addis Ababa) ኣቶ ኣብርሃ ወልደታትዮስ “ባልጃ ገንዘብን ናይ ኢድ ቦምብታት” ሒዙ ናብ ኣስመራ መጸ። (ሓበረታ ገጽ 164፡ ጆርዳን ገብረመድህን)። ሓደ ካብ ኣባላት ማሕበር ሓድነት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድማ ተድላ ባይሩ ነበረ።

ሓደ መዓልቲ ቅድሚ እቲ ዋዕላ፣ ኮሎነል ነጋን ኣቶ ኣብራሃ ወልደታትዮስን እቶም ፍሉጣት ምስ ኢትዮጵያ በሃልትን እቶም ነቲ 12 ነጥቢ ስምምዕ ዝፈረሙ ናይ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ኣባላት ዝነበርዎ ፍሉይ ኣኼባ ኣካየዱ። ኣብዚ እቶም ፈረምቲ ስምምዕ 12 ነጥቢ፣ በቶም ኣብዚ ዝመጽኡ ብዘይ ቅድመ ኩነት ምስ ኢትዮጵያ ንሰማማዕ ዝብሉ ኣባላት ብቑጽሪ በዝሕዎም። ስለዚ ድማ ኣብቲ መሪሕነት ፍጹም ለውጢ ንኸምጽኡ ክትዓት ኣካየዱ።

እዚ ኣብ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ዝተራእየ ምፍልላይ ብምምያጥን ምርድዳእን ንምፍታሕ ዝተመደበ ዋዕላ ዘይተሓሰበ ኩነት ተፈጥረሉ። ምኽንያቱ እዚ ናይ ምሁራትን ካብ ክልቲኡ ሃይማኖታት ዝመጽኡን ቀንዲ ሕመረት ናይቲ ክካትዕሉ ዝሓሰቡ ጉዳይ፣ ጉዳይ ኤርትራን ሓድነታን ብኸመይ ምስቲ ናይ ወጻኢ ኩነታት ይፈትሕዎን፣ ዝብል ተበግሶ ንመጀመርታ እዋን ዝተመደበ ኢዩ። ኣብዚ ብምስጢርን ኣብ ነንሕድሕዶም እናተራኸቡ ዝገበርዎ ስምምዕ ናይ ኤርትራ ህላወን ዋላ እንተ ምስ ኢትዮጵያ ሓቢራ ርእሰ ምምሕዳርን ባህላውን ፖለቲካውን ትካላታን ብኸመይ ይጸንሑ ዝብል መልእኽቲ ዝሓዘ 12 ነጥብታት ስለዝነበሮ። 

እዚ ሓደ መዓልቲ ቅድሚ ዋዕላ ዝተኻየደ ኣኼባ እዚ፣ ብኮሎነል ነጋ ይካይድ እምበር፣ እዚ ካልኣዩ ኢትዮጵያዊ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ዝገደፈ ኮሎነል እቲ ጉዳይ ብኤርትራውያን እዩ ኣካይድዎ። ምኽንያቱ እቶም ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝመጽኡ ከም ተድላ ባይሩ ዝኣመሰሉ ደገፍቲ ሓድነት ምስ ኢትዮጵያ ናይ ባዕሎም ማሕበር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኔርዎም እዩ። ኣብዚ ድማ ቀንዲ ተዋሳኣይ ኣቡነ ማርቆስ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክሳዊት ቤት ክርስትያን ሓላፊ ነበሩ። ቅድሚ እዚ እዋን እዚ ጉዳይ ሃይማኖት ኣብ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት ኣይተራእየን።

ኣብቲ ዝተካየደ ክትዕ እቶም ናይ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ደገፍቲ ሕብረትን እቶም ካልኦት ንነጻነትን ካልእ ኣማራጺታት (ድሓር ደገፍቲ መግዛእቲ ጥልያን፣ ወይ ን10 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ምጉዝትነት ሕቡራት ሃገራት ዝኾኑ) ነንበይኖም ተራእዩ። ኮሎነል ነጋን ፍጹም ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ዝብሉን ነቶም ደገፍቲ ዋዕላን ስምምዕ ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባ ንዝነበሮም “ደገፍቲ ሕብረት” ነቐፍዎም። ኣብቲ ጉዳይ እቶም ንምሕባር ምስ ኢትዮጵይ ብቕድመ ኩነት ዝብሉ ዝነበሩ በቶም ኣኽረርቲ ደገፍቲ ሓድነት ተበጽበጹን በቲ ብብዝሒ ካብ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ኣስመራን ዝመጹ ደገፍቲ ብዘይ ቅድመ ኩነት ምስ ኢትዮጵያ ተዓብለሉ።

ፊተውራሪ ገብረመስቀል ወልዱ ፕረሲደንት ከም ምኻኖም መጠን መሰልን ተዓጻጻፍነትን ናይ ብጾቶምን መሳርሕቶምን ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ርእይቶን ኣብ ግምት የእቱዉ ስለዝነበሩ ድማ በቶም ኣኽረርቲ ኣይተደልዩን። ስለዚ ድማ ኣብዚ ቅድመ ዋዕላ ዝተኻየደ ኣኼባ መጻኢ መራሕትን ህላወን ማሕበር ኣንድነት ተተኽለ። ኣብቲ ኣኼባ ፊተውራሪ ገብረመስቀል ወልዱ በቲ ዘርኣይዎ ናይ ምምይያጥ ውሳነ ተዋረዱን ብዘይ ኣገባብ ማለት ብዘይ ምርጫ ነቲ ብማሕበር ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ክትሓብር ንዝብል (Society for Union of Eritrea and Ethiopia - SUEE) ርእይቶ ብምውካል ብተድላ ባይሩ ከም ፕረሲደንት ተተክኡ። እቲ ኣኼበኛ ነቲ ኣብ ዝተበጽሐ 12 ነጥቢ ዝሓዘ ስምምዕ ዳግመ ግምት ክግበረሉ ማለት ክተርፍን “ምሕባር ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ሕቶ ከምዘይኣቱ” ተሰማምዐ። እቲ ሓዪለ እየ ዝበለ ደጋፋይ ኢትዮጵያ ድማ ኣብቲ ኣኼባ ተዓዊቱ ወጸ። ንጽባሒቱ ንዋዕላ ድማ ተበገሰ። 

ኣብዚ ቅድሚ ዋዕላ ዝተኻየደ ናይ ህጹጽ 24 ሰዓት ኣኼባ ብፍላይ ንፕረሲደንት ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ፊተውራሪ ገብረመስቀል ወልዱ ብገለ ሰባት “ብዛዕባ ምስ ኢትዮጵያ ምሕባር ብትሪ ኣይተቓለስካን” ኢሎምዎም። ነዚ ድሕሪ ዋዕላ ፊተውራሪ ገብረመስቀል ኣብ ጋዜጣ መልሲ ሂቢምሉ እዮም። “ኢትፍራሕ መንቲኒ ቢእንተ ዝሓለወከ ትኣምን” ዘርእስቱ ጽሑፍ ኣብ ኢትዮጵያ ሰሙናዊ ጋዜጣ ጥቅምቲ 31, 1947 ኣውጽኡ። ጸኒሖም “እህ…እህ….እህህ…..” ዘርእስቱ ብሚያዝያ 21, 1947 ጽሑፍ ኣውጽኡ። እታ “እህ….” ትብል ነቲ ብቃል ዝበልዎ ማለት ኣብ ዋዕላ ቤት ጊዮርጊስ “ብዘይ መሰላል ካብ ስልጣነይ ኣውሪዶምኒ” ንዝበልዎ ስለትገልጽ ብድሕሪ እቲ እዋን እቲ ምስ ኩነታት ዝሓረቑ ሰባት “እህ….እህ…እህህ….” በለ ገብረመስቀል ወልዱ ይብሉ ኔሮም።

እቲ ቀንዲ መዓልቲ ዋዕላ ሕዳር 24, 1946 ቤት ጊዮርጊስ።

ዋዕላ ኣብ ጽባሒቱ ከምቲ ዝተመደበ ምስተኸፍተ እቶም ንነጻ ኤርትራን ካልእ ኣማራጽን ዝብሉ ወገናት ኣብ መሪሕነት እቲ ዋዕላ ሓድሽ ዘይፈልጥዎን ንናቶም ሓሳባት ዘይእንግድን መሪሕነት ኣጋነፎም። ከምቲ ዝበሃል በቶም “ሓድነት ምስ ኢትዮጵያ ዝብሉ መንእሰያት” እሞ ብረት  ዝተሰከሙ ተኸቢቦም ይብል ጆርዳን ኣብ መጽሓፉ።

እቲ ዋዕላ ብግቡእ ኣብ ክትዕን ዝርርብን ምምይያጥን ኣይኣተወን። እቶም ንዋዕላ ኣብ ግብሪ ክውዕል ዝተቓለሱ ገብረመስቀል ወልዱ ኣብቲ ኣኼባ ንኽይካትዑ ተኸልከሉ። እቶም ማ.ፍ.ሃ. ንነጻነት ዝብሉ ወከልቲ ደጃዝማች ዓሰን ዓሊ፣ ብርሃኑ ኣሕመዲን፣ ካቫልየረ ዑመር ሳፊቅ፣ ጸሓየ ኣብርሃ፣ ገብረመስቀል በራኺ፣ ወልደኣብ ወልደማርያም ኣብ በቦታኦም ኮፍ በሉ።

እቶም ቅድሚ ዋዕላ ዳግመ ምውዳብ ዝገበሩ ንሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ዝድግፉ ኣባላት ደንጎዮም መጹ። ብመሪሕነት ደጃዝማች ሓድጉ ጊላጋብር፣ ደጃዝማች ሓጎስ ገብረ፣ ብላታ ደምሳስ ወልደሚኪኤልን ተድላ ባይሩን።

እቲ መጀመርታ ዝተዛረበ ንሕብረት ዝድግፉ ብላታ ደምሳስ ነቶም ነጻነት ዝብሉ ፖለቲካውያን “……ርእሳ ዝኸኣለት ኤርትራ ሕልሚ ገዲፎም ምስ ኣዲኦም ኢትዮጵያ…ክሓብሩ…ኣብ ትሕቲ ሃጸይ…” ንኽኣተዉ ተማሕጸንዎም። ገብረመስቀል ወልዱ ድማ ነዚ ብሓጺር ማለት ንሕብረት ብዘይ ቅድመ ኩነት ደገፍዎ። በዚ እቶም ነነጻነት ዝብሉ ነገር ከምዝተለወጠ ፈለጡ።

ተድላ ባይሩ ነዚ ዘረባ ድሕሪ ምድጋፍ ንወገን ሕብረት ዝገልጽ ትንተና ድሕሪ ምሃብ ነዚ እንተዘይተገብረ ግን ነዚ ዝቃወሙ ወይ ጠጠው ከብሉ ንዝፍትኑ ፈኸራ ሰደደ። ብኣ ንብኣ ድማ ነቲ ንነጻነት ዝብል ወገን ንምህራም ብወልቀ ደረጃ ንወልደኣብ ወልደማርያምን መበቆሉን ካብ ትግራይ ስለዝውለድ ድማ እቲ ጉዳይ ከምዘይምልከቶን ዝብል ዘረባ ኸፍተ። ወልደኣብ ብወገኖም ኣብ ኤርትራ ከምዝተወልዱን ከምዝዓበዩን መጠን ንዝፈትውዋ ሃገሮምን መሰላታን ክቃለሱ ዝኽልክሎም ነገር ከዘየለን ከምቲ ተድላ ዝገበሮ ድማ ንርእሱ ተድላ ባይቱ ትውልዱ ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ማለት ካብ “ተኹሪር” ናይጀርያ ይውለድ ስለዝኾነ ንሶም ዝያዳ ንኤርትራ ከምዝቐርቡ ኣመቱሉ።

እቲ ግቡእ 12 ነጥቢ ዝሓዘለ ኣርእስቲ ከይተተዘርበሉ በዝን ወድኸምዝን እቲ ኣኼባ ተበተነ። እዚ ተጻብኦ እዚ ኣብቲ ሽዑ ዝነበረ ጋዜጣታት ወጸ። ኣብ መንጎ ተድላ ባይሩን ወልደኣብ ወልደማርያምን እንካን ሃባን ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ክሳብ ግንቦት 1947 ተጻሕፈ። እቲ ነገር ኣዝዩ ኣብ ውልቃውን ጽልእን ስለዝደሃበ ባዕሎም መንግስቲ እንግሊዝ ነቲ ጉዳይ ደው ኣበልዎ። እቲ ሰሙናዊ ጋዜጣ ኤርትራ ንውልቃዊ ጉዳይ ዘይኮነ ሓፋሽ ሕዝቢ ኤርትራ ዝካትዓሉ ፖለቲካዊ ሓሳባት ዘእንግድ ጋዜጣ ምኻኑ ኣፍለጡ።

ኣብዚ ኣብ ጋዜጣታት ጽሑፋት ምውጻእ ኣብ መንጎ ተድላ ባይሩን ወልደኣብ ወልደማርያምን ዝተኻየደ ክረአ እንከሎ ፊተውራሪ ገብረመስቀል ወልዱ ኣብ ዘውጽእዎ ጽሑፋ ብፍላይ ሚያዝያ 21, 1947 ናይ ጸርፍን ምንሻውን ዘይብሉ ብዘይ ውልቃዊ መጥቃዕቲ ኣንጻር እቲ ዝተከኦም ተድላ ባይሩ መልሲ ሃቡሉ። ንኣስታት 5 ዓመት ዝመርሕዎ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ብዘይ ኣገባብ ክሳብ ዝወርዱ ድማ ናይዚ ማሕበር ታሪኽ ሰነዱን ኣብ ጋዜጣ ኣውጽኡን።

ምፍሻል ዋዕላ ቤት ጊዮርጊስ ምምህማን ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ኤርትራ ኣስዓበ። እዚ ጸረ መግዛእትን ሃገራዊ ማሕበር እዚ ካብዛ ዕለት እዚኣ ከም ሓደ ውህደት ዘለዎ ኣካል ኣይቀጸለን። መግዛእቲ እንግሊዝ ኣብ መንጎ እዚ ንፖለቲካዊ ሰልፍታት ፍቓድ ሃበ። ኢብራሂም ሱልጣን ንኩሎም ኣስላም ወከልቶም ንከረን ክመጹ ጻዊዒት ገበረ። ብታሕሳስ 4, 1946 ድማ ራቢጣ ኣል እስላምያ ፖለቲካዊ ሰልፊ ቆመት። ኣብቲ እዋን ድማ እቶም ሕብረት ዝብሉ ዝነበሩ ድማ ካብ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ኤርትራን ካልኦት ብትሪ ሕብረት ዝብሉ ሰባት ፖለቲካዊ ሰልፉ ኣቖሙ። ዕላማ ናይቲ ሰልፊ ንጹር ብምግባር ድማ ስሙ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ኤርትራ፤ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ተባሀለ። ጸኒሑ ብየካቲት 18, 1947 ሳልሳይ ሰልፊ ማሕበር ነጻነት ዕብየት ኤርትራ፤ ኤርትራ ንኤርትራውያን (Independence & Progress Party) ኣብ ዓዲ ቀይሕ ተመስረተ። ብኸምዚ ኤርትራ ኣብ ሓደ ሓድሽ ምዕራፍ ናይ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ስርሓተንን ኣተወት።

ኣብ መወዳእታኡ ቀንዲ ተዋሳእቲ ዋዕላ ኣበይ ኣበሉ።

ፊተወራሪ ገብረመስቀል ወልዱ ፕረሲደንት ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ብዝወረዶም ስነ ኣእምሮኣዊ ማህሰይቲ ናይ ዋዕላ ቤት ጊዮርጊስ ኣይተስኡን። እቲ ውርደት ተሰሚዕዎም ኣብ ጋዜጣታት ኣህህታኦም ገለጹ። ኣብ ሓዘንን ምስቁርቃርን ኣድሃቡ። ፖለቲካዊ ቦታ እውን ኣይሃለዎምን። ብውዲት ስለዝወረዱ ኣዝዮም ጉሃዩ። ገለ ገለ ተዓዘብቲ ታሪኽ ከምዝብልዎ፣ ገብረመስቀል ወልዱ ድሕሪ ሎረንሶ ታእዛዝ ካልኣይ ፖለቲከኛ ንሕብረት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝሰርሐ ግንከ ብኢትዮጵያ ዝተደርበየን እዩ ይብሉ። ኣብ መወድኣታ ኣብ መስተን ብስጭትን ኣትዮም ድማ ኣብ ንኡስ ዕድሜኦም 47 ብ1962 ብሞት ካብ ዓለም ተፈልዩ። (Dictionary of African Biography, Vol. 1 – 6, pp.444)

ሸኽ ዓብድልቃድር ከቢረ ምክትል ፕረሲደንት ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ኢትዮጵያ ድሕሪ ምፍሻል ዋዕላ ቤት ጊዮርጊስ ብራቢጣ ኣል እስላምያ ዝፍለጥ ብእንግሊዝ (Moslem League) ኣብ ከረን ምስ ሓጅ ሱለማን ኣሕመድን ሽይኽ ኢብራሂም ሱልጣን (ኣብ ዋዕላ ዝነበረ ግንከ ካብኡ ወጺኡ ከይዱ ንናቱን መሰልቱን ክቃለስ ዝተበገሰ) ካልኦትን መስረቱ። ከቢረ ብፍላይ ናይ ኣውራጃ ሓማሴንን ኣስመራን ወኪል ራቢጣ ነበረ። እቲ ኣዝዩ ንኪቢረ ፍሉጥን ምጉስን ተቐባልነት ዝረኽበሉ ዝነበረ ጉዳይ ኣውራ ንምምሕያሽ ናብራ ኤርትራን እንታውነታን ኣብ ትምህርቲ ምድሃቡ ኢዩ። ብስነ 10, 1946 ኣብ ዝሃቦ መደረ ብዛዕባ “ነጻነትን” ክንዛረብ እንከለና እታ ቀንዲ መንገድና ትምህርቲ ምኻኑ እዩ በለ።

ብትግርኛን ዓረብኛን ትግረን ዓፋርን ጥልያንን ኪኢላ ዝነበረ ከቢረ ፖለቲከኛ ነበረ። ኣብ ዘረብኡ ዲፕሎማሲልያዊን ኣኽብሮት ብዝመልኦ ኣገባብ ዝዛረብ ሰብ ከምዝነበረ ታሪኽ ይፈልጦ። መርማሪ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ምስ ቆመ፣ ከቢረን ሓሙሽተ ኣባላት ራቢጣን ኣብ ቅዲሚኣ ቀሪቦም ብዛዕባ ናይ ፖለቲካዊ ሰልፎም ቀንዲ ሕመረት ነጻነት ምኻኑ ኣረድኡ። እቲ መርማሪ ኮሚሽን ብመጋቢት 1949 ሕ.ሃ. ዕድመ ናብቶም መራሕቲ ዝተፈላለያ ሰልፍታት ክሰድድ እንከሎ ንራቢጣ ኢስላምያ እውን ተላእከ። ኣብዚ ድማ በቲ ፍሉጥ ክእለቶም ሼኽ ዓብደልቃድር ከቢረ ንኽሳተፉ ተመደበ። እቶም ናይዚ ፍሉጥን ውሩይን ኪኢላ ኤርትራዊ መልእኽቲ ዘፍርሖምን ዘሰግኦምን ልኡኻት ኢትዮጵያ ግን ብመጋቢት 27, 1949 ብዝለኣኸቶም ኣብ ኣስመራ ተቐትሉ። ንዝያዳ ሓበረታ ዊኪፒድያ ኣብዚ ጠውቑ።

ፊተውራሪ ሓረጎት ኣባይ ዋና ጸሓፊ ዋዕላ ቤት ጊዮርጊስ፣ ድሕሪ ምፍሻል ዋዕላን ወግዓዊ ምቓም ማሕበር ኣንድነት ብታሕሳስ 1946 ከም ምክትል ተሓዝ ገንዘብ ተመደቡ። ብድሕሪ’ዚ ምእንቲ ሕብረት እካ እንተሰርሑ ካብ ዓዶም ከም ኣባል ባይቶ ምስተመርጹ ሕግታት ፈደረሽን ንኽዕቀብ ተቓለሱ። ክሳብ ንጃንሆይ ከይዶም ብዛዕባ ኢድ ኣታውነት ሹማምንቲ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ጠርዑ። ኣብዚ ግዜ እዚ ከም ዲረክተር ጀነራል ናይ ውሽጣዊ ጉዳያትን ብ1954 ድማ ከም ጸሓፊ ክፍሊ ሕጊ ሰርሑ። ብድሕሪ ምምጻእ ናይ ቢትወደድ ኣስፍሃ ወልደሚኪኤል ከም ዋና ኣስፈጻሚ ናይ ባይቶ ኤርትራ ግን እቲ ፖለቲካዊ ስራሓት እናዋሓደ መጽአ። ንሶም እውን ኣብ ንግዶም ዘድሃቡ ይመስል። ድሕሪ ፍጹም ሕብረት ግን ከንቲባ ኣስመራ ኮይኖም ተሾሙ። ደርጊ ብ1974 ምስመጸ ምስ ብዙሓት ሓለፍቲ ነበር ናይ ሃይለ ስላሰ ስርዓት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተውሲዶም ተኣስሩ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ድማ ብ1979 ሞቱ። ንዝያዳ ሓበረታ ኣብዚ ጠውቑ።

ብላታ ዑመር ቓዲ ከም ጸሓፋይ ናይ ዋዕላ ቤት ጊዮርጊስ መጠን ድሕሪ ዋዕላ ምፍሻሉ ምስ ኢብራሂም ሱልጣንን መሰልቱን ብምርድዳእ ኣብ ራቢጣ ኣል ኢስላምያ ሰልፊ ተጸምበሩ። ብዛዕባ ሕይወቶም ኣብዚ ዝያዳ ጠውቑ። ንነጻነት እካ እንተደገፉ ናይ ኢብራሂም ሱልጣን ተሪር ኣካይዳ ምስቲ ኩነታት ኣይከይድን ኢሎም ስለዝኣመኑ ንናይ ምጽዋዕ ራቢጣ ኢስላምያ ካብ ናይ ኢብራሂም ሱልጣን ፈለዩዋ። ብ1949 ድማ ነዛ ሰልፊ እዚኣ ብምውካል ናብ ኒው ዮርክ ናይ ሕ.ሃ. ኣኼባ ብዛዕባ ጉዳይ ኤርትራ ዝዝትይ ጉባኤ ተሳተፉ። ድሕሪ እዚ ግን ጉዳይ ኤርትራ ብፈደረሽን ከም ዘይውዳእን እቲ ቀንዲ ዕላማ ኢትዮጵያን ደገፉቶምን ፍጹም ምሕባር ከምዝኾነ እናተርድኦም መጸ። ስለዚ ድማ ብ1957 ናብ ስደት ንከምርሑ ተገደዱ። ሱቕ ኣይበሉን። ነቲ ኢትዮጵያ ንምፍራስ ፈደረሽን ትገብሮ ዝነበረት ውዲት ዝቓወም ንመሰል ሕጋታት ኤርትራ ዝድግፍን ናይ ሰባት ፊርማ (Petitions) ክእክቡ ተቐሰቡ። ኣብ ሃገራት ዓረብን ካልኦት ናይ ሳልሳይ ዓለም ወገናት ሰማዕቲ ኣጥረዩ። ናብ ኤርትራ ምስተመልሱ ድማ ሃይለ ስላሰ ኩሉ ነገር ክገብረሎም ምኻኑ እካ እንተገለጸ፣ ብዛዕባ ምፍራስ ፈደረሽን ይዛረቡ ስለዝነበሩ፣ ብጥሪ 1958 ተኣሰሩ። እቲ ጉዳይ ስለዝተጎሃሃረ ግን መንግስቲ ሃይለ ስላሰ ብሚያዝያ 1949 ንክፈትሖም ተገደደ። ብ1959 ከንቲባ ምጽዋዕ ተሾሙ። ብ1975 ግን ብደርጊ ተኣሰሩ። ድሕሪ ክልተ ዓመት ማእሰርቲ ብ1977 ናብ ስደት ሱዳንን ቀጺሉ ድማ ስዑድያ ኣምርሑ። ኣብ መንጎ ህ.ግ.ን ተ.ሓ.ኤ.ን ስምምዕ ክገብሩ እካ እንተፈተኑ ከይተዓወቱ ኣብ ስዑድያ ሞቱ።

ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም ብድሕሪ እዚ ብዝወረዶም ናይ ቅትለት ፈተነታት፣ ንወጻኢ ክኸዱ ፈቓድ ረኺቦም ኣብ ስደት ኣምርሑ። ኣብ ወጻኢ ኮይኖም ንነጻነት ኤርትራ ነዊሕ ተቓለሱ። እቶም ሓደን እንኮን ካብ ወጻኢ ንኤርትራ ተመሊሶም ዝሞቱ መሪሕ ነጻነት ድማ ኮኑ። ኣብ ጋዜጣታት ዘውጽእዎ ዝነበሩ ፍሉይ ጽሑፋት ዝሓዘ መጽሓፍ ኣሎ።

ኣቡነ ማርቆስ ድሕሪ ብዙሕ እዝን እትን ምስ ንጉስ ኢትዮጵያ ማለት ንብረትን መሬትን ገዳማት ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ክምለሰሎም ተስፋታት ካብ ሃይለ ስላሰ ተዋሂብዎም ነበረ። ሃይለ ስላሰ ግን እቲ መዓርግኩም ጥልያን ዝሃብኩም ስለዝኾነ ናህና ኣይኮነን እሞ ካብ መዓርግኩም ወሪድኩም በሎም። ኣብ መወዳእታ ተገሊፎምን ብቀሺ ዲሜጥሮ ኣብ ኤርትራ ተተክኡ። ኣብዚ ብዛዕባ እዚ ውሳነን ካልእን ማለት ናብ ኢትዮጵያ ከፋ ክፍለ ሃገር ንኽመርሑ ተሾሙ። እዚ ድሕሪ ናይ ነዊሕ ዓመታት ኣብ ኤርትራን ትግራይን ክምኡ እውን እቲ ጉዳይ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ምእታው ብዙሕ ስርሒታት ድሕሪ ምፍጻሞም ስለዝኾነ ኣይተቐበልዎን። ኩነታት ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብ1961 ኣቡነ ማርቆስ ኣብ መንገዲ ምጽዋዕ ኣብ “ሓደጋ” መኪና ሞቱ። እቲ ዝገርም መራሒ መኪናኦም ዲሒኑ፣ ንሶም ግን ሞይቶም ዝብሃል ዘገርም ዛንታ ገዲፎም ከዱ። ናይ ሞቶም ጉዳይ ኣብቲ እዋን እቲ ብዙሕ ኣዛሪቡ።

 

References:

Gebremeskel Weldu in Ethiopia, no. 79 31.10.48; Negga Haile Selassie’s papers, A report on the reorganization of the UP, 1947.

 

On the early history of the Mahber Fikri Hager, see EWN no. 227 (9.1.47) Ethiopia, no. 103 (17.4.49).

 

ኣብዚ ዝተካየደ ክትዓት መዓልቲ ዋዕላ ኣብ ጋዜጣታት ናይቲ እዋን ወጸአ።

Eritrea and Ethiopia; The Federal Experience by Tekeste Negash

Peasants and Nationalism in Eritrea by Jordan Gebremedhin

ዓደይ ዓዲ ጀጋኑ እንበዓል እዮም ሕድሪ ስውኣት ዝጠለሙ ዶክተር ኣብራሃም ጴጥሮስ

I did not do it for you, Michaela Wrong

http://homepages.stmartin.edu/fac_staff/dprice/price-at-6-02-WWII.pdf

Chi’dell Eritrea? Dizonario Biografico (Asmera, Agenzia Regina 1952)

Gli Anni Difficili A cura di Eros Chiasserini

Dictionary of African Biography, Volumes 1 to 6 (Gebremeskel Weldu, Tedla Bairu, ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ኤርትራ MFHE etc...)

1

In view of the importance of the decree, reference to which was repeatedly made by the UP and the Emperor himself it is worthwhile to quote its relevant parts.

 

First decree of Emperor Haile Sellassie. “Ethiopia Stretches her Hands unto God. Haile Selassie the First, Elect of God, Emperor of Ethiopia. Brave worriers of Ethiopia! I know the merits of every one of you, and I speed to see your feat of arms. You the fighters,

according to your bravery; you the old men and the men of God, according to the counsel that you have given to your people; you the farmers traders and artisans, according as your work has aided your Fatherland; you will all receive your recompense.

 

And you, the people of Hamassien, of Akelegousai (Akele Guzai), of Serae, of Beni Amer, of the Habab and of Mensah, whether you are on this side or the other side of Mareb, join in the struggle at the side of your Ethiopian brothers. Let none of you be a tool in the hands of the Italians against your motherland of Ethiopia, or against our friends the English. I know the prayers of your heart, which are mine also, and the prayers besides of all the people of Ethiopia. Your destiny is strictly bound with that of the rest of Ethiopia”.    For a complete translation of the decree see Steer, 1942:231–232.

 

ተወፈየ። ካብ ገጠር ምስ ኣስታት 3 ዝዕድሚኡ ወዶም ኢዮብ ተኽሉን በዓልቲ ቤቶምን ናብ ኣስመራ መጽኦም ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ገዛ ኣብ ኣኽርያ ተኻርዮም ንርእሶም ከም ተላኣኺን ኣጽራዪ ናይ ኣብያተ ጽሕፈት እንግሊዝ ኮይኖም፣ ንንእሽቶ ሓዎም ገብረመስቀል ወልዱ ግን ኣብ ትምህርቲ ንኽደፍኡን ክሳብ ከረንን ሱዳንን ሮማን ከይዶም ናይ ክህነት ትምህርቲ ንኽመሃሩ ዘተባብዕዎም ኣቶ ተኽሉ ወልዱ መዘከርታ ይኹን።

እዚ ጽሑፍ እዚ መምስ ዝመጽእ ናይ ትግርኛን እንግሊዝን ጣልያንኛን ጽሑፋትን መጻሕፍትን ዝህብዎ ሓበረታ ምርኩስ ብምግባር እንደገና ክወጽእ እዩ።

ኣራራት ኢዮብ ተኽሉ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...