ብዛዕባ ወሃብትን ወሰድትን

ምሃብን ምውሳድን፡ ካብ ወረ ጽርግያ ዝተወስደ ቃላት

ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ኣብ ሓደ ቦታ ዘይልሙድ ምንቅስቓስ ተራእዩ። ቀዳመ ሰንበት ስለዝነበረ ድማ እዩ ቁሩብ ዘገረመ። ገለ 6 ዝኾኑ መንእሰያት ናብቲ ማዕጾ ናይ ኤርትራ ናይ ጉምሩክ ቤት ጽሕፈት ኣምርሑ። እቲ ማዕጾ ቀሊጢፉ ብውሽጢ  ተኸፍተሞ ኣትዮም ናብቲ ኣርማዮዳታት ብምኻድ ገለ ገለ ነገራት ወሲዶም ኣብቲ ተቐሪቡ ዝጸንሐ ባኮታት እእተውዎ። ነዘን ባኮታት ተሰኪሞም ድማ ናብታ ናይ መንግስቲ ታርጋ ዝነበራ መኪና ኣምርሑ። ኣብኡ ዝጸንሐ ሎሚ ኣባል ጉምሩክ ካብዛ ደቒቕ እዚኣ ግን “ሽፍታ” ዝብል ስም ዝተሰከመ ሰብ ድማ ምስኦም ከደ። እዚ ኣብ ሰብዓታት ዝነበረ ናይ ንብረታት “ነጻ ምውጻእ” ሓደ ኣብነት እዚ ነበረ። ኣብቲ እዋን እቲ ሓርነታውያን ምንቅስቓሳት ነዚ ስርቂ ካልእ ስም ብምሃብ ናይ ሕዝቢ ስለዝኾነ ክውሰድ ኣለዎ ብምባል እዮም ነገራት ካብ ከባቢኦም ይወስዱ ነበሩ። ኣብታ ኣጋምሸት እቲኣ ግን ተሓታትነትን፡ ኣክብሮት ናይ ንብረትን፡ ቅንዕናን እየን ኣብ መንገዲ ተደርብየን ዝተረፋ።

እቲ ምውሳድ መዓስ ጠጠው ከምዝብል ከይተነገረ ቀጸለ

ቺናውያን ሓንቲ መርገም ዝሓስቡዋ ምስላ ኣላቶም። ንሳ ድማ “ብዙሕ ለውጢ ኣብ ዘለዎ ግዜ ኣይትወለድ” ኢያ። ንሕናስ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ግዜ ስለዝተወለድና ጥራሕ ናይቶም ኣብ ሕሉፍ ታሪኽና ዝገበርናዮም ፍጻሜታት እንታይ ከምዘሰዓቡ ንምዕዛብን ሓላፍነት ምውሳድን ዝኸኣልናዮ ኣይመሰልን። መንእሰያት ኣብ ዝነበርናሉ እዋን ብጾትና ማለት መተዓብይትና ብዘለዎም ሓይሊ ንዝሰርሕዎ ውዳበ ብምጥቃም ትእዛዛት ምሃብን፡ ንዓበይት እንተኣድልይዎም ብምሕታት፡ ከካብ ዓድታት ንመነባብሮ ዘድልዮም ነገራት ይወስዱ ነበሩ። እዞም ምንጪ ዝኾኑ ባእታታት ከም ሓደ ሓይቂ እዮም። እቲ ሓይቂ ኣብ ሓደ ጎኑ ገለ ውሕጅ ይገብርሞ ቀስ ኢሉ ናብ ውቅያኖስ የምርሕ። ዕላማ እቲ ሓይቂ ናብቲ ዓቢ ውቅያኖስ ምብጻሕ እዩ። እቲ ውቅያኖስ ነጻነት ነበረ። ነዞም ኣኺሉና ጸጊብና ዘይብሉ ደቁ ድማ ገለ ሓርጭ ሎሚ፡ እንጀራ ጽባሕ፡ ስዋን ሜስን፡ ብቐመሙ ፍሉጥ ዝኾነ ጸብሕን የቕርብ ነበረ። እቶም ነዚ ዘመሓድሩ ናይ ሕዝቢ ልኡኻት ካደረታት ኣቃጭጮኦም ዳርጋ ከም ሓደ ናይ ሃይማኖት ሃዋርያ ይመስል። እቲ ምንጪ መወዳእታ ዘይብሉን ኣብ ግዜ ሽግር እካ ድኣ ዝያዳ ዝህብ ኣካል ምኻኑ እዩ እቲ መረዳእታ።

እቲ ምውሳድ ኣብ ነገራት ጥራሕ ኣይተሓጽረን። ውልቃውያን ሓሳባትን መሃዚ ተግባራትን እውን ተወሲዶም እዮም። ጥራሕ ነቲ መንገዲ ዘቓልሉ ይኹን እምበር ካብ ምውሳድስ ኣይተዓርፈን። ዘሻቕል ዝነበረ እቲ ጉዳይ ተወሲዱሞ እንተድኣ ኣዝዩ ተፈላጥነትን ተደላይነትን ረኺቡ እቲ ሰብ ነዚ ዘምጽአ እንታይ ኢዩ ትዕድልቱ እዩ ኔሩ። በዚ ምኽንያት እዚ እቲ ሰብ ንነብሱ “ፍሉይ” ጌሩ ክወስዳ የብሉን። “ኣድናቖት” እውን ክረክብ የብሉን። ዋላ ሓደ ውዳሴ ክረክብ ስለዘይብሉ ምኽንያቱ ንውልቀሰባት ውዳሴ ምሃብ ቅቡል ስለዘይኮነ። ስለዚ ድማ እቶም ኣብ ግብሪ ዝወዓሉ ናይ ዓበይትን፡ ማእከሎቶን፡ ነኣሽቱን ሓሳባት ከም ናይ “ኩሉ” ተባሂሎም ከምዝቐርቡ ይግበር። እቶም ናይ ሓሳባት ምንጪ ዝኾኑ ውልቀ ሰባት ድማ ውዳሴ ከይደለዩ፡ ነዚ ከምዘየምጽእዎን ወይ ናይ ኣጋጣሚ ነገር ወይ ከኣ ናይ ካልእ ሰባት ከምዝኾነ ጌሮም ብምቕራብ ነብሶም ካብ ዓይኒ ሰብ ይኣልዩ።

ክንደይ ዝኾኑ ሓሳባት ኣብ ግብሪ ዊዒሎም? ታምፖ፡ ፓስታ ምስራሕ፡ ደረሁ ምፍራይ፡ ኣብቲ ንቑጽ ጎቦታት ዝቕልቀላ ነኣሽቱ ሳዕረ ማዕሪ ዝምገባን ብቐሊሉ ዝራባሓን ኣጣል ምጥራይ፡ ወዘተ፡ ዝኣመሰሉ ገለ ገለ ነገራት ኔይሮም። ብሕራይ ዝተበገሰ ኣካል ስለዝኾነ ድማ ነገራት ብጽፈትን ብቑልጡፍን ክካየዱ ኣለዎ ዝብል እምንቶ እዩ ንዝበዝሕ ሰብ ሒዝዎ። በዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ተኣምራት ድማ እዩ ኣብ ነጻነት ተበጺሑ። ድሕሪ ሳሕል ናብራ ክህሉ ድዩ ኣይህሉን ኣብ ሕቶ ምልክት ስለዝነበረ ውልቃውያን ሓሳባት ነጻ ዕድል ተዋሂብዎም ኣብቲ ምድረ በዳ ክስዕርሩ ጀመሩ። እቲ እከይ ንጌዜኡ ኣብ ጎኒ ተቐመጠ። ነገራት እንተጠቒሞም ምቕባል፡ እንተዘይተዓዊቶም ድማ ዘይምቕጻል ብዝብል ኣገባብ ቑልጡፍን ጽፉፍን ውሳነታት ሓለፈ።

ነዚ ኣብ መንጎ ናይ ኣፍሪቃ ዝነውሐ ኩናት ኣብ ዝርከብ ቦታ ደረሁ ምፍራይ ዝብል ሓሳብ ዘቕረበ መንእሰይ ነጻ ናይ ምንቅስቓስ ዕድል ተዋህቦ። ነቲ ብዙሕ ዕንጸይቲ ዝወስድ እንጀራ ብባኒ ንምትካእ ፈተነ ተገብረ። ማለት ነቲ ብመሸላን ዕፉንን ጣፍን ኣብ ዘዝረኸብካሉ እዋን ዝስራሕ ዝነበረ ጣይታ ጽቡቕ ኣይነበረን ኣይኮነን። እንታይ ድኣ ሰባት ኣብ ጎቦታት ሊእኽካ ከክንዲ ግላዕ ዝኸውን ዕንጸጨይቲ ሰሰቢሮም ናብ ሸንጭሮታት የውርዱ ነበሩ። እቶም ሰበኽ ሳግም እውን ብግዲኦም ነተን መቐመጢኦም ትኹል ዝኸውን ዕንጨይቲ ካብ ምእካብ ዓዲ ኣይወዓሉን። ስለዚ ድማ ነዚ ዕንጨይቲ ዝውድእ መጎጎታት ተሪፉ ባኒ ዝሰርሕ ፎርኖታት ክስራሕ  ተጀመረ። ኣብ ምንታይ እቲ ጉዳይ ከምዝተወድአ ኣይፈለጥ ድኣምበር እቲ ፈተነስ ኔሩ እዩ።

ነዚ ኩሉ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝግበር ዘሎ ኣደናቒን መሃዝነት ዝመልኦ ናይ ጉድጋድ ዓለም ዝረእዩ በጻሕቲ ኣብ ዓዓዶም ምስከዱ ነዚ ተኣምራት መሰል ፍጻሜ ክዝርግሕዎ ጀመሩ። ጋዜጠኛታት ድማ ናብ ሜዳታት ሳሕል ወረዱ። እቲ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ሕዝቢ ተገረመን ተሓጉሰን። እምበኣር ኣብ ንውሕ ዝበለ እዋን ካብ ወጻኢ እውን ዝውሰድ ነገራት ክህሉ እዩ ኢሉ ኣመነ። እዞም ኣዝዮም ዘገርሙ ሕዝቢ ድማ በየን መዓስን ከመይን ብዘይገድስ ናብ ዕላማኦም ክብጽሑ ምኻኖም እናተረድአ ከደ።

ኣብ ወጻኢ ዝነብር ሕዝቢ ምሃብ ካብ ዝጅመር ነዊሕ እዋን ሓሊፉ ኢዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ግን ኣብ ማዕዶ ህይወት ተስፋ ክረኣዮ ጀመረ። ስለዚ ድማ ገለ ገለ ካብኣታቶም ንጌዜ ሽምግልናኦም ዝኸውን ገንዘብ ይኹን ጥሪት ከይሓሰቡ ጸንሑ። ገለ ገለ ዒራ ጽባሕ ዓድና ክንኣቱ ኢና ብምባል ብስም ኣዝማዶም ገዛውቲ ክገዝኡ ጀመሩ። ገለ ድማ ቤት ትምህርቲ ገዲፎም፡ ኣብ ነፋሪት ተሰቒሎም፡ ካብኡ ናብ ኣውቶቡስ ብምድያብን ቀጺሉ ድማ ኣብ ኣግማል ብምውጣሕ ነዛ ካብ ምድረ በዳ ርእሳ  ተቐልቅል ዘላ መርከብ ንክስቀሉ ተበገሱ። ኣብዚ እውን እቲ ወሃባይ ብዙሕ፡ እቲ ወሳዳይ ድማ ሓደ እናኾነ ቀጸለ።

ግቡእ ምግባር

ኣብዚ ህሞት እዚ እቶም ወሃብቲ ብዓይንና ክንርኢ ይሓይሽ ብምባል  ተበገሱ። እቶም ኣብ ሜዳ ዝነበሩ መሰልቶም ድማ ልክዕ ከምኦም ስለዝተሰምዖም ብዛዕባ ሓለፍቶምን ኣካየድቶምን ዝነበሮም ኣረኣእያ በጨቕ ከብሉ ጀመሩ። ምኽንያቱ እዚኣቶም ናብሮኦም እናቐለለን ኣብ ኣመና ናይ ምውሳድ ዓለም ከምዝነበሩ ስለ ዝስተብሃሉሎም ኢዩ። ዘይግቡእ ናይ ደቀንስትዮ ኣተሓሕዛ ክግበር እናራኣዩ ዓገብ ኣይብሉን ነበሩ። ካልኦት ኣብ ክሽነ ዝዳሎ መግቢ ኣዝዩ ጥዑምን ክቡርን ምኻኑ ተዓዘቡ። ኣውቶቡሳት ናይ ምግዳል ሽግር ዝፈትሕ ነገራት ክንድዝስከማ ኣብ ጉዕዞአን ክቡር ዝኾኑ ነገራት ክጸዓናን ከራግፋን  ተራእያ። ምሸት ምሸት ፈስታን በዓልን ሙዙቃን ኣብ ጎቦታት ተሰምዐ። ስለዚ ድማ እቶም ተዓዘብቲ ክጻወርዎ ስለዘይከኣሉ ኣንጻር እዚ ናይ ኩሉ ዓይነት ምውሳድ ክቃወምዎን ክዛረቡን ጀመሩ።

ለዉጢ ዝመጽአ መሰለ። ኣይፋሉን ድኣ። እቲ ስርዓት ብዘይ ሓድሽ ናይ ኣሰራርሓን ኣነበብራን መስርሕ ክቕጽል ኣይከኣለን። እቲ ስርዓት ክህሉ ጥራሕ ዘይኮነ ክስስን እውን ኣለዎ። ገለ ዓይነት ለውጢ እንተድኣ ዘየለ ምህላው ጥራሕ ኣብ ሓደ ናይ ዕጥይጥይን ዕንክሊሊን መስርሕ እዩ ዘድህብ። ስለዚ ሓንቲ ክትግበር ትከኣል ዘላ ነገር ነቲ ለውጢን ናይ ለውጢ ስሚዒትን ጻዊዒትን ምቁጽጻር ጥራሕ ኢዩ። ኣብዚ መወዳድርቲ ኣብ ዘይብሉ ንበይኑ ዝዓነተረ ናይ ውሽጢ ሓይሊ እዚ ዓው ተባሂሉ ኣይተኣመንሉ ድኣምበር ገለ ገለስ ነቲ ከቢብዎም ዘሎ ናይ ምፍዛዝን ናይ ስቕ ኢልካ ምጽባይን ኩነት ተመንይዎም ነብሰ ቕትለት ይገብሩ ነበሩ። ገለ ድማ ናብ ኢትዮጵያ ኢዶም ይህቡ ኔሮም። ገለ ገለ ድማ ኣብ ሕልምን ምስታይን ጢሒሎም ግዜኦም የሕልፉ ነበሩ። ገለ ገለ ድማ ኣእምሮኦም ስሒቶም ኣብ ምድረ በዳ ኮለል ክብሉ ይውዕሉ ነበሩ። እቶም ገለ ጎራሓት ነቲ ህልዉ ኩነታት ተቐቢሎም ምስ ሓለፍቶም ክመሳሰሉ ምእንቲ፡ ዓሻ  ተመሲሎም ነቶም ዘዕልሉ ሰባት ጽን ይብሉ እሞ፡ ጸልማት ተጎልቢቦም ናብ ጎዳጉዲ ዝርከብ ገዛውቲ እናኸዱ ነቲ ካብ ኩሎም ብዙሕ ዘይፍለጥን ብዙሕ ዘይረአን ውልቀ ሰብ እዚ ተባህለ እዚ ተደገመ ብምባል ወረ ከበጻጽሑ ይርከቡ ነበሩ። እዚ እዩ እቲ ኩነት ዝመስል ዝነበረ።

ካብ ዕለታት ሓንቲ መዓልቲ እምበኣር ቀስ ኢሉ ዝመውት ዝመስል ምንቅስቓስ ነበረ። ጸላኢ ዝቑጸር ዓቢ ሓው የልቦን። ኣብ መሳርዕ ጉድለት ስነ ስርዓት ተቐልቐለ። ደቂ ኣንስትዮ ፍሉይ መግቢ ከዳልዋ ተራእያ። እቶም ደቂ ተባዕትዮ ካብ መሸላ ፍሉይ ወይኒ ክጸምቑ የምስዩ። ጸላኢ ክሳብ ዝመጸና ክንጽበዮ ኢና ብዝብል መንፈስ ኣብ ጻዕዳ ጣፍ ዝመስል ዝነቐጸ ሩባታት ዕላታት ሰፈነ። እቲ ወጻእተኛ ግን ሓይሉ ኣብ ምጽናዕን ነቶም ኣብ ትሕቲ ስልጣኑ ዝርከቡ ዜጋታት በቲ ናቱ መንገዲ ንክኸዱ ወፈራታትን ኣስተምህሮታትን የካይድ ነበረ። ብዛዕባ እዞም “ሸፋቱ” ክሓስብን ኣቓልቦ ክገብርን ግን ጌና ግዜ ኣለኒ ኢሉ ሓሰበ። የርክበሎም እየ ብምባል ድማ ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ኣብ ምድልዳልን ሓድሽ ወፈራታት ብምስጢር ኣብ ምድላው ኣትዩ ነበረ። ስለዚ እዞም ዓንተራት ነቲ ምድረ በዳ ንበይኖም ቢሒቶሞ ንገለ ዓማውቲ ስለዝጸንሑ ኢዩ እዚ ድስከላ ዝተራእየ።

ኣብ መንጎ እዘን ልሙጻት ኣእማን፡ ጨዓ ኣእዋምን፡ እሾኽን ዝሰፈኖ ጎቦታትን ኣኽራናትን ሓንቲ ንእሽቶ ቃና ተሰምዐት። ናይ ለውጢ ቃና። እቲ ሓንጎል ብመፈለምታ ቀብ ኣበላ። ጸኒሑ ግን እቲ ወሳኒ ባእታ ሸለል ክብሎ ኣብ ዘይክኣል ግዜ ተበጽሐ። ከም ቀደሙ ድማ ግዜ ኣየጥፈአን። ስጉምቲ ክውሰድ ምእንቲ ውሑዳት ሰባት ተሓርዩ። ነቲ ቃና ድማ ክቓንይዎ ዘይኮነስ ከቓንዩሉ ተመደቡ። ኣኼባታት ተጸውዑ። እቶም ወሰድቲ ኣብ ዳንኬራን ሳዕሲዒትን ጸወታን ምብላዕን ምስታይን ዝሳተፉ ዝነበሩ፡ ነዚ ታሕጋስ እዚ ንኽወስዱ ንቡር ከምዝኾነ ተተንበሃሎም። ጥዑም መግቢ፡ ወይንን ስዋን ሜስን፡ ደቂ ኣንስትዮን ነዚታት ንምውሳድ ድማ ቦታን ግዜን ከምዝነበረ ፈለጡ።

ብበሓደ ድማ ነዚ ጌጋታት ተኣመኑሉ። ኣንጻሮም ንዝስማዕ ዝነበረ ዘረባታት ካብቶም ኣብቲ ጸወታ ዘይነበሩ ባእታታት ክሰምዑ ተገደዱ። እዞም ካብቲ ጉዳይ ወጻኢ ዝነበሩ ሓንቲ መዓልቲ ኣብታ ናይ ስመረት ከተማ መዓስ ኢና ንኣቱ ኢሎም ዝኣምኑ ሰባት ኢዮም ኔሮም። ሕጂ ከምዝተረድኦም ግን እቶም ሓለፍቶም ኣብቲ ናይ መንገዲ ታሕጋስ ይኹን ዳንኬራ ገዲፎሞም ስለዝኸዱ፡ ርትዓውነቶም ተቐኒቶም ብወግዒ ብዛዕባ እቲ ዝግበር ዝነበረ ሓለፋታት ተዛረቡ። ግቡኦም ምኻኑ ስለዝፈለጡ ድማ ርእሰ ተኣማንነቶም ልዑል ነበረ። እካድኣ እቲ ነቐፌታን ነብሰ ነቐፌታን ድኣ እዚንድዩ ዝብል ናይ ውድብ እምንቶ ክደጋግድምዎን ክጥቀሙሉን ተበገሱ። ካብቲ መኣዛዊ መግብን ፍሉይ ፍስሃን ስለዝተፈልዩ ድማ ሕጉሳት ነበሩ። እዚ ናቶም መዓልቲ ነበረ። እቲ መንገዲ ድማ ክቕጽል እዩ በሉ። ኣገዳሲ ስለዝተረዳዳእናን ሽግራትና ክንፈትሕ ስለዝተዛረብናን ናብቲ ቀንዲ መንቀሊና ብምምላስ ናብ ዕላማና ነምርሕ ኢሎም ልዋም ለይቲ ሓደሩ።

ንጽባሒቱ እቶም ናይ ታሕጋስ ወሰድቲ ከካብ ዘለውዎ ተጸዊዖም ናብቲ ኣብ በሪኽ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ተወሰዱ። ኣብኡ ድማ ሻሂን ቅጫን ቀረበሎም። እቲ ዝገበርዎ ተገባር ናይ ዓያሹ ከምዝነበረን ከምዝተማሕሩን ድማ ተነግሮም። እቶም ኣውራ ክመሃሩ ዘለዎም እቶም ካልኦት ምኻኑ ተሓበሩ። ካብ መዓስ እዮምከ እቲ መንገዲ ከም ናቶም ዝወሰድዎ? ሓደ ሰብ መንገዲ ኣለኒሞ ካልኦት ድማ ክጽንበሩኒ ኣለዎም ኢሉ ክሓስብ ሰናይ እዩ። ግንከ ነቲ እከይ ኣብ ምድረ በዳ ገዲፍካ ዝኽየድ ጉዳይ ኣይኮነን። ከምቲ ዝተራእየ ሓቂ ምዝራብ ኣዝዩ ምዕሩግ ባህሊ ኢዩ። እቲ  ዘገርም ኣብ ትሕቲ ኣፍንጭኡ ተስፋን ግቡእ ኣብ ምግባርን ክሳተፉ ምውሳኖም ኢዩ።

ስለዚ ድማ እቶም ወሰድቲ ክብሪ ዘይብሎምን ቆርበቶም ድማ ረጉድን ኮይኑ ተረኽበ። ስርሖም ዘበለ ናይ ፍስሃ ድሌት ድኣምበር ናይቲ መንገዲ ፖለቲካ ዝምልከት ኣይነበረን። እዚኣቶም እምበኣር እዮም እቶም ሓደስቲ መሓዙት ናይቲ ሰልፊ። ገበኖም ጸብሒ ደርሆን እንቆቆሖን ስለዝበልዑን እቲ ትልሂት ስለዝተፈተዎም እዩ። እቲ ጽላሎት ኣይከምኡን። ጽላሎት መግቢ ኣየድልዮን እዩ ባዕሉ ስለዝሰርሖ።

እቲ ወሳዲ ግቡኡ ይገብር

ኣጋ ምሸት ኮይኑ ጸሓይ ሙቐታ እናዳህሰሰት ኣኼባ ኣብ ትሕቲ ዓዳይ ተገብረ። ኣብዚ ፍሉይ ኣኼባ መደረ ተመደረ። ጸብሒ ደርሆን እንቆቆሖን ምብላዕ ነውሪ ኣይኮነን ተባህለ። ፍሉይ ግዜን ፍሉይ ኩነታትን ስለዝኾነ። እቶም ተዛረብቲ ብዙሕ ጌዜ ኣብ ኢዶም ስለዝነበረ ክዛረቡን ክካትዑን እንከለዉ ናይ ስራሕ ግዜ ስለዝበዝሖም እዩ ተባህለ። ድሕሪ ሕጂ ክጥንቀቑን ብዛዕባ እቲ መንገዲ ዝያዳ ክሓስቡን ክግድሱን ጻውዒት ተዋህቦም። ወይ ካኣ እቲ መንገዲ ረሲዖሞ ድዮም? ኣይንረስዕ ኩልና ኣሓትን ኣሕዋትን ኢና። ኣብ መደምደምታ ድማ ብዛዕባ ተገዳስነትኩም እናኣመስገንና ዝያዳ ኣቓልቦ ክግበረሉ ምኻኑ ከነብስርኩም ንፈቱ ብምባል እቲ ኣኼባ ተፈጸመ።

ኣብቲ ዝቐጸለ ሳምንቲ እቶም ወሃብቲ ዝያዳ ትምህርቲ ክቐስሙ ግንከ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታ ድኣ ተላእኩ። እዚ ድማ ነቲ ኣብ መንገዲ ዘድሊ ዝተፈላለየ ዓይነት ክእለት ንኸጥርዩ ይጠቅም እዩ ብዝብል ሰናይ ተበግሶ እዩ ዝተገብረ።

እዚኣ ወረ ካብ ጽርግያ ስለ ዝተረኽበት ስለዝኾነ ግን ነዚ ኣብ ብግምት ኣብ ከባቢ 1987 ኣቢሉ ዝተገብረ እዩ ዝበሃል ሓቂ ድዩ?  


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...