ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን፡ ሓደ ካብቶም ኤርተራና ዝኸሰረቶም ጀጋኑና

አብ ጉዕዞ ብረታዊ ቃልሰይ፡ ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገንን ስዉእ ተጋዳላይ መልኣከ ተኽለን  ካብቶም ብቖራጽነቶምን ብናይ ሃገሮምን ህዝቦምን ፍቕሪ ዝተሰነየ ጀብሃዊ እምነቶም ዘደንቑኒ ዝነበሩ ውሑዳት ተጋደልቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ እዮም፡፡

ኣብዚ ናይ ሎሚ ጽሑፈይ ብዛዕባ ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን እየ ክገልጽ፡፡ ኣብ መጻኢ እዋን ክኣ ምስ ብጻይ ተጋዳላይ መልኣከ ተኽለ ዘሕለፍኩዎ ጊዜን ዕላላትን ከካፍለደኩም እየ፡፡

ንስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን፡ መብዛሕትኡ እቲ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ ኣባል ይፈልጦ እዩ እንተበልኩ ዝተጋነነ ኣይመስለንን፡፡ እቲ ኣፈላልጣ ዝብሃል ግን ዝተፈላለየ ምዃኑ ዘየጠራጥር እዩ፡፡

ስለምንታይ ሎሚ ብዛዕባ ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን ክዛረብ መሪጸ ንዝብል ሕቶ፡ ሎሚ ቕነ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ተጋዳላይን መራሕን ኣቶ ነልሰን ማነደላ ስለ ዝዓረፈ ታሪኹ ብኹለን ማዕከናት ዜና ዓለም ይግለጽ ኣሎ፡፡ ሓደ ካብቲ መግለጺታት ናይ ታሪኹ እተን 27 ዓመታት ኣብ በት ማእሰርቲ ዘሕለፈን ዓመታት እየን፡፡

እምብኣር ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን ሓደ ካብቶም ውሑዳት ኤርተራዊያን ምእንቲ ሃገሮምን ህዝቦምን ን10 ዓመት ዝኣክል ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጸላኢ ብስቅያት ጊዚኡ ዘሕለፈ ጅግና ተጋዳላይ እዩ፡፡ በዚ ምኽንያት ኽኣ እየ፡ ዋላኳ ሳላ ጀጋኑ ተጋደልቲ ጀብሃ እቲ ናይ ማእሰርቱ ጊዚኡ ን10 ዓመት እንተ ሓጸረ፡ ጸላእስ ካብቲ ናይ ማንደላ ዝነውሔ ማእሰርቲ እዩ መዲቡሉ ነይሩ፡፡

ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን እቲ ኣብቲ ናይ መጀመርታ ሱሳታት ናይ መጀመርታ ናይ ተመሃሮ ምንቅስቓስ መራሒ ኮይኑ፡ ንተመሃሮ ኤርተራ ብጉዳይ ናጽነት ሃገሮም ክግደሱን ክቃለሱን ዝገበረ፡ ጅግናን በሊሕን ኤርትራዊ  እዩ፡፡ ሓደ ካብቶም ተመሃሮ  ንመሪሕነት ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን ኣኽቢሩ ዝኸይድ ዝነበረ ተመሃራይ ክኣ ኢሳያስ  ኣፈወርቂ ይብሃል፡፡

ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን መራሒ ምንቅስቓስ ጥራሕ ዘይኮነስ ብትምህርቱ ካብቶም ምሩጻት ተመሃሮ ልኡል መኮነን ስለ ዝነበረ ንቤት ትምህርቲ ልኡል መኮነን ወኪሉ ኣብ ዓውደ ክትዕ፡ ኣብ YMCA ብምስታፍ ብዙሕ ዓወታት ንቤት ትምህርቲ ልኡል መኮነን አመዝጊቡ እዩ፡፡

ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን ከምቶም ትምህርቶም ኣብ ዩኒቨርሲቲ ምቕጻል ዝመረጹ መማህርቱ ኣብ ክንዲ ዝመርጽ፡ ምስ ክፋል ጎኑ ዝኾነ ጅግና  ስዉእ ተጋዳላይ ስዩም ዑቕባንኪኤል ኣብ 1964 ንሜዳ ወጺኡ ምእንቲ ህዝቡን ሃገሩን ክቃለስ መረጸ፡፡ ከምቲ ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን ዘዕለለኒ፡ ምስ ስዉእ ተጋዳላይ ስዩም ዑቕባንኪኤል ንሜዳ ክብገሱ ከለዉ ንኢሳያስ  ኣፈወርቂ ምሳና ንዓናይ ምስ በልዎ ግደፉና ትምህርትና ክንቅጽል ኢና ኢሉ ከም ዝኣበዮም ይገልጽ፡፡

ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን ካብ ሓንቲ ድኻ ስድራቤት ተወሊዱ ብፍላይ ኣዲኡ ከምቲ ኩሉ ስድራቤት ኤርተራ ወደን ትምህርቱ ወዲኡ ክሕግዘን እንዳተጸበያ እንከለዋ ጠንጢኑወን ንሜዳ ምኻዱ ክሳብ ክንደይ ናይ ሃገሩን ናይ ህዝቡን ሕቶ (እሞ ኽኣ ኣብ 1964 ዓ.ም) ልዕሊ ናይ ስድርኡ ሕቶ ቦታ ሂቡ ይጉዓዝ ምንባሩ እዩ ዝርኣየኒ፡፡ ብ1976 ኣማሓዳሪ ምምሕዳር ቁ 9 (ኣውራጃ ሰራየ) ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣዲኡ ንመጀመርያ ጊዜ ክበጽሕኦ ኢለን ምስ መጻ፡ ርሑቕ እዩ ዘሎ በልዋ ኢሉ ከም ዝመለሰን ምስ ሰማዕኩ፡ ጉህየ ናብቲ ዝነበሮ ቦታ ከይደ ‘ወልደዳዊት ክንደይ ትጭክን፡ ኣዴኻ ድሕሪ ክንደይ ዓመታት ወደን ክርእያ መጺኤን ዋላ ናይ ሓደ ስዓት ናፍቖተን ከውጽኣ ዕድል ዘይምሃብካ ተጋጊኻ’ እብሎ፡፡ መልሱ ኽኣ፡ ‘ሰመረ ትብሎ ዘለኻ ይርድኣኒ እዩ ግን ኣደይ ካብቲ ካልእ ስድራቤት ኣይትበልጽን እያ’ ትብል ነበረት፡፡

ኣፍልጦይ ምስ ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን፡፡

ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን ኣብ ሰምበል ዝብሃል ቤት ማእሰርቲ ከሎ ቁሩብ ወረ ነይሩኒ፡፡ እቲ ወረ ካብ ኣቦይ (ወላድየይ) ዝረኸብኩዎ ምሉእ ዘይኮነ ወረ እዩ ነይሩ፡፡ ማለት ኣቦይ (ተጋዳላይ ጀብሃ ዝነበረ፡ ፍስሃየ ኩብሮም) ኣብ ቤት ማእሰርቲ ናይ ኤርትራ ወተሃደር ስለ ዝነበረ ብዛዕባ ምንቅስቓሳት ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን ኣብ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ ሰምበል ቁሩብ ይጠቕሰለይ ነይሩ፡፡

ብድሕርዚ ቁሩብ ኣፍልጦ’ዚ ምስ ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን ንመጀመርታ ጊዜ ብኣካል ኣብ ዓዲንኣምን፡ ኣብቲ መጀመርታ 1975 ተራኺብና፡፡ ኣብቲ ግዜቲ ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጺኡ ንኹሉ ዝቐረቦ ሰብ ሰላም ይብል ነበረ፡፡ ኣነ ኽኣ ከም ሰበይ ሰላም በልኩዎ፡፡

ቀጺልና ኣብቲ ርበዳ ዝተባህለ ቦታ ዝነበረ መደበራት ታዕሊም፡ ምስቲ ምቅርራብ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተሓሓዝ፡ ዘይህዱእ ኩነታት ነበረ፡፡ እዚ ዘይህዱእ ኩነታት ዝፈጠሩ ኽኣ ገለ ኣባላት መራሕቲ ውድብ ስለ ዝነበሩ ኩነታት ውድብ ኣብ ሕማቕ ገጹ ንኸይከይድ ዘስግኦም ብጾት፡ ከመ ብዓል ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን ከምኡ’ውን ስዉእ ተጋዳላይ ስዩም ዑቕባሚካኤል ኣብኡ ብምምጻእ ንኽሰምዕዎም ዝኽእሉ ሰባት እንዳተራኸቡ ጉዓዞ ቃልሲ ቀሊል ከምዘይኮነ፡ ካብ ምድንጋር ንኽንድሕን ዘድሊ ዝብልዎ ማዕዳታት ኣብ ዝህቡሉ ዝነበሩ ንኻልኣይ ግዜ ተራኸብና፡፡

ድሕሪ ናይ ርብዳ ርክብ፡ ከይደንጎና ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ስለ ዝኣኸለ ኣብኡ ንኽሳተፍ ክኣ ተመሪጸ ስለ ዝነብርኩ፡ ኣብዚ ጉባኤዚ እንደገና ንራኸብ፡፡ ውጺኢት ጉባኤ ዋላኳ ዕዉት እንተነበረ ኣብቲ ውሽጠ ውሽጢ ዝካየድ ዝነበረ ሕሹኽሹኽ ንኽርድኣኒ ቀሊል ኣይነበረን፡፡ ኣብቲ ግዜ’ቲ ክቐርቦም ዝኽእል ብቐረባ ተጋደልቲ፡ ተጋዳላይ ፍስሃየ ገብረሚካኤል (ኣባል ሰውራዊ ባይቶ ኮይኑ ዝተመርጸ) ካብ መባእታዊ ትምህርትና ክሳብ ኣብ ሃይለ ስላሴ ዩኒቨርሲቲ ብሓደ ዝነበርና ከምኡ’ውን ስዉእ ተጋዳላይ መልኣከ ተኽለን እዮም ነይሮም፡፡

ድሕሪ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ኣብ ዓልየት (ታሕታይ ባርካ) ሓድሽ ቤት ትምህርቲ ንናይ ፖለቲካ ካድራት ምስልጣን ተኸፊቱ ናይ ገለ ኣዋርሕ ትምህርቲ ድሕሪ ምክያድ ምስ ገለ ብጾተይ ናብ ምምሕዳር ቁ.9 ተመዲበ እኸይድ፡፡ ኣማሓዳሪ ምምሕዳር ቁ.9 ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን    ስለ ዝነበረ፡ እቲ ኣገዳሲ ኣፍልጦይ ብዛዕባ ብጻይ ወልደዳዊት ኣብዚ ይጅምር፡፡

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎ ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን ኣማሓዳሪ ኮይኑ ዘርእዮ ዝነበረ ናይ ኣመሓዳድራ ብቕዓት፡ ግደፍዶ ሓደ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ን10 ዓመት ዝተሳቐየ ሰብ፡ እሞ ኽኣ ቅድሚ ምእሳሩ ናይ  ህዝብን ሰራዊትን ምምሕዳር ተመኩሮ ዘይነበሮስ፡ ሓደ ናይ ምምሕዳር ትምህርቲ ካብ ዩኒቨርሲቲ ብዝልዓለ ዲግሪ ዝተመረቐ ሰብ ከርእዮ ይኽእልዩ ንኽትብሎ ዘጸግመካ ኣመሓዳድራ የርኢ ነበረ፡፡

ነዚ ንምግላጽ ኩነታት ምምሕዳር ቁ9 ንርአ፡፡

1.     ምምሕዳር ቁ9 እታ ካብተን 12 ክፍሊ ምምሕዳራት ዝጽዓቐ ተቐማጢ ህዝቢ ዝነበራ ክፍሊ ምምሕዳር እያ፡፡ ስለዚ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ክኣ ተ.ሓ.ኤ ምስቲ ህዝቢ ዘሎዎ ዝምድና ከይደክም ብዝያዳ ኽኣ ክድንፍዕ ንምግባር፡ በብቦትኡ ከድምዑ ይኽእሉ እዮም ዝበሎም ተጋደልቲ ከም ብዓል ገብረ ክርሰቶሰ ጽገ፡ ፍቕረማርያ ወዘተ ብምውፋር፡ ብኻልእ ሸነኽ ክኣ ባዕሉ፡ ሎምስ ቁሩብ ከዕርፍ ከይበለ፡ ኣብ ህዝብን ሰራዊትን ለይትን ምዓልትን እንዳተንቀሳቐሰ የዋፍረሉን ይዋፈረሉን ስለ ዝነበረ እዩ፡፡

2.    ምምሕዳር ቁ9 እታ ካብተን ናይ ከበሳ ክፍሊ ምምሕዳራት ዝበዝሐ ሰራዊት ዝነበራ ክፍሊ ምምሕዳር እያ፡፡ እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ክኣ፡ ጸላኢ ኣብ ድባርዋ፡ መንደፈራ፡ ዓዲዃላ፡ ቁሓይን ስለ ዝነበረ እዩ፡፡ ስለዚ ነዚ ብዝሒ ሰራዊት’ዚ ምምሕዳር ቀሊል ነገር ኣይነበረን፡፡ ምኽንያቱ ብሰንኪ ፋሉላዊ ምንቅስቓስ፡ ኣብ መንጎ ገዳይም ተጋደልትን ሓደስቲ ተጋደልትን ብዙሕ ጸገማት እዩ ዝፍጠር ነይሩ፡፡ ብዘይ ምግናን ብመንፍዓት ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት፡ ምንቅስቓስ ፋሉል፡ ኣብ ምምሕዳር ቁ9፡ ቅድሚ ኩለን ተ.ሓ.ኤ. ዝነበረትለን ክፍሊ ምምሕዳራት ክሃድእ ኪኢሉ፡፡

3.    ኣርሒቕካ ናይ ምጥማት ዓቕምታቱ ሰፊሕ ስለ ዝነበረ፡ ካብ ባርካ ዝመጽእ፡ ንሰራዚት ዝኸውን ስንቂ፡ ከም ጸብሒ ዝኣመሰለ፡ ከቋርጽ ይኽእልዩ ብምባል፡ ንሓረስቶት ብርስን ዝርኡሞ ንሕና ክንገዝኣልኩም ኢና ብምባል፡ ነቲ ናይ ጸብሒ ሽግር ኣብ ሓይልታት የቃልሎ ነበረ፡፡

4.    ኣብቲ መጀመርታ 1976 ናይ ክዳውንቲ ሽግር ኣብ ሰራዊት ተ.ሐ.ኤ ብፍላይ ክኣ ኣብ ከበሳ ዝነበራ ሓይልታት ኣጋጢሙ ስለ ዝነበረ፡ ካብ ትግራይ ዓለባታት ብምግዛእ ብበላይ ዝተባህለ ሰፋይ ክዳን ኣስፍዩ ኩሉ ኣባል ሓይልታት ሰራዊት ናይ ምምሕዳር ቁ.9 ከምዝኽደን ገበረ፡፡

5.    ስንቅን ክዳንን ንኽገዝእ ዘብቅዖ ዓቕሚ ገንዘብ ካብይ ይመጽእ እንተተባህለ፡ ኣመሓደርቲ ይኹኑ ወከልቲ ቤት ጽሕፈታት ዝተወሰነ ገነዘብ መወገኒ ተባሂሉ ይወሃቦም ነይሩ፡፡ ካብዚ ገንዘብ እዚ እምብኣርዩ ኣዋሊዱ ንጸብሕን ክዳንን ሓይልታት ክዓጹ ዘብቅዖ ዝነበረ፡፡ ብዙሓት ተጋደልቲ ንዕረፍቲ ኢሎም ምስ መጹ ንስድራና ዝኸውን ሓገዝ ሃበና ኢሎም ይሓቱ ስለ ዝነበሩ የብለይን ካብ ሓይልታትኩም ክትወስዱ እዩ ዝግብኣኩም ስለ ዝብሎም ዝነበረ፡ ብዙሓት ተጋደልቲ ከማርርዎ እሰምዕ ነይረ፡፡

6.    ኣብ መንጎ 1975ን 1976ን፡ ኣብ ምምሕዳር ቁ9 ነካይዶ ዝነበርና ውግኣት፡ ብዙሕ መስዋእትን መቑስለትን ኣብ ሓይልታት ስለ ዝፈጠረ፡ ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ንመሪሕነት ብፍላይ ክኣ ንወተሃደራዊ ቤት ጽሕፈት ሰራዊት መልኡልና፡ ሓይልታት ጥርሐን ተሪፈን ኢሉ መልእኽቲ ምስ ኣመሓላለፈ፡ ናይ ሰራዊት ሽግር ኣብ ኩሉ እዩ ዘሎ፡ ዝብል መልሲ ሃብዎ፡፡ ንሱ ግን በሊሕ ስለ ዝነበረ፡ በሉ ሰራዊት የለን ካብ በልኩም፡ ኣብዚ ኣሰሊፍና ሽግርና ክንፈትሕ ፍቓድ ሃቡና ኢሉ ርኢቶን ሕቶን የቕርብ፡፡ መጨረስትኡ አፍቂድናልካ ዝብል መልሲ ይረክብ፡፡ ነቲ መደበር ታዕሊም ኣዳልየ ከመሓድሮ ሓላፍነት ይውሃበኒ፡፡ እቲ ዘድሊ ምድላዋት ድሕሪ ምግባረይ ነቲ ዝተመደበ ብዝሒ ሰራዊት ድሕሪ ምስላፍ፡ ወተሃደራዊ ትምህርቶም ወዲኦም ኣብ ሓይልታት ክንምድቦም ምስ ተዳሎና፡ ሃንደበት ዘይተጸበናዮ ‘ሕጊ ውድብ ኩሉ ወተሃደራዊ ትምህርቲ ኣብ መደበር ሳሕል ክኸውን ኣለዎ ስለ ዝብል፡ እንደገና ንሳሕል ወሪዶም ወተሃደራዊ ትምህርቶም ይፈጽሙ’ ይብሃል፡፡ ካብ ሕጊ ውድብ ኣይንወጽእን ብምባል ንሓደስቲ ተጋደልቲ የዕጊብና ንሳሕል ነፋንዎም፡፡ ምስቲ ዝነበረ ፋሉላዊ ኩነታት፡ ግሩሃት ሐደስቲ ተጋደልቲ ኣብ ከባቢ ሳሕል ምስ በጽሑ፡ ብዒራቓውያን ዓለምቲ ገይሮም ኣብ ሽግር ክድርብዩኹም እዮም ዝብል ጉጉይ ሓበሬታ ሂቦም ስለ ዘታለልዎም፡ ዳርጋ ኩሎም ንኸበሳ ተመሊሶም፡፡ ሓደ ካብቲ ዘሕዝን ነገር ክኣ ኣብዚ ኣውሮጳ ኣብ ሓደ ቦታ ከይደስ፡ ሓደ ተጋዳላይ ተ.ሐ.ኤ ዝነበረ ሰብ፡ ከምዚ ዝስዕብ ወረ ክህብ ሰማዕኩዎ፡ ‘ወልደዳት ዝብሃል ኣማሓዳሪ ቁ.9 ዝነበረ ኣብ 1976 ሓይሉ ንኸደልድል ኣብቲ ምምሕዳሩ ደቂ ዓዱ ከሰልፍ ፈቲኑ ግን ኣይሰለጦን’ ይብል፡፡ ብወገነይ ብዙሕ ጓሂ ተሰሚዑኒ፡፡ ነዕኡ ይኹን ነቶም ዝሕብሮም ዝነበረ ሰባት ከመይ ኢሉ እቲ መደብ ከም ዝተበገሰን ኣነ ሓለፊኡ ምንባረይን ድሕሪ ምግላጽ ተራዳዲእና ተፈላለና፡፡

7.    ከም ኣመሓዳሪ መጠን ጸብጻባት ናብ ኩለን ቤት ጽሕፈታት የመሓላልፍ ነበረ፡፡ እቲ ዘገርመኒ ዝነበረ ግን፡ ጸብጻብ ምምሕልላፉ ዘይኮነስ፡ ነቶም ትግርኛ ዝርድኡ መራሕቲ ብትግርኛ፡ ነቶም ዓረብ ዝርድኡ ኽኣ ብዓረብ ጺሒፉ ይልእከሎም ምምባሩ እዩ፡፡ ሓደ ግዜ ኮፍ ኢልና እንዳ የዕለልና፡ ወልዴ እዛ ቋንቋ ዓረብስ፡ ምዝራብሲ ሕራይ እቲ ምጽሓፍስ ካበይ ኣምጺእካዮ እብሎ፡፡ ስሙር ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከሎኹ ብቓልስና ኣይድቅስን እየ ነይረ፡፡ ቋንቋ ዓረብ ምዝራብ፡ ምምባብ፡ ምጽሓፍ ከም መደብ ወሲደ ይቃለሶ ነይረ ይብል፡፡ ‘ኣብ ቤት ማእሰርቲ ትምህርቲ ነይርኩም ማለት ድዩ’ እብሎ፡፡ ኣይኮነን፡ ቁርኣን ስለ ዝነበረ፡ በቲ ቁርኣን ገይረ እምሃር ነይረ ይብለኒ፡፡ እዚ ኽኣ ሐደ ካብቲ ናይ ሃገሩን ህዝቡን ዝነበሮ ሓያል ፍቕሪ መዐቀኒ ኮይኑ እረኽቦ ነይረ፡፡

8.    ስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ነቲ ኹሉ ብናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ እምነቱ ነቕ ዘይብል ተጋዳላይ ዋላ ሂወቱ ከሕልፈሉ ድሉው ዝነበረ ተጋዳላይ እዩ፡፡ ብኣናጻሩ ኽኣ ነቲ ብኽፍኣት፡ ወይ ክኣ ጠበቓ ህዝባዊ ሓይልታት ኮይኑ፡ ኣብ ሰራዊት ይኹን ህዝቢ ሕንፍሽፍሽ ከእቱ ዝፍትን፡ ኣብ ዓውደ ክትዕ ይኹን ኣብ ኣኼባታት፡ ብዘይ ንሕስያ እዩ ዝገጥሞ ነይሩ፡፡

9. ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንወልደ ዳዊት፡ ክሳብ እታ አብ ከሰላ ብወይጦታቱ ጌሩ ዘቕትሎ፡ ካብ 1975 ጀሚሩ እዚ ሰብ’ዚ ንዓይ ሓደገኛ እዩ ኢሉ ስለ ዝፈርሆ ዝነበረ፡ ብወገን ህዝባዊ ሓይልታት ይኹን ብወገን ኣብ ውሽጥና ዝነበሩ ፋሉል ገይሩ፡ ናይ ምጽላም ተግባራቱ ብጽዑቕ መንገዲ ይነዝሕ ነበረ፡፡

ዝኸበርኩም ኣንበብቲ፡ ከየንውሓልኩም ንሎሚ ኣብዚ ደው ክብል፡፡

ሰመረ ፍስሃየ

ፈረንሳ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...