Article Index

ንዝተሸመ ተኸተሎ: 1ይ ክፋል። 23-11-12፡

ፕረሲደንት ኢሳይያስ ተሰዊሩ ቀንዩ ኢሎሞ። እሞ ህዝቢ ድማ ከከምትጽቢቱ ከምተሻቐለ ሰሚዕና። ግደ ሓቂ ኣብ ዕዮ ፈጣሪ ክንኣቱ ኣይግባእን። ኣምላኽ ምሕረቱ ኣውሪድልና እንተኾይኑ ግና መዓረ። በቲ ካልእ’ውን ንሱ ተዋሊኡ ከምዘይቀነየ ከምታ ልማዱ በታ ዝተነስዐቶ መጻንሒት ተሓጊዙን እንታይ ክበሃል ከምዝቀነየ ቀራሪሙን ብመስኮት ቲቪኡ ብምቕልቃል “እነኹል ኩም ሞት የብለይ ሕማም፡ ዝሞቱን ዝሓመሙን’ሞ ተቓወምቲ ኢና በሃልቲ (ህዝቢኤርትራ) ኢዮም” ክብለና ይኸውን።

ይዝከረኒ ከምዛዋዛ፡ “ኡይ በሊ መሬት ብዕዋላ ተገዝኢ” ይበሃል ከምዝነበረ። ቋንቋ ዓዋሉ ብሓቂ ከምኡ እንተኾይኑ ነዚ ናብ ህዝብና ዝወረደ እዋናዊ ሓርጎጽጎጽ’ውን ብመግለጺ ወዲ-ዓይኒ መዓር ልክዕ መሰታ ሞት ኢዩ ተተርጒሙ። እሞ ብክቱር ት ዕቢት ክሳብ ድማ ኣንዊሖም ዝኣሰርዋ ደርሆስ ዝተፈትሐት ከምዝመስላ ተጠቢቡ ተመሲልልና!!!

ኦይ! እታ ዝተኣስረት ደርሆ’ኮ ከምታ ዝሓቖፈት ኣይተኾርመየትን። ብእስርታ መሬት ካብ ምፍሕታር፡ ተንቀሳቒሳ መግባ ካብ ምምእራር ኣይተቛርጽን። እታ ንእዋኑ ዝሓቖፈት’ውን ከምኡ ንሓዋሩ ክትበዝሕ ክትስስን ክትብል’ያ ንግዚኡ ኣብ ባኹራኣ ት ሓቅቕን ደርሆነታ ዝድረትን። ካብ መጀመርታ ሕቕፎኣ ኣትሒዛ ድማ ኣንጻር ኩሉ ተጻብኦ ነብሳን ፍርያታን ትውፈ። ኣማስያ ኡ ድማ ፍረ-ጽንዓታ’ዩ’ሞ ደቃ ክስስኑን መሬት ክመልእዎን ኢዮም። ደቂ ኤርትራ!!!!!!!!!!!!!!!

ኢሳይያስ ዓሻ ኢዩ። እንኮላይ ዘይተባዕ፡ ዘይኤርትራውን ዘይፍጡር-ሰብን። እቶም ኣጸቢቕኩም ትፈልጥዎ መቸም ከምትድግ ፉኒ እተኣማመን ኢየ። ንኩሉ ናይ ብርሰት ዕጥቁ ብ ’ውልቀ-መላኽነት’ ዝተሸፈነሉ ገበነኛ፤ ዘይከምቲ ዝበሃል ንሱ መፈጠሩ በዲልዎ ኣብ ሞንጎ ቅንእን ፍርሕን ተቐርቂሩ ከምዝነብር  ኣጸቢቕኩም ትፈልጥዎ ኢኹም። እሞ ዕጫኡ ንዝበጽሐቶ ሓደ ሰ ብ ክውግን እንተተኣዚዙ “ዘይ እዝስ፡ እዚኣስ ከምኡ ኢዮም” እናበለ ሽሕ ሰብ የህልቕ። ሓደ ሰብ ክኣስር እንተተራእይዎ ኣን ጻር ሕልናኡ ብምኻድ ሽሕ ይቕፍድ። በሉ “መንኢዮምከ ኣዘዝቱ” ከይበልኩም ፈተኹሞ ጸላእክሞ ከምኡ ኢዩ ኢሳይያስ ማለ ት።‘ዘይቀንእ ኣይወለድ’ ይበሃል’ዃ እንተኾነ ናቱ’ሞ ቅዱስ ቅንኢ ማለት መዓስ ኮይኑ። ቅዱስ ቅንኢ’ኮ ምስ ሓያላት ጥራይ ኢዩ ዘሎ። ማለተይ ከምኡ እንተዘይከውን’ሞ ኣብ ሞንጎ’ቲ መሓሪ ህዝቢ ኣትዩ ክንድኡ ዝተናኾል ፈራህ! ኣይምኾነን።

ልክዕ ሎሚ’ውን ከምቀደምና ብተጻባእቲ ተኸቢብና ኢና። ብኣዝዩ ዓለም ዘዛረበ ማሕለኻታት ክንቅፈድ ተፈሪድና። ከምኡ ድማ ካብ ገዛእ ሃገርና ብኣስገዳድ ተኾብዂብና ናብ ብዓለሙ፡ ብቀንዱ ናብ ኣፉ ዝኸፈተ መሬታዊ ኮነ ማያዊ ጋህስታት ክን ድርገም ተቐሲብና ኢና።

መሰረት ውርደትና ዝኾነ ገዛእ ፕረሲደንትና ድማ ነዛ ብላሽ ዓለም ኣሚኑ ምስ መጓጅምቱ ተዋድዩ ንኤርትራዊ ብነዊሕ ገመ ድ ኣሲሩ ከሰራጥዮ’ዃ እንተፈተነ፡ ህዝብና ድኣ መዓስ “ተኣሲረ ኣኺልኒ”!  ኢሉ ኢዱ ሂቡ። መንእሰይና ንዓለማዊ ማሕለኻ ዝበትኽ መንእሰይ’ምበር “ካን ተቐፊደ” ኢሉ ከም ብመኽደን ድስቲ ተለዂቱ መዓስ ሸሊቚ ተሪፉ!

ዝኾነ ኮይኑ ንመስዋእቲዶ መለሳ ኣልይዎ ኢልኩሞ! ሎሚ’ውን ከምትማሊ ሕፍሶ ዜጋታትና ንኸፍል ኣለና። ግናኸ ሓንቲ መ ዓልቲ ከምቶም ደቂ ዪስራኤል ሃገርና ከምነማሙቓ ስለንኣም ከምትጽቢት ካሕዳያት ዘይኮነ እንሆ ኤርትራዊ ሎሚ’ውን ዓለ ም የዛርባ ይርአ። ከምትምኒት እኩይ ህዝብና ክብተን፡ ሃገርና ሓንሳብን ንሓዋሩን ክትድምሰስ ካብዘይተኻእለ ዳግማይ ንዓለ ም ከነዛርብ ምኽኣልናስ እንታይ ዝኣመሰለ ውህብቶኾን ይኸውን?

ኤርትራዊ ሎሚ’ውን ከምትማሊኡ  በዚ ዝቐነየ ናይ ባሕሪ መስዋእቱ ኣይረዓደን። እዃድኣ “እንታይ ንግበር”? ኢዩ ክበሃል ተቐንዩ። ቅንያት “እንታይ ንግበር? መን ይምጻእ” ልብና ሰቒልዎ ከምዝቐነየ ሓቂ ኢዩ። እዚ ሰሙናዊ ፍጻመታትን ጠለባቱን ብዙሕ ነበረ ዓይነቱ። ኣብቲ ምድረ-በዳዊ መሬት ምድረ-ዓረብ ዝርንዝሕ ዝኮዖ ንብዓት ደቂ-ሓበሻ ክውሕዝ ርኢና ምስኦም ምንባዕና እቲ ሩህሩ ባህርያትና ስለዝቐሰበና እንኮላይ ንኢቲዮጲያዊያን ኣሕዋትና ነቢዕናሎም። ምስኦም ግምባር ከምዘድልየና ክንሓስበሉን’ውን ኣዘኻኺርና ኣሎ። -----ግምባር ሓበሻ!----

እንተኾነስ ቀታሊና ሰቡ ኮነ መሬቱ መጺእናዮም’ምበር ኣይመጹናን’ሞ ክንድዑ ክንግዕረሎም ስለዘይግባኣና ቀዳምነትና ኢዩ ዋና ሰላብ ቅንያትና ዝነበረ። ብምዃኑ ብዝጸንሐ ደምበ ተቓውሞ ዘስቆርቆረ ቃልሲና ብካልእ ክልተ መገድታት ተቐላቒሉ ኣ ሎ።ተበግሶ ወዲ-ባካሮ ቀዳማይ ተጠቃሲ ኮይኑ ቀንዩ። በቲ ካልእ ድማ ተበግሶ ተጋደልቲ ህ.ግምባር ነበር። ምናልባሽ “እዚ ተበግሶታት’ዚ መቐጸልታ’ምበር መዓስ ሓድሽ” ከብለኩም ክኢሉ ይኸውን። ሃቂ’ዩ ‘ቲ ዘገድስ እንታይ ዝመልክዑ ሓድሽን ከመይን ድኣ’ምበር ሕጂ ዝመሃዝ ቃልሲ ክርአ ኣይንጽበን ንኸውን።

ዝኾነ ኮይኑ ንዝተሳዕረ ምስባል ካብሃለወ፡ ንዝተሸመ ምኽታል ከኣ ግድን ኢዩ። እንተኾነስ ዕድልና ግዲ ሓውሊላ ድሮ ድማ ደናጉላ ፖለቲካ ከንከራሩ ጀሚሩ ቀንዩ። መን ኢዩ ዝሽየም ድያ’ታ እዋናዊት ሕቶ ሓቀይ?

ንነገሩ ‘ንዝተሸመ ተኸተሎ’ ብኸመይ ተባሂሉ? እንታይ ማለት ኢዩኸ? ምስቲ “ዝነገሰ ንጉስና ዝበረቐ ጸሓይና”ዝብል ምስላ ቀ ዳሞትከ ምሕዝነት ኣለዎ ድዩ? ክንብል ንኽእል ንኸውን። ካልእ ብዙህ ብዙሕ ቅዉምነገርን መዳኸምያን’ውን ክንጠቅስ ንኽ እል። ዋና ገዛኢና ግና ዘለናዮ ግዜ ምዃኑ ዘይምዝንጋዕ ይበልጽ እብል ብወገነይ። ብቑዕ ዝመስለኒ ምኽንያት’ውን ኣለኒ።

“ብእዋን ውበ ዝጸመመስ ዝባን ውበ ክብል መተ” ተባሂለ ከምዝዳቐቕ እናተረዳእኩ ኣነ ድማ ሓደ ካብቶም ብግዚኦም ኣንጊ ሆም ናብ መስርዕ ናጽነት ዝወፈሩ ብምዃነይ፡ ኣብ ክፍሊ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ድማ ናጽነት ናብ ሓርነት መንጠሪት መሳልል ድኣ’ምበር ንርእሳ ከም ውድእቲ ዓላማና ከምዘይምዃና ስለዝተማሃርኩ፡ ኣዒንተይ ካብ ብንጉኡ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ንህዝባዊ ት መንግስቲ ከቛምታ ቆሊዐን ተሪፈን እብለኩም። ከምኡ’ውን’ቶም ከማይ። እሞ ዋላ’ዃ ንእዋኑ ይኹን፡ ምዕዋርና ካብ ዘይ ተረፈስ መንድኣ ይምረሓና? ንበል’ሞ ሽዑ’ቲ መልሲ ባዕሉ ደበኽ ክብል ይመስለኒ ኣሎ። ዝኸፍአ እንተኸፍአስ ኣብ ዓዲ ዕዉ ራት’ኮ በዓል ሓደ ዓይኒ ኢዩ ዝነግስ። ግና ድማ እቲ ወናኒ ሓንቲ ዓይኒ ክነግስ ዝኽእል እንተኾይኑ ማለተይ ምዃኑ ብዙሓት ከምዚከማይ ይሰማምዕሉ ኢዮም።

መቸም ምምራሕ ርእሱ ዝኸኣለ ስነ-ፍልጠት፡ ቆራጽነትን ግዜን ይሓትት’ዩ። ማለተይሲ ከማይ እንተኾንኩም መሪሕነት ንኣር ሓነት ኢዩ ዝእምተኒ። ኣርሓነት ተፈጥሮኣዊ ትዕድልትን ልግሲ ግዜን ኢዩ በሃላይ ኢየ። ግዜ ዘዝሃቦ ኩሉ ብእዋኑ ክዋሳእ ይር አ። ሽዑ ኣርሓዊ ውድቀትን ዓወትን ምስተኸስተ እቲ ሰዓቢ ድማ የግዲ ክስዕብ ኣለዎ። ኣርሓ ምስ ዝሰንፍ’ሞ ተካእቲ ንርእሳ ቶም እንተበርዒኖም ከድኣ መን ይተክእ ኢዩ ዘዛርብ ዘሎ። ተዋሳኢ ዘይብሉ ተዓዛቢ ወይ ተጸባይ ምዃንከ እንታይ ይመስል?

“ሃገር ድኣ’ሞ ዝመርሓ’ኮ ኣይትስእንን ኢያ” ኢልኩም እንተሓሲብኩም ሓቅኹም ኢኹም። ምኽንያቱስ መሲልና ድኣ ንቀናዞ ኣሊና’ምበር ድሮ’ዃ ዝመርሑናስ ተዳልዮሙልና ይህልዉ። ብዝተረፈ ስልጣን ብባህሪኡ ናይ ህልኽን ውድድርን ባይታ ብም ዃኑ ስልጣን ክትሻሞ ነብስኻ ብቕዕቲ ምግባራ ቀዳመይቲ ረቛሒት ኢያ። ኣብ ብዓለሙ ብፍቶት ስልጣን ዝሓድግን ዝወስድ ን ስለዘየለ ማለተይ’የ።

ኣብ ጉዳይና ምስእንምለስ፡ እንተድኣ ካብቶም ቀዳሞት ተቓወምቲ ክመርሕ ዝኽዕል ተረኺቡ ወሸለ በዓል ፈረስ ይኹኑ’ም በር ሜዳስ እንሀሉ። ከምኡ ስለዘይተኻእለ እንተድኣ ተጠማሚትካ ደውን ብጭጉራፍ ቃላት ክትናቖት ጥራይን እንተኾይኑ ቀደሙ’ውን ‘ኣነዶ ከይሕዛ ነዊት፡ ንስኺዶ ከይትበልዒ ሰዊት’ ዝተባህለሉ ምኽንያት ብኸምኡ ኢዩ።

መን ኢዮም ስልጣን ዝሕዙ? ጀብሃዶ ሻዕብያ ወይስ ካልኦት? ብርጌደ-ሜጀር ጀነራላትዶ ምንኣሶም ካብእግሪ? ሃማሴነቶትዶ ካብቶም ካልኦት? እቲ ተጋዳላይ፡ ማእከላይ ሽማግለ፡ ሚኒስተርን ሎሚ ድማ ሰልፉ እናመርሐ ‘እነኹ’ ዝብል ዘሎ መስፍን ሓጎስዶ ስብሓተ-ፍሊጶስ? ጀነራል ጠዊልዶ ዳግማይ ወዲ-ዓሊ? ወይስ ኣይሕሱብ ካብስዉራን ወንበሩ ክኹደጭ?........

መዓስን ስለምንታይን ከምተባህለ ከይተጣለለ ብዛዕባ ብስም ‘ተባሂሉ’ ተባሂሉ ከይንሰማማዕ ከምዝተሰማማዕና፡ ዝውረ ላሕ ኲ ብሂላት ዝፈለጥክዎ’ዃ እንተዘይሃለወ፡ ብከምኡን መሰሉን ኣኹሪፍና ንሕሰሞ ረብሓስ ኣይወሓደን። ልክዕ፡ ኣሉታስ ብከላ እንድዩ፤ ነቲ እምባ ቅዉም-ነገር ሰባት ብዝናኣሰት ኣበር ኣጋኒንካ ብዝላኻዕ ወረታት ኣማሪረ ንነብሰይ ከምግዝእቲ ናይዚ እዋ ን መጠን ከምቲ ዝውረየልና ደቂ ኤርትራ በይኑ ዝዓይነትና ሓሳዳት ስኑፋት ወይ ድማ ሕሉፋት ንበሃሎ ከይትኣምን ምሒር ከጓጥተላ እንከለኹ፡ ክሳብ ግዚኡስ ልብና ድማ ክሳብ ክንደይ ከምዝዕሹን ከምዝኸውሐን ከይዓጀበኒ ኣይሓልፍን።

ነገር ምርጫ ኮይኑ ሰብና ድማ “ሰይጣንዶ መልኣኽ ትመርጽ”? ተባሂሉ እንተዝሕተት ብዘተፈጥሮ መልኣኽ ምሓረየ እብል። እናሓንሳብ ግና ኣይኣዝዝ’ምበር ወዝቢ እንተኣጓኒፉስ ምርጫኹም ጭራሽ ካብ ክልተ ሰይጣውንቲ ጥራይ ሓዲኦም ምምራጽ ምስትሕተቱ ኣየናይ ዝዓይነቱ ሰይጣን ምመረጽኩም? ዶስ መሰል ተዓቅቦ ክወሃበኩም ሕቶኹም መንበልበልኩማ?

 


ንዝተሸመ ተኸተሎ: 2ይ ክፋል   30-11-13።

ነገር ምርጫ ኮይኑ  ሰብና ድማሰይጣንዶ  መልኣኽ ትመርጽ”? ተባሂሉ እንተዝሕተት ብዘተፈጥሮ መልኣኽ ምሓረየ  እብ ል። እናሓንሳብ  ግና ኣይኣዝዝምበር  ወዝቢ  እንተኣጓኒፉስ  ምርጫኹም  ጭራሽ  ካብ ክልተ  ሰይጣውንቲ  ጥራይ ሓዲኦም  ምምራጽ  ምስትሕተቱ ንኣየናይ  ዝዓይነቱ  ሰይጣን  ምመረጽኩም? ዶስ መሰል ተዓቅቦ ክወሃበኩም ሕቶኹም  መንበልበልኩ ማ”?

ኢለ ኢየ ተሰናቢተኩም ቀንየ። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ናይ ሎሚየይ ጥራይ ኣይኮነን። ባዕለይ ኣብመንጎ’ቲ ክልተ ተገቲሩ እንርእዮ ዘለና  ሓሳባት ማለት፡ ቅኑዕ ሕልና ሃገራውነትን ጓና ተጻብኦ ናይቲ ከይሲ ባዕዳዊ ተጻብኦን ከምሰበይ ኣጸቢቐ ስለዝደኽደኽኩሉ ክሳብ ‘ዚ ሽግር’ዚ ዝፍታሕን ጥጅእ ሕትሞ ተንኮል ናይ ትሕተ-ሃገራውነት መራሒና መጺጹን ነፊሱን ሙሉእ ብሙሉእ ንኢድና ዝ በሃለሉ ግዜን፡ ሂወተይ ሙሉእ ቀጻሊ ክብሎ ኢየ። ንሕጂ ግን ነዛ ናይ ድኹም መልእኽተይ ከቐድም።

ኣብዛ ሽቅልቲ ቅንያት፡ ክቡር ፕረሲደንት ተሓኪሙ ተመሊሱ ስለዝተባህለ ‘ሙሉእ ምሕረት’ ክገብረሉን ክኾነልናን እምነ። እቲ ፍሉይ ተልእኾ ዝነበሮ ሱዳናዊ ኣቀባብላ እናተዓዘብኩ ድማ ድንገት በየናይ ኣእጋር ኣብኡ ከምተበጽሐ ሓሰብኩ። “ሎሚ ዘመንን ኣብቲ ቦታ’ትን ክንደየናይ ኣፊራ ብሰላም ትመልስ እሩቡናለ ከምትህሉ ክትእመን ኢላ” ኢለ ኢየ። መቸም ካባይ ድኣ የድሕንኩም’ምበር ዕሽነት ድማ የሽካዕልለለይ እንድዩ፡ ዘይምቕባጽ ግዲ ኮይኑ ሽዑድማ ብሓሳባተይ ነቲ ጉዕዞ ዳህሰስኩዎ።

እቲ ከምቲ ዪስራኤላዊ ገማግም ባሕሪ /Haifa/ ክለምዕ ዝነበሮ ሓደ ሽሕን ክልተ ምኢትን ኪ.ሜ. ገማግም ባሕርና ከምታ ቀ ደሙ በረኻ ጥራይ ስለዘሎ፡ ነዚ ንምትርጋኡ እታ ኣብ ጐድና ዕርፍን ጠበንጃን ዝተሳእላ ናይ ዓንተቦና ጠሓሒሻ ማኪና ማር ዮ ኣይተራእየትንን። ንሳ’ውን ካብቲ ካብ-ቤት ንደገ ሸፋሕ በዚሑ ተመንይዋ ግዲ ተሓሊላስ ሓንቲ መዓልቲ ብሕሹኽታ ኣመ ሪካ ምድረበዳ ክትስንጥቕ ብምንቃዳ ተሰዊራ ትኸውን። ወይ’ውን ነገር ተሰናኺልዋ ዒላዒሮ፡ ቃኘው፡ ተኸዚና ትኸው። ሓ ርበኛዊት ሓጺን፡ ክሳብ ግዜ-ኮነ ትሕዞ ነዊሕ ገመድን ኣዒንቲ ራሻይዳን ይድፈነላ ጥራይ!!

ዝኾነ ኮይኑ እቲ ሕርሻዊ ኮነትሕተ-ከርሳዊ ሃብትና ንከይንጥቀም ዝመከረ ክቡር መራሒና፡ ሎሚ እታ ትማምቖን ዝተመነያን በረኻዊት ናጽነት ኣይተረካቢትን ኢያ’ሞ እንዃዕ ድማ ብሰሪ ክቱር ስግኣት ድቡቕ ክፍኣቱ ካብታ ዝተፍነገቶ ከተማ ኣስመራን ካብ ብዓለሙን ብዒዱ ኣብታ ሂወቱ ከተማዕቅቦ ወጢኑ ብዶላርን ካልእ ምህርቲ ቢሻን ዝነደቓን ዝወረቓን ሱዳናዊት ሕክም ናኡ ሂወት ክሰኹዕ ቀነየ። ብልክዕ ዝፈልጥዎ ከዕልሉና መቸም ዕድሉ ኮይናቶ ዋላ ምስ ሞተ ኢዩ ዝፈርህ። ምስ ሞተ ከይተረ ፈ ተረፍ ናይ’ዞም ከይነግሩ ዘስግእዎ ዘጋደሞምን ዘስዕቦምን ፈለጥቱ ምስጢሩ ተጋሊጹ ዝኸፍአ ሽግር ከይመጾ ሰጊኡ፡ ከምዛ ሰማይ ከይጸድፋ ብኮፋ ትሓድር ህበይ ተኾድጩ’ዩ  ዝሓድር ኢለሞ። ብዝኾነ እታ ከምዚ ናይ ግብጻውያን ፒራሚድ ሬሳኡ ክትዕቅብ ዝተኣማመነላ ዘሎ መቓብሩ፡ ንዝማልኦም ዘብዐኛታቱ፡ ምስጢራቱን ንብረቱን ክትሰትሮ ትኽእል እንተኾይናስ ጽባ ሕ ክትገሃድ ኢያ’። “ኣያይ” በሃልቲ ክራትዑ እንከለዉ ንሱ ብኡነት ተሓኪሙን ኣዕሪፉን እንተኾይኑ’ውን ደጊመ ‘ሙሉእ ዕረ ፍቲ’ ክገብረሉ ይምነ። እንዃዕ ድማ ኣብቲ ናይ ኣስመራ ፈተነ ቅትለቱ ዝተተጠጃኣሉ መሬት ጎረቤት ሃገር እኒ ኣልኼራት ኣይ ረኸብዎ። እንተኾነስ ከምቲ ዜርካ-ዜርካ ናብ ቤት፤ ኔርካ-ኔርካ ናብ መሬት ዝተባህለ፡ ጎይታ ድማ ዝተፈትሐ መሲልዎ’ም’በር ንርእሱ ብነዊሕ ገመድ እሱር ስለዝኾነ ናብታ ኩሉ ግዜ ብጽልኢ ቀይሕ ደም ዝቐለማ እንዳኡ ክምለስ ግዱድ ኢዩ። እቲ ምስ ሩሕ ዝመስል ኣብ ጎረቤት ዝቐነየ ኣቀባብላ ሻምላዊ ደበላ፡ እልልታን ፋምጣጥን’ውን ድሮ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ርእዩ ስለዝሰኣኖ ኣ  ብምላሹ ኣይረኸቦን ንሓዋሩ’ውን ኣይክረኽቦን ኢዩ። ይኣክል’ንዶ። ኣኸለ፡ ቀንዐ ንበል!

እምበር ብዛዕባ ኣበይ ከምዝቐነየ ድኣ እዛ ሰላማዊት ከተማ ኣስመራ ናይሓዋሩ ደመኛኡ’ዩ ስለዝቖጽራ፡ ብፍላይ እቲ ፍረ ስዉ ር ስርሒቱ ተሳሂልዎ ኣብ ዝሰንፈሉ እዋን ካብ ርእሲ ከተማኡ ክገልል ግዱድ’ዩ። ምኽንያት ኣለዎ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ስድራ ብዝተዘርኡ ሓሰውቲ ብዝረኸቦ ሓበሬታ ኣጸቢቑ ጸላኢኣን ጸላኢቱን ምዃና ይፈልጥ ኢዩ። ህዝቢ ዝጸልእ ሰብ ስለዘይፍቶ እ ቲ በዓል ጽቡቕ ትምኒት ሰብ ዋላ እንተተሻቀለ፡ መብዛሕትኡ ግን ‘ኣበይ ከየብል’ ክብል ተዛንዩ ነበረ። ሓቂ ኣበይ ከየብል። ሽ ፍትነት ዕዉር ኣብሑጋ ካብኮነት መሐከሊት ኢሱ’ውን ኣብዛ ካብ ፎርቶ እንተርሒቓ ካብ ገማግም ዓዲንፋስ ኣጻብዕትኻ ኣብ ሸፋሽፍቲ ኣዒንትኻ ኣኸርኪስካ ጐደናታታ ተማዕድዎ ትንግርታዊት ከተማ ምጽዋዕ ክንሱ እታ ፎርቶ ዝዓስከረት ገዛእ ተቪኡ ስኢናቶ ተጠርቂማ ክትዋላእ ምቕናያ ናይ ሃውሪ ኣይነበረን። ጥራይ’ንዶ ጽንሕ!!!!!!!!!!!!!!!!!!

ከምቲ ናይ ንጉስ ሃይለስላሴ፡ ባጽዕ ኤርትራዊት ቡሹፍቱ ዝቐረጻ መራሒ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ከይተረፈ ኣብኡ ክኸው ን ከምዝሓይሽ ምውጣኑ ግብራዊ ብልጫ ሃልይዎ ዘይኮነ ነታ ዝርካባ እንኮ ነፋሪት ኣብኡ እንተኣዳለዋ ንሱስ ብጥበቡ ኢዩ። ብላዕሊላዕሉ ግን ትርፎ ተሻቒሉ ንዝሻቐሉ ከሻቕል፡ እንታይ ከየማዕሪ? ኣብቲ ቦታ ትንግርቲ ከም በዓል ማሪት ኣብቲ ደንደስ ተኾይጡ ብዘይሰብኣዊ ውቃበ ሓንሳብ ነታ ባሕሪ ክዋገየላ ከምዘምሓሮ ሓንሳብ ድማ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ደሴት ንዘለው ና ይ ብደዎም እሱራት ከላእሞም ክደሊ ብሓሳብ ተዋሒጡ እንከሎ እቶም ምስ ሃዳኖ ክጓየዩ ዝነበሮም ተሃደንቲ ውቁባት ዓሳ ታት ባሕሪ ድማ ሳላ ባህሪያዊ ሃብትና ንኸይንጥቀም ብዝወጸ ፖሊሲ ህግደፍ ተዛንዮም ኣብ ቅድሚ ፕረሲደንትና ከም ቀስቲ ንሰማይ ተወርዊሮም ብርእሶም ክትከሉ እንከለዉ መልሓሶም እናአውጽኡ “ ብደዉ ዝሞተ ካካይ” ዝብልዎ ይመስሉ እንተዝ ብለኩም፡ እቲ ሓቂ ንሱ’ዃ እንተኾነ ሓደ መላገጺ ዘይረብሕ ሰብ ክበሃል ጥራይ ኣይምተጸበኹን።

ኣብዚ ዕርዲ ሓድሽ መግዛእቲ ናይ ጉርሒ ኲናት ንደራገመላ ዘለና እዋን ሕጂ’ውን ነየናይ ክፋል ነብስናን መሬትናን ኣበየናይ ናይ መጣልዒ ጣውላ ተረኪሱ ከምዝብላዕ ስለዘይንፈልጥ ሃለዋትና ንምፍታሽ ተፈትወ ተጸልአ ‘ኢሳይያስ ኣበይ ኣተወ ወጸ፡ ናበይከ ኣበለ ሓመመዶ መተ’ እናተባህለ ከምተራ ሰብ ብደዉ ክዋረድ ኢዩ።

እዞም በዚ ዓቕሚ ብምስኣኑ ዓቕሉ ኣጽቢቡ ዘዝመሰሎ ዝዛረብን ዝጽሕፍን ዘሎ ሰብ ብትያትሮ ልግጫ “ እንታይ ሕጋዊ ጭ ብጥነት ኣለኩም ኢሳይያስ ልኡኽ ባዕዳውያን ምዃኑ” እናበልኩም ትወራዘዩ ምሁራት መሰል ጥራሕኩም ሕቡኣን፡ መዓልቲ ኮነ ከተራኽበልኩም ኢያ። ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ ኣሉታ ፕረሲደንትና ምዝራብ ከምናይዝኸሰሩ፡ ዘይሃገራውነትን ካልእን እናተ ወርየሉ ባዕልና ሓለዋ ገፊሕ ጋህሲ ጥፍኣት ሰብና ኴንና። እሞ ኣብ ፖለቲካ ተግባር እምበር መረጋገጺ ተግባር ዝምስክር ወረ ቐት ስለዘየለ፡ ኢሳይያስ ተላእከ ኣይተላእከ ተግባራቱ ናይ ባዕዳውያን ናይ ጓኖት ብምዃኑ ብርሰት ሰብኣዊ ዓቕምናን፡ ብድመ ት ሃገርናን እናረኣኹም እንተዘይመስከርኩም መንነትኩም ገለጽኩም እምበር ሓቀኛ ታሪኽስ መዕለቢኡ ኣይክርሕቕን ኢዩ።

እንታይና’ዩ ዓዊሩ? እንታይናኸ ደንዚዙ ጸሚሙ?

ሓንቲ ብሓዳራ ትሕበንን ኣደ ብኩሉ ነገራቱ ልክዕ ኣቡኡ ዝመስል ቆልዓ ክትወልድ ኢያ እትምነ። ከምገለ ኣብ በዓል-ቤታ ዝ ተዓዘበቶ ጉድለታት ዝኣረመ ወዳ ጽባሕ ብጊሓቱ በትርን ዕርፍን ወላዲኡ ዘልዕል ትኾርዓሉ ጠዋር ስድራን ጠርናፊ ህዝቡን ክኾነላ ብዘለዋ ምንዮት ድግድጊት ተዓጢቓ እንዳኣ ተመሓድር ተመርዑን ተደርዑን። ወዮም ተካእቲ ድማ ኣብ ገገዝኦምን ከከም ትዕድልቶም’ዃ እንተነበሩ፡ሰኒፎም ናየባ ከየጥፍኡ ምእንቲ ንናይሓባር ጉዕዞ ተገዛእቲ ምዃኖም ምስክርነት ኣድልዮን።

ነገር ውርሻ ካብተላዕለ ኢለ እንድየ፡ ብሓንቲ ስድራ ዝምሰል ህዝቢ ሓንቲ ሃገር ከኣ መራሒ’ታ ሃገር ከምቲ ሕቡን ኣቦ ስድራ ዘሕልፎ ውርሻታት ኣለዎ። ገጽ ናይ ኩለን ዓለማውያን ሃገራት እምበኣር ብምስሊ ናይ ኣብ እዋኑ ኣብ ስልጣን ዘሎ በዓል ግ ዜ ኢዩ ዝግለጽ። ንነባሪት ሃገር ዝኸውን ነባሪ ታሪኽን ምዕባለን ተኺሉን ኣውሒሱን ድማ ይትካእ።

እሞ መራሕ ሃገር ምስ ኣባላቱ ከም ወለዲ፡ ህዝቢ (ብፍላይ መንእሰያት) ከምውሉዳት ምስንምስሎም፡ ፖለካዊ ዋሕስነትን ውርሻን ናይዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ህግደፋዊ መንግስቲኸ እንታይ ይመስል? ደጊም ነዚ ኣብ ኩሉ ዓውድታት ዝፈሸለ ስርዓት ብከመይ ንግለጾ?

ነዚ ንምግላጽ ድኣ ቀሊል። ሓሽላኹ፡ መደናገሪ ፡ ሰራቒ መጠፋፍኢ….. ጥራይ ኢልኩም ከይትሓልፍዎ ትኾኑ። እወ እቲ ኣውራኸድኣ ንመዓስ? እቲ ጣልማይ፡ ብሕቱው፡ በታኒ ሃገሩ፡ ሸያጢ ህዝቡ፡ መሳርሒ ባዕዲ፡ ንሃገርና ዘይእንታያ…….

ካብ ከምዚ ዓይነት ቁሩብ’ዃ መደንገጺ ዘይጸፈየ ስርዓት ዝፈርዩ ኣረጋውያን ኮኑ መንእሰያት ብስም ህግደፍ ምእዙዛት ካድረ ታቱኸ እንታይ ትጽበዩ? ሓሽላዃት፡ ሓሰውቲ፡ ወስላታት፡ ኣላኻዕቲ ቤላቤሎ፡ ፈተውቲ ነብሶም ተጸበይቲ ብላዕ፡ ግብሪ ሕር ሞም ብኣፍ ኩሉንሶም፡ ትሕተ-ሃገራውያን ፈተውቲ ነፍሶም፡ ተንበርከኽቲ፡ ቀበርቲ ዝናን ክብርን ሃገሮም፡ ቅሉዋት መንነት..

ሓፋሽ ኣብ ምጥርናፍ ተራ ናይ በዓልግዜ ግና ኣጸቢቑ ይስቆረኒ ኢዩ። እቲ ናብዚ ክፉእ ተመኩሮ ዝደርገመና ክፋል መሪሕነት ውድብ ህ.ግምባር ዳግማይ ብስዉር ስልጣን ከይሕዝ እንተኾይኑ’ቲ መዛረቢ ድማ፡ ቅድም ቀዳድም ቅዉም ነገር ህ.ግ ምፍላ ጥ መዐቀኒ እምነት ናጽነት ኤርትራ ኢዩ። ጉድ ክኾነኩም እቲ ንናጽነት ዝተሰውአ ልዕሊ ሰብዓ ሽሕ መንእሰይ ከንቱ ኮይኑ ብ ሂወት ዝተረፉ ወፋሮ ብዘይናጽነት ከምዝተመለሱ፡ ወዮ ኣብ ዳግማይ ምክልኻል ሃገር ዝሰዓበ ልዕሊ ሰላሳ ሽሕ መንእሰይ ክ ሱር ከምዝኾነ ተመሲሉ ዝወናጨፍ ዘረባታት ንበሃልቱ ስለዝገልጽ፡ እቶም ብዝሓለፈ ንርእሳቶም ብጉድለት ኣበርክቶኦም ተ ሰኪፎም ነቲ ውድብ ብሙሉኡ ገበነኛ ከምስልዎ ዝፍትኑ እንተዘይተሰከፉን ንናይሓባር ረብሓ እንተዝዓጥቁን ምሓሸ። ካብኡ ዝኸፍአ ፖለቲካዊ ድኽነት ድማ የለን።

ንምዃኑ ህግደፍ ዝበሃል ትካል ኣሎ ዲዩ ሎሚ? ድሕሪ ህግደፍ ክንደይ ስዉራን ውሽጣውያን ሰልፍታት ተቐላቒለን ይኾና ት ብሉ? ኩሉ’ ቲ ምስ ህ.ግ. ክሰርሕ ዝጸንሐ ዘበለ ከምዚ ተሓይኹ ዝጥፋእ ብዕሪር ካካይ ክቑጸር ዝሕልን ዘበለ፡ ተጋደልቲ ህ. ግ. ኩሎም ህግደፍ ብምዃኖም ብድፍኑ ክግለሉ፤ ሃገራዊ ኒሕ ተሰሚዕዎም ምስ ህ.ግ. ብዝከኣሎም ኩሉ ክዋስኡ ዝጸንሑ ክ ውገኑ፤ ኩሉ ህዝቢ ህግደፍ፤ ካብኮነ ት’ታ መዝሙር፡ ሰባት ከይተፈለጦም ኣብ መስመር ጸላእቶም ዝስለፉ ገርሀኛታት ካብ ምዃን ኣይክናገፉን ኢዮም። ካበየናይ ዓለም ከኒፉ ዝመጸ ብጹእ ሓይሊ ድኣሉ ንሃገርና ከድሕና?

መልስኹም “ ካባና “ እንተኾይኑ፡ እሞ መን ኢዮም ድኣ’ቶም ናይ ለውጢ ሓይልታት?

 


 

ንዝተሸመ ተኸተሎ።  3ይ ክፋል፡   07-12-13፡

ካበየናይ ዓለም ከኒፉ ዝመጸ ብጹእ ሓይሊ ድኣሉ ንሃገርና ከድሕና?

መልስኹም “ ካባና “ እንተኾይኑ፡ እሞ መን ኢዮም ድኣ’ቶም ናይ ለውጢ ሓይልታት?

ነበረ መዛዘሚ 2ይ ክፋል። መቸም እዝን ከምኡን ዝኣመሰለ ጽሑፋተይ ሃሎውሎው ክመስለኩም ከምዝኽእል እናመሰለኒ ሃ ጠውቀጠው 3ይ ክፋል መቐጸልታ ኣርእስተይ ከተንብቡ እዕድመኩም ኣለኹ። ብመጀመርታ ግን ፡-

ብወገን ደቡብ ኣፍሪቃ ዝሰማዕናዮ ኣኽባርሲ ሞት ናይቲ ኩሉሳዕ “ህዝበይ፡ ሃገረይ” ኢሉ ብተወፋይነት እናመደረን እናተመቑ ሐን፡ ስልጣን ዝሓዘን ዘመሓላለፈን ሕቡን፡ ፍቱውን ውፉይን ጸሊም ደቡብ ኣፍሪቃዊ ተቓላሳይ ፕረሲደንት ኔልሰን ማንዴላ ምዃኑ ሰሚዕናዮ። ከምዝፍለጥ እቲ ብናይ ህሉዋት ጥራይ ዘይኮነ ብዝና ናይ ዝሓለፉ ግኑናት ከይተረፈ ተመንዩ ብቅንኢ ዘን ባሁቕን ዝመጣላዕን ግዙእ ድቡቕ ውዲት መራሒና ብላዕሊ ላዕሉ ሰብ እናመሰለ ብስዉር ብዝፈጠሮ ኣቆናጻቢ ላሕኲ መንቀ ኛነት፡ ኣባላት ህግደፍ ድማ ቁንቁኝኡ ከይፈለጡን ሓርነት ከምዝዓተሩን “ደቡብ ኣፍሪቃውያን’ኮ ኣይተሓረሩን ” ኢሎም ብዘ ይካ ወዲ ወርቂ ማህጸኖም ካልእ ተቓላሳይ ከምዘይነበረን ከምዘይነብርን ብዝመስል ንቃልሲ ማንዴላ ከነኣእሱ ይስምዑ ኣለ ዉ።ብወገን ናይቲ ምስ ኢቲዮጲያ ብስዉር ዝጋባእ ዝህሉ ሰሜን ሱዳናዊ  ዜናኸ እንታይ ዝኣመሰለ ኣኽባር ትጽበዩ ትህልዉ?

ሓንሳብ’ንዶ ጽንሕ’ሞ ናብ ዘንቀልናዮ ኣርእስቲ ንቐጽል ጥራይ።

ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ከተማ ኣስመራ ጸሊም ጽርግያ ሒዝካ ቁሩብ ምስትድፋእ ቀጻሊ ዝነድድ ዘይጠፍእ መአከቢ ጉሓፍ  ኣሎ። እቲ ቦታ’ቲ ብምምሕዳር ከተማ ዝእለ ኣካል መወገኒ ረሳሕ-መሳሕ ኢዩ። ዞባ መአከቢ /መኸዘኒ/ ድርባይ ምርባይ “ጎዱ ፍ” ክበሃል እንከሎ ወዮ ዝእከብ እራይ-ምራይ ድማ “ጉሓፍ” ይበሃል። ኣየናይ ነየናይ ምዃኑ ንስዃትኩም ዝያዳ ትፈልጥዎ’ም በር፡ /ማለት ንጎሓፍዶ ንጎዱፍ/ ብወገነይ’ሞ ብቋንቋ ጣልያን “ስካሪኮ” ክብልዎ እሰምዕ ነይረ። ፍቕሪ ዘረባ ጣልያን እንተዘየላ ዓዒልልኩም ንሓጻውን ድማ “ራታመ” ክብልዎ ይሰምዕ ነበርኩ። እሞ ስካሪኮ ማለት ንጎዱፍዶ ንጎሓፍ?

እንተላይ መአከብ ብላይ-ምላይ ሓጻውን (ራታመ)፡ “ስካሪኮ” ከምዝበሃል ኣይፈልጦን ኢየ። ከምዝመስለኒ ግና ኩሉ መጉሓፊ ወይ መዕቆቢ ናይ ሓደ ዓይነት ገጽ ኣገልግሎቱ ዝወድአ ሰብ ኮነ ንብረት ብምዃኑ፡ ንርእሱ ቤት፤ መዕቆቢ፤ መጠርነፊ፤ ሰታሪ ወዘተ ክበሃል ይከኣል። ንኣብነት ከም መጠወሪ ኣረጋውያን፤ መዕቆቢ ጽሉላት፤ ዝኣመሰልዎ፡ ሓያል ባጀትን ዕማማት እልያን ዝሓትት መልክዓት ጎዱፍ እናመሰለኒ ክንሱ ብኸምኡ ምጥቓሱ ግና ዘነውር ኮይኑ ይስማዓኒ።

ተዛማድነት ጎዱፍን መቓብርን ንርእሱ ከዛርብ ይኸውን። ብዛዕባ ዕድመኡ፤ ኣመጻጽኣኡ፤ ባህላዊ ሰረቱ ኮነ መጻኢኡ ገዲፍና ብዛዕባ ትርጉምን ጠቕምን ‘መቓብር’ ንምዝራብ ክህልወና ዝኽእል ኣፍልጦ ውሱን ክኸውን ይኽእል። ዝኾነ ኮይኑ ከም ኣረ ዳድኣይ ናይ ልዕልን ትሕትን መሬት ጎዱፍ ምህላዉ ኢዩ። ንምሳሌ ጎዱፍ ምውታን “መቓብር” ክበሃል እንከሎ ተወሳኺ ሳጓ ታት’ውን ክጠብቆ ይኽእል። ከም መቓብር ሓርበኛታት፡ መቓብር ህንዲ፡ መቓብር ወተሃደራት ጣልያን፡ ዝኣመሰለ ማለተይ ኢየ። ይሰውረና፡ መቓብር ሓተላ ኑክሌር ድማ ኣሎ። ብዛዕባ ጎዱፍ ወይ መቓብር ታሪኽከ እንታይ ትፈልጡን ትብሉናን?

ጎዱፍ ህሉዋት ከምዘሎ ድማ ዘጠራጥር ኣይመስለንን። ከም ቤት ማእሰርትታት፤ ቤት ወልፍታት፤ ዝሩዓት ኣህዛብ ኮኑ እንስ ሳታት ክንጠቅስ ንኽእል። ቅኑዕ ትርጉም መዝራዕቲ ከይረሳዕኩም እንተደሊኹም ንመዓስከር ሳዋ ወይ ንባርነት ሃገራዊ ኣገል ግሎት ከም ጎዱፍ ዝገልጽዎ ኣለዉ። ሎሚ’ሞ ኤርትራ ብሃገራ ከምጎዱፍን መቓብርን ህሉዋት ኮነ ኩሉ ነገር ዝጠቕሱዋ ኣለ ዉ። ሓቂ! ኣብግዜ ህግደፍሲ ኩሉ ክበሃል ይካአል።

እሞ እቲ ዝተኣከበ ስንዳው-ምንዳው ኣኺልዎ ድዩ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ኮይኑ ተጓሒፉ?

ቅዉም-ነገርን ትርጉምን ስንዳው ካብ ዘይምፍላጥ ዝተላዕለ “እወ፡ ጉሓፍ ድኣ ድርባይ እንድዩ” ኢልካ ክምለስ ይቐልል ይኸ ውን። ብኣውራኡ ጎሓፍ ብኣሉታዊ ኣሰያይማኡ እንተወሲድናዮ ጥቕሚ-ኣልቦ ጥራይ ክመስለና ይኽእል። እንተኾነ ጎዱፍ ናይ ውሱን ዓይነት ኣገልግሎቱ ዝወድአ ነገር መኸዘኒ ጥራይ ኣይኮነን። ብጌጋ ወይ ጥፋእ ይኹን መሰሉ ዝጎሓፍ ‘ውን ኣሎ። ዝኾ ነ ኮይኑ ጉሓፍ ከከም ዓይነቱ ተኣኪቡ ናብ ዳግማይ ጥቕሚ ክውዕል ምስተለለየ ብቐጥታ ዘገልግልን፡ ተሓዲሱ ናብ ንቡር ዝ ምለስን ይምመ። መሰረታዊ መስርሕ ዘድልዮ ዘበለ ድማ ነናብ ዓይነት ፋብሪካኡ ማለት ከም ወረቐት፡ ጎማ፡ ሓጺነ-መጺን ዝ ኣመሰለ ዳግማይ ክምስራሕ ይለኣኽ። እቶም ፍጹም ዝጎሓፉ’ውን መሰረታዊ ለውጢ ተገይርሎም ብፍጹም መቐይሮ ኣብ ዘይ ነበረ መዓላ ዝውዕሉን ዝጠቕሙን ክትርኢ ብልሓት ወዲ-ሰብ ይዓጅብ ኢዩ።

ጉሓፍ ኣሉታኡ በዚሑንብከላ ካብዘጋልጹ ነገራት ላዕለዋይ ኢድ ካብዝሕዝ ኣይወሓደን። ኣብዚ ሎሚ እዋን ግና ይመስገን ፈ ጠራ ዘመናውነት ዓበይቲ ሃገራት ርእሰ-ማል ዝፈሰሶ ጎሓፍ ተመስሪሑ /ሪሳይክል/ ከም ጽዓት ኤለክትሪክ፡ ዱኽዒ፡ መውዓይ  ማይን መሞቒ ኣባይትን ዝኣመሰለ ምህርቲ ዝሕፈሶ ዓውዲ ወፍሪ ኮይኑ ኣሎ። ከም’ኒ ሃገረ-ጀርመን ንኣብነት ናይ ውሽጢ ሃ ገረን ጉሓፍ ውሒድወን ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ከይተረፈ ብልዑል ዋጋ ጉሓፍ ይሽምታ ከምዘለዋ ክትሰምዕ፡ ኪኖ ጽሬት ከተ ማታት፡ ብከላ ዝፍውስ ምህርቲ ዝሕፈሶ መስርሕ ኮይኑ ኣሎ።

ኣብ ጎዱፍ ብዝእከብ ጉሓፍ ክንድኡ ጥቕሚ ካብሃለዎ፡ ካብ ጎዱፍ ወይ ዓምዲ ጥሮተኛታት ኮነ ናይ ብጥበብ ውጉናትን ድስ ኩላትን ከድኣ እንታይ ዝኣመሰለ ሞያዊ ፈጠራ /ዳይናሚክስ / ኮን ይህሉ? ማለተይ ብኣብነት ከሰንዮ ምእንትስ ናይ ሃገርና ት ንሳኤ ባቡር ምድሪ ብቐዳምነት ክጠቕሶ ምፈተኹ። ብቕዓት ኣረጋውያን ሕሉፍን ህሉውን ብቀንዱ ድማ ኣርሒቑ ንመጻኢ ዘ ማዕዱ ኣንቴና ለውጥን ምዕባለን እናሃለዎም ኣብምሕደራ ብዘቕረብዎ ሓሳብ ንሕልፈቶም ክምቁሑ እንከለዉ፡ ንትንሳኤ ባቡ ር ምድርና ዝበቅዕ ብሞያኦም ብግብሪ ዝተሰነየ ስልጡን ርኢቶ ምኩራትና ድማ ከይተተግበረ በርዒኑ ከምዝተረፈ ይፍለጥ።

ዝኾነ ኮይኑ ብዛዕባ ጎዱፍ ክንድኡ ካብበልና “ጎደፋ” ኢልካ ስምከ እንታይ ማለት ኮን ይኸውን? ቆልዑ እናመትዎም፡ መታን ካብ ኣዒንቲ ሓሳዳት ክስወሩ ወዘተ ክትብሉ ትኾኑ። ኣነ ዝብሎ ዘለኹ ግን ኣብ ጎሓፍ ክንድኡ ቅዉም-ነገር ካብ ሃለወን ጎዱ ፍ ድማ መአከብ ጎሓፍ ካብ ኮነን፡ ጎደፋን ጎዱፍን፡ ጎደፋን ጉሓፍንከ ብምንታይ ይዛመዱ? ‘ጎደፋ’ ኢልካ ስም ካብሃለወ’ሞ ከም ናይ ብርዒ መጸውዒ እንተኾይኑ ንነብሱ ከምኡ ኢሉ ዝሰመየ ጸሓፊኸ እንታይ ማለቱኾን ይኸውን? እንድዕሉ!!!!!!!!!!!

እዋኑ እዋን ለውጢ ካብኮነ፡ ኣርእስትና ድማ “መን ኢዮም’ቶም ናይ ለውጢ ሓይልታት”? ኢዩ።

ኩሉኹም ነዚ ሕቶ “መንእሰይ” ዝብል ንጹር መልሲ ክህልወኩም ይኽእል። ኣብ ንቡር እዋን ካብ ባህላውን ሃገራውን ዋሕዚ ቀጻልነት ህላወ ሕ/ሰብ ዝምድና ኣረጊትን ሓድሽን ከምቲ ድምጻዊ የውሃንስ ትካቦ ዝበሎ ናይ ውረስ ተወራረስ ግድነታዊ ዕማ ም ኢዩ። ነዚኣ ኣጸቢቑ ዝፈለጠ ቀታል ኤርትራን ህዝባን እምበኣር ብዘየወላውል ኣብዚኣ ኢዩ ዓሪዱ። ሰንሰለት ሃገርን ክብር ታታን ንምብታኽን ሃገራዊ ቅርስታት ንምዕናውን ዝከኣል ድማ ኣብ ሞንጎ ጥምረት ዘይብሉ ናይ ወለዶታት ባዶነት እንተተፈ ጢሩ ዝበለጸ ዕንወት ሃገር ኮይኑ ከምዝተራእዮ ተጋሂዱ ብምህላዉ ምፍላጡ ጥራይ ኣኻሊ ኣይኮነን። ኣብዚኣ ስጥመት ተቓ ለቲ ወሳኒት ኢያ። ኣረጋውያን ሓርበኛታት ኣረከብቲ መድረኽም’በር መረሽቲ ኣይኮኑን። እቲ “መንእሰይ ከምበዓል መድረኽ መጠን በይኑ ስልጣን ክውንን ኣለዎ” ዝበሃል ሓላይ መሰል ቀታሊ ፈጠራ ህግደፍ እምባአር መገዲ ዓወት ኣይኮነን። ንሳቶም መንእሰያት ኣብ ሞንጎ ትውልድታት ርክብን ጥምረቱን ኣጥፊኦም ኣይእኽሊ ኣይዝኽሪ ኮይኖም ከምዝተርፉ’ዩ ተልእኾኦም።

“ልቢ መንእሰይ ኣብ ደረቱ ከምዝተባህለ”…… ኢለ ከድግም ዝሰምዓኒ መንእሰይ፡ ቃላተይ መንጢሉ “ኣብምንታዩ ድኣ ብድሕ ሪት ዲኻ ክሓዝላ ደሊኻዮ” ኢሉ ከባጭወለይ ብምጅማሩ ኩላህና ብዛዕባ ገጥምታት ንኡስ ዕድመ ነናህና ነዊሕ ዛንታታት ኣ ውጋዕና። ሓዴና መንእሰይ ወናኒ ዕቑር ዓቕሚ’ዃ እንተኾነ ከም ኣዝያ ዘመናዊት መኪና ብዘይ ካንዴላ /መተንስኢ ሞቶረ/ ጸ ብጸብናዮ። ገለ’ውን መንእሰይ ምስሓያል ናይምግባር ዕቑር ሓይሉ፡ ብዘይመሪሕ ድስኩል ዓይነይ ጥራይ ከምዝኾነ ገለጽናዮ።

ዓርከይ ድማ ከምዚ ናይ እኒ ስዩም ግሪቢ ተረካብ ኮይኑ ዘረባኡስ ንቀይዲ-በተኽነት ውዑይ ዕድመ ከምዚ ኢሉ ኣዝየመልና፡

“ፍቕሪ ሕሱም ሓራዲ ጎማዲ፡ ዘየስምዕ ዘረባ ወለዲ፤                                                                                ፍቕሪ ሕሱም ከማይዶ ይገብረኩም፡ ከይጸውዐዶ ‘ዎሆይ’ የብለኩም”…..

ቸላዋእ፡ ዝኽሪ ንእስነት ምዉቕ ምሸት’ዩ ዝነበረ። ቁልቁል ገደል ክዝለል፤ ብፍቕሪ ክንጥልጠል፤ እንታይከ ዘይተጠቕሰ ነይር ዎ! ዘይሩ ዘይሩ ግን ንእስነት ድርኺት ዕድመ ኮይኑ ካብ ቅልጡፍ ዊንታ ርእስኻ ምኽኣል፡ ካብ ክቱር ናፍቖት ናጽነት፡ ካብ ቁጽጽር ስድራ ወጺኡ ናብ  ምፍላል ገጹ ዘምራሓሉ እዋን ኣሎ። ኣብ ምሕደራዊ መዳያቱ ድማ ክንዲ ዝኾነ እንተኾነ ጥር ኢ ልካ መሰታ ቀዳሞት /እኩብ ተመኩሮ/ ስለዘይብጻሕ ኣማስያኡ ነገር ብሽማግለታት’ዩ ዝሽምገል። ኣብ ዓዲ ደሞክራሲ ንኣብነ ት ሃገር ዘመሓድሩስ ንሳቶም’ቶም ኣረጋውያን ኢዮም። መራሕቲ ሃገር ሓደ መልክዕ ጉቡኦም /ግቡኣት መንእሰይ/ ምስወድኡ ብኻልእ መልክዕ ዝቕጸል ግቡኦም /ዕማማት ሽምግልና/ ድማ ይቕጽሉ። ዳሕረዋይ ኣብ እርጋኖም ናይ ኣነ-ኣነ፡ ርኣዩኒ-ርኣዩኒ ነገር ዓለም ገዲፎዎምን ገዲፈሞን፡ ካብቲ እናሓደረ ዝቦቐለ ልባቶም /ተመኩሮ/ ብዝነቐለ ጠመተ ንሓባራዊ ሃገራዊ ረብሓ ይ ቃለሱ። ማእከላት ካርተርን ክሊንተንን ከምዛዕባ እንተወሰድና ኣብ ውሽጡ ብዙሕ ከምዘሎ እናፈለጥና ከምጽቡቕ ኣብነት ብ ብሱል ዕማማት ኣረጋውያን ክንጠቕሶ ይከኣል። ማለት ብድሕሪ መጋረጃ ሃገር ዘመሓድሩ ኣረጋውያን ብምዃኖም ኣስተዋጽኦ ጥሮኛታት ወሳኒ ከምዝኾነ ህያው ኣብነት ኢዩ። ስልጣን ፕረሲደንትነት ወይ ጠ/ሚኒስተርነት እምበኣር ውሕሉል ተለኣኣኺ ኣረጋውያን ምዃኑ ኢዩ። ሓደራኹም ግን እኒ የማነ ኣህባያት ንኢሱ ከይትነግሩልና! ንሱ ን ’ኣይፋልካን’ ዝበልዎ ዓበይቲ ዓዲ ከምዘጥፍአ መጠን፡ ከምሓድሽ እንተኣልዒልኩሙሉ ሕሱም ዛርቲ ኣጉሪዑ ኣጉሪዑ ደም ብምትፋእ ክልክመኩም ኢዩ።

‘ልብን ሳዕርን እናሓደረ ይበቁል’ ከምዝበሃል መንእሰያት ድማ ኣብ ውሽጢ’ቲ መድረኽ ንእስነት ንባዕሉ ቀጸላታት ስለዘሎ፡ መንእሰይ ዝጸንሐ ተመኩሮን ክብርታትን ዓቂቡ ምስናይ ገዛእ-ርእሱ ብምውሳብ ወናኒ ሓድሽ ተረኽቦ (ለውጢ) ይኸውን።እንተኾነ ‘ቲ መጻኢ ናቶም’ዃ እንተኾነ ዓበይቲ ዘይኣተውዎ ዕማማት ናኣሽቱ ንበይኑ ስንኩል ኢዩ ዝከውን።

ዝብሎ ዘለኹተረዲእኩሙኒ ክትኮኑ ተስፋ ይገብር። መንእሰይ ብልግሲ፡ ብውህብቶ ስልጣን ክሕዝ ክጽበ የብሉን። ንህግደፍ ብኮፍካን ብዘረባን “ስልጣንካ ኣረክበና” ምባል ዘረባ ጥራይ ኮይኑ ጸኒሑ። ቀዳሞት መንእሰያት ንወለዶም ነገር መግዛእቲ ኣረ ዲኦም ናብ ናጽነት ከምዝወፈሩ መጠን፡ ዘመናውያን ድማ ብግብሪ ድገምዎ። ንስኻትኩም መንእሰያት ናይ ለውጢ ሃዋርያት ካብኮንኩም፡ እቲ መንፈስ ሕሹኽታ ካብ ደብረ-ታቦራት ወይ ካብ ዝጠዓመኩም ክትሰምዑዎ ዝሕግዘኩም ግብራውን ነባርን ብልሓትን ትብዓትን ድማ ኣብ ጎዱፍ ኣናድይዎ። ብርግጽ ጎዱፍ ኣረጋውያንን ግሉላትን /ድስኩላትን/ ባሩድኩም (ሓሸዋኩም) ኢዩ።

ኣብ ዝቕጽል ባሩድ መንእሰያት ጎደፋን ጎዱፍን ደቂ ባካሮታት የራኽበና።

ጎደፋ፡


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...