1ይ ክፋል

ተባራዕቲ ሕቶታት ህዝቢ ካብ እዋን ናብ እዋን ምቕጻሎም ጥራይ ዘይኮነ፡ ካልኦት ሓደስቲ ሕቶታት ይፍጠሩ ብምህላዎም ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ጉዳይ’ዩ፡፡ ቅድሚ’ዚ ናይ ሕጂ ተርእዮ ጐሊሖም ዝነበሩ መሰረታዊ ሕቶታት ህዝቢ ልቺ፡ ማይ፡ ባኒ ነይሮም፡፡ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተፈጠሩ ሓደስቲ ንህልውና ህዝቢ ዝፈታተኑ ዳግመ ውደባን ምደባን፡ ህልቂት ዜጋታት፡ ብሓይልታት ባዕዲ ህዝቢ ምክልባትን ጉዳይ መሬትን ዝኣመሰሉ እቲ ሓደ ኣብ ርእሲ እቲ ካልእ ዝደራረቡ ጸገማት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ተጠናኺሮም ይቕጽሉ ኣለው፡፡ እዞም ብመሪሕነት ኢሳያስ ዝፍጠሩ ዘለው መሰረታዊ ጸገማት ኩሎም ከይተወገዱ ምውሓስ ህልውና ህዝቢ’ዛ ሃገር ይረጋገጽ ማለት ዘበት እዩ፡፡  

ኤርትራውያን ከም ደቂ ዛግራ ፋሕ ብትን ንብል ኣለና፡፡ ተጋዳላይ ይወጽእ፡ ኣባል ሃገራዊ አገልግሎትን ተምሃራይን መንእሰይ ይወጽእ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃ ጽፍሒን ሞያን ዝርከብ ሰራሕተኛ መንግስቲ ይወጽእ፡ ክሳብ ዝለዓለ ሚኒስተር ደረጃ ጽፍሒ ዘለዎ ሓላፊ ይሃድም፡ ህቡባት ደረፍቲ፡ ተዋሳእቲ፡ ደረስቲ ኮታ እዛ ሃገር ዘፍረየቶም ብቑዓት ሞያውያንን ንለውጢ ተስፋ ዝግበረሎም ዜጋታትን ይወጹ ኣሎው፡፡ ናብ ስደት ወወጺኦም ብኣረኣእያን ብኣካልን ኣብ ክንዲ ምውዳብ ዘራጊቶ ኢሳያስ  ፋሕ ፋሕ ክኣትዎም ትሰርሕ ኣላ፡፡ ብሰንኪ ኢሳያስ እዛ ሃገር ኣብ ውሽጢ ባዕሉ ኢሳያስ ዝመርሖም ትግራዎት ድምህት፡ ሒዛ ትተርፍ ኣላ፡፡ መወዳእትኡ ኸ ናበይ ገጻ እያ ይድንጽወካ’ዩ፡፡     

ናይ ኢዱ ኣይስኣን ኢሳያስ ንኤርትራ  ከም ሃገር ኣብ ናይ መወዳእታ ጫፍ እተን ሒደት ብሕመቐን ካብ ዓለም ዝተለለያ ሃገራት በዓል ሶርያን ሶማልን ተሰሪዓ መመደሪት ማሕበረ-ሰብ ዓለም ገይርዋ ኣሎ፡፡     

ውጽኢት ሕሱም ኩነታት ኩሉ ሻዕ ሕሰም ስለዝፈጥር ካብቲ መጻብቦ ሕሰም ንምውጻእ መወጻጽኦ ክትናዲ ይገብረካ እዩ፡፡ ቅንያት ለንቅነ ንህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ንነበርትን ህዝብን ኣስመራ ሓዘን፡ ስግኣት፡ ፍርሒ፡ ትብዓት፡ ድፍረት ኩሉ ዝተፈራረቐ ስሚዒት ዘለዎ ድባብ ኣንጸላልዩ ቀንዩ፡፡ እዚ ዝተገልጸ ድባብ ኣብቲ የዋህ ነባሪ ህዝብና ዘንጸላለወ ጥራይ ኣይኮነን፡፡ ስግኣትን ፍርሕን ኣብ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣናትን ስድራቤቶምን እውን ዘይቅንጠጥ ጸሊም ደበና ኣንጠልጢልዎም ኣሎ፡፡

ኣብ ህዝብን ሰበ-ስልጣናትን ዘሎ ፍርሕን ስግኣትን ግን በበይኑ እዩ፡፡ ፍርሕን ስግኣትን ህዝቢ ናይ መን መርድእ ንሰምዕ? ዓስካሬን ደቅናስ መዓስ ኮን ይመጽእ? 365 ስማእታት ደቅና ብጃምላ እንክኣትው መዓልቲ ኸ እንታይ ኩነታት ይፈጥር ይኸውን? ሎምስ ይኣክል! ዝብል ተቓዉሞ ቦግ እንተበለ ኣብ ልዕሊ’ዛ ሃገርን ህዝባን እንታይ የስዕበልና ይኸውን?  ዝብሉ ዝርንዛሕ ንብዓት፡ ሻቕሎትን ጸሎትን ኣዴታትና ይረአ ቀንዩ፡፡

እንተ‘ቶም ላዕለዎት ሰበስልጣናትን ስድራቤታቶምን ግን ዓመጽ ዓመጽ ክጨንዎም ቀንዩ ኣሎ፡፡ ዝዓመጸ ህዝቢ ናበይ ክጉሕፈና ይኸውን? ናበይን ከመይን ከ ክንግዕዝ? ኣብ ጐልገል ከም ዝወግሖ ዝብኢ ዶ ብዘይ ናባይ ንተርፍ? ብዘዕጠቕናዮም ጠበናጁ ዶ ግዳይ ሕነ ምፍዳይ ይገብሩና ይኾኑ? ብዝብሉ ሕቶታት ተናዊጾም ኣለው፡፡  

ብሓደ ወገን ከኣ ካብዚ ዝኸፍእ እንታይ ከይመጽአና! ክሳብ ሕጂ መንግስቲ ብሓይሉ ዘይኮነ ብሕድገትና ንኹሉ ተጸሚምናዮ፡ ኪእልናዮ ሪዒምናዮ ንነብር ነይርና፡፡ ኩሉ ጸገማት’ዛ ሃገር ፈጠርቱ ወያነን ኣመሪካን እዮም ብዝብሉ ቃላት ኢሳያስ ደንቁርና፡ ኩሉ እንዳፈለጥና ከምዘይፈለጥና በቲ ሓደ እዝንና ሰሚዕና በቲ ካልእ እንዳኸዓውና፡ ገለገለና እውን ዘዝበልዎ እንዳደጋገምና ጸኒሕና፡፡ ንኹለንተነኦም ኪእልካ ምንባር ፍርሒ ወይ ድጋፍ ገይሮም ክቖጽርዎ ዝጸንሑ በሃማት ላዕለዎት ሓለፍቲ’ዛ ሃገር ንስቕታ ከም ፍርሒ ቆጺሮም ሓይሊ ሓይሊ ተሰሚዕዎም ብዝበኣሰ ቀጺሎምሉ፡፡  

እንተ ሎሚ ግና ካብዚ ዝሓስም እንታይ ክመጽአና! ንኹሉ ኣብ ዘይንጸረሉ ደረጃ በጺሕና፡፡ ሕሉፍ ሓሊፉ ህዝብና ኣብ መረበትና ብትግራዎት ዲምህት ክግፈፍ? ክከላበት? ካብ’ዚ ንላዕሊ እንታይ ክሳብ ዝገብሩና ክንጽበዮም??፡፡ ድፍረት ትብዓት ተሰሚዑና ሞት ንሞቱ፡ ንፍትሒ ንራህዋ፡ ንሓርነት ኣብ መሬት ዓድኻ ብጅግንነት ምሟት ምርጫ ከምዘይብሉ ኣሚና ተበጊስና ኣለና፡፡   

ዘይ ቀደሙስ ካብ ጽቡቕ ናይ ባዕዲ መንግስቲ ወይ ሓይሊ ሕማቕ ናይ ውሽጢ መንግስቲ ይሓሸና ኢልና ንኹሉ ጸገማት ተጻዊርና ተጸሚምናዮ፡ እምበር እከይ፡ ግዕዘይ ተግባራት ኢሳያስን መዓስ ተኸዊሉና፡፡ እንተኾነ ዓቕሊ ፍርሒ፡ ውርዝይና ምልከት ገይሮም ዝኣመኑ ኢሳያስን ጃንድኡን ንዕቀቶም ሰማይ ዓሪጉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሻዲኖም ግፍዕታቶም ኣመና ዒቕ ኢሉና ዓቕልታትና ናብ እንጽንቅቐሉ ደረጃ ኣብጺሖምና፡፡ እዚ ድማ ብጀካ እቲ እንዳረኣየ ከምዘይረኣየ፡ እንዳሰምዐ ከምዘይሰምዐ ኮን ዶኾን ግዜ ይሓልፍ ኢሉ ፈሊጡ ዘስቀጠ ወይ ዝደቀሰ፡ ብኣጻብዕ ዝቑጸር ዜጋ እንተዘይኮይኑ፡ እቲ ዝተረፈ ኣብዘሓ ህዝቢ ግን ነዚ ፈሊጡ ኣብ ጐደናታት ኣስመራ ፍንሕንሕ ምባል ጀሚሩ ኣሎ፡፡    

ኣነ ከም ኮሎኔል ግን ነዚ  ጠላም በላዒ ሕድሪ ሰማእታትና ዝኾነ ኢሳያስ መሊአ ዝቐበጽኩዎ ዲምህት ኣዋፊሩ ንህዝብና ክገፍፍ፡ ከሕሉን ከከላብትን ብምውሳኑን ምትግባሩን ጥራይ ኣይኮነን፡፡ ብ03 ጥቅምቲ 2013 ኣብ ሓንቲ ጸሓይ ንዝሃለቑ ኣሕዋትና፡ ዓለም እኳ ደንጊጻ እንዳተዛረበትሉ እንዳሓዘነትሉ እንከላ፡ እቲ ነዛ ሃገር ይመርሕ’የ ዝብል ብደምና ናብ መንበረ ስልጣን ዝደየበ ፕረዚዳንት ግን ንሓንቲ ደቒቓ  እኳ ጽንዓት ይሃብኩም ብዘይምባሉ ናይ ኣኸር ቀቢጸዮ፡፡

ሶማላውያን ሞይቶም ተወዲኦም እንዳበለ ወግሐ ጸብሐ ንዝተቖራረጸ ኣካላቶም በታ ምእንተ ምንታይ ከምትህውትት ዘይትፈልጥ ሓንቲ ዝዘረብኣ ገርናው ናይ ሓሶት ፋብሪክኡ ኤረ ቲቪ ምግቢ ንምብላዕ ክሳብ እንጽየፍ ዘስካሕክሕ ፊልሚ እንዳርኣየና፡ ነቶም ናብ ስልጣን ዘደየብዎ  ሰማእታት ዝፈጠርዎም ኣሓቶምን ኣሕዋቶምን ንዝኾኑ ዜጋታታ በቒቕሎም “ዘይሕጋውያን ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት…” ኢሉ ሓጭጭሎም፡፡ በዚ ከይሓነኸ  ሓዘን ኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮነ ሓዘን ዓለም ኮይኑ ክንሱ ኤረ ቲቪ ኣብ ጓይላን ዳንኬራን ቀንያ ደሚሙና!! ኣነዲሩና ከኣ!!፡፡

ጥልያን ሬሳታትካ ውሰድ እንዳበለቶ ንሱ ሓደ ግዜ ጉዳይ DNA፡ ካልእ ግዜ ዘይረብሕ መመሳመሲታት  እንዳመሳመሰ ከዘናግዐና ቀንዩ፡፡ ኣብ መወዳእትኡ ኣሕዋትናን ዕሸላትናን ኣብ እንዳማቶም ሓመድ ድበ ለቢሶም፡፡ ካብ ዝጠሓሉ ዝተረፉ ውጻእ መዓት መጓዕዝቶም ኣሕዋቶም ኣዕርኽቶም ንዝርዝር ዝሃለቑ  ምስክርነቶም ተነፊጉ DNA ከም መወከሲ ክጥቀም ክህውትት ቀንዩ፡፡ ብጉዳይ ስማእታትና ኩሉ ምስ ተዛረቦ ድሕሪ 6 መዓልታት ኤርትራውያን ከምዘለውዎም ንምግላጽ ዝተገደደሉ ምኽንያት እውን ፈትዩ ኣይነበረን ነታ እመት ስድሪ ኣላታ ዝዓይነቱ ኣብ ህዝቢ ብዝፍጠር ነድሪ ናብ ዓመጽ ገጹ ከይዓርግ  ስለዝሰግአ መተሃዳድኢ ዝተጠቐመሉ ሜላ እዩ ነይሩ እምበር ነዚ ኩሉ ሬሳ ክቕበል ዘይመስል እዩ፡፡ ምኽንያቱ ኣብ ምቕባል እዚ ኩሉ ሬሳ እንታይ ኮን ይፍጠር ዝብል ዓቢ ስግኣት ኢሳያስ እዩ ነይሩ፡፡     

ኢሳያስ ካልእ ይትረፍ ነቶም ኣሕዋትና ምኻኖም ኣለሊናዮም ስለዘለና ሬሳና ዓዲ ኣእቲና ክንቀብር ይፈቐደልና ኢሎም ብውልቂ ዝሓተቱ ሓድሓደ ዜጋታት እውን ከልኪልዎም እዩ፡፡ ናትካ ምርግጋጽን ወጻኢታትን ኣየድልየናን ንዘረጋገጽናዮ ሬሳና ብወጻኢታትና ክነእቱ ይፈቐደልና ንዝበሉ ዝኽልክለሉ ምኽንያት ከ ደኣ እሞ እንታይ ክበሃል እዩ መሲልዎ’ምበር ዓስካሬን ዜጋታትና እንተኾነ ኢሳያስ ብህይወቱ እንዳሃለወ፡ ኣይኮነን ከኣ  ምስ ዲምህቱ ተጸሪጉ ካብዛ ሃገር ምስወጸን ምስተወገደን ናብ መሬት ዓዲኣቦኦም መሊስና ሓመድ ኣዲኣቦኦም ክነልብሶም ምዃና ነረጋግጸሉ፡፡

ኢሳያስ ዝጸራረገሉ ከኣ ቀሪቡ’ዩ፡፡ ኣስመራ ለውጢ ለውጢ’ያ ትጨኑ ዘላ፡ ኣብ ፈቖዶ ኣንጎሎታት ናይ ለውጢ ጠለባት ሓዘል መልእኽታት ይዝርጋሕ ኣሎ፡፡ ኣባላትን ወከልትን ሰራዊት ኣብ ጎኒ ህዝቦም ተሰሊፎም ዋልታ ህዝቦም ክኾኑ ይዳለው ኣለው፡፡ ኢሳያስ ከኣ ዓቕሉ ንዘጽበበሉ ምዱብ ሰራዊት፡ ንህዝባዊ ሰራዊትን ህዝቢ ኤርትራን ክኣምኖ ብዘይ ምኽኣሉ ንዕሱባት ዲምህት ሊኢኹ ንኣስመራ ክሕሉ የዋፈር ኣሎ፡፡ እዚ ውጽኢት ኣብ ሞንጎ ኢሳያስን ሰራዊት/ህዝቢ ዘሎ ጋግ ዝፈጠሮ ናይ ኣኸር ውሳነ ኢሳያስ ምኻኑ ኩሉ ክርደኦ ኣሎዎ፡፡    

ሕድሪ ሰማእታትና ክነኽብር ኢና!!

ኣብ ካልኣይ ክፋል የራኽበና፡፡  

ሰናይ ቅነ ንኹላትና !!                      

     


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...