መእተዊ፡-

ብዛዕባ ሰነዳት ዝመጸ እንድዩ፡ ድሕሪ ናጽነት ናብ ዝምልከቶም ሚኒስትሪታት፡ ዞባዊ ምምሕዳር፡ ውልቀ-ሓለፍትን ብቐ ንዱ ናብ ፕረሲደንት ኢሳይያስን ማእለያ ዘይብሎም ሃራውያን ጥርዓናት፡ ምሕጽንታታት፡ ሓበሬታን ኣቤቱታን ተጋደልቲ ቀሪቦም ኢዮም። ክሳብ ሕጂ ክልተ ሰነዳ ናይ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣቕሪብና። ሕጂ ድማ ዝነበሮም መዝነት ኣይፈለጥናን ግ ን ኣብቲ ተኣፋፊ ግዜ ተጋዳላይ እንታይ ይኣምንን ይዛረብን ከምዝነበረ ከምመርኣያ ንክልተ ካብቲ ማእለያ ዘይብሉ ናይ ተጋደል ቲ ህዝባዊ ጻውዒት ክንውስኽ‘ሞ ናብ መዛዘሚ መበገሲና ክንምለስ ኢና። በዚ ኣጋጣሚ ዋላ‘ዃ ንርእሳተን ድሒረን ተዓ ጽየን ጥራይ ከይኣክል ወነንተንን ኣባላተንን‘ውን ይተሓየሩን ይባረሩን፡ ከምዚ ናይ ሎሚ ነተን ናይቲ ግዜ ብቁጽሪ ዝዓብ ለላን ብትሕዝቶ ዝደመቓን ናጻ ህዝባውያን መራኸብታት ልዑል ምስጋናይ ከቕርብ ይፈቱ።

እቶም ‘ተኣኪቦም መኽደን ድስቲ ከልዕሉ ዘይከኣሉ ድኹማን‘ ተባሂሉ ዝባጨወሎም ዘሎ ግዳያት እምባአር፡ ክሳብ ሎሚ ድምጾምን ኣውያቶምን ይንድር ይጭድር ኣሎ። ሓንቲ መዓልቲ ከምዝስማዕ መቸም ፍጹም ኣይጠራጠረሉን ኢየ። ‘ስለም ንታይ እቲ እናሰምዐ ዘስቀጠኸ ጸሚሙ‘? ድማ ግዜ ክምልሶ ኢዩ።

በሉ በታ ኣርእስትን ስም ደራስን ዝተጻሕፈ ጽሑፍ ንቐደም በሉ፡-......

እዚ ብላዕለዎት ሓለፍትና ተጋሂድልና ዘሎ ምፍሕፋሕ ካብ ልክዕ ንላዕሊ ፈሊሑ ስለዝገንፈለን፡ ገንፊሉ ከም ውሕጅ ጃ ሕ -ጃሕ ስለዚበለን‘ዩ ናባና በጺሑ ዘሎ። እቲ ኣሉታዊ ሸነኹ ናይ‘ዚ ውሕጅ‘ዚ ግን፡ ኣብ ውሽጡ ነንሓድሕዶም ናይ ም ውሕሓጥ ባህሪ ዝሓዘሉ ዓላማታት ሒዙ ኣብ ማእከልና ምምጽኡ‘ዩ። መረፋፈዲኡ ድማ በቲ ሓደ ወገን፡ በቶም “ጉጅለ ኮረይቲ“ እናተባህሉ ዝግለጹ ዘለዉ ዝፍኖ ዘሎ ዘረባታት (ሓቂ ይኹን ሓሶት ብዘየገደስ)፡ ብካልእ ወገን ከኣ፡ በቶም ኣቋ ራጭ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ተኾይጦም ዘለዉ ሓደስቲ ሰብ ግዜ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህ.ግ.ሓ.ኤ.፡ ናይ ብርዒ ኣስማት ወሲዶም (ኣስማቶም ቀይሮም) ኣብ‘ታ ዳርጋ ናይ ልሳኖም ጥራይ ተቐይራ ዘላ ጋዜጣ ትርግታ ዝጽሕፍዎ ዘለዉ ህያው ምስክር ኢ ዩ። በዚ ጉዳይ‘ዚ ዘይሰንበደን ሻቕሎቱ ሰማይ ዘይዓረገን ኤርትራዊ ከምዘየለ ኩልና ንፈልጦ ሓቂ ኢዩ። እንተኾነ፡ በዚ ተ ርእዮ‘ዚ ከይሰንበድና፡ ኣብ ጸቢብ ስምዒት ከይኣተና፡ ንሓደ ወገን ከየጣቓዕና፡ ደፋእ ኢልና ክንምርምሮን ኣብ ሓድሕድ ና ክንመያየጠሉን ዝግባኣና እቶም ዝርካብና ተሪፍና ዘለና ተጋደልቲ፡ ዋርሳይ ከምኡ‘ውን እቶም ስለሃገር ለቖቶኦም ነጊፎ ም፡ ጥራይ ጁባኦም ዝተረፉ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝነብሩ ዜጋታትናን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነብር ህዝብናን ይመስለኒ። ምኽን ያቱ፡ ነዚ ናይ ጅግንነት ታሪኽ‘ዚ ሰራሕቱን ወነንቱን ንሕና ጥራይ ስለዝኾንና።

ኣይንሰንብድ ዘብለኒ ዘሎ ምኽንያት፡ ነዛ ጸልማትን መራር ከምዕረን እንዳመሰለት ተሻቕለና ዘላ ምፍሕፋሕ ላዕለዎት መ ራሕቲ፡ በቲ ሓደ ሸነኻ ከም ኣንፋቲት ጩራ ብርሃን ወሲድና እንተጠመትናያ ሕማቕ ኣይኮነን። ኣብ ርእሲ‘ዛ ንእሽቶ ብር ሃን ከኣ፡ ቅዱስ ዝኾነ ነዳዲ ወሲኽና ናብ ድምቕቲ ፋኑስ ንቐይራ እሞ፡ መን ይፈልጥ? ምናልባት እዛ ድምቕቲ ፋኒስ‘ዚኣ በቲ ሓያል ብርሃን ገይራ ነቲ ፈጺምና ዘይንፈልጦን ዋላ‘ውን ክንሓስቦ ንኽእል ዝነበርናን፡ ተቐቢሩ ዝነበረ ሰነዳት ታሪኽ ተርእየና ትኸውን። ብኡ ኣቢሉ‘ውን እቲ ዛጊት ቁንቁኝኡ ክንፈልጦ ዘይካአልና፡ ንዘንተ እለት መንበሪኹም‘ዩ ከምዝተበሃ ልና፡ ዘሳቕየናን ዘድምየናን ዘሎ ሓጥያት ናይ ኲናት፡ ይቕንጠጠልና ይኸውን።

ዘረባይ ትጸልእዎ ከይትህልዉ ስኽፍታታት ኣለኒ። እነንተጸላእኩሞ፡ ናተይ ስለዝኾንኩም ኣነ‘ውን ናትኩም ብምዃነይ እ ቕበለኩም ኢየ። ንዓይ እዚ ዝዛረቦ ዘለኹ ኣየሕፍረንን‘ዩ‘ዃ እንተዘይበልኩ፡ ንስኻትኩም‘ውን ብመሰረቱ እንተነጸግኩሞ የምሕረልኩም ኢዩ። ምኽንያቱ፡ ነቲ ኣብ መራሕትና ዝነበረና እምነትን፡ ንዓመታት ኣብ ልብና ዝተነድቀ ልዑል ናይ ኣእ ምሮኣዊ ስእልን ኣብ ሓጺር እዋን ሚዛኑ ከነውርዶን ክንሓኮን ፈጺሙ ከምዘይከኣል እሰማማዓሉ‘የ። ኣብቲ እምነት ብመ ትከል ሓንሳብ ምስ ረገጽና ድማ ክሳብ‘ታ እግርና ፍልሖን ሓመድን በሊዕዋ እትቑንቑን ክንለቅቕ ማለት ኣይሕሰብን‘ዩ። የ ግዳስ ኣብ ውሽጢ‘ዚ 10 ዓመታት ጥራይ ህዝብና ዘሕልፎ ዘሎ ሂወት ከመይ ይመስል? ብዛዕባ‘ዚ  ነፍሲ-ወከፍ ስድራ ወ ይ ውልቀ-ሰብ ነናቱ ገምጋም ይውሰድ። ጉልባበን ቀሊዐን ኣብ ምልማን ኣትየን ዘለዋ ኣዴታት ጀጋኑ፡ መርገሞም ሰማይ ዝዓርግ ዘሎ ስንኩላን፡......ወዘተ ዓኽ!! እቲ ዝርዝር ማእለያ ስለዘይብሉ ብዓቕልን ሓያል ተጻዋርነትን ይከይድ ከምዘሎ ኩ ልና ንኣምኖ ገዲፍና፡ ኣብ ለውጢ (ዝኾነ ይኹን ስርዓት) ክንኣምንን ክንደፍኣሉን ይግባኣና።

እቲ ምስሕሓብ፡ ብሰላማዊ ዘተ ክፍታሕ ባህጊ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ስግር‘ዚ ሰላማዊ ዘተ ዝኸይድ መፍትሒ እንተ ድኣ ሃልዩ ግን፡ ካልእ ፖለቲካዊ ዕላማን ረብሓታትን ከምዘለዎ‘ዩ ዘረድኣና። ስለዚ ነቲ ዝኾነን ዘይኮነን ዘረባታት ናብ ድ ላይካ እንዳቐያየርካን ኮሓሒልካን ከምዝእመን እንዳገበርካን ሕሉፍ ሓሊፍካ ኣቐዲሙ ብውሽጢ-ውሽጢ ናብቲ መስኪን ህዝቢ ከምዝዝርጋሕ ዝግበር ዘሎ መቐነታት፡ መወዳእታኡ ከም ዓሳ ኣብ ነንሕድሕድካ ምውሕሓጥ ከስዕብ ስለዝኾነ፡ ኩ ልና ህዝቢ ኤርትራ፡ ምስቲ ካብ ተመኩሮና ብዙሕ ነገር ነቒሕናሉ ዘለና ብዝያዳ ዝረቐቐ ምስትብሃልን ጥንቃቐን ከድልየና ኢዩ።

“ነታ ንእሽቶ ብርሃን፡ ናብ ድምቕቲ ፋኑስ ንቐይራ“ ዘበለኒ‘ውን ብዘይምኽንያት ኣይኮነን።ገለ-ገለ ዓበይቲ ዳያኑ ናይ ቤት ፍርዲ “ልቢ ሰብ ጨዲድካ ኣይፍለጥን ኢዩ“ ይብሉ። እዛ ጥቕሲ‘ዚኣ መተካእታ ዘይርከባ ሓቂ‘ያ። ኣብቲ መጋባእያ ናይ ቤት-ፍርዲ እንተትኸዱ፡ ብዙሕ ዘርምመኩም ፍጻመታት ምሰማዕኩም። ንኣብነት፡ ሓደ መንእሰይ ቀልጢፉ ምእንቲ ክወ ርስ፡ ንኣቡኡ ቀቲሉ ብስቱር ኣብ ውሽጢ ካንሸሎኡ ዝቐበረ፡ ሐንቲ ኣረጊት ሰበይቲ፡ ወዳን ሰበይቲ ወዳን ተመሻጢሮም ኣብ ማይ ዝመልአ በርሚል (ፍስቶ) ብቁልቁል ኣፋ  የእትዮም ዝቐተልዋ፡.......ወዘተ፡ እዚ ኣሰቃቕን ዘይትጽበዮ እከይ ተ ግባራትን ዝፍጽምዎ ግና፡ ደቂ ሰባት ኢዮም። እዞም ሰባት‘ዚኦም ብቀትሪ ሰብ ኢዮም ዝመስሉይሰርሑ፡ ምስ ሰባት የዕ ልሉ፡ ይምርዓዉ፡ ይሓዝኑ፡ ይምህሩ፡ ጸጽቡቑ ይምድሩ፡ ህቡባት ይኾኑ.....፡ ኮታ ኩሉ ሕ/ሰብና ዝገብሮ ሰናይ ተግባራት ይፍጽሙ። እታ ተሓቢኣ ዘላ ናይ ውሽጢ ልቦም ክፋእ ግን ዝኾነ ሰብ ኣይፈልጣን‘ዩ። ወይዘሮ ትዕበ ናይ ራዲዮ ድራማ ከም ካልኣይ ኣብነት እንተወሰድና፡ እታ ናይ ኣደ ጠባይ ሒዛ ዝተዋስአት ትዕበ፡ (ኣየዕብያ ድኣ‘ምበር) ጨካን፡ ስጋ ሰብ ዝለበሰት ዝብኢ‘ያ። ፈጺምካ ዘይትጽበዮ ተግባራታ ኣስደሚምና። ነቶም ዒሕ ፍንጭሕ ኢላ ዝወለደቶም ደቃ፡ ንበዓል-ቤታ፡ ኣደዳ ስቓይን ሞትን ገይራቶም። ቀጺላ ነቲ እንኮ ጸግዓን ከዋንኣን ዝነበረ መሓሪ‘ውን ናይ ክድዓት (ጥልመት) ልሳ ና ክትድርጉሓሉ ሰገጥ ኣይበለትን። መወዳእታኡ ግን ንባዕላ ኣብ ናይ ታሪኽ ጉሓፍ‘ያ ተደርብያ። ኣረሜናዊ ጠባይ ናይ ወይዘሮ ትዕበ ኣብቲ ዝበዝሐ ሕ/ሰብና ፈጺሙ ዘይርአን ዘይሕሰብን‘ዃ እንተኾነ ኣብ ገለ-ገለ ሰባት ግን ከምኡ ከምዘሎን ውድዓዊት ከምዝኾነትን ስለተእምነና ምስታ “ልቢ ሰብ ጨዲድካ ኣይፍለጥን ኢዩ“ ዝበልኩዋ ጥቕሲ ተሳንያ ዓባይ መስ ተምሃሪት ድራማ ኮይናትለይ ስለዘላ፡ ንደራሲ ኣኽብሮተይን ምስጋናይን ኣቕርበሉ።

ኣነ ወርሒ መስከረም 1975 ዓ.ም. ናብ ህ.ግ.ሓ/ኤ. ተሰሊፈ። ካብታ ዝተሰለፍኩላ ዕለት ጀሚረ ክቱር እምነት ስለዝነበረኒ “ፈጣሪኻ መን ኢዩ“? ኢልኩም እንተትሓቱኒ፡ “ህ.ግ.“ ምበልኩኹም። እንተ-ሕጂ ግን፡ ብሓቂ ኣይግድን። ምኽንያቱ ኣብ ነዊሕ መስርሕ ናይ ቃልሲ ብዓቕመይ ዝቐሰምኩዎ ተመኩሮ ብሓደ ወገን፡ ድሕሪ ናጽነት፡ ነቲ ገርሂ ግን ከኣ ጅግና  ተጋ ዳላይ፡ ኣብዚ እዋን‘ዚ ዘጋጥመና ዘሎ ዘይብሩህን ሕልኽላኽን ሂወት ኣዛሚደ እናገማጠልኩ ክሪኦ ምስጀመርኩ፡ ክጠራጠ ርን ዕቃበታተይ ኢንዳሃነጽኩ ከደልድሎን ባህርያዊ እመስለኒ። እምበርከ ንስኻትኩም ዓበይቲ መራሕቲ ሃገር ተባሂልኩም ንሓንቲ ዓይነትን መመሊሳ ትደጋገምን ጌጋ፡ ብዘይ ሕፍረት “ተማሂርናሉ ኣለና“ እንዳበልኩም ብኣዝዩ ጽልግልግ ዝመልኦ መደረኽኩም ሸፈፍ ተብሉና ስለዘለኹምሲ፡ ኣነኸ ገለገለ ተመኩሮ ኣይምህረንንዶ? እወ እመሃር። ወረ ኣዝየ ንድሕሪት ተ መሊሰ‘ውን ሓሳባት እፍሕር፡ አውርድን የደይብን። ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ድማ፡ በቢዓቕሙ ንነገራት ክትንትን ብቕዓት ከ ምዘለዎ ክፍለጥ ይግባእ።

እምባአር ናብቲ ቀንዲ መዛረብየይ ናይ እምነት ምጉዳል ክምለስ። ጠንቂ እምነት ምጉዳል፡ ግሉጽነት ዘይምህላው ምዃኑ ምስ ግዜ በሪህልና ኣሎ። እዚ ተዓፊኑ ዘሎ ግሉጽነት አብ ውሽጢ‘ዚ 10 ዓመታት ጥራይ ኣይኮነን ተራእዩ። ምናልባት ኣ መና ሳዕሪሩ ክኸውን ይኽእል እምበር፡ ብመሰረቱ እቲ ንጹህ ተጋዳላይ ፈጺሙ ዘይፈልጣ ብታሕቲ ታሕቲ ትሰርሕ ዝነበ ረት “ሰልፊ“ ምስቆመት‘ዩ ጀሚሩ። እቶም እንዳተሓብኡ ኣኼባታት ዘካይዱ ዝነበሩ ኣባላት ሰልፊ ንሰባት ይግምግሙን ይ ፈርዱን፡ ኣባላት ማእከላይ ሽማጋለ በዓልመን ይኹኑ? ኣገደስቲ ገዳይም ተጋደልቲ ክርስዑ፡ ....ወዘተ እንዳበሉ ኢዮም ዝ ሰርሑ ዝነበሩ። ኣብቲ እዋን‘ቲ ብሃውሪ ኢዮም ዝሰርሑ ዝነበሩ። ኣብቲ እዋን‘ቲ ብሃውሪ መታን ኪስራሕን ዘይድለ ጌጋ መታን ከይርከብን ተባሂሉ ኣቀዲምካ እንተተዘተየሉ ይሓይሽ ዝብል መረዳእታ ስለዝነበረ፡ ብልቢ‘ውን ንኣምነሉ ስለዝነበ ርና፡ ብሓቂ ብኣውንታ ጥራይ ኢና ንጥምቶ ዝነበርና። ንድሕሪት ተመሊሰ ክርእዮ እንከለኹ፡ ኣዝዩ ሃሳይ ኣሰራርሓን ናይ ብዙሓት ርኢቶ ዘግልልን ከምዝነበረ ይግንዘብ። ሓንሳብ ምስተራዕመ፡ ብዘይ ዝኾነ ይኹም ንእሽቶ ለውጢ ይቕጽል ምህ ላዉ‘ዩ። ኣብ ዝርዝራቱ ኣትየ ብዙሕ ክዛረብ ኣይደልን ኢየ። ምኽንያቱ ኣነ‘ውን ኣባል ሰልፊ ስለዝነበርኩን፡ ዝውቀሰሉ ተግባራት ስለዘለንን። ሓደ ግምባር ወይ ውድብ፡ መንግስቲ ብዘይ ንዕዑ ዝመርሖ ሰልፊ (ብሕቡእ ይኹን ብጋህዲ) ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነት ክኸይድ ከምዘይክእል ቀደም ብግልጽን ዘየወላውልን መገዲ ተማሂርናዮ ኢና። ካብዚ ተበጊሰ ሕጂ‘ውን “ህግደፍ ብዘይ ውሽጢውሽጢ ዝሰርሕ ሰልፊ ክኸይድን ክነብርን ኢልካ ክሕሰብ ናብቲ ናይ ቀደም ግርህነትን ዕሽነትን ከም ምምላስን‘ዩ ዘቑጽረና“ ዝብል ርኢቶ ኢዩ ዘለኒ። ሓደ ካብቶም መሰረታውያን ምፍሕፋሕ ናይ ላዕለዎት ሓለፍቲ ከኣ፡ እዛ ሰባብ ናይ ታሕቲ ታሕቲ ሰልፊ ክትከውን ከምትኽእል ጥርጥር የብለይን። ብዛዕባ ሓርበኛ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ምጽሓፍ ክእለት የብለይን። እጃመይ ከበርክት ስለዘለኒ ግን፡ ብደርገፍገፍ ነዚ ስነ-ጽሑፋዊ ብቕዓት ዝጎደሎ መልእኽተይ የቕርብ ኣለኹ። እቲ ናይ መወዳእታ ርኢቶይ ክጥርንፍ ክፍትን ኢየ። ቅድሚኡ ግን ሓንቲ ሕርኽርኽ ትብለኒ ሕቶ ብትሕትና ክሓትት። እታ ሕቶይ፡-

ቀቅድሚ 3ይ ውድባዊ ጉባኤ ከም‘ቲ ልሙድ ናይ ሰልፊ ጉባኤ ስለዝተገብረ፡ (ኣቐዲሙ ኩሉ ነገር ኣብኡ ስለዝውዳእ) ኣ ነ‘ውን ተሳታፊ ናይቲ ጉባኤ ሰልፊ ስለዝነበርኩ፡ ሽዕዑ ዋና ጸሓፊ ናይቲ ሰልፍን ግንባርን ዝነበርካ፡ ሎሚ ከኣ ክቡር ፕረ ሲደንት ሃገረ-ኤርትራ ዘለኻ፡ ኣብ መእተዊ ናይቲ ጉባኤ፡ ገምጋም ጸብጻብ ክትህብ እንከለኻ “ኩሉ መሪሕነት ናይ ህ.ግ.ሓ .ኤ. ዝበሃል መሽምሹ ኢዩ“ ኢልካ ኔርካ። ስለዚ ናብቲ ሕቶይ ክኣቱ። ንነብስኻ ኣብቶም ዝመሽመሹ ጸንቢርካያዶ ኔርካ ወይስ ኣይፋልካን ክፈልጥ ኣይካኣልኩን‘ሞ ከተብርሃለይ ብኣኽብሮት እሓትት። መልሲ ዘይመጻኒ ኢለ ብዙሕ ኣይሻቐልን ኢየ። ምኽንያቱ ሓንቲ መዓልቲ‘ውን ትኹን ዋላ ንቀልዓለም ብዛዕባ ስልጣንካ ንህዝቢ ከተረክብ ዝእንፍት ዘረባ ሰሚዐል ካ ስለዘይፈልጥን (መሳርሕትኻ‘ውን ከምኡ)፡ እንተወሓደ ካብ 5 ክሳብ 10 ዓመታት ኣብ ስልጣን ስለዘለኻ ረማዕ ኢልካ ኣብ ገለ ናይ በዓላት ኣጋጣሚታት ክትምልሰለይ ከምእትኽእል ኣዳዕዲዐ ይፈልጥ ኢየ።

ክቡር ፕረሲደንት፡ ነቶም ቀደም ከምመላእኽቲ ንፈልጦም ዝነበርና፡ ሓደ ተሰዊኡ እናራአና ድሕሪ ሓንቲ ካልኢት ብጭ ቡጥ ከምዝተሰውአ እናፈለጥና፡ ናብታ ሂወት እትበልዕ ዘላ ነበልባል ሓዊ ብዘይ ሰጋእ መጋእ ንኽንኣቱ፡ ሓንጎልና ቃንዮ ም ዘእምኑና ዝነበሩን፡ ናይ ቀረባ መሳርሕትኻ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣባላት ፖለቲካዊ ቤት-ጽሕፈት ዳርጋ ብሙሉኦም ዓዲ-ውዒል ኮይኖም ከምዝተርፉ ጌርካዮም ኣለኻ። ብሙሉኦም ካብታ ኣብ መስርሕ ጉዕዞ ዘላ ዓባይ ባቡር ድዮም ክወርዱ ፈቲኖም? ወይ ከኣ ብካልእ ኣዘራርባ ብሙሉኦም ብብልሽውና ፈሊሖም ስለዝገረሩን ድዩ? ዋላ እታ ንስኻ ካን ኩሉ ግዜ ትጸልኣ “ምትራኽ“ኢጂ‘ውን ህግደፍሕ ትበሃል ስለዘብዙሕልካ? እቲ ምኽንያት ንስኻ ትፈልጦ ትኸውን። እቲ ዝገርምን ዘይወሓጠልካን ግን መሓልፎ ነቶም ንስኻ ኣብዝነበርካሉ ኣኼባ ከይተረፈ፡ ብናይ ብልሽውና ነቐፌታ ዝተጨፍጨፉ፡ ብህዝቢ “ፎእ“! ዝተባ ህሉ፡ ተጋዳላይ (ዝበዝሕ) ዘይፈልጦምን ታሕተዎት ሓለፍቲ ግና፡ ካብቲ ዝነበርዎ ወጻኢ ኣምጺእካ ኣባላት ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኮይኖም ከምዝሽየሙን ገበርትን ሓደግትን ከምዝኾኑን ምግባርካ ኢዩ።“ግርምቢጥ“ይብሉኻ ከምዚ‘ዩ

ስለዚ ዝሓልፍ ዘሎ ምህሙን ሂወት ተዛሪብካ‘ውን ዝውዳእ ኣይኮነን። ድሕሪ ክልተ-ሰለስተ መዓልቲ ኣብ ሂወተይ ዝወር ድ እፈልጥየ።  (ብሰሪ‘ዚ ርኢቶ ዘቕርቦ ዘለኹ) የግዳስ፡ ነየናይ ሂወት‘ሞ ክፈርሕ?

ነዚ ሂወት ጨራሩ? እታ ዝለዓለት ንወዲ-ሰብ ትመጾ ሞት ኢያ። ንሞት ድማ ኣብ ሎሚ በጺሕናዶ (ምስ ኣረግና) ክንፈር ሓ ኰንና? ነዛ ሞት! ነዛ ሞት! ነዛ ሞት! ኣበደን። ተዓፊንካ ምሟት ግን ክልተ ሞት ኢዩ!!

ሓርበኛ ህዝብና፡ ኣነ ነቲ ሓደ ክድግፍ፡ ነቲ ካልእ ክነጽግ ኣይኮነን መሰረታዊ ርኢቶይ። እንታይ ድኣ፡ ህዝብና ሰላም ዘድ ልየካ መገዲ ኢየ ሃሰው ክብል ዝፍትን ዘለኹ። ጉልበቱ ኣፍሲሱ ዘሀብተሞን፡ ክቡር ፕረሲደንት‘ውን፡ በቲ በሊሕ ኣእም ሮኻ መልክዑ ዘትሓዝካዮን ዝተወድአን ሃገራዊ ቅዋም፡ ብወግዒ ክትእውጆ “ብስዉኣት“ ኢልናካ። ን10 ዓመታት ዝኣክል ብዘይቅዋም እትጓዓዝ ሃገርን፡ መራሒ ዘይብሉ ዓይነ-ስዉርን ብጀካ ናብ ገደሎም ምህታፍ፡ ክልእ ምርጫ ዕድል ኣይጽበ ዮምን ኢዩ። ስለዚ መመሰሊ ወያነን ዓለምን ከይንኸውን ሓደራ። ብዛዕባ‘ታ ህዝብና ሰላም ዝደልየላ መንገድን፡ መሰረታ ዊ መፍትሒ ሽግር ሃገር ግን፡ ቅኑዕን ተባዕን ዘረባ ምዝራብ‘ዩ ጽቡቕ‘ሞ፡ ተዛሪበ ክድምድሞ ፍቐዱለይ።

ክቡራት መራሕትና ብሓበራ፡ ካብ ግዜ ሰውራ ጀሚርኩም ኣስታት ሰላሳ ዓመታት ተወፊኹም ጓሲኹምናን ኣገልጊልኩ ሙናን ኢኹም። ህዝቢ ከኣ ብልቢ መጒስኩም ምዃኑ ዝፍለጥ ኢዩ። ስልጣን ግን ርስቲ ስለዘይኮነ፡ ንህዝብና ኣረዲእኩ ኩምን ኣእሚንኩምን (ዋላ‘ውን ንዓኻትኩም ኢና ንደሊ እንተበለ) ከተረክቡ ኣጸቢቓ ከይተሸራረፈት ከላ‘ዩ ጽቡቕ‘ሞ፡ ሃ የ እስትሕያ ግበሩ እንዳበልኩ ርኢቶይ እድምድ

 

ቀስተደበና፡ ረቡዕ 27 ሰነ 2001

ተስፋይ ሰለሙን ሰቛር (ፈረንታዮ)

ጎደፋ፡ 13-08-13።

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...