ሎሚ ናይ ሃገራዊ ባይቶ ዜና ምስ ሰማዕኩ እዘን ዝኽተላ ሓንቲ ምስላን ሓንቲ ብሂልን ኣቦታትና ትዝ ኢለናኒ፡

*ደርሆስ ብኣምዑት ደቃ ትጻወት፡፡

*ኣሕዋት እንታይከ ኣምጽኦ እዚ ኩሉ ዕሽነትን ጭካነን።

 

ኩሉ ግዜ ብዛዕባ ናይ ኣቶ ኢሳያስ ተግባራት ክሓስብ ከሎኹ፤ እሞ ምስቲ እቲ ህዝቢ ንኽንደይ ዓመታት ዘርኣዮ ገድልን ሓቦን መስዋእትን፤ ከምኡውን ኣብቲ መጀመርያ ነጻነት ዘርኣዮ ኣቀባብላን ፍቕርን ተስፋን ምስቲ ንሱ ደሓር ክሳብ ሕጂ ዝፈድዮ ዘሎ ማህሰይትን መቕዘፍትን ከመዛዝኖ ከሎኹ ግርም ይብለኒ እሞ ምርዳእ ምስ ሸገረኒ "እንታይ ኣምጽኦ እዚ ኩሉ ዕሽነትን ጭካነን፤ ከመይሉኸ ኣብ ክንዲ ክብረትሲ ሕስረት መረጸ"  እንዳበልኩ መልሲ ከይረኸብኩሉ ናብ ምትካዘይ እቕጽል።

 

) እዚ ሓዘንዚ ከይኣክል፡  ሕጂውን እዞም ኣብ ሓደ ነገር ዶኾን የብጽሑና ይኾኑ ኢልና ትጽቢት ኣንቢርናሎም ዝነበርና ናይ ሃገራዊ ባይቶ መራሕትን ወነንትን እቲ ግብሮም ክርኢ ከሎኹ የስደምመኒ'ሞ፤ እዚኣቶምከ እንታይ ትብሎም፡ "ኣብዚኣቶምከ ከመይሉ እዚ ኩሉ ዕሽነትን ስስዔን ጭካነን ኣቶ" የብለኒ።

 

"ኣነን ሓጺሩኒ እብል ንሱን ተደቢሩ ይስዕስዕ" ከም ዝበሃል፤ ንሕናን እዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት እንታይ ዝጭበጥ ኣድማዒ ነገር ይገብሩልና ይኾኑ እንዳበልና ከም ዘይተጸበና ንሳቶም ከኣ ኣብ ዝተኣከብሉ ግዜን ቦታን ኣብ ቆይቍን ኣብ ምስሕሓብን ጥራይ ግዜኦም ከጥፍኡ ከሎዉ የስደምመካ። እቶም ኣብዚ ባይቶ'ዚ ተስፋ ኣሕዲርና ዝነበርና የዋሃት ኣብ ሰለስቲኡ ኣኼባኦም እንታይን ክንደይን ከም ዘሳለጡ ንግምግሞ ኢና።  ሕጂ ከኣ ዝገደደ መስደመም ኣብ መወዳእታ ሰዓት (11th hour) ንጉባኤ ብእንቃራረበሉ ግዜ ንኣቦ መንበር ምድስካል ወይ ምብራር እንታይ ኣድለየ። ርግጽ እዩ ነቲ ጉባኤ ዘድሊ ኩሉ ተቐሪቡ እዩ ይበሃል። ኣብ ቀረባ ስለ ዘየለና እቲ ዝርዝር ኣይንፈልጦን ንኸውን፤ ግንከ ዝርዝር ብዘየገድስ፡ ሓቂ ብሓቂ ንህዝቢ ኤርትራ ዝተሓልየ እንተኾይኑ (እቲ ንባይቶ ዝኽተል ህዝቢ) ኣብዚ ሰዓት እዚ ከምዚ ዝመሰለ ቅልውላው ከተእትውሉ ኣድላዪዶ ኔሩ? በዚ ግዜ'ዚ እቲ ካብ ኩሉ ህዝብና ዝጸልኦ ምፍልላይ ከም ዝኾነ ከመይ ኢሉ እዩ ነቶም መራሕቲ ዘይርድኦም ዘሎ? ብኣንጻሩ እቲ ህዝብና ሓሪሙዎ ዘሎ ማለት እቲ ሃንቀው ዝብሎ ምትዕራቕ፡ ምምይያጥ፡ ይቕረ ምባል፡ ምትእኽኻብ ከም ዝኾነ ከመይ ኢሉ ይጠፍኣኩም? እንተፈሊጥኩሞኸ ከመይ ኢልኩም ምእንቲ ህዝቢ ኢልኩም ብትዕግስን፤ ብተሳዋርነትን ብልዝብን  ክትፈትሕዎ ወይ ክትኣልዩዎ ዘይከኣልኩም? እቲ ዝስጎግ በዓል ስልጣንሲ ኽሳብ ክንደይ ሓደገኛ ወይ  ኣዕናዊ ጊደ ስለ ዝተፃወተ እዩ ኽሕለፍ ወይ ክጸንሕ ዘይተኻእለ? ካን ኮይኑና ድዩ ኩሉ ፍልልያትናን ዘይምስምማዓትናን ብጎነጽ ብረጽሚ ብጽልኢ ክንፈትሖ ከም ባህሊ ክንወስዶ? ኣይግድን።

 

ህዝቢ፡ ካባይ ጀሚርኩም ምስቶም ካልኦት ኣብ ወጻኢ ባይቶ ዘሎዉ ክትቃራረቡ'ሞ ኣብ ሓደ ባይቶ ክትእከቡ እዩ ዝነበረ እቲ ሃረርትኡን ትጽቢቱን። ንምዃኑ እዚ ዕማምዚስ ተፈተነዶ ወይስ ጌና ኣብ ውጥን እዩ ተሰሪዑ ዘሎ? ከም ርኡይ ግን እቲ ኣዚዩ ዝዓዘዘኩምሲ ካልእ ጓል ነገር እዩ ዝመስል ዘሎ፤ ንምንታይ ካብቶም ዝኣከብኩሞም ባእታታትን ማሕበራትንሲ እቶም ዝገለፍኩሞምን ዘደስከልኩሞምን ብነብሶም ዝገደፉዎን እዮም ዝበዝሑ ዝመስሉ።

 

እቲ ዘገርም ኣብዚ ዘሎኹሞ ኮንኩም ነታ ንእሽቶይ ባይቶ (ንምንሻው ዘይኮነስ ናይ ሓቂ ንእሽቶይ እያ) ብፍቕርን ብምክብባርን ብንጥፈትን ክትኣልዩዋ ዘይከኣልኩምሲ፤ ጽባሕ ኣምላኽ ኢሉዎ ሃገር ኣብ ኢድኩም እንተወዲቓ ደኣ እንታይ ክትገብሩ ኢኹም። ንዝግድሶ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ድቃስውን ዝኸልእ እዩ።

 

ሓንቲ ናይ ሞንጎኛታት (international Crisis Group) ኩነታት ሃገርና ናይ ትዕዝብቲ ሪፖርት ከም ዘንበብኩማ ኣይጠራጠርን እየ። ካብኣ ምጥቃሰይ ደስ ኣይብለኩምን ይኸውን ግን ከይፈተኹ ካብታ ረፖርት ቁንጥር ኣቢለ ክጠቕስ እሞ እንደገና ምእንቲ ከተንብብዋ ከዛኻክረኩም ሕልናይ የገድደኒ፡

 

"Over the long years of exile the opposition has failed to build a coherent front and form a plan for a viable political, social and economic transition. . . . . . . . . . . . .  . . . . They also do not appear to be considering – or to fully comprehend – the extent to which the economy has deteriorated and the social fabric been dismantled…….. They are especially distant from the younger people who have spent their best years between military service in trenches and forced labour in national service.127 How to reintegrate entire generations condemned to lives in the military or exile needs urgent assessment and answers.”

 

ንምዃኑ እቶም ደገፍትኹም መንግስታት ይኹኑ ትካላትከ እንታይ ይብሉኹም? ወይ ኣፍ ኣውጺኦም እንተዘይበሉኹምሲ እንታይ ይብሉና ይኾኑዶ ኣይትብሉን? እምበርዶኸ ካብ ባህልኹም ዝወረስኩሞ ስክፍታ ቁሩብዶ ኣይተረፈኩምን እዩ? ተስፋ እገብር እዚ 20/30 መዓልታት ኣብ ናይ ቃላት (semantics) ትርጉም ይኹን ዱንከ ክትብሉ ንዝጠፍኤ ወጻኢ ገንዘብ ኮነ ካልእ ሃብቲ ካብ ጁባኹም እምበር ካብ ጁባ ካልእ ከይከውን ተስፋ እገብር። እንተዘይኮነ ግን ተዓዊቱልኩም ረጕድ እዩ ቆርበትኩም ማለት እዩ።

 

ለ) ሎሚ መዓልቲ ንዓይ ብኽልተ ወገን እያ ኣሕዚናትኒ። በቲ ሓደ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቕስኩዎ ናይ ዶክ. ዮሱፍ ብርሃኑ በዚ ተኣፋፊ ግዜ ብሃንደበት ካብ ኣቦ መንበርነቱ ምውራድ ክኸውን ከሎ፡ በቲ ሓደ ወገን ከኣ ናይ ኣብ መንጎ ኣባልት ናይ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ዝርኤ ዘሎ ዘይምስምማዕ እዩ። ምናልባት እቲ ክልቲኡ ፍጻሜታት ዝተዛመደ ክከውን ይኽእል እዩ።  እዚ ብዘይግድስ ግን፡ ኣነ ብወገነይ ኣብዛ ግንባርዚኣ ብዙሕ ተስፋ እዩ ዘሎኒ። ንዓይ ከም ዝመስለኒ እዛ ግንባርዚኣ ብብዙሕ ወገናታ ነቲ ናይ ኤርትራ ሕብረተሰብ እያ እትመስል በሃላይ እየ። ካልኦት ውድባትውን ከምኣ ክኾና ይኽእላ እየን።   ልክዕ እዩ ኣብ ውሽጢ ውድብ ብዙሕ ምፍሕፋሕ ክነብር ይኽእል እዩ። ነገር ግን ምፍሕፋሕ ባህሪ ናይ ደቂ ሰብ ባህሪ ናይ ሓቢርካ ምስራሕ ስለ ዝኾነ ንቡር እዩ ክበሃል ይከኣልዩ። ከምዚ ክኸውን ከሎ ግን ከኣ ከይሳዕረር ከሎ ክፈትሕዎ ዝኽእሉ ብዙሓት ብሱላትን ምኩራትን ለባማትን፡ ኣባላትን መራሕትን ኣብ ውሽጢ እታ ውድብ ስለ ዝረኣኹ ዘሸግር ኣይመሰለንን ኔሩ። ሕጅውን እንተኾነ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቕስኩዎ ምንቛትን ምፍልላይን ይኣኽለና፡ ንከኣኣል፡ ይቕረ ንበሃሃል፡ በዚ ምትፍናን እዚ ግንባር ድሕነት ክዝሕትል የብሉን'ሞ እቶም ለባማት ሃየ ከይትድቅሱ ንውድብኩም ኣብ ቀደማ ክትመልስዋ ጸዓሩ። ከምቲ ወትሩ በዚ ኩነታት እዚ ዝሕጎስ ኤርትራዊ ኣይጠፍእን እዩ። "እምባ መዓር ክፈርስ ከሎ ዓሻን ይልሕስ ለባምን ይጉሂ" ዝበሃል ከምዚ ናይ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ዝመሰለ ዘጸቢ ኣዳራሽ ክትንከፍ ከሎ እዩ። ሃየ ኣሕዋት ኣይትዓሽዉ።

 

ሓ) ኣብ መደምደምታ፡ንኽልቴኩም ንመራሕቲ ባይቶን ንመራሕቲ ግንባር ሃገራዊ ድሕነትን ክብሎ ዝደሊ፡

እቲ ናይ ባይቶ ኮነ ናይ ውድባት ሕማም ናብ መንእሰያትና ምልሓሙ ዘሕዝን ምኻኑ እዩ። ኣይትሓዙለይ ደኣምበር ሕማምኩም ተላጋባይ ዓይነት ሕማም እዩ። ከምኡ ምዃኑ'ውን ትፈልጥዎ ኢኹም። ንኽትፍውስዎ ሕክምና ኮነ መድሃኒት ዘይምድላይኩም ግን ምስ ሕሰምን ምስ ጭካነን እዩ ዝቑጸር።   ከምኡ እንተዘይከውን ሃገርናን መንእሰያትናን ካብ ሱሩ ተበንቍሩ ፋሕፋሕ ብትንትን ክብል ከሎ ኣብ ክንዲ ሃናጺን ሓቢርካ ንምሕካሙ ንምድሓኑ ምስራሕን ኣብ ተንኮልን ኣብ ምሕንኳልን ኣይመድሃብኩምን። ኣብ ክንዲ ናይ ሃገር ኣብ ናይ ነብስኹም ምውድዳርን ምቾት ኣብ ምድላይን ኣይመቐደምኩምን። ደርሆስ ብኣምዑት ደቃ ትጻወት ከም ዝበሃል፡ ብደቅኹም በሕዋትኩም ትላገጹ ኣሎኹም፤ ግደፉ ኣቶ ኢሳያስ ደኣ ካብዚ ሓሊፉ እንታይ ጌሩ ከይትበሃሉ። ታሪክ ተዓዛቢ እዩ ከምኡውን ኣይታለልን እዩሞ ከይፈርደኩም።

 

ምስ ጽቡቕ ምንዮት ንዓኩምን ንህዝብናን

ብርሃነ ገ/ንጉስ

7/31/2013


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...