ኣብ መወዳእታ ዮሃና ንህዝብን ሰራዊትን ዮሃና ንምልኣተ ደንበ ተቓውሞን ተደናገጽትና ጎረባብትናን መርበብ ሓበሬታ ሳሊና ህንጸታ ብከፊላዊ መልክዓ ዛዚማ ዳግም መጺኣላ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ፈነወ ሳተላይትን ንመላእ ሃገር ብጽሬት ዝሽፍና ናይ ኤፍኤም ፈነወታትን ሒዝናልኩም ከም ንመጽእ በዚ ኣጋጣሚ ነበስረኩም። ዕምሪ ውልቀምልኪ ናሓጸረ ሓይሊ ሚዛን ሓቀኛ ደንበ ተቓውሞ ሃገርና እናበረኸ ብምምጽኡ ዮሃና-ዮሃና ክንብል ንፈቱ። ሕጂ’ውን ከም ትማል ኩሉ ደላይ ለውጢ ተቓላሳይ ንሓርነታዊ ገስጋስና ብሕብረት ይመርሽ።ከም ኣካል ምህናጽ ገዚፍ ኩለ መደያዊ መራኸቢ ሓፋሽ ወጋሕታ ሳሊና መርበብ ሓበሬታ ሳሊና’ውን ምዕብልትን ቅልጥፍትን ኮይና ንኹሎም በጻሕታ ብቐሊሉ ንክተተኣናግድ ብምሕሳብ ንንውሕ ዝበሉ ኣዋርሕ ኣብ ዳግመ ምትዕርራይ ምጽናሓ ይዝከር። ሕጂ ግን ኣብ ጽባሕ ምጅማር ፈነወ ኤፍኤም ወጋሕታ መርበብ ሓበሬታ ሳሊና’ውን ምትዕርራያ ብከፊላዊ መልክዓ ዛዚማ ካብ ሎሚ ጀሚራ ስርሓ ከምዝጀመረት ናበሰርና፡ ነቶም ካብ መፈለምታ ምጅማር ምትዕርራያ ክሳብ ሎሚለይቲ ኣብ ግዳም ንዝርከብ ህዝብና ናይ ሓበሬታ ድስካለ ከየጋጥሞ ብምሕሳብ ንሙሉእ መደባታ ከይሰልከዩ ክሽፍኑ ንዝጸንሑ ሓቀኛ ሃገራዊ መሓዙት መርበባት ሓበሬታና ዘለና ልዑል ምስጋና ንገልጽ። ከምኡ’ውን መርበብ ሓበሬታ ሳሊና ዶት ኮም ኣብ ምሕጻር ዕምሪ ስልጣን ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዘለዎ ግደ ብምግንዛብ ኣብ ጎድንና ጠጠው ኢሎም ቅልጡፍ ምትዕርራያታ ወዲኣ ስርሓ ንክትጅምር ንዝተደናገጹን ንዝደገፉን ክቡራትን ፍትዋትን ተኸታተልቲ ንኩሎም ዘለና ልዑል ኣኽብሮት ናገለጽና ንሕና’ውን ማዕረ ክንድ’ዚ ንዝተጨነቑልና ዜጋታት ምስጋናና ናገለጽና ንፍትዋት ተኸታተልትና ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ብዝበለጸ ትጽቢቶም ንምርዋይ ኣብ ልዕሊ ፍናን ተወሳኪ ፍናን ደሪብና ዕምሪ ስልጣን መጥፍኢ ሃገር ኢሳይያስ ንምሕጻር ከም ንሰርሕ ቃል ንኣቱ። ‘ቶም ኣብ ዝሓለፉ ብሬድዮና ጥራሕ ሽፋን ዝረኸቡ መደባትና’ውን ኣብ ግዳም ዝርከቡ ጀጋኑ ዜጋታትና ክፈልጥዎም ይግባእ ኢልና ዝመረጽናዮም ቀንዲ ቀንዲ መደባት ክነቕርብልኩም ኢና። ፍትዋት ተኸታተልትና’ውን ኣብታ ከም ብሓድሽ ተሰሪሓ ቐሪባ ዘላ መርበብ ሓበሬታ ሳሊና ክውሰኽን ክተዓራረን ኣለዎ ትብልዎ ርኢቶ ተልዩ ስደዱልና’ሞ ንሕና’ውን ኣብ መስርሕ ከነተዓራርዮ ምዃና በዚ ኣጋጣሚ ክንሕብረኩም ንፈትው ።

ኣብ መወዳእታ ዮሃና ንህዝብን ሰራዊትን ዮሃና ንምልኣተ ደንበ ተቓውሞን ተደናገጽትና ጎረባብትናን መርበብ ሓበሬታ ሳሊና ህንጸታ ብከፊላዊ መልክዓ ዛዚማ ዳግም መጺኣላ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ፈነወ ሳተላይትን ንመላእ ሃገር ብጽሬት ዝሽፍና ናይ ኤፍኤም ፈነወታትን ሒዝናልኩም ከም ንመጽእ በዚ ኣጋጣሚ ነበስረኩም። ዕምሪ ውልቀምልኪ ናሓጸረ ሓይሊ ሚዛን ሓቀኛ ደንበ ተቓውሞ ሃገርና እናበረኸ ብምምጽኡ ዮሃና-ዮሃና ክንብል ንፈቱ። ሕጂ’ውን ከም ትማል ኩሉ ደላይ ለውጢ ተቓላሳይ ንሓርነታዊ ገስጋስና ብሕብረት ይመርሽ።

ባንዩ ኣሎ ክወግሕ’ዩ!

ኤዲቶሪያል ቦርድ ወጋሕታ ሳሊና


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...