ኣንታ ህዝቢ እንታይኻ በዲልካ ?

እዚ ኹሉ ተንኮል ኣብ ልዕለኻ

ክንዲ ዝቐለብካ ዝሓብሓብካ

ሓንጎፋይ ኢልካ ሰብ መሲሉካ

ቅንይ ተልካስ ቀዳሞት ጸላእትኻ

 

ክኣትዉ ሻማሻማ ዘይንብረቶም

ክዘምቱ ጀመሩ ማዓጹ ሰሰይሮም

ህዝቢ ደንጽዩዎ በቲ ተግባራቶም

ኣድሪቖማ ህግደፍ ጨው እግሮም

ኣይትብላዕ ኣይትስተ ምስዚኣቶም

 

መሬትና ምድረ በዳ ሰሃራ ኮይኑ

ዝብላዕ ዝስተ ጥር ዝብል ተሳኢኑ

ተካላይ ህዝቢ ብኸብዱ ተጨኲኑ

ሕጉስ ዝነበረ ግዜ ህግደፍ ሓዚኑ

ደቁ ንሃገር ዘወፈየ ጻሙኡ ሲኢኑ

 

ክንዲ ዝርህዎ ብመግዛእቲ ተቖሪኑ

ሃገር ዘውሕሱ ገዲፎም ንዓና ዝኾኑ

ጠላማት ተኪኡዋ ህዝቢ ዝጩኩኑ

ብውሳኔ ናይ ሳሕል ከሕቅቑ ንጀጋኑ

ሓቂ ንዝተዛረቡ ቀንጺሎም ከወግኑ

ብሕጊ ሳሕል ህዝቢ ሓመድ ከስሕኑ

ብደቂ በረኻ ትምራሓላ ሰብ ተሳኢኑ

 

ኣስመራ ውቅብቲ መልክዓ ተዳሂሉ

ካምፖቺታቶ መናድቓ ጠልጠል ኢሉ

ንኽትዛወር ትስከፍ ከይወድቕ ዱብሉ

ማዘጋጃ ቤት ዘጽንሓ ሓጺቡ ወላዊሉ

ሎሚ ግን ኣብ ማእገራ ርስሓት በቍሉ

ኣላዪ ሲኢና የድሕነና መዓልታ ኣኺሉ

 

ኣቤት ሓቦ ኣብ ጸልማት ብዘይ ማይ

ዓይነ ስዉር ኮይኑ ኣስላማይ ክስታናይ

ብሰንኪ ጸላእትና እናበለ ብምምኽናይ

ህዝቢ ተበሳቢሱ ብህግደፍ ዘመነ ግናይ

 

ሰሚዕና ኣብ ሆስፒዳል ቁንጨቱኳን

ሕርሲ ዝሓዘን ዝገብርኦ ጨኒቑወን

ዝስተስ ይትረፍ ጥር እኳ መሕጸቢአን

ክትጥዒ ተኸድካስ ናብ ሬሳን ቃሬዛን

 

ሆስፒታላት ህግደፍ ጋራጅ ዝመስል

ደሓን ኣቲኻስ ኣብ ምውጻእካ ትቖስል

ሃገር ትጽበላ ሓኪም ሕማማ ዘቐምስል

ሃገርና ንፈውሳ ከም ዓለማ ክትመስል

 

ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመን ሓዲኡሎ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...